Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ሰራውሩ ዝምሽመሸ ተኽሊ ኣራንሺ፡ ዝብላዕ ኣራንሺ ኣይርከብን’ዩ

ኣብ ኤርትራ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ዘለዎ ቅርጺ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ከምኡ’ውን ልዕልና ሕጊ ስለዝበኾረ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ’ዩ ቃሕ ብዝበሎን ብውልቁን፡ ውዕላት ዝፍርም፡ ኣዋጃት ዝነድፍ፡ መሬትና ዝሸይጥ፡ ሰባት ዝሸይምን ካብ ስልጣን ዘባርር፡ ዝኣስር፡ ዝቀትል፡ ኩናት ዝእውጅ፡ ሰብ

ኣብ ኤርትራ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ዘለዎ ቅርጺ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ከምኡ’ውን ልዕልና ሕጊ ስለዝበኾረ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ’ዩ ቃሕ ብዝበሎን ብውልቁን፡ ውዕላት ዝፍርም፡ ኣዋጃት ዝነድፍ፡ መሬትና ዝሸይጥ፡ ሰባት ዝሸይምን ካብ ስልጣን ዘባርር፡ ዝኣስር፡ ዝቀትል፡ ኩናት ዝእውጅ፡ ሰብ ሓዳር ዘፋትሕ፡ ሃብቲ ሃገር ዘባኽን፡ መሰል ሰብ ዝግህስ፡ ከምኡ’ውን ብሕሰምን ድኽነትን ኤርትራውያን ዝድሰት። ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ብህዝቢ ዝተወከለ መንግስቲ፡ ፍትሕን ናጽነትን ስለዘየለ፡ ብዛዕባ ጽባሕ እንታይ ከምዝኸውን ኣይትፈልጥን ኢኻ። ዋላ እቶም ንስሙ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ካልኦት ሰብ መዝን ከይተረፉ፡ ብንግሆን ምሸትን ዝቀያየር መምርሒታት ኢሳያስ መኣዝኖም ስለዝስሓቱን ናይ ምግባር ዓቅሞምን ርእሰ ተኣማንነቶም ስለዝለመሰን፡ ከም ወዲ 3 ዓመት ህጻን ግበሩ ክሳብ ዝበሃሉ’ዮም ጣውላ ከሙቁ ዝውዕሉን ብዘይ ኣፍራይነት ፈሪሞም ደሞዝ ዝኽፈሉን። ኣብ ሃገርና እዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ክውንነትን ሓቅን እንከሎ’ዩ ድማ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንገዛእ ርእሱ ልዕልና ሕጊ ዘየኽብርን መሰል ህዝቢ ዝረግጽን ክንሱ፡ ብደረጃ ዓድታትን ከባቢታትን ኣለዋ ዝብለንን ኣብ መራኸቢ ብዝሓኑ፡ “ግዜኦም ዘእከሉ ኣማሓደርቲ ተፋንዮም፡ ሓደስቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾምን ንሃገሮምን ህዝቦምን ብቅንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሎ ቃል ኣትዮምን” እናበለ ንየውሃት ከደናግር፡ ወግሐ ጸብሐ ወረጃ መግለጺታት ዝህብን ዝግዕርን ዘሎ። “እታ ማይ ኣብ ምንታያ ተዘሪጋ ኣብ ዓይና” ከምዝብሃል፡ ዓይኒ ማይ እንተተዘሪጉ ጽሩይ ማይ ምስታይ ዝከኣል ኣይኮነን። ብቀንዱ እቲ ንኤርትራን ህዝባን ከም ውልቃዊ ንብረቱ ወኒኑ ሓንሳብ ከዕንዋ ካልእ እዋን ድማ ምስ ግዳም ሓይልታት ከም በጊዕ ፋስጋ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእትዋ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ከይቀርዓየን ብሕጊ ከይተማእዘዘን፡” ኣብ ዓዲ እገለ ህዝቢ ወከልቱን ኣማሓደርቱን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ” ምባል ንባህርያት ስርዓት ህግደፍ ዝፈልጥ ወገን ዘደናግር ኣይኮነን።

ንምዃኑ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዓድታትን ምምሕዳር ከባቢታትን ህዝቢ ወከልቱ ክመርጽ ዘፍቅድን ዘየስግኦን እንተኾይኑ ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ወከልቱን መራሕቱን ክመርጽ ዕድል ዘይውሃቦ? ኣብ ኤርትራ ቅዋምን ልዕልና ሕግን ዘየለ ክንሱ ምምሕዳር ዓድን ከባብን በየናይ ኣገባብ’ዮም ወከልቶምን ኣማሓደርቶምን ክመርጹ? ስርዓት ህግደፍ፡ እዚ ሎሚ ዝጥቀመሉ ዘሎ ናይ ሓሶትን ምስሉይን ምርጫ ኣማሓደርቲ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድታትን ከባብን፡ መቀጸልታ ናይቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብሰፊሑ ዘዘውትሮ ዝነበረ ቅጥፈት’ዩ። ቅድሚ ናጽነት፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣቀዲሙ ዝደልዮም እሙናትን ንመምርሒታቱ እሺ ኢሎም ዝምእዘዝዎን መሳርሒ ዝኾንዎም ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ስማዊ ምርጫታት ብኻልኦት ከምዝርቁሑን ናይ ደገፍ ድምጺ ከምዝረኽቡን ብምግባር፡ ብዲሞክራሲ ከምዝተመርጹ ኣምሲሉ ድሌታቱ የማልእ ነይሩ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ዓምጸጽቲ ናይ ስለያ ትካላቱን፡ ጸረ ፍትሒ ስለዝኾነ፡ ኣብ ታሪኽን መዋእልን ህዝባዊ ግንባር፡ ኢድ ምትእትታው ኢሳያስ ዘይብሉ፡ ይዕበ ይንኣስ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ተኻይዱ ኣይፈልጥን’ዩ። ብሓርበኛን ተባዕን ሚኒስተር ፋይናንስ ዝነበረ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብ ዝተጻሕፈ “ሃገረይ ኤርትራ ሕጂ’ኸ ናበይ” መጽሓፍ፡ ውልቀመላኺ መላኺ ኢሳያስ፡ ኮነ ኢሉ፡ ንስልጣን ሃገራዊ ባይቶ፡ ህላወ ቅዋም፡ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ምፍራስ ምውቅቲ ስድራቤት፡ ምብትታን መንእሰያትን ምብሕጓግ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን፡ ቀዳምነት ሂቡ ንዓመታት ከምዝሰርሓሉን ገና ይቅጽሎ ከምዘሎን ብኣብነታት ዝተሰነየ መርትዖታት ኣነጺርዎ ኣሎ። ኣርእስቲ ከይነውሓና ግን፡ ሓቅነት ናይዚ፡ ግዜኦም ዘእከሉ ኣማሓደርቲ ዓድታትን ከባብን ተፋንዮም፡ ሓደስቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾምን ንሃገሮምን ህዝቦምን ብቅንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሎ ቃል ኣትዮምንኣብ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ዝቀርብ መሳጢ መግለጺታት ንፈትሾ።

እተን ኣብ ኤርትራ፡ ዘለዋ ስማውያን ሚኒስትሪታት፡ 6 ዞባታት፡ ኮሚሽናትን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ብቀጥታን ብተዘዋዋርን፡ በላሕቲ ኣጽፋር ውልቀመላኺ ኢሳያስ ስለዝተሸኽለንን ብዘይ ትእዛዙ ምዕይ ኢለን መደባተን ከሰላስላ ስለዘይክእላን፡ ህላወአንን ንጥፈታተንን ካብ ኣብ ወረቀት ምስፋር ሓሊፈን ቁምነገር ይብለንን። ንኣብነት ቀየስትን ኣዘዝትን መደባትን ንጥፈታትን 6 ዞባታት ኤርትራ፡ እቶም ኣብ እዋን ምምራቅን ካልእ ኣጋጣሚታትን መጋውሒ ድምጺ ዝቀርቡ፡ ምስክር ወረቀት ዝዕድሉን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ ተገብረ ዝብሉን ኣማሓደርቲ ዘይኮኑ፡ እቶም ካብ ዞባ ክሳብ ምምሕዳር ዓድታት ተዘርጊሖም ዘለዉ ኣባላት ሰልፍን ግንባርን ኢዮም። ኣማሓደርቲ ዞባታት፡ ንኡስ ዞባን ከባብን፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ኣባላት ግንባርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኮይኖም’ዮም ዝሰርሑ። ብቅሉዕ፡ ኣባላት ግንባር ካብ ስደራቤት ክሳብ ዞባ ተጸፍዮም ኣእዳውን ሓንጎልን ካልኦት ኣልሚሶምን ኣሲሮምን እንከለዉ፡“ግዜኦም ዘእከሉ ኣማሓደርቲ ተፋንዮም፡ ሓደስቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾምን ንሃገሮምን ህዝቦምን ብቅንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሎ ቃል ኣትዮምን” ምባል ንነብስኻ ምቅሻሽ’ዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ህግደፍ እከይ መደባቱ ብመንገዲ ኣባላቱ ብዝልዓለ ከተግብሮን ብሒም ዝበለ ብሓይሊ ብረት ንምጭፍላቅን፡ ብላዕለዎት እዘዝቲ ሰራዊትን ትካላት ስለያን ዝምእዘዝ፡ 3 ዞባ መኸተ ልምዓት ኣብ ኤርትራ፡ ንኣብ ወጻኢ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ገንዘብ ንምምንዛዕን ሓድነቶም ንምልሕላሕን ራብዓይ ዞባ ብምቋም፡ ንህዝብና ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ምልኪ ኣእትይዎ ኣሎ። ብሓጺሩ እቲ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብጉልባብ ምምሕዳር ዓድታትን ከባቢታትን ኣብ ገጠራትን ከተማታትን መስሪትዎ ዘሎ ትካላት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምስቃይን ንምስላይን ሓድነቱ ንምዝራግን’ዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝደልዮ ዘሎ፡ ንሃልኪ ምርጫ ኣማሓደርቲ ዓድታትን ከባብን  ምክያድ ዘይኮነ፡ ን27 ዓመታት ብህዝቢ ከይተመርጸ መንነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝዘርግ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ስልጣኑ ከረክብን መሰል ህዝቢ ክኽበርን’ዩ ዝጠልብ ዘሎ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ “ግዜኦም ዘእከሉ ኣማሓደርቲ ተፋንዮም፡ ሓደስቲ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ተመሪጾምን ንሃገሮምን ህዝቦምን ብቅንዕናን ተወፋይነትን ከገልግሎ ቃል ኣትዮምን” ዝብሉ ብካድራት ህግደፍ ዝተዳለወ ወረጃ መግለጺታት ክሰምዕ ድሌቱ ኣይኮነን። ከምቲ፡ “ዝብእስ’ያ ኣብዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጽፉለይ በለ” ዝብሃል፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኣኪቡ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ከምዝተኻየደ ንምምሳል፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ወከልቲ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ምምሕዳርን ኣብ ቅድሚ መረጽቲ ኣቀሚጡ፡ መረጽቲ ዝደልይዎም ሰባት ንምምራጽ፡ ካርድታት ምርጫ ናብ ሳናዱቅ ከእትዉን ኣብ ተለቭዥን ምስልታት ሰባት የርእን ኣብ ራድዮ ብዙሕ ይምደረሉን። እቶም ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ህግደፍ፡ ኣማሓደርቲ ዓድታትን ከባብን ኮይኖም ተመሪጾምን ህዝቢ ብቅንዕና ከገልግሉ ምሒሎምን ዝብሃሉ ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝደልዮምን መደባቱ እሺ ኢሎም ዝቅበሉን ዘተግብሩን እምበር፡ ድሌት ተቀማጦ ከማልኡ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኣሽምባይዶ ኣብ ገጠራት ዘሎ ዓዃይን ሸቃላይን፡ እቲ ምሁር፡ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ተኾድጩ ዘሎ ሚኒስተር፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክልን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሕስን፡ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ኣካል የለን ዝብሉ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘይከይድ ኣተሓሳስባ ዘኮማስዑ ላዕለዎት ካድራትን ዓቀይቶትን ህግደፍ’ውን፡ ንዕንደራ ኢሳያስ ክብድሁን ንመሰሎም ክጣበቁን ኣይክኣሉን። ቀንዲ ስራሕ ናይተን ብህግደፍ ተማእዚዘን ዝኸዳ ምምሕዳራት ድማ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተቃዊሞም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ዝበሉ፡ ዶብ ክሰግሩ ዝሓስቡ፡ ካብ ኣሃዱታቶም ዝሓከሉ፡ ዝኾነ መምርሒ ዘይቅበልን ምስ ተቃወምቲ ርክብ ኣለዎም ዝብሃሉን ዜጋታት፡ ተጸናጺነን ናብ ሰለይቲ ስርዓት ህግደፍ ጸብጻብ ዘመሓላልፋን ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝመጽእ ኣዕናዊ መምርሒታት ዘተግብራን’የን።

ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ምንቅስቃስ ተጋደልትን ተሓባበርቲ ሰውራን ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ገረብ ብሓኽላ ሜላታት ብዝኸፍአ መልክዑ፡ ኣብ ገጠራት ብናይ እዝኒ ዝፍለጡ ተጸናጸንቲ ኣዋፊሩ፡ መዓልታዊ ምንቅስቃስ ሰባት ዝከታተሉን ዕለታዊ ንጥፈታት ዝዓናቅፉን፡ ኣብ መንጎ ጎረባብትን ስድራቤታትን ሓድሕድ ምትእምማን ንኸይፍጠርን ጽልእን ባእስን ከምዝሰፍን ምግባር ቀንዲ ካብ ኣጀንዳታቱ’ዩ። ካብዚ ዝኸፍአ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ገጠራት ኤርትራ በተን ንረብሕኡ ከገልግላ መስሪትወን ዘሎ ምምሕዳራት ኣቢሉ፡ “ወድኹም ወይ ጓልኩም” ካብ ኣገልግሎት ሃዲሙ” ብዝብል ምኽንያት ንደቂ ዓዲ ዝሕረስ መሬትን መስርሒ ገዛ ዝኸውን ጤሳን ብምኽልካል፡ ብዙሓት ስድራቤታት ዝሕረስ መሬት ብምኽልካሎም ንድኽነት ይቃልዑን ትውልዲ ዓዶም ገዲፎም ይስደዱን ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብስም ክረምታዊ ማእቶትን መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ ንዓያዪ ጉልበት ኣብ በረኻ ከምዝሰፍር፡ ኣብ ክንዲ ንቤተሰብ ምሕጋዝ ትርጉም ኣብ ዘይብሉ መደባት ጉልበት መንእሰያት ከምዝባኽን፡ ተማሃሮ ካብ ስድራቤቶምን መኣዲ ትምህርትን ተፈልዮም ኣብ ሰናጭሮን ሃሩርን ቁርን ኣደዳ ሕማምን ስነኣእምራዊ ጭንቀትን ከምዝኾኑ፡ ስድራቤት ከምትበታተን፡ ከም ፖሊሲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን ኣዕናዊ ተግባር’ዩ።

ስርዓት ደርጊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰውራኡ ንምንጻል፡ ካብ ምእሳርን ምቅታልን ሓሊፉ፡ ብስም ሰፈራን ድርቅን ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ከግዕዞን ክብርታቱ ክዝርጎን ፈቲኑ። ነቲ ዝጠመየ ኤርትራዊ ብኸብዱ ንምሓዝ ድማ እኽሊ ረድኤት ንኽዕደል ኣብ ቀበሌታት ክምዝገብ፡ መንነት ወረቀት ክሕዝን ህላዊኡ ብቀጻሊ ክሕብርን ይግድዶ ነይሩ። ኣብ መዋእል ህግደፍ ድማ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ህዝቢ መሰረታውያን ኣቁሑት ከም ነዳዲ፡ ሽኮር፡ ባኒ፡ እኽሊ ዝኣመሰሉ ንምግዛእ፡ ብመቁነን ማለት ኩፖን፡ ካብ ዱኳን ሕድሪ ወይ ንግዳዊ ትካላት ህግደፍ ከምዝዕደልን ከምዝግዛእን ምግባሩ፡ ህዝቢ ብኸብዱ ንኽሕዞ ዘተኣታተዎ ሜላ ምዃኑ ይፍለጥ። ሰሙናዊ ወይ ወርሓዊ ዝተወሰነ ንብረትን ዝብላዕን ክትገዝእ እንተኾይንካ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከምዝፈጸምካ ወይ ከምዘይምልከተካ፡ ኣብ ህግደፍ ዘዳለዎ ኣኼባታትን በዓላትን ከምዝተሳተፍካን ከምዝሳዕሳዕካን መረጋገጺ ከተምጽእ ኣለካ። ሓደ ሓደ ዜጋታት ነዚ ህዝቢ ዘጎሳቁል ዘሎ ምምሕዳር ስርዓት ህግደፍ ምስ መረሮም፡ “ግዝኣት ቱርኪ” ክብሉ ገሊጾሞ። ብርግጽ ቀዳሞት ግዝኣት ቱርኪ ክብሉ እንከለዉ፡ ሕሰምን ምረትን ንምንጽብራቅ እምበር፡ ኣገዛዝኣ ቱርኪ ንምንኣድን ጽቡቅ ይፈድዮም ከምዝነበረ ንምግላጽን ኣይኮነን። ሓደ መዓልቲ ድማ ኣዕናዊ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ ነበር ምስ ኮነ፡ “ግዝኣት ህግደፍ” ክብሃል’ዩ። እቲ ኣሽሓት ዜጋታትና ዝተበጀዉሉ ናጽነት፡ ብሓላፍነት ዝጎዶሎም ስሱዓት ውልቀሰባት ተምንዚዑ ኣብ ጉሓፍ ክድርበ፡ ብሕማቅ ክዝከርን ህዝብና ክግፍዓሉን ድማ ክልተ ሞት’ዩ።

ስርዓት ህግደፍ እተን ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻሩ ዝነጥፋን ተንኮላቱ ዘተግብራን ስማውያን ሃገራውያን ማሕበራት’ውን ሕሰም ህዝብና ኣብ ምብኣስ ይቅረ ዘይብሃሎ ገበን ይፍጽማ ኣለዋ። መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ክንሰን፡ ብሃገራውያን ዝተጠመቃ ማሕበራት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብህግደፍ ዝምወሉን ስልጠና ዝወሃቡን፡ ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ ወይ ብንእስነቶም ዝተሰዱ ብስም መንእሰያት ህግደፍ ዝፍለጡ፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ክሰርሑ ክመሃሩን ነብሶም ክኽእሉን ዝግብኦም መንእሰያት ኣእምሮኦም ብገንዘብን መርዛም ጎስጓስን ህግደፍ ዝተሰርቀን ዝተጎስጎሱን’ዮም፡፡ እዞም ብስርዓት ህግደፍ ከም ተረከብቲ ሕድሪ ዝዋጠየሎም መንእሰያት፡ ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ወጻኢታት ብህግደፍ ይሽፈነሎም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራዊ በዓላት፡ ሰሚናራትን ዋዕላታትን ድማ ካናቲራታት ለቢሶም፡ ባንዴራን ጭርሖታትን ጸይሮምን ዝስዕስዑን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግዜኦም ኣብ ጸርፍን ዘረባን ዝባኽኑን’ዮም፡፡ ገለ ካብዞም ኣብ መጻወድያ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮም ኣብ ዘይረብሕሉ ዕላማ ተቆሪኖም ዘለዉ መንእሰያት፡ ስራሕ ዘይብሎም፡ ትምህርቶም ዘቋረጹ፡ ቅልውላው መንነት ዘለዎም፡ እሩም ጠባያትን ኣኽብሮት ወለዲን ዘይብሎም ፋሉላትን ዝኸሰሩን’ዮም፡፡ ስለዚ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኽፍኣቱ ካብ ህዝብና እናተነጸለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንህዝብና ካብ ሰራውሩ ዝምሽመሸ ተኽሊ ኣራንሺ፡ ዝብላዕ ኣራንሺ ክምግበኩም’የ እንተበለ ዝኣምኖ ኣይርከብን’ዩ፡፡ ካብ ጸባ ዘይተረኽበ ካብ ማጨባ ጠስምን ርጉኦን ክርከብ’ውን ዘበትን ሕልሚ ደርሆን’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 10 ታሕሳስ 2018

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 13, 2018

    Project SAWA is working,all the participants over the years are witnesses,>>>”ለ ካብዞም ኣብ መጻወድያ ስርዓት ህግደፍ ኣትዮም ኣብ ዘይረብሕሉ ዕላማ ተቆሪኖም ዘለዉ መንእሰያት፡ ስራሕ ዘይብሎም፡ ትምህርቶም ዘቋረጹ፡ ቅልውላው መንነት ዘለዎም፡ እሩም ጠባያትን ኣኽብሮት ወለዲን ዘይብሎም ፋሉላትን ዝኸሰሩን’ዮም፡፡” HGDEF has been masquerading among us by assuming our image for years to the point we can’t shake it off.

POST A COMMENT