Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብቲ ኣብ ዓሰብ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሳ ነፈርቲ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ብዘካየዳኦ ደብዳብ፣ ሓደ ንቡር ህይወቱ ንዝመርሕ ዝንበረ ገፋፍ ዓሳ ክቐትላ ከለዋ ምስኡ ንዝነበሩ ሽዱሽተ ካልኦት ሰላማውያን ከምዘቝሰላ፣ ካብ ምንቅስቓስ ዓፋር ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ካብቲ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሳ ነፈርቲ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ቅድሚ ትማሊ 8 ግንቦት ብዘካየዳኦ ደብዳብ፣ ሓደ ንቡር ህይወቱ ንዝመርሕ ዝንበረ ገፋፍ ዓሳ ትወላዲ ብሄረ ዓፋር ክቐትላ

ካብቲ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሳ ነፈርቲ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ቅድሚ ትማሊ 8 ግንቦት ብዘካየዳኦ ደብዳብ፣ ሓደ ንቡር ህይወቱ ንዝመርሕ ዝንበረ ገፋፍ ዓሳ ትወላዲ ብሄረ ዓፋር ክቐትላ ከለዋ ምስኡ ንዝነበሩ ሽዱሽተ ካልኦት ሰላማውያን ብኸቢድ ከምዘቝሰላ፣ ካብ ምንቅስቓስ ዓፋር ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ህይወቶም ኣብ ያታዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝምርኮስ ሰላማውያን ሰባት ዓሳ ክገፉ ካብ ከባቢ ዕዲ ብጃልባ ናብ ባሕሪ ምስ ወፈሩ እዮም ኣብ ማያዊ ኽሊ ኤርትራ ከለዎ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሃንደበት ወሪዱዎም።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምእንቲ ምንዋሕ ምልካዊ ስርዓቱ ክብል፣ ኣብቲ ኣብ ስግር ባሕሪ፣ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ንምስታፍ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድን ከም ወተሃደራዊ መደበር ክጥቀሙሉ ካብ ዘፍቅደሎም ንደሓር ሎሚ ንሳልሳይ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ኤርትራውያን ብደብዳብ ነፈርቲ ቅትልት የጋጥም ምህላዉ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።

ኣብ ደንካልያ ዝነብሩ ህዝቢ ዓፈር እቲ ምልካዊ ስርዓት ቀይድታት ብምብዛሕ ነቲ ንመዋእሎም ህይወቶም ዝመርሑሉ ያታዊ ምግፋፍ ዓሳ ካብ ምስልሳል ከዕንቅፎም ምጽንሑ ንነዊሕ እዋን ኣቤቱታ ከቕርቡ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ከምዚ ብዝኣመሰለ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ ምቅንቅስቓስ ነጻነቶም ዝያዳ ምቕያዱ ዘተሓሳስብ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Geje May 12, 2017

    ኣየ ሳሕሳሕ ዓረብ ፡ ዋና ዘይብሉ ዓዲ ረኺቡ ፡ ነዚ ኣፍሪቃዊ ንዕቕ ኣቢልዎ፧?

  • Sol May 12, 2017

    Geje,
    The suposed owner and protector of the country has sold the land to the sahsah Arab and we as Eritreans our problem is the mafia regime that is compromising with sovereignty and pride of our people.

POST A COMMENT