Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን – ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን መባእታ፡ መንነትን ተልእኮን: ነንሓድሕዱ ይገላለጽ እዩ። ግን፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተክርድትያን ኤርትራን ናይ ጥዕና ትካላታን ሕሙማትን ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይኣክል፡ ዘደናግር ኣበህላን ሓሶትን’ውን ኪውስኸሉ ንዕዘብ ኣሎና። ክልተ ነገር ግን ኣሎ፤

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ መንፈሳዊ መንነታን ተልእኮኣን

መባእታ፡

መንነትን ተልእኮን: ነንሓድሕዱ ይገላለጽ እዩ። ግን፡ ኣብ ልዕሊ ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተክርድትያን ኤርትራን ናይ ጥዕና ትካላታን ሕሙማትን ዝተፈጸመ ግፍዒ ከይኣክል፡ ዘደናግር ኣበህላን ሓሶትን’ውን ኪውስኸሉ ንዕዘብ ኣሎና። ክልተ ነገር ግን ኣሎ፤ ሓደሰብ፡ ናይ ሓደ ጉዳይ ኣፍልጦን ሓበሬታን ስለዝጎደሎ፡ ክጋገ፡ ሰብኣዊ እዩ። እንተ እቲ ንዕግርግርን ምድንጋርን፡ ተዓጢቁ ዝግዕር ግን፡ ክሳብ መዓልቱ ኣብዘለዎ እንተኹደደ’ውን ዘሰክፍ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ እቲ ከም ናይ ዓመታት መቐጸልታ ኮይኑ፡ ብ 12 ሰነ 2019 ዓ/ም/ፈ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕዝቢ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዝነበራ፡ ትካላት ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ኤርትራን ተኣለይቲ ሕሙማትን ዝተፈጸመ፡ ድርብ ገበንን ጥሕሰት ሕግን፡ መሰረት ብምግባር፡ ብዛዕባ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ መንነትን ተልእኮን፡ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ብሰብኣዊ ምዕብልና (integral human development) ዝግለጽ ተልእኮ፡ ገለ ሓጋዚ መብርሂ ከቕርብ ጽቡቕ እመስለኒ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ በዓልሥልጣን፡ “መንግስቲ” ኢልካ ክትጽውዖ መሰረትን ብቕዓትን ዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፡ ስለቲ ክብረስም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግን፡ “መንግስቲ ኤርትራ” ክብል እየ።

  1. መንነት ካቶሊካውዊት ቤተክርስትያን፡

ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን፡ 4ተ ሰበኻታት ወይ ኤጳርቅና ዘለዋ ቤተክርስትያን እያ፤ ንሳተን ከኣ፡ ሰበኻ ኣስመራ፡ ሰበኻ ከረን፡ ሰበኻ ባረንቱ፡ ሰበኻ ሰገነይቲ እያተን። ካብ 2015 ድማ፡ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ፡ ምልኣተ ጉባኤ ጳጳሳት ረኺባ፡ ደረጃኣ ኣበሪኻ፡ ብናይ ገዛእ-ርእሳ ጉባኤ ጳጳሳት ትምራሕ፡ ቤተ-ክርስትያን ኮነት። ግባኤ ጳጳሳት ኤርትራ፡ ብመሪሕነት ሊቀ ጳጳስ ሰበኻ ኣስመራ ይምራሕ። በዚ መሰረት’ዚ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ከም ምሥራቓዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ምሉእ ሕጋዊ ስማ፡ ‘ናይ ገዛእ ርእሳ (መንነታ) ሕጋዊ ኣቃውማ ዘለዋ፡ ቤተክርስትያን ኤርትራ (Metropolitan Church sui iuris Eritrean)[1] ተባሂላ ትጽዋዕ፤ ብመሪሕነት ካቶሊካውያን ኣቡናታን ሕገ-ቆነናኣን፡ እትምራሕ ቤተክርስትያን (autonomous Church)፡ ናጻን ዘይፖለቲካዊትን መንፈሳዊትን ማሕበር እያ፤ ከም ኤርትራውያን ዘጋታት ከኣ፡ ንሃገራዊ ሕግን ፖሊቲዊ ሥልጣንን፡ ንሃገራዊ መሰልን ግቡእን መንነትን እትእዘዝን እትሕሉን እተኽብርን፡ ከም ኩለን ሃይማኖታት፡ ኤርትራዊት እያ።

ካልእ ተወሳኺ ገላጺ ባህሪ’ውን ኣለዋ። ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ናይተን ኣብ ዓለም ካብዘለዋ፡ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ብሕብረት ዝቖመት፡ ሓንቲ ቤተክርስትያን’ውን እያ። እዛ ናይ ገዛእ-ርእሳ ምልኣተ ምሕደራ ወኒና ትርከብ፡ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብተን ነናተን ስምን ታሪኽን፡ ሓደ ሓባራዊ ሕገ-ቆነናን ተመሳሳሊ ሥርዓተ-ኣምልኾን ዘለወን፡ 23 ፍሉያት ምስራቓውያን ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርስትያናት (Particular Oriental Catholic Churches) ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ሓንቲ እያ። ምስታ ሓንትን ዝዓበየትን ምዕራባዊት (ላቲናዊት) ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን (Latin Catholic Church) ተጠቓሊለን ከኣ፡ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን የቑማ። እዚ ማለት፡ እዘን ዝተፈላለያ ታሪኽን ስምን፡ ሕገ-ቆነናን ሥርዓተ-ኣምልኾን ዘለወን፡ 24 ካቶሊካውያን ኣብያተ-ክርትስትያናት፡ ናይ እምነት ወይ ሃይማኖት ምሉእ ሕብረት (full communion) ኣለወን፤ ብሥልጣን ቅድስቲ መንበር ሮማ ወይ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾነ ጳጳስ ሮማን፡ ብ7ተ ምስጢራትን፡ ካልእ ምስዚኣተን ዝተተሓሓዘ ጉዳያትን፡ ኩላተን ይኣምና። ብዝተረፈ፡ ብኻልእ ጉዳያት፡ ነናተን ታሪኽን ባህልን ሥርዓተ-ኣምልኾን፡ ትምህርተ-መለኮታውን መንፈሳውን መንነት ወይ ልምድታትን ዓቂበን፡ ብናይ ገዛእ ርእሰን ጳጳሳት እናተመሓደራ፤ ከም ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ብሕብረት ይፍለጣ፤ ሕብረት ምስ ዘዘለካ ፍሉይ መንነትን ስርዓትን (unity in diversity) ብዝብል ትርጉም ይግለጻ።

ሃይማኖት፡ ብዛዕባ እምነትን መንፈሳዊ ሕይወትን እዩ ዝግደስ። ብዕላማኡን ኣቃውማኡን ድማ፡ ካብ  መንግስቲ ወይ ፖሊቲካዊ ማኅበር ይፍለ። እቲ ዕላማ ከምዚ ዝበልክዎ ኮይኑ፡ ንኣቃውማ ዝምልከት ግን፡ ቅድስቲ መንበር (እቲ ናይ ዓለም ለኻዊ ካቶሊካዊት ቤተክርስያን መንፈሳዊ በዓልሥልጣን)፡ ሓደ ካብተን ናይ ዓለምና ሃይማኖታት ወይ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ፍልይ ዝበለ ባህሪ ኣለዋ። እዚ ማለት፡ እቲ ሕጋዊ ኣቃውማን ናይ ቅድስት መንበር (Holy See)፡ ኣብ ማኅበረሰብ-ዓለም፡ ሃገር ዘይክነሳ፡ ከም ሃገር (sovereign state) ትፍለጠሉ፡ ብዓለም ለኻዊ ሕጊ (international law) ፍሉይ መሰልን ግቡኣትን ኣለዋ፤ በዚ መሰረት እዚ፡ ዓለም-ለካዊ ውዑላት ትፍጽም፤ በቲ መንፈሳዊ ግራታ ምስ ፖሊቲካዊ ዓለም ንምስራሕ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ትተክል፤ ኣብ ገለ ትካላት ሕቡራት ሃገራት’ውን፡ ብኣባልነት ትስራዕ። ብርግጽ፡ እዚ ፍሉይ ሕጋዊ ባህሪ ናይ ምውናን መሰል፡ ብመሰረቱ ካብቲ ዝነበራ ሕሉፍ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኣ ናይ ማእከላይ ዘመን፡ ዝመነጨ እዩ። ግን ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን፡ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝነበራ ምስልን ፖሊቲካን ሃይማኖትን ዘጠቓልል ቅርጽን፡ እቲ ካብ 20 ክ.ዘ. ንነጀው፡ ዘለዋ ኣቃውማን፡ በበይኑ እዩ። ንኣብነት፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንኣማኢት ዘመናት ዝነበረን፡ ናይቶም ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ፡ ሕብረት ዘለዎም፡ ናይ ኣማንያን ማኅበር እዃ እንተኾነት፡ ቫቲካን (ወይ ሃገር-ቫቲካን) እትብሃል ግን፡ ብ1929፡ ብውዕሊ “ላተራን” ዝፍለጥ ዝተፈጥረት፤ ቦታ ወይ ከተማ ናይ መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርትስያት (ቅ. መንበር) እያ። እቲ አገዳሲ መንፈሳዊ ስርሓት ከኣ፡ በዛ ኣብ ከተማ-ቫቲካን ዘላ፡ ብቅድስቲ መንበር ይፍጸም። ከመይ፡ እቲ ንቅድስቲ መንበር፡ ከም ሃገር ንክትፍለጥ ዘለዋ ፍሉይ ዓለም-ለኻዊ ሕጋዊ ባህሪ ወይ መሰል፡ ካብቲ ዘለዋ ዓለም-ለኻዊ ‘መንፈሳዊ’ ሥልጣን ዝምንጩ ናይ ርእሰ-ኣቃውማ (International legal and moral person) ሕጋዊ መንነት እዩ። ብቋንቋ እንግሊዝ፡ “a sui generis non-State international legal person which borrows its personality from its ‘spiritual sovereignty’ as the center of the Catholic Church” ተባሂላ ትግለጽ።

እምበአር፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ናይ ኤርትራዉያን ካቶሊካውያን መንፈሳዊት ማኅበር’ያ፤ ኩሉ ዕላማታታን ተልእኮኣን ከኣ፡ ንናይ ወዲሰብ መንፈሳውን ሞራላውን (ማኅበራዊን) ምልኣተ ሕይወት ድሕነትን፡ ብሓላፍነት ንምጉሳይ ትሰርሕን ትህሉን። በዚ መንፈሳዊ ባህሪ’ዚ ድማ፡ ብማእከልነት ሥልጣን ቅድሲ መንበር፡ ምስቶም ኣብ ዓለም ምሉእ ዘለዉ ካቶሊካውያን፡  ሃይማኖታዊ (መንፈሳዊ) ሕብረት ይህልዋ። ሕብረታ ከኣ ብተሳትፎ ኤርትራውያን ኣቡናት (ጳጳሳት) ይትግበር።

  1. ተልእኮ ቤተክርስትያን፡

ቤተክርስትያን፡ ከምቲ ስማ፡ ናይ ተኸተልቲ ክርስቶስ ማሕበር ማለት ስለዝኾነ፡ መንፈሳዊት ማሕኅበር እያ። እቲ ተልእኮኣ ከኣ ብመሰረቱ መለኮታዊ ተልእኮ ስለዝኾነ፡ ንመንሳዊ ወይ ወንጌላዊ ዕላማ ዝቖመ፡ ግን ንመንፈሳውን ምድራውን (መንፈሳዉን ሥጋውን) ሕይወት ወዲ ሰብ፡ ብምልኣት ንምግልጋል ትሰርሕ። እዚ ሓደ መንፈሳዊ ተልእኮ’ዚ፡ ብ3ተ ክፍልታት ይግለጽ፡-

ሀ) ወንጌእል ወይ ቃል ኣምላኽ ምስባኽ (proclaiming the Gospel, word of God);

ለ) ምስጢራት ምዕዳል (Celebrating the Sacraments);

ሐ) ናይ ፍቅሪ ስራሕን ሕንጸተ-ሰብን ምትግባር (Exercising charity, justice, love = integral human development);

 

ቤተክርስትያን፡ ነዘን 3ተ ክፍሊ ስርሓት ወይ ሓላፍነት፡ ከም መለኮታዊ ወንጌላዊ ትእዛዝ፡ ኣጣሚራ ንምትግባት ትጽዕር። ከምቲ  ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሃገርና፡ ብገለገል ክበሃል ዝተዓዘብናዮ፡ ኣብዚ መዳይ እዚ’ውን፡ እኹል ተረድኦ፡ ክህልወና ይግባእ። እዘን ኣብ ዝሓለፈ 12 ሰነ 2019፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዓሸጋ፡ ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ እምበኣር፡ ኣብታ 3ይቲ ክፍሊ ተልእኮ ቤተክርስትያን፡ ማለት፡ ኣብ “ናይ ፍቅሪ ስራሕን ሕንጸተ-ሰብን ምትግባር” (Exercising charity, justice, love = integral human development) ዝስርዓ፡ ሐደ ካብ ወንጌላዊ ተልእኮን፡ ብግብረ ገብነታዊ ሚዛን ዝሰርሓ እያተን። ምኽንያቱ፡ እምነት ብቃል፡ ብጥዑም መልሓስ፡ ጥራይ ዝስበኽ ኣይኮነን፡ ብዝበለጸ’ዃ ድኣ፡ እምነት ብግብሪ፡ ብፍቕሪ (faith in action) እዩ ዝፍጸም ወይ ዝስበኽ (ማቴ. 25 ርአ)። መሰረት’ዚ 3ይ ክፍሊ ተልእኮ ቤተክርስትያን (ሰብኣዊ ምዕባለ)፡ ከኣ እቲ፡ “ንኽብሪ ሰብን ሰብኣውነትን፡ ምክንኻንን ምሕናጽን” ዝብል፡ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መርሕ ወይ መትከል ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እዩ። እዚ ማለት፡ “እቲ ኣምሳል እግዚኣብሔር ዝኾነ ክቡር ሰብ፡ ብሕማም ኮነ ብድኽነት ወይ ብድንቁርና፡ ክሳቐ ኣይግባእን፡ ካብዚ ክድሕን፡ ሓራ ኪኸውን ኣለዎ” ቢላ ስለትኣምን፡ ዓሌትን ሃይማኖትን ጾታን ከይፈለየት እትህቦ ኣገልግሎት ወዲ ሰብ እዩ። እዚ ሰብኣዊ መንፈሳዊ ስራሕ’ዚ፡ ካብ ሙዓለ-ሕጻናት ጀሚሩ፡ ክሳብ ላዕላዋይ ዓውደ ትምህርትን (ዩኒቨርሲቲ) ከምኡ ት/ተ ተግባረ-እድን ኣገልግሎት ኣብያተ-ሕክምናን የጠቓልል። እንተ መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ኣይኮነን ነዘን ዝወረሰን ከመሓድርስ፡ እተን ኣብ ኣብ ኢዱ ዘለዋ’ዃ፡ ኣብ ከመይ መዲቐን ከምዘለዋ፡ ንርእየን ኣሎና። ‘ስለምንታይ ድኣ ከምዚ ተገብረ?’ እንተ ኢልካ፡ መልሱ ንምርካብ ዘጸግም ኣይኮነን።

  1. ኣቕዋምን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ልዕሊ ኣዋጅ ቁ. 73/1995

መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ 1995 ዓ/ም/ፈ፡ “ንጥፈታት ሃይማኖታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ብሕጊ ንምንጻርን ንምሥራዕን ዝወጸ ኣዋጅ፡ ቁጽሪ 73/1995” ዝብል ኣዋጅ፡ ኣውጺኡ ነበረ። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንትሕዝቶ’ቲ መንግሥቲ ዘውጽኦ ኣዋጅ፡ ኣብ 6ተ ነጥብታት ኣጠቓሊላ፡ ኣቅዋማ ገሊጻን ንመብርሂ ንዘድልዮ፡ መብርሂ፡ ንገሊኡ’ውን፡ ብዘየወላውን ቃል፡ ብጽሑፍ መልሲ ሂባትሉን እያ።[2] እቶም ነቕዋም ቤተክርስትያን ንምግላጽ ዝተጻ ሕፉ፡ ኣጠቃለለቲ ኣርእስታት፡ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  1. ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ምፍልላይ፤
  2. መንግሥትን ሃይማኖትን፡ ብወገን ሞራል ከምዝተሓጋገዙ፤
  3. ምስዳዕ ክልኩል ከምዝኾነ፤
  4. ሰብኣዊ ምዕብልና፤
  5. ሃይማኖታት፡ ካብ ናይ ወጻኢ ተቕዋማት ጸግዒ ወጺአን፡ ብርእሰን ክመሓደራ
  6. ብኢኮኖሚ ዝመጽእ፡ ርእስኻ ምኽ ኣል።

 

ካብቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንትሕዝቶ ኣዋጅ መንግሥቲ ኤርትራ ኣመልኪታ ዝሃበቶ መልሲ፡ ገለ ክፋሉ እንሆ። ናይ ሃይማኖትን ፖሊቲካን ምፍልላይ፡ ቤተርስትያን፡ ካብ 20 ክ.ዘ. ንደሓር፡ ብግልጺ እንትሰርሓሉ መትከል ከምዝኾነን፤ መንነታን ዕላማኣን ድማ፡ መለኮታዊ መሰረት ዘለዎ፡ ናይ ባዕላ ሕጋዊ ኣቃውማ ሒዛ ትኸይድ፡ ዘይፖሊቲካዊት ማኅበር ከምዝኾነት ገሊጻ። ብዝያዳ ድማ፡ መንግሥትን ሃይማኖትን (ቤትክርስትያንን) ገግራቶም ድኣ ይሃልዎም እምበር፡ እቲ ኩሉ ኣገልግሎት፡ ንሰብ (ንዜጋ) ስለዝኾነ፡ ሰብ ብምድራውን ሰማያውን (መንፈሳውን) ሕይወቱ ምልኣትንኽረክብ፡ ተደጋጊፍካ ምስራሕ ሠናይ ከምዝኾነ፡ ክደጋገፉ ከምዝግባእ ኣብሪሃ። ብተወሳኺ፡ ቤተክርስትያን፡ እቲ ማኅበራዊ ስራሓን ዕላማኣን፡ ኣካል ናይቲ ወንጌላዊ ወይ መንፈሳዊ ጉስነት ስለዝኾነ፡ መንግስቲ ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሰክፍን ዘስግእን ምኽንያት ከምዘይብሉ፡ አብሪሃ። ምስዳዕ’ውን ፍጹም ቅቡል ከምዘይኮነን፡ ብግብርን ብመትከልን ከምእሰርሓሉ፤ ኣብ ኣሰራርሓ ዝርከብ ናይ ሰባት ድኽመት ወይ ጉድለት ምስ ዘጋጥም ድማ፡ ንምእራሙን ንዘተን ቅርብቲ ከምዝኾነት ሓቢራ። ሰብኣዊ ምዕብልና ብዝምልከት፡ ከም ካቶሊካውያን፡ እቲ ሓደ ኣካል እቲ ሓዋርያዊ ተልኮና ከምዝኾነን፡ እዚ ድማ ብቐንዱ ኣምላኻዊ ትእዛዝን (ማቴ፡ 25) ከምዝኾነ ብሰፊሕ ኣብሪሃ።

ኣብቲ፡ ‘ካብ ናይ ወጻኢ ተቕዋማት ጸግዒ ወጺእካ፡ ብርእስኻ ምምሕዳር’ ዝብል ክፍሊ ኣዋጅ’ውን፡ መንግስቲ ኣብ ካቶሊካ ካብ ዘሎዎ ስክፍታን ዘይምሉእ ተገንዝቦን፡ ዝተበገሰ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንዘለዋ ኣቕዋም፡ ብኸምዚ ገለጽዎ፡ “ኣብ ኤርትራ ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ወይ ድማ ፖሊቲካዊ ምንቅስቓስ ከምዘይትውክል፣ ከምዘይትተኣሳሰር፣ ናጽነትን ገለልትነትን ዝኣተንኡ መገዲ ሒዛ ከምትኸይድን፣ ንኸምዚ ዝበለ ኣገባባት፡ ቦታ ከምዘይትህቦን፡” ኣድቂቓ ገሊጻ። በቲ ኻልእ ድማ፡ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ፡ ካቶሊካዊት ቤተግርስትያን ብባህሪኣን ብመንነታን፡ ዓለም-ለኻዊት (international) ብምዃና፡ እዛ ኣብ ኤርትራ ዘላ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድማ፡ ምስታ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘላ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ርክብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓድነት’ውን ኣለዋ። እዚ ርክብ እዚ ግን፡ ብሓባራዊ ምትሕግጋዝን ብሓልዮ-ሓድሕድን ዝግለጽ፡ ገሊኡ’ውን ከም ምጽወታ ዘይኮነስ ከም ናይ ኩላ ቤተክርስትያን ንብረት ካብ ዝኾነ፡ ሓባራዊ ማዕከን ወጺኡ፡ ከከም ኣድላይነቱን ግድነቱን፡ ንኹሉ ካቶሊክ ዝዕደል፤ ናይ ግቡእን መሰልን ብጽሒት እዩ። እዚ ርክብን ምትሕግጋዝን እዚ ግን፡ ብመሰረቱ ዕላማኡን ኣገባቡን፡ መንፈሳዊ መልክዕ እምበር፡ ፖሊቲካዊ ባህሪ ዘለዎ ኣይኮነን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ንናይ ሕዝብታት ሃገራዊ መንነት ኮነ ፖሊቲካዊ ናጽነትን ናይ ርእሰውሳኔ መሰልን ትሕሉን ተኽብርን። ነቲ ‘ብኤሮኖሚ፡ ርእስኻ ምኽኣል’ ዝብል ክፍሊ ኣዋጅ ድማ፡ ብመትከል፡ ከም ትኣምነሉን እትደልዮን ድኣ ይኹን እምበር፡ ብግሪስ፡ ምስቲ ዘሎ፡ ኤኮኖሚያዊ ዓቕሚ ሃገርናን ቁጽሪ ኣመንትን፡ ጽንኩር ምዃኑ፡ ኣብሪሃ።

መደምደምታ፡

ኣብ ኤርትራ፡ ነዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት እንተመርሚርናየን፡ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ዕለተ ድኽነት ዕለተ ስደት፡ ዕለተ ሞት ዝዓዘዘንን፤ ጨና ምዕባለን ሰላምን ዝበኾረንን ዕለታት ምንባረን፡ ግሁድ እዩ። እቲ መሠረታዊ ምኽንያት ናይ እዚ ድማ፡ ገዛእ ርእስኻን ኣካይዳኻን ምስሓት ወይ ዘይምፍላጥ፤ ንመሪሕነታዊ ሃገራዊ ኣከያይዳናን ፕሮግራምናን፡ በተን ንሕንጸት ጥዑይ ሰብን ሕ/ሰብን ቅኑዕ ምዕብልናን መሰረት ዝኾና፡ ሓቅን ፍትሕን ናጽነትን ምትሕልላይን (ፍቕርን)፡ ብቀንዱ ድማ ምኽባር መሰረታዊ መሰል ሰብን (ዜጋን)፡ ዓንዲ ማእከል ሃገርን ሕዝብን ጌርና፡ ነንህድ ሕድና ጽን እናተባሃልናን ቅኑዕ ገምጋም እናገበርናን፡ ክንነብርን ክንጉዓዝን ከነመሓድርን ስለ ዘይበቓዕና ጥራይ እዩ፡ ክብል እኽእል። እቲ ኣገዳስን ኣብ ምዕራይ ወይ ምድሓን’ዚ ሃገራዊ ዕንወት’ዚ ዝበኾረ ግደ፡ ሕጂ’ውን ጌና በኺሩ ዘሎ ግን፡ ተራ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ምሁራትን ዓበይቲ ዓድን ኤርትራውያን እዩ። ብኣንጻሩ እዃድኣ ብዙሓት ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖታትን፡ ነዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናተጋህደ ዝመጸ ሕዝባዊ ሃገራዊ ዕንወት፡ ብስቅታን ብኣሉታዊ ተግባርን፡ ብዙሕ ሓገዝ ለጊስናን ጌና ንልግስ ኣሎናን እንተበልኩ፡ ታሪኽ እዩ ፈራድየይ።

ኣብ ሃገር ንበይንኻ ኣይንበርን፤ በበይንኽ ክግበር ዝኽእል’ውን፡ ዓወቱ ኣዕጋቢ ኣይከውንን። ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ከም ሃይማኖታዊ ተቕዋም፡ ንበይና ክትገብሮ ትኽእል የለን፤ ግን ከኣ፡ ስለዘተፈልጠ ድኣምበር፡ ብዘይ ምግናን ጊደኣ ካብ ምግባር ኣይዓረፈትን። ግደ ምሁራንን፡ እቶም ገለ ሐሕማቕ ባህሊ ሳሕል ዝዓብለሎም ካልኦትን፡ “ኣቦ ምኽርኹም ሃቡና” ዘይፈልጡ ውሉዳት ስለዘይተረኽቡን’ምበር፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ሃገርና ጀሚራ፡ ብኤርትራውያን ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ስነፍልጠትን እተሰነየ፡ ነናይእዋኡ ኩነታት ሕዝብና ዘንበበን፡ ብቑዕ ግንዛቤን ኣገዳስነትን ዘለዎ (by reading the sign of our time through prayer, meditation, deep study and consultation) ዝተሰነየ፡ ንህሉው ሃገራዊ ሕይወትና ኣዝዩ ቅርበት ዘለዎ፡ ኣገዳሲ ኣባታውን ሞራላውን ሃገራውን ምኽሮም፡ በብ እዋኑ፡ ብመልክዕ ሓዋርያዊ መልእክታት ብምጽሓፍ፡ ለጊሶም እያቶም፡፡ ብፍላይ እታ ኣብ ፈለማ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዘውጽእዋ፡ “ ሰላምን ምዕብልናን፡ ብዝተሓደሰ መንፈስ፡ ንሓዳስ ኤርትራ” እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ፡ ብግቡእ ተረዲእና እንተ ንትግብራን ኣጀማምራና እንተነጸብቕን፡ ብርግጽ ሎሚ ኣብዚ አይምወደቕናን። እዛ መልእክቲ’ዚኣ፡ ካብ ታሪኽ ገድልን ኩናት-ሓድሕድን፡ ናይ ሰውራ ጨካን ባህልን መጻኢ ዕድል ዲሞክራስን፡ ኣገናዚባ፡  ከም ስምዕታ ወይ ምሕጽንታ፡ “… ካብ ታሪኽ ተማሂርና፡ ንዘይተዛዘመ ጉዕዞና ብግቡእ ክንዛዝም እንድሕሪ ኮይና፣ እቲ ናይግድን ዘድልየና ሃገራዊ ዕርቂ ክንፍጽም እንድሕሪኮይና፣ ቅኑዕን ብቑዕን ምዕብልና ክንሃንጽ እንድሕሪ ንደሊ ኮይና፣ … ቅድሚ ኩሉ፡ ሃገር ብሥነ-ምግባራውን ሞራላውን መንፈሳውን ኣገባብ፡ ከምብሓዲሽ ክትሕነጽን ፈጺማ ክትሕደስን ከምዘድልያ ግልጺ እዩ” ኢላ ነበረት። ዝተገብረ ፍረ ኣይተረኣየለን፤ ብኣንጻሩ እኳድኣ፡ ሓደ ካብቲ ንመንግስቲ፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘለዎ፡ ብዙሕ ግሁድን ዘይግሁድን ምትህልላኽ፡ ከምኡ እዚ ናይ ትማሊ፡ ሕዝቢ ዝናበየሉ፡ ካቶሊካውያን ኣብያተ ሕክምናታት ምውራስ፡ ካብዚታት ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእል።

እግዚኣብሔር ይሃበለይ – ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

[1] እዚ ብላቲን sui iuris ዝብል ሕጋዊ ቃል ቛንቛ ኮይኑ፡ ትርጉሙ “of its own right – መሰል ናይ ገዛእ ርእስኻ ሕጋዊ ኣቃውማ ምውናን” ማለት እዩ።

[2] ንምሉእ ትሕዝቶ እቲ መግለጺ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ “መንገድታቱ ኣቕንዑ” (Making God’s Ways Straight)፡ ሓዋርያዊ መልእኽታትን ሰነዳትን (1991-2007)፡ ገጽ 53፤ ወይ መጽሔት ብርሃን፡ ሓምለ 1993 ዓ/ም/ግ፡ ቁ. 9(605) ተመልከት።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Mike June 30, 2019

    Anything that deals for fairness and just is always good. It is even better when it is challenging unfairness and it is from the house of worship. So I say keep it up.

    The serious point I have however is:

    Almost all house of worship in Eritrea and outside of Eritrea have been quite to this point – well this has a bit generalization – the only Church that suffered the most is that of a Jehovah witness and to some degree the Coptic Orthodox. The rest of the house of believers have been quite if not mute when the pain and unjust in Eritrea has been going on. Did the Golden Book state speak when there is unjust? Act when there is prosecution?

    It seems to me that we all, Eritreans, wait on the side until our own blood line or house of worship, or something that has of some value is at risk of being squeezed by present Eritrean government. Worst yet, we all seem to react to regional movements that are changing and forcing governments to be toppled by mass movement. That is pathetic and so weak. We all come out hibernation when a neighboring nation population to Eritrea rises up to say “they had enough”.

    there are two things left that changes in Eritrea to happen, Either God has to come down Himself to say it is enough or one of the neighboring nations people around Eritrea to – somehow by some miracle to cross over and demand Eritrean government to relinquish its power. Well, Both of the later items may not happen in a literal sense but it might be just that that is happening however.

    Peace and end to prosecution to all Eritreans

    Mike

  • Danilo June 30, 2019

    Excellent article thank you dottore, and also good commentator Mike. The enemy of faith, human being and country isayas with his tugs are indeed undermining the good service NO PROFIT for all who needs. My astonishing question is “…then, what a diabolic version vs holly word “? …brothers and sisters we have to do something to avoid total destruction. The beloved country is empty. No one could wage rebellion in side. My hope is only if we return back home and fight!

  • Hagherawi July 1, 2019

    “Eritrea and outside of Eritrea have been quite to this point – well this has a bit generalization – the only Church that suffered the most is that of a Jehovah witness and to some degree the Coptic Orthodox. The rest of the house of believers have been quite if not mute when the pain and unjust in Eritrea has been going on.”
    Mike

    Are you sure that the “rest” are not suffering?
    You could be one of those allergic to hearing the word “Muslims”.
    What abou the Muslim teachers and hundreds of civilians who were made to disappear ?
    Every time their community complained of being brutalized by the regime, some of you, accused the victims of being Jihadists and stood with the dictator.
    Why the double standard?
    As long as we continue to use different standards for the same issues, our problems will only get worse.
    We are to blame for the suffering of our people, because we have a highly compartmentalized view of the world, which is the root cause of tyranny in Eritrea.

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply