Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ጽምብል በዓል ነጻነት ናብ ጽምብል በዓል ሓርነት ንስገር፣

  ካብ  ጽምብል በዓል ነጻነት ናብ  ጽምብል በዓል ሓርነት ንስገር፣   "ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን" ዕላምኡ መተካእታ ይኣክል'ዩ፡   ኣብዚ ዓመት'ዚ ዝተራእየ ኣበዓዕላ መበል 28 ጽምብል በዓል ነጻነት ብዓቐኑን ዓይነቱን ፍሉይ ምንባሩ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ደጋፊ ይኩን ተቓዋሚ ዝተገንዘቦ ተርእዮ

 

ካብ  ጽምብል በዓል ነጻነት ናብ  ጽምብል በዓል ሓርነት ንስገር፣

 

ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ዕላምኡ መተካእታ ይኣክል’ዩ

 

ኣብዚ ዓመት’ዚ ዝተራእየ ኣበዓዕላ መበል 28 ጽምብል በዓል ነጻነት ብዓቐኑን ዓይነቱን ፍሉይ ምንባሩ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ፣ደጋፊ ይኩን ተቓዋሚ ዝተገንዘቦ ተርእዮ ምኳኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ገለ ክሕጎሰሉን ክዓግበሉን ከሎ ገለ ድማ ክስንብደሉን ክሰግኣሉን ከምዝተራእየ እዉን ባህርያውን ርዱእን ሓቂ ምኳኑ ሓተታ ዘድልዮ ኣይኮነን።

እዚ ዕለትዚ ኣዝዩ ድሙቕ ኮይኑ ክበዓል ዘክኣሎ ምክንያት ናይቲ ዕለት ብልጭታ ዘይኮነስ ፣ ቅድሚኡ ካብ ሓይሎ እዋን ኣትሒዙ ብዝተፈላልየ ወገናት ደለይቲ ፍትሒ ክውሰድ ዝጸንሐ ተበግሶታት ውህሉል ውጽኢት ምኳኑ ብሩህ ኢዩ።

ካብ መፈለምታ 2019 ጀሚሩ “ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ብዝተወደበን ሰንሰላታዊን መልክዑ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፣ብውልቅን ብሓባርን ዝተመሓላለፈ መልእክቲ፣ ነቲ ዝጸንሐ ናይ ቃልሲ መስርሕ ናብ ህዝባዊ ምልዕዓል መድርኽ ኣሳጊርዎ እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እቲ ብውልቅን ብሓባርን (ብጉጅለን) ዝፍኖ ዝነበረ ድምጺ ናይ “ይኣክል” ናይ ብዙሕን እኩብን ህዝቢ ድምጺ ኮይኑ ክቃላሕ ጀሚሩ፣ ይቅጽል’ውን ኣሎ።ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ሃገራትን ዝተካየደ ናይ “ይኣክል” ኣኬባታት ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ኣኬባታት’ዚ   “ይኣክል” ዝብል ድምጺ ኣብ ምቅላሕ ጥራይ ከይተወሰነ፣ዝተፈላለዩ ኣገደስቲን እዋናውን ጭርሖታት ኣልዒሉ ከብቅዕ እቲ ቃልሲ ናብ ዝለዓለ ካልእ መድርኽ ንምስግጋርን ቀጻልነቱ ንምርግጋጽን  ዘመሓድሩ ሰባት መሪጹ ዝወጽአ ኣኬባታት ብምንባሩ ፍሉይ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ብሓፈሽኡ ኣብዚ ኣኬባታት’ዚ ዝተመርጹ ኣካላት ኣብ ምውዳብ መዓልቲ ነጻነት ተዋፊሮም ዕውት ጽምብል ነጻነት ከምዝሓለፈ ክግምገም ይከኣል።

እዚ ዝተራእየ ለውጢ ብዝተፈላለያ ናይ ሬድዮን ተለቪጅን ማዕከናት ዝዝርጋሕ  ብምንባሩ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ዝርከብ ህዝብና ዝነበሮ ናይ ቦታ ርሕቀትን ናይ ሓበሬታ ብኩራትን ብምምላእ ክቀራረብን ተረድኦኡ ከመሳስልን ከስፍሕን ሓጊዙ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ቃልሲ መንፈሱ ከበራትዕ’ውን ተራእዩ ኢዩ።

እዚ ቅድመ መዓልቲ ነጻነት ዝነበረ መድርኽ፣ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣብ ብዙሕ ከተማታትን ሃገራትን ዝተካየደ ህዝባዊ ውዳቤታት ጥራይ ኣይተሓጽረን። ሓደ ካብቲ ፍሉይ ተበግሶ ክበሃል ዝከኣል ብኣጋጣሚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ካብ ዕለት 8 ክሳብ ዕለት 10 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተካየደ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት ዝተሳተፍዎን ዝደገፍዎን ሰሚናር  ኢዩ። እዚ ሰሚናር’ዚ ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ ካብ 3ክሳብ 6 ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዜ  ንኩሉ ደላይ ፍትሒ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ሲቪክ ማሕበራትን ህዝባዊ ውዳቤታትን ምሁራትን) ዝሓቁፍ መኣዲ (ዋዕላ) እተዳሉ ካብ  ኩሉ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተዋጽአት ብደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝቕመት ኮሚተ መሪጹ  ወጺኡ። እዛ ኣካል’ዚኣ ብ”ኮሚተ ንቕሎ ኣዲታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ዝብል መጸዋዕታ ትፍለጥ ኮይና ነቲ ዝተዋህባ መደብ ስራሕ ኣብቲ ዝተመደበላ ጊዜ(ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2019)   ኣብ ግብሪ ንምትርጓም ኣበርትዓ ትንቀሳቐስ ኣላ።

እቲ ካሊእ ኣገዳሲ ኣብዚ መድርኽዚ ዝተራእየ ተበግሶ እቲ ካብ 16 ክሳብ 20 ማዝያ ኣብ ስቶኮልም ዝተካየደ 2ይ ጉባኤ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ” ክጥቀስ ይከኣል። እዚ 18 ዝኣክሉ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝሓቁፍ፣ ኣብ 2011 ኣብ ሃዋሳ ዝተመስረተ ጽላል’ዚ፣ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ደውታን ውሽጣዊ ቁርቁስን፣ ርእሱ ክኢሉ 2ይ ጉባኤኡ ምክያዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ሕሉፍ ተሞክርኡ ብነቀፌታዊ ዓይኒ ገምጊሙ ኣገደስቲ ውሳኔታት ኣሕሊፉ ምውጽኡ ንኣባላቱ ኮነ ንኤርትራዊ ደምበ  ደላይ ፍትሒ ተስፋ ዘመንጨወ ተበግሶ ምንባሩ ክስትውዓል ዝግባኦ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝተከፋሉ መሓዙት ውዱባት ክልተ ክፋላት ሰ.ደ.ህ.ኤ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሕን ኣባላት መድርክን ካልኦትን ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ቅሩብነት ንሓባራዊ ተግባር ነቲ ዝጸንሐ ዝምድናታት ዘቀራርብን ዘመሓይሽን ኮይኑ ክንበብ ዝክእል ኢዩ።

ናይ “ይኣክል” ማዕበል ንኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ  ኤርትራ ዝሓቖፈ ፍሉይ ተርእዮ ምንባሩ ዝሕብር  ብዙሕ ምልክታት ኣሎ። ኣብ ስቕታ ዝጸንሓን ደገፍቲ ዝነበራን ኣዴታት ኣብ ቅሉዕ ባይታ ወጺአን “ይኣክል” ኢለን ክምድራ ምስማዕ ሓዱሽ ተርእዮ ኢዩ። ብዙሓት ካህናት ናይ ዝተፈላለየ ማሕበራት ክርስትናን ኣመንቲ ምስልምናን ኣብ ቅሉዕ ባይቶ ወጺኦም ዘምሓላለፍዎ መንፈሳዊን ፖለቲካዊን መልእክትታት ብስለት ዝመልኦ ምንባሩ ጥራይ ዘይኮነ ምልክት ናይ ኣብ ህዝብና ማዕቢሉ ዘሎ ዓሚቕ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ  ምኳኑ ተገንዚብና ክንሰርሓሉ ይግባእ። እዚ ተበግሶታት’ዚ  ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን ምቅልሑ እቲ ሚዛን ቃልሲ ክሳብ ክንደይ ሰፊሑን ዓሚቑን ከምዘሎ ንጹር መርኣያ ኢዩ።ካብዚ ዘይፍለ ካልእ ተርእዮ እቲ ብኤርትራውያን ምሁራትን ምኩራትን ክካየድ ዝጸንሐ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝጀመረ ናይ ሓባር መኣዲ ዘተን፣ንህልውን መጻእን ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ዘመንጭውዎ ዘለዉ ጽሑፋትን ሓሳባትን ኢዩ። ኣብ ገለ ሕቶታት ፍልልይ ዝርአ’ኳ እንተመሰለ ብልዙብን ክፉትን መንፈስ ተታሒዙ ኣብ   ባይታ ክወሃሃድ ዘጸግም ኣይመስልን።ብዓቢ ውሕልነትን ሓላፍነትን ክተሓዝ ናይ ግድን ይከውን።

እዚ ውህሉል ድምር ተበግሶታት’ዚ፣ መበል 28 መዓልቲ ነጻነት ብሰፊሕን ድሙቕን ኣገባብ ክብዕል ዘክኣለ

ንጥፈታት ምንባሩ ምግንዛቡ ኣገዳሲ ኢዩ። ከምቲ ጽንብል በዓል ነጻነት ብድምቀትን ስፍሓትን ዘሕለፍናዮ መጠን ድማ ጽምብል በዓል ሓርነት ከነኽብር ትምኒትናን ተስፋናን ከነንምብረሉ ይግባእ ። ይከኣል ከምዝኮነ ኣሚና ቃልስና ከነበርትዕን ድሕሪ “ይኣክል” ክስዕብ ዝግባእ ናይ ቃልሲ ኣንፈት ክንቅይስን የድልየና ኣሎ።

ካብዚ ንንየው’ከ ናበይ? እቲ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ማዕበል ዘንቀለን  ዘተሓቛቖፈን  “ይኣክል” ዝብል መራሒ ሓሳብ ክቕጽል ይክእል’ዶ ወይስ ሰሓብነቱ ኣብቂዑ ኢዩ? ኣብቂዑ እንተኮይኑ’ከ መተካእትኡ እንታይ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ የድልየና ኣሎ።

 

ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝሕብርዎ ናይ “ይኣክል”መድርኽ ከምዘብቅዐ ኢዩ። “ይኣክል”ን እቲ ምስኡ ክቃላሕ  ዝጸንሐ ጠለባትን፣ እቲ ኣረመኔ ስርዓት ክትርጉመልና ንሓቶ  ዘሎና ዘስምዕ ትርጉም’ውን ይወሃቦ ኢዩ። ኮይኑ ግን እዚ መራሒ ጭርሖ’ዚ  ዘፍረዮ ፍርያትን ዘውረሶ ጸጋታትን ዓወትን ኣነኣኢስካ ዝርአ ስለዘይኮነ ባኺኑ ከይተርፍ  መተካእታ ክርከበሉ ናይ ግድን ኢዩ።

ብዝተፈላለዩ ናይ ምሁራት መጽናዕቲ ጉጅለታትን ሓይሊ ዕማማትን ዝተፈላለዩ ሰነዳት ይዝርግሑ ኣሎዉ። መድርኽ “ይኣክል” ሰጊርና ናብ መድርኽ “ሓዞ ሓዞ” ክንእቱ ኣለና ዝብል መተካእታ’ውን ይስማዕ ኢዩ፡፡ “ሓዞ ሓዞ” ህድማ ናይቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝእምት ጭርሖ ኮይኑ፣ቃልስና ነዚ ውልቀመላኺ ስርዓት ካብ ስልጣን ንምእላዪ ዘተኮረን፣ቅዋምና ባዕልና ክንትርጉም፣ዶብና ንሕና ክንሕጽጾ፣እሱራትና ባዕልና ክንፈትሕን ገደብ ኣልቦ  “ሃገራዊ ኣገልግሎት” መንእሰያትና ባዕልና ክንስርዞን ከምዝኮና ኣሚንና ክንብገስ ኣለና ዝብል ኢዩ። ናይ “ይኣክል” ምልዕዓል ዝፈጠሮ ባይታ ዝይዳ ክድልድልን ቀጻልነቱ ከረጋግጽን ናብ ሓደ ናይ ዘተ መኣዲ ክንመጽእን፣ከስረሓና ዝክእል ሰነዳት ብምድላው ብዝተሓተ ኩሉና ንሰማማዓሉ መደብ ስራሕ ኣጽዲቕና ኣብ ሓባራዊ ተግባር ክንከይድ የድልየና ኣሎ። ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምሁራት ዜጋታትን ፣ምኩራት ፖለቲከኛታትን ግብኦም ከበርክቱ ዓቢ ሃገርዊን ህጹጽን ሓላፍነት ይጽበዮም ከምዘሎ  ክፈልጡ ይግበኦም። ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ዝኮነ ዜጋ፣ኣብዚ እዋን’ዚ ቀዳምነት ክወሃቦም ዝግብኦም ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለልዩ ናብ ሓባራዊ ተግባር ዝመርሕ መገዲ ክጥምት ግቡኡን መሰሉን ምኳኑ ክግንዘብ የድሊ ኣሎ።

ምስዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኩነታት ብምትእስሳር ኣብዚ እዋን’ዚ “ንቕሎ  ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” እንታይ ከበርክት ይክእል? ብከመይከ? ዝብል ሕቶ ክበርህ ዘለዎ ኮይኑ ይርአ።

ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣እዚ ተበግሶ’ዚ በተን ከም ኣደ፣ሓብቲ፣በዓልቲ ሓዳርን ጓልን ኮይነን ኣብ ሕብረተሰብና ዘይተኣደነ ተራ ዝጻወታን፣ ኣብ ጊዜ ቃንዛን ስቓይን ብቐዳምነትን ብዝያዳን ዝሳቐያ ክፋል ሕብረተስብና ዝኮና ደቂኣንስትዮ ዝነቐለ ምኳኑ ፍሉይ ኣቃልቦ ክወሃቦ ዝግባእ ኢዩ። “ንርስቲ ይወጋኣላ ኣንስቲ” ክበሃል ከሎ ብመሬተንን  ብሂወት ስድራቤተንን ንዝመጸን ዘይዕጸፋን፣ክበጽሖኦ ዝደልያ ሽቶ ከይወቕዓ ጠጠው ዘይብላ ቆራጻት ምኳነን ዘመልክት ምሳሌ ኢዩ፡ ስለዚ ነዚ ተበግሶ’ዚውን  ሽቶኡ ከይወቕዐ ጠጠው ከምዘይብላ ምሉእ እምነት ኣሎ።

እዚ ንቕሎ’ዚ እቲ ንነዊሕ ጊዜ ዝተጻዕረሉን ብዝተፈላለየ ምክንያታት ሽቶኡ ክወቅዕ ዘይከኣለን ናይ “ሓድነት” ወይ ድማ ብናይ ሓባር መደብ ህዝብኻ ኣዕሲልካ ጸላኢኻ ከተዳኽመሉን ክትስዕረሉን ትክእል ባይታ ምጥጣሕ ዝዓለመ ኢዩ። ካብዚ ዕላማ’ዚ ብምብጋስ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዜጋ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት፣ህዝባዊ ምጥርናፋት መሁራትን ምኩራትን ዜጋታትን መራሕቲ ሃይማኖታትን ) ዝሓቁፍ ሓደ ባይታ ንምድላው ተዓጢቐን ተሲአን ኣለዋ። እዚ ተበግሶ’ዚ ካብ ምረትን ጭንቀትን ተበጊሰን ክጅምርኦ ከለዋ ናተን ዕማም ጥራይ ከምዘይኮነን፣ ንበይነን ከካይደኦ ዘለወን መደብ ጌረን ኣይቆጸርኦን። ካብ መጀመርታ ኣትሒዘን ኩሎም እዞም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ክፍልታት ደለይቲ ፍትሒ ሕብረተሰብና አእጃሞም ከብርክቱን ኣድማዒ ተራ ክጻወቱን ጻዊዒተን ቀጻሊ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን።

እቲ ክውቃዕ ዝድለ ሽቶ ኣብ  ኩሉ ደላይ ፍትሒ ዝቅበሎ ዝተሓተ እዋናዊን ኣገደስቲን ሕቶታት ብምርድዳእ (ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ብምፍጣር)  መደብ ስራሕ ተሓንጺጹ፣ ብኤውሮጳ ደርጃ ንኩሉ ደላይ ፍትሒ እትሓቁፍን እትውክልን ናይ ሓባር መሪሕነት መሪጽካ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣቃሊልካ ዝረአ ዕማም ከምዘይኮነ ኩሉ ዝግንዘቦ ሓቂ ኢዩ። ቅድሚኡ ክዳሎ ዘለዎ ንዝተፈላለየ ሕቶታት ዝምልከት ሰነዳት ክቕረብ  ናይ ግድን ኢዩ። ቅጥዒ ኣወካክላ ተሳተፍቲ ከመይ ይኸውን?  ኣቋውማን  ዕማማትን እታ እትምረጽ ኣካል ከመይን እንታይን  ክኸውን ከምዘለዎ  ክንደፍን ብግሉጽ ክዝተየሉን ክውሰንን ከድሊ ኢዩ። ካሊእ ኣገዳሲ ዝበሃል ፖለቲካዊን ተክኒካዊን ጉዳያት ክህሉ ከምዝኽእል’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ዕማማት’ዚ ምስ ዝተፈላለዩ ሰብ ብርኪ ብዝግበር ርክብ ከመሓደር ኣብ ትጽቢት ኣሎ።

ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ህዝብና ጊዜ ዘይህብ ምልክታት ይልእክ ከምዘሎ ኩልና ንዕዘቦ ዘለና ኢዩ። እዚ ምልክታትዚ ኣቃሊልና ክንርእዮ ዘለና ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ቅዱስ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት ኩሉ ደላዪ ፍትሒ ኣበርክቶኡ ክልግስ ሃገራዊ ጻውዒት ይቀርበሉ ኣሎ።

 

ዓወትና ብሓባራዊ ቃልስና፡

ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት ኢዩ፡

ስውኣትና ንዘለኣለም ይዘከሩን ይከበሩን።

 

 

ደስበለ መሓሪ፣

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT