Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካርታ-ጕዕዞ ናብ ደምክራስያዊት ኤርትራ – ሕሩይ ተድላ ባይሩ

ካርታ-ጕዕዞ ናብ ደምክራስያዊት ኤርትራ   ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ብምትንታን ካብዚ ዘሎናዮ መዋጥር መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ዋዕላ ዋሽንግተን ብዕለት 2014-10-20 ቀሪቡ ነበረ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ድማ እንሆ ይቐርብ     መቐድም ካርታ-ጒዕዞ ናብ ደሞክራውያዊት ኤርትራ ዕላማ እዚ ካርታ-ጒዕዞ

ካርታ-ጕዕዞ ናብ ደምክራስያዊት ኤርትራ

 

ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ብምትንታን ካብዚ ዘሎናዮ መዋጥር መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ዋዕላ ዋሽንግተን ብዕለት 2014-10-20 ቀሪቡ ነበረ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ድማ እንሆ ይቐርብ

 

 

መቐድም

ካርታ-ጒዕዞ ናብ ደሞክራውያዊት ኤርትራ

ዕላማ እዚ ካርታ-ጒዕዞ ንስርዓት ውልቃዊ ምልኪ ኤርትራ ዘውድቑ ኣገባባትን ኣብ ቅዋምን ብዝሐ ሰልፍታትን ዝተነድቀት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ንምህናጽ ዘብቅዑ ሕንጻጻት ምትላም እዩ። ክውንነታዊ ገምጋም ሓያል ጎድኒ ዲክታቶራዊ ስርዓትን ድኹም ጐድኒ ሓይልታት ተቓውሞ  ኤርትራን ከም እተው-ነጥቢ ነቶም ኣብ ውድዲክታተራዊ ስርዓት ዘብጽሑ ስጒምትታት ምጽናዕ ይሕግዝ። ሓይልታት ተቓውሞ ክልተ ጐድንታት ኣለዎ ንሳቶም ድማ ፖለቲካዊ ውድባትን ቤርጌሳውያን ውድባትን እዮም። ብኣረኣእያ ሓይልታት ተቓውሞ ዲክታተራውነት ብቐንዱ መለለዪ ድኽመት እዩ፣ ብጠማምታ ዲክታቶር ኤርትራ ግን፡ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ጽሃነጾ ጨኳኒ ስርዓት ከም ምንጺ ሓይሊ እዮ ዝወስዶ። ርግጽ ዲክታተራዊ ስርዓታት ኣብ ነዊሕ ኪደት ምንጺ ድኻም እዮም፡ ኣብ ሓጺር ኪደት ግን፡ ኲነታት ኤርትራ ከም ዝምስክሮ፡ ዲክታተራዊ ስርዓታት ምንጺ ሓይሊ እዮም። እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ እርእስትታት መገዲ-ጒዕዞ ናብ ዕንወት ዲክታተራዊ ስርዓትን ህንጸት ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘብጽሑ ስጒምትታት ይሕበሩ፥  

 

     ሀ. መሰረተስልጣንን ስትራተጊን ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ

ለ. ኣልቦነት ስልጣንን ስትራተጊን ሓይልታት ተቛውሞ ኤርትራ

ሐ. ኣሰናዳኢ ኣካል ንመሰጋገሪ ጉባኤ

መ. ምስንዳእ ሰነዳት መሰጋገሪ ጉባኤ

ሰ. ቅርጻ መሪሕነት መሰጋገሪ ጉባኤ

ረ. ስትራተጊ ንጥፈታት መሪሕነት

 

 መሰረተስልጣን ኤርትራዊ መላኺ

ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ብቅርጻዊ ማእዝኑ ምስ እንጥምቶ፡ ክሳብ እዚ ንርከበሉ ዘሎና መድረኽ ንቡራት ትካላት ደውላን መንግስትን ኣየቕወመን። እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ ነጥብታት ነቶም መላኺ ኤርትራ ተሞርኲስሎም ዘሎ መቕወምያታት ከብርሁን  ክትንትኑ እዮም፥ 

 

  • ምልካዊ ስርዓት ንኤርትራ ከም ሃገርን ህዝብን ዘይኰነስ ከም ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ካብ ጸላኢ ዝተሓረረት መሬት እሞ ብእኡ ትውነን ውልቃዊ ርስቲ እዩ ዝወስዳ።
  • ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ዝተሸነፈ ኣካል ኣብ ትሕቲ ስርዓት ዋና ጸሓፊ ነበር ስለ ዝተቛረነ ከም ዕሱብ ሓውሲ-ባርነት ማእቶትን ዓቀይታይ ንሱ ዘባርዖም ኲናትን እምበር ከም ነጻ ኤርትራዊ ዜጋ ኣይውሰድን እዩ።  
  • ኤርትራ ንቡር መንግስቲ የልብሉን (ምስተራትን ሰበመዝን ኣመሓደርትን ወዘተ. ሽፋን ጥራሕ እዮም። እንታይ ደኣ ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዲክታቶር ንሓፋሽ ኣብትሕቲ ቊጽጽሩ ኣእትዩዎም ዝነበረ ሕጂ እውን ንህዝቢ ኤርትራ ንሃገሩ ጠንጢኑ ስደትን ሞትን ከም ዝመርጽ ይደፋፍእ።
  • ፖሊሲ ቊጠባ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ “Self-reliance ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። እዚ ኣሰማምያ ብማዎ ዘቱንግ ዝተማህዘ ኣገላልጻ እዩ፡ መላኺ ኤርትራ ግን ከም ጉልባብ ነቲ ኢሕጋዊ ዝዀነ ቀረጽ 2%ን ከምኡ እውን ከም ሽፋን ንፍጹም ውናኔ መሬት ሃገርን ንግዲ ብረትን መሸጣ ማዕድን ንጓና ኩባንያታትን ዝተማህዘ ኣገላልጻ እዩ።
  • ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ዲክታቶራዊ ስርዓት ንኤርትራ ኣብ ኲናት ምድቕዳቕን ወይ ኣብ ሰንፈላል ኩነታት ኲናት ምንጥልጣልን ዝተመስረተ መናውሒ ስልጣን እዩ።
  • ከምቲ መላኺ ኤርትራ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብደገፍ ወያነ ካብ ሜዳ ብምጥራዝ ስልጣኑ ዘደልደለ፡ ክምኡ ድማ ሕጂ ንመላኺ ስልጣኑ ብደገፍ ተቛወምቲ ኢና በሃልቲ ኢትዮጵውያን ውድባት እዩ ዝሕለው።
  • ኤርትራዊ ሃገርነት በቲ ኣብ ሳልሳይ ጉባኤ ህግደፍ ዝደቐ ቻርተር መሰረት እሞ በቲ ኣብኡ ዝተፈጥረ መበቈሉ ኤርትራዊ ዘይኰነ ጋንታ ተተክኤ። እዚ ኣበሃህላ ግን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኤርትራውያን ዜጋታት መበቈሎም ብዘየግድስ ኣየንጸባርቕን እዩ። ንሃገረ ኤርትራ ኣብ መቚሕ ምእታው፡ ንህዝባ ኣብ ባርነት ምእታው፡ ንሃብቲ ኤርትራ ምውናን ቀንዲ መለለዪታት ጓናዊ መግዛእቲዶ ኣይኰኑን

 

  1. ኣልቦነት ደጀን ፖለቲካዊ ሓይልን ስትራተግን ተቛወምቲ ሓይልታት

ሓይሊ ተቓውሞ ኤርትራ ርእሱ ዝኸኣለ ወተሃደራዊ ደጀን የልብሉን። ካብኡ ዝገደደ ቍጽሪ ተቛወሚ ሓይልታት ኣብ ብዙሓት ውድባትን ማሕበራትን ዝተኸፋፈለ እዩ። እቲ ብ2011 ንሓይሊ ተቛውሞ ንምጥርናፍ ተባሂሉ ዝቐወመ ሃገራዊ ባይቶ ብቐንዱ ምንጺ ፋሕብትን ኰይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ዳግም ተቛወምቲ ሓይልታት ኣብ ስኒተኣልቦነት ይርከቡ። ቅድመ ምቛም ሃገራዊ ባይቶ ይኹን ድሕረኡ፡ ቀንዲ ምኽንያት ውሽጣዊ ቀጨውጨው ሓይሊ ተቓውሞ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኪዳንን ካብኡ ወጻኢ ዝዀኑ ውድባትን ተድጒሉ ዘሎ ጓህሪ እዩ። ኣብዚ ኩዳ እዚ ውድባት ኪዳን ተጸበይቲ ቀለብ ሰንዓ ፎሩም ስለዀኑ ሃገራዊ ንጥፈታቶም ውሱን፡ ሃረፍረፎም ገደበኣልቦ ምዃኑ ነፍሰሄር ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ኣብ ሰለስተ ኣኼባታት ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ብዘይንሕስያ ተንቲንዎ ነበረ። ካልእ ዘጒሂ ጉዳይ ድማ ቊጽሪ ኣባላት ባይቶ ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ በዘይካ ኣበርክቶ ውሑዳት ኣባላት፡ ባይቶ ዓቕመኣልቦ ኰይኑ ተረኽበ። ብተወሳኺ ቀንዲ ድኻም ቀዳማይ ሃገራዊ ባይቶ ነቲ እውነተንያ ሚዛን ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ስለ ዘየሳተፈ እዩ። ውሽጣዊ ንትርኽ ህገራዊ ባይቶ  ኣብ እዞም ዝሓለፉ ሰለስት ዓመታት፡ ንስርዓት ኣስመራ ነቲ ተዛሕዚሑ ዝነበረ ስልጣኑ እስትንፋስ ሂቡ ከደልድ ኣኽኢልዎ ኣሎ። ምድልዳል ስልጣን ስርዓት ኣስመራ ንሓይሊ ተቓውሞ ሃገራዊ ኣድዮሎጊ-ኣልቦን ንኹሎም ፖቲካውን በርጌሳውን ሓይልታትን ጠርኒፉ ብሓደ ልሳን፡ ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ክዝቲ ዝኽእል ኣካል ከም ዘይፈጥር ገቢርዎ ይርከብ። መበገሲ ስትራተጊና ቀንዲ ደጀን ደክራስያዊ ሓይልታት ኣብ ሑቕፊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ዝዀነ ምእማን እዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ ቀንዲ ስትራተጂ ደሞክራስያዊ ሓይልታት ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ንስለ ማሕበራውን ደሞክራስያውን ለውጢ ምውዳብን ምብርባርን እዩ። እንተዀነ ግና ህዝቢ ኤርትራ ተዳኺሙ ስለ ዘሎ ግደ እቲ ኣብ ደያስፖራ ዝርከብ ሓይሊ ተቓውሞ ብዝተማልኤ ኣገባብ ቃልሲ ንዲክታትራዊ ስርዓት ምግጣም እዩ። እዚ ስትራተጊ ስለ ክዕወት ግን ቃልስና ኣብ ኤርትራዊ ዓቕሚ ብቐዳማይ ደረጃ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ምትሕብባር ምስ ጐረባብትና ዝተወሰነ ምስ ዝዀውን ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይሊ ክድልድል ይኽእል። ስለዚ ጉዕዞ ሓይሊ ተቛውሞ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን እንተ ተወሰነ ይሐይስ ዝብል ርእይቶ ብዕምቈት ክጽናዕ ዝግብኦ ዛዕባ እዩ። ፖሊሲ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ምስ ጐረባብቲ ንኣድለይቲ ስጒምትታት፡ ከም ንትካላትን መትንታትን ዲክታተራዊ ስርዓት ምውቃዕ ይሕግዝ። ካልኣይ ባይቶ ሓይሊ ተቛውሞ  ንማእከላዊ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኤውሮጳን ሜን ኣመሪካን ምትካል መድረኽ ዝጠልቦ ኣገዳሲ ኣምር እዩ። እዚ ስጒምቲ ምስ ዝትግበር ንነፍሰምትእምማን ህዝብናን ኣኽብሮት ዓለመለኻዊ ሕብረተሰብን ምኽሳብ ይክኣል።

 

  1. ኣሰናዳኢ ኣካል ንኻኣይ ሀገራዊ ጉባኤ

3.1. ናብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ዘብጽሑና ሰንሰለት ሕጋውነት ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ይመስሉ፥

  • 2008 ቀዳማይ ጉባኤ ኪዳን ሃገራዊ ዋዕላ ክሰናዳእ ወሰነ
  • ብ 2009 ንሃገራዊ ዋዕላ ስለ ምስንዳእ ወርክሾፕ ተኻየደ
  • ሃገራዊ ዋዕላ ኣብ ነሓሰ 2010 ተኻየደ፣ ኣብኡ ድማ ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክሰናዳእ ተወሲኑ
  • ሃገራዊ ጉባኤ ኣብ 2011 እዩ ተዘጋጅዩ

 

3.2. ናብ ውድቀት ቀዳማይ ባይቶ ዘምርሑ ኢሕጋውያን ስጉምትታት

ድሮ ኣብ ውሽጢ ቀዳማይ ዓመት ህይወቱ፡ መሪሕነት ባይቶ ነቶም ዝተሓንጸጹ መምርሒታትን ትካላትን ኣብ ባይታ ተኺሉ ንሐይሊ ተቓውሞ ከዋፍር ኣይከኣለን። ካብኡ ዝበኣሰ ድማ ኣብ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ናብ ካልኣይ ባይቶ ከተብጽሓና ትኽእል ኣሰናድኢት ሽማግለ ኣይመረጸን። እዞም ፍሽለታት ምስ ደርዘናት ኢሕጋውያን ስጒምትታት ሓዊስካ ንጸረ-ዲክትታተራዊ ቃልሲ ኣብ ባይታ ሰጥሐ። እቲ ዝዓበየ ምንጺ ኢሕጋውነት ግዜ ህይወት ባይቶ ስለ ዝሓረረ እዩ። እምብኣር እቲ ኣፋጢጡልና ዘሎ መድረኽ ንኻልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክጽውዕ ዝኽእል ሕጋዊ ኣካል ለ ዘየሎ እዩ።

 

3.3. መሰጋገሪ ኣሰናድኢ ኣካል

ንህልዊ ኣማራጺታት ኣብ ግምት ምስ ነእቱ መሰጋገሪ ጉባኤ ንኻልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ስለ ዝቕድሞ ናብ ምስንዳኡ ደ ክጻወት ይኽእል እዩ ዝብል ርእይቶ ኣንዳኣስፋፍሔ ይኸይድ ኣሎ። መሰጋገሪ ጉባኤኸ ብኸመይ ይቘውም። ናብ ካልኣይ ጉባኤ ዘብጽሑ ሕጋዊ ሰንሰለታት ተበታቲኾም ስለ ዝርከቡ፡ ሓዲስ ሕጋውነት ብእንካንሃባን ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን እዩ ዝጥረ። ብመሰረት ፖለቲካዊ እንካንሃባን ዝሰናዳእ መሰጋገሪ ጉባኤ ጐይታነብሱ ስለ ዝዀነ ንነብሱ ኣብ ስሩዕ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ክቕይር ሕጋዊ መሰል ኣለዎ።

መሰጋገሪ ጉባኤ ብመሰረት ቅኑዓትን ቅቡላትን መትከላትን ኣገባባትን፡ ከምኡ እውን ትኽክለንያ ሚዛን ክፋላት ሕበረተሰብ ኤርትራ ምስ ዘንጸባርቕ ተድልዩ ዘሎ ህዳሴ ሕጋውነት ቅቡል ይኸውን። ነዚ ዕላማ ንምትግባር ክልተ ማእከላውያን ቅድመኲነታት ክትግበሩ ይግባእ። ቀዳማይ ቅድመኲነት ስምምዕ ተቓወምቲ ሓይልታት ኣብ ሓባራዊ ካርታጉዕዞ እዩ። ከምኡ እውን ተቛውምቲ ሓይልታት ብገዛእ ቊጠባዊ ዓቕሞምን ምሁራቶምን ለባማቶምን መሰጋግሪ ጉባኤ ምስ ዘሰናድዉ ዓወት ክምእረር ይኽእል እዩ። እዞም ጠለባት ምስ ዘይማልኡ ግን እቶም ኣትሪሮም ኣንጻር ዲክታተራዊ ስርዓት ኣስመራ ብግብሪ ክቃለሱ ድለየት ዘለዎም ሓይልታት ንጭርጭር ጉባኤ ንጐድኒ ገዲፎም ሃገራዊ ግቡኦም ከማልኡ ክግደዱ እዮም።  መሰጋግሪ ጉባኤ ብፖለቲካዊ ስምምዕ ዝቐወመ ኣሰናድኢ ኣካል የድልዮ። እቲ ብመሪሕነት ፈጻሚትን ባይቶን ዝቐወመ ኣሰናድኢ ሽማግለ ዕድመ ባይቶ ከይሓረረ ኸሎ ስለ ዝቐወመ እሞ ከም ንኪዳን ዝውክል ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስ እንወስዶ፡ ከም ሓደ ካብቶም ንመሰጋገሪ ጉባኤ ምስንዳእ ዝሎም ኣካላት ክውሰድ ይኽእል። እቲ ቅድሚ ምሕራር ግዜ ሃገራዊ ባይቶ ዝተጸውዔ ሓደ-ሲሶ ኣባልነት ባይቶኸ ኣብ ምስንዳእ መሰጋገሪ ጉባኤ ግደ ክህልዎ ይኽእል ድዩ­ ከምኡ እውን ነዚ ኣኼባ EFND ዝጸውዑን ንኣኼባ ሓይልታት መታሕት ኤርትራ ኣብ ለንዶን ዝጸውዑን ንኣኼባ ተበግሶ ስቶኮሆልም ዝጸውዑን ኣብ ጉዳይ ምስንዳእ መሰጋገሪ ጉባኤ ግደ ክጻወቱ ድዮም ፈጻሚ ኣካል ዝጽውዖ ዘሎ ኣኼባ ባይቶ ኣሰናዳኢት ሽማለ ምቕዋም ምስ ዝኸውን፡ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ኣካላት ምስታፍ የዐውት ምዃኑ ከነዘኻኽር ንፈቱ።   

 

  1. ምቕራብ ሰነዳት መሰጋገሪ ጉባኤ

 

4.1. ሓዲስ ኣገባብ ተደላይነት ኣለዎ

ኣብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ እቲ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ ኣካል ንነፍሱ ከም መተካእታ ዲክታተራዊ ስርዓት ወሲዱ ነበረ። እንተዀነ ግን እዚ ምንዮት ምስ ጭቡጥ ውሽጣዊ ኩነታት ሃገርና ዝዛመድ ኣይኰነን። ባይቶ ሓይልታት ተቛውሞ ንበይኖም ግዝያዊ ባይቶን መንግስትን ክፈጥሩ እይክእሉን እዮም። ሓደ ምኽንያት ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ምስሕሓብ ስለ ዘይፈትሕዎ እዩ። ካልኣይ ምኽንያት ሃገራዊ ጉባኤ ንኹሎም ተቓወምቲ ሓይልታት ስለ ዘይጠርነፈ እዩ። ኣብ መደምታ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ዝፍጠር ስልጣን ስ ሓይሉ እዩ ዝተርፍ። ነቲ ኣብ መንጎ ዲክታቶራዊ ስርዓትን፡ ሓይልታት ተቛውሞን ዘሎ ሚዛን ሓይሊ ምቕያር ምስ ዝድለ፡ ስልጣን ኣብ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ክምለስ ኣለዎ ንዝብል መትከል ምትግባር ግድን ይዀውን። እዚ ማለት ድማ ስልጣን ኣብ ኢድ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ተቓወምቲ ይኹኑ ወይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ክተርፍ የብሉን ማለት እዩ። ተቛወምቲ ሓይልታት ንበይኖም ንዘበነምስግጋር ክውንንዎ መሰል የብሎምን ጥራይ ዘይኰነ ዓቕሚ እውን ብሎምን። መጋገሪ ባይቶ ድሕረውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ንወከልቲ ካልኣይ ሃገራዊ ባይቶን ንበርጌሳዊ ክፍሊ ባይቶ ህግደፍን ዝጠመረ ክኸውን ይግባእ። መሰጋገሪ መድረኽ መጻንሒ መድረኽ እዩ። ማለት (Interim ወይ Transitional Period) እቲ ካብ ውድቀት ዲክታተራዊ ስርዓት ጀሚሩ ክሳብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ዝምረጽ ዘሎ ግዜ እዩ። መሰጋገሪ መንግስቲ ዕድሜኡ ክልተ ዓመታት ይኸውን። ብተወሳኺ ግዝያዊ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ መንግስቲ ቅድምያ ኣለዎ። ግዝያዊ መንግስቲ ነቲ ዝተወስነሉ ግዜ ምስ ኣብቅዔ፡ ነቲ ብደሞክራስያዊ ኣገባ ዝተመርጸ ባይቶን መንግስትን ስልጣኑ የሰጋግር።

 

4.2. ሰንዳት ካርታ-ጉዕዞ

 

4.2.1 ኤርትራዊ  ውዕል

 

ኣብ መዋእል ምሕደራ ብሪጣንያ፡ ሰልፊ ትግራይ-ትግሪንዪን ተቕሲማውያን ሰልፍታትን ካብ ኤርትራዊ ውህደት ክናገፉ ይጽዕሩ ነበሩ። ሰልፊ ትግራይ/ትግሪንዪ ንተዛረብቲ ትግርንያ ዝጠቓልል ደውላን መንግስትን ክተክል ይጽዕር ነበረ። ምንቅስቓስ ተቕሲም ባርካ ምስ ከሰላ ክጽንበር፣ ምንቃቓስ ተቕሲም ሳሕል ድማ ምስ ፖርትሱዳን ክጽንበር ይህቅን ነበረ። ስትራተጊ ብርጣንያ እምበኣር ንመሰል ርእሰወሳነ ኤርትራ ካብ ገጽ ካርታ ዓለም ምድምሳስ ነበረ። ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ኤርትራ ክይተሸራረፈትን ከይተፈናጨለትን ምስ ኢትዮጵይ ክትሓብር ኣለዋ ዝብል መስመር ነበሮ። ራቢጣ እስላሚያ፡ ኤርትራ ከም ዘላቶ ንውሱን ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሞግዚትነት ብሪጣንያ ድሕሪ ምጽናሕ ነጻነታ ክትረክብ ዝብል መስመር ነበሮ። በዞም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት፡ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ቦታ ክህልዋ ተኻእለ። መሬታ ከይተመቕለን ክይተሸራረፈን ብምጽንሓ ድማ ፈዴራልዊ ፍታሕ ይበየናላ ደኣ እምበር ኤርትራ መሬታ ውሁድ ኰነ። ብረታዊ ቃልሲ እውን ንውህደት ኤርትራ ዓቀበን፡ ንነጻነትን ልኡላውነትን እውን ኣረጋገጸ።

 

 

ህዝቢ ኤርትራ ዝኣተዎም ቃኪዳን ናብ እዞም ዝስዕቡ መትከላት ዝተመርኰሰ እዩ፥

 

  1. መሬትን የርን ባሕርን ኤርትራ ብተቕሲማዊ ምንቅስቓት ከይግሃስ
  2. ነጻነትን ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ወለዶታት ክሰጋገር
  3. ስምረት ኣመንቲ ምስልምና ኤርትራ ብቛንቋ ዐረብ ክሰምር እምበር ብቐቢላነት ከይመቓቐል
  4. መንግስቲ ኤርትራ ዓልማናዊ እምበር እምነትዊ ከይከውን

   

ንቛንቋታት ኤርትራ ዝምልከት እሞ ኣብ ሕገመንግስቲ ፈዴራልዊት ኤርትራ ዝጸደቐ መትከል እቲ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኣስረ ቀዳማይ ቃልኪዳን እዩ። እቶም ኣገደስቲ መትከላት ቀዳማይ ቃልኪዳን እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚቶም ዘለዉ ኣርእስትታት እዮም፥

  • ምርጻ ንሃገራዊ ባይቶ ኣብ ምምሕዳራዊ ቦታታት እምበር ኣብ ሃይማናታውን ዘርኣውን ኮማት ከይምስረት
  • ሕገመንግስቲ ኤርትራ ኣብ መትከላት ቻርተር ሕቡራት መንግስትታት ክመስረት
  • ፌዴራላዊት ኤርትራ ኣብ እምነታዊ መንግስቲ ከይትክል

 

ካልኣይ ቃኪዳን ነቲ ብ1971 ኣብ ፕሮግራም ተ.ሓ.ኤ. ተመዝጊቡ ዘሎን ብ1977 ድማ ኣብ ፕሮግራም ህዝባዊ ግንባር ሰፊሩ ዝርከብ ፕሮግራማት ዘማእከለ እዩ። እንተዀነ ግን ድሕሪ ነጻነት እዞም ብኽልቲኦም ውድባት ቅቡላት ዝዀነ ቃለኪዳን ተሰሪዞም ኣለዉ። ለዚ ኸኣ እዩ ተጣበቕቲ ሃይማኖትን ብሄራትን ተውዲቦም ዘለዉ። ህልዊ ኩነት ሓይሊ ተቓውሞ ተሃዋጺ ስለ ዝዀነ ላዕለዎት ምሁራትን ሙክራትን ለባማትን ኤርትራውያን ንመሰላት ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥርፍ ቃለኪዳን ክሰርዑ ይግባእ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሞዴላት ንግሉጽን ስልጡንን ልዝብ ኣብ መንጎ ምሁራትን ምኩራትን ዝዀኑ ኤርትራውያን ስለ ክካየድ ተባሂሉ ዝቐረቡ እዩ። ብፍላይ እዞም ዝተጠቕሱ ባእታታት ብሲቪካዊ ይኹን ፖለቲካዊ ውድባቶም ዝተመርጹ ምስ ዝዀኑ ኤርትራዊ ክብርን ውሽጣዊ ደሞክራስን ክሕለው ይኽእል።

 

 

4.2.2. ኣብ መሰጋገሪ ጉባኤ ክዝተየሎም ዘድልዩ ሞድላት  

ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ከም ሎ እቲ ቀዳማይ ቃለኪዳን ብዛዕባ መሰላት ኣቐልያት/minorities እዩ ዝገልጽ እምበር ንኣርእስቲ ብሄራት ወይ ዘርእታት ኣየልዕልን እዩ። ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ ቋንቋ ዓረብ ንሕብረት ኤርትራውያን ኣስላም ከደልድል ከሎ፡ ረቛሕቲ ብሄርነትን ዘርእን ግን ይፈላልዮም እዩ ዝብል መርትዖ ነበረ። ካልኣይ ቃለኪዳን ንመትከል ማዕረነት ብሄራዊ ኮማት (national groups) ኣጥቢቑ ይማጐት፣ እዚ ማለት ድማ ሓደ ብሄራዊ ወይ ዘርኣዊ ኮም ንኻልኦት ተመሳሰልቲ ኮማት ክዕብልል ምስ ዝፍትን ሻቡ ይንጸግ። እስከ እምበኣር ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው ሞዴላት ብሓደ ወሲድና ንመያጠሎም፥

 

 

ሞዴል ቊ

ቀዳማይ ሞዴል፡ ዓረብንያ ዕላዊ ቋንቋ ኣመንቲ ምስልምና እዩ ይብል።

 

ተቛማቲ ርእይቶ ሞዴል ቊጽሪ 1

ኣብ ዓለም ዓሌቶም ዓረብ ዘይኰኑ ኣመንቲ ምስልምና ንቋንቋ ዓረብንያ ከም ወግዓዊ ቋንቊኦም ክወስዱ ኣይግደዱን እዮም፡ እንታይደኣ፡ ንሃይማኖት ምስልምናን ንኣደኣዊ ቋንቋታቶምን ብድልድል የኽብሩ። ተዛረብቲ ትግርንያ ምእንቲ ኣብ መንጎ ኩሎም ሸነኻት ሃገርና ስኒት ክጥጥዕ ንዓረብንያ ከም ወግዓዊ ተቐቢሎሞ።

ረብንያ ቋንቋ ኣመንቲ ምስልምና እዩ ምባል ግን ትግርንያ ቋንቋ ክርስትያን ኤርትራውያን እዩ ከስምዕ ይኽእል። ቀዳማይ ቃለኪዳን ዘረጋግጾ ግን ግርንያን ዓረብን ቋንቋታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም እዩ። እንድሕሪ ዓብ ቋንቋ ኣስላም፡ ትግርንያ ድማ ቋንቋ ክርስትያን ኰይኑ ግን፡ ተዛረብቲ ትግርንያ ኣብቲ ብብዝሒ ዝነብሩሉ ቦታታት ንቋንቋ እንግሊዝንያ ማዕረማዕረ ትግርንያ ከተኣታትዉ መሰል ኣለውም ማለት ክኸውን ስለ ዝኽእል ብጥንቃቔ ክጽናዕ ዝግብኦ ጉዳይ እዩ።

 

ሞዴል ቊ 2

ብተወሳኺ ዓረብንያ ቋንቋ ኣመንቲ ምስልምና እዩ ምባል ሓዲስ ኣስላማዊ-ዓረባዊ መንነት ምትእትታው ከይከውን እውን ጥንቁቕ መጽናዕቲ ዘድልዮ ጒዳይ እዩ።

 

ተቛማቲ ሞዴል ቊ 2

እዚ ኣበሃህላ ነቶም ብነጻነት ኤርትራ ተዳቒሶም ዝነበሩ ፖለቲካዊ ጠለባት፡ ማለት ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ትግራይ ትግሪንዪን ዶኾን የበራብሩ ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳስነት ኣለዎ።

ሞዴል ቊ 3

ኣባላት ኪዳን ዝዀኑ ውድባት ኣብ ኤርትራ ኣስላማዊ መንግስቲ ምትካል መሰል ኣስላም ኤርትራውያን እዩ ይብሉ።

 

ተቋማቲ ሞዴል ቊ 3

ትግሪንዪ ድማ ምቕዋም ኣስላማዊ ደውላ ናብ ምስልምና መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ገጹ ክደህብ ድዩ ዝብል ስግት ስለ ዘለዎ ሞዴል ቊ ስለስተ ብጥንቃቔ ክጽናዕ ዘዎ ጉዳይ እዩ ይብሉ። ካብዚ ስግት እዚ ተበጊሶም፡ ትግሪንዪ ንጉዳያት መንግስትን ሃይማኖትን ፈላሊኻ ብምርኣይ ዓልማናዊ መንግስቲ ምስ ዝትከል ኩሎም ክፍልታት ሕብረሰብ ኤርትራ ብስኒት ክነብሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት አለዎም።

 

ሞዴል ቊጽሪ 4

ዲክታቶራዊ ስርዓት ኤርትራ ብትግሪንያውያን ስለ ዝተዓብለለ ውጹዓት ብሄራትን ዘርእታትን ርእሰውሳኔ ክሳብ ምፍንጫል ዝብል ሰነመጐት እውን ሰዓብቲ ዘለዎ መርግጽ እዩ።

 

ተቛማቲ ሞደል ቍ 4

ተቛማቲ ሞደል ቊ 4 ንመሰላት ብሄራት ወይ ዘርእታት ኣይነጽግን እዩ፡ እንታይደኣ ነታ ክንሃንጻ ንደሊ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ብልዝብ ናብ ሓባራዊ ፍታሕ ክንበጽሕ ዝቡቕ ድላይን ጻዕርን ጥራይ ዘድልየና።   

 

4.2.3. ሃይማኖታውን ብሄራውን ኣውራጃውን ኣካውና ህግደፍ

ኣካውና ህዝባዊ ግንባር ብመንጽር ሃይማኖትን ዘርእን ኣውራጃን ምስ ዝርኤ፡ ካብ ተጋደልቲ ደቂ ቀይሕ ባሕርን ከበሳን ሳሕልን ዝተውጽኤ ውድብ ነበረ ክበሃል ይኽእል እዩ። እዚ ግን ደቂ ካልኦት ኣውራጃታት ኣይነበሮዎን ማለት ኣይኰነን። ህዝባዊ ግንባር ብመንጽር ቋንቋ ኣደ ምስ ዝርኤ፡ ካብ ተዛረብቲ ትግርንያን ትግረን ዓፋርን ዝቐወመ ውድብ ነበረ። ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ተዛረብቲ ትግርንያ ተጋደልትን ካድራትን ቊጽሮም እንዳ ዛየደ ከም ዝኸደ ይዝከር፣ምስኡ ተጣሚሩ ዝኸይድ ትዕዝብቲ ድማ ቊጽሪ ተሳታፍነት ዝተጠቕሱ ሸነኻት ኣብ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር እናዓበየ ከም ዝኸደ እዩ። ድሕሪ ነጻነት እዞም ዝተጥቅሱ ሓይልታት ብሓባር መንግስቲ ኣብ ምትካል በቕዑብመንጽር ብዝሒ ቊጽሪ ክርኤ ከሎ፡ እቶም ንወተሃደራውን ምምሕዳራውን ኣብያተ ስራሕ ሒዞሞ ዘለዉ ቊጹራት መንግስቲ፡ መብዝሕቶም ትግሪንዪ ምዃኖም ይርኤ። ብመንጽር ደርባዊ ጠመተ ክርኤ ከሎ ግን፡ መበቘል ብዝየገድስ ሰብኣውን ፍጥረታውን ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር መስረትቲ ህግደፍ ይርከብ። ዲክታተራዊ ስርዓት ነቶም ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዉ ቅርጻዊ ፍልልያት ከገፋፍሖ ይርኤ፡ እዚ ድማ ንደርባዊ ቊጽጽር ስለ ክጥዕሞ እዩ። ተቓወምቲ ሐይልታት ክግንዘብዎ ዝግባእ ዛዕባ እንተሃለወ ገዛኢ ደርቢ ኤርትራ መበቈሉ ኤርትራዊ ከም ዘይኰነ እዩ።  

 

4.2.4. ጉራጉራ ሕብረተሰብን ኣገዳሲ ግደ ሓባራዊ እንካንሃባን

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝቐረቡ ሞዴላት ነቶም ኣብ ባይታ ዝርከቡ ፍልልያት ሕብረተሰብና ንክንሰርዕን ክንትንትን ብመጠኑ ክንርዳእን ሓጊዞም ይዀኑ እዩም፡ ተደልዩ ዘሎ ስነሓስባዊ መርሃ ንሓዲስ እሞ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክጥርንፍ ዝኽእል ቃልኪዳን ምሕንጻጽ እዩ። ከይዲ እንካንሃባን ኣዝዩ ዝተጠላለፈ ስለ ዝዀነ በቶም ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታታት ክጽናዕን ክምራሕን እዩ ዝግባእ። ኩሎም ሸነኻት ኤርትራ ድማ ብትምህርትን ተሞክሮን ልቦናን ዝጸገቡ ባእታት ስለ ዘለውዎም ፖቲካዊ ውድባት ይኹኑ ሲቪካዊ ማሕበራት ንወከልቶም ባዕሎም ምስ ዝመርጽዎም ምትእምማንን ኣድማዒ ዓቕምን ኣብ መራሒ ጸፍሕታት ክጥርነፉ ይኽእሉ።  ኣብ ጥርዚ ተላዒሉ ዘሎ ኣርእስቲ  ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘዉ ዛዕባታት ኣብ ግምት ነእትው፥

 

  • ብድልድላዊ ውክልና ዝተመርጹ ምሁራትን ምኩራትን ለባማትን ባእታታት ኣብ ሓጋግን ፈጻምን ኣካላትን ኣብ ሲቪካዊ ኣገልግሎትን ዝተመርኰሰ ልፍንታዊ መንግስቲ ክቐውም።
  • ሃገራዊ ሃብቲ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክዝርጋሕ፥ ንዝተመጣጠነ ምዕብልና ዝኸውን ገንዘብ ብፍትሓዊ ኣገባብ ክምቀል።
  • ኣውራጃታት ኤርትራ ኣብ ንቡር ቦትኦም ምስ ተመልሱ ንነፍሶም ዘማሓድሩ ካንቶናት ክኸውኑ።
  • ዜጋታት ብቐጥታዊ ይኹን ወይ ብውክልና ኣብ ጸፍሕታት ውሳኔ ክሳተፉ መስሎም ክሕለወሎም።
  • ኣቕልያት (minorities) ብኣቕለብያት (majorities) ካብ ወሳኒ ላዕለዋይ ስልጣን ከይወገዱ።
  • ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ዝምድናታት ጉዳያት ሃይማኖት ካብ ጣልቃዊ ኢድ ምትእትታው ክውገድ።

 

ዝተጥቕሰ ስርዓት ክልተ ግዙፋን ጉድለታት ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ድማ ፖለቲካውን ቁጠባውን እዮም። ውነና መሬት ብመንግስቲ ኣብ ብከላ ፖለቲካ ክምርሕ ይኽእል እዩ። ብምሁራት ጥራይ ዝተዓብለለ ስልጣን ቁጠባ እውን ንፍልልያት ብረተሰብ ከዕሙቕ ይኽእል እዩ። ንሰነዳት ግዝያዊ ባይቶን መንግስትን ዝቕርብ ኣካል ኣብ ስልሳይ ቃለኪዳን ክመርሓና ንትምነ።

 

4.3. ግዝያዊ ቻርተር

ግዝያዊ ቻርተር ንግዝያዊ ባይቶን ግዝያዊ መንግስትን ዝመርሕ ቅዋም ስለዝዀነ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘዉ ትካላት የማልእ፥

 

 

4.3.1. ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ

ኣብ መሰጋገሪ መድረኽ ክልተ ትካላት ይቐውሙ፥ ንሳቶም ድማ ግዝያዊ ባይቶን ግዝያዊ መንግስትን እዮም። ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ካብቲ ተዋሲኑ ዝርከብ በርጌሳዊ ኣካል ባይቶ ህግደፍን ባይቶ ተቓወምቲ ሓይልታትን ይቐውም። ብግዲኡ ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ንግዝያዊ መንግስቲ የቕውም። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ህይወት ግዝያዊ ባይቶን መንግስትን ክልተ ዓመታት ይኸውን። ግዝያዊ ሃገራዊ ባይቶ ክልተ ኣደራሽት ይህልውዎ፡ ንሳቶም ድማ ኣደራሽ ሃይማኖታዊ ሕበረኮማትን ብሄራትን ኣውርጃታትን እዮም። ካልኣይ ኣደራሽ ድማ ንፖለቲካዊ ሰልፍታት ይሓቊፍ። ቀዳማይ ኣደራሽ ንመሰላት ሃይማኖታትን ብሄራትን ኣውርጃታትን ይሕግግን ይከታተልን። ካልኣይ ኣደራሽ ንሕግታት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ምርጻን የሰናድእ። ኮሚሽን ሰነድ ሕገመንግስቲ ብኽልቲኦም ኣደራሻት ቘይሙ በቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ሃገራዊ ባይቶ ድማ ይጸድቕ። ክሳብ ዳግመ ርእይቶ ዝግበርሎም፡ ኣብያተ ፍርዲ ብህልዊ ሕግታት ይካየዱ። ኣብያት ፍርዲ መሬትን ሰብኣዊ መሰላትን ይቐውም።  

 

4.3.2. ግዝያዊ መንግስቲ

ግዝያዊ መንግስቲ ኣሳታፍን ብመትከላት ዝተመጣጠነ ውክልና ዝምራሕ ሰፊሕ ልፍንቲ ይቐውም።

 

 

4.3.3. ዕማማት ግዝያዊ መንግስቲ

 

  • ንምስግጋር ስልጣን ብዘይ ዕንቅፋት ምትግባር
  • ንኹሎም እሱራት ምፍታሕ
  • ደሞክራስያዊ መንግስቲ ምትካል
  • ፍትሓዊ ስርዓት ሕጊ ምትካል
  • ልኡላውነት ሃገረኤርትራ ምርግጋጽ
  • ኣብ ሰላምን ሓቢርካን ዝተመስረተ ርክባት ዲፕሎማሲ ምንዳቕ
  • ንሃብቲ መሬትን ባሕርን ማዕድንን ምዕቃብ
  • ህላዌ እኹል ምግቢ ምርግጋጽን ጥዕና ህዝቢ ምሕላውን
  • ውሽጣዊ ርግኣት ምዕቃብ
  • ንደገኣዊ ተጻብኦ ምክልኻል

 

  1. ቅርጻ መሪሕነት ኣብ መሰጋገሪ ጉባኤ

መሪሕነት ሓይሊ ተቓውሞ ብመትከላት ዝተመጣጠነ ውክልና ክስራዕ፣ እዚ ማለት ድማ ውድባት ሃይማኖትን ብሄርን ከምኡ እውን ሕብረቁጠባዊ ሰልፍታትን ወከልቶም ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ዘይኰነስ ብውድባቶምን ሰልፍታቶምን ክምረጹ። ሓላፍነት ኣስናዳኢት ሽምግሌ በቲ ዝተዋህባ መምርሕን ንውድባት ዝተስልዔ ቊጽርን ኣገባብ ምርጻ ምክትታል እዩ። ካብዚ ከይዲ ዝውጽእ ሰፊሕ ልፍንቲ ብካልኣይ ሃገራዊ ጉኤ ይጸድቕ። ከም ኣብ ላዕሊ ዝተቕሰ መስጋገሪ ጉባኤ ጐይታ ነብሱ  ከም ምዃኑ መጠን ንነብሱ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ክቕይር ሓይሊ ሕጋውነት ኣለዎ። ማሕበረቁጠባዊ ሰልፍታት ክልተ ኣካላት ኣለውዎ፥ ንሳቶም ድማ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ሲቭካዊ ማሕበራትን እዮም። ሃገራዊ ጉባኤ ካብ ውሑዳትን ዓቕሞም ኣዝዩ ምዕቡል ዝዀኑ ወከልቲ ዝተዋጽኤ ይኸውን። ፈጻሚ ሽማግለ እንኮ መሪሕ ኣካል ፖለቲካ ይኸውን፥ መሪሕ ኣካላት ባይቶ ኣብ ጉዳያት ምሕጋግን ውድባ ማሕበረኮማት ደያስፖራን የተኲር። ማእከላይ ቤት ጽሕፈት መደበሩ ይመርጽ፣ መደበር ባይቶ ግን ኣብ ወጻኢ ይኸውን።

 

5.1. ሲቪካዊ ማሕበራት

ስልጣንን ሓላፍነትን ሲቪካዊ ማሕበራት ብሃገራዊ ጉባኤ ይሕንጸጽ። ከምኡ ድማ ንቤትምኽሪ ሲቪካዊ ማሕበራት የቐውም። ቤትምኽሪ ሲቪካዊ ማሕበራት ድማ ብሸነኾም ንህልውን መጻእን ጨንፈራት በርጌሳዊ  ማሕበራት ሕግታትን መምርሒታትን ይሕንጽጹ።

  • ኩሎም ጨንፈራት ኣብ ዝቕመጥሉ ሃገራት ንማሕበራቶም ብሕጊ የመዝገቡ
  • ቤት ምኽሪ ሲቪካዊ ማሕበራት ንድርብርብ ዝዀነ ኣውዳድባ ስቪክ ማሕበራት ኢና በሃልቲ የጽፍፍ
  • ኣብ መንጎ ሞያውን ሰብኣውን ጥቕማውን ማሕበራት ዘሎ ፍልልይ የነጽር
  • ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ከም ሲቪካዊ ማሕበራት ክውደቡ ይኽእሉ
  • ማሕበራት ኤርትራውያን መንእሰይ ግን ኣባላት ባዕሎም ዝመረጽዎም ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክዀኑ መሰል ኣለዎም፡ ብድሕሪ ሕጂ ዝፍጠር ኮንፈድረሽን መንእሰያት ግን ከም ስቪካዊ ማሕበር ክምዝገብ ይኽእል እዩ።
  • ሲቪካዊ ማሕበራት ዕማሞም ካብ መንግስታውን ኢመንግስታውን ትካላት ረድኤት ምጥያቕን ንማሕበአኮማት ድያስፖራ ምብርባርን ንሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ምሕላውን እዩ።

 

  1. ስትራተጊን ንጥፈትን ፖለቲካዊ መሪሕነት
 
  • ንማእከላይ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ሃገራት (ኤውሮጳ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ወይ ኣውስትራልያ) ምቛም
  • ምስ ኤርትራውያን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ድያስፖራ ልዝብ ምክያድ
  • ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ማሕበራዊ እብየትን ፖለቲካዊ ተቓውሞን ምውዳብ
  • ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝርከቡ ተቓወምቲ ብምስጢራዊ መርበብ ምትእስሳር
  • ነቲ ብኤርትራውነት ዘይኣምን ገዛኢ ኣካል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ምንጻል
  • ንኤርትራውያን ካብ ፖለቲካዊ ህጻንነትን ኣምልኮ ዲክታቶርን ነጻ ከም ዝዀኑ ምግባር
  • ንኤርታራውያን ካብ ነጋዶ ህዋስት ሰውነት ሰብ ምክልኻል
  • ንመሰላት ኤርትራውያን ስደንያታት ምክልኻል
  • ምስ ዓለመለኻዊ ማሕበረሰብ ጽኑዕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምፍጣር
  • ምንጽታተ ግምጃ ምንዳይ

 

 

ሕሩይ ተድላ ባይሩ

ስቶኮሆልም/2014-10-20

 

>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>> 

 

 

  

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
66 COMMENTS
  • FkrnSelamn October 30, 2014

    Ab wshti Ertra nzelewu n lewti keykalesu kendi mahlaka koynu hizwom zelo, then what zbl hto eyu. Ezi zelo srat mstealeye whats going to happen. Kab zeyfelto melaks eyu negeru. They need to have a vision or roadmap first. Then its easy to follow it.

    Its much better to have a map and know where you are going before you start traveling.

  • true lies October 30, 2014

    Akal ,
    It is not Asghedom Woldeghiorghis that said it first ,it is abona weldeab woldemariam..When Aboy Tedla Bairu rebuked to Abona Weldeab saying “you are from axum ,why should you interfere in Eritrean issue ,and as the whole world knew Tedla Bairu’s family was FALATA originated from Nigeria…Abona Woldeab woldemariam replied “If nigerians can interfere why not me ?”..But I agree with your conclusion,We are all Eritreans .Haile Gebru the singer is Tigray so is Kisha..so ,Yemane monkey could be srilankan origin ,We are all Eritreans.

    • Simon G. October 31, 2014

      Are you guys confusing Bairu with Barya by any chance?
      How is that Hirui Tedla Bairu a Falata name? This is perplexing.
      BTW, if he is good, I don’t care where he is originated. To me, he is an Eritrean. The question is, is he good for Eritrea?
      I live in CA and Obama is my president. Do I need to say more?

      • wedimeret October 31, 2014

        Simon
        yes, you need to say more you Moran, America’s national security is well protected, not only its own people also people like you are well protected.
        I am very disappointed and saddened by the fact that Eritrea is such fragile and not protected & it is left dawn to people like you for protection if you Eritrean citizen.

        • Simon G. October 31, 2014

          ወዲ መሬት:
          ‘ዛ “ሞራነይ” ዶ ኣቑሒምካኒ። የቐንየለይ። ከምዚ እንዳተጻረፍካስ ዓማጺ ክትኣሊ ትሓስብ። ክምዚ ስለዝኾና ኢና ድማ ኢሳያስ ዝጻወተልና ዘሎ። ብላሽ።

          • rezen October 31, 2014

            Friday, 31 Oct.2014

            Hi Simon G,
            It is me again, smiley 🙂 semaforo on/off…on/0ff……
            Excellent and incisive commentary — way way way above the …… With that clean air on the mountain top it is really refreshing and healthy. Never let anyone drag you down. Stay there, Buddy.
            And have a pleasant week-end with a smile. I like to be self-anointed priest and preach from time to time!!!!!

          • Simon G. October 31, 2014

            rezen,
            Thank you for pulling me up from below zero to a neutral position! Have a wonderful weekend to you too.

  • wedimeret October 31, 2014

    ስምኦን፣
    ስግኣት ናይ ዜግነት ኣገዳስን ኣድላይን እዩ;;
    ሕሩይ ይኹን፣ ኣቡኡ ናይ ኤርትራ ኣድመይቲ እዮም
    ኤርትራዊ እንተኾነካ ሓደራ ክብለካ ዝደመናዮ ይኣክል

  • Genet-orginal October 31, 2014

    true lies

    I agree with your point that it doesn’t matter, which part of the world once root belongs too. What matter is what they have been doing. Bloodline shouldn’t have weight on any thing. However, behind any kind of actions, there are reasons or motives. That goes for both good or bad actions. In the Eritrean issue, the question of “how can an Eritrean be comfortable with what is going on to our people and country” is a good question to ask. Many people react to this question by getting mad “so you think Eritreans don’t do bad things” Others strongly believe the PFDJ’s leaders are not Eritreans and that is why they don’t care. They tend to explain anybody’s reasons for not doing a good job in Eritrea is because, they are not one of us. This is not irrational thought process at all. For Eritreans to think the PFDJ’s leaders can’t be one of us is that they are comparing them to the Tigryan gov.in Ethiopia.

    As we all know, the Tigrayan gov in Ethiopia is taking care of the Tigray people properly. Their young generation are being educated; their right is protected; they can move freely inside Ethiopia and around the world. Evidently, the Tigray gov in Ethiopia is taking responsibility for Tigray people. When you have the worst management of people and country inside Eritrea, yet you see the most responsible gov across the river. How can that be? You have to ask, what is the reason for PFDJ’s leaders who are predominantly 50% or 100% Tigrayan/Ethiopians lack compassion for the Eritrean people? In the Eritrean case, is bloodline a factor? Not to have empathy for your political opposition is normal. However, what we have seen so far by the PFDJ’s leaders is the indifference toward the Eritrean suffering. Eritrean can die in the sea in the 100s. no compassion for them; Eritrean children can be denied education, no compassion for them; Eritrean can be raped, tortured, their organs harvested and killed, no compassion for them. So, is a bloodline a factor?

    God save our people.
    Genet-O

    • ahmed saleh November 1, 2014

      True lies
      Are you sure Haile Ghebru origin hailed from Tigray . I personally
      asked him that question but from his explanation the residence of
      his grandfather in Tigray doesn’t make him Tigraway . In fact the
      way he explained to me he hailed from Seraye region .
      At the same time he was one of our best singers with typical asmarino disciplined personality in Asmera when we were kids . And I suspect
      because he joined ELF was the motive to tarnish his name .

      • ahmed saleh November 1, 2014

        But honestly speaking I can’t easily trust people like Huruy who
        switch their stand . One day on that side then suddenly change to
        other side . Please , stay away from this kind of people .

  • Wadbahar November 1, 2014

    Why do we worry about the question of who originated from where? Are there Eritreans who sprung from the Eritrean soil or landed from the sky? Everybody’s ancestors came from outside: crossing the Ethiopian escarpment, or the Sudanese desert/hills, or the Red Sea? But all are equally indigenous Eritreans, regardless of who came earlier than others. It is shame to be involved in the archaic practice of “Harag Memzez”. As long as somebody identified himself/herself with Eritrea, he/she is an Eritrean, and a brother had already mentioned the example of President Obama who originated from Africa but elected president of the USA. This is the greatness of the American people. This type of exclusion on basis of origin or race is not only wrong but extraordinarily archaic and medieval. It is shame to capitalize on origin and race as basis of participation on Eritrean politics, though it is not easy to establish, for fact, who came from where. Let us discuss the document this man is presenting; not him. In few words, when it comes to origin, all of us are on the same boat. We should not open a can of worms and waste our time. This is not the path of a people who want to catch up with the civilized world.

  • Wedi_Hagher November 1, 2014

    “Everybody’s ancestors came from outside: crossing the Ethiopian escarpment, or the Sudanese desert/hills, or the Red Sea? But all are equally indigenous Eritreans, regardless of who came earlier than others.”

    Wadbahar

    Are you kidding or trying to confuse people ?

    Brother, we are all Eritreans and that should be enough. But it doesn’t mean Eritrea has no indigenous people who lived on this land from time immemorial.
    Eritrea has never been an empty land where those who were looking for a promised land finally settled one after another.
    Eritrea’s Dekebat are still there !!.
    “We-are-all-settlers” is the theory of those who are killing Eritrea. To force people forget their past they dismantled our regions.

  • Genet-orginal November 3, 2014

    Yohnnes
    You arn’t Eritrean. So, Why are you here? FYI, I am not calling you you are not good enough. Why are you telling us we need to clarify this and that? Are you one of those Ethiopian/Eritrean in a termoil who have a choice to make. You can pick what is best for you. Why are you telling us we need to make a choice. We don’t have to make any choice. We are Eritrean for worst or better. I know what you are getting at. For yourown selfish wishes, you want us to hate oursleves? What is that mean when you said, “Most Eritreans had alot of problems we have a lot to hide” Is this about the Tigray-Tigrigna dream? I say Thanks NO thanks.
    Genet

  • teklay.am November 4, 2014

    beti ab siltan zelo ferihe ayfelitin eye bezom teasibkum ab wexae konkom tedakiru zelekum gn niferih begakum kabzom demengatatna nitenkek eritrawiyan temesilom zigebriwo gosguasat ab hadega keytiwedik adina ane bi tela bayru teteratire aykonkun ezi zibil zeleku.ab mewedaet gn muhurat eritrawian dikumat ekum tray eye kiblekum zikiel

  • lucious tewolde November 4, 2014

    It’s perplexing to hear Hiruy acting like the defender of Eritrea,knew him since 1975 in the ELF he is nothing but a self-serving opportunist quisling like the handful others we got in the diaspora,If Eritrea was in this quisling’s rule we would have been tenants of our own country.You better believe it “the fruit doesn’t fall far from the tree,” he is Tedla Bairus’son.He would have been the darling of our enemies and we would have kissed Eritrea goodbye after all the sacrifice.

  • Keren November 4, 2014

    Who cares about the origin of ato Huriy or his father Tedla Bayru? Yes, they have Igbo or Yeruba ethnicity from Nigeria, so is Weldeab Weldemariam from Axum, as Issaias is from Tembien and Ali Abdu Yonous from Shirie and Abdul Kadir Kebire is from Amhara-Jeberti in Wello in Ethiopia.
    As long as, they respect the traditions, languages and cultures of Eritrean ethnic groups, their origin should be respected.
    For example, If a person grows up in Keren and respects the languages of the Bilen and the Mensa’e Tigre, then the new immigrant/ aka, refugee should be allowed to live. Or, if a person grows up in Mendefera and respects the Tigrinya language and tradition of the Mendefra and Seraye people, that immigrant or refugee should be allowed to live and accepted, as Weldeab Weldemariam did.
    If an immigrant or refugee tries to burn the local history, tradition and language of the host values of the Bilen or Mendefera people and replace it by alien values and language, the immigrant or refugee should be told to get out and find his father’s village.
    Example: I live in Texas, USA and I will soon become an American citizen. I will never try to impose my Horn Africa and Eritrean values, languages and history on the people of Texas. I will respect their law, language and history. I will not see the Texas people as my slaves or Abeed. Never!

POST A COMMENT