Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሕሉፍ ታሪኽና ክንመሃሮ ዘሎና ጉዳይ

“ Those who cannot learn from history are doomed to repeat it “ Gearge Santayana ትርጉሙ “ እዞም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ፥ ጌጋታት እናዯገሙ ይነብሩ “ ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ፥ ቀልጢፍካ ብዘይምውሳንን ሓቢርካ ብዘይምስራሕን

“ Those who cannot learn from history are doomed to repeat it “ Gearge Santayana

ትርጉሙ “ እዞም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ፥ ጌጋታት እናዯገሙ ይነብሩ

“ ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ፥ ቀልጢፍካ ብዘይምውሳንን ሓቢርካ ብዘይምስራሕን ፥ ኣብ ዘይተዯልየን ብቐሊሉ ክትወጽኦ ኣብ ዘይትኽእልን ዓዘቕቲ ይእቶ። ክሳራታቱ ከኣ ማእለያ የብሉን። ብመሰረቱ ካብ ጊዜ 40ታት ጀሚሩ ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገማት ዘቤታዊ ጥራሕ ኯይኑ ኣይፈልጥን። ብዙሕ ናይ ግዲማዊ ምትእትታዋት ዝበዝሖ ኢዩ ነይሩን ሕጂ’ውን ኣሎ።ኤርትራ ብዘለዋ ጅኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ብዝሕን ዝርጋሐ ሃይማኖት ህዝባን ክርኤ እንከሎ፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይዯልዮ ከባብያውን (Regional ) ዓለምለኻውን (International ) ጂኦግራፊካዊ ቁርቁስ ንክኣቱ ተገብረ። ብፍላይ ኣብ ምቁጽጻር ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ገዚፍ እስትራተጂካዊ ባይታ ስለዘለዋ ብጏረባብቲ ሃገራትን ብኻልኦት ናይ ዓለምና ሓያላን መንግስታት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ውሽጢ ጉዲያት ኤርትራ ናይ ኢዴ ምትእትታው ነይሩን ሕጂ’ውን ብጋህዱ ይርኤ ኣሎ።

ኩነታት ሃገርና ምስ እንዕዘብ ኣብ እዋን 40ታት ኤርትራ ካብ ወተሃዯራዊ ምምሕዲር እንግሊዝ ናጻ ክትወጽእን ባዕላ ንባዕላ ክተመሓዲዴር ትኽእል ምንባራ ርደእ ኢዩ ነይሩ። እንተ኿ነ እቲ ህዝቢ ኣብ መንጎ ዯላይ ናጽነትን ሕብረት ምስ ኢትዮጵያን ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ኣብ ክልተ ተገሚዑ ምንባሩ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዯዘንትዎ ሓቂ እዩ። ሽሕኳ እቲ ዯላይ ናጽነት ካብቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝብል ብቁጽሪ ዝበዝሐ እንተነበረ ኣብ መንጎኡ ስጡም ውህዯት ኣይነበሮን። ብንኣሽቱ ፍልልያት ኣብ ሰለስተ ወይ’ውን ካብኡ ንላዕሊ ዝተመቓቐለ እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ኤርትራውያን ምግምማዕ ንናይ ወጻእተኛታት ሽርሕን ተንኮልን ማዕጾ ከፈተሎም።

ሀ. እንግሊዝ ንረብሓታታ ክትብል እቲ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ንሱዲን ፥ እቲ ከበሳዊ ወገን ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ምስ ትግራይ ተጸንቢሩ “ ትግራይ ትግርኚ “ ( Tigray Republic ) ንኽምስርት ሓሳብ ኣቕረበት። እቲ ዘገርም ገለ ዕሱባት ኤርትራውያንን ከማኡ’ውን ናይ ትግራይ መበቆል ዘለዎም ኤርትራውያን ነዚ ናይ እንግሊዝ ሓሳብ ዝተቐበሉ ነበሩ። ንኣብነት ኣብ ገለ ገለ ሰልፍታት ከም “ ማሕበር ሓርነት ንልምዓት ኤርትራ “ Eritrean Progresive Party ነዚ ናይ እንግሊዝ እማመ ተቐበለ። ዴሓር ግን እንግሊዝ ነቲ ዘንቀለቶ ሓሳብ ምስ ገዯፈቶ ማሕበር ሓርነት ንልምዓት ኤርትራ “ Eritrean Progresive Party ናብ ዯምበ ናጽነት ተጸንበረ።

ለ. ገለ ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ መንግስቲ ኣሜሪካ ኤርትራ ብምሉኣ ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ኣለዋ ክብሉ ከለዉ፥ ገለ ውሑዲት ሃገራት ከኣ ንናጽነት ኤርትራ ዯገፎም ሃቡ። ይኹን እምበር ነቲ ናይ ኤርትራውያን ምምቕቓል ምኽንያት ብምግባር ውዴብ ሕቡራት ሃገራት፥ ኤርትራ ብፈዯረሽን ምስ ኢትዮጵያ ከምትቑረን ወሰነ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዝይተጸበዮ ሓሳርን መከራን ወዯቐ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ፈዯረሽን ውዕላት ቀስ ብቀስ እናፍረሰት ኣብ መወዲእታ ብ 14 ሕዲር 1962 ኤርትራ ሓንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ኣወጀት። ብዴሕሪዚ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ናጽነቱ ንምውሓስ ብ1961 ናብ ብረታዊ ቃልሲ ኣተወ። ዴሕሪ ናይ 30 ዓመት መሪር ተጋዴሎ ከኣ ብ1991 ንጸላኢ ብሓይሊ ኣውጺኣ ናጽነታ ዓተረት። እንት኿ነ እቲ ዝተረኽበ ናጽነት ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ዘውሕስ ኮይኑ ኣይተረኽበን። እኳ ዴኣ ካብቲ ናይ ባዕዲውያን ጭቆና ብዝኸፍኤ መንገዱ ብወዱ ሃገር ተተክአ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ መሰላቱ ንምውሓስ ዲግማይ ሓርነታዊ ቃልሲ ጀመረ። ይኹን እምበር ልክዕ ከምቲ ናይ 40ታት ብዘይምሕባሩ ኣብ ዓወት ክበጽሕ ኣይከኣለን ። ጉዲይ ኤርትራ ከኣ ናይ ህዝባ ውሽጣዊ ጉዲይ ምዃኑ ተሪፉ ናይ ባዕዲውያን ጉዲይ ኯይኑ ይርአ ኣሎ። ባዕዲውያን ሓይልታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጣልቃ ንክኣትዉ ምእንቲ ንክጥዕም “ ኤርትራ ናብ ፍሽለት ሃገር ገጻ ተምርሕ ኣላ እናበሉ ይዛረቡን ይጽሕፉን ኣለዉ። ልክዕ ከምቲ ናይ እዋን 40ታት ኤርትራ ነብሳ ከተመሓዴር ኣይትኽእልን ኢያ፥ ህዝባ ይጸንት ኣሎ፥ ናብ ዝወዯቐት ሃገር ገጻ ተምርሕ ኣላ ፥ ንኽትበታተን ተኽእሎታት ኣሎ ፥ ንጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣስጋኢት ሃገር እናኾነት ትመጽእ ኣላ … ወዘተ ዝብሉ ወረታት ይዝርጋሕ ኣሎ። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዯቂ ሃገር “ ዯለይቲ ፍትሒ ተመሲሎም “ ዴንዛሕ ዘሎ ኣዕናዊ ፕሮፓጋንዲ ማእለያ የብሉን። ንኣብነት “ ሰውራ ኤርትራ ናይ ሸፋቱ እዩ ነይሩ ፥ ሕቶ ኤርትራ ሕቶ መግዛእቲ ዴዩ ወይስ ኣይነበረን ፥ ገዴሊ ኤርትራ ቅኑዕ ኣይነበረን “ ስዉኣት ኤርትራ ኣብ ሽፍትነት ኢዮም ተሰዊኦም ፥ ሻዕብያ ናይ ውሑዲት ንብረት እምበር ንዕላማን ንናጽነትን ኣይተቓለሰትን ፥ ኤርትራ ብዘይ ኢትዮጵያ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢያ ፥ ተዛረብቲ ትግርኛ ዝኾኑ ኤርትራውያንን ተጋሩን ሓዯ ዓሌትን ዘርእን ስለዝ኿ኑ ኣብ መንጎኦም ድብ ክህሉ የብሉን “ ፥….ወዘተ ዝብሉ ዕሱባት ኤርትራውያን ተዋፊሮም ብሰፊሑ ክሰርሕሉ ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ዘመተ እዚ ኣብ ኢንተርነት ፥ ፈይስ- ቡክን ጥራሕ ዘይኯነስ ኣብ ኤርትራውያን ፓልቶክ ሩማት ከይተረፈ ብተኸታታሊ ንኣዋርሕ ክጽሓፈሉን ክዝረበሉን ንዕዘብ ኣሎና። እዚ ኩሉ ሽርሕታት ናበይ ገጹ ዝዓለመ እዩ ? መልሱ ፥ ንኩሉ ዯላይ ፍትሒ ብሩህ ይመስለኒ። ናይ ውሽጢ ትራሕ ዘይኯነስ ናይ ግዲማዊ ሓይሊ ምትእትታው ዘሎ ይመስል ጥራሕ ዘይኯነስ ብጋህዱ ዝርኤ ዘሎ ሓቂ እዩ። ጅግንነታዊ መስዋእቲ ህዝብና በዞም ናይ ሳይበር ጀጋኑ ( cyber hero’s ) ዝዕቀን ከምዘይኯነ ንኩላትና ርደእ እዩ። እንተቲ ብጉርብትናን ፥ባህልን ቋንቋን ኣዛሚዴካ ዝቐርብ ዝምቡዕ ሎጂክ (logic) ግን ኩለን ሃገራት ዓረብኛ፥ ወይ ሩስያ ፥ ወዘተ ፥ ዝዛረቡ ኣህዛብ ተመሳሳሊ ባህሊ ስለዘለዎም ኣብ ሓንቲ ሃገር ክጥርነፉ ኣለዎም ማለት ይቐሎም ይመስለኒ።

እሞኸ እንታይ ይገበር ? “ መምሃሪ ኣይግበርካ ፥ መምሃሪ ይሃብካ “ ይብሉ ለባማት ኣቦታት። ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጏረቤት ሃገር ካብ ሶማል ክመሃር ኣለዎ። ብዙሕ ግዜ ዱክታቶራት ክወዴቁ እንከለዉ “ ዴሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ “ ብዝብል እከይ ኣተሓሳስባ ህዝቦም ከፋፊሎም ኣብ ናይ ሕዴሕዴ ኩናት ገዱፎም እዮም ዴሓልፉ። እዚ ከኣ ኣብ ሶማል ፥ ኣብ ሊብያ ፥ ኣብ የመንን ካልኦት ሃገራትን ዝተራእየ ሓቂ ኢዩ። ካብዚ ብምብጋስ ዴሕሪ ውዴቀት ኢሳያስ ዘይተጸበናዮ ሕንፍሽፍሽ ንከይፍጠር ኩሉ ኤርትራዊ ዯላይ ፍትሒ ክሓስበሉ ዘለዎ ዓቢ ጉዲይ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ዯላይ ፍትሒ ፥ ዴሕነት ህዝብን ልዕላውነት ሃገርን ቀዲምነት ብምሃብ ብሓባር ክቃለስ ኣለዎ። ከምዚ ሕጂ ዘሎ ብውዴባት ተገማሚዑ ምቅላስ ዘይኮነስ ፥ ኩሉ ዯላይ ፍትሒ ፥ ውዴበይ ውዴብካ ፥ ሰልፈይ ሰልፍኻ ከይበለ ኣብ ሓዯ ዓቢ ሃገራዊ ሓባራዊ ምንቅስቓስ ተጠርኒፉ ሓቢሩ ክቃለስ ኣለዎ። ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ውሽጥን ግዲምን ዘሎ ብሓዯ ሓሳብ ልክዕ ከም ህዝቢ ግብጺ “ ይኣክል “ ( ክፋያ ) ንምልኪ ኣብ ዝብል ጨርሖ ተጠርኒፉ ብሓባር ክለዓዓልን ክጥርነፍን መዴረኽ ይጠልብ ኣሎ። ሓፋሽ ህዝብና ሕጂ ሓቢሩ እንተዘይተቓሊሱ እታ ሃገር ከም ሃገር ክንስእና ከም እንኽእል ዓቢ ተኽእሎታት ኣሎ። ወይ’ ውን ከይሓበርና ከሎና ብዘይተጸበናዮ መንገዱ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሰውራ ኸኣ ብኻልኦት ጸረ-ዱሞክራስያዊ ሓይልታት ክጭወ ይኽእል ፥ ወይ ከኣ ብግዲማዊ ሓይሊ ተሓንጊሩ ፥ ንህዝቢ ዘየርብሕ ሓዯ ባምቡላ ዝ኿ነ መንግስቲ ክቖውም ይኽእል። ነዚ ኩሉ ጸገማት ( ምናልባታት ) ንከይመጽእ ወይ’ውን ንክንከላኸሎን ክንምክቶን እንኽእል ሓዯ ጥርኑፍ ህዝባዊ ሓይሊ ምስ ዝህሉ ጥራሕ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ መንእሰየትና ከኣ ብፍላይ ነዚ ሒዝናዮ ዘሎና ሓርነታዊ ቃልሲ ብኻልኦት ሓይልታት ንኸይጭወ ኣበርቲዕና ክንሰርሓሉን ክንጥንቀቐሉን ዘሎና ዓቢ ሃገራዊ ጉዲይ ኢዩ። እዚ ማለት ዕዉት ቃልሲ ንኸነካይዴ ውሕሉል ውዯባ ይሓትት። ህዝብና ኣብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ስለዝርከብ ንጥፈታቱ ብከባብያውን ዓለም ለኻውን ዯረጃታት ክምዝጥርነፍ ( ከምዝውዯብ ) ምግባር። እዚ ማለት ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ( bottom – up ) ዝርጋሐ ዘለዎ መሪሕነት ምፍጣር። ህዝቢ በቢ ከባቢኡ ብዯሞክራስያዊ ኣገባብ ወከልቱ ከምዝመርጽ ምግባር። እቲ መስርሕ ኣብ ኩሉ ኤርትራውያን ዝርከብሉ ከተማታት ይጅምር። ቀጺሉ ብሃገር ዯረጃ ከምኡ’ውን ብክፍለ-ዓለማት ( ዞባታት ) ዯረጃ ይውዯብ። ኣብ መወዲእታ ካብ ኩሉ ክፍሊ ዓለማት ብዝተወከሉ ሰባት ኣብ ዱያስፖራ ንኤርትራውያን ዝውክል ሓዯ ሕጋዊ ( legitimate )ዓለም ለኻዊ ባይቶ ምምስራት። ካብቲ ባይቶ ሓንቲ ኣወሃሃዱት ሽማግለ ምቛም። በዚ መንገዱ ኣጀንዲታትካ ሰሪዕካ፥ ዓቅምታትካ ብምውህሃዴን፥ ብሓዯ ኣፈኛ ኯንካ ካብ ፈተውትኻን ህዝብኻን ሓገዝ ምርካብ። ብሓዯ ዝተወሃሃዯ መሪሕነት ዕማማትካ ምስራዕ፥ ዜናውን ፕሮፓጋንዲውን ስራሓትካ ምሕያል፥ ዱፕሎማስያዊ ስራሕካ ብማእከል ምምራሕ። እዚ ዓለም ለኻዊ መሪሕነት ነቲ ኣብ ግዲም ዘሎ ሓይሊ ብምውህሃዴ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሓይሊ ከምዝራኸብ ብምግባር ሓያልን ውሕሉልን ህዝባዊ ናዕቢ ከምዝፍጠር ምግባር። ነዚ ቅደስ ዕላማ ኣብ ሾቶኡ ንምብጻሕ ኣብዚ እዋን እዚ ብገለ ግደሳት ምሁራን ዯቂ ሃገር ሓዯ ተበግሶ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ተበግሶ’ዚ “ ዓለም ለኻዊ ተበግሶ ንምዴንፋዕ ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን “ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣበገስቱ ንህዝቢ ጻዋዒቶም ኣቕሪቦም ስለዘለዉ ኩሉ ዯላይ ፍትሒ በብከተማኡ ተጥርኒፉ ክሳተፍን እጃሙ ከበርክትን ሃገራዊ ግዳታ ኣለዎ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ፥ ህዝባዊ ማዕበል ብምፍጣር ንፍትሒ፥ ንፖለቲካዊ መሰላት ብምቅላስ ኣብታ ሃገር ዱሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝቃለስ እምበር ንፖለቲካዊ ስልጣን ከምዘይኮነ ርደእ እዩ። ስልጣን ናብ ዋንኡ ናብ ህዝቢ ክርከብ ኣለዎ። ዕላማኡ ዴሕሪ ውዴቀት ስርዓት ኢሳያስ ፥ ሀ ግዝያዊ መሰጋግገሪ መንግስቲ ምቋም ለ ሃገራዊ ቅዋም ምንዲፍን ምጽዲቕን ሐ ብመሰረት ሃገራዊ ቅዋም ህዝባዊ መንግስቲ ምቋም ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብፖለቲካዊ ውዴባት ( ሰልፍታት ) ዘይኮነስ ብግደሳት ዜጋታት ይብገስን ይጥርነፍን። ኣባላት ፖለቲካውያን ውዴባት ንውዴቦም ወኪሎም ዘይኯነስ ከም ዜጋ ንውልቆም ወኪሎም ይሳተፉ ። ግዯ ናይ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣብ ቅዋማዊ ስርዓት ፥ መዓቀኒ ሓንቲ ሰልፊ ንስልጣን ብኸመይ ክትወዲዯር ከምዘለዎ ዘነጽር ሕጊ ዴሕሪ ውዴቀት ስርዓት ህግዯፍ ዴርኤ ይኸውን ።

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ !!!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!

መምህር ኢብራሂም መሓመድ 27-10- 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT