Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ 2017-18 ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን

ካብ 2017-18 ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን (ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ) ኣቐዲመ ንማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ፣ ሓድሽ ውደባን ኣሰራርሓን ኣማዕቢላ፣ ንዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም ጸሓፍቲ ከተተኣናግድ ብዝገበረትልና ዕደመ ዝለዓለ ምስጋናይ አቕርብ። ኣስዒበ ከኣ

ካብ 2017-18 ክኸውን ዘለዎ መድረኻዊ ዕማም ፖለቲካዊ ውድባትን፣መንእሰያትን፣ ህዝብን

(ንበዓል ግንቦት 24, 2017 ኣብ ሳንድየጎ ዝተዳለወ)

ኣቐዲመ ንማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ሳንድየጎ፣ ሓድሽ ውደባን ኣሰራርሓን ኣማዕቢላ፣ ንዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለዎም ጸሓፍቲ ከተተኣናግድ ብዝገበረትልና ዕደመ ዝለዓለ ምስጋናይ አቕርብ። ኣስዒበ ከኣ ንኹልኹም ኣባላትን ኣጋይሽን ዕድሜና ኣኽቢርኩም በዓል ነጻነትና ብፍሉይ ኣገባብ ንምብዓል ምምጻእኩም አመስግን። ካብኡ ቐጺለ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ 5 ዓመታት ብተኸታታሊ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ከኣ ብፍላይ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያንን፣ ካልኦት ኣፍላጋትን ህይወቶም ዘጥፍኡ ዘለዉ መንእሰያትን፣ ህጻውንትን ኣዴታትን፣ ብምዝካር፣ ንዓኣቶም ነፍሳቶም ክምሕር፣ ንቤተሰባቶም ከኣ እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ክህቦም፣ ንሃገርና ከአ ጸሎት ክቡራት ወልድና ሰሚዑ፣ ሃገርና ካብቲ፣ ናብዚ ጥፍኣትዚ ዘብጸሐ ሰርዓተ ምሕደራ ኣናጊፉ ናብ ሰላምን ብልጽግናን ስኒትን ዘለዋ ሃገር ከብጸሓና ብምልማን መልእኽተይ እጅምር።

መበል 26 ዓመት መዓልቲ ነጻነት፣ ማሕበር ስኒት ኤርትራውያን ንማሕበራውን፡ ሲቪካውን መሰለሰብኣውን፣ ፖለቲካውን ዕማማትና ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ንነዊሕ እዋን በዂሩ ዝጸንሐ ናይ ኤርትራውያን ናይ ባዕሎም ማእከል ኣብ ሳንድየጎ ንምውናን ብርክታት ማሕበርና ብትካል ደረጃ ንኽምስረት ዝዓለመ ተበግሶ ምውሳዱ ዘሐብን ቅዱስ ዕላማዩ። ንሕና ነቲ ኣብ ሃገርና ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብኩሉ እንትናዊ ኣገባብ ቃልሲ ክእለ ከም ዘለዎን፣ ብኣምሳይኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ፣ ቅዋማውን ዴሞክራስያውን ስርዓት ክትከል እንኣምን ኤርትራውያን ኢና። ካብዚ ብምብጋስና ድማ፡ ዋላኳ ኣብ መንጎና ዝተፈላለየ እምነት ፖለቲካዊ ፕሮግራማትን፣ ስነሓሳባትን፣ ይሃልወና እምበር፡ ቀንዲ ፖለቲካዊ ዕላማና ግን፣ ራህዋ ህዝብና ንምውሓስ፡ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ምስዝእለ እዩ ዝብል ሓባራዊ  ጽኑዕ እምነት ስለ ዘለና እዩ።

ኣብ ልዕሊዚ መሰረታዊ እምነትዚ፣ ማሕበራዊ ስኒትን፣ ቁጠባዊ ትካልን ጌርና፣ ኤርትራዊ ማሕበራዊ ስኒት ብምምስራት፣ ንወለዶታት ዝሰጋገር ሓወልቲ ማእከል ኤርትራውያን ሳንድየጎ ተኺልና ንምሕዳግ፣ ካብኡ ንላዕሊ ሓሊፍና እውን ደረጃ መነባብሮና ንምብራኽ፣ ቁጠባዊ ስትራተጂ ተኸቲልና ጸጋና ከነኻዕብት፣ ምስ እንኽእል፡ ዋላውን ኣብ መዋእለ ህይወት ዕድመና እንተዘይተመዝገበ፡ መጻእቲ ዜጋታትና ግን ካብ ዘሕልፍናዮ ደረጃ መነባብሮ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ ዝእምት መርሆ ኣቐሚጡ ምህላዉ ዘዅርዕ ስጉምቲ እዩ። ኣብዚ ጉዕዞዚ ንምዕዋት ግን፣ ንሕና ነፍስና ከም ደለይቲ ፍትሒ እንቖጽር፣ ፍትሒ ኣብ ነፍስናን፣ ብጻይናን ክንጅምራ፣ ንዝበደለ ብግቡእ ክንመክር ወይ ክነቕፍ፣ ንዘገልገለ ከኣ ከነምስግን ምስ እንርከብ ጥራይ ፍትሐኛታት ከብለና ዝኽእል።  ንሓደ ደላይ ፍትሒ፣ ዘይተኣደነ፣ ህድግለና ዘይብሉ መጥቃዕትታት ከነዝንብ እናወዓልና፣ ንጽብሒቱ ግን ካልእ ሓዲሽ ደላይ ፍትሒ መዝጊብና ክንሓድር ዝሕለም ኣይኮነን።   ሓለይትን ፍትሐኛታትን ምዃና ንህዝብና ብተግባር ክንምህር እንተዄና ከኣ ኣብነታዊ ዝኾነ ዓዳሚ ባህርያት ከነርኢ ይግባእ። ብኻልእ ሜዳይ ሓሳብና ንምግላጽ ብስርዓት ህግደፍ ተሓሪሙና ከሎ፣ ተመሊስና ግን ናይ ሓሳብካ ምግላጽ ነጻነትና ዘሕጽርን፣ ዝዓግትን፣ ባህልታት ብምትንእጋድ፣ ንናይ ባንዴራታት ታሪኽ ነታ ሓንቲ ህዝባውነታን ታሪኻን ብምኽሓድ፣ ነታ ብቕዋማዊ ሕጊ ዘይተዋሕሰት ግን ከኣ ኣህጉራዊ መወከሲ ቦታ ሒዛ ዘላ ካልኣይቲ ባንዴራ ከኣ፣ ብኣኣ ተዓስኪሮም ንዝሓለፉ መንእሰያት  ዜጋታትና ኣብ ጎድንና ንምስላፍ፣ ንእንጥቀመሉ ኣገባብ ቃልሲ ዝዅንን፣  ካብ ናይ ክልቲኡ ዋንነታት ኣዘናቢሉ ሃገራዊ ስሚዒትካ ኣትሒቱ፣ ዕማማትካ ዘፍዝዝ ምዃኑ ብተግባር ክንዕዘቦ ዝጸናሕና ተርእዮ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣተሃላልዋና ካብ ቆላን ከበሳን ናብ ዝተሓተ እንዳታትን፣ ኣውራጃታትን ወሪዱ ከይኣክል፣ ንመሬታት ኤርትራ ከይተረፈውን ንገለ ሃይማኖት ከም ዝብጽሖ፣ ንገለ ሃይማኖት ከኣ ከምዘይብጽሖ፡ ገለን ዓደልቲ መሬት፣ ገለን ከኣ ተዓደልቲ መሬት ዝቖጽር፣ ብፍላይ ድማ ብኣግኣዝያን ዝግለጽ፣ ብስርዓት ህግደፍ ዝዋፈር ምንቅስቓስ ክሳብ እስላም ኤርትራውያን ዋንነት መሬት ኤርትራ ዘይግብኦም ጌይሩ ዝርኢ ሓደገኛ ማዕበል ብኤርትራውያን ሃገራውያን ዜጋታት ተበዲሁ፣ ናብ ምቕሃም ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ እዩ። ብዘይካ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፣ ክልተ ንሃገራውን፣ ነጻነታውን፣ ልዕላውነትን ኣዕኑዳት ዝነቓንቕ ማዕበል ክስራሕ ጸኒሑዩ። ንሱ ከኣ፡-

1ይ/ ብደገፍቲ ህግደፍ ዝዋፈር ንሕና ኤርትራውያን፣ ደኣምበር ሓበሻ ኣይኮናን። ምስ ትግራይ ዝኾነ ይኹን ዝምድና የብልናን፣ እናበሉ ምስ ነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ፣ ኣብ ኤርትራ ዝዓስከሩ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስትራተጂያዊ ዝምድና ዝገብር።

2ይ/ ናይዚ ግልባጥ ገጽ ድማ ኤርትራ ነፍሳ ከተመሓድር ዘይትኽእል ካብ ኢትዮጵያ ክትፍለ እውን ከምዘይግባእ ዝኣምን ናይ ገለ ኢትዮጵያን ዜጋታት ሓደገኛ ወፈራ፣ ዋላ ንከተማና ከይተረፈውን ጸልዩ ከሰልክየና ዝጸንሐ ተርእዮ ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን።

ኣብዚ፣ እዞም ኤርትራውያን ይኹኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት እዚኣቶም ክርድእዎ ዘለዎም ሓቂ፣ እቲ ብደምናን፣ ቃልስናን ተበዲሁ ብኣህጉራዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ነጻነትን ልዕላውነትን ኤርትራ ንምድምሳስን ንምንቕናቕን ዝህቕን ሽርሒ፣ ኣብ ሃገርና ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንመዋእላት ጸጥታ ዝዘርግ፣ ሰላምን ምርግጋእን ንኸይህሉ ብተግባር ምስራሕ ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ኤርትራ ከም ሃገር ክትህሉ፣ ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ሃገራዊ ሓድነትን፣ ቀንዲ ረቋሒታት ስለዝኾኑ ከኣ ካብ ብሄራዊ ኣተሃላልዋ ዝተሓተ ኣተሓሳስባ፣ ኣብ መታሕት፣ ንትግረ ኣብ ቤትማዕላን፣ ቤት ኣስገደን፣ ማርያ ቀይሕን ጸሊምን ወዘተ.. እናበለ፣ ኣብ ከበሳ ከኣ ሓማሴን፡ ሰራየን ኣከለጉዛይን እናመቓቐለ ዝዋፈር ምንቅስቓሳት፣ ንደሞክራስያዊ ዓወታትና ዘደናጒ ደኣምበር ዘቀላጥፍ ኣይኮነን። ነታ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንምስዓር ልዕሊ ሸሞንተ ብሄራት እትጥርንፍ ኤርትራ፣ ኩሉ መልክዓት ሃይማኖታውን ኣውራጃውን ፍልላያት ኣወጊድና፣መሬት ኤርትራ ኣኻኺብና፣ጋሽሳሕለባርካን ሓምሰረጉዛይንደንከለሰምሒትን፣ ጠሚርና፣ደሴታትና፣ ወሲኽና፣ ሰራዊት ኤርትራ ኣኽቲትና፣ መንእሰይ ኤርትራ ብሓባር ኣሰሊፍና፣ መላእ ሓይልታት ህዝቢ ኤርትራ ጠርኒፍና፣ ብምውፋር ጥራይ ኢና ንስርዓት ህግደፍ ክንስዕሮ እንኽእል። እዚ ክብል ከለኹ ግን ንኩሉ ብሄራውን፣ ሃይማኖታውን፣ ባህላውን፣ ብዙሕነት ኤርትራ ኣብ ሓደ ቁራዕ ጠጢቕካ፣ ሓደ ህዝቢ፣ ሓደ ልቢ ብዝብል ጽንሰሓሳብ ወይ ህግደፋዊ ጭርሖ ኣማዕቢልካ ክንቅጽል ማለተይ ከም ዘይኮነ ርዱእ ክኸውን ይግባእ። መጻኢት ኤርትራ ውልቀ ዜጋ መሰሉ ብዘይደረት ዝኽበረላ፡ ስድራ ቤት ከም ዝነኣሰት መበቆል ዜግነትና ተቆጺራ፣ ጽንጽያ ዓይና ዘንፍረላ መንግስቲ ተመሊሱ ከይመጽእ፡ ኣቦን ኣደን ደቆም ብጭዋ ባህልን፣ ስነ ስርዓትን ዘዕብዩላ፣ ደቆም ድማ ተማሂሮም፣ ብዝመረጽዎ ዓይነት ስራሕ ተዋፊሮምን ሃገሮም ክሃንጹን፣ ሰቦም ክናብዩን ዘለዎም ነጻነት ምስ ዝረጋገጽ ጥራይ እዩ፣ ትርጉም ነጻነት ሓይኽካ ዝወሓጥ መኣዛ  ኮይኑ ከነስተማቕሮ እንኽእል። ኣቦን ኣደን ዘይውንንዋ ስድራ ቤት፣ ከም ሽላን ኣሞራን፣ ወይውን ከም ወኻርያን ዝብእን፣ ዝኣተውወን ጥሪት ደቆም እናተመንጠሉ፣ መጋበርያ ጎይቶት ህግደፍ ክኾኑ፣ ብሁጋት ደቂ ኣንስትዮና ከኣ ተተመሪጸን መዝናግዕን መጻወትን፣ መኮንናት መንግስቲ ኤርትራ ክኾና ኢልካ ምዕባይ ግን፣ ትርፉ እዛ ንታሕቲ ገጻ እናንቆልቆለት ትኸይድ ዘላ ሃገር ምስራሕ ማለትዩ። ካብዛ መበቆላዊት መበገሲ ስድራቤት ጀሚርና፣ ምስ ጎረቤትና ብምቍራን፣ ዓድናን፣ ወረዳታትናን፣ ባዕልና ኣብ ገለ ብዘመናዊ፣ ኣብ ገለ ከኣ ብያታዊ ርእሰ ዘይምእኩል ምሕደራ ተመሪሕና ባህልናን፣ ሃገርናን፣ መንነትናን ክንመልስ፣ ምስ ጎረባብትና ተሳኒና ከኣ ኣካል ዞባውን ዓለማውን ማሕበረሰብ ብምዃን እጃምና ከነበርክት ግዜኡ ዝኣኸለ እመስለኒ።

ኣብ ፖለቲካዊ ደንበ ተቓውሞ ዘይተባህለን፣ ዘይተጻሕፈን፣ ስለ ዘየሎ ንትፈልጥዎ ክደጋግመልኩም ምርጫይ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ንሰራዊት ኤርትራን፡ ንፖለቲካዊ ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዓው ኢልካ ክበሃል ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ።

  1. ቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡-

ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ ምስ ህዝብን ሲቪክ ማሕበራትን ኮይኖም፣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ መስሪቶም ካብ ዝብገሱ ዓመታት ኣቁጺሩ ምህላዉ ዝፍለጥዩ። እዞም ፖለቲካዊ ውድባት እዚኣቶም፣ ንልዕሊ 600 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ መላእ ዓለም ኣኪቦም ዘበገስዎ ዓቢ ዕላማ ክፈሽል ከም ዝገበሩ ባዕላቶም ዝተቐበልዎ መደምደምታዩ። እዚ ክንብል ከለና ግን፣ ካብ ዓቕመን ንላዕሊ ኮይኑ ሶሊኾም ዝኣተዉ ዕሱባት ህግደፍ እውን ኣብ ምፍሻሉ ቀሊል ተራ ከምዘይተጻወቱ ርዱእ ክኸውን ኣለዎ። ብሕጂ ዝቕጽል ባይቶ እውን ኣብ ሓጋግን ፈጻምን ቤት ጽሕፈታቱ ብናይ እንተሊጀንስ ምሁራት ጸጥታ ዝከታተል ኣካልን፣ ናይ ሕጊ ምሁራት ዘለውዎ ፍርዳዊ ኣካልን ተዘይሃልይዎ ተመሳሳሊ ፍሽለት ክገጥሞ ምዃኑ ክንስሕቶ የብልናን። እዚ ምስ ዝግበር፣ ሕጂውን እንተኾነ ብመሰጋገሪ መድረኽ ኣቢሉ፣ ናብ ህዝባውን፣ ቅዋማውን ስርዓት ዘሰጋግር ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ እቲ እንኮ ምርጫ ዓወት ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ። ስለ ዝኾነ ድማ ናይ ኣዋሳ ከሎ፣ ኣብ ናይሮቢ፣ ናይ ናይሮቢ ገዲፍካ ድማ ናብ ድስከላን፣ ፍጹም ልምሰትን ካብ ምእታው፣ እቲ ንምድሓኑ ተባሂሉ ዝተጀመረ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ካብ ሕዳር 2016 ክሳብ ግንቦት 2017 ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዘተ፣ ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ተመጢጡ፡ ውድባት ንህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ሒዘንኦ ተዘኒበን ከም ዘለዋ ብተግባር እንርእዮ ዘሎና ሓቂዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ግን፣ ፖለቲካዊ ውድባት ነዚ ን2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምብጻሕ ገቲሮም ዝሓዙ ምንያታት ባእታታትን፣ ፖለቲካዊ ውድባትን ንህዝቢ ብግሉጽን ጭቡጥን መንገዲ ከቕርቡ ምስ ዘይኽእሉ፣ ህዝቢ ኣብኦም ዘለዎ ርእይቶ ክጽንቕቕ ምዃኑ ክበርሃሎም ይግባእ። ስለዚ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017፣ ነዚ ዝምልከት ኣዋጅ መግለጺ ንህዝቢ ከቕርቡ ምስ ዘይበቕዑ፣ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2017፣ ህዝቢ ኤርትራ ምርጭኡ ክወስድ ክንገሮ ይግባእ።

  1. ሰራዊት ኤርትራ፡-

ሰራዊት ኤርትራ ተሓንጊጥዎ ዘሎ ብረት፣ ህዝቡ ካብ መቁሕ ማእሰርትን፣ ጥምየትን፡ ስደትን፡ ድኽነትን፡ ድንቁርናን ዝተፈላለየ ቀዛፊ ሕማማትን፣ ዘየድሕን እንተኮይኑ፡ ዕላምኡ ንምቾትን ዕቤትን መኳንንቲ ስርዓት ህግደፍ ደኣምበር፣ ንድሕነት ህዝቡ ዓጢቑ ዘይምህላዉ ብግቡእ ክርዳእ ኣለዎ። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ እንኮ ምርጭኡ፣ ተበግሶ ኮሎኔል ስዒድ ሕጃይ ብዝኣረመ መንገዲ ምድጋሙ እዩ። ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ ታንከኛ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ኣብ ኣስመራ ፎርቶ በጺሑ፣ ኣብ ከበባ (ኮርዶን) ጸላኢ ካብ ዝኣቱ፣ ንዶብ ኢትዮጵያ፣ ጅቡትን፣ ሱዳንን ተጸጊዑ፣ ብድሕሪት ብደለይቲ ፍትሕን፣ ፈተውቲ ሃገራትን ኢጋድን፣ ክሳብ ዓለምን እውን ተደጊፉ እንተዝኸውን፣ ዝተረፈ ክፍለ ሰራዊት፣ ዝተሓዝኣሉ ደጀን ተጠቒሙ፣ ነቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣእትዩ ክግምጥሎ ምኸኣለ ነይሩ። ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ሓርነት ኢድኩም ንጀብሃን፣ ሻዕብያን እንተሂብኩም፣ክሓርድኹም ኢዮም እናበለ ደርጊ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ዘፈራርሖም ዝነበረ፣ ደጀን ዶብኩም ከይትጥቀሙ፣ ብኽድዓት ከይትኽሰሱ ክትብሉ ተፈራሪሕኩም ምንባር፣ ሃገር ናብ ውድቀት ክትጥሕል ኢድኩም ኣጣሚርኩም ከም ምርኣዩ ዝቁጸር። ሰራዊትኩም ተሰዲዱ ዘርኡ ምስ ጸነተ ከኣ ሃገር ኣብ ኢድኩም ክትሓወየኩም ምዃና ትስሕትዎ ኣይመስለንን።

  1. መንእሰይ ኤርትራ፡-

ከምቲ ብ1974 ስነጥበባዊ ተኽልኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ንዓናይ ንባሕሪ ንሓደ ዓመቴ ኢሉ መንእሰያት ከካብ ዘለውዎ ዘበገሶም፣ ሕጂ ከኣ ኪሮስ ኣስፍሃን፣ካልኦት ስነጥበባውያንን፣ ሕጂዩ እዋኑህዝብም ኣድሕኑ ይብሉ ኣለዉ። ዘመነ ዓወት ብስነ ጥበባውያንዩ ዝግለጽ። እሞ ሃገርኩም ጠንጢንኩም ካብ ምኻድ፣ ንምህዳምኩም ቀንዲ ረቛሒ ምኽንያት ዝኾነ ጸላኢ መኪትኩም፣ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ከተድሕኑ ከቢድ ትጽቢት ይግበረልኩም። ኣብ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ስደት፣ ስደት ኣይኮነን። መበቆልናን፣ ዘርእናን፣ መንነትናን ዘጥፍእ ኣዋጅዩ ተኣዊጁልና ዘሎ። ጽባሕ ትምለስሉ ዓድን፣ ግራትን፣ ኣደራሽን ኣይክህሉንዩ። ታሪኽ ፍልስጤማውያን ከኣ ዓቢ መወከሲ ይኹንኩም። ሃገሩ ሓዲጉ ዝወጸ ሃገር የብሉን። ብድሕሪዚ ኩሉ ከኣ፡ ግፍዕን መከራን ከም ሕማም ሕርሲ ተረሲዑ፣ ተመሊስካ ኣብ ግዳም ዑቕባ ምስ ረኸብካ፣ ተጣዒሰ ምባል ድማ፣ ትፋእካ ምልማጽን፣ ክልተ ሞት ምማትን ጥራይ ኢዩ ዘርኢ። ኣንቱም ኣብዚ ወፍርዚ ቅጥዒ ከተምልኡ ተዋፊርኩም ዘለኹም ደገፍቲ ስርዓት ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ጥፍኣት ህዝብና፣ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ብልሽዋት መራሕቲ ንላዕሊ ተሓተትቲ ምዃንኩም ክትፈልጡ ይግባእ።

  1. ህዝቢ ኤርትራ፡-

ኣቦታት ጸልዩ! ኣዴታት ኤርትራ ከኣ ብሓቂ ጸልያ፣ ናይ ልብኽን ጸልያ! ኣብ ግዜ ሓርነት ኣምላኽ ሓቀኛ ጸሎትክን ሰሚዑ ኣስሚሩ ድሌትክን ሂቡክንዩ። ንወድቀት ደርጊ ዝገብርክንኦ ጸሎት፣ ንጥፍኣት እዚ ጨካን ስርዓትዚ ከኣ ድገምኦ። ኣብ ወጻኢ ትነብሩ ዜጋታት ምምልላስ ኣስመራ ይኣኽለኩም። ተምጽእዎ ዘለኹም ወረታት፣ ዘመላልስ ዘይኮነስ ሃጽ ኢልካ ገለ ዘግብር ግፍዕታት ጥራይ እዩ። በጃኻትኩም ብተቓወምቲ ብዙሕ ኣይተማርሩ። ኢድኩም ከይሓወስኩም ክቐንዓና ኣይትጸበዩ። ሃየ ካብ 2017-2018 ንኣስመራ ትገብርዎ መገሻታት ደው ኣቢልኩም ናብ ደለይቲ ፍትሒ ተጸንበሩ። ንሓደ ዓመት መገሻን፣ 2% ምኽፋል ደው ከተብሉ ብትብዓት ኣውጁ። ማሕበረትም (ሳይለንት ማጆሪቲ) ወሲኽካ፣ ካብ ተቓወምቲኮ ንስኹም ትበዝሑ፣ ገንዘብኩም ይኽዕብት፡ ድምጽና ምስ ድምጽኹም ተደሚሩ ከኣ ዝያዳ የድምዕ፣ ሃየ ስለ ህዝቢ ኤርትራን፣ ስለ ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያት ደቕናን፣ ኢደይ ኢድካ ኢልና፣ ሃገርና ብሓባር  ነድሕን!!!

ዎደሓንኩም!

 

ሃይለማርያም ተስፋይ

 

ሳንድየጎ ካሊፎርንያ

 

 

 

ግንቦት 28, 2017

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • k.tewolde June 2, 2017

    It is a sobering and timely call.Thank you Hailemariam.

    • k.tewolde June 3, 2017

      By the way,did anybody mentioned you look like Sammy Davis Jr.? Your just hit 509 footer.One of the best articles written in this medium.

      • Gezae June 11, 2017

        Please do not be paper tigers. Let me frankly tell you one thing, there was a moment like you are when I said, I’d like to take this and run with it, and then you know, I put my head on straight and think about what I am getting into. Now my advice brothers and sisters, I mean for those who are looking to pick up old fights/struggles, everything has already gone, better not waste your time. So better you join hands instead. Join hands in to the biggest challenges of all where we all win; the battle for the survival and progress of our one and only country.

  • Yemane_up June 4, 2017

    Speaking of San Diego i will say the weakest city to fight hgdf we only speak no action. even last year (5/24/2016) pro hgdf get recognized by city council members as the only Eritrean community in san Diego just two people showed up to demonstration that out many people my point is time to smart action enough Generally talking.

  • Hailemariam T Tesfai June 5, 2017

    Kbur haw Yemane, If you know this much about San Diego, I think you are now aware that we are much better organized now than past year, and your input, and positive contribution is valuable in the struggle against dictatorship. San Diego’s contribution towards justice and democracy in the past 20 years is enormous.

    • Yemane_up June 5, 2017

      I don’t think so, wedi Beyene and you has your owen group ironicly both you guys work for bayto wedi Beyene bring this group form England and you bring form addi Ababa blaming each other forgotten hgdf.

  • Hailemariam T Tesfai June 6, 2017

    I see a clash between the two Yemane_up opinions. I don’t understand what the second Yemane is saying about the first, and mysel? Will discuss further if the contents are clarified.

  • እዮብ June 6, 2017

    ጽብቕቲ ጽሕፍቲ: የቐንየልና::

Post a Reply to Gezae Cancel Reply