Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካልኣይ ግዜ ክንስረቅ፡ ቤትና ንሰራቂ ክንከፍተሉ የብልናን

ካልኣይ ግዜ ክንስረቅ፡ ቤትና ንሰራቂ ክንከፍተሉ የብልናን ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ልዕሊ’ቶም ጸላእትና እንብሎምን ንህዝብና ንዓመታት ዘድመዩ፡ ንብረቱ ዝዘመቱ፡ ክብረትና ዝቀንጠጡን መንነትና ክሓኩ ዝጸዓሩን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎ ዝያዳ ብተግባር

ካልኣይ ግዜ ክንስረቅ፡ ቤትና ንሰራቂ ክንከፍተሉ የብልናን

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑን ልዕሊ’ቶም ጸላእትና እንብሎምን ንህዝብና ንዓመታት ዘድመዩ፡ ንብረቱ ዝዘመቱ፡ ክብረትና ዝቀንጠጡን መንነትና ክሓኩ ዝጸዓሩን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከምዘሎ ዝያዳ ብተግባር ኣረጋጊጹ ኣሎ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፍትሕን ብልጽግናን ንምስፋንን ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምጽራግን፡ ሂወቱ፡ ንብረቱን ርሃጹን ዘበርከተ ክንሱ፡ ድሕሪ ናጽነት ግን ብስርዓት ህግደፍ ተጠሊሙን ግዳይ ናይ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ኮይኑን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝኸብርን ጻማ መስዋእቱ፡ ሩፍታን ብልጽግናን ዝረክብን፡ ከም ቀዳማይ ጸላኢ ተቆጺሩ፡ ተኣሲሩ፡ ንብረቱ ተዘሚቱ፡ ካብ መርዓን ትምህርትን ተሓሪሙ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተጸሚዱ፡ ብጥሜት ተቀጺዑ፡ ብሕማም ማሲኑ፡ ባህሉን መንነቱን ተኸሊሱ፡ ናብ ስደት ተበታቲኑ፡ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላቱ ተጋሂሱ፡ ልኡላውነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣትዩ፡ መጻኢ ዕድሉ ኣማዕድዩ ኣብ ዘይርኤሉ ኮይኑ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮ እምነትን ተስፋን ባይታ ስለዝዘበጠ፡ “ህግደፍ ኣጎዛኻ ጠቅሊልካ ግዓዘልና፡ ናትና ኣይኮንካን፡ ናትካ ኣይኮናን፡ ፊጊዕካና፡ ህይወት ኣብ ትሕቴኻ መሪሩና፡ ካብቲ ብኢደ ዋኒንካ ዝሓዝካዮ ስልጣን ውረድ” ይብሎ ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ንኽቅጽል ንኣስታት 20 ዓመታት ከም መመኽነይታ ከመሳምሶ ዝጸንሐ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብን ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዘይትግበር ይገልጸልና ኣሎ። ካብ ዝሓለፈ ሳምንታት ጀሚሩ፡ ብላዕለዎት ካድራትን የማናይ ኢድ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ንሰራዊትን ንተጋደልትን ንህዝብን ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ዓጺድ ወይ ዘመተ ምጥፋእ ኣንበጣ ዝመስል ኣኼባታት፡ “ክሳብ ኢትዮጵያ ትረጋጋእን ትድልድልን፡ ጉዳይ ምስሓብ ሰራዊትን ምሕንጻጽ ዶብን ክለዓል የብሉን፡ ክሳብ ሽዑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ይሰደድ፡ ሰብኣዊ መሰሉ ይረገጽን ልኡላውነቱ ይደፈርን” ዝብል ናይ ክድዓትን ምስሉይነትን መግለጺታት ይህቡ ኣለዉ።  ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ስርዓት ህግደፍ ዘካይዶ ዘሎ ብሸፈጥን ብወስለትለትን ዝተዓብለለ ኣኼባታት ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መሰረታዊ ውሽጣዊ ጠለባቱን ጸገማቱን ከየድህብን ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ንኽረግጽ ኣብ ስልጣኑ ንኽጸንሕን’ዩ። እቲ ዘገርም፡ ዝበዝሑ ካብቶም ሰሚናራት ከካይዱ ብኢሳያስ ዝተኣዘዙ ካድራት ህግደፍ፡ ንዓመታት ደስኪሎም ብዘይ ስራሕ ጽሓይ ክጽለዉ ዝጸንሑን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑን፡ ህዝቢ ኤርትራ እናተሰደ፡ እናተኣስረን ብሕሰም መነባብሮ እናተሳቀየን፡ ጃጅዮም ዘስቀጡን ንመሰለም ዘይጣበቁን ኢዮም።

ንምዃኑ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ክንሱ፡ ስለምንታይ ኢዩ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ልዕሊ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝግደስን ዝሕለቅን ዘሎ? ዶስ እቲ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ “ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ስልጣን ሂበካ ኣለኹ ካብ ሎሚ ንድሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ዝበሎ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓንቲ ሃገር ኢየን ዝብል ሓደገኛ ሕልሚ’ዩ ዘተግብር ዘሎ? ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ስለዘየለ ተባሂሉ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስሩዕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታቱ ከካይድ ተጸጊመ ኣይበለን ወይ ኣየቋረጸን። ሰላምን ምርግጋእን ስለዘይብልና ሰራዊትና ካብ መሬት ኤርትራ ኣይንስሕብን ኢና ዶብ ምሕንጻጽ ቀዳምነትና ኣይኮነን ዝብል ወግዓዊ መግለጺ’ውን ኣይሃበን። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓብዪ ኣሕመድ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘይቅድመ ኩነት ይቅበሎ ስለዝበለን ምስ ኢሳያስ ኣብ ስዑድያን ኢማራትን ስልማት፡ ሚልዮናት ዶላርን ዝናን ስለዝረኸበሉን፡ ቃሉ ከይዓጸፈ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክትግብሮ ኣለዎ። ንምንታይ’ሲ፡ ብዛዕባ ሰላምን ጽቡቅ ጉርብትናን፡ መዓር ዝጥዕምን መሳጥን መደረ ምድርዳር ንበይኑ ፍታሕ ኣይኮነን።

እቲ ኩሉ ዝፈልጦ ሓዊ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ኣይኮነን ዓጂብዎ ዘሎ። መላኺ ህግደፍ ከምቲ ንኣስታት 20 ዓመት “መሬትና ብወያነ ተጎቢጡ፡ ኣመሪካ ትዕልቆና ኣላ፡ ዓለም እገዳ ገይራትልና” እናበለ ልዕልና ሕጊ ንኸይነግስ፡ ቅዋም ንኸይትግበር፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ በረኻ ንኽሰፍርን መጻኢ ዕድሉ ንኽኹለፍን ሃገራዊ ኣገልግሎት ንኽቅጽል፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት ንኸይፍትሑ፡ መሰል ምዝራብን እምነትን ከይፍቀድ፡ ብሓጺሩ ህግደፍ ምልካዊ ስልጣኑ ንኽቅጽልን ንህዝቢ ኤርትራ ንኽረግጽን ስለዝደሊ ኢዩ። ንውልቀመላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ቀንዲ ኣራኺብዎም ዘሎ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ወያነ ሕነ ንምፍዳይ እምበር፡ ሰላምን ብልጽግናን ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለዝዓጦም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብስም ወያነ ንህዝቢ ትግራይ ኣግሊልካ ምስ ገለ ክፋል ክልል ኢትዮጵያ ሸረኽረኽ ምባል ናይ ነገር ጣቋ ኣይኮነን። ሰላምን ምትሕግጋዝን ሃገራት ዝረጋገጽ፡ ክልቲኡ ህዝብታት ብሓባር ምስዝዋሳእን ምስዝረብሕን እምበር ብውሳነን ዊንታን ክልተ መራሕቲ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ሕሉፍ ተሞኩሮ ስርዓት ህግደፍ ከምዘረጋግጾ፡ ህግደፍ ዝረብሓሉ፡ ንጸላኢኡ ዝሃርመሉን ገንዘብ ዝግሕጠሉን ኣጋጣሚ እንተረኺቡ ምስ ሰይጣን ምሕዝነት ክምስርት ጸገም የብሉን። ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ምሳኻ ኣለኹ ኢሉ ድሕሪ ሳልስቲ ክጠልመካን ክጎጥየካን ጸገምን ዒብን የብሉን። ንህግደፍ ዝኣመነን ማይ ዝሓቆነን ድማ ሓደ ኢዩ።

እቶም ፍርቂ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ተበታቲኑ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ኤርትራውያን ኩሉ ሰብኣዊ መሰሎም ተጋሂሱ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተሳቀዩ፡ ልኡላውነትን ክብረትን ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣተወን ህዝቢ ኤርትራ እናተሳቀየን እንከሎ፡ ማዕበል ህዝቢ ኤርትራ ንምግታእን መኣዝኑ ንምስሓትን ናይ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኢደ-ቤዛ ኮይኖም፡ ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ፡ ጃንዳ የማነ ገብረኣብ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ስምኦን ገብረድንግል፡ ተስፋሚካኤል ገራሃቱ፡ ዕስማን ሳልሕ፡ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ጠላማትን ስሱዓትን፡ ካብ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ፈሊኻ ዘይርኣዩን  ብገበን ዝሕተቱን ኮይኖም፡ ደቆምን ነብሶምን ዜግነት ናይ ካልኦት ሃገራት ዝሓዙን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰረቅዎ ሃብቲ ኣብ ወጻኢ ባንክታት ዘቀመጡን ስለዝኾኑ ኤርትራ ኣይናቶምን’ያ። ተግበርቲ ናይቲ ብትእዛዝ ኢሳያስ ብጃምላን ብተብተብን ዝካየድ ዘሎ፡ ዕዮ ገዛ ተማሃሮ ዝመስል ኣኼባታት ድማ፡  ወይልኦም ደቂ ገርሂ ልባ ቁምነገር ዘለዎ ይመስሎም እምበር፡ በኹሪ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ዘይቅርዑይ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ፡ ተሓይኹ መቀረቱ ዝጠፍአ ብዕሪር ወይ ማስቲካ ስለዝኾነ መባኸኒ ግዜ ኢዩ። እቶም እንታይ ከምዝገልጹን እንታይ ከምዝምልሱን ብቃልን ብጽሑፍን መምርሒ ዝተዋህቡ እሙናት ካድራት ህግደፍ፡ ብዙሕ ሓቅታት ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናተዓዘቡ፡ “ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ንኤርትራ ዘመሓድርን ዝሕለቅን ኣካል የለን” ዝብል ኣጉልን ናይ ሰብዓታት ኣተሓሳስባን ፍልስፍናን ኣብ ደሞም ዝተዋሃሃደ፡ ጸሊምን ጻዕዳን ንምፍላይ ኣዒንቶም ዝዓወረን ኣውያት ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዑ ኣእዛኖም ዝጸመመን ኢዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ’ውን ካብ ይኣክል ምባል ሰጊሩ፡ ነዚ መሰረታዊ ጉዳይና ኣረሲዑ ኣብ ጓል መንገድን ኣብ ዘይምልከተናን ምስምሳት ዘእትወና ዘሎ ሎኽመኛ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኻልኣይ ግዜ ክሰርቀናን ከታልለናን ቤትና ከነርሕወሉን ክንዕሸወሉን ኣይግባእን። ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ዝተገራህናዮን ዝተሳቀናዮን ይኣኽለና። መኸተናን ቀዳምነትናን ሎሚ ይኹን ጽባሕ፡ ስርዓት ህግደፍ ገፋዒ ስርዓት ስለዝኾነን ንህዝቢ ኤርትራ ስለዘይውክልን፡ ብዘይ ውዓል ሕደር፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ኣብ ቦታኡ ድማ ህዝቢ ዝወከሎ ፍትሓዊ ስርዓት ምህናጽ ክኸውን ኣለዎ።

          ጽላል፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 19 ሚያዝያ 2019

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT