Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብሓደጋ ተሰዊኦም

ክልተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብሓደጋ ተሰዊኦም ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ስደት ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ወሲዶም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዶብ ቆሪጾም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ  ዝኣተው ድምጻዊ መርሃዊ ስብሃት-ለኣብን ደራስን ተዋሳእን ዮናስ ዮውሃንስን (ኪኮ) ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው እናተጓዓዙ

ክልተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ብሓደጋ ተሰዊኦም

ከም ኩሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ስደት ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ወሲዶም ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዶብ ቆሪጾም ናብ ጎረቤት ኢትዮጵያ  ዝኣተው ድምጻዊ መርሃዊ ስብሃት-ለኣብን ደራስን ተዋሳእን ዮናስ ዮውሃንስን (ኪኮ) ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው እናተጓዓዙ ብዘጋጠሞም ዘስካሕክሕ ናይ መኪና ሓደጋ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ። እዞም ክልተ ዕሸላት ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት ዶብ ድሕሪ ምስጋሮም ኣብ እንዳባጉና ዝተባህለ ከተማ ናይ ምዝገባን ቃለ-መሕትትን መስርሕ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም ናብ’ቲ ኣሕዋቶምን መሳርሕቶምን ስነ-ጥበበኛታት ዘለዉዉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ኔሮም። ይኹን’ምበር ምስ ብጾቶም ከይተራኸቡ ምስ ክቱር ናፍቖቶም ብኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ሓደጋ ንሕልፈት ተዳሪጎም።

ስነ-ጥበበኛታት መርሃውን ዮናስን ዶብ ምስ ሰገሩ፡ “ንምንታይ ናብ ኢትዮጵያ መጺእኩም” ተባሂሎም ምስተሓተቱ፡ ከም’ቲ ኩሉ ሰብ ዝብሎ ማለት “ኣብ ሃገርና መሰል ስኢንና፡ ባርነት ነዊሑና ወዘተ” ዝብሎ ጥራይ ኣይኮነን ዝበሉ፡ እንታይ ድኣ “ንሕና ክንቃለስ ኢና መጺእና፡ ኣብ ጎድኒ’ቶም ዝቃለሱ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ኣሕዋትና ተሰሊፍና ለውጢ ንምምጻእ ኣንጻር’ቲ ሕሱም ስርዓት ክንቃለስ ኢዩ ቀንዲ መምጽኢና” ዝብል ፍሉይን ሞራል ዝመልኦን መልሲ ኢዮም መሊሶም።

እዞም ሙሉእ ተስፋን ሃንቀውታ ናይ ቃልሲን ለውጥን ዝነበሮም መንእሰያት ገና እግሮም ከይኣተዉ ኢዮም ቃልሶም ጀሚሮሞ። ምስ’ቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ብጾቶም ድሮ ብቴሌፎን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጦም ሓደስቲ ናይ ቃልሲ ስራሓት ንምስልሳል መደባት ኣውጺኦም፡ ንምትግባሩ ድማ ጉዕዞ ጀሚሮም። እንተኾነ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ ቀዳም 26 ሕዳር 2016 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንኽኣትዉ ኣስታት 100 ኪ.ሜ. ምስተረፎም ምሸት ስዓት 8፡00 ኣቢሉ ይኸውን፡ ኣብ ጨኪ ዝተባህለት ንእሽቶ ቁሸት ብዝተፈጥረ ናይ መኪና ግጭት ተሰዊኦም።

ወኪል ኣሰና ዓይነታ ምሕረታኣብ ኣብቲ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ቦታ በጺሑ፣ ነቶም ግዳያት ኣብ ምልዓል ተሳቲፉ ዝለኣኾ ጸብጻብ 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde November 29, 2016

    The talent and the untapped potential that is being wasted in this young nation in the deserts,high seas,squalid make shift camps,foreign city streets……..and like this one unexpected devastating car crush,a failed state is a moderate judgement.The Lord keeps what belongs to him,”ONLY THE GOOD DIE YOUNG’ RIP.

  • homeless people November 29, 2016

    ጽንዓት ንቤቴ ሴቦን፡ንአዕርኾቶምን፡ፌቴውተምን ኬምኡ ውን ንሜላእ ህዝቦም።ንስብሃትን ዮናስን ሜንግቴ ሰማያት ዬዋርሶም።ካብ ሞት ዜምልጥ ፍጡር አይክህሉን ዩ።ኮይኑ ግን ናይ ኤርትራውያን ሞት ክልቴ ሞት እዩ ኮይኑ ዜሎ ፡ምንባር አብትሕቲ ስርዓት ኢሴያስ አፌዌርቂ ንባዕሉ ሞት ዩ።

  • adhanom November 29, 2016

    Rip. Yonas and merhawi.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply