Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡራት ኣንበብቲ መቃብር ህሉዋት፡ እነሆ ምዕራፍ 5 ይጅምር።

       ክቡራት ኣንበብቲ መቃብር ህሉዋት፡ እነሆ ምዕራፍ 5 ይጅምር። ምዕራፍ 5፡ ማክሮን ጸገማቱን                                                       ኣብ ሓላፍነት ዝተመደበ ሰብ፡ ኣብ ትሕተኡ ናይ ዝሰርሑ ሰባት ምኽርን ሓበሬታን ከይተቐበለ ክሰርሕ ዝፍትን እንተ ኾይኑ፡ ምስ መራሒኡ ከም ዝብኣስ ዘሎ

      

ክቡራት ኣንበብቲ መቃብር ህሉዋት፡ እነሆ ምዕራፍ 5 ይጅምር።

ምዕራፍ 5፡ ማክሮን ጸገማቱን

                                           

          ኣብ ሓላፍነት ዝተመደበ ሰብ፡ ኣብ ትሕተኡ ናይ ዝሰርሑ ሰባት ምኽርን ሓበሬታን ከይተቐበለ ክሰርሕ ዝፍትን እንተ ኾይኑ፡ ምስ መራሒኡ ከም ዝብኣስ ዘሎ ዓይነሰዉር ክቝጸር ይኽእል።               

                                          ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ

ናብ ኣስመራ ተቐዪረ ከም ሓላፊ ኦፐረሽን ስራሕ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን፡ ኣብ ዝኾነ ስራሕ ምኽትል ስለ ዝነበረ ቀንጠብ ከም ምኽትለይ፡ ካልኦት ክልተ መንእሰያት ድማ ከም ተሓጋገዝቲ ኣብ ትሕተይ ተመዲቦም ነይሮም። ስራሓት ጨንፈር ኦፐረሽን ከም ስሙ ንዕለታዊ ስራሓት መደበራት ግምሩክ ምክትታል ኮይኑ፡ ጕዳያት ኢምፖርት ኤክስፖት፡ ሪ-ኤክስፖርት፡ ናይ ትራንዚት ንግድ፡ ቦንድድ ዌርሃውስ፡ ምቍጽጻር ንጥፈታት ትራንዚተራት፡ ንኤምባሲታት ዝምልከት ናጻቀረጽን ምስኡ ዝተሓሓዝ ስራሓትን ምፍጻምን ምክትታልን’ዩ። ኣብ ፈለማ፡ ግምሩክ ከም ትካል ነብሱ ክኢሉ ብዝሰርሓሉ መንገዲ ክውደብ ኣለዎ ስለ ዝተባህለ፡ ቅርጺ ተነዲፉ፡ እጃም ስራሕ ናይ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ ቦታ ተሰኒዱ ናብ ሓላፊ ቀሪቡ። ነዊሕ ከይጸናሕና ድማ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ደሞዝ ናይ ነፍስወከፍ ናይ ስራሕ ቦታ ክንደይ ክኸውን ከም ዘለዎ ብዘይ ዕቃበ ኣቕርቡ ዝብል መምርሒ ተዋህበና። ኵሉ ሰብ ድማ፡ “ሎምስ ግምሩክ ቈላሕታ’ባ ተገይሩሉ፡” ካብ ዝብል ተስፋ ተበጊሱ ብትግሃት ላዕልን ታሕትን ክብል ጀመረ። እቶም ኣብ ኮሚቴ ዝተመዘዝና ሰባት፡ ስራሕ ግምሩክ ተኣፋፊ ስለ ዝኾነ ኣባላቱ ብንጽህና ክነጥፉ እንተ ኾይኖም፡ ኣዕጋቢ ደሞዝ ክወሃቦም ኣለዎ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበረና፡ ዓሰርተ ኽልተ ክፍሊ ናይ ዝወድአ ተራ ፈታሽ ደሞዝ ክሳብ ሽሕን ክልተ ሚእትን ብር፡ ናይ ሓላፊ ክፍሊ ግምሩክ ደሞዝ ድማ ክሳብ ሰለስተ ሽሕ ብር ሸኒንናዮ ከም ዝነበርና ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ። እዚ ገንዘብ’ዚ ብናይ ሽዑ ሸርፊ፡ ካብ ክልተ ሚእቲ ክሳብ ኣርባዕተ ሚእቲ ዶላር ይጽጋዕ ከም ዝነበረ ክዝንጋዕ የብሉን። መምርሒ ኢሳያስ ክነሱ ግን መሰረት ከም ዘይነበሮ ብኣጋኡ ተጋሂዱ።

ብኸምዚ ጽቡቕ ክንቀሳቐስ ጸኒሕና፡ ሃንደበት እቲ ንብዙሕ ሰብ ኣብ ሃልከትከት ዘእተወ ዳግመ ስርርዕ ዝብል ሓድሽ መምርሒ ስለ ዝተኣወጀ፡ እቲ ዅሉ ድኻምን ስራሕን ፍረ ኣልቦ ኾይኑ ተሪፉ። ሽዑ መንግስቲ ብኸመይ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ፍጹም ክርድኣኒ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ሎሚ ሓደ ነገር ክትብል ጸኒሕካ ጽባሕ ግምጥል ኢልካ በንጻሩ ኣይትዛረብን ኢኻ። ብዝኾነ፡ ካብ ሓይሊ ዕማም ዝተላእከ ናይ ዳግመ ስርርዕ ወይ ምጽልጻል መደብ፡ ሓደ ቅጥዒ ተዋሂቡና ብደረጃ ሓለፍቲ ጨንፈር ኣብ ዝቘመት ኮሚቴ ተወዲብና ስራሕ ጀመርና። እቲ መሰረታዊ ዕላማ፡ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ጋዜጣ ዓንገረር ዝተባህለሉ፡ ነቲ ዝያዳን ዘየፍርን ሓይሊ ሰብ ኣለሊኻ ድሕሪ ምጽልጻል፡ ቅርጡውን ኣፍራዪን ዝብሃል ሰራሕተኛ ጥራይ ከም ዝቕጽል ምግባር ዝብል ነይሩ። ውጽኢቱ ግን ኣብ ብዙሕ ቦታ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግምሩክ ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን። ምኽንያቱ እቲ መምርሒ ንዅሉ ትካላት መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ብማዕረ ተዘርጊሑ ከብቅዕ ኣዝዩ ገፊሕ ሓላፍ ዘላፍ ነይሩዎ። ናይ ካልኦት ኣሃዱታት ክዛረብ’ኳ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ኣብ ግምሩክ ዝተጠቐምናሉ ኣገባብ፡ ደረጃ ትምህርቲ ብዘየገድስ ከድምዕ ዝኽእል ሰብ ክጸንሕ፡ ኣየድምዕን’ዩ ዝተባህለ ድማ ክጽልጸል ኢና ወሲንና። እቶም ዝተጸልጸሉ ሰባት ድማ መብዛሕትኦም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተቘጽሩ ሲቪልን ዓቕሚ ዝሓጽሮም ተጋደልትን ነይሮም።

ኣብ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ንዝነበሩ ኣባላት፡ ነፍስወከፍ ሓላፊ ናቱ ገምጋም ከቕርብ ከሎ፡ ንመደበራት ብዝምልከት ግን ሓለፍቲ መደበራት ናብ ኮሚቴ እናቐረቡ ብዛዕባ ነፍሰወከፍ ሰብ ይሕተቱ ነይሮም። ኮሚቴ ናቶም ሰሚዕና ገምጋም ክንወስድ ንፍትን’ኳ እንተ ነበርና፡ ነቶም ኣባላት ኣዳቒቕና ንፈልጦም ስለ ዘይነበርና ኣብ ሓበሬታ ሓለፍቲ መደበር ክንምርኰስ ንግደድ ኔርና። ጌጋ ይኽልኣለይ’ምበር እቶም ዝተጸልጸሉ ብድምር ካብ ሰላሳ ይበዝሑ ኣይነበሩን። ፍላንሳ ድሮ ሓዳርና ወጺእና ኢና ኢሎም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ ዘረባ ጸሊእና ናይ ገዛእ ርእሶም መስርሕ ከካይዱ ኢና ገዲፍናዮም። መስርሕ ምጽልጻል ወዲእና ጸብጻብና ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምስ ኣቕረብና ግን ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ “እዚኣቶም ውሒዶም ኣለዉ። ደረጃ ትምህርቶም ትሑት ዝኾነ ሰባት ስለ ዘለዉኹም፡ ዳግማይ ርኢኹም ክትጽልጽሉዎም ኣለኩም፡” ዝብል መምርሒ ሂቦምና። ኣብቲ ስራሕ ዝነበርና ሰባት ብግቡእ ኢና ሰሪሕና ዝብል ሓሳብ ስለ ዝነበረና ነቲ መምርሒ ብምሉእ ልቢ ኣይተቐበልናዮን። ትእዛዝ’ዩ ስለ ዝተባሃልና ግን ነቶም ትሕቲ ሻድሻይ ክፍሊ ዝነበሩ ተጋደልቲ ደም እናጠዓመና ክንጽልጽሎም ተገዲድና። ጸብጻብ ተወዲኡ ምስ ተላእከ፡ ሓለፍቲ ሚ/ፋይናንስ ምስ ፍሉያት ሰባት ጽልኢ ዘለዎም ክመስሉ ዳግማይ ኣስማት ሰብ ብምጥቃስ፡ “በዓል መልኣከን ሰረጀቓን ትሕቲ ሻሙናይ ክፍሊ ስለ ዝኾኑ ግድነት ክጽልጸሉ ኣለዎም፡” ዝብል ተሪር መልእኽቲ ልኢኾምልና። ወዲመስፍን፡ ነቲ ጕዳይ እናተሰከፈ ምስ ገለጸልና ድማ ኩላትና ብሓደ ድምጺ ተቓውሞና ኣስሚዕና።

ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዓቕሞም ትሕቲ’ዞም ዝተጠቕሱ ይጸልጸሉ ዝብሃሉ ዘለዉ ሰባት ምህላዎም እናተፈልጠ ከም ዘይተጸልጸሉ ስለ ዝፈለጥና፡ “እቲ መምርሒ ሓደ ክነሱ ስለምንታይ ግምሩክ ንበይኑ ዘየሎ ኣሰራርሓ ክፍጽም ዝእዘዝ? እዞም ሰባት’ዚኦም ድማ ዓቕሚ ስለ ዘለዎም ኣብ ስራሕ ከድምዑ ይኽእሉ’ዮም፡” ክንብል ኣትሪርና ተቓወምና። ኣልኣዛር ግን፡ “ኣስማቶም ፈልዮም እከለን እከለን ክጽልጸሉ ኣለዎም ዝብል ትእዛዝ ስለ ዝሃቡና፡ ነቲ ትእዛዝ ፈጺምና ተቓውሞና ክነስምዕ ጥራይ ኢና ንኽእል። ቍልቍል ዝኣፉ እምቢ እንተ’ልና ግን ኣብያ ስለ ዝኾነ የሕትተና’ዩ፡” ዝብል መልሲ ሃበና። ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝነበረ ኵነታት ብፍላይ ኣብቶም ሲቪል፡ ውልቃዊ ጕዳይ ስለ ዝተሓወሶ ኣብ ስራሕ ኣድማዕቲ ዝነበራ ሰባት ክጽልጸላ ከለዋ፡ ኣብ ተጋደልቲ ግን ዓቕሞም ድሩት ዝነበረ ሰባት ክቕጽሉ ክኢሎም። ሰብ ንዘይብሉ እዝጊ ኣለዎ፡ ሜስ ንዘይብሉ ማይ ኣለዎ ከም ዝብሃል ግን እቶም ብዘይንሕስያ ካብ ግምሩክ ዝተጸልጸሉ ሰባት፡ ንግዜኡ ዓቕሎም ኣጽቢቦ’ምበር ኣብ መጨረሽታስ ልዕል’ቶም ዝጸልጸሉዎም ሰባት ክኾኑን ህይወቶም ብግቡእ ክመርሑን ከም ዝበቕዑ ብግብሪ ክንዕዘብ ክኢልና።

*          *          *

            ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ብዙሕ ከበሮ ዝተሃርመሉ፡ ብመሰረት ማክሮፖሊሲ ተነዲፉ ዝብሃል ታሪፍ ግምሩክ ድሮ ተኣዊጁ ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ቀቅድሚ ምእዋጁ ግን ኣብ ምንዳፍ ታሪፍ ዝተሳተፍና ሰባት፡ “እዚ ኣዋጅ’ዚ ካብ መዓስ’ዩ ኣብ ግብሪ ክውዕል?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናስ ወዲመስፍን፡ “ካብቲ ናብ ህዝቢ ዝተዘርግሓሉ መዓልቲ ከም ዝጅምር ተሓቢሩና ኣሎ፡” ምስ በለና፡ “እሞ ቅድሚ ኣዋጅ ዝተበገሰ ኣቕሑ ክህሉ ስለ ዝኽእል፡ ነዚታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ነይሩዎ፡” ዝብል ናይ ሓባር ርእይቶ ሃብና። ንሱ’ውን: ‘‘ከም ግቡእ ከምኡ ክኸውን ከም ዘለዎ ርዱእ ነገር’ዩ’’ ብምባል ንርእይቶና ስለ ዝተቐበሎ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኣሕለፎ። ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝነበሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግን፡ “ከምኡ ዝብሃል ነገር የሎን፡” ዝብል ሓጺር መልሲ ከም ዝሃቡ ፈሊጥና። እቲ ነገር ግን ዳርጋ ካብ ዝበልናዮ ኣይሓለፈን። ኣብ ሰሙኑ በቲ ሓድሽ ታሪፍ ናይ መካይን ዝተባእሱ ሰባት ናብ ቤትጽሕፈተይ ወረር ወረር ክብሉ ጀመሩ። ናብ ላዕለዋይ ኣካል ክጠርዑ ስለ ዝሓበርኩዎም፡ ካባይ ናብ ወዲመስፍን ካብኡ ድማ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ በጽሑ። ኣብ መጨረሽታ ፍታሕ ስኢኖም ናብ ኢሳያስ ምስ ጠርዑ፡ “እቲ ቅድሚ ኣዋጅ ዝተበገሰ ንብረት ብምሉኡ መጽዓኒ ሰነድ ናይ ሰብ ጕዳይ እናተራእየ በቲ ቅድሚ ኣዋጅ ዝነበረ ታሪፍ ከም ዝኸፍል ይገበር፡” ዝብል ቅጽበታዊ መምርሒ ተላእከልና። “ኣይበልናንዶ!” እናበልና ድማ በቲ ሓድሽ መምርሒ መሰረት፡ ቢል እናረኣና ናብ መደበራት ደብዳቤ ኣብ ምጽሓፍ ኣተና።

ኣብ ምትግባር’ቲ መምርሒ ግን ብፍላይ ኣብ ጕዳይ መካይን ምስ ተገልገልቲ ዘሰሓሓበና ጕዳይ ተጋሂዱ ነይሩ። ምኽንያቱ ግምሩክ፡ መካይን ብዓመተ ምህረት ክኸፍላ ብምውሳን ሓደስቲ መካይን ዝተሓተ ታሪፍ፡ ኣረገውቲ ድማ ዝለዓለ ታሪፍ ሰሊዑለን ነይሩ። እዚ ድማ ሃገር ኣደዳ ኣረጊት ሓጺን ኣይትኸውንን ጥራይ ዘይኮነ ካብ ብከላ ትድሕን፡ ንመግዝኢ መቀያየሪ ኣቕሑ ዝተሓስበ ናይ ወጻኢ ባጤራ ድማ ኣብ ካልእ መዓላ ይውዕል ካብ ዝብል ሰናይ ሓሳብ ነይሩ። ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ግን ኮሚቴ ታሪፍ ዘይኣመነትሉ፡ መካይን ብሓይሊ ሞቶረ ወይ ሲሲ ክኸፍላ ዝእዝዝ ታሪፍ ወሲኑ። በዚ ታሪፍ’ዚ መሰረት፡ ሓንቲ 2000 ሲሲ ዘለዋ ሓዳስ ቶዮታ፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ብር ቀረጽ ትኸፍል ስለ ዝብሃል፡ ኵሉ ሰብ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ንላዕሊ ዘይከፍላ ኣረገውቲ ፓንዳ ወይ ፊያት ኡኖ ጥራይ’ዩ ከምጽእ። እቲ ጕዳይ ከኣ ብልክዕ ናብ ከምኡ ኣምሪሑ። ካልእ ይትረፍ ፖሊሲና ኣንጻር ብከላ’ዩ ኢልና እናጨራሕናን ካልኣይ ኢድ ኣቕሑ ክኣቱ የብሉን እናበልናን ትንፋሰን ዝመለቛ መካይን ይእተዋ ክብሃል ከሎ ተጋራጫዊ ኮይኑና።

ሓበሬታና ጸማም እዝኒ ስለ ዝተዋህቦ ግን ኣስመራ ኣብ ሓጺር እዋን ከክንዲ ኵዕሶ ብዝኾና ኣረገውቲ መካይን ጥራይ ቅጽጽ በለት። ዝበዝሓ ሃገራት ናይ’ዚ ከባቢ ከምቲ ኣቐዲመ ዝተጠቕሰኩዎ ፖሊሲ’ዩ ነይሩወን። መራሕትና ግን ካብ ካልኦት ክፍለዩ ስለ ዝሓስቡ ጥራይ፡ ኣብ ዘይዓቕሞም እሞ ኸኣ ኣብ ዘይፈልጡዎ ስራሕ ኣትዮም ነቲ ሰናይ ሓሳብ ክቕበሉዎ ድሉዋት ኣይነበሩን። ውዒሉ ሓዲሩ ነገር ካብ ሓቁ ስለ ዘይሓልፍ፡ እቲ ኣዋጅ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ስለ ዝተፈልጠ፡ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ኣብ 2000 ዓ.ም ነዚ ኣብ 1994 ዝሃብናዮ ርእይቶ ዝድግፍ ምጡን ናይ ታሪፍ ምሕያሽ ኣብ ስራሕ ክውዕል ግድነት ኮይኑ። መንግስቲ ዝእርሞ ኣካል ስለ ዘይፈቱ፡ ሰባት ትጋገ ኣለኻ ክብሉዎ ከለዉ፡ ብኸመይ? ኣበይ? ኣብ ክንዲ ዝብል ዕጭ ይሕንፍፍ። ኣብ ዓዘቕቲ ምስ ተሸመመ ግን ካብ ዝኣተዎ ታኼላ ክወጽእ ሕጊድ ይብል። ነዚ ተርእዮ’ዚ ከም ባህሪ ስለ ዝሓዞ ድማ ንህዝብን ንሃገርን ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም ከም ዝወድቕ ገይሩዎ።

ምስ ማክሮፖሊሲ ዝተኣሳሰር ካብዚ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዘይፍለ ጕዳይ ጫት ነይሩ። ጫት ከም ሓደ ኣወላፊ ተኽሊ ተሓሲቡ ምስ በዓል ሓሽሽ’ዩ ተሰሪዑ። ታሪፍ ከም ሎሚ ተኣዊጁ ከብቅዕ ግን ኣብ ክልተ ሰሙኑ ካብ ዓሰብ ህጹጽ መልእክቲ ተቐበልኩ። ሓላፊ መደበር ዝነበረ ብርዝነቱን ብርጡብነቱ ዝምስገን ተዃሳተር፡ “ካሪካረ፡ ‘ኣብ ዓሰብ ጫት መን’ዩ ዝኽልክሎ?’ ኢሉ ንዝሓዝናዮ ጫት ክንፍንዎ ይእዝዘና ስለ ዘሎ እንታይ ክንገብር?” ክብል ስልኪ ደወለለይ። ኣዋጅን መምርሒ ስራሕን ብሻላማላ ክርአ ስለ ዘይብሉ፡ “ካሪካረ ይኹን ካልእ ሰብ ዝበለ እንተ በለ ስራሕካ ጥራይ ስራሕ። እዚ ኣዋጅ’ምበር ብጣስ ወረቐት ኣይኮነን። ኣዋጅ ድማ ብኣዋጅ ጥራይ’ዩ ዝፈርስ። ስለዚ ኣይነፍቅድን ኢና ጥራይ በሎ፡” ዝብል መልሲ ሃብኩዎ። ኣብ ሳልስቱ ግን፡ “ኣንታ እስጢፋኖስ፡ እዚ ካሪካረ ክኣስረካ’የ እናበለ የፈራርሓኒ ኣሎ። በጃኻ ገለ ግበር፡” ክብል ተጨኒቑ ደወለለይ። ተዃሳተር ካብ ክፍሊ ስለያ ናብ ግምሩክ ዝተወዝዐ ኣባል ኮይኑ ካብ ኵሎም’ቶም ሽዑ ዝመጽኡና ሰባት ዝበልሐ ነይሩ። ጸቕጢ ይብርትዖ ከም ዘሎ’ኳ እንተ ፈለጥኩ፡ ብኢደ ዋኒነይ ኣዋጅ ከፍርስ ስለ ዘይክእል፡ “ስምዓኒ ተዃሳተር፡ ኣዋጅ ዝኣክል ከቢድ ነገር ይትረፍ ኣነ እቲ ዝለዓለ ኣካል’ውን ብዊንታኡ ከፍርሶ ኣይክእልን’ዩ። ካሪካረ ዝብሎ ዘሎ ክፍጸም እንተ ኾይኑ፡ መጀመርያ እቲ ኣዋጅ ብሕጋዊ ምልክታ መኣረምታ ክግበረሉ ኣለዎ። እዚ ድማ ላዕለዋይ ኣካል ተረዲኡን ፈሊጡን ዝገብሮን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምስ ዘጽድቖን ጥራይ’ዩ ክፍጸም ዝኽእል። ስለዚ፡ ዝበለ እንተ በለ ጸማም እዝኒ ሃቦ። ሓቂ እንተ’ልዩዎ ኣብ ክንዲ ምሳኻ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዛረብ ኣለዎ፡” ክብል ተሪር መልሲ ሃብኩዎ። ደሓን ይእቶ ዘረባይ ሰሚዑ ቃል ከይወሰኸ ስልኪ ዓጸወ።

ነገር ይኸርር ከም ዘሎ ስለ ዝፈለጥኩ ግን ንሓለፍተይ ብዛዕባ’ቲ ጕዳይ ብዕላል መልክዕ ሓበርኩዎም። ንሳቶም’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ስለ ዝጸንሖም ንግዜኡ ካብ ስክፍታ ድሒነ። ኣብ ሰሙኑ ካብ ቤትጽሕፈት ዞባዊ ምምሕዳር ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ካብኡ ድማ ናብ ክፍሊ ግምሩክ ሓደ መልእኽቲ ስለ ዘሓለፈ ወዲመስፍን ቴለፎን ደዊሉ፡ “ብዛዕባ’ቲ ክነዕልለሉ ዝቐነና ጫት ኣብ ዓሰብ ጥራይ ክኣቱ ተወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ናብ ዓሰብ ደዊልካ ንተዃሳተር ሓብሮ፡” ክብል ዘይተጸበኹዎ መምርሒ ኣስመዓኒ። ዘረባኡ ፈጺሙ ክርድኣኒ ስለ ዘይከኣለ ስምዒተይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። “ኣዋጅ ዝኣክል፡ ድሌት ናይ ውሑዳት ሰባት ንምምላእ ተባሂሉ ብቴለፎን ክፈርስ ኣይክእልን’ዩ። እንተ ወሓደ ክሳብ ሓደ ሕጋዊ ምልክታ ዝወጽእ፡ ወግዓዊ ደብዳቤ ክጸሓፈልና ኣለዎ፡” ክብል ምስ መለስኩሉ፡ “ጽቡቕ ኣለኻ። እንተ ኾነ ብህጹጽ ተግብሩዎ ስለ ዝተበሃልና ሕጂ ዝበሉና ንግበር። ከምኡ ክግበር ከም ዘለዎ ድማ ክንሕብሮም ኢና፡” ክብል መለሰለይ። ከም ዝሃበኒ ናብ ዓሰብ ደዊለ ዝተባህለኒ መምርሒ ኣመሓላለፍኩ። ሓለፍቲ ብዛዕባ ዝብላዕ ወይ ዝስተ ነገር፡ ንሕክምና ወይ ንሕርሻ ዘገልግል፡ እሞ ኸኣ ናይ ሞትን ህይወትን ጕዳይ ኣብ ዝኾነ ነገር፡ ይትረፍ ሓደ ኣዋጅ ሰለስተ ኣዋጃት እንተ’ፍረሱ’ውን፡ እቲ ጕድለት ብዘየገድስ ውጽኢቱ ንጥቕሚ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ምናልባት ብዙሕ ኣይመዛረበን ይኸውን።

ውሱናት ሰባት ነዚ መርዛምን ኣወላፍን ተኽሊ መታን ክሕይኹ ጥራይ፡ ግቡኦም ይፍጽሙ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ከፈራርሑ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዘለዉ ሓለፍቲ ድማ ድሌት ናይ ፍሉያት ውልቀሰባት ንምርዋይ ተኣንጐት ተሸብሸብ ክብሉን ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቘ ኣዋጅ ክስርዙን ከለዉ፡ ንቕንዕናኦም ኣብ ምልክት ሕቶ ክተእትዎ ትግደድ። ወዮ ደኣ ግርህነትና ኣጥቂዑና’ምበር፡ ድሕሪኡ ካብዚ ዝገድድ ንሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝጥሕስ ነገራት ክፍጸም ክንርኢ ኢና’ኮ። ሽዑ ግን በየናይ ልቦና ክንግምቶ! ሓደ ሓደ ግዜ ትስፉውን የዋህን ምዃን ሃሳዪ እዩ። እቲ ጕዳይ ንጫት ዝምልከት ጥራይ ነይሩ እንተ ዝኸውን ብዙሕ ኣይመዛረበን ነይሩ። እቲ ታሪፍ ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ፡ ብዝተፈላለየ ሓንካስ ምኽንያታት ተባሕጕጉ ዳርጋ ከም ዘይነበረ ኾይኑ። እቲ ብዙሕ ጥሩምባ ዝተሃርመሉ ኣዋጅ፡ “ካቢነ ሚኒስተራት ብደቂቕ ርእዩዎን ተኻቲዑሉን’ዩ፡ ባይቶ ድማ ብግቡእ ገምጊሙ ኣጽዲቑዎ፡” ተባሂሉ’ዩ ተገሊጹልና። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ድማ ንምጽዳቑ ኣዋርሕ ዝወሰደን ከይተኣወጀ ዝጸንሐን። እሞ እቲ ጕዳይ ከምዚ እንተ ነይሩ ስለምንታይ እቶም ሰባት ኣዋጅ ከፍርሱ ኣብ ክንዲ ዝጓየዩ ቅድሚ ምጽዳቑ፡ “እዚ ኣየስርሕን’ዩ፡” ኢሎም ተቓውሞ ዘየቕረቡ? ዶስ ሽዑ ከም ዘይሰልጦም ፈሊጦም ኣድብዮም ጸኒሖም? ብወገነይ እቶም መራሕቲ ንብሎም ሰባት፡ ኣብ ካልእ ዋኒኖም’ምበር ኣብ ስራሕ ስለ ዘይነበሩ፡ ነቲ ዝተነድፈ ታሪፍ ብግቡእ ርእዮሞን ገምጊሞሞን ኢለ ኣይሓስብን። ከምዚ እንተ ኾይኑ ኸኣ ብሕጊ ዘይኮነ ብድሌት ውልቀሰባት ንመሓደር ኔርናን ኣለናን ናብ ዝብል መደምደምታ ንበጽሕ።

ሕጊ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ዝኾነ ሚኒስትሪ ወይ ሓላፊ ዞባ ዝመሰሎ ሕጊ ከውጽእን ንሃገር ናብ ደልሃመት ከእቱን ይኽእል’ዩ ናብ ዝብል ኣተሓሳስባ’ዩ ዘምርሓና። ዘይነበረ ኸኣ ኣይኮነን። ነዚ ንምብራህ ቀጺሉ ዝስዕብ ጕዳይ ምዝርዛር ይከኣል። ሓደ ተጣዪሱ ንግዲ ዝጀመረ ኣባል ከቢድ ብረት ነበር ናብ ቤትጽሕፈተይ መጺኡ፡ “ካብ ሱዳን መሸላ ኣምጺእና ናብ ስዑዲዓረብ ሪኤክስፖርት ክንገብር ደሊና ኣለና። ስለዚ ብወገን ግምሩክ እንታይ ክነማልእ ይግብኣና?” ክብል ሓበሬታ ሓተተኒ። ምስቲ ብጻይ ድሒርና ጽቡቕ ተላሊና’ምበር ሽዑ ብዙሕ ሌላ ኣይነበረናን። ብዝኾነ ኣብ ክሳራ መታን ከይኣቱ፡ “ብወገንና ብዘይካ’ቲ ዘይተርፍ ናይ ዲክለረሽን ቅጥዒ ምምላእን ናይ ባንክ መስርሕ ኣማሊእካ ምቕራብን ንሓተካ ነገር የሎን። ኣዋጅ ማክሮ ፖሊሲ ድማ ብዘይካ’ቲ ክልኩል ዝብሃል ከም በዓል ስኒ ሓርማዝ፡ ሓሽሽ፡ ሃገራዊ ቅርስታት፡ ብረት፡ ወዘተ ዝኾነ ነገር ክስደድን ክኣቱን ይኽእል’ዩ ዝብል። እንተ ኾነ፡ ካብ ተሞክሮይ እቲ ኣዋጅ ክሰርሕ እርእዮ ስለ ዘየለኹ፡ ኣቐዲምካ ናብ ሚኒስትሪ ሕርሻን ሚኒስትሪ ንግድን ኪድ’ሞ፡ እንታይ ከም ዝብሉኻ ኣረጋግጽ። ጸገም ከም ዘየሎ እንተ ሓቢሮምኻ ድማ ነቲ ስራሕ ትጅምሮ፡” ዝብል ምኽሪ ሃብኩዎ። ነቲ ኣዋጅ ጽቡቕ ገይሩ ኣንቢቡዎ ስለ ዝነበረ ንምኽረይ ብጎቦ ልቡ’ዩ ተቐቢሉዎ። ምርግጋጽ ዝመስሉዎ ነገር ስለ ዘየሎ ግን ኣብ ክትዕ ኣይኣተወን ናብ ክልቲኡ ሚኒስትሪታት ድሕሪ ምኻድ ኣብ ራብዕቱ ገፈፍ እናበለ ተመልሰኒ።

እንታይ ከም ዝገበረ ምስ ሓተትኩዎ፡ “መንግስቲ ንማለቱ’ዩ ኣዋጃት ዘውጽእ ዘሎ። ኣብ ክንዲ ኣዋጅ ንብሎ ድማ መወከሲ ወይ ውሽጣዊ መምርሒ እንተ ንብሎ ምሓሸ ነይሩ። ከም ዝበልካኒ ናብ ክልቲኡ ቦታ ምስ ከድኩ፡ ‘ብረዲአት ንነብር ስለ ዘለና ዝብላዕ ነገር ከም ዘድልየና ፍለጥ። ስለዚ፡ ናብ ኤርትራ ክተእትዎ’ምበር ንዳግመ ሰደድ ፍቓድ ክንህበካ ኣይንኽእልን ኢና፡’ ዝብል መልሲ ሂቦምኒ፡” ክብል ተስፋ ብዝቘረጸ ድምጺ መለሰለይ። ሽዑ መንግስቲ ሱዳን፡ ግብረ ሽበራዶ፡ ቢንላደንዶ ብዝብል ጕዳይ ኣብ ሓውሲ እገዳ ኣትዩ ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ቍጠባኡ ጽቡቕ ኣይነበረን። ስለዚ ምህርቲ ሱዳን ብኤርትራ ሰጊሩ ዳግመ-ሰደድ ክኸውን ከሎ፡ ልዕሊ ሱዳን ንኤርትራ ዝያዳ የርብሕ ነይሩ። ሓደ ነጋዳይ መሸላ ኣብ ኤርትራ ዘየርብሖ እንተ ኾይኑ ስለምንታይ የምጽኦ? ሽዑ፡ ካብ ኢሳያስ ጀሚርካ ነፍስወከፍ ሓላፊ ንማክሮፖሊሲ እናጠቐሰ፡ “ኤርትራ ከም ሓንቲ ዓባይ  መተሓላለፊት ንግዲ ክትሰርሕ’ያ፡ ሲንጋፖር ክትከውን’ያ፡” ዝብል ወርቃዊ ቃላት ልዕሊ ሰላሳ ግዜ’ዩ ዝደጋገም ነይሩ። እንታይ ስለ ዝተረኸበ’ዩ ደኣ መሸላ ሱዳን ብኤርትራ ሓሊፉ ናብ ስዑዲያ ብምስጋር ናይ ወጻኢ ባጤራ ምንጪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ክኣቱ’ምበር ናብ ካልእ ሃገር ክስደድ ኣይክእልን’ዩ ዝብሃል? እዚ ድማ ኣዋጅ ግምሩክ ትራንዚት ወይ ዳግመ ሰደድ ዘፍቅድ ከሎ! ብወገነይ እቲ ኣዋጅ ንስምዑለይ ርኣዩለይ፡ ኮታ ኣዋጅ ኣለዎም ንኽብሃል’ምበር ንልምዓት ሃገር ተባሂሉ ከም ዘይተኣወጀ ዘግህድ ነይሩ እብል።

ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ሓደ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ክፍሊ ዜና ዝሰርሐ፡ ድሒሩ ኣምባሳደር ዝኾነ ሓላፊ ናብ ቤትጽሕፈተይ ብምምጻእ፡ “ስማዕ’ስኪ እስጢፋኖስ፡ ግምሩክ ትገብሩዎ ዘለኹም ስራሕ ክርድኣኒ ኣይከኣለን ዘሎ! ቪድዮን ቴለቪዥንን መጋየጺ’ዩ ተባሂሉስ 50% ቀረጽ ክኸፍል ኣለዎ ኢልኩም ትእውጁ!” በለኒ ብሓውሲ መግናሕቲ። ጸጸኒሕና ንራኸብ ስለ ዝነበርና፡ “ስማዕ’ባ ተመሊሰ ንዓኻ ክሓተካ፡ ቀዳማይ ነገር ግምሩክ ተግበርቲ’ምበር ሓንጸጽቲ ፖሊሲ ኣይኮንናን። በቲ ዝተባህለና ትእዛዝ መስረት ድማ ነዲፍና ናብ ካቢኔ ኣቕሪብናዮ። ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኣዋጅ’ዚ ካቢኔ ይኹን ባይቶ ተኻቲዑ’ዩ ኣጽዲቑዎ። ንስኻ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣለኻ። ሓቂ እንተ’ልዩካ ስለምንታይ ሽዑ፡ ‘እዝን እዝን ቅኑዕ ስለ ዘየሎ ክእረም ኣለዎ፡’ ኢልካ ርእይቶ ዘይሃብካ?” ክብል ብሕቶ ምስ ኣዋጠርኩዎ ፍሽኽ ድሕሪ ምባል፡ “ክላ! ኣብኡ ደኣ ነቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ኢና ንርኢ’ምበር ብደቂቕ መዓስ ንከታተሎ ዄንና፡” ዝብል መልሲ ሃበኒ።

ግምሩክ ኣብ ምንዳፍ ታሪፍ ብምሉእ ሓላፍነት ከም ዝሰርሐ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ማለት ንሃገር ካብ ዝኣትዉ ኣቕሑ፡ ካብቶም መሰረታውያን ዝብሃሉ ከም እኽሊ፡ ስሚንቶ ዝኣመሰሉ 2% ዝተሰልዓሎም ጀሚሩ፡ ክሳብ መጋየጺ ዝብሃሉ ከም በዓል ጨናመና፡ ዊስኪ ሽጋራ 212% ተሰሊዑሎም ኣብ ሸውዓተ መደባት’ዮም ተሰሪዖም። ከምዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን፡ ግምሩክ ዘጻፈፎ ታሪፍ ተወዲኡ ተባሂሉ ንኽጸድቕ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ምስ ቀረበ፡ ብርክት ዝበለ ዓንቀጻት ግምሩክ ብዘይኣመነሎም ምጣኔ ተቐዪሮም። ከም ኣብነት መካይን ኣብ ክንዲ ብምሕዳስን ብእርጋንን፡ ብሲሲ ክቕረጻ ከም ዘለወን ተወሲኑ። ላንድክሩዘር ምስ ቱሪዝም ይኹን ምስ ባህርያዊ ተጻባእነት ናይ ቈላታት ሃገርና ከም መሳርሒት ተሓሲባ 50% ኣብ ክንዲ ትኸፍል፡ ከም መጋየጺ ተሓሲባ ልዕሊ 90% ከም ዝምደበላ ተገይሩ። ጕዳይ ቴለቪዥንን ቪድዮን’ውን መምሃሪ ክኸውን ስለ ዝኽእል ዝብል ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ትሑት ቀረጽ ተሸኒኑሉ ግን ተነጺጉ። ስለዚ ግምሩክ ነቲ ዝኸበደ ስራሕ ወዲኡ ከብቅዕ ኣብ ውሳኔ ወይ ርእይቶ ግን ተራ ኣይነበሮን። ኵሉ ግዜ ከም ብዕራይ መብረ ኮይኑ ክሰርሕ መሬት ዝዓረቦ ኣሃዱ’ዩ ነይሩ። ሽዑ ዝተነድፈ ታሪፍ ድማ ከምቲ ልሙድ ውሃ ዘበለ ኣዋጅ ተባሂሉ ሰብ ክሳብ ዝጸምም ተዘሪቡሉ።

ኣብ ኣሰራርሓ መንግስቲ ዝተዓዘብኩዎ ነገር እንተ ነይሩ፡ ጕድለት ተሞክሮ ዝነበሮም ሓለፍቲ መንግስቲ ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ናይ ምግልባጥ ጠባይ የርእዩ ምንባሮም’ዩ። መንቀሊ ናይቲ ጕዳይ ድማ እቲ ዝወጽእ መምርሒታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ክንዲ ንክኢላታት ኣማኺርካን ብደቂቕ ኣጽኒዕካን ዝውሰን፡ ብውሑዳት ወይ ብሓደ ሰብ ጥራይ ይህንደስን ይውሰንን ስለ ዝነበረ’ዩ። እቲ ዝገደደ ድማ ሽግር ምስ ኣጋጠመ ኣብ ክንዲ፡ “እንታይ ምግባር ይሓይሽ?” ተባሂሉ ንክኢላታት ምሕታት ወይ ምስኣቶም ምምይያጥ፡ ምስቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ፈጺሙ ዘይራኸብ መምርሒ ይወሃብ። ንኣብነት ኣብ ጕዳይ ናጻቀረጽ ምስ እንዕዘብ፡ ኣብ ክንዲ ንእሽቶ ዓንቀጽ ወሲኽካ ነቲ ዝኣቱ ኣቕሑ ብዓይነትን ብዝሕን ዶብ ከም ዝህልዎ ዝግበር፡ ምስ ህዝቢ ዘቃራሕን መምርሒ’ዩ ወጺኡ። እቲ መምርሒ ብዓቢኡ ኣብ ግምሩክ ተነዲፉ’ዩ ቀሪቡ። ኣብ ክንዲ ዶብ ዘይብሉ ዝኸውን፡ ካብ ነፍስወከፍ ዓይነት ኣቕሓ ሓደ ዓይነት፡ ማለት ሓንቲ መኪና፡ ሓንቲ ቲቪ፡ ሓንቲ ፍሪጅ ዝብል ኮይኑ ሕጋውነት ንኽለብስ ንላዕሊ ደዪቡ።

እቲ ዘጽድቕ ኣካል ግን፡ “ጠቕሊሎም ዝኣትዉ ዜጋታት፡ ሓድሽ ንብረት ዘይኮነ ክጥቀመሉ ዝጸንሑ ኣቕሑ ጥራይ ከፍቀደሎም ኣለዎ። እቲ ሰብ በዓል ሞያ ምስ ዝኸውን ድማ ክግልገለሉ ዝጸንሐ ናይ ሞያ መሳርሒታት ጥራይ ይፍቀደሉ፡” ብዝብል ዓንቀጽ ተመሓዪሹ ኣሎ ተባሂሉ ተላኢኹልና። ተመሓዪሹ ዘይኮነ ግን ተጸዪቑ’ዩ ዝብሃል። እዚ ውሳኔ’ዚ ምስ ብዙሓት ንህግሓኤ ካብ ዕሸላ ኣትሒዘን ታተ እናበላ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጽሓኣ ኣደታት ዓዲጥልያን ኣቀያዪሙና ጥራይ ዘይኮነ፡ “ናብ ሃገር ጐሓፍ ሒዝኩም እተዉ ማለትከ እንታይ ማለት’ዩ?” ኢሎም ይሓቱና ንዝነበሩ ለባማት መልሲ ንስእነሎም ኔርና። እዚ ድማ ህዝቢ ልዕል’ቶም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ንፈልጥ ኢና በሃልቲ መራሕቲ ሃገር ክመራመርን ክሓስብን ከም ዝኽእል ኣነጺሩ ዘጕልሕ መረዳእታ’ዩ።

ኣብ መጀመርያ፡ ነዚ ሕቶ’ዚ ዝምልከት ጥርዓናት ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ ብዙሕ ኣይነበረን። ቍሩብ ጽንሕ ኢሉ ግን ብፍላይ ብወገን መዓርፎ ነፈርቲ ጥርዓናት ክቕልቀል ጀመረ። ክብደቱ ክሳብ ክንድ’ቲ ስለ ዘይነበረ ግን ብዕቱብ ኣይሓዝኩዎን። ምስ ህዝቢ ከባእሰና ከም ዝኽእል ግን ድሒሩ ብሓደ ፍሉይ ፍጻሜ ተጋህደለይ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤትጽሕፈተይ ከለኹ፡ ሃንደበት መሬት ዝፍንቅል ኣውያት ናይ ጓልኣንስተይቲ ሰማዕኩ። እንታዋይ ዓማጺ ኣትዩና እናበልኩ ናብቲ ኮሪዶር እንተ ቐጸልኩ፡ ሓንቲ ዕብይ ዝበላ ኳዕናን ሰበይቲ ልክዕ ሰብ ከም ዝሞተን ከእውያ ተዓዘብኩ። ናብአን ቀሪበ፡ “እንታይ ዄንክን ኣደ? እስኪ ህድእ በላ፡” ኢለ ከዐግሰን እንተ ፈተንኩ ግን ከም ቈልዓ ብምውጫጭ ክሰምዓኒ ኣይከኣላን። ዘይፈለጠ ሰብከ እንታይ ክብለና’ዩ? ኣብ ዝብል ሓሳብ ጥሒለ ኣመና ተሸቝረርኩ። ኣጋጣሚ ሰብ ጕዳይ ኣይነበሩን’ምበር ነቲ ነገር ብኻልእ ምተረድኡዎ ነይሮም ይኾኑ። እተን ሰበይቲ ብዘይካ፡ “እዚ ዅሉ ዓመታት ስሚንቶ ፋሕፊሕካስ ነዚ’ዩ! እዋይ! ኣንታ ኣምላኽ እንታይ ክተርእየኒ ኢኻ! ህዝባዊ ግንባርስ እዚ ክትፈድየኒ! ዋይ ኣነ ዘይረኽቦ ዘይብለይ!” እናበላ ንብዓትን ብኽያትን ጥራይ ኮና። ምስማዕ ምስ ኣበያኒ ኣብ ትሐተይ ንዝነበረ መሳርሕተይ ሓቲተ መበገሲ ናይቲ ጕዳይ ክፈልጥ ከኣልኩ።

እተን ክንዲ’ደይ ዝኣኽላ ዓባይ፡ ቅይሕ ኢለን ሰበይቲ፡ ኣብ ዓዲጥልያን ከም ሓፋሽ ውድባት ክቕመጣ ድሕሪ ምጽናሕ ጠቕሊለን ንዓደን ኣትየን። ኣብ እንዳ ሲኞራ ይሰርሓ ስለ ዝነበራ ድማ ናይ ገዛእ ርእሰን ገዛ ኣይነበረንን። ስለዚ ዝጥቀማሉ ኣቕሑ ክህልወን ኣይክእልን’ዩ። ልዕሊ ኵሉ ግን ሓድሽ ኣዋጅ ከም ዝወጽአ ይፈልጣ ኣይነበራን። ኣዋጃትና ብግቡእ ንህዝቢ ከየፍለጥና፡ ህዝቢ ኣዋጅ ከም ዘሎ ኣይፈለጥኩን እንተ’ይሉ ንሳዕቤኑ ባዕሉ’ዩ ተሓታቲ ኣብ ዝብል ሕጊ ኢና ንረግጽ ኔርና። ከም ግቡእ መንግስቲ፡ ንኣዋጃቱ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ልክዕ ከምቲ ቪድዮን ካሴትን ብመንገዲ ቈንስላትን ኤምባሲታትን ክሸጦ ዝጓየ ዝነበረ፡ ንኣዋጃት’ውን ማዕረኡ ክዝርግሖን ከፍልጦን ይግብኦ ነይሩ። ኣብ ገንዘብ ጥራይ ይጓየ ስለ ዝነበረ ግን ነዚ መን ቍምነገር ክሓስቦ! ብዝኾነ እተን ሰበይቲ፡ “ንብረተይ ናጻ ካብ ቀረጽ እንተ ዘይሂብኩምኒ ኣውያተይ ኣየቋርጽን’የ። ኣብ ታሕቲ ወሪደ’ውን ኤህ በሉለይ ኢለ ከቃልዓኩም’የ፡” ስለ ዝበላ ጕዳየን ክፈትሓለን ምዃነይ ቃል ኣትየ ከም ዝሃድኣ ገበርኩወን። ኣብ ከምዚ ኵነታት በጋጣሚ ወዲመስፍን ስለ ዝመጽአ ምስኡ ተዘራረብና። ነቲ ጕዳይ ምምሕዳራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ክንፈትሖ ከም ዝሓይሽ ብምርድዳእ ድማ እቲ ኣረጊት ኣቕሓ ዝብል፡ ሓድሽ ይኹን ኣረጊት ተባሂሉ ክእረም ንሚኒስትሪ ክንሕብር ኣብ መደምደምታ በጻሕና።

ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር፡ ይትረፍ ተራ ህዝቢ ኣምባሳደራት ከይተረፉ ብዛዕባ’ቲ ሓድሽ ኣዋጅ ይፈልጡ ዘይምንባሮም’ዩ። ቀሊል ኣብነት ንምርኣይ፡ ዓብደላ ኣደም ኣብ ጅቡቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሓንቲ ኒሳን 4×4 ሒዙ ደበኽ ኢሉ። ከም ኣምባሳደር መጠን ናጻቀረጽ ይፍቀዶ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግምሩክ ምድሪባቡር ምስ በጽሐ፡ “እዚኣተን ናጻ ቀረጽ ኣይፍቀደንን’ዩ ዝብል ዘረባ ስለ ዝጸንሖ ኣቤት ክብል ናባይ መጽአ። እቲ ሕጊ ከም ዘየፍቅድ ካብ ምሕባር ንላዕሊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን። ቀረጽ ናይ ላንድ ክሩዘራት ኣዝዩ ክብ ዝበለ ብምንባሩ ግን ክኸፍለላ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይነበረን። “እሞ እንታይ እንተ ገበርኩ ይሕሸኒ? ነዛ መኪና ናብ ጅቡቲ ክመልሳ ዘሎ ናይ መርከብ ወጻኢ፡ ናብኡ ተመሊሳ ኸኣ ክትሽየጠለይ ትኽእልዶ? ዝብል ዘይምለስ ሕቶታት ኣሎ፡” ኢሉ ክጭነቕ ምስ ረኣኹዎ፡ ናብ ሚኒስተር ፋይናንስ ክጠርዕ ሓበርኩዎ። ሓበሬታይ ጠቒማቶ ድማ ፍሉይ ፍታሕ ተገብረሉ። ብዙሕ ከይደንጐየ ዳዊት ማሕራይ ዝተባህለ ካብ ጀርመን ጠቕሊሉ ዝመጽአ በዓልዋኒን፡ ኦፐል ፍሮንተራ 4×4 ዝዓይነታ መኪና ሒዙ ስለ ዝኣተወ፡ ናይቲ ኣዋጅ ግዳይ ብምዃን ከም ሰቡ ናባይ ክጠርዕ መጽአ።

ሕማቕ ኣጋጣሚ ኾይኑ እታ መኪና መስርሕ ናጻቀረጽ ወዲኣ ክትወጽእ ምስ ተቐረበት፡ ሓደ ትኵር ሰብ ከም ገለ ኣስተውዒሉላ፡ “እዚኣ ደኣ 4×4 ስለ ዝኾነት ናጻ ቀረጽ ኣይፍቀዳን’ዩ፡” ዝብል ሓበሬታ ሃበ። ብኸምዚ ድማ እቲ ሕቶ ናባይ ተመርሐ። ዝወረዶ ዋና ነዊሕ ኰለል ኢሉ። ብመሰረት’ቲ ሽዑ ዝነበረ ኣሰራርሓ፡ ምለሳ ወይ ቀረጽ ክፈለላ ስለ ዝተባህለ፡ መን ይፈልጥ እንተ ሰለጠኒ ብምባል ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት፡ ናብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ካብኡ ናብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ከም ሕሱም ተመላሊሱ። ክሰልጦ ግን ኣይከኣለን። ኣብ መጨረሽታ ናብ ሓደ ኣባል ኤምባሲ እስራኤል ዝነበረ ኣይሁዳዊ ክሸጣ ፈቲኑ። መጽዓኒ ሰነድ ብስሙ ስለ ዝነበረን ድሮ ኣብ ግምሩክ ተመዝጊባ ስለ ዝነበረትን ግን ንግዜኡ ገለ ጸገም ተፈጢሩ። ብዝኾነ ናብ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ነዊሕ ድሕሪ ምምልላሱ ጕዳዩ ከም ዝወድአ ሓበረኒ። ቅንይ ኢሉ ኣባል ኤምባሲ እስራኤል ንዝነበረ ባራክ ዝብሃል መንእሰይ ከም ወዳእ ነገር ሰደደለይ። ባራክ፡ ናብ ቤትጽሕፈተይ ድሕሪ ምምጻእ፡ ሚኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ከም ዘፍቀዱሉ ኮይኑ’ዩ ቀሪቡኒ። “ጽቡቕ። ብሓቂ ኣፍቂዶምልካ እንተ ኾይኖም ብኸመይ ከም ዘፍቀዱልካ መታን ክውከሶም መን ከም ዘፍቀደልካ ሓብረኒ፡” ምስ በልኩዎ፡ “ጆን ዝብሃል’ዩ ኣፍቂዱለይ፡” ክብል መለሰለይ። እቲ ነገር ምምሕዳራዊ ውሳኔ ስለ ዘድልዮ’ምበር ግቡእ ስለ ዘይነበረ ኣይኮነን። ንጆን ቴለፎን ደዊለ ምስ ሓተትኩዎ ግን፡ “እቲ ጕዳይ ምስ ኣሰራርሓ ግምሩክ ዘይጋጮ እንተ ኾይኑ ብወገንና ክነፍቅደልካ ንኽእል ኢና። ወሰንቲ ግን ንሳቶም’ዮም። ስለዚ፡ ቅድም ምስ ግምሩክ ወዲእካ ምጻእ ኢና ኢልናዮ፡” ክብል መለሰለይ።

ባራክ ኣብ ቈጸራኡ ምስ መጽኣኒ፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ከም ዘየፍቀዱሉ፡ ጌጋ ሓበሬታ ምሃብ ድማ ቅኑዕ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፡ እቲ ጕዳይ ክኸውን ከም ዘይክእል ሓበርኩዎ። ንሱ ግን ሳልሳይ ዓለም ምዃኖም ኣይተርፎምን’ዩ ኢሉ ግዲ ኾይኑ፡ “ኣነን ንስኻን ዘይንረዳዳእ። ኣነ ዝኾነ ነገር ክገብረልካ ምኸኣልኩ ነይረ፡” ክብል ንጉቦ ዝዕድም ቃላት ኣምለቘለይ። ከም ቅጽበት ክሓርቕ ብምጅማር፡ “እዚ ትብሎ ዘለኻ ኣብቲ ዝለመድካዮ ሃገራት ግበሮ። ንሕና ከምዘን ብብልሽውና ዝተቘማጥዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይኮንናን። ስለዚ ሰላሕ ኢልካ ትወጽእ፡” ክብል መለስኩሉ። በቲ ዘይተጸበዮ መልሲ ግዲ ተሰናቢዱ ቃል ከይወሰኸ ዝባኑ ገልበጠ።

ብማህደረ ትምህርቲ ገይሾም ኣብ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዘጋጠመ ጸገም’ውን ነይሩ። ቍጽሮም ኣርባዕተ ኾይኖም ሓደ ካብኣቶም፡ ተወጊአ ናብ ሕክምና ሰበርቀጠ ምስ መጻእኩ ዝተላለኹዎ ድሕሪ ዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ዝረኸብኩዎ ነይሩ። ብዝኾነ ኣብ ምላሾም ነፍስወከፎም መኪና ሒዞም ክመጽኡ ከለዉ፡ ታሪፍ መካይን ብመሰረት ማክሮፖሊሲ ብሲሲ ተቐዪሩ ጸኒሑዎምም። ካብ ዋጋ መኪና በርባዕተ ዕጽፊ ዝዛይድ ቀረጽ ድማ ተሓቲቶም። ነቲ መጀመርያ ዝመጽኣኒ ብጻይ፡ ጕዳዩ ክፈትሓሉ ከም ዘይክእል ምስ ሓበርኩዎ፡ ብሓላፊ ክ/ግምሩክ ኣቢሉ ናብ ሚኒስተር በጺሑ። ፍታሕ ስለ ዝተገብረሉ ድማ ብናይ ቀደም ታሪፍ ክኸፍል ተወሲኑሉ። ነቶም ድሕሪኡ ዝመጽኡኒ ሰብ ጕዳይ’ውን፡ ከም ሰቦም ፍታሕ መታን ክረኽቡ ነቲ ክኽተሉዎ ዘለዎም መስመር ሓቢረዮም። ብፍላይ ናይቲ መጨረሽታ ዝመጽአ ብጻይ፡ መኪና ክረሲዳ 2000 ሲሲ ስለ ዝነበረት፡ ስሳ ሽሕ ተገዚኣ ክተብቅዕ፡ ክትሰምዖ ጸቕጢ ደም ዘስዕብ ገንዘብ ማለት 215 ሽሕ ብር’ዩ ተወሲኑላ። ምስቲ ሰብ ንፋለጥ’ኳ እንተ ነበርና፡ ኣብቲ ቦታ ምህላወይ ይፈልጥ ስለ ዘይነበረ እናተሰከፈ ናብ ቤትጽሕፈተይ ድሕሪ ምእታው፡ ምስ ኣለለየኒ ብመጠኑ ብምቕሳን ጕዳዩ ገጸለይ። እቲ ንኻልኦት ዝሃብኩዎም ሓበሬታ ሂበ ድማ ኣፋነኹዎ።

 

*          *          *

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Tesfu Kbrom February 21, 2014

    ምስኪነይቲ ኣደ፡ ስሚንቶ ወልዊለን ደው ዘበላኣ ህሓሓኤ ከምኡዶ ፈድያተን። እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ሕጊ ዝብሃል ከም ዘይነበረን ዘየሎን እዩ ዘርኢ። ዚ ሰራም ውድብዚ ንመን ዘይጠለመ። ብዓንተቦ ካብ ተመን እንታይ ክንጽበ፡

  • L.T February 21, 2014

    Weyane Tegaru get angry by Eritrea:-
    -The fact that Eritrea has an industrial history
    -The lack of shoplifters at all
    -The Eritrea society becom more vibrant
    -That we have no whores
    -People are workaholic
    -That we look ahead while they looked backward
    -That we study hard
    -That we come from fine family
    -That fact that we have strong militarization that as Izreal
    -That we have that Sweden has clear urban bulding policy
    _That we are improving cultural people than them
    -That we are like German we prized our enemy
    -That our goal is to win at all
    -That we do not run over,then it will not lull lull like them and it’s just afct about us Eritreans and the pictures show it very clear that Weyane Tegaru is still jealous over us.

  • Tesfu Kbrom February 21, 2014

    L.T what is this hotch potch? very wonderful thesis or analysis. Where does this Lazy Thief live by the way?

  • ERITRAWIT February 21, 2014

    Dear Estfanos,
    Yes a lot of people they were confused and angry I remember people they came with good cars less pollution they use to go up and down. people they came very old cars no problem. This people they never care about Eritrea people or future Eritrea.They were using pencil than pen changing the rule what is good for them. Every time I go Eritrea I pray for God nothing to do with any offices it is just a nightmare to deal with un welcoming behaviour as well as gahmat m mhdar. I hope every bad thing will go with him. Thank you for sharing your experience.

  • Hakim February 21, 2014

    L.T.
    are you on drugs? there are thousands Eritrean refuges in Ethiopia and you are talking is this BS. Eritreans body parts are sold like a cheap meat. what industry are you talking about yes we do have a big & profitable industry call human trafficking go F. yourself.
    The problem in Eritrea is who ever in charge of the office can do what ever he wants if he said no that’s it you have to find somebody who knows him so he can say yes they think they own the office. when I go to Asmara I tried to avoid going to the office they make you tired by saying go to #5, #8 & so on after all this they will tell you he is not here to sing come back tomorrow the next the same thing all over.

  • ሰላምይንገስ(ወዲደባስ) February 22, 2014

    ተዓወት ኣያ እስቲፎ።

  • Dahab February 22, 2014

    nay eseyas hilmi derho endalu policy tebahilu ziewej znebere. zgerm yu adi mexaweti hade hatw seb koyna terifa. nhade wekti zeyxenih policy sebat kedenagrn kegarachun tray entezeykoynu kalie fayda yeblun. kwam keytegberka policy kihnxix ilka hatef mbal dma kemu geza geza nay kolut xeweta tray iyu

POST A COMMENT