Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ካብ ጽቡቕ ሽቶስ፣ ጽቡቕ ሽም”

እቲ ጽቡቕ ሽቶ ንግዚኡ ክሳብ ንፋስ ማኣዝኡ ዘፍኩሶ ሃነን ክብልን ክምስጥን ይኽእል። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ግን ከም ዘይነበረ ይርሳዕ። አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ከአ ጊዜ ወሳናይ ተራ አለዎ። ንወዲሰብ ንግዚኡ ተታልሎ፣ ኣብ ሊዕሊኡ ሸሸ ትብለሉ፣

እቲ ጽቡቕ ሽቶ ንግዚኡ ክሳብ ንፋስ ማኣዝኡ ዘፍኩሶ ሃነን ክብልን ክምስጥን ይኽእል። ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ግን ከም ዘይነበረ ይርሳዕ። አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ከአ ጊዜ ወሳናይ ተራ አለዎ። ንወዲሰብ ንግዚኡ ተታልሎ፣ ኣብ ሊዕሊኡ ሸሸ ትብለሉ፣ ደብተር ታሪኽ ግን ከየቋረጸ ሕማቕን ቅኑዑን ይምዝግብ። ኣብ ደብተር “ህግደፍ” ክኸውን ይኽእል፣ ግን መውዳእታ ሓታቲ የብልናን ዝብሉ ኣካል ክቕልቀሉን ከሽካዕልሉን ዝመርጹ ከምዝህልዉ ዘይምዝንጋዕ ኢዩ። ንናይ ወዲሰብ ተፈጥራዊ ኣተሓሳስባ ካልእ ሰብ ብድሌቱ ክቆጻጸሮ ዝኽእል ሓይሊ ከም ዘየሎ መረጋገጺ አሎ ኢልካ ምእማን ከስምዕ የብሉን። ትዕብተኛታት ግን ነቲ ጎሊሁን ደሚቑን ዝረአ ወንጀላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክሳብ ብጅምላ ዘይኮነ ክርእይዎ ኣይክእሉን። በዚ ምኽንያት ነቲ ህዝቢ ልቢ ኣዕብዩን ተጸሚሙን ዝተዓገሶ ተደጋጋሚ ንዕቀትን ዘይፍትሓውን ኣረመነ ስርሖም ይቕጽልሉ።

ሰብ ግን ፈሊጡን ደልዩን ዝህበካ ዓቕሊ ከም ብሓይሊኻ ዝወነንካዮ ክትሓስብ ወላ እንተ ገብረካ፣ ብውሽጡስ ኪዒቡካን ፎእ ከምዝበለካን ኣብሰሌዳ ገጹ ክተንብቦ’ዩ መጀመርያ ኣንፈት ዝህበካ። ምስ በዝሐ ከአ ኣጊሂዱ ዓገብ፣ ይኣክል ዝብል መጠንቀቕታ የስዕበልካ። ኣብ መውዳእታ ከአ

ኩሉ ምስ ጊዜ ዝቃላዕ ምስጢር እምበር ዝተዓብጠ ንመዋእሉ ዝነብር ታሪኽ የለን ይብለካ።  እንተዘይኮይኑ ፅውጽዋይ ነይሩ ማለት ኢዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሳላ ኤለክትሮኒክስ ዘምጽኦ ተኽኖለጂ(Technology) ንኩሉ ክኸውን ይኽእል ኣይንበል እምበር፣ ነእቲ ታሪኽ ዝምዝግብ ጽቡቕ ዕድል ከፊቱ። ግና እቲ ዘይድምሰስን ዘይቕየርን (Modify) ዘይኸውን ምዝገባ ኣብ ወዲ ሰብ ሓንጎልን ኣእምሮን ስለ ዝኾነ ኣብኡ ዝተመርኮሰ ሓቅነት(Facts) ዓይቢ ህያብን ፀጋን፣ ዝፍሕቆን ዝድምስሶን ሞት ጥራይ ኢዩ። ነቲ ሞት ከአ ወናኒኡ ሕማምን ዕድመን ተፈጥራዊ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሓይሊ ብሐደ ወገን ክህሉ ከሎ፤ በቲ ካልእ ወገን ዘይተፈጥራዊ ሓይሊ ዓመጽትን ስሱዓትን ከም ዘሎ ብሩህ ኢዩ።

ስለዚ እቶም ኣያታትና ነጻነት ኣምጺእና ኢሎም ብዙሕ ዝምክሑ፤ እቲ ኣመጻጽኡን ዝተኸፍሎን ዋጋ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳታፊነት ዝነበሮ ምኻኑ ዘንጌዔሞ ኣይኾነን። እንታይ ደአ እቲ ዕላዊን ታሪኻውን ጸብጻብ ንህዝቢ ኣቕሪቦም፣ እቲ ምዕራፍ ናይ ገድሊ ዓጺዮም፣ ነቲ ምዕራፍ ዴሞክራሲያዊ ኣመሓድራ ሃገር ምስ ህዝቢ ዘይጀመሩ? እቲ ጸጸር ተዋሓሒጥና፣ ሑጻ ቁሑምና’ዶ፣ ብደም ተውቂጥና ተማሓሒልና ዝገበርናዮ ገበን ኣብ ሊዕሊ ንፁሃን ተጋደልትን፣ ደቂ ሃገርን፣ ኣብ ዝተፈላልየ እዋን ከይጋለጽ ምእንትን፣ እቲ ግፍዒ ኣብዚ ሓዲስ ወለዶ’ውን ንቐጽሎ እዩ እቲ ስምምዕ። ስለዝኾነ ከአ መንእሰይ ወለዶ ካብ ነጻ መሬት ዓዱ ክጸንትን፤ ናብ ህልቀት ከምርሕን እንዳረኣዩ ዘጽቅጡ ባእታት፤ ነበር መራሕትን ሎሚ ኣብ ስልጣን ዘላግጹን፣ ሰዓብቶምን፣ ታሪኽ ከምዝሓቶም ርዱእ’ዩ።

ነዚ ኸአ ርሑቕ ከይከድኩ ብናተይ ንእስነትን ዘሕለፍኩዎ ከም መብዛሕትኡ መንእሰይ ብናተይ ዕድመ ዝነበርና ህይወት 1977-1978 ክዝክሮ ኣይደልን። ኣብ ኣፍ ደገኻ ሬሳ ሓውኻ፣ ዓርኪ መተዓብቲኻ፣ ኩዑሶ መራገጺኻ ወዲ ከፍተኛኻን ቀበለኻን፣ መማህርትኻን ረጊጽካ ክትሓልፍ ጊዚኡ ዘምጽኦ ቅቡል ናብራ ህይወት ክትብሎ ኣይትኽእልን። ብስጋ ክትንቀሳቀስ የኽእለካ ይኹን እምበር፣ ብመንፈስን ሕልናን ሕልሚ ቀጥሪ ኮይኑ ዘባዕግገካ ቁስሊ ቀይሕ ሽብሮ (ቀይ ሽብር) ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ መህለቕቲ፣ ኣፈቐዶ ባሕርን ምድረበዳን ነቶም ብእኡ ዝሓለፉ ጥራይ ኣይኮነን ዘሳቒ ዘሎ። እቲ ፍልልይ ናይ ቦታን ጊዜን ጥራይ እምበር እቲ ጠንቂ መሰረት ሐደ’ዩ። ብግፍዕን ጭቆናን ህዝቢ ብሓይሊ ረጊጽካ፣ ነዊሕ መደብ ብምውጻእ ኣምበርኪካን፣ ሞራሉ ሰቢርካን፣ ኣብ ስልጣን ብዘይ ሐደ ተሓታትነት ናይ ምጽናሕ ዝግበር እከይ ተግባር’ዩ።

ስርዓት ደርግ ባዕሉ ቦጎግ ኢሉ ብቐሊሉ ዝመሐ ስለዘይነበረ፣ ከም ሐደ ግፍዓዊ ስርዓት ምኻኑ መጠን ብናይ ህዝቢ ድሌት ጥራይ’ውን ክቡንቆስ ኣይከኣለን። ብዙሓት ደቂ ህዝቢ ካብ ውሽጢ ውሻጥኡ ብላዕላዋይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም ወታሃደራዊን ሲቭሊያን ኣካል፣ ብዝተፈላለ ምኽንያት እንዳጨፍለቐ ዕድመ መግዛእትኡ ከናውሕ ኪኢሉ። እቶም ተማሃሮትን መሻኽን

ሸቃሎትን ኣፍረይቲ ሓይሊ ከአ ዓመጽ ግፍዑ ክምክቱ ዘኽእል ምጥርናፍ ኮነ ኣገባብ ሓበራዊ ኣቀላልስኦም ኣብዘይ ተነጸረሉን፣ ነንሕድሕዶም ኣብ ዝባእስሉ ዝነበረ ስዓት፤ ደርጊ ምስቲ ክሳብ ዓንቀሩ ተዓጢቑ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝጨፍለቆም ንጹሃን ዜጋታት ቁጽሮም ብጣዕሚ ኣዚዩ ዝበዝሐ ኢዩ። ግብሪ “ህግደፍ” ከ ብምንታይ ካብኡ ተፈልዩ? እቶም ንሞትን ንስቅያትን ንስለ ነጻነትን፣ ፍትሕን ሕግን ዝተዋደቑ ኢዚይ’ዶ ነይሩ ትጽቢቶም? መስውኣቲን ስንክልናን ብጾቶም፣ ንኡስ ዕድሜኦም ሳላ ህዝቢ ዝተንከራተትሉ ነዚ ክርእዩ’ዶ ይኸውን መሪጾምን ኣጽቂጦምን? እቲ ዝገደደ ከአ ንምንታይ ኣብ ህዝቢ ምፍንጫልን ምብትታንን ዝውዕል ስልቲ ቃልሲ መሪጾም?።

እቲ መፍትሒ ግን ነቲ ብሓይሊ ዝጭፍልቕ ወተሃደራዊ ስርዓት ክትምክቶ እንተኾይኑ፣ ህዝቢ ምውዳብን እተን ዝተፈናጨላ ተቓወምቲ ሓይሊ ብሐደ ተጠርኒፈን ናይ ሓባር ስልቲ መቃለሲ (ብስትራተጂ) ኣንጻር ጥቕሚ ኩሉ ዝሰርሕ ከይኮነስ፣ ኣንጻር እቲ ሐደ ናይ ህዝቢ ጸላኢ ዝኾነ ስርዓት “ህግደፍ” ሓይለን ጠርኒፈን ዘይቃለሳ? ክዕወታን ህዝቢ ክሓልፈሉ እንተ ኾይኑ ኣብ ሓቅነት ዝተመርኮሰ ሕብረት ክምስርታ ዝዕንቅፈን እንታይ’ዩ? ቅንዕና ዝጎደሎ ስራሕ ንመንከ ከዕውት? “ንህግደፍን” ተበለጽትን። እዚ ርሑቕ ከይከድካ ዝተራእየ ውጺኢት ስለምንታይ ነተን ናይ ተቓወምቲ ሓይሊ “ህግደፍ” ኢና ዝብላ ውድባት ኮነ ሰልፍታት፣ ህዝባዊ ምትእኽኻብ (ወከልቲ) (Civic Association) ኮነ ብውልቆም ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለሱ ክስቆሮም ኣይከአለን ዝብል ሕቶ’ዩ ሕልናኻ ዘናውጽ።

ኣብ ሰማይን መሬትን ዘሎ ብትኣምር ክተላግቦ ምሕሳብ እንተዘይኮይኑ፤ ብስትራተጂ (ብስልቲ መደብ) ኣቃልሳኻ ከይሕበርካ፣ ዕላማኻን መትከልካን ከየነጸርካ፣ ሽም ምቅይያርን፣ ዕርቅን ፍትሕን ግለሰባት፣ ቅርሕንትን ልብን ከይጸፈፈ፣ ብናይ ድሌት ቁሩባት ዝግበር ናይ ጊዜ መጥፍኢ፣ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ ውራይ ስምዑለይ ረአዩለይ፣ ብቁጽሪ ምብዛሕ ዝፍታሕ ከምዘይኮነን፣ ከምዘይዕወትን እቶም ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ምውድዳብ ዝገብሩ ኣይስሕትዎን። ንኣስታት 13 ዓመታት ዘይሰርሐ ቃልሲ፣ ኣልቦ ስትራተጂን ቅንዕና ዝጎደሎ ጉዕዞ (Without a Road Map and Honesty) ንመን ከምዘርብሐን፣ ንህዝብና ከመይ ከምዝሃሰዮ ነቶም ፈሊጦም ዝጽይቁ ምሕባሩ ኣይድልን ይመስለኒ። ንኣባላቶም ከም ንብረት (ጥሪት) ናቶም ዝቖጽሩን፣ ኣብ ፈቐዶ ዝዓመረ ፖሊትካዊ ምሽብሻብን፣ ምሕሻሽን መፍትሒ ኣይረኣናሉን። ሕጂውን እቲ ሕቶ ህዝቢ ዝጠልቦ መሰረታዊ ለውጢ ወይ እቲ ጽገናዊ ቁሩባት ወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመርሖ ናብ ስልጣን መደየቢ መስርሕ ኢዩ ዝምረጽ?

እቲ ዘሕዝን፣ ብታሪኹ ኣፈላላይ ዘይነበሮ ህዝቢ ቅድሚ ነጻነት፣ ሕጂ ኣብቲ ከፈላልዮ ይኽእል ተባሂሉ ዝተመርጸ ዛዕባታት ሃጠው ቀጠው፣ ኣውራጃውን ሃይማኖታዊን ፍልልይ ከባልሑ “ብኣርእስቱ ካልእ፣ ብትሕዝትኡ ካልእ ዝኾነ ጽሑፋት ምንዛሕ ማለት፣ እቲ ቀንዲ ድልየት “ህግደፍ” ንህዝብና ንምብትታን ዘቕንዖ ጎስጋስ ክተዕውት እምበር፣ ሃናጺ ክኸውን ኣይክእልን። ንኣብነት አነ ከም ሰብ መጠን ሃይማኖተይ ክመርጽ መሰል ውልቀይ ክኸውን ከሎ፤ ኣውራጃይ ወይ ሃገረይ ወላ ብድሌተይ እንተነጸግኩዎ፣ እቲ ሓቂ ግን፣ ቀንዲ መበቆለይ ኮነ ታሪኽ እቶም ዝተወለድኩሎም ህዝቢ፣ ዝኾርዓሎም ስድራቤትን፣ ዘዕበኹዎም ደቀይ፣ ብውልቀይን ብድሌተይ መሰል መንነቶም ከጥፍኦ ኮነ ክድምስሶ ኣይክእልን። መሰል’ውን የብለይን። ናይ ሓባር መጸዊዒ ንውልቀሰብ ጥራይ ክትህቦ’ውን ኣይግድን። ንወዲሰብ ከአ ብሓንጎሉ ሓሲቡ ብዝገብሮ ግብሩ ክትሓቶን፣ በቲ ሕጊ ዘፍቅዶ መገዲ ክትምክቶን ኣለካ እምበር፣ ብሽም ኣውራጃ ኮነ ዝኣምነሉ ሃይማኖት ተጥቒምካ ክትውንጅሎ ባዕሉ ገበን ኢዩ። ካብ ምሁራት ከአ ንቕድሚት ዘሰጉም ሓሳባት ክምንጭን፣ ክኹስኩስን ዝግብኦ ኣርአያዊ ተግባራት ክንጸባርቕ ይግብኦ እምበር፤ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ንኹሉ ጻዕሪን ባህግን ህዝብና ዝጉትት ኣይምተገበአን።

ኣብ ስርዓተ ሕግን፣ ፍትሕን ዘየማሕድሮ ሃገር ከም ኤርትራ ትሳቐ ዘላ፣ ዝደለየ ሰብ ምስቲ ስርዓት ርኽክብ ዘለዎ፣ ዝኾነ ገበን ክጥቅዓልካን፣ ብዘይ ሓታቲ ከጥፍአካን ስለ ዝኽእል፣ ፍትሒን ሕግን ዘይቅይዶ መስርሕ ተጠቒምካ ኣብ ወጻኢ ዓድታት ክትወናጀል ሃገራዊ ሓላፊነት ዝጎደሎ ኮይኑ እረኽቦ። ንህግደፍ ዝደገፈ ኤርትራዊ፣ ዝተቓወመ ወያነ ዝብል ከፋፋሊ ስድራቤታት ኤርትራ ዘይተራእየ’ዶ ኮይኑ ወይስ ካብኡ ስለ ዘይተማህርና፣ ብዘይ ዕላማ ሸንኮለል ዘብል ጋል መገድን፣ ምጽልላምን፣ ኣብዚ እዋን ኣድሊዩናን፣ ኣይንረብሓሉን ምኻኑ እንዳፈልጥና መመሊስካ ምስዋሩ ዓገብ። ኣብ ኤርትራ ኣውራጃ ዘይብሉ ሰብ ብሓጺሩ ኤርትራዊ ኣይኮነን። ግና ንዓን ክጥዕመና መንነትኩም ሕኸኹ ዝብል ክሲ እንተኾይኑ፣ መሰል ከም ኤርትራዊ የብልካን ማለት እቲ ካልእ ዓይቢ ገበን ይኸውን።

ቁሩብ ጸኒሕኩም ጽላለትኩም ኣይትእመኑ፣ ንዑኡውን ኣውራጃዊ ኢልኩም ከምትኸሱ  ዝገብረኩም ሐደ ንጹር ባይታ ተቐምጡ አለኹም። ንሱ ኸአ ንሕና ዘይንቆጻጸሮ መሰል ክህሉ የብሉን ኢሎም ዝአምኑ “ህግደፋውያንን” ሰዓብቶምን ዘዕገርግሩ ድኹማት ጥራይ ምአኸሉ። መሻረኽቲ እዚ ድሑር ባህሊ ክንኮኖም የብልናን። ደረት ሕዛቲ መሰልና ዝዓብስ፣ ሓጹር ናይ ስልጣን ክበብ በብጊዚኡ ርእናዮን ረጊጽናዮን ሓሊፍና ኢና። “እንዳ ክውዕይ ብማንካ፣ እንዳ ክዝሕል ብኢድካ” ዝብልዎ ከምዚ ከጋጥም ከሎ’ዩ። ኣብ ናይ ኣቀላልሳ ስልቲ (Strategy) ክንፈላለ ንኽእል፣ ኣብ ኤርትርዊነት ምኻንን ዘይምኻንን፣ ተገዳስነት ብሃገርን ህዝብን ክመጽእ እንከሎ፣ ውልቃዊ መመዘኒ ዕምቆት ኮነ ኣረዳድኣ ክፈላለ ዝገብሮ ጅምላዊ መጸዊዒ ኣይኮነን። ዝሓለፈ ተመኩሮ ይኹን ወይ ሕጂ ብትዋሳኣሉ ዘሎካ ኣስተዋጽኦ፣ ንታሪኽ ይዕበ ይንኣስ፣ ብህዝቢ ጥራይ ክምዘንን፣ ተቐባልነት ክህሊዎን፣ ክንጸግን፣ዘለዎ ግብርና ጥራይ’ዩ።  ኩላህና እቲ ቅኑዕ ዲሞክራሳዊ ኣገባብ ኣብ ህዝቢ ክነኣታቲ ከለናን ብእኡ ክንምርሓን፣ ክንምእዘዝን፣ ንነብስና መጀመሪያ ኣሚና ነዕግባ። እንተዘይኮነ ዘዝሰማዕናዮን፣ ናይ ጸለመ ወፈራ ትርጉም ክንህቦን ክንዋጠጥን ፋይዳ የብሉን። ስራሕ መባኸሪ ጥራይ’ዩ ዝኾውን። ስራሕ ከአ ዘሞግስን ዘቃልል ርኡይ ውጺኢት ስለዝህልዎ፣ እቲ ፍርዲ ንህዝቢ ምግዳፍ።

ታሪኽ ሰውራና ካብኡ ዝገደደ ጸሊም ምስጥራዊ ታሪኽ ተሰኪሙ ንሓራ ኤርትራ ክኣቱ ከሎ ዝሓለፈ በሰላ ሕማም መንሽሮ ብዕልልታን ፍንጠዛን ምቕባሉ፣ ሽዑ ህዝብና ካልእ መንድዓት መንሽሮ ፈሊጥዎን፣ ይርሓሰና ኢሉ ከም ዝተቐበሎ ከስምዕ የብሉን። ብዘይ ናይ ፖለቲካዊ ባህሊ ብናይ ወተሃደራዊ መምሪሒ ዝመጽአ ጉጅለ ስለዝነበረ፣ እቲ ኣሰራርሓ ምስጥራዊነትን ዘይድሞክራሳዊ ኣገባብ ክጥቀም ኣብቲ ፈለማ እዋናት ቅቡል ነይሩ። ድሕሪ 23 ዓመታት ኣብ ስልጣን ብዘይ ተሓታቲነትን፣ሓላፊነትን ግን ቅቡል ኣይኮነን። ሐደ ስርዓት ደንጎላ ኣይኮነን። ንሚሊዮን ዓመት ኣብ ሐደ ቦታ ክቕመጥ ዝሓስብ ሰብ ጥራይ’ዩ እቲ ሽግርና። ካብ ከባቢኡ ዘይምሃር፣ ንህዝቡ ዘይሓሊ ስሱዑን ጨካንን መራሒ ብዘይ ሕጊ ኣቐሚጥካ፣ ንዓለም ክኸስስ ጥራይ ጊዚኡ ዘጥፍእ ብስሩ መንግስቲ ክባሃል ኣየሰምዕን። እቲ ሓቂ ግን ንሱ ነይሩን፣ ኢዩን። እቶም ኣብቲ ኮረሻ ስልጣን ዘወጥሕዎን፣ ሕጂው’ን ተሓባበርቱ ካብቲ ገበን ጥልመት ህዝቢ ተሓታቲነቶም ከሕይሎን፣ ብሓላፊነት ተጠየቕቲ ምኻኖም ንጎኒ ኣጸጊዕኻ ዕሽሽ ዝበሃል ኣይኮነን።

መብዛሕትኡ ግዱስ ዜጋ ብህዝቡ፣ ምስ ነፍስኻ ዝተቛየቑካሉን፣ ዝተባእስካሉን ጊዜ ውሑድ ኣይመስለንን፣ ኣይነበረን’ውን። እንታይ ደአ ናበይ ገጸና ንጓዓዝን፣ ምስ መን ንጎዓዝን ከም ዘለና ንጹር ካርታ ኣቐሚጥና ክንዲ ህዝቢን ሃገርን ከይንቃለስ ብዙሕ ዕንቅፋት ኣጋጢሙ።  ጉዕዞ  መደብ ቃልሲ ኣብቅድመና ዝተቐርጸ ስእሊ፣ ብዝድህሰስን ዝጭበጥን ናይ ፖሊቲካዊ ስምረት ክሳብ ሕጂ ኣየቐመጠን። ብተበለጽቲ ጥራይ ዝምራሕ ተቓውሞ ነቶም ብንጽህና ዝሰርሑ ስለ ዝዓብለለ፤ ህግደፍን መራሒኡ ክሳብ ክንድዚ ዝተጓዕዘ ኣመሓድርኡ ዘስዓቦ ወጽዓ ባዕሉ ዝፈጠሮ እምበር፤ ተቓውሞ ሓይሊ በሃልቲ ብዘይ ምግናን ሓገዘን ኣበርኪተናሉ። ኢሳያስ ዘመኻንየሉ ሻራ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ምባል ገዲፉ፣ እቲ ዓመት መጸ ዓመት ከደ ዝህቦ መብጽዓ ተጸንቂቕዎ ከይንብል፤ እቲ ፋብሪካ ሓሶትን ምድንጋርን ሓቑፍዎ፣ ንህዝቡ ግን ደርቢዎ፣ ኣብ ወርሒ ዝቕመጥ ኢሳያስ ምስ ስዓብቱ የላግጽ አሎ።

ንዓይ እመነኒ፣ ኣብኡ ነይረን ተሳቲፈን ዝቡሉ ኣካላት ወላ ኣስተዋጽኦም ብዙሕ ይንበር እምበር፣ ንሰላማዊ ህዝቢ ከማዕብልን ከማሕድርን ናይ ገድሊ ተመኩሮኦም ከምዘይከአለ ዓለም ብዓለሙ ዝመስከረሉ ሓቂ ኮይኑ። እቶም ተዋሳእቲ ኢናን ነይራን ዝብሉ ግን ነቲ ሓቂ ኩነታት ሃገርና ክነጽግዎን፣ ብህይወት ህዝብን ሃገርን ከሽካዕልሉን ካብ ተሓታትነት ነጻ ዝገብሮም ሓንቲ መገዲ ዕድመ ስልጣኖም ክሳብ ሞቶም ምንዋሕ ዝብል ምርጫ ስለዝመረጹ ጥራይ’ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ንዕቀት ህዝቢ የለን። እቶም ጀጋኑ ኣብ ውሽጢ ሃገር አለው ዝበሃሉ እንታይ ይገብሩ አለዉ? እቲ ሓራ ከወጽእዎ ዝግብኦ ህዝቢ ኣይምስኦም’ዶ ኣይኮነን ዘሎ? እቲ ድልድል ደአ ስለምንታይ ክሳብ ሎሚ ከይተሓስበ ጸኒሑ ክንብል ሕጂ ኣይንኽእልን። ነቲ ሓቂ ምኽሓድ እንተዘይኮይኑ፣ እዞም ኣብ ውሽጢ ሃገር አለውና ዝበሃሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፣ ሎሚ ኣይኮነን ብዛዕብኦም ምዝራብ ተጀሚሩ። ጸጸር መውሕጥቶምን፣ ናይ ምስጢር ብጾቶምን ግን ህዝቢ ከጋፍዑ እምበር ቁም ነገር ክሰርሑ ኣይተራእዩን። ነቶም ዝፈተኑ ምቕንጻልን ካብ ምኽሓድን ዓዲ አይወዓሉን።

እቲ ካልእ ጽውጽዋይ ከአ ሐደ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ጥራይ በቲ ኩሉ ገበን ተሓታቲ ገርካ፣ ነቶም መሻርኽቱን ናይ ገበን ብጾቱን ክትሓቁፍ ቅንዕና ዘለዎ ኣይመስልን። ብዝኾነ ግፍዓዊ ናይ ስልጣን ብዕለጋ ተጠቒሞም፣ ንጹሃን ዘጋፍዑን ዝቐንጸሉን ብሕጊ ዘይሓትት ለውጢ ንምጻጽ ንምታይ ላዕልን ታሕትን ይበሃል?። እቶም ዝጦሮም/ትጦሮም ውላድ ብግፍዒ ዝሰአኑ ወለዲ፣ እቶም ኣብኦምን ኣድኦምን ወይከአ ሐደኦም ወለዲ ዝተዓመጹ ዕሸላት፣ እታ መርዓት ወይ መርዓዊ ብጻይ ህይወቶም ብግፍዒ ዝተጨውዮም ዜጋታት ንፍትሒ እንታይ’ዩ መሰሎም?። ወይስ ከምቲ ኩሉ መሰሉን ናጽነቱን ዝተጨውየ ህዝቢ ኣይግድሰናን ንዓና እንተኾይኑ፣ ሕግን ፍትሕን ንተወጽዑ ዜጋታት ዘየኽብር፣ ዘይጣበቕ ዕልዋ፣ እንታይ ዓይነት ለውጢ ንምምጻእ ኢዩ እቲ ቃልስኹም?። ብደም ህዝቢ ዝተቓማጥዑ ጀነራላትን፣ ሰረቕቲ ንብረት ህዝቢ ተሓባብርቶም መቃልስትና ክትኾኑ ትኽእሉ ዝብል ናይ ምሕረት ጸዋዒት ምግባር ማለት ነቶም ግዳይ ግፍዖም ዝኾኑ ዜጋታት ካልእ ቅሉዕ ቅንጸላ እንዶ ኣይኮነን?

እታ ሓንቲ ዝተመዝመዘት ምኽንያት ንነዊሕ እዋናት፣ ኤርትራ ከም ሶማል ከይትኸውን ምጥንቃቕ የድሊ። ብኻልእ ኣዘራርባ ህዝቢ ኤርትራ ይጽነት፣ ይሰደድ፣ ኣፈቖዶ ሃገራት ይንከራተት እንተኾይኑ፤ እዚ ድአ ካብ ሶማል ዝገደደ እንዶ ኣይኮነን? እዚ ክትዕ በቶም ተዓሚቶም ዝጉተቱ ደገፍቲ “ህግደፍ” እንተዝኸውን ምንም ዘዛርብ ኣይነበሮን። ግና በቶም ንለውጢ ዝቃለሱ በሃልቲ ባእታት፣ ናይ ፍርሒን ጭንቀትን መንፈስ ዘሕድር ወፈራ፣ ብዝኾነ መለክዒ ናይ ቅንዕና ኣየከስምዕን። ግዳስ ስልጣን ዘይገብሮ ስለዘየለ፣ ብዝመጸ ይምጻእ ንዓና ይጥዓመና ምባሎም ጽባሕ ብታሪኽ ከምዘሕትት ንርድኦ’ዶ? መዋእሉ ዝግፋዕ ህዝቢ የለን።

እዚ ኸአ ኣንጻር እቲ ሓዲሽ ውዳሰ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ጥራይ ክእለ፣ እቶም ማሕበር እከይ ግብሩ ክቕጽሉ ኢልካ ዝግበር ጎስጋስ፤ ብትሕዝቶን ዕላማን ተጻራሪ’ዩ። እቲ ሽርሕን ጉርሕን ንሐደ ኢሳያስ ካብ ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብሊጽካ ንምርኣይ’ዩ ክኸውን ከሎ፣ ብኻልእ ሸነኹ ንስልጣን ኢሳያስ ንምዕቃብ ዝግበር ወፍሪ ኮይኑ፤ ኣብ ወጻኢ ዓድታት ብዝነብሩ መሓውር ስርዓት ጎብየ ዝናፈስ ሕማቕ ጨና ህግደፍ ዝተጠንሰሰ ክብሎ። ብኽልተ እግሮም ኣብቲ ስርዓት ዘለዉን፣ ብሐደ እግሮም ኣብ ተቓውሞ በቲ ሐደ ምስ ህግደፎም ናይ ተበለጽቲ መርገጽ ሒዞም ዝጋዓዙ ብዙሓት አለዉ። እታ ሓንቲን ብልጽትን ዓቕሞም ከአ ከይሓፈሩ ንጹሃን ዜጋ ምጽላምን ምንጻልን ዝገብርዎ ዘሕፍር ስራሕ ኢያ።

ብዝሒ ተቛወምቲ ጋንታት ውሒደን ኣይኮነን እቲ ሽግር። ብምብዝሐን እምበር። ከም ዕላማን መትከልን ክራኸባን ሓቢረን ክሰርሓን ሕጽረት ድልየት ኣዝዩ የሳቕየን ስለዘሎ፣ ሕማም ፍልልይ ኣብ ክጸበሉን ክፍትሓን ኣብ ዝድለየሉ እዋን ክራብሓ ንመን የኽስቦ። ከምቲ ሐደ እዋን ንኢሳያስ ሐደ ወጻእተኛ ጋዘጠኛ፣ ብዛዕባ ምቓም ሰልፊ ብዙሓት (Multi-Parties) ምስሓተቶ፣ ሰለስተ ሚልዮን ከምዘለዋ በቲቁጽሪ ህዝቢ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ትዝክርዎ ትኾኑ። ኢሳያስ ግን ረሲዕዎስ ብኻልእ እዋን ነቲ ሐደ ተመሳሳላይ ሕቶ ክሕተት ከሎ ዝሃቦ መልሲ ቃንጢሻ(Mushroom) ኣይኮናን ሱቕ ኢሉ ዝራባሕ በለ። እዚ ኸአ እቲ ስርዓት መምሪሒ ፖሊሲ (Policies) ወይ ትካል መምርሒ(Institutionalize) ከምዘይድሊዮ ዘረጋገጽሉን፣ ወናኒ ሃገር ንነብሱ ዘጠመቐሉ። እቲ ሕቶ ሰለስተ ሚልዮን ንግበረን ወይ ሃገር ዘፍረዮ ደሞክራሲ (Home Made Democracy) ትም ሕትም ብሓንቲ “ህግደፍ”?። በሉ ሃየ ሕሰብሉ።

ህዝቢ፣ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ክከታዓሉን ክውስንን፣ ሰፊሕ መደባት ብኣኼባታት መልክዕ ክካታዓሉ ዘድልዮ ብምኻኑ፣ እዚ ክልተ ቃራና መገዲ  ናይ ቃልሲ መደቡ ከነጽር ናይ ግድን’ዩ። ስዓቡና ጥራይ ምባል ድሕሪ ሕጂ ዘቃልስ መድረኽ የብሉን። ንአብነት ሐደ ከልቢ ነቶም ተኻሉ ብምምሳሉ ምስኦም ኮይኑ ነትን ክሕልወን ዝወፈረ ኣብጊዕ ይሃድነን ይቐትለንን ነይሩ። ጊዜ ምስ መሰ ከአ ምስቶም እሙናት ኣኻልብ ነተን ኣባጊዕ ክሕልውን፣ ካብ ተኻሉ ክከላኸሉን ዝወዓሉ  መሲሉ ዓዲ ይኣቲ። ኣብ መወዳእታ ግን፤ እቶም ተኻሉ ከልቢ ምኻኑ የለልዩ፣ እቶም ኣኻልብ ከአ ምስ ተኻሉ ከምዝውዕል ፈለጡ። ክልተኦም ወገን ከአ ነጺሎም ምጽጋዕ ይአቢዎ። ድሕሪኡ ጭንቀት ምስሓደሮ ናይ ግድን ክውስን ከምዘለዎ በርሃሉ። ከልቢ ወይ ተኹላ ኮይኑ ጥራይ ቀሲኑ ክነብር እምበር ክልቲኡ ክኸውን ከምዘይክል ተረድኦ። እስኪ ምርጭኡ እንታይ ክኸውን ትብሉ? ጠላማይን ዘኾለሰ ኢድ ነኻሳይ ወይ ቅንዕናን ሓቅን ዝለበሰ ሓላዊ እንተን የዋሃት ኣባጊዕ ኣብኡ እምነት ዝተነብረለን ክሕልየን ይመርጽ ትብሉ?

ቃልሲ ህዝቢ’ውን ምርጫ አለዎ። ንሕና’ውን ምስ ውጹዕ ህዝብና ንመሰሉ ክንጣበቐሉ ምውጋን ወይከአ ተበላጺ ኮይንካ ምስ ገፋዒን ኣረመነ ውልቀ መላኺ ዝምራሕ ስርዓት ተሻሪካ ውልቃዊ ጥቕምኻ ብሕቡእ ኮነ ብቕሉዕ ምግልጋል ክንመርጽ መሰልና’ዩ። ብሕሱርን ድሕሩን ኣተሓሳስባ ኣውራጃነት ኮነ ሃይማኖት ኣይነመኻኒ። እምነትናን ኣተሓሳስባናን ወሰንቲ ባዕልና እምበር መጸውዒ መረት ወይ ዓሌት ኮይኑ ኣይፈልጥን። ኤረትራውያን ምስ ኤረትራውያን ጥራይ ኣይኮነን ርክብና። ምስ ዓለም ዘዛምድን ዘራኽብን ሰፊሕ ጎደና ከሎ፣ ብጸቢብ ናብ ድኽነትን ስቓይን ዘምርሕ ጎደና ምምራጽ ኣይጠቕመናን። መጀመሪያ ተበደልቲ እቶም ክትኸስብዎም ትሓስቡ ሰዓብቲ ጸቢብ ኣተሓሳስባ እምበር፣ እቲ መብዛሕቲኡ ህዝብና ሽግሩ ገፋዕን ጨካን ኣመሓድራ ኣረመነ ስርዓት ህግደፍን ሰዓብቱን ምኻኑ ኣይስሕቶን። ንሕናም ኣይንስሕቶን።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብና

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

ውድቀት ንገፋዒ ህዝብናን ኣጫፈርቱን

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

 

“ሕልና 02-16-2014”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Haki tukun sandana February 18, 2014

    Good point

  • Haki tukun sandana February 18, 2014

    Good article.

  • Berhane Kidane February 18, 2014

    well-balanced and analyzed educational article
    thanks

  • ZEGiRM February 18, 2014

    k ewetn hzbi khalfelu entkoynu tekawemti wdbat ab haknet ztemerkose hbret kmsrta zqnkfen entay iu ? zegerm iu nay eritrea!!!!!!!!!!!!!

  • Medber February 19, 2014

    Selemon Berhane Sengal.
    I really appreciate your article,we need more constructive articles from you and also Amaniel ( Assenna).
    Thank you though.

  • Truly Truly i say to you February 20, 2014

    ናይ ብሃቂ መሳጥን ረዚንን መልዕኽቲ እዩ ኣቶ ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል ኣቕሪብካ። ግናስ፣
    “ኣንጻር እቲ ሓዲሽ ውዳሰ ናይ ፕሮፓጋንዳ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ጥራይ ክእለ፣ እቶም ማሕበር እከይ ግብሩ ክቕጽሉ ኢልካ ዝግበር ጎስጋስ፤ ብትሕዝቶን ዕላማን ተጻራሪ’ዩ።” ኢልካ ክትዛረብ ከለኻ፣
    ናይብሃቂስ ከም ኢሳያስ ነቶም መሳርህቱ ዝኾኑ ሰበ ስልጣናት ኒኢቁ፣ ንሃገር ከምውልቃዊ ሃብቱ ቢሂቱ ኣብ ሕዝቢ ዘሽካዕልል ውልቀ መላኺ ኣብ ዓሎም´ዶ ተራእዩ ይፍለጥ እዩ? ስለዝኾነ ከመይ ገሩ ዋላ ነዚ በላኢ ሰብ ጥራህ ብምቅዳም ካብስልጣን ምልጋስ በኣኻ ወገን ከምጌጋ ክትርእዮ ኪኢልኻ? ማለተይሲ እቶም ኢሳያስ ጥራህ ይወገድ ዝብሉ ከመይ ገሮም ጸላኢ ሕዝቢ ኤርትራን ሃገርን ክኾኑ ይኽእሉ? እንታይ ንማለት ከምዝደለኹ ዝሰሃትካዮ ኣይመስለንን። ብሃጺሩ ናይ ኢሳያስ ብም ቅድም ካብስልጣን ምውጋድ፣ ንባእሉ ኣቢ ኣወት እዩ። እቲ ካልእ ብድህሪኡ ክህሰበሉ ዝኸእል ጉዳይ ይመስለኒ። ስለዚ ጸላኢ ደይምብዛህ ጥበብ ምኻኑ´ውን ደይምዝንጋዕ ኣገዳሲ ይመስለኒ።

POST A COMMENT