Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ

ኖርወይ ብልፍንቲ ዝተፈላለያ የማናውያን ሰልፍታት ትምራሕ ኣላ:: ሓደ ካብቶም ነቲ ልፍንቲ ዘቖሙ ሰልፍታት ገስጋሲ ሰልፊ ዝተሰምየ ኢዩ:: እዚ ሰልፊ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ:: ኣብቲ ኣኼባ ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረ ጉዳይ ስደተኛታት ምንባሩን ብፍላይ ኖርወይ

ኖርወይ ብልፍንቲ ዝተፈላለያ የማናውያን ሰልፍታት ትምራሕ ኣላ:: ሓደ ካብቶም ነቲ ልፍንቲ ዘቖሙ ሰልፍታት ገስጋሲ ሰልፊ ዝተሰምየ ኢዩ:: እዚ ሰልፊ እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼባ ኣካይዱ ነይሩ:: ኣብቲ ኣኼባ ቀንዲ ዛዕባ ዝነበረ ጉዳይ ስደተኛታት ምንባሩን ብፍላይ ኖርወይ 10 ሽሕ ሶርያውያን ስደተኛታት ክትቅበል ዝወጽአ መደብ በቲ ገስጋሲ ሰልፊ ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎ::ማዕረዚ ግን ምኽትል ሓላፊ ገስጋሲ ሰልፊ ፔር ሳንድበርግ ኣብቲ ኣኼባ ለቢስዎ ዝነበረማልያ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር መዛረቢ ኮይኑ ::

እቲ ማልያ ”ጽቡቕ ጉዕዞ”good journey ከምኡ እውን ናይ ባሕሪ ተመስጦ sea adventure ዝተጻሕፎን ኣርማ መርከብ ዝተሳእሎን ኢዩ:: መራሕቲ እተን ካልኦት ሰልፍታት:ፍሉጣት ወልቀሰባትን ምሁራትን ፔር ሳንድበርግ ነቲ ማልያ ለቢሱ ኣብ ኣኼባ ምቕራቡ ንህሉው ጸበባ ሰባት ግምት ዘይህብን ነዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ስደተኛታት ክብሪን ግምትን ዘይህብን ኢዩ ብምባል ነቒፎሞ:: ንሱ ብየማን ብጸጋም ምስ ተወቕሰ መልሲ ክህብ ተገዲዱ:: እቲ ማልያ ኣጋጣሚ ዝለበስክዎ ደኣምበር ክብሪ ስደተኛታት ንምትንካፍ ኣይገበርክዎን ብምባል ንዝሃቦ መከላኸሊ መልሲ መብዛሕትኦም ኖርወጅያውያን ኣይተዋሕጠሎምን::እቲ ምንታይሲ ብዓይኒ ፖለቲከኛታት ኖርወይ: ሰብኣዊ መሰል ሕብሪ ቆርበት ዘይክልክሎ ዶብ ዘይውስኖ ኣድማሳዊ ኢዩ:: ንቑሕ ሕብረተሰብ   ንሰብ ሞራላዊ ክብሪ ከምዘለዎ ኣሚኑ ይቃለሰሉ::ኣብ ዓዲ ሕጊ:እንስሳ ዘቤትን ኣራዊት ዘገዳምን ብዘይ ኣገባብ ከይህደኑን ብኣሰቃቒ መሳርሒ ከይውቃዕን ከይቅተልን ዝከለኸል ዓንቀጻት ኣብ ቅዋም ሰፊሩ ይስርሓሉ:: ኣብ ዘበን ኢጣልያን  እንግሊዝን መጽዓኛ ከይግረፍን ምስ ዝግጽብ ከይጽዓን ዝእግድ ሕጊ ኣብ ኤርትራ ነይሩ::

ኤርትራ- ኣብ ኤርትራ ስልጣን ተቖጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ ግን እታ ዝነኣሰት መሰል ረጊጽዋ ኣሎ:: ኣቦታትና ምውት ኣይክሰስ ይብሉ:: እዚ ጉጅለ ግን ኣብ ልዕሊ ምውታት ብዘይክሲ ዊንታኡ ይፍጽም:: ኣብዚ ናይ ቀረባ ንኤርትራውያን ዘጋጠሞም ህልቂትን ሓዘንን ህግደፍ ዘርኣዮ ንዕቀት ምጥቃስ ኣገዳሲ ኢዩ::

ኣብ 2013: 365 መንእሰያትን ቆልዓ ሰበይትን ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ  ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም:: ሕብረት ኣፍሪቃ ባንዴራ ለጠቕ ኢላ ከምትስቀል ብምግባር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጁ:: ኢጣልያውያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ተቐማጦ ከባቢ ላምፐዱሳ ኣውያቶም ንዓለም ኣስሚዖም:: ጉጅለ ኢሳያስ ብማዕከን ዜና ”ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት” ብምባል ነቲ ህልቂት ኤርትራውያን ጎስይዎ::

ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንኤርትራውያን ዘሰንበደ ክልተ ፍጻሜ ተራእዩ:: ኣብ ሊብያ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ 30 ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብካራን ብጥይትን ቀቲሉ:: ኢትዮጵያ ንዜጋታታ ግቡእ ክብሪ ብምሃብ ባንዴራ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ክትስቀል ብምግባር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ:: ህግደፍ ግን ፖለቲካዊ ጸወታ ዓጢጥዎ: እቶም ዝተቐትሉ ብሰንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኢዩ ብምባል ነቲ ኣራዊታዊ ተግባር ክጎላብብ ፈቲኑ::ብዘይካዚ ሰቦም ንዝሞትዎም ከይሓዝኑ ከልኪሉን ኣበሳቢሱን ኣሲሩን::

ብ 19 ሚያዝያ ኣስታት 900 ሰባት ዝጸዓነት መርከብ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒላ:: ኣብታ መርከብ 350 ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ጸብጻባት የመልክቱ:: ህግደፍ ነቲ ጸብጻብ ዘቕረበ ኣህጉራዊ ውድብ ብምፍርራህ እንተላይ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ቤት ጽሕፈቱ ከባርሮ ተደናዲኑ:

ኣብ በረኻታት ሱዳን: ምድረበዳ ሲና ዝሃለቑ ኤርትራውያን ቁጽሮም ብልክዕ ዝፈልጥ የልቦን:: ብመሰረት ጸብጻብ ሲ ኤን ኤን ግን ኣብ ሲና ኣስታት 4500 ግዳይ በዳዊንን ራሻይዳን ኮይኖም ኣካላቶም ተኸፊቱ ተዓዚብና:: ነዚኣቶም እውን ከምሰብ ቆጺሩ ህግደፍ ከድሕኖም ኣይተራእየን:: ብኣንጻሩ ንመገሻ ዝኸዱ ኢዮም ክምለሱ ኢዮም ብምባል ኢሳያስ ተዛሪቡ::

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ጻዕሪ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት 30 ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኢትዮጵያውን ብሓገዝ ሰራዊት ምስሪ ወጺኦም:: ፕረሲደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብዓጀባ ተቐቢልዎም:: ሓደ ኣስጊሉ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ፕረሲደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ስሒቡ ሰላም ክብሉ ዝተዓዘበት ዓይኒ መንግስትኻ እንተ ኣኽቢሩካ ኩሉ የኽብረካ መንግስትኻ እንተጉሕፉካ ድማ ኩሉ ይፍንፍነካ::ኤርትራውያን ኣብ ግዝኣት ምስሪ ክሽየጡን ክልወጡን ከለው መንግስቲ ምስሪ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ::ህግደፍ ስለ ዘይመጎተሎም ግን ኣዋልድ ኤርትር ተዓሚጸን ዘይደልይኦ ዕሸል ተሰኪመን:: መንእሰያትን ካህናትን ብእሳት ተለብሊቦም እዚ ውን ክሓልፍዩ እናበሉ እናስተማሰሉ ሓሊፎም::

ኤርትራዊ ብህግደፍ ተዋሪዱ ደሙ ደመ ከልብ ኮይኑ ኣሎ::ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ስደትን ወርደትን ሞት ኣኸቲለን ክስዕባና ኣኢየን:: እዚ ክቡር ህዝቢ ክብሩ ዝመልስን ንቡር ሂወት ዝመርሕን ብቃልሲ ኢዩ:: ቃልሲ ኣንጻር ምልኪን ስስዐን::ቃልሲ ኣንጻር ድንቁርናን ድሕረትን::

ደጎል ድራር

———————————

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • debesay May 11, 2015

    For real westeren countries have to deport all eritreans living their .beore u argu to understand my points.ONE -eritreans may be they have political problem,but since majority people hate the regim or need change instead leave the country they have to overthroughth the regim .political asylum given for few % who can make change in their country.however,75%eritrean hate the government so they can change the regim .and it is their responsiblity.TWo- eritreans they dont know why they came to western countries.becouse some of them pass their time on dancing and making concerts beside that they file regration document in eritrean embasy.THIRD they betray their people insteade they flee they have to free their peoplefrom the dictator.incontrast their case seems economically when they go europ.FOURTH-if all people ran away from the country ,it will be good oppurtunity for issayas to get no opposition and to get their money indirectly as aresult he get good time to enjoy his power until his death .there we all have to oppose for western countries not to give asylum openly and truthly inorder to save our country and to save human life dying in the sea and desert .i am sure then all they young people will back their face to their country and will overthrough the dictator.but i dont mean they dont have political problem .i am said that inorder we can able to short the life of the dictator.

  • debesay May 11, 2015

    Other wise isayas will leave in eritrea with his lovers by let go out for the people who are danger to him

  • Norway 11 May 13, 2015

    Well narrated Debesay!Excellent comment

  • Berhane May 14, 2015

    Well Said!!!!

  • Berhane May 14, 2015

    Eritrean Citizen dying on the sea are acknowledged World Wide. The atrocity of Essayas and his Puddles and Thugs are watching the sad event as a Drama. Time will come soon when they will be charged as killers. But howabout those Heros who fought for their life time but are rotten inside Essayas’s jail. I hope he will pay the price and feel the pain from where they are now.
    Death for him and his followers especially those who are leaving abroad.

  • Tezareb May 14, 2015

    ሰላም ደጎል፣ ግርም ጌርካ ኣስተብሂልካ፤

    “ሓደ ኣስጊሉ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ፕረሲደንት ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ስሒቡ ሰላም ክብሉ ዝተዓዘበት ዓይኒ መንግስትኻ እንተ ኣኽቢሩካ ኩሉ የኽብረካ መንግስትኻ እንተጉሕፉካ ድማ ኩሉ ይፍንፍነካ::ኤርትራውያን ኣብ ግዝኣት ምስሪ[ግብጺ] ክሽየጡን ክልወጡን ከለው መንግስቲ ምስሪ[ግብጺ] ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ::ህግደፍ ስለ ዘይመጎተሎም ግን ኣዋልድ ኤርትር ተዓሚጸን ዘይደልይኦ ዕሸል ተሰኪመን:: መንእሰያትን ካህናትን ብእሳት ተለብሊቦም እዚ ውን ክሓልፍዩ እናበሉ እናስተማሰሉ ሓሊፎም::”

POST A COMMENT