Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካትም ቃል-ኪዳነይ ሂበዮ!

ካትም ቃል-ኪዳነይ ሂበዮ!   'እቶም ብቐረባ ርሕቐት ንሰምዖም ዝነበርና ኣራዊት መሮር፡ ማለት ኣዛብእ፡ ብዓውታ ይንቅዉ ስለ ዝነበሩ፡ ከምዛ መጺኦም ብደውና ከለና ጉቡጥ ዘብሉና እናመሰለና፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍና፡ ምዩቕን ጸጸኒሕካ ንድሕሪት ቁሊሕ ምባልን ኣየቋረጽናን! 'ንኺድ ደኣ ቀሪብና ኢና!

ካትም ቃል-ኪዳነይ ሂበዮ!
 
‘እቶም ብቐረባ ርሕቐት ንሰምዖም ዝነበርና ኣራዊት መሮር፡ ማለት ኣዛብእ፡ ብዓውታ ይንቅዉ ስለ ዝነበሩ፡ ከምዛ መጺኦም ብደውና ከለና ጉቡጥ ዘብሉና እናመሰለና፡ ዳርጋ ነፍሲ ወከፍና፡ ምዩቕን ጸጸኒሕካ ንድሕሪት ቁሊሕ ምባልን ኣየቋረጽናን! ‘ንኺድ ደኣ ቀሪብና ኢና! ኣጆኹም!’ እናበለ መራሕ መገዲ፡ ኬድካዮ ዘይውዳእ ጎቦን ስንጭሮን ከጓዕዘና ስለ ዝሓደረውን፡ ድኻም፣ ጥምየት፣ ማይ ጽምእን ብስለያ ህግደፍ ከይንታሓዝ ስግኣትን፡ ብኣካልን ብመንፈስን ኣዝዮም ሃሲዮሙና ነበሩ። ኣብቲ ህሞት እቲ ከለና ድማ’ዩ ኣንዋር ዓርከይ፡ ልቡ ሰልሃው ኢሉዎ ክጠልመና ዝደለየ!
 
‘ኣጆኻ ኣንዋር ዓርከይ! ቀሪብና ኢና! ተንስእ!’ ብምባል፡ ካብቲ ዝወደቖ ከተንስኦ ዝረኣየኒ መራሕ መገዲ፡ ናባይ ምልስ ኢሉ፡ ‘ኣታ ወዲ፡ ያላ ግደፎ ንኣኡ ንስኻ ንዓናይ! በዚ ዝርእዮ ዘለኹ ዚበጽሕ ኣይመስልን’ዩ! በቃ ንሕና ንኺድ!’ በለኒ ናብቲ ረፈጥ ኢሉ ዝነበረ ኣንዋር ዓርከይ ደኒኑ እናጠመተ። ኣንዋር፡ ድራር’ቶም ብድምጾም ዘሸብሩና ዝነበሩ ኣዛብእ ንኪኸውን፡ ኣብቲ በረኻ ገዲፍናዮ ክንከይድ ምስ ሓበረኒ፡ ኣዝየ ሰንበድኩ! ‘እዋእ! ከመይ ጌርና ኣብ በረኻ ገዲፍናዮ ክንከይድ ኣታ!? ኣዛብእ ክበልዑዎ!? ኣይ ሓውና’ንድዩ! ንዓ በጃኻ ሓግዘኒ ደጊፍና ነሳልዮ? ካብ ሽግር እናሃደምናስ ንሰብ ኣብ ሽግር ገዲፍና ክንከይድ!?’ ምስ በልኩዎ ዓይኒ ዓይኑ እናጠመትኩ፡
 
‘ኣይከውንን’ዩ! ይሪኦ’ንድየ ዘለኹ ተኻኢሉ! ንኣኡ ከነሳሊ ንሕና ክንልከም ኣይኮናን! ግደፎ ንዓናይ ኣይበጽሓልናን’ዩ! እንተዘይ ኮይኑ ንሕና ክንከይድ ኢና! እንተ ደሊኻ ንስኻ ምሳኡ ትረፍ!’ ኢሉ ኣዒንቱ ምስ ኣፍጠጠለይ፡ ‘ንዓ በጃኻ ዝሓወይ ሓግዘኒ? ዓሰርተ ሽሕ ናቕፋ ክውስኸካ’የ!’ በልኩዎ ቅልጥፍ ኢለ፡ ደንጊጹ ኪሕግዘኒ ከምዘይክእል፡ ብጭካነኡ ስለ ዘስተውዓልኩ። መራሕ መገዲ፡ ዓሰርተ ሽሕ ቅርሺ ምስ ሰምዐ፡ ካብ ደበና ከም ዝወጸት ወርሒ፡ ገጹ ብፍስሃ ደሚቑ፡ ብቕጽበት በርሃው ኢሉ ኪውላዕ ተዓዘብኩዎ!  ‘ገንዘብ እንተ ወሲኽካ ደኣ ሕራይ ነሳልዮ!’ ድማ በለኒ ቅልጥፍ ኢሉ። ‘እዋይ ግዜ! ኣንታ ኣምላኽ! እዚ ገንዘብ ወረቐትሲ ካብ ህይወት ወዲ ሰብ ንላዕሊ ከቢሩ!?’ በልኩ ብልበይ፡ እንደገና ንኣንዋር ዓርከይ ደጊፈ እናኣተንሳእኩ።
 
ብድሕሪኡ ክልተና ተሓጋጊዝና፡ ንኣንዋር ዓርከይ እናኣሳለና፡ ሓያለይ መገዲ ምስ ተጓዓዝና፡ መራሕ መገዲ ብሃንደበት ደው በለ’ሞ፡ ‘በሉ ሕጅስ ንበይንኹም ቀጽሉ። ናብ መሬት ኢትዮጵያ ንምእታው ካብዚኣ ኣርባዕተ ሰዓት ጥራይ እየን ተሪፈናኹም ዘለዋ። በዚኣ ጌርኩም ኪዱ። ንስኻ ከኣ እተን ክህበካ’የ ዝበልካኒ 10,000 ቅርሺ ሃበኒ ክኸይድ’ በለኒ ናባይ ጽግዕ ኢሉ።
 
‘ኣታ ሓወይ፡ ግዜ ኮይኑ’ምበር ነዚ ብዓሰርተው ክልተ ቅርሺ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ኣራጢጥና፡ ‘ተዘወሪ ማኪና ተዘወሪ’የ፡ ኣስመራ ራማ ኮይኑ መዛወሪ’የ!’ ዚብል ደርፊ እናሰማዕና ክንሰግሮ ንኽእል ዝነበርና ዶብ ንምስጋር እኮ ኢኻ ንነፍሲወከፍና 120,000 ቅርሺ ኣኽፊልካና ዘለኻ! ንኣኡ’ባ ረአ!? ሕጂ ከኣ ንሓውካ፡ ከማኻ ኤርትራዊ ደጊፍካ ንሓደ ሰዓት ስለ ዝተጓዕዝካስ ተወሳኺ 10,000 ቅርሺ ትሓተኒ ኣለኻ!?’ ብምባል፡ ተገሪመ ምስ ሓተትኩዎ፡ ‘ክህበካ’የ ምሽ ኢልካኒ!? በቃ ዘረባ ኣይትግበር! ትም ኢልካ ጥራይ ገንዘበይ ሃበኒ!’ ኢሉ ኣጓጠጠለይ። ‘በል ገንዘብስ የብለይን! ግድን ካብ በልካኒ ግን እንካ’ዛ ካትም ቃል-ኪዳነይ ውሰዳ!’ ኢለ፡ ካትመይ ካብ ኣጻብዐይ ኣውጺአ ምስ ሃብኩዎ፡ ኮርዩ፡ ቻው ከይበለና፡ ኮርደብ ኮርደብ እናበለ ንድሕሪት ገጹ ተመርቀፈ።
 
ኣብታ ህሞት እቲኣ ግን ንኣይ፡ ክልተ ተጻረርቲ ሓሳባት ተፈራሪቖም ኣጨንቖሙኒ ነበሩ። በዚ ከኣ ንገለ ካልኢት ሰንፈላል ኮይነ፡ ናብቶም በቲ ዝነበረ ድቕድቕ ጸላም፡ ዝያዳ ደሚቖም ዝረኣዩ ዝነበሩ ኮዋኽብቲ ሰማይ፡ ክሳደይ ኣንቃዕሪረ እናኣማዕደኹ ፈዘዝኩ። እቲ ቀዳማይ ዘሸበረኒ ሓሳብ፡ ናይ ቃል-ኪዳን ካትመይ፡ ብዘይፍቓድ ብጸይተይ፡ ካብ ኣጻብዕተይ ኣውጺአ ንሰብ ብምሃበይ፡ ኣፍቃሪተይ፡ ማለት ብዓልቲ ቃል-ኪዳነይ ዝጠልምኩ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ ዝመጸኒ ጸጸት ኪኸውን ከሎ፣ እቲ ካልኣይ ብኣንጻሩ ዘቕሰነኒ ሓሳባት ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበብኩዎ፡ “ንብጻይካ ከም ነብስኻ ኣፍቅሮ!” ዝብል ቅዱስ ቃል ብምፍጻመይ፡ ዝመጸ ባህታ ነበረ። እቲ ካልኣይ ሓሳብ ነቲ ቀዳማይ ሓሳብ ስለ ዝሰዓረ ድማ’የ፡ ብቕጽበት ካትመይ ካብ ኣጻብዕተይ ኣውጺአ፡ ንመራሕ መገዲ ንክህቦ ትብዓት ዝረኸብኩ።
 
ብድሕሪ’ዚ ጉዕዞና ነቲ ገና ትንፋስ ዘይመለሰ ኣንዋር ዓርከይ እናደገፍካ ምቕጻል ኮነ። ቊሩብ ምስ ከድና ግን እቶም ምሳና ዝተጓዕዙ ሸሞንተ መጓዕዝትናውን ‘ነዚ ከነሳሊ መሬት ክወግሓና ኣይኮነን! ገዲፍናዮ ንኺድ!’ ብምባል፡ ከጉረምሩሙ ጀመሩ። ‘ኣንታ ከመይ ጌርና ኢና’ሞ ሓውና፡ መጓዓዝትናን ብጻይናን ኣብ በረኻ ደርቢና ክንከይድ!? በጃኻትኩም ተሓጋጊዝና ነሳልዮ? ቀሪብና’ኮ ኢና! ቊሩብ ጥራይ ንሓግዞ?’ ብምባል፡ ለምንኩዎም። እንተ ኾነ ኩላቶም መኻይድና ክሰምዑኒ ኣይከኣሉን! ብድሕሪ’ዚ፡ ‘በሉ ንስኻትኩም ኪዱ፡ ኣነ ግን ሓወይ ገዲፈ ኣይከይድን’የ! ዕድል እንተ ጌርና ከኣ ተታሒዝና ንእሰር፡ ከምኡ እንተዘይ ኮነውን ብሓባር ብዝብኢ ንብዕ!’ ኢለ፡ ኣነ ምስ ኣንዋር ተሪፈ ንሳቶም ግን ጉዕዞኦም ቀጺሎም።
 
‘እዋይ ኤርትራውያን! ከምዚ ኢልና ኣብ ንሓድሕድና ተጨኻኺንና! ሙዃን ንሓድሕድና እንተዘይንጨኻኸን ኔርና ደኣ እዚ ብቐሊሉ ፋሕ ብትን ዘብለና ዘሎ፡ ብዘይካ ሕሰም ዋላ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ራህዋ ርኢናሉ ዘይንፈልጥ ስርዓት ከማን ከምዚ ጌሩ ክጻወተልና ኣይምኸኣለን! እንተንሰምርስ ቅልጽምና ኣሕቢርና ቀደም ምጸረግናዮ ኔርና! እዚ ኪኸውን እንተ ዚኽእል ድማ ብድሕሪኡ ኩሉ ኤርትራዊ፡ መምስ ስድራኡ ተሓቋቚፉ፡ ብሰላም ኣብ ዓዱ ከቢሩ ምነበረ ኔሩ!’ በልኩ ነቲ ኣብ ጎድነይ ተጋዲሙ ዝነበረ፡ ኣይምውት ኣይስሩር ዝኾነ ዓርከይ፡ ኣዒንተይ ተኺለ እናጠመትኩ።
 
ቊሩብ ምስ ኣዕረፍና ከኣ ንኣንዋር ዓርከይ ደጊፈ ብምትንሳእ፡ እንደገና ሰለይ እናበልኩ፡ ብዓቕሊ ጽበት ንቕድመይ ክጓዓዝ ጀምርኩ። እንተ ኾነ ኣነውን ድሕሪ ቊሩብ ጉዕዞ፡ ንገዛእ ርእሰይ ተሰኒፈ ዘፍ በልኩ’ሞ፡ ክሳዕ ዝረኸበ ዝረኽበና፡ ኣብታ ዝነበርናያ ቦታ ኴንና ዕድልና ክንጽበ ወሰንኩ። ኣብኡ ከለና መሬት ስለ ዝቐደደ ከኣ ኣብ ኣጋ ወጋሕታ፡ ኣባላት ስለያ ህግደፍ’ዮም ይመስለኒ፡ ብረት ዝዓጠቑ ሰባት ብጥቓና ክሓልፉ ምስ ረኣኹ፡ ካብ ሞት ከድሕኑና ምእንቲ፡ ‘ኣታ በጃኻትኩም ሓግዙኒ ሰብ ይሞተኒ ኣሎ!’ እናበልኩ ዓው ኢለ ጸዋዕኩዎም፡ እንተስ ዘይሰምዑኒ ኮይኖም፡ እንተስ ይሙት ኢሎሙኒ ግን ጥሒሶሙኒ ደኣ ሓለፉ!
 
ዝገርም’ዩ ፍቑራተይ፡ “ኣምላኽ ኣለኻ እንተ ኢሉካስ ኣይትመውትን ኢኻ!” ከም ዝብሃል፡ እዚ ብሂል’ዚ፡ ብግብሪ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ኣንዋር ዓርከይን ኪፍጸም ርአዮ። ኣብ በረኻ ምስ ኣራዊት ኣዕሪፍና ሓዲርናስ፡ እንደገና ጉዕዞና ብምቕጻል፡ ብሰላም ናብ ኢትዮጵያ ኣቲና እብለኩም። ልዑል ምስጋና ነቲ ኣለኹም ኢሉ፡ ህይወትና ካብ ሞት ዝዓቀበ ልዑል ፈጣሪና ይኹን። ከምኡውን ነቶም ኣብ ቤቶም ተቐቢሎም፡ ካብ ኣደራዕ ምልኪ ኣዕቊቦም፡ እኽለ-ማይ ዘዐንገሉና ኣሕዋት ኢትዮጵያውያን።
 
‘እዋይ! እዛ ሽሮ ናይ ኣደይ ደኣ በየን ጌራ ሓሊፋ ጸኒሓትኒ ወደይ!?’ በልኩዎ ነቲ፡ ቆንጠጥ እናበለ፡  ካብቲ፡ ኣብቲ ዝኣተናዮ ገዛ ዝተቐረበልና መኣዲ ዝምገብ ዝነበረ ኣንዋር ዓርከይ ፍሽኽታ ኣሰንየ። ‘ኪድ! ሓሳዊ! ከምዚ ኪትብል ከለኻስ ብሽሮ ዝደንገልካ ትመስል!’ በለኒ ኣንዋር ዓርከይውን ፍሽኽ ኪብል እናፈተነ። ‘እዋእ! ደንጊለ’ወ! ከም ገለ እንተ ተቐይራ ከኣ ዘይእተን ኣደይ ኣብ ወርሒድዩ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ካብ ምምሕዳር ህግደፍ፡ ብኩፖን ተምጽአን ዓደስ’የን ዘብርያኣ!  ካልእ ዚብላዕ ኣይነበረናን! ኣውደኣመት እንተ ኮይኑ ከኣ’ባ እንቋቖሖ ዘይብላ ደርሆ ንምሳሕ!
 
ኣንታ ወረ መዓልቱ ዘሕለፈ፡ ልክዕ ከም ጠስሚ ኣፍሊሕካ ወይውን ጸሓይ ኣውቂዕካ እትጥቀመሉ ዘይቲ እናዓደሉ፡ ህዝቢ ብሕማም ልቢ ወዲኦሞ ኣለዉ! ኣዝዩ ሓደገኛ’ዩ! ከም ቀደምና ጨጎራ ወዲ ጨጎራና ከይንበልዕ ከኣ ንሳውን ሽታ ማይ ካብ ትኸውን ዓመታት ሓሊፉዋ ኣሎ! እዋይ መዓት! ኣታ ወዲ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት፡ ኣነን ኣደይን ዝበላዕናዮ ሽሮ ኣብ ሓደ እንተ ዝባዓጥ’ኮ፡ ንካቴድራለ ክልተ ግዜ መለመጻ ኔሩ’ዩ!’ ምስ በልኩዎ ዕትብ ኢለ፡ ኣንዋር ዓርከይ ዓው ኢሉ ኪስሕቕ ጎሮሮኡ ስለ ዘሕመሞ፡ እናሰሓቐ ከሎ ገጹ ተጸዋወገ።
 
‘ኣታ ተኽለ ዓርከይ ዘይተብልዓና! መኣዲ ቀሪብካ ትጻወት!? እግርኻ ከይኣተኻ ከኣ ላግጺ ጀሚርካ!?’ ምስ በለኒ ፍሽኽታኡ ኪገትእ እናፈተነ ከኣ ዘረባኡ ነቦይ ሓይላይ ስለ ዘዛኻኸረኒ፡ ኣነውን ካዕካዕ ኢለ ሰሓቕኩ። ‘እዋእ! ኣታ ተጸሊልካ ዲኻ!? ስነ ስርዓት ግበር እንተበልኩኻስ መሊስካ ትስሕቕ!?’ በለኒ ኣንዋር ዓርከይ እንደገና ተገሪሙ። ‘ኣንታ ኣንዋር ዓርከይ ‘እግርኻ ከይኣተኻ’ ምስ በልካኒ’ድየ ነቦይ ሓይላይ ዘኪረዮም!’ ምስ በልኩዎ ነታ ብየማናይ ኢደይ ሒዘያ ዝነበርኩ ኩላሶ እናኾለስኩ ከኣ ‘ነቦይ ሓይላይ ደኣ ብምንታይ ዘኪርካዮም?’ በለኒ።
 
‘ትፈልጥ ኢኻ ምሽ ካብ ናጽነት ኣትሒዞም ዕል ደጋፊ ህግደፍ ከም ዝነበሩ?’
‘እወ እፈልጥ። ምሽ ብኸምኡ’ዮም ከማን ነቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ ሰለስተ ደቆም፡ ነቲ ሓደ ኢሳያስ፣ ነታ ምንኣሱ ኣስካሉ፣ ነቲ ሳልሳይ ድማ ስብሓት ኢሎም ስም ኣውጺኦሙሎም ሓቀይ?’ ምስ በለኒ፡ እንደገና ካዕካዕ ኢለ ሰሓቕኩ።
 
‘እወ ጽቡቕ ኣለኻ። ኣቦይ ሓይላይ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብሃንደበት፡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ካብ ገዛኦም ተጨውዮም ምስ ተወስዱ፡ ኣብዚኣ ኣትዮም ከይተባህለ፡ ንዓመታት ተሰዊሮም ድሕሪ ምጽንሖም፡ ብቕድሚ ትማሊ’ዮም ካብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ ወጺኦም ናብ ስድራኦም ተመሊሶም። ኣብ ቤቶም ምስ ኣተዉ ከኣ ብዓልቲ ቤቶም ንበይነን ስለ ጸንሓኦም፡ እንታይ ኢሎምድዮም ሓቲቶመን መሲሉካ፡’ ምስ በልኩዎ፡ ኣንዋር ዓርከይ ይሓይኽ ስለ ዝነበረ፡ ርእሱ ብእወታ ነቕነቐለይ።
 
‘ኣቲ!’ በሉወን ነተን ዕልል እናበላ ምስ ተቐበላኦም፡ ብቕጽበት እኽለማይ ክቕርባሎም ናብ ክሽነ ገጸን ዘምርሓ ብዓልቲ ቤቶም።
‘እየይ’ መለሳ ንሰንውን ስንብድ ኢለን።
‘ኣበይ ከይዶም እቶም ኣባላት ህግደፍ!?’ ምስ በሉወን ተገንጪሮም ከኣ ኣደይ ለታይ ሕቶኦም ስለ ዘይተረድአን፡ ‘መንዮም ኣባላት ህግደፍከ!?’ ክብላ ተገሪመን ሓተታኦም።’ ምስ በልኩዎ፡ ኣንዋር ዓርከይ፡ ሕቶ ኣቦይ ሓይላይ ስለ ዝተረድኦ፡ ነቦይ ሓይላውን ሕፍ ደጋፊ ህግደፍ ከም ዝነበሩ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝፈልጦም፡ ጎሮሮኡ ክሳብ ዝጉዳእ ኻዕካዕ ኢሉ ሰሓቐ።
 
‘እውይይ ምስኪናይ! እሞ ሕጂ ደኣ ከመይ ጌሮም ንደቆም ስም ክቕይሩሎም’ዮም ወደይ!?’ ድማ በለኒ፡ ሽክና ርእሱ ንየማነ-ጸጋም እናነቕነቐ። ‘ኤእ! ሕጂ ደኣ ካብ ስም ደቆም ዚቕይሩ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኪቕይሩ ኣበርቲዖም ኪቃለሱ ኣለዎም እምበር!’ ምስ በልኩዎ ገጸይ እስር ኣቢለ ከኣ ‘ንሱስ ናይ ኩልና ዕማምዩ ተኽለ ዓርከይ!’ ብምባል፡ ኣንዋር ዓርከይውን ርእሱ ደፍአ። ‘ሓቅኻ ኣንዋር ዓርከይ፡ መንግስትን ሕግን ኣብ ሃገርና ምትካል፡ ውራይ ኩልና ኤርትራውያን’ዩ! ናብ ስደት ወጺእና ማለት፡ ሽግርና ተፈቲሑ ማለት ኣይኮነን! ኣብ ዝሃለና ሃሊና፡ ንሽግርና መሰረታዊ ፍታሕ ክንገብረሉ ምእንቲ፡ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ኣለና!’
‘እወ ንሳ’ያ እታ እንኮ መፍትሒት ሽግርና!’ ተባሃሂሎም እቶም ክልተ መሙን (ትኽትንፋስ ኣዕሩኽ)፡ ብሓባር ናብቲ ከይተፈለጦም ጥራሑ ዘትረፉዎ መኣዶም፡ ኣራእሶም ደፍኡ።
 
ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን፡ እዚ ልዕል ኢልኩም ክትነቡዎ ዝጸናሕኩም ዛንታ፡ ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና ዘጋጠመ፡ ቀሊል ዚመስል ዓቢ ፍጻመ ኮይኑ፡ ልቢ ወለድ ብዚመስል ኣጋባብ’ዩ ግን ቀሪቡ ዘሎ። ኣብዚ ዝሰማዕኩሞ ዛንታ ከኣ በቲ ሓደ ወገን፡ ስስዐ፣ ክሕደት፣ ንኣይ ይጥዓመኒ፤ በቲ ካልእ ወገን ድማ ሓልዮት፣ እምነት፣ ፍቕሪ፣ ትብዓትን ተወፋይነትን ተራእዩ ኣሎ። ነዚ ክልተ ዝተፈላለየ ተራጻሚ ፍጻመታት ንኽገልጽን ነቶም ኣሕዋቶም፡ ነብሶም ካብ ባርነት ህግደፍ ስለ ዘድሓኑ፡ መንነቶም ብምሕካኽ፡ ‘ወያነ፣ ከዳዕ፣ ወዘተ.’ እናበሉ ብህይወት ኣሕዋቶም ክጣልዑ ዝደልዩ ዘለዉ፡ ተበለጽቲ ጊላታት ህግደፍ፡ ንኣውያቶም እዝኒ ኣይትሃቡዎ ንምባልን ድማ’የ ሕጂ፡ በቲ ንነገራት ብሓጺርን ብቐሊልን ናይ ምግላጽ ዓቕሙ ልዑል ዚኾነ ናዕታ ኣቢለ፡ “ብስራት ኣሎዎ” ብዚብል ኣርእስቲ ክቓንዪ ፈቲነ ዘለኹ።
 
ብስራት ኣሎዎ!
 
ለካ ቊጽሪ ኣይኮነን እቲ ዘዐውት ሓይሊ
ጽንዓትን ሓቦን’ዩ ዘይጽንቀቕ ዓቕሊ
ለካ ኣጽዋር ኣይኮነን ምስጢር ዓወት ገድሊ
ሓልዮት ብጻይካ’ዩ ካብ ነብስኻ ንላዕሊ!
 
ዓወት ናይ ተኽለዉን ምስ ኣንዋር ብጻዩ
ናብ ዓዲ ሰብ ዝኣተወ ንዓርኩ ኣሳልዩ
መዘና ዘይብሉ ፍቕርን ሓልዮትን’ዩ
ኣምላኽ ኣጽሊሉዎም ዕርክነቶም ርእዩ!
 
ተኽለ ጅግና ትብዓትካ ኣድኒቐዮ
‘ካብ ንውጹዕ ሓወይ ዝኸይድ ገዲፈዮ
ህይወተይ ምስ ዓርከይ ዝብኢ ይብላዓዮ!’
እናበልካ ብሓልዮት ምስ ኣሳለኻዮ
ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ህይወቱ ኣድሒንካዮ!
 
እዋን ሓሲሙ እምበር ብመግዛእቲ ህግደፍ
ንስቓይን ሞትንዶ ዓድኻ ይግደፍ!?
ግዜ ከፊኡ’ምበር በዚሑ መስገደል
ገንዘብ ከፊልካዶ ይእቶ’ዩ ናብ ገደል!?
ሰላም ስኢንና’ምበር ስቅያት በዚሑ
ጎበዝዶ ይጠፍእ’ዩ ሃገሩ ራሕሪሑ!
 
እቲ ዘሕዝነኒ ግን ንኣይ ልዕሊ ኹሉ
ኣብ ስደት ሰፊሮም እንብዓል ኣምሰሉ
‘ሃገር ጽቡቕ ኣላ፡ ማዕቢላ’ እናበሉ
ነብሶምን የዋህን ወትሩ እናኣታለሉ
ሓሳር መከራና ዕድመ ክልቅብሉ
ኣብ ዕብዳን ምንባሮም ጓይላ እናተኸሉ
ከመይ ከም ዝገልጾም ቃላት ስኢነሉ!
 
ኣቱም ብዓል *ሻጉራይ ደሰቕቲ ከበሮ   *መባጻጻሕቲ ወረ
እቲ ተምልኹዎ ፈጣሪ እምባጋሮ
ሃገር ኣባዲሙ ህዝባ እናኣባረሮ
ክንዲ ትመኽሩዎ ቃል ስውእ ከኽብሮ
ብውልቃዊ ጥቕሚ ኣጥፊእኩም *ሰሃሮ     *ሓልዮት፡ ድንጋጸ
ነዚ ለዋህ ህዝቢ ትብሉዎ ደክሮ!
 
እቲ ትማሊ ግን ሃገሩ ዘድሓነ
ኣብ ኣርዑት መላኺ ወትሩ እናተቖርነ
ቀሲኑ ንምንባር ሰላም ምስ ሰኣነ
ህይወቱ ንምድሓን ስደት ተፈተነ
ከሓዲ ትብሉዎ ዕሱብ ናይ ወያነ
ቊሩብ ዘይምሕፋርኩም ይገርመኒ ኣነ!
 
ኩሉኹም ኣሕዋተይ ግዳይ ናይዚ ሽፍታ
ካብ ጊልያታት ምልኪ ካብ በበይኑ ቦታ
ድምጺ እንተ ሰማዕኩም ኣብዚ እዋን *ከውታ     *ፍርቂ ለይቲ
ሕድሪ ኣይትጽልኡዎ ናይ ኣዕዋፍ ጩቕጩቕታ
ብስራት ኣሎዎ ምቕራቡ ወጋሕታ!         *ብርሃን
 
ጸላም ግብ ተበለ ኣብ ኣጋ ምውግሑ   
ስጋ እንተ ጻዕደወ ምልክት ምስብሑ
ዝጠመዩ ኣኽላባት ወትሩ እንተ ነብሑ
ደገፍቲ ህግደፍውን ዓፍራ እንተ ኣብዝሑ
ምልክት ቅብጸት’ዩ ዕርበቶም ምብጽሑ
ጀጋኑ ኤርትራ ሓደ ኴንኩም ስርሑ
ፍትሒ ቀሪቡ ኣሎ *ባብ ሓርነት ከርሑ!    *ኣፍደገ፡ መእተዊ
 
ክብርን መጐስን ነቲ መለለይ ኤርትራዊ ክብሪ ዝኾነ፡ ንብጻይካ ከም ነብስኻ ናይ ምርኣይ ልምዲ፡ ኣብ ግብሪ ብምፍጻም፡ ህይወት ሓውን ብጻዩን ዘድሓነ ተባዕ መንእሰይ፡ ስነ ጥበበኛ ተኽለ መዝገበ ይኹን! በዚ ኣጋጣሚውን ነዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ዚፍጸም ዘሎ ዓቢ በደል ዘይቃወምን ዘይኩንን ዘበለ ኩሉ፡ ኤርትራዊ’ዩ ወይውን ፈታው ኤርትራዊ’ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ ሙዃኑ ክሕብር እፈቱ።
 
ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 13/04/2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • eritrea first April 13, 2015

    brother mesinas it is a touching story.excellent presentation.

  • Genbihothabt April 14, 2015

    This is one of the best thing that I read so far in the last 20 years from the eritrean websites. Please brother carry on writing in assenna. We need such writing that we can’t get easily. I was laughing on city bus in uk. I can’t finish it I perefer to read it when I get off from the bus. I can’t control my laughing. You are star.

  • towedeberhan weldedawit April 14, 2015

    It is a well presented story supplemented by fantastic poem.
    Well done and congratulations

  • Almaz Gual Asmera April 14, 2015

    ይበል ኣቀራርባ ናይቲ ህሉውን ሓቀኛን ታሪኽ ኤርትራውያን መንእሰያት። ክቡር ሓው መሲናስ እቲ ብሉጽ ክእለትካን ግጥምኻን እዋናዊ መልእኽትኻን ብግቡእ ይስነድ ኪህሉ ብዓል ብዙሕ ተስፋ እየ። እዚ ዘመን ኣካሒዳ ምስ ሓለፈ…ንምጽሓፍ፡ ምድራስን ምምርማርን ዝኸውን መስተርሆት ኪመጽእ እዩ…ብዓል መን ነበሩ…ብየማን ይኹን ብጸጋም …መን እንታይ ይገብር ነበረ ዝብሃለሉ ዘመን ምምጻኡ ኣይተርፎን እዩ፤ ዓማጺ ናብ ናይ ታሪኽ ጎሓፍ ኪድርበ፡ ፍትሓዊ ድማ ጻማኡ ኪረክብ ሕጊ ናይ ተፈጥሮ’ዩ። ኣምላኽውን ኣውያት ሕዝብና ሰሚዑ ኣብ ግዜኡ እሆይ ኪብል እዩ። ምስቶም…እምቢ ንባርነት…እምቢ ንሕጊ-ኣልቦ ሽፍታ ስርዓት…ሕራይ ንሕጊ፡ ስርዓት፡ ፍትሕን ርትዕን ዝብሉን ጽባሕ ምስ ወግሐ…ክሳዶም ኣቕኒዖም ዝኸዱን ምዃንና፡ ቀሊል ዘይኮነ ዋጋ እኳ ንኸፍለሉ እንተሎና፡ ዕድለኛታት ኢና። ሕልና ዘሎዎ ሰብ ምውሓዱ ግን የሐዝን። ዋናታትን ደረስትን ናይዚ ኣብ ሕዝብና ንርእዮ ዘሎና ጥልመት፡ ጭካነን ኣረሜንነት…ግን መራሕቲ ሕጊ-ግደፍ ምዃኖም ዘካትዕ የብሉን። ሕዝብና ኣብ ግዜ ደርጊ ርኢናዮ ኢና ክሳብ ክንደይ ተደናጋጽን ብስጋይ ስጋኻ ዝነብር ወረጃ ሕዝቢ ምዃኑ። ተኽለን ኣንዋርን ኣርኣያ ናይቲ ንኣሽሓት ዓመታት ብስኒትን ብምክብባርን ዝነብረ ኣስላማይ ክርስትያን፡ መታሕት ከበሳ፡ ኩለን ብሄራትናን ኣውራጃታትና …ዘካትት መርኣያ ናይ ብዙሕነትና እዩ። ሕጊ-ግደፍ ንሕዝብና ዘይመስልን ዘይውክልን ከሓዲ እዩ። 20-30 ዓመታት ኣብ ሓደ ድፋዕ ሕማቕን ጽቡቕን፡ ጥሜትን ጽምእን፡ መስዋእትን ሞቕሰልትን ሓቢሮም ከምዘይኣሕለፉ…ኣብ በረኻ ብስዉር፡ ዓዲ ምስ ኣተዉ ብግሁድ ኪጠላለሙን ከም ኣራዊት መሮር ኪባልዑን ብዓይንና ርኢናዮም ኢና። ንሳቶምን ንዕኣቶም ካብ ሰብ ናብ ኣራዊት ዝቐየረ መጽሓፎምን ደርቢና ነቲ ግሩህ ሕዝብና ዝመስል ምሕደራ ምትካል …ምእንቲ ርእስናን ትስፉው መጻኢ ወለዶናን ክንብል…ብቐዳምነት ዝስራዕ ጉዳይ ኩላትና ክንገብሮን ናብ ግብራዊ ስጉምቲ ክንሓልፍን መድረኽ ይሓተና ኣሎ። ንዘልኣለም ተረጊጹ ዝነብር ሕዝቢ የሎን ግዜ ድማ ኣብ ጎድኒ ፍትሓውያን እዩ …ኣጆና ኣጆኹም…ኪሳብ ዝወግሕ ንንከስ ኣብ ዕላማ።

  • ERITRAWIT April 14, 2015

    Mesinas,
    N sebuk zgeber wey gberelew wey ngerelew eu kubur haw. Nayzom 2 yehwat msemakwo, nay Tekle yewahnet bale (Kale-kidane) nay bhakey tehabene. eza hager seb alewa zgebere entegebere ezey mendelay temen ms korakrew eza hager seb alewa!!!!!

  • ERITRAWIT April 14, 2015

    Netom leyten malten skay hzbna k-kalah zserhew zelew yehwatna amlak ybarkom. B kelele zre aykonen Enber HGEDF see abetew neza hager zgedefela yeblen.

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply