Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካምፖ ቺንታቶ ወሊዳ ኮምብሽታቶ!

“The UN Resolution on the future of Eritrea constitutes one of the most outstanding and constructive experiments which the UN has undertaken throughout the world.”   UN Commissioner Eduardo Anze Matenzo, 10-4951 እንግሊዝን ጥልያንን ኣብ ግምባር ጥንኩለሓስ

“The UN Resolution on the future of Eritrea constitutes one of the most outstanding and constructive experiments which the UN has undertaken throughout the world.”   UN Commissioner Eduardo Anze Matenzo, 10-4951

እንግሊዝን ጥልያንን ኣብ ግምባር ጥንኩለሓስ ትኹስትር ቀንዮም “3120 ጥልያን ክሳብ 9000 ዓሳኽር ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ከምኡ’ውን ክሳብ 5000 ዝበጽሑ እንግሊዛውያን ለኪሙ (1, 95)” ኣብ መወዳእታ ድማ እንግሊዝ ስዒሩ፡ ብዓወት ንኸበሳ ገጹ ከንቃዕርር እንከሎ’ሲ፡ ካብ ሓንቲ ቁንንቲ ወ’ዘሮ ዝሰምዖ ዕልልታ ዝገረሞ እንግሊዛዊ መኮነን፡ ብዛዕባይከ እንታይ ትፈልጥዮ’ለኪ ጓለይ? ንምባል ይመስል፡ “ንኣኺ’ለ’ይገበርኩዎና’ቲ ባርያ  = I didn’t do it for you, nigger.” ኢሉ ከምዘማረረ ዘዘንቱ ዕላል፡ ምስሰምዐት’ያ ኣርእስቲ መጽሓፋ፡ “ንኣኺለ’ይገበርኩዎን” ክኸውን ዝወሰነት፡ ምክኤላ ሮንግ።

እዚ እንግሊዛዊ መኮነን፡ ኣንቲ ሰበይቲ ባዕልኺ ኣብ ትፈጥርዮ ናይ ተስፋ ገመድ ጠልጠል ኢልኪ ኣይተምባሁቚ፡ ዓውድኻ ከም ዘርእኻ’ዩ ትሕዝቶ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ዝመስል ናይ ቀደም ዘረባ፡ ሎሚ’ውን ምድጋሙ ዝጎድሎ’ብሉን፡ ከምርኢቶይ።

ዝኾነ ኾይኑ ምክኤላ ነ’ስመራ ክትከይድ ንእግረመንገዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናይ ካይሮ፡ ምስ ዘጋጠማ ገያሻይ ከተዕልል እንከላ’ሲ፡ ጋዜጠኛ ምዃና ሓቢራ፡ ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ክትጽሕፍ መደብ ከምዘለዋ ክትገልጸሉ ፈተነት’ሞ፡ ሰብኣይ ገሪሙዎ፡

ፈለማ ኣልጀርያ ድኺ ዝበልኪ ይብላ፡

ንሳ ድማ ኣይኮነን ኤርትራ’የ ዝበልኩኻ ትብሎ፡

ሰብኣይ ቀጺሉ ኣልጀዚራ ማለትኪድዩ ዝብል ሕቶ ወሰኸላ።

ሽዑ ምክኤላ ኣደማምጻ ፊደላት ኣትርር ኣቢላ ኤ  ር  ት ራ!

ማለት’ሲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ትርከብ፡ ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት ንእሽቶ ሃገር’ያ። ካብ ካይሮ ብነፋሪት ኣስታት ክልተ ሰዓታት ኣብ ዝወስድ ርሕቀት’ያ ትርከብ። እናበለት፡ ብድፍረት ዝጀመረቶ መጽሓፋ፡ ትሕዝትኡ ይበል’ዩ። ፍረ- ጻምኣ ይፍጠረላ ጥራይ! እቲ ምድንጋር ፈቕደኡ’ዩ መሊኡ ዘሎ።

ፍሻለ ያኢ ተኾይኑለይስ እንቋቑሖ’በሃለለይ!   

ዝኾነ ኾይኑ ቀደም ገድልን ሽፍትነትን ጥቓ-ጥቓ እንከለዉ’ሲ፡ ብዝሖም ብልክዕ ዘይፍለጥ ኣባላት ኣጸልምት ኣቢሎም ናብ ሓደ ዓዲ ኣተዉ። ሽዑ ብኳደረ ተተኣዚዙ ቅጫን ጣይታን ጥራይ ዘይኮነ በጋይዕን ኣጣልን ዘለዎ ድራር ተቐረበ። ኣመት ኣጋይሽ ናይ’ታ ምሸት’ቲኣ ንኽገብሩ ድማ ጭቃን ሽማግለታትን ከምኡ’ውን ዓበይቲ-ዓዲ፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ገበላ ተኣኪቦም፡ ነቲ ዝግበር ዝነበረ እንግዶት ብኣንክሮ ክከታተሉ እንከለዉ፡ ሓደ’ቦ ኣብ መንጎ’ቲ ምንቅስቓስ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ተዓዘቡ።

ሽዑ ካብ’ቶም መሳሰይቲ ንሓደ ጸዊዖም፡ ደሓን ድኹም ደኣ፡ እና’ናሳዕ ሕሹኽሹኽ ትብሉ ዘለኹም፡ ክብሉ ናብ እዝኑ ጽግዕ ኢሎም ተወከስዎ። ወዮ ጎምበለ ድማ ብትሑት ድምጺ ደሓኒ’ና’ቦ፡ ካብ’ዞም ኣጋይሽና ሓደ ግን ስጋ ኣይበልዕን’የ’ሞ እንቋቑሖ ቁለውለይ፡ ይብለና ስለዘሎ፡ እንቋቑሖ ካብ እንዳ መን ንኣዝዘሉ ኢና ክንበሃሃል ጸኒሕና በሎም።

ሽዑ ወዮም ሰብኣይ፡  ሓው’ለተኸ!

ፍሻለ ያኢ ተኾይኑለይ’ሲ፡ እንቋቑሖ’በሃለለይ?

ካብ ቅጫን ጣይታን ሓሊፍና ምሩጻት ዘረናጡን መጓሉን ራዕ እና’በልናዮም’ሲ፡ እሞ ሎምስ ከኣ እንቋቑሖ!

 እናበሉ ምርኩሶም ሒዞም ብድድ ይብሉ’ሞ፡ ንዓ ውጻእ በሎ ካብ’ቲ መጋርያ፡ ሓው’ለተኸ! ፍሻለ ተኾይኑለይ’ሲ እንቋቑሖ ኸኣ’በሃለለይ! ወሰኽሉ።

ሽዑ ወያ ገበላ ሙሉእ ተኣኪባ ዝነበረት ህዝቢ ብሃንደበትነት ናይ’ቲ ኩነታት ሰንቢዳ ጸጥ በለት። ነቶም ሰብኣይ ድማ ኣብ ጥቕኦም ዝጸንሑ ዓበይቲ ሰባት፡ ደፊኦም ደፋፊኦም ብምውጻእ ናብ ገዝኦም ወሰድዎም። ብድሕሪኡ ናብ’ቶም ኣጋይሽ ምልስ ኢሎም፡ ጥዕና ስለዘይብሎም’ሲ፡ ስሕት ኢሉ ከምኡ’ገብሮም’ዩ። ደሓር ከኣ ብዕድመ ኣዝዮም ዝደፍኡ ኣቦ’ዮም ብምባል ኣጋይሾም ኣህዲኦም፡ ኣመት እንቋቑሖን ድራርን ምግባር ቀጸሉ።

ስምብራት ፈረንጂ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ኣይነበረን። ካልእስ ይጽናሕ ደሓን ንቦታን ብልዕን ምሕዛእ’ውን ኣይገደፈን፡ ንምባል’የ ዘኪረዮ።

እወ ካብ ካምፖ ቺንታቶ ክሳብ ኮምብሽታቶ ዝሓለፈ ናይ መግዛእትን ወለድን ናይ ምርብራብ ውዕሎ ዝገደፎ ስምብራት፡ ን’ንቋቑሖስ ካብ ሕምቶን ስጋን ጤለ-በጊዕ ፈልዩ፡ ከም ምሩጽ ብልዒ’ፍሻለ (ጸሓፋይ!) ዝቖጽር ዝነበረ’ዩ ዝመስል።

ሓቂ ሓይሽ ደቂ ኮምብሽታቶ ትብልዎ ደኣ እንድዒ’ምበር፡ ኣብ ሃገረሰብ’ሲ እንቋቑሖ ምብላዕ ልሙድ ኣይነበረን። ምናልባት ኡንኮ-ኽልተ እንተተረኺበን’ኳ ንጨው ንበረበረ ንርሳስ ንጥራዝ ክልወጣ’የን፡ ሓሰር ተሰሪሰን ብዋህዮ ተቖጺረን ዕዳጋ ዝወርዳ ዝነበራ። …..  ሎሚ ግን እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ኢዶም ኣይስኣኑ፡ ንሳ’ውን ተሳኢና’ላ።

ዝኾነ ኾይኑ ምስ ምንዋሕ ግዜ ወዮ ቛንቋ ትርጉሙ ዘንቢዑስ፡ ኮምቢሽታቶ ዝብል ስም፡ መንቀሊኡ ብዘየ’ገድስ፡ ከም ናይ ጽባቐን ስልጣነን ምሩጽ መሐበኒ ምልክት ኮይኑ’ዩ ተለሚዱ ዘሎ። ኣይ ቅሔትና ኣይ ምሔትና! (ምስላ) ዝብሎ ስኢኑ።

ስለ’ዚ እዚ ክሳብ ሕጂ መናሃርን መጃሃርን ዝናን-ባህታን ኮይኑ፡ ብኾምብሽታቶ ዝንጸባረቕ፡ “ኣስመራየ’ስመራ ኩለን ተኣኻኺበን ክንዳ’ኺ ዘይኮና….” ዝተደርፈሉ ናይ ምዕባለ-ስልማት ዝመስል መልክዕ እምበርኣርከስ፡ ጥልያን ዘጠመቖ ካምፖ ቺንታቶ እንከሎ’ሲ፡ ንሕና ንብሎ ኮምብሽታቶ ኮይኑ’ዩ ተወሪሱ ዘሎ። ብዓቢኡ ድማ ኣገልግሎቱ ኣበ’ፈላላይ ሕብርን ዓሌትን ዝተመስርተ፡ ንደቀ’ባትን መልክዖምን ዝፍንፍን መልእኽቲ ዘለዎ ሽም’ዩ ኔሩ ኣብ ምንቃሉ።

ኣደራራስ ውዕል ውጫለ!

ዝገርም’ዩ ንመረብ ምላሽ ከም ብላዕ ኣኾሊሱ፡ ህርፋን ፈረንጂ ኣዕጊቡ፡ ወራር ክዓግት ዝፈተነ፡ ብስም “ውዕል ውጫለ” ዝፍለጥ፡ ናይ ሸዋ ፖለቲካ ድማ ናይ ቋንቋን ትርጉምን ውሻጠ ውሒጡዎ፡ በ’ምሓርኛን፡ ብጣልያንኛን፡ ዝቐረበ ወረቓቕቱ፡ መሰረታዊ ፍልልይ ዘንጸባርቕ መልእኽቲ ሒዙ ተዘርግሐ ይብሉ ናይ ታሪኽ መጻሕፍቲ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ ንመረብ-ምላሽ ከም ባጃ ወይ ድማ መድሓን-ነብሲ ዝጠረረ ናይ ሸዋ ፖለቲካ ዘይተጸበዮ ዶንጎላ’ዩ ዓቢጡዎ።

ማለት’ሲ ኣይተመሰለሎምን ደኣ’ምበር፡ እንዳ ሃጸይ ምንሊክ ኣብ ሸዋ ዘሎ ቅዳሕ ናይ ኣምሓርኛና ዝብሎን፡ ብሮማ’ቢሉ ዝተዘርግሐ ፊርማ ፈረንጂ ዝጽብጽቦን ዓቢ ፍልልይ ኣለዎ’ሞ፡ እ’ዝግሄር የርእኹም ዳንዩና በጃኹም እናበሉ’ዮም፡ ኣደራዕ ከምዝወረዶም ከሰምዑን ምስ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ክዋስኡን ዝፈተኑ።

እንተኾነ ግን እንዳ ሙሶሊኒ፡ ስኞር ምንሊክ መረብ-ምላሽ ክትጥርር እንከለኻ፡ ንኣኻ ብልጽነትካ ዘንጸባረቕካ መሲሉካ’ኸውን’ዩ፡ ንኣይ ግን ውሳኔኻ ኣፐረቲቮ’ዩ ኔሩ። ካብ ሮማን ካብ ሚላኖን ዘውጽኣኒ፡ ዓሶ ጊንዳዕን ናይ ባጽዕ ሃሩርን ዘጸመመኒ፡ ኣብ ዶግዓሊ ብዱላ ናይ ኣሉላ ዘደሰቐኒ ምኽንያት፡ ህርፋን መረብ-ምላሽ ጥራይ ከምዘይኮነ፡ ስለምንታይ ስሒትካዮ ክሳብ ሕጂ ገሪሙኒ’ሎ፡ ብዝዓይነቱ ተሪር ስምዕታ’ዮም ነቲ ኣቤቱታ ሸንዲሖሞ።

ብቕጽበት ድማ እቲ ብመሬትን ህዝብን ዝተለዋወጥካዮ ኣብ ኢድካ ዘሎ ኣጽዋር፡ ካብ’ዚ ኣብ ኢደይ ዘሎ መዳፍዕ እንተ’ናጊፉካ ኣብ ባይታ የራኽበና፡ ብምባል እንዳ ሙሶሊኒ መዳፍዖም ናብ ራማ ገጾም ሂ…ም! ኣቢሎም ስግር ሩባ መረብ ከዕልብዎ ጀመሩ።

ሽዑ’ዮም እምበርኣርከስ እንዳ ሃጸይ ምንሊክ፡ ብፊርማ ምሒሎም ከም ብላዕ ዝኸፈልዎ መሬት መረብ-ምላሽ፡ ካብ ህርፋን ፈረንጂ ከምዘየናገፎም ተገንዚቦም፡ ኣፍራሶም ጽዒኖም፡ ኣስታት 100,000 ዝግመት ሓይሊ ሰብ ኣሰሊፎም፡ ነቶም ክሳብ 20,000 ዝበጽሑ ወተሃደራት ፈረንጅን፡ ዓሳኽር ደቂ መረብ ምላሽን ኣብ ዓድዋ ክገጥሙዎም (1896) ኣካኪ ዘራፍ ዝጀመሩ።

ኣውዓሎም!

ኣብ መወዳእታ ግን ዕድመ ነ’ውዓሎም፡ እንዳ ሃጸይ ምኒሊክ ሕማቕ መዓልቲ ኣይወዓሉን። ኲናት ምስተጀመረ፡ ጥይት ዘይፈርሁ ብበትርን ብጉራደን ዝቕጥቅጡ ሰባት ከም’ዛ ንህቢ ዓሰልዎም’ሞ፡ ኣዘዝቲ ወተሃደራት ጥልያን፡ መሬት ከም ኣፍ ዑንቊ ጸበበቶም። ሽዑ ነቲ ኣቐዲሞም ከም ሓባሪ-መንገዲ ዝመልመሉዎ ኣውዓሎም፡ ናብ ክሳድ መሃድሞ’ባ ምርሓና ንምባል፡ ኣዋሎም! ኣዋሎም! እናበሉ ክምሕጸኑ ጀመሩ። ኣውዓሎም ግን ስርሑ ከምዘስለጠ ምስፈለጠ፡ ክላ ሱቕ በል መዓልትኻ’የውዕለኒ! ቋሕማም ፈርንጂ! እናበለ ናብ ስንጭሮን ኣጻድፍን ደቕዲቑ፡ ንሴፍን ንማደረጋሕን ኣሕሊፉ ሂቡዎም’ዩ፡ ብጠረሩ ሃቲፉ ምስ ብጾቱ ዝተሰለፈ።

እንዳ ሙሶሊኒ ድማ መዋዳድርቶምን ደቂሓውቦኦምን -ጻዓዱ- ክሳብ ዝንዕቅዎም ጥራይ ዘይኮነ’ሲ፡ ጸለምትን ኣፍሪቃውያን ክሳብ ዝምክሑሎም’ዮም ኣብ ዓድዋ፡ ስዕረትን ሕፍረትን ተሰኪሞም። “ክሳብ 6000 ዝግመቱ ወተሃደራት ከሲሮም” ትብል ምክኤላ (1,55)።

ነዚ ፍጻሜ’ዚ ዝሰዓበ ተርእዮ ኣዝዩ ዝገርም’ዩ። ነቶም ዝማረኹዎም ዓሳኽር (ጥልያን) ደቂ መረብ-ምላሽ፡ የማናይ ቅልጽሞምን ጸጋማይ መሓውሮምን ቅንጥብ ቅንጥብ ኣቢሎም እንከፋንውዎም፡ ፖለቲከኛታት ሸዋ፡ እንተስ ብፍርሒ እንተስ ብጉርሒ፡ ዓወት ዓድዋ ተመርኲሶም፡ ሩባ መረብ ክሰግሩ ብዘይ ምሕላኖም፡ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ክሳብ ዘመነ ዮውሃንስ ኣሉላን ዝጸንሐ ሕቡን-ታሪኽ ዝጉዕጽጽ ሓዲሽ ምዕራፍ’ዮም ኣጽዲቖም። ጉድ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ድሕሪ ሞት ንጉሰ-ነገስት ዮውሃንስ፡ ንግስነት ካበ’ኽሱም ናብ ሸዋ ግዒዙ ተባሂሉ፡ ፈኸም ክብል ጀሚሩ ዝጸንሐ ምሕርቃም ስኒ!

ካብ ሸዋ-ምርሓቕ ዝኣንፈቱ ምንቅስቓስ ትግራይ-ትግሪኚ፡ ዝብላዕ ምኽንያት ዘለዎ ናይ ታሪኽ-ጉዕዞ ኮይኑ ፉፍ ምባል ቀጸለ

ዝኾነ ኾይኑ፡ ምክኤላ ሮንግ፡ እንግሊዝ ንጥልያን ኣብ ግንባር ጥንቁለሓስ ዝገደፈሉ’ብሉን፡ ህሙኽ’ዩ’ቢሉዎ፡ እና’በለት ዝመዝገበቶ ውዕሎ፡ ኣብ ጎልጎል መጋርሕ ዘሎ መቓብር እንግሊዝ’ዩ ዝምስክሮ።

እንግሊዝ ተዓዲሉ! ብዓወት ደሚቑ፡ ንኸተማ ከረን ብማእከል ጂራ ፍዮሪ በጢሱ ናበ’ስመራ ገጹ ታንክታቱን መዳፍዑን ሩር ከብል እንከሎ ከኣ፡ ምስ’ቲ ናይ ጥልያን ስዕረትን-ሕፍረትን ክቕልቀል ዝጀመረ ለውጢ ንጹር’ዩ ዝነበረ። እዚ ለውጢ’ዚ ንዓዲ ብዓዳ፡ ንዓለም ብዓለማ’ዩ ጸልዩ። ዊንስቶን ቸርችል’ኳ፡ ኣብ ምዕራባዊ ምድረበዳታት ናይ ኣፍሪቃ ምንቅስቕስ ጀነራል ሮመል ክገጥሙ ዓቢ ተወሳኺ ዕድል’ዮም ረኺቦም።

ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብኣብነት እንክትገልጾ ምክኤላ፡ ሓንቲ በዓልዓቢ ዝለበሰት ቁንንቲ ወ’ዘሮ፡ ኣቤት! ንሓይሊ ጥልያን ዘምበርክኽ ካብኡ ዝበርትዕ ሓይሊ ድማ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ተረኺቡ፡ ዝብል ኣድንቖታ ኣብ ልባ ክትዓቑሮ ኣይከኣለትን። ዝብል ወረ’ውና’ሎ ትብል’ሞ።

ሓይሊ’ንግሊዝ ዓጠምጠም እና’በለ ክሓልፍ ምስተዓዘበት ወ’ዘሮ፡ ከም’ቲ ልሙድ ባህሊ’ደታት፡ መግለጺ ሓጎሳን ስምዒታን ዝእምት ዕልልታ ተጠሊዓ ዳሕድሓቶ ትውስኸሉ።

እንተኾነ ግን ንኹነታት ናይ’ታ ሰበይቲ ዝተዓዘበ እንግሊዛዊ መኮነን ….

“ንኣኺለ’ይገበርኩዎና’ቲ ባርያ = I didn’t do it for you, nigger. ” (1, 99)

ብምባል ካብ ዕልልታኣ ከምዝኾለፋ፡ (.. to crush any illusions..)፡ ዘዘንቱ ትንግርቲ ከምዝሰማዕኩ ንምዝካር’የ፡ ኣብ ጽሑፍ ኣስፊረዮ፡ ትብል ምክኤላ።

መጽሓፍ ምክኤላ ከምዝምስክሮ እምበኣርከስ፡ ካምፖ ቺንታቶ ማለት፡ “ ሕዛእቲ” ማለት’ዩ። ደቀባት ወይ ድማ ጸለምቲ ሕብሮም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ጥራይ፡ እቲ’ኳ ፍሉይ ናይ ስራሕ ክዳኖም ተኸዲኖም፡ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ቦታ ክዛወሩ ኣይፍቀደሎምን’ዩ፡ ንምባል’ዩ እምበኣርከስ ተኣታትዩ።

ዕላምኡ ድማ ጽሬትን ስርዓትን ናይ’ቲ ቦታ ማለት ምእንቲ ፈረንጂ (‘for reasons of public order and hygiene’ 1,74) ንምሕላው’ዩ።

ብዘይ ሃይማኖት ጥምቀት፡ የብሉን መሰረት!

ምክኤላ እዚ ሕጂ ናይ ተጸውዖ ስሙ ኮምቢሽታቶ፡ ናይ መጽሓፍ ስሙ ድማ ጎደና ሓርነት ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ መልክዕ ና’የስመራን፡ ከምኡ’ውን መዛወሪ ኣዝማሪኖታት ኮይኑ ዝጸንሐ ጎደና፡ ሎሚ’ኳ ዕድመ ን’ንዳ ዝናን-ባህታን ኣሰር ባድመ ባዲሙ’ዩ፡ ዝተረፎ’ብሉን፡ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ግዜ ኣስማት ከምዝተቐየረሉ፡ ማለት’ሲ፡

“a) Corso Vittorio Emanuele  b) Viale Mussolini  c) Corso Italia  d) Haile Selassie Avenue  e) National Avenue  f) Liberation Avenue”  ብዝብሉ ኣስማት ተተጠሚቑ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ከምዝሰፈረ ትጽብጽብ ምክኤላ። (1, 177)

እወ፡ ብመዋእል ሓደ ውልቀ ሰብ ክልካዕ ኣብ ዝኽእል እዋን’ሲ፡ እዛ ንእሽቶ ጎደና ክሳብ ክንድ’ዚ ግዜ ኣስማት ተቐይሩላ’በሃል። ዘደንጹ’ዩ።  “ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ” ከም ዝብል ምስላ ወለዲ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ ስም ዝሓዘሎ ዛዕባ ቀሊል ኣይኮነን። ከከም እዋኑ በዓል እዋን ዘሽርፎ ናይ ለውጢ ጉዕዞ’ለዎ።

ሎሚ ሎሚ ድማ፡ ድሕር ርብዒ ዘመን ናጽነት’ምበር ሓርነት ኣይተረኽበን ዝብል ብሂል ክደጋገም ይስማዓ’ሎ። ጌጋ’ኽለኣለይ’ምበር፡ ከም ታንክታት እንግሊዝ ዕልል ዘይተባህለለን ናይ ለውጢ ታንክታት፡ ካብ ጸሮና ክሳብ ፎርቶ ተንቀሳቒሰን፡ ቡስጣ’ብጺሐን። እንተኾነ ግን ጎደና ኮምብሽታቶ ከም’ታ ጥላይን ዝበላ፡ ካምፖ ቺታቶ ኮይና ግዲ ተራእያተን፡ ከይረገጻኣ ናብ ቦትአን ተመሊሰን ዝብል ወረ፡ ወረ ተቖጺሩ ክውረ ስለዝቐነ’ሲ፡ እንታይ ክልወጥ ከምዝኽእል ንታሪኽን ጀኦግራፍን ይኽበዶ ምባል ክሓይሽ’ዩ።

ብዘይ ቃል ዓለም ግን ታሪኽ ድዩ ወይስ ጀኦግራፍ’ዩ ብተደጋጋሚ ክቀያየር ዝጸንሐ፡ ዝብል ሕቶ ዘዕግብ መልሲ ከይረኸብኩሉ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሚላኖ፡ ከባቢ’ቲ ንኽህነጽ ጥራይ ዘመናት ወሲዱሉ ዝበሃል፡ ዱዎሞ (Duomo) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣዝዩ ዓብን ብሉጽን ህንጻ ቤተክርስትያን፡ ባንዴራ ኤርትራ ብቱሪስትን ደቂ ዓድን ክትርአ ምስ ዓለማ ተሰሪዓ ከምዘላ ተዓዚበ። ካብ’ቲ ቦታ ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜተር ፍንትት ኢሉ ዝርከብ፡ ፖርታ ቨነስያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ዝተዓዘብኩዎ ኩነታት ድማ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ነጸብራቕ ኤርትራውነት’ዩ።

ካብ’ታ ውሽጢ-ውሽጢ መሬት ሕቢው ትብል ባቡር ወሪደ ናብ ቅርዓት ፖርታ ቨነስያ ቅልቅል ምስበልኩ’ሲ፡ ብጉዥለ-ጉዥለ ዕጉግ-ዕጉግ ኢሎም ዘዕልሉ መንእሰያት? (ሰብኡት-ሓበሻ) ክርኢ ደቒቕ ኣይወሰደለይን። ብኣጋጣሚ ክረምቲ ምድሪ ጸሓይ ደሚቓ ስለዝነበረት ግዲ ኮይኑ ድማ ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም፡ ኣብ’ታ ጸባብ ጎደና ዝንቀሳቐሱ ፈረንጂ’ውን ኣይተሳእኑን። ብዙሓት ግን ኣይነበሩን። እቶም ብዙሓት’ሲ ኣብ’ቲ ጥቕኡ ዘሎ፡ ኮርሶ ቦነስ ኣይረስ’ዮም ሸናዕ ዝብሉ ዝነበሩ።

እንተ’ቶም መንእሰያት ሓበሻ ግን ኣብ ኩርናዕ ኣብ ኩርናዕ መናድቕ ተጸጊዖም እንከዕልሉ፡ ድምጾም ካብ ርሑቕ’ዩ ዝስማዕ። ብወገነይ ንእግረ መንገደይ ቅርብ ኢለ ክሰምዖም ፈቲነ፡ ከም ዝተረዳእኩዎ ከኣ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛ’ዮም ዝዛረቡ። ጸጸኒሖም ግን ብዓረብኛን ጥልያንን ሓጺር መግለጺ ሓሳባት ይሕውሱ’ሞ፡ ኣምሓርኛ ከም ካልኣይ መዋስኢ ቋንቋ ተጠቒሞም የዕልሉ ነበሩ። ኣጋጣሚ ግዲ ኾይኑ እንግሊዝ ክዛረቡ ኣይሰማዕኩን!

ታሪኽዶ ጀኦግራፍ ይቐልል ምቕያሩ?

ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ታ ክንዲ ፍርቂ ኮምብሽታትቶ ዘይትኸውን ጎደና ዝጸንሓኒ ናይ ንግዲ ትካላት’ውን ተዓዘብኩ።

1) ረስቶራንተ ኣፍሪቃ፡ 2) ሳባ ረስቶራንት፡ 3) ባር ኤርትራ፡ 4) ቤት ምግቢ ኣስመራ፡ 5) ባር ኣዲስ ኣበባ፡

6) ኣስመራ ካፈ፡ 7) ኣስመራ ማእከል ተለፎንን ኢንተርነትን፡ 8) ስነ ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ  …. ዝብል ናይ ግእዝ ጽሕፈት ዘለወን ትካላት ጥቓ ጥቓ ተሰሪዐን፡ ኣብ ኣፍደገ መብዛሕትአን ድማ ብጉዥለ ብጉዥለ ዘዘው ኢሎም ዘዕልሉን ሽጋራ ዘትክኹን ሰባት ነበሩ።

ከምኡ’ውን ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ናይ’ቲ ጸቢብ ጽርግያ መኻይን ተለጋጊበን ደው ኢለን ስለዝነበራ ኣዝዩ’ዩ ሓዲሱኒ። ሽዑ ወዮ ናይ ቀደም መልክዕ ናይ ኮምብሽታቶ፡ ብፍላይ ብመዓልቲ ዓውደ-ዓመት፡ ብመኻይን መሊኡ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ትዝ በለኒ። ማለት’ሲ እንዳ ዝናን-ባህታን ቃሕ ምስበሎም መኻይን ደው ከይብላሉ ምስሓዝእዎ ዘንጸባርቕ መልክዕ ማለተይ ኣይኮንኩን ግን።

ኣማስያይ ድማ ካብ’ተን ብዙሓት ትካላት ዝርከብኦ ጎደና ቁርብ ፍንትት ኢለን ቤት ምግቢ ኣዱሊስ፡  ባር ኣባ ሻውል ከምኡ’ውን ሓበሻ ሚኒ ማርከት ዝበሃላ ትካላት ረአኹ’ሞ፡ ኮምቢሽታቶ ናብ ሚላኖ  ከምዝገዓዘት ሓዲሽ ተስፋ ናብ ባሕሪ ኸብደይ ጦብላሕ ዝበለ መሲሉ ተሰምዓኒ።

ስለ’ዚ ዓይነቱ ብዘየገድስ፡ እንተስ ናይ ታሪኽ እንተስ ናይ ጀኦግራፍ ለውጢ ይልሕም’ዩ ዘሎ። ብዘይ ምግናን ካብ ኤርትራውነት ዝመውት ሞይቱ ዕድል ዝገበረ ድማ ተሰዲዱ’ዩ መጻኢ ዕድሉ ክቛምት ዝፍትን ዘሎ።

ኣብ ኣመሪካኸ ስራሕ ከም ድላይካ’ርከብዶ?

እንተኾነ ግን ኣብ ስደት ዘጋጥም ዘሎ ዝኸበደ ጸገም ቀልጢፍካ “ስራሕ” ዘይምርካብ’ዩ። እወ ትምህርትን፡ ቋንቋታት’ዛ ዓለም ዕዳጋን ካብ ዝተሓረመላ ግዝኣት እንዳ ዝናን-ባህታን ተበጊስካ፡ ጽውጽዋይ ኮምቢሽታቶ እናደገምካ ስራሕ ሃሰስ ምባል ስለኾነ’ቲ መንቀሊ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ዓለበት እግሪ፡ ስራሕ የለን ምባልን፡ ምናልባት ኣብ’ቲ ዘይተበጽሐ ቦታኸ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ዕድል ይህሉዶኾን’ኸውን ዝዓይነቱ ሕቶ ምሕታትን ዘገርም ኣይኮነን፡ ኤርትራውነት መዓልቦ ጨኒቑዎ ስለዘሎ።

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ስራሕን ሂወትን ዘይማነያ ኣዳነታት ምዃነን ካብ ኢድ እንዳ ዝናን ባህታን ኣምሊጥካ፡ ዕዳጋ ምስ ወረድካ’ዩ ዝንጽረልካ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ባር ኮፍ ኢልና ከነዕልል እንከለና’ሲ፡ ሓደ ከም’ዚ ኸማይ ዝበርሐ፡ ግን ድማ ዘይሸየበ ጎምበለ፡ ማርልቦሮ ዝዓይነቱ ሽጋራ ኣከታቲሉ እና’ሰሓበ፡ ኣብ ኣመሪካስ ስራሕ ከምድላይካ’ርከብዶ፡ ኣብ’ዚ ዓዲ ጥልያን’ሲ ስራሕ ዝበሃል የለን’ኮ፡ በለ።

ካብኡ ሓደ ጸጉሪ ርእሱ ሙሉእ፡ ሽበት ዘይብሉ መዓልልትና ትቕብል ኣቢሉ፡ ሓውና ስራሕናን ሃብትናንኮ ንጂቡቲ ዓዲሎሞ’ዮም መራሕትና በለ’ሞ፡ ኣነ ድማ ካብ መንበረይ ተንሲአ ሰላም በልኩዎ። ማለት’ሲ ስራሕን መጻኢ ዕድልን ኣበይ ከምዝተሓሸሻ ዝሓበረ መሲሉ ስለዝተሰምዓኒ’የ ኣገናዕ ዝበልኩዎ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ሽሕ’ኳ መሬት እንተመሰየ፡ ጠራሙስ’ውን እንተበዝሐ፡ ዕላልና ኣዝዩ’ዩ ዝመቀረ። ካብ ኤርትራ ንሱዳን፡ ካብ ሱዳን ንሊብያ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኢጣልያ ዘመጣጠረ ሕሰም፡ ዝኹስኩሶ ዘሎ ልቦና፡ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ከምዘሰንየና ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ኣብ መወዳእታ ሓደ መንእሰይ ዝበሎ ዘረባ ድማ ንኹልና ትምህርቲ ክኸውን እንሆ እደግሞ።

ኣነ ኣበ’ገልግሎት እንከለኹ ሓደ ወዲ ወሊደ’ለኹ ይብል’ሞ፡ ንኣይ ዘሕዝነኒ ግን እቶም ካብ ናእሽቱ ብሔረሰባት ኤርትራ ከም በዓል ሕዳርብ ዝውለዱ መንእሰያት ኣብ ዓዶም ከም ባህሎም እንተዘይኮይኑ፡ ካብኡ ወጻኢ ንኽወልዱ ቀንጠብጠብ ክብሉ ኣይደፍሩን’ዮም። ስለ’ዚ ንሳቶም ኣብ’ታ ውትህድርና ይሞቱን ይኣርጉን ስለዘለዉ፡ እተን ናእሽቱ ብሔራት ናይ ኤርትራ ከይጸንታ ዘየፍርሕ ኣይኮነን፡ በለና።  .. ፈጣሪ ኹሉ ዓለም እዚ መዓት የቑረርልና!

ዓለም ዕዳጋ

ንኣኺ’ለ ኣይገበርኩዎን ዝብል መጽሓፍ ምክኤላ ከምዝጽብጽቦ፡ እዛ ዓለም ዕዳጋ ነንረብሓኣ ክትብል ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኢድ ዘይሓወሰት ሃገር (ኣመሪካ እንግሊዝ ጥልያን ጀርመን ፈረንሳይ ሩስያ ቻይና ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ እስራኤል ግብጺ ሱዳን ቦሊቭያ ኤኳዶር …. ኢትዮጵያ) ከምዘየላ’ዩ ዝሕብር። ብምቕጻል ድማ፡

“ኤርትራውያን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም እምነት ዝእመን ኣይኮነን ትብል’ሞ፡ … ብረታዊ ቓልሲ ናብ ከባቢ’ስመራ’ቢሉ  ኣብ ዝተቐልቀለሉ ግዜ’ሲ፡ ሓደ ዓቢ ሰብኣይ ነቶም ዕጡቓት መንእሰያት፡ ኣጆኹም እዛ ቶኹስኹም ክሳብ 48 ሰዓታት ክትቅጽልዋ እንተተጸሚምኩም፡ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ተጓይየን ጉዳይና መዕለቢ ክረኽባሉ እየን ከምዝበልዎም (1, 189)”፡ ዝዝክር ብሂል ከምዘሎ ትጽብጽብ። ኣቤት ጉድ እዚኸ ራእይዶ ተስፋ ክበሃል’ዩ ደቀይ?

ልዕሊ ኹሉ ግን አንሶ ማቴንሶ ንባይቶ ኤርትራ ካብ ዘስምዖ ናይ መጨረሻ መደረ ክትጠቅስ እንከላ፡

“ናይ ቅዋም ብቕዓት፡ ቅድም ቀዳድም ብዓቕሚ ህዝቢ፡ ካብኡ ድማ ንምኽባሩን ምትግባሩን ዘሰንዮ ሰናይ ድላይ ናይ ህዝቢ’ዩ ዝምዘን፡ … ብጽቡቕ መንፈስን ተወፋይነትን ናይ ህዝቢ እንተዘይተደጊፎም እኩባት ቃላት ጥራይ ንበይኖም ከድምዑ ኣይክእሉን’ዮም። … ኣነ ድማ ዝኽእሎ ፈቲነ’የ። ሰናይ ተበግሶ ኣብ ዘይብሉ መድረኽ ግን እንታይ ከፍሪ’ኽእል ኣነ (1, 174)” ክሳብ ምባል ከምዝበጽሐ ትጽብጽብ ምክኤላ።

ሎሚ ድማ ብታንክታት ዝተሰነዩ ወተሃደራት ኣራሚ ምንቅስቓስ፡ እሱራት ክፍትሑ፡ ቅዋም ክትግበር፡ ዝሓትት ቡስጣ ሒዞም ናብ ፎርቶ ደይቦም፡ ብተለቭዥን ንንግስነት ዝናን-ባህታን ስለዝጠርዑ፡ ሰንሰለት ናጽነትን ሱቕታን ክበጣጠስ ጀሚሩ’ሎ፡ ክበሃል’ዩ ቀንዩ። እዚ ወረ’ዚ ከም ቅቡል ክውሰድ እንተኾይኑ’ምበኣርከስ፡ ወዮ ቀደም ማቴንሶ ኣብ ደምበና ዝተዓዘቦ ናይ ቅዋም ሚዛን’ሲ፡ ሕማቕ ፋል ኮይኑ ከምዝተተለመ፡ ክሳብ ሕጂ ከይነጸረ ኣብ መደረኽ ምንጽብራቑ ኣዝዩ ዘፍርሕ’ዩ። እወ ቅዋም ብመን ንመን ዝብል ሕቶ መትሓዚ’ብሉን።

ከምኡ’ውን ምንቅስቓስ ታንክታት ወዲ-ጓና ርእያ ብሓቦ ዕልል ከምዝበለት ቁንንቲ ታሪኽ እናመስከረ እንከሎ’ሲ፡ ሎሚ ዘመናዊ መዳፍዕ ዝጸዓና ታንክታት ወዲ-ዓዲ ካብ ጸሮና ክሳብ ኣስመራ ንዘሎ ጽርግያ ካትራመ ኣንጊሀን ከም ኣውቶቡስ ናይ ሳታየ ባጉም ባጉም! እናበላ ሩር ክብላሉ ኣርፊደን’ሲ ኣማልስየአን ድማ ተመሊሰናሉ፡ እንተኾነ ግን ዕልል ኣይተባህለነን ዝብል ብሂል ክእመን ዝድለ ዘሎ’ሲ፡ ኣይሓረሰትንዶ ኣየውረሰትን እታ ንታንክታት እንግሊዝ ዕልል ዝበለት ሰበይቲ? ናታ ድምጺ ድዩ ወይስ ናይ ጓላ ሱቕታ ስኢኑ ዘሎ መሰታ?

ምናልባትከ ታንክታት-ፎርቶ፡ ኣብ ሎሚ በጺሐን ውዮ ኮምብሽታቶ ካምፖ ቺንታቶ ምዃኑ ተሰዊጥወን ድዩ ብጎቦ ዓይነን እናጠመታ ሓሊፈንኦ ክበሃል ዝድለ ዘሎ። ዝኾነ ኾይኑ፡ ስለምንታይ’ዩ እዚ መንቀልን መዕለብን ከይለክዐ፡ ብዓይኒ ባህግን ተስፋን ጥራይ ምስ ዝነፈሰ ንፋስ ዘጣቕዕ ዝመስል ናይ ሓሳባት ህርፋን ክሳብ ክንድ’ዚ ቅጥዒ ስኢኑ ከምዘሎ ኣዝዩ ዝገርምን ዘፍርሕን’ዩ። … ንትምህርቲ’ግበሮ!

(03/29/2013)

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (Ewandt54@gmail.com)

Reference:

  1. I Didn’t Do it For  You  –  Michela Wrong (2006)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Ghenet March 31, 2013

    Hi Daniel,
    Interesting and enlightening text. Minilik betrayed the northern people and made deals with the Italians that he would not attack them if they do not come past tigray. He wanted them to keep Eritrea and can even go to Tigray but not past that because he wanted Yohannes to be defeated. He was one of the worst, if not the worst, emperor for Tigray. His life is full of treachery, betrayals under-the-table deals when it comes to tigrigna speaking people. He would even sell his own people for weapons from Italians.
    As far as tanks in campo citato is concerned, well there are still a lot of unanswered questions. Their failure to attract ‘ululation’ from the people in the city shows how the people have lost their trust in the people using the tanks.

    • Dawit Meconen March 31, 2013

      Daniel,

      Unfortunately, more than anything else, your writing mirrors your agony with inferiority complex,which, among others, the fact that you used our Tigrigna instead of your own tigrai-tigrigna bears clear testimony.

      • Daniel Teclegiorgis March 31, 2013

        ክቡር ዳዊት ካብ’ታ ዘለኻያ ቀጽቀጽ ወሪድካ ባይታ ርገጽ ምስ ንፋስ ከይትበቆጽ። ደሓር ከኣ ከም’ዚ ንኣይ ዝሃብካኒ ትሑት/ውዱቕ ደረጃ እንተይዘይህሉ ኔሩ፡ ከም’ዚ ንስኻ ኣለኒ ትብሎ ልዑል/ብሉጽ መለክዒ ኣይምሃለወን። መዘኻኸሪ ትደልየሉ ኣይመስለንን። እንተኾነ ግን ንጣዕመ ልሳን ክደግመልካ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ሙዉት ጥራይ’ዩ ዘይመሓየሽ። እቲ agony ናይ ኤርትራውነትና ናይ ሓባር ትዕድልቲ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። እንተ’ቲ inferior – superior ትብሎ ቋንቃ ግን ን’ንዳ ዝናን-ባህታን ዝለከመ፡ ካብ መጻሕፍቲ ንጉስ ዕዳጋን ንጉስ ሰማይን ዝተሰረዘ ናይ ውድቀት ጭርሖ’ዩ። ግዜ እንተለካ ግን ክቡር ዳዊት፡ ኣነ ወላ’ጋገ ምሳለይ ክፍትን’የ’ሞ፡ ኣይትኽነብ። ጌግ እነተርኢኻ ንኽተዐሪ ልዑል ፈጣሪ ዝሃበካ ትዕድልትን፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕድጋ ተማሂርካ ዘጥረኻዮ ልቦናን ተጠቐመሉ። ሃየ በል ደሓን ሕደር’ሞ ደሃይ ግበር!

        • Dawit Meconen April 2, 2013

          Daniel,

          Heaps of meaningles words can’t your identity; it is visible through and through. But again, you can’t change your nature, treachery; it is a god given curse, immutable known since time immemorial; our people biptized it Libi Tigrai Twi Tway.For every Eritrean generation to remember for eternity, they named the tortuous Asmera-Keren Road libi tigrai twi twai.

          Daniel,

          Salivate and salivate profusely; dream and dream adnauseam endlessly; all to intermingle with us in marriage ceremony; to speak our langauge, dress up our cutlture, to swim in our Sea, but this, I tell you, is all vain.

          Daniel,

          Think again, who, a one, with an eye to see; with an ear to hear; with a brain to understand analyze, can make such a terrible mistake as to allow a cursed person like you be in his midst and sharing his Genetic Blue Print, in hell, be damned for ever.

          • Daniel Teclegiorgis April 3, 2013

            Dear Dawit Meconen: The old school education goes … some one has to die in order to feel the sense of hell or heaven. Needless to say that the worst of occurrences occurs when hell starts on earth before death arrives.
            My guess to your application of the word hell is due to an ongoing life experience and not a religious exuberance.
            Lucky to be away from such a geographical curse.

    • Daniel Teclegiorgis March 31, 2013

      ዝኸበርኪ ገነት “Their failure to attract ‘ululation’ from the people in the city shows how the people have lost their trust in the people using the tanks.” ዓቢ ዘረባ’ዩ! ዓቢ’ንጌራ ተዓደሊ።

    • belay nega April 2, 2013

      GHENT

      “ሓው ዳንኤል፣
      ምስቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተፈጥረ ታሪኽ ጽውጽዋይ ዘይገጥም___ህዝበ ትግርኛ ምስ ተጋሩ ሕደ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ዝተመርኮሰ ሓቅነት ብምግላጽ ኣይተታልለናን ኢኻ።ንሕና ኤርትራውያን ታሪኽና ይኹን መንነትና ባዕልና ኢና ንምህዞ።እዚ ዝገለጽካዮ ታሪኽ ነቲ ቓልስና ከንቱን ሓሶትን ስለ ዝገብሮ ነቲ ባዕልና ዝምሃዝናዮ ታሪኽ ኢና ንቕበል።
      ድሕሪ ሕጂ ሓቀኛ ታሪኽ እናምጻእካ ኤርትራዊ ሸውሃትና ኣይትድሃሎ።
      ምስ ሓሳውን ናይ ፈጠራ ታሪኽናን ንቕድሚት፣ሓቅነት ናይ ምዕራባውያንን ኢትዮጵያን ስለ ዝኾነ ኣጥቢቕና ንውግዞ።”

      IF YOU ARE THE WAY YOU CLAIM TO BE WHY DON’T YOU CHALLENGE THIS GUY INSTEAD OF HEADING WHERE THE WIND IS BLOWING NO MATTER WHICH DIRECTION

  • Daniel March 31, 2013

    The year of Anze Matenzo’s quote is 1951 not 4951. My bad!! Thanks and a blessed Easter to those who celebrate it.

  • Kalighe March 31, 2013

    “ሕሰም፡ ዝኹስኩሶ ዘሎ ልቦና፡ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ከምዘሰንየና ዘጠራጥር ኣይመስለንን”

    ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ

    Do you think we are learning .. ?
    i hope your obsevation to true.

    • Daniel Teclegiorgis March 31, 2013

      “…ካብ ኤርትራ ንሱዳን፡ ካብ ሱዳን ንሊብያ፡ ካብኡ ድማ ናብ ኢጣልያ ዘመጣጠረ ሕሰም፡ ዝኹስኩሶ ዘሎ ልቦና፡ ኣብ መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ከምዘሰንየና ዘጠራጥር ኣይመስለንን። ኣብ መወዳእታ ሓደ መንእሰይ ዝበሎ ዘረባ ድማ ንኹልና ትምህርቲ ክኸውን እንሆ እደግሞ …..”
      Dear Kalighe: As you know learning is a process of acquiring new and unlearning out dates. A lesson to be learned from this quoted experience is, the force causing such an incredible determination (by Eritrean citizens)to cross borders, deserts or waters has created ways of accelerating change of ideas. It is a deeply rooted experience that extends up to the evolutionary rules of subsistence. እቲ ኹሉ ኮለል … ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ዝብል ዛዕባ ድማ ንምዕባለ ናይ ሓሳባት ዘነጻጸር’ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ቃላት ውሒዳታ ወስኸላ ንምባል ኢኻ ትኸውን’ምበር ስሒትካያ ኣይመስለንን’ሞ፡ ሃየ ደኣ መልኣሉ ኢኻ። ምስ ሰላምታ።

  • OROMAI ERITRA March 31, 2013

    ሓው ዳንኤል፣

    ምስቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተፈጥረ ታሪኽ ጽውጽዋይ ዘይገጥም___ህዝበ ትግርኛ ምስ ተጋሩ ሕደ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ዝተመርኮሰ ሓቅነት ብምግላጽ ኣይተታልለናን ኢኻ።ንሕና ኤርትራውያን ታሪኽና ይኹን መንነትና ባዕልና ኢና ንምህዞ።እዚ ዝገለጽካዮ ታሪኽ ነቲ ቓልስና ከንቱን ሓሶትን ስለ ዝገብሮ ነቲ ባዕልና ዝምሃዝናዮ ታሪኽ ኢና ንቕበል።
    ድሕሪ ሕጂ ሓቀኛ ታሪኽ እናምጻእካ ኤርትራዊ ሸውሃትና ኣይትድሃሎ።

    ምስ ሓሳውን ናይ ፈጠራ ታሪኽናን ንቕድሚት፣ሓቅነት ናይ ምዕራባውያንን ኢትዮጵያን ስለ ዝኾነ ኣጥቢቕና ንውግዞ።

  • Sahil March 31, 2013

    ሓው ዳንኤል፣

    Isayas is a mad dog. He is hazardous not only to Eritreans but also to Ethiopia and all our neighbor counties.
    Isayas is the #1 enemy of Eritrean.
    Isayas, his son and his blind followers HIGDEF will be smashed just like the Libyans did to Gadafi and his sons.
    Eritreans should unite and get rid the tyrant Isayas, his son and his blind followers HIGDEF.

  • Yemane Johar March 31, 2013

    Daniel, well done!

Post a Reply to belay nega Cancel Reply