Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክልተ ጊዜ ተወጺዕኻ”

ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ ንቖሎ ስገም - ዓሚካ ትግስሞ ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ ንመደብ ስራሕ - ኣቐዲምካ ትኣልሞ ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ ባኺኑ ከይተርፍ - ውጽኢት ጻዕርኻ ተጋየይ ኣስተውዕል - የማን ጸጋምካ ንዓል ገበል ጎብየ - ከቲሮም ከይበልዑኻ ተጠንቀቕ መርምሮ - ጉዕዞ መገድኻ። ብእግርኻ ይረግጹ - ብጫማኻ

ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ

ንቖሎ ስገም – ዓሚካ ትግስሞ

ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ

ንመደብ ስራሕ – ኣቐዲምካ ትኣልሞ

ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ

ባኺኑ ከይተርፍ – ውጽኢት ጻዕርኻ

ተጋየይ ኣስተውዕል – የማን ጸጋምካ

ንዓል ገበል ጎብየ – ከቲሮም ከይበልዑኻ

ተጠንቀቕ መርምሮ – ጉዕዞ መገድኻ።

ብእግርኻ ይረግጹ – ብጫማኻ ይኸዱ

ንልሳንካ ጨውዮም – ብዛዕባኻ የኻዕድዱ

መንነትካ ዘንጊዖም – ብምልሓሶም ይዓብዱ

ንስኻ ክትርህጽ – ንሳቶም ክበልዑኻ

ኣራዕጢጦም ክድቅሱ – ብጥሙይ ከብድኻ

ይኣክል ከይትብሎም – ንስርሖም ፈሊጥካ

ንሕና ንስኻ ይብሉኻ – ከራግፉ ጁባኻ

ብሽም ስውእ ዝንግዱ – ጸላእቲ ህዝብኻ።

በዓል ሽኮር ምቁር – በዓል ለዛ

ፀዋታኻ ምኽርኻ – ከም ዋዛ

ንኹሉ ነይሩካ – ብደጌ ብገዛ

ንጎቦ ተቕልሎ – ንሽግር ተዝልሎ

ንዝሃበ ተቐቢልካ – ብፍቕሪ ተላዝቦ

ህንካን ሃባን – ብግብሪ ተዕንብቦ

ማዕርነት ነጊሱ – ኣብ ኩሉ ክትረኽቦ

ብፍትሒ ጽዲቑ – ብሕጊ ተዕግቦ

ንቅጥፈት ንሓሶት – ብሓቂ ትበትኮ

ህግደፍ ከይተወልደ – ስርዓት ኣልቦ

ሃገርና ህዝብና – ከይአተወ መጻብቦ

ኣያ ነይርካ ቀደም – ናይወጽዓት ኣቦ።

 

ጎቦ ድዩ ዘይደየብካ – ሕሉም ዘይወረድካ

ዕንቅፋት ድዩ እሾኽ – ኣናሕስዩ ዝገደፈካ

ሕማም ድዩ መስዋእቲ – ዘሊሉ ዝሓለፈካ

ኣብ ጽምዋ በረኻ – ደኺምካ ዝወደቅካ

ኣብ መወዳእታ ግና – ተጨውዩ ጻዕርኻ

ንስኻ ትነብዕ – ይስደዱ ደቅኻ

እቲ ናትካ ኩሉ – ናትና ምስበሉኻ

ትቓዝም ትሓዝን – ንሕሉፍ ዘኪርካ

ብሽምካ ተነጊዱ – ጸላኢ ስዒርካ

ኣብ ረብሓ ምምቕቓል – ቁልቁል ኣፉ ተድፊእኻ

ኤርትራዊ ተሕዝን – ክልተ ጊዜ ተወጺዕኻ።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 09/17/2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT