Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ዋዕላታትን ጉባኤታትን እንታይ ተማሂርና?

What have we learned from the past conferences and congresses of the Eritrean opppsition? ካብ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ዋዕላታትን ጉባኤታትን እንታይ ተማሂርና? ብፍስሓ ናይር ሎም ቅነ ተቃውምቲ መሪሕነት ፖሊቲካዊ ውድባት ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ገጋታቶም ተኣሪሞም ናብ ሓደ ዘሰርሕ ጽላል

What have we learned from the past conferences and congresses of the Eritrean opppsition?

ካብ ዝሓለፈ ኤርትራዊ ዋዕላታትን ጉባኤታትን እንታይ ተማሂርና?

ብፍስሓ ናይር

ሎም ቅነ ተቃውምቲ መሪሕነት ፖሊቲካዊ ውድባት ኤርትራ ካብ ዝሓለፈ ገጋታቶም ተኣሪሞም ናብ ሓደ ዘሰርሕ ጽላል ክምስርቱ ኣብ ኣፈናዊ ስምምዕ ከምዝበጽሑ ኣንቢብናን ፈሊጥናን ኣሎና።

ከም ኣባልን ተዋሳይን ናይዚ መስርሕ ናይ ዝሓለፈ መስርሕ ሓድነት ካብ ምምስራት ምሕዝነት ክሳብ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ትዕዝብትታተይ ወስ ከብል ኣፍቅዱለይ።

ዋዕላታትን ጉባኤታትን ኩሎም  መገድታት ናይ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓ  ኢዮም ብተግባር ምስ ዘይስነዩ ግን ስማውያን ኮይኖም ከም ኣብ ሰማይ ዘሎ ደመና ቅልቅል ኢሎም ዝበኑ ኣብ ባይታ ዘይሰርሑ ኣብ ላዕሊ ኣንጠልጢሎም ዝተርፉ ምስዝኾኑ ንረብሓ ሕዝቢ ኣይኮኑን፣ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክግበር ዝቀነየ ናይ ምምኽኻር ኣኼባታትከ ክሳብ ክንደይ ነቲ ናይ ዝሓለፈ ጉድለታት ክፍውስ ተሰናድዩ  ኣሎ፣

ኣብ ዝሓለፈ ጉድለታትና ኣብ እንታይ ነበረ፣ ዝሓለፈ ጉድለታት ብከመይ ተኣሪሙ፣ እቶም ክትዋስኡ ዝጸናሕኩምክ ነቲ ክፈላልየኩም ዝጽንሔ ጉዳያት ብግቡእ ፍታሕ ረኺብኩሙሎምዶ፣

ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ብዛዕባ እቲ ካብ 1999 ክሳብ 2011 ዝተኻየደ መስርሕ ሓድነት ተቃውሞ ደንበ ብከፊል ኣብ ድኹምን ሓያልን ጐድንታቱ  ርእይቶይ ክህብ ክፍትን ኢየ።

ካብ ምምስራት ምሕዝነት ክሳብ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ/ ምድላው ካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ

ትርጉም ዋዕላን ጉባኤን ኣተረጓጉማኦምን ዕላማታቶምን ኣነጺርካ እንተዘየቀሚጥካ ንስማዊ ጉባኤ ወይ ዋዕላ ምግባእ ውጺታውን ኣፍራይን ክኸውን ኣይክእልን። ኣብ ዝሓለፈ 14 ዓመታት ነተን ተቃወምቲ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ንምምጻእ ጉባኤታት ተኻዪዱ ከም ውጺኢቱ ድማ ብ1999 ምምስራት ምሕዝነት ሃገራውያን ሓልታት ኤርትራ ቆይሙ፣ ቀጺሉ ፖሊቲካዊ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ እቲ ፖሊቲካዊ ስልጣን ዝሕዘ ሕዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን-ህግድፍ  ለውጢ ዝሓቱ ተቃወምቲ ተላዕሉ፣ ምስቲ ኣቀዲሙ ክቃልስ ዝጸንሔ ንምጽንባር ድማ ብዙሕ ርኽክባትን አኼባታትን ተኻዪዱ፣ ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ኣብ 2005 ኤርትራዊ ደሞክራሳዊ ኪዳን ብክልቲ ኡ ሸነኽ ዝቆመ ፖሊቲካዊ ልፍንቲ ተመስሪቱ።

እቲ ብ 1999 ዝተመስረተ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ ይኹን እቲ ብ2005 ዝቆመ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ንሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ክሳትፍ ሰለዘይበቅዔ ነዚ ጸገምዚ ንምግጣሙ ኣብቲ ብ 2008 ዝተጋብኤ ሓድነታዊ ጉባኤ በርገሳዊ ማሕበራት ዝተሳተፍዎ እተን ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓድነተን ኣሓዲሰን ከምኡ ድማ እቲ አኼባ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ንክኽወን ንኪዳን ሓላፍነት ኣሰከማ። እቲ ካብ 2008 ክሳብ 2010 ዝተኻየደ መስርሕ ምድላው ሃገራዊ ዋዕላ ሓያልን ድኹምን ጐድንታቱ እንታይ ይመስል ከምዝነበረ፣ እንታይ  ብድሆታትን ዕድላትንከ ይጓነፎ ነሩ ምዝካሩ ኣገዳሲ ይመስለኒ፣ እምበር ብዋዕላ ኣቃቅ ክጅምር ኣፍቅዱለይ።

ዋዕላ ኣቃቂ 2010/ ኣዲስ ኣባባ ኢትዮጵያ

ሓያል ጐድኑ

–      ንምጥርናፍ ደንበ ተቃውሞ ንመጀመርያ ግዜ ብሓባር ናይ ምስራሕ ባህሊ ምትእትታው

–      ምስቲ ኩሉ ዝገጥሞ ዝነበረ ዕንቅፋታት ናብ ዋዕላ ምብጽሑ

–      ደንበ ተቃውሞ ኣብ ዕላማታቱ ጸኒዑ እናተቃለሰ ምጽናሑ

ድኹም ጐድኑ

ኣብ ኣውዳድባኡን ኣቀራርባኡን በቲ ዝተጸንዔ ኣካደምያዊ ትርጉም ዋዕላን ውደባን ዘይምቅራቡ

–      ኣሰናዳዊት ኮሚተ ብመጽናዕቲ እቲ ዋዕላ ብሕዝቢ ተቀባልነት ንኽረክብ እኹል ኣፍልጦ ዘይምውናና

–      ክማላእ ዝነበሮ ጉዳያት ከየማላእካ ብስሚዒት ምጉያይ

–      ኣሰናዳዊት ዋዕላ ናይ ኣመወልቲ ተጸዕኖ ምቅባላ

–      ተሳተፍቲ ዋዕላ ነቲ ኣጀንዳ ዋዕላ ዝኣክል ኣፍልጦን ምድላዋትን ዘይምንባሮም

–      ኣህጉራዊ ትካላት ኣየሳተፈን

–      ኣካደምያውን ምሁራትን ኣየሳተፈን

–      ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣየሳተፈን

 

ብድሆታት

 

–      ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ምትፍናናት

–      ብደገ ዝቀርብ ዝንበረ ተጽ ዕኖታት

–      ወዳቢ ኤርትራዊ ኪዳን ኣብ ውሽጡ ምትህልላኽን ዘይምርድዳእን

 

ዕድላት

 

–      ኣህጉራውን ረጅዮናላውን ፖሊቲካዊ ኩነታት ደጋፊ እዚ ዋዕላ ምንባሩ

–      ሞራል ህዝቢ ኤርትራን ትጽቢታቱን ዓቢይ ምንባሩ

 

ውጺኢት ዋዕላ ኣቃቂ

 

ንሰፊሕ ሱታፌ ፖሊትካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ውልቀሰባትን፣መራሕቲ ሃይማኖታትን፣ ካብ ኩሉ ኣቋቁማ ሕዝብና ዘሳትፍ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እተሰናዱ ኮምስዮን ኣቊሙ። እታ ኮሚስዮን ድማ ብኮታ ካብ ፖሊትካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ብ 53 ዝቆመት ነበረት፡፤ ብናይ ኣቃቂ ዋዕላ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክተሰናዱ ኢዩ።

ኮሚስዮን በቋቁማኡ ዋላ እኳ ይብዝሑ እቲ ክም ኣዳለውቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ዋዕላ ከም ተመክሮ ናይተን ኣብ ደሞክራስያዊ ቃልሲ 1990 ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያ ክተኣታትዉ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣምር ናይ ውደባን ትግባረን ዋዕላታት ኣፍልጦ ኣይነበሮምን፣ እታ ዝነበረቶም ኣፍልጦ ብደረጃ  ውድባዊ ጉባኤታቶም ጥራሕ ኢያ ትምዘን።

ብኡ ንቡኡ እታ ዝቆመት ኮሚስዮን ድሕሪ እቲ ዋዕላ ኣብ በቦታኣ ተመሊሳ፣ እቲ ኮሚስዮን ኣኼባታቱ ብ ኣካል ዘይኮነስ ኣብ ኢንተርነት ጥራሕ ተወሲኑ፣ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት ኮሚስዮን ዝበዝሑ ይሳተፉ ኣይነበሩን፣ ዝበዝሑ ዝተሰማምዑሉ መምርሕን መደብ ኣሰራርሓን ኣይነበሮምን።

ኮሚስዮን ኣዳላዊት ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምድላው ንጹር ቅጥዒ ብዘይምንባሩ ኣብቲ ሓባራዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዝ ኣትዉ ኣብ ውሽጦም ክተዓናቀፉ ጀመሩ። መጀመርያ ዕላማዚ ሃገራዊ ጉባኤ ንኩሎም ተቃወምቲ ሓልታት ዓዲምካ ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ዋዕላ ኣቃቂ ዘይተሳተፉ ከምዝሳተፉ ምግባር፣ ንካል ኣዊ ግርጭታትካ ብልዝብ ፈቲሕካ ሓደ ሰፊሕ ግንባር ኣንጻርቲ ንሕዝብና ዘሳቂ ዘሎ ስርዓት ወዲብካ ንምቅላስ ዝዕላማኡ ኢዩ ነሩ። ኮሚስዮን እውን ናቱ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ከምኡ ድማ ብድሆታትን ዕድላትን እውን ነበሮ፡፤ እስኪ ሕጂ እውን ናይዚ ኣዳላዊ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ እንታይ ይመስል ከምዝንበረ ከብርህ ክፍትን ኢየ።

ሓያል ጐድንታቱ

–      ድልየትን ሃገራዊ ኒሕን

–      ንመስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዘለዎ ባህጊ

–      ተበግሶ ምውሳዱ

ድኹም ጐድንታቱ

–      ካብ ገጋታት ናይ ኣቃቂ ኣይተማህረን

–      ን እዋናዊ  መኽሰባት ደሞክራስያዊ ለውጢ ከዕቁብ ዘይምኻሉ

–      ኣብ ኣወዳድባ ጉባኤን ተሳትፍቱን ናይ ሓባር ውሳኔ ዘይምንባሩ

–      ኣብ ኣጃንዳ ዋዕላ ሰፊሕ ናይ ሕዝቢ ክትዓት ዘይምኻሉ

–      ፖሊቲካዊ ውድባት ብኮታ ውክልና ወሲዶም ከለዉ መሰረታቶም ከም ነጻ ሕዝቢ ምስታፎም

–      ኣብ ምርጫ ወከልቲ ጉባኤ  ቅንዕናና ፍትሕን ዘይምንባሩ

–      ንጉባኤ መታን ክትሳተፍ ብዘይ ቅድመ ኩነት ውድብ ኣሎኒ ንዝበለ ምቅባሉ

ብድሆታቱ ውሽጣውን ግዳማውን

 

–       ኮሚስዮን ከይተበገሰ ኣብ ውሽጡ ናይ ስልጣን ውድድርን ምንጻግን ኣርኣየ

–      ናይ ስራሕ መመርሕን መደብን ምውጻእ ምስኣን

–      ምስ ፖሊቲካዊ ውድባት ኣብ ምትፍናን ምብጻሕ

–      ውሽጣዊ ግርጭታቱ ክፈትሕ ዘይምኽኣል

–      ናይ ምምዋል ጸገማት ክፈትሕ ዘይምኽኣሉ

ግዳማዊ ብድሆታት

–      ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳነታት ክወስድ ዘይምኽኣሉ

–      ወናኒ ኣጀንዱ ንምዃን ዝገትኦ ዝነበረ ዕንቅፋታት ሸለል ኢሉ ምሕላፉ

ዕድላት

–      ነቲ ምቹእ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ዘይምጥቃሙ

–      ንዝተረኽበ ተበግሶታት መናሃርያ ናይ ደሞክራስያዊ መስርሕ ምዃኖም ኣሚንካ ኣብ ግዜኡ ዘይምጥቃም

መስርሕ ምድላው ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ምስዚ ኩሉ ድኽመታቱን ዕንቅፋታትን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2011 ኣብ ከተማ ኣዋሳ 600 ኣባላት ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ወልቀ-ሰባትን ዝተሳተፍዎ ተጋቢኡ። ሓደ ጉባኤ ካብ ሓያል ጉድንታቱ ድኹም ጐድንታት ዝበዝሖ ናይ ሕዝቢ ኤርትራ ድልየታትን ትጽቢትን ከማልእ  ከምዘይኽ እል እቲ ኣብ ግዜ ጉባኤ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ስልጣን ውድድርን ነንሕድሕካ ምምንጫትን ይትረፍዶ ንሕዝቢ ኤርትራ ከድሕን ነቶም ኣብ ደንበ ተቃውም ዝነበሩ እውን እምነት ናይ ቃልሶም ሃስይዎም ኢዩ።

እቲ መስርሕ ናይ ጉባኤ ስልጣን መን ጨበጠ እምበር ብፍጹም ብዛዕባ እቲ እዋናውን ኣገዳስ ሃገራዊ ጉዳያት ኣይተመያየጠን።

ኣብ መሪሕነት ምምራጽ ድማ ብኮታ ኣብ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኮይኑ ብ127 ኣባላት ዝቆመ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ድማ ተሾመ፡፤ ኣመሰራርቶ ባይቶ ካብቲ ናይ ዋዕላ ኣዋሳ ኣይፍለን፣ 127 ብዘይ ቅድመ ኩነትን ድሕሪ ባይታኦምን ዘይፍለጥ፣ ንሕና ወከልቲ ሕዝቢ ኤርትራ ኢና እናበሉ ኣብተን ዝነብሩለን ሃገራት ተመልሱ፡፤ ንስኻትኩም ወክልቲ ናይተን ኣባላት ፖሊቲካውን በርገሳውን ማሕበራት ድኣ እምበር መኣስ ሕዝቢ ኤርትራ ምርጫ ኣክዪዱ መሪጽኩም፣ ንስኻትኩም ወከልቲ ናይተን ኣብ ኣዋሳ ዝተሳተፋ ፖሊቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ኢኻትኩም።

ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብግስ ክብል ከሎ ብጽቡቅ መንፈስን ምርድዳእን ኣይተበገሰን እንታይ ድኣ ኣብ ምትፍናን ምጉንናጽን፣ ንሕና ገበርትን ሓደግትን፣ ንሕና ሕዝቢ ዘሎና ብምባል ነቲ መንፈስ ናይ ቃልሲ መረዞ፡፤

ኣብቲ ዝተሰማማዓሉ ቻርተርን፣ ሕገ-ሕንጻ ባይቶን ተመርኲሱ ውሽጣዊ ሕግታት ገይሩ እውን ክሰርሕ ኣይከኣለን፣ ናይ ስራሕ ምምቃል ይኹን ተሓታትነትን ቁጽጽርን ዘይፈሊ፣ መን እንታይ ይገብር ዘይፍለጥ ምምርሕታት ሒዙ ናብ ሕዝቢ ክወርድ ጀመረ፣ ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብ ኩሉ አኼባታቱ ይኹን ስራሓቱ ከይተሰማምዔ ጉባኤ ዝሃቦ ሓልፍነት ረሲዑ እንሆ ክልተ ዓመት ሕሊፉ ይትረፍዶ ሕዝቢ ኣብ ጉድኑ ካዓስል ወላ እቶም ዝነበሩ እውን እናገድፍዎ ከዱ ብሰንኪ ጊጉይ ውሳነታትን ዘይተጽንዔ ኣፈታትሓ ግርጭታትን፡ ናይዚ ኩሉ ምስክር ድማ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝተረኽበ ቅልውላው ኢዩ።

ምስዚ ኩሉ ግን ካብ ገጋታቱ ዘይመሃር ነፍሱን ሕዝቡን ከድሕን ስለዘይክእል፣ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንዝሓለፈ ጉድለታቱ ኣሪሙ ካብዚ ወዲቅዎ ዘሎ ቅልውላው ወጺኡ ናብቲ ተወሲኑ ዘሎ ምድላው ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ባይቶ ከድህብ ምሕጽንታይ ኤቅርብ፡፤

ምስዚ ኣተኣሳሲረ ግን እታ ተመዚዛ ዘላ ኣሰናዳዊት ኮሚተ ንካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ሰለስተ ኣገደስቲ ክማልኡ ዝግብኦም ጠለባት ክጠቅስ እፈቱ፣

  1. ሰፊሕ ብቅዓትን ኣፍልጦን ኣገባብ ቃልሲ ካብ ምልክነት ናብ ደሞክራስያን ብመንጽር እቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ
  2. ነጻ ካብ ፖሊቲካውን ሃይማኖታውን ጸግዕታት
  3. ፍትሓውን ርትዓውን
  4. ሰፊሕ ኣፍልጦ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ፖሊሲ ዘለዎ
  5. ንጉዳይ ኤርትራ ካብ ሃገራዊ ናብ ኣህጉራዊ ጉባኤ ዘሰጋግር ክእለት ዘለዎ
  6. ሰፊሕ ሕዝባዊ ርክብን ተቀባልነትን ዘለዎ

ካብ ጉባኤ ሓዋሳ ዝተመዘዙ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብግስ ከይበሉ ኣብ ስልጣን ስለዝተሻመሙ ኣብ ዘየሰርሕ ሕልኽልኽን ምጉንናጽን ስለዝኣተዉ ውጺኢቱ እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ኣብ ነንሕድሕድካ ምግርጫውን ኮይኑ ክልተ ዓመት ከይሰርሔ ኣሕሊፉ፣ እዚ ኩነት እዚ ስቁ ኢልካዝሕለፍ ኣይኮነን፣ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ካብ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት ዝቆመ ስለዝኾነ ኣብ ንንሕድሕዱ ተዓራሪቁ ፍሽለቱ ገምጊሙ መዝነቱ ዘውረደሉ ናይ ዕርቂ ጉባኤ ገሩ ክሓልፍ መሰረታት እዚ ባይቶ ክጠልቡ ኣለዎም። እቶም 127 ኣባላት ባይቶ ተኣኪቦም ንመስረታቶም ፍሽለቶም ተቀቢሎም ንሕዝቢ ይቅረታ ዝሓቱሉ መድረኽ ይከፈት።

እቲ ንካልኣይ ጉባኤ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣሰናዳዊ ተባሂሉ ተመዚዙ ዘሎ ሃገራውን ዞባውን ኣህጉራውን ኣፍልጦን ዘለዎ ኮይኑ ምስ ናይ ኣህጉራዊ ትካላት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝምድናን ኣፍልጦን ክፈጥር ዝኽእል ኮይኑ መጀመርያ ናይ ዕርቂ ጉባኤ ይጋባእ ድሕሪኡ እቲ ናይ ውድባት ጽላል ምስ ቆመ ፣ ውጺኢት ናይ ዕርቂ ጉባኤን፣ ውጺኢት ናይተን ናይ ሓባር ጽላል ዘቆማ ፖሊቲካዊ ውድባትን ናይ ምውህሃድ ስራሕ ይጅምራ፣ ድሕሪ ናይ ምውህሃድ ስራሕ ኣብ መንጎ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት፣ግደ ፖሊቲካውን ብርገሳውን ማሕበራት ይንጸር፣

በዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ሕውስዋስ ብርገሳውን ፖሊቲካውን ግን ክንዲ ኣብ ቃልሲ ዘድህብ ኣብ ስልጣን ስለዘድህብ ኣብ ዝሓለፈ ተመክሮና ርኢናዮ፣ ብርገሳዊ ማሕበራት ውቅያኖሳት ተሳጊርካ ኣነባ ኣነባ ክተርፍ ኣለዎ፣ በርገሳዊ ማሕበራት ይኾኑ ግዱሳት ውልቀ ሰባት፣ ነዚ ፖሊቲካዊ ውድባት ናይ ሕዝቢ ድልየታትን ጥቅምን ምስዘየማልኡ ድማ ኣየድምጹሎም፣ኣይተሓበበርዎም፣ እዚ ኢዩ እቲ ግደ ሕዝቢ፣ ሕዝቢ ስልጣን ዝህብን ዝኸልእን ምዃኑ ካብ ብሕጂ ከስምረሉ ኣለዎ።

ለበዋ ደራሲ እዚ ሓተታ

–      ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ቅድሚ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ኡ ናይ  ዕርቂ ጉባኤ የካይድ፣

–      እዚ ናይ ዕርቂ ጉባኤ ብሕዝቢ ይምወል

–      ኣብዚ ናይ ዕርቂ ጉባኤ ናይ ምዕራቅ ብቅዓት ዘለዎም ኣማኸርቲ ክሳብ መስርሕ ቃልሲ ካብ ምልክነት ክሳብ ደሞክራስያ የገልግሉ

–      ፖሊቲካውያን ውድባት ናይ ሓባር ጽላል ኣቊመን ምስዝሰርሓ ድሕሪኡ ኣብ መንጎ ብርገሳውን ፖሊቲካውን ማሕበራት ናይ ስራሕ ምውህሃድ/ coordinating of common activities/ ይጅምራ

–      እቶም ናይ ዕርቅን ኣማኸርትን ድማ ምስ ኣህጉራዊ ትካላት እናሰርሑ ምስ ኤርትራዊ ኩነታት ብዘዛምድ ንክልቲኡ ፖሊቲካውን በርገሳውን ትካላት ንምድልዳል/ process of consolidating working relationship between political and civic organizations / ኣብ ዘስርሕ መድረኽ ይሰርሑ

ምስ ሰላምታ

ፍስሓ ናይር

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tsehaye February 15, 2014

    The author has been writing for several years now. He is a member of the Federal Party which believes in the division of Eritrea into two sectors based on lowland and highland regions. He has written extensively about what the extremists within his party and he perceives as the “highland domination and highland chauvinism”. He has played his fare share of keeping the flame of division and mistrust burning among Eritreans. Lately, I am really shocked to see him trying to act like doves. The reason for the change is pretty obvious. The tactics that he and the religious extremists employed to control the opposition and the ENCDC (Baito)and use them to take power in Eritrea in place of the PFDJ mafia has not materialized. Now a new tactic is required. At least he seems to be smart enough not use his old and failed methods.

    It is about time that the fanatics accept that the PFDJ regime cannot be changed by insulting and by marginalizing the highland Eritreans from the oppositions’ power sharing. As it was impossible to liberate Eritrea without the highlanders, it is also impossible to remove the PFDJ mafia without the highlander again. It is that simple. You cannot give 25% of the power in the opposition to highland Eritreans and expect to have a nation called Eritrea. THINK BIG!!

  • g.meskel February 16, 2014

    They re-grouped again to get obstacles to WEDI VACARO, not to move an inch against Isayas. They are just good for nothing

Post a Reply to Tsehaye Cancel Reply