Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ኤርትራ ካብ በጻሕቲ ዝረኽበ ሓበሬታ

ካብ ኤርትራ ካብ በጻሕቲ ዝረኽበ ሓበሬታ ታደሰ ኪዳነ                               8 ጥቅምቲ 2018      ኤርትራ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ መዓልቦኡ ከይበጽሐ፡ ቅድመ ምድላዋት ከይገበረትሉ ብሃንደበት ኢያ ነቲ ን20 ዓመታት ዜጋታታ ብናይ ኣሕዋቶም ጠያይት ዝቕዘፉሉ ዝነበሩ

ካብ ኤርትራ ካብ በጻሕቲ ዝረኽበ ሓበሬታ

ታደሰ ኪዳነ                               8 ጥቅምቲ 2018

    

ኤርትራ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ መዓልቦኡ ከይበጽሐ፡ ቅድመ ምድላዋት ከይገበረትሉ ብሃንደበት ኢያ ነቲ ን20 ዓመታት ዜጋታታ ብናይ ኣሕዋቶም ጠያይት ዝቕዘፉሉ ዝነበሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘዋስና ዶባት ከፊተዮ ዝበለት። ብልክዕ ንምዝራብ፡ ካብ ከባቢ ግምቦት 1998 ዓ.ም ኣትሒዙ ክሳብ 10 መስከረም 2018 ዓ.ም ዶባት ኤርትራን ኢትይዮጵያን፡ ኣብ ናይ መትሮታት ርሕቀት ኮይኖም፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከጥፍእ ከይደቀሱ ዝሓድሩ ብክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ኢዩ ዝሕሎ ዝነበረ። እዞም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት፡ ሓንሳብ ክቃተሉ፡ ካልእ እዋን ሓድሕዶም ክፈካከሩ ኢዮም 20 ዓመታት ኣሕሊፎም።

እቲ ኣዝዩ ንሰማዕቲ ዘገርምን ክትኣምኖ’ውን ዝዕርዕረካን ግን፡ ነቲ ናይዞም ክልተ ተጻረርቲ ሓይልታት ተተኮስቲ ሓድሕድ ዝተፋጠጠሉ ናይ ውግእን ሞትን ዞባ፡ ነቲ ብጸልማት ኣጸሚዩ ተንከስ ንዝበለ’ውን መታን ኣዘንጊዑ ከይጽጋዕ ተባሂሉ፡ ሓዊ ብዝተፍኡ ፈንጅታት ዝተሓጽረ ቦታ ዝሰግሩ፡ ነብሶም ዝቐበጹ ቆልዓ ሰበይቲ ምንባሮም ኢዩ። እወ – ካብታ ኤርትራ ትበሃል ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዝተቐየረት ሃገር ዝሃድሙ፡ ነቲ ኩሉ ናይ ክልቲኡ ወገን ተተኮስትን ኣብ ዝረግጽዎ መሬት ዝተጻወደ ፈንጅታትን ብዕድል ክሰግሩ ወይ ኣብኡ ተሪፎም ቀለብ ኣዛብእ ክኾኑ ዝመርጹ ሰባት (እንተላይ ቆልዓ ሰበይቲ) ነይሮም። ነዚ ናይ ሞትን ቅትለትን ዝበልናዮ ቀጢን ዞባ እምበኣር ብዙሓት ዝጨነቖም ቆልዓ ሰበይቲ ሰጊሮም ኢዮም። ብዙሓት ረሳኦም ዝተኣከበን ደሃዮም ዝጠፍአን ሰባት ከኣ ብዙሕ ጸበባን ስቓይን ዝረኸብሉ ቦታ ኢዩ።

ሰሉስ 11 መስከረም 2018 ዓ.ም ረፋድ ዓለም ዘይተጸበየቶ ሃንደበታዊ ተኣምር ዝረኣየትላ መዓልቲ ኢያ። እቲ ክሳብ ሰኑይ 10 መስከረም ናይ ሞትን ቅዝፈትን ዝነበረ ዞባ፡ ሃንደበት ክጠሓስ ተዓዚብና። እቶም ኩሉ ዓይነት ተተኮስቲ እናስነቑ ንሓድሕዱ ዘዋድእዎ ዝነበሩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ናይ ክልቲኡ ሰራዊት፡ ነቲ ብክቱር ምእዙዝነቱ ዝነዓቝዎን ናብ ደረጃ እንስሳ ወሪዱ ዝተራእዮም ወታደር፡ ሃንደበት ዕጥቁ ፈቲሑ፡ ናይ ሰላምታ ኢድ ክጨባበጥ ኣዚዞሞ።  “ትማሊ ስለምንታይ ንቃተል ነይርና፡ ሎሚ’ኸ ብኸመይ ተመሓዚና?” ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ዘይብሉ ከኣ፡ ብድሌት ናይቶም ንነብሶም ናብ ፍጹም ገበርትን ሓደግትን፡ ቀተልትን መሓርትን ዝተቐየሩ ናይ “ልዕለ ተፈጥሮ” ሰባት፡ እቲ ናይ ሞትን ቅዝፈትን ዝነበረ ዞባ፡ ‘ናይ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ዞባ ኮይኑ ኢዩ’ ተባሂሉ። ካብዛ መዓልቲ’ዚኣ ጀሚሩ ከኣ፡ ካብታ ን20 ዓመታት ናብ ጸልማት ዕጽውቲ ሳንዱቕ ተቐይራ ዝጸንሐት ኤርትራ ወጺኡ፡ ካልእ ዓለም ክርኢ ዝደሊ ናይ ትማሊ እሱር ዝነበረ ህዝብን፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ 20 ዓመታት ኣብታ ዕጹውቲ ሳንዱቕ ዝነበረ ኩነታት ክፈልጥ ዝደሊ ብግዳም ዝነበረ ካብን ናብን ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ዝመላለስ ህዝቢ፡ ነቲ ናይ ትማሊ ናይ ሞት ቀጠና ጥሒሱዎ ክሓልፍ ተዓዚብና።

ኩሉ’ዚ ግን ብድሌት ናይቶም ንነብሶም ናብ ዝወጸሎም መለኽቲ ዝለወጡ ‘ነጋውስ ምድሪ’ ስለ ዝግበርን፡ ጽባሕ እንታይ ይሓስቡ ስለ ዘይፍለጥን፡ እቲ ካብን ናብን ዝሰግር ህዝቢ ኩሉ ግዜ ከብዱ ምስ ሓቆፈ ኢዩ። መን ይፈልጥ ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ ዋላ’ውን ድሕሪ ሓንቲ ደቒቕ፡ ነቲ ከም ድላዮም ዝእዝዝዎ ዓስከር፡ ተወዝ ንዝበለ ክቐትል ይእዝዝዎ ይኾኑ። እቲ ንነብሱ ናብ ፍጹም ጊላ ዝለወጠ ዓስከር’ውን ዝተባህሎ ካብ ምግባር ዝሓልፍ ካልእ ምርጫ የብሉን። “ኣይቀትልን” ዝበለ ፡ ንባዕሉ ከም ዝቕተል ይፈልጥ ኢዩ።  ሕጂ’ውን ኩሉ ኣብ ፍቓድን ድሌትን ናይቶም ‘ነጋውስ ምድሪ’ ኢዩ’ሞ፡ እነሆ እቲ ብውሽጡ ዘይቅሱን ናይ ሰላም ኣየር ካብ ዝነፍስ ሓደ ወርሒኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ ‘ናይ ሞት ቀጠና’ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ። እቶም ነቲ ዞባ ናብ ናይ ሞት ቀጠና ዝቐየሩ ሰባትን፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ብዓቢኡን ገና ህያው ስለ ዘለዉ ግን “ናይ ሓዋሩ ሰላም ኢዩ” ንምባል ዘድፍር ኣይኮነን። ኣብዘን ዝሓለፋ 30 መዓልታት እምበኣር፡ ኣዝዮም ብዙሓት ብጽቡቕን ሕማቕን ዝግለጹ ምዕባሌታት ርኢና ኢና። ሕጂ’ውን እቶም ገበርትን ሓደግትን ዝበልናዮም ‘ነጋውስ ምድሪ’፡ እንታይ ክግበር ምዃኑ ስለ ዘይዛረቡ፡ ከም ገለ እንተ ተዛረቡ’ውን ስለ ዘይእመኑ (ዝእመን’ውን ስለ ዘይዛረቡ) ሰባት ንትዕዝብትታቶም በብዝመስሎም ክገልጽዎ ኢዮም ጸኒሖም። ብርግጽ ኩሉ ዝወሃብን እንሰምዖን ወረን ትንታኔን ሓቂ ከይከውን ይኽእል ኢዩ። ሓሶት ኢዩ ንምባል’ውን ዘድፍር ኣይኮነን። ብዙሓት ዘይተጸበናዮምን “ዘይእመን ኢዩ” ዝበልናዮምን ነገራት፡ ድሒሮም ህያው ኮይኖምን ክንኣምኖምን ስለ ዝጸናሕና። ሕጂ’ውን ክንኣምኖን ከይንኣምኖን ኣብ ማሕፉዳታት ትዕዝብትታትና ኣቐሚጥናዮ ክንጸንሕ፡ ገለ ወስ ክብለኩም ኢየ።

እዚ ሎሚ ከም ዜና ዘቕርበሉም ዘለኹ ከኣ፡ ኣነ ብኣካል ዝነበርኩዎ ኣይኮነን። ቀዳማይ አቐባሊ ሓበሬት’ውን ኣይኮንኩን። ሓደ “ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ኢዩ፡ ባዕልኻ ብዝጥዕም መንገዲ ኣቕርበለይ” ስለ ዝበለኒ ኢየ ናብ ሰማዕቲ ክዝርግሖ ወሲነ። እነሆ ከኣ ኩሉ’ቲ ዝሰማዕኩዎ፡ እቲ ዝእመን ክእመን፡ እቲ ዘጠራጥር ከኣ ከም ትዕዝብቲ ተታሒዙ ክጸንሕ፡ ከም ዘለዎ ናብ ሰማዕቲ አቕርቦ ኣለኹ። ሰናይ ንባብ

  1. እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ካብቲ ኣብ ደገ ኮይንና እንሰምዖ ኣዝዩ ዝተፈልየን ዝያዳ ዝኸፍአን ኣሰካፍን ኢዩ
  2. እተን ነብሰን ኪኢለን ውዱእን ዘይውዱእን ኣቕሑት ንግዳም ዝልእካ ዝነበራ ከተማታት ሃገርና (ኣስመራ ጻዕዳ’ውን ብዓባያ) ሎሚ ነዛ ንነብሰን ምዃን ስኢነን፡ ኣብ ዓዲ ግራት ብዝተሰርሐ ባኒ ይዕንገላ ኣለዋ።
  3. ከተማታት ኤርትራ ብጽሬተንን፡ ብጽፈት ዝኽተልኦ ምሕደራን ካብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ኢየን። ጎደናታተን ፍሉጥ፡ ዕዳጋን መዘናግዒ ቦታታትን ፍሉጥን ንዕኡ ብዝከታተል ኣካል ብስርዓት ዝተሓዝን ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ብስም ሰላም ወሪዱ ዘሎ ስርዓተ ኣልቦነት መግለጺ የብሉን። ፍሉጥ ናይ ዕዳጋ ቦታ የለን። ኩሉ ጎደናታትን ህዝባዊ ቦታታትን መጻወቲ ኩዕሶ ሜዳን፡ ኮታ ኩሉ ‘ሰብ ይሓልፎ ኢዩ’ ዝበሃል ክፉት ቦታን ናብ ዕዳጋን መሻየጢ ቦታን ተቐይሩ ኣሎ። ሎሚ መልክዕ ከተማና ከም ቀደሙ የሎን፡ ተቐይሩ ኢዩ።
  4. እቲ ን27 ዓመታት ኣብ እንግድዓ ህዝብና ዝተጻዕነ ናይ ራዕዲ ስርዓት፡ ገዲዱን መልክዑ ለዊጡን ኢዩ መጺኡ። ሎሚ ብክቱር ነብሰ ተኣማንነት ክሳዶም ነፊሖም ኣብ ከተማታት ሃገርና ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ብትዕቢትን ንዕቀትን ዝንቀሳቐሱ እቶም ቀጠልያ መብራህቲ (Green light) ዝተዋህቦም፡ ጁባታቶም ምሉእ፡ ካብ ስግር መረብ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን ኢዮም።
  5. ገለ ብመንገዲ ሳዋ ናብ ወታደራዊ መዓስከራት፡ ገለ ብስግረ ዶብ – መንእሰያት ደቀን ዝሰኣና ከተማታት ሃገርና፡ ብትዕቢትን ንዕቀትን ብዝሓበጡ ኢትዮጵያውያን ኣጓብዝ የዕለቕልቓ ኣለዋ። እዚ ከይኣክል እቶም ጽባሕ ክጉብዙ እንዝጽበዮም ቆልዑ’ውን ካብ ዓደ-ቦኦም ይጠፍኡ ኢዮም ዘለዉ። ብኣንጻሩ ከተማታት ትግራይ ተስፋ ብዝጸንቀቑ፡ ሓገዝን ረድኤትን ብዝጽበዩ ኤርትራውያን ቆልዓ-ሰበይቲ ተጎቢአን ይርከባ።
  6. ሰብዓ- ሰማንያ (70/80) ዝዕድሜኦም ሽማግለታት ኤርትራ “ሓድግን ወረስቲ ገዛን ዝበልናዮም ተሪፎም ዝነበሩ ደቂ-ደቅና ገዲፎሙና ናብ ኢትዮጵያ ሰርጊሮም፡ ብጽምዋ ተበሊዕና ኣለና” እናበሉ እናነብዑ የስቆርቁሩ ኣለዉ። ዝብሉ ካብዚ ካብ ደገ ደዊልና ዝብሉ ሰባት’ውን ኣጋጢሞሙኒ ኣለዉ። ኤርትራ ትጸንት ኣላ።
  7. እዞም ካብ ስግር ማዕዶ ዝመጹ ሰብ ገንዘብ፡ ሕጊ ትራፊክ ኤርትራ’ውን ኣይንታዮምን ኢዩ። ፖሊስ ትራፊክ ኤርትራ “ከይትሓትዎም” ስለ ዝተባህሉ፡ ቃሕ ከም ዝበሎም ኢዮም ሕግታት ትራፊክ ዝጥሕሱ። መኣስ እዚ ጥራይ፡ መካይን ሒዞም ካብ ስግር መረብ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን፡ ዘይ ኤርትራዊ ታርጋ ብዝሓዛ ሚኒባሳት ብኣዝዩ ትሑት ታሪፍ ከም ታክሲ ይሰርሓ ኣለዋ። ነዚኣተን’ውን ሕጊ ንግዲ ኤርትራ ዝምልከተን ኣይኮነን።
  8. ኣብ ጽርግያታትን ጎደናታትን ኤርትራ፡ ነዳዲ ብጀሪካናት ብቑሉዕ ካብቲ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝዕደል ብዝሓሰረ ዋጋ – ብፍኑው ኢዩ ዝሽየጥ። መቐለ በጺሕና ዝብሉ ካልኦት ሰባት’ውን፡ “ኣብ ጎደናታትን ጽርግያታትን ናይታ ከተማ፡ ናይ ኣስመራ ቢራ፡ ካብ ኤርትራ ካብ ዝተመልሳ መካይን፡ ኣብ ጽርግያታት ብፍኑው ክሽየጥ ርኢና” ይብሉ።
  9. “ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ንኤርትራ ምስ ደገ ከም ዘይትራኸብ ብክቢ ዓጽዩ፡ ብመደብ ኣብ ምዕናው ኤርትራውነትን፡ ኤርትራዊት ስድራን ኢዩ ክሰርሕ ጸኒሑ” ዝብሉ፡ እቲ ኩነታት ዘሕዘኖም ሰባት ኣምሪሮም ይዛረቡ ኣለዉ።
  10. ንዓይ ልዕሊ ኩሉ ዘሰንበደንን ንኽኣምኖ’ውን ኣጸጊሙኒ ዘሎ ግን ካልእ ኢዩ። እቶም ካብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣትዉ መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ያኣዪ ዕጡቓት ሰብ ብረት ከም ዘለዉዎም ይንገር ኣሎ። ኣብታ ምጭውቲ ከተማና ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ፡ ዕጡቓት ኣካላት ስለያን ጸጥታን ኢትዮጵያ ክዛወሩ ይረኣዩ ኣለዉ። በዚ ከኣ ኢዩ እቲ ምቁጽጻር ዘይብሉ ምኽፋት ዶባት ካብ ተራ ንግዲ ዝሓልፍ ካልእ ስዉር ፖለቲካዊ ዕላማ ከይህልዎ ዝፍራሕ።
  11. ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ እቲ ኩነታት ኣርሚሙዎም፡ ኣብ ገገዝኦም ኮፍ ኢሎም ኢዮም ዝዕዘቡ ዘለዉ። ኩሉ’ቲ “ገሊኦም ብፍቓዶም ስልጣኖም ሓዲጎም፡ ገሊኦም ተሰጒጎም ወዘተ” ዝብል በብመዓልቱ እንሰምዖ ወረ፡ “ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ተሰሪሑ ዝፍኖ ኢዩ” ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

ብሓፈሻ፡ እዚ ምስ ሓድሽ ኢትዮጵያዊ መራሒ ዝረአ ዘሎ ቅጥዑ ዝሓለፈ ሸኸርከር፡ “ብዋጋ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን፡ ብዋጋ ሰማእታትናን ኣብ ጎዳጉዲ ዝበልዩ ዘለዉ ጀጋኑናን፡ ውልቃዊ ድሕነት ኢሰያስ ኣፎርቅን ስድራ-ቤቱን ንምርግጋጽ ኢዩ” ዝብል ዓቢ ስንባደን ፍርሕን ፈጢሩ ምህላዉ ይዝረብ ኣሎ።

ንሎሚ ኣብዚ ከውድእ ኢየ

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Gezae October 8, 2018

    I have six brothers working in different sectors of the government and a college instructor/teacher daughter in Eritrea. Thus, I have at last once a week telephone contact. I swear you in the name God none of the above so called information.is correct. Sure a lot of old or young Eritrean specially residing along the borders mostly from Shimezane are leaving the country for different reasons, but not political, but the rest is while lies of the bankrupted regionalism political propaganda

    • Wedi Hagher October 8, 2018

      Gezae

      Nobody trusts someone who justifies crimes committed against his own people.
      A godless who sold his conscience to devil, devoid of any trace of humanity.
      Isn’t that you ?
      What a shame.

    • Simon G. October 8, 2018

      ተገዛኢ (sorry ገዛኢ):
      ዕድመ ምውሳኽ ጸጋ ‘ዩ (from what you said, you are at US’s retirement age)።
      ናትካ ግን ስጋኻን ሓንጎልካን ቦኽቢኹ።
      ኣይተሓፍርን ዲኻ? ብደውካ’ኳ ሞትካ።
      ተሕዝን።

      • Gezae October 9, 2018

        Did you know a kid pull out his male organ and said to his mother HUUUUUUUUUUUUUUH to terrify her. And his mother calmly replied him ‘STUPID!!!! If I afraid this do you know, I would not bring or give birth to you.

        So sir, I will not afraid or terrified by you and your nincompoop colleagues If would I could not come here to Assenna. I have great respect for you because at least you are human. So please do not be half witted person.
        .
        “I speak to everyone in the same way, whether he is the garbage man or the president of the university.”
        ― Albert Einstein

        • Efrem T. October 9, 2018

          Indeed Haw Gezae the great,
          Lets ignore these useless, spineless, vision less opportunist garbage people.
          Barking 24/7 nonstop would NOT make them more Eritreans, would it?
          It would only expose their desperation and wickedness.
          The poor child’s pathetic acts to his mum should’ve been told in Tigrigna.
          Nevertheless, big empty vessels always make big empty noises, don’t they?
          These desperate weirdos, losers must be from different planet, may be Mars!

        • Simon G. October 10, 2018

          Please don’t even mention the name of the great scientist. If you dig deeper, Einstein was a pacifist, unlike you a blood sucker.

    • Efrem T. October 9, 2018

      Haw Gezae,
      I agree with all what you said rightly/accurately.
      Don’t be distracted or discouraged by a few useless opportunists
      from telling all the truths and latest news. As you rightly said
      the rest is lies of the bankrupted regionalism political propaganda, indeed bro.

      • Genet Original October 9, 2018

        EfremT,
        You are not an Eritrean. So take your lying comment else where. If you were an Eritrean, you wouldn’t talk about any other issues, when you hear drunken Ethiopians are running wild in our cities Yes, DIA did worked hard to cultivate subjects like you to destroy our people and country. That includes weak minded Eritreans and Undercover Ethiopians who were planted by DIA or who were accepted by the Eritrean people as their own people. Accepted by our people, because our ancestors’ noble laws allowed us to be generous and welcoming to others. As we can see, our generation is paying for it. But noting goes unpunished. I tell you noting or no one. Just wait.

        • Efrem T. October 9, 2018

          You sound like a typical weirdo hooker so mind your fucking hooker business!

          • Genet Original October 9, 2018

            Efrem?
            No you are not Efrem.. I know who you are and get the hell out of Assenna. changing names is not going to help you now. Let me tell you something, you disturbed homo, your filthy mouth is not going to stop me from calling you out. This is Assenna, the home of patriotic Eritreans. Just wait, you will be thrown out.

    • Genet Original October 9, 2018

      Gezae
      “college instructor/teacher in Eritrea”, who are they teaching? young Eritreans are on the streets of Tigray. I think, you are loosing it. I am afraid your lies about Eritrea is making you look demented. In the case of dementia, short-term memory and current affair are the first to go. Give it up already!!

      • Simon G. October 9, 2018

        Geneta,
        These guys are not Eritrean. You can tell there is no emotion in their statements. Our blood is boiling to almost to the tipping point and these guys are relaxed because they lose nothing.

  • Genet Original October 9, 2018

    Our country is being ruined by a double agent whos mask is now completely off. Our people died for what? to have a drunken Ethiopians to run wild in our cities? Now, there is no choice, but to eliminate DIA and his family. All Eritreans, now is the time to let be known that there is noting left. It is the worst time for our people ever. It is a desperate time. Find him and give him hell!!!.

    • Efrem T. October 9, 2018

      You sound like a typical desperate hooker so kindly mind your fucking hooker business.

      • Genet Original October 9, 2018

        Efrem T???
        NOooooooooooo
        You are like Gebreanenia, But I call you disturbed homo. No body is taking to you, because you aren’t an Eritrean.
        Get the hell out of Assenna.

POST A COMMENT