Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክብሪ ንድርብ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን”

ሎሚው`ን እናሃለት ሸሞንተ መጋቢት «ዓለምለኻዊት ማዓልቲ ደቀንስትዮ» ከም ወትሩ ከተፍ ኢላ። ጽቡቕን ዕዉትን ማዓልቲ ድማ ይግበረልና። ከምቲ ልሙድ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ክብርቲ ከም ምዃና መጠን ድማ እነሆ፡ ነዛ ማዓልቲ’ዚኣ ንምብዓላ ተባሂሉ ኣብ መላእ ዓለም ዓበይትን ንኣሽቱን

ሎሚው`ን እናሃለት ሸሞንተ መጋቢት «ዓለምለኻዊት ማዓልቲ ደቀንስትዮ» ከም ወትሩ ከተፍ ኢላ። ጽቡቕን ዕዉትን ማዓልቲ ድማ ይግበረልና። ከምቲ ልሙድ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ክብርቲ ከም ምዃና መጠን ድማ እነሆ፡ ነዛ ማዓልቲ’ዚኣ ንምብዓላ ተባሂሉ ኣብ መላእ ዓለም ዓበይትን ንኣሽቱን ምድላዋት ይግበር ኣሎ።

ንሕና ኤርትራውያን እንተኾነ’ውን፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ ደንበታት ኰንና በበይንና ከነብዕላ ንሻባሸብ ኣሎና። ካብ ወረደና ድኣ ንኽኣሎ’ምበር እንታይ ’ይባሃል ኮይኑ። ነዛ ክብርቲ ዕለት’ዚኣ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር መጠን፡ ኩላትና ብሓባር ኰንና ከነብዕላ ዝካኣል ኔሩ እንተ ዝኸውንሲ ክንደይኮን ደስ ምበለና። ዝክኣል ግን ኣይኮነን።

«ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም» ከም ዝበሃል በዚ ሓደ ሸነኽ ንሓቀኛ መሰልን ማዕርነት ደቀንስትዮ ንምውሓስን፡ ሃገር ከይትጠፍእ ድማ ንምድሓን ብዝቃለሱ ሃገራውያን ክትብዕል ከላ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ነቲ ሃገር ዘጥፍእ ዘሎን ብባህርያቱ ጸረ ደቀንስትዮ ዝኾነን ስርዓት ብዝድግፉ ህልኸኛታት’ያ ትበዓል ዘላ።

ከም ትፈልጥዎ፡ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም፡ ካብ ጥንትን-ጥቅምትን ኣትሒዙ፡ ኣብ ዝኾነ ሕብረተሰብ እታ ናይ ብሓቂ ውጽዕቲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ዘካትዕ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ ደቀንስትዮ ንመሰለን ኩሉ ግዜ ካብ ቃልሲ ቦዂረን ኣይፈልጣን’የን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ደቀንስትዮ ዘካይድኦ ዝነበራ ዘይሕለል ቃልሲ ፈኸም እንዳበለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ መጀመርያ ናይቲ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን፡ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ንኽህሉ ከም ሓሳብ ክቃላቐል ዝጀመረ።

ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ሓሳብ’ዚ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ብ1908 ዓ.ም «ሶሻሊስት ፓርቲ» ናይ «ኣሜሪካ» 28. ለካቲት፡ ከም ሃገራዊት ማዓልቲ ደቀንስትዮ ንኽትከውን ወሰነ። ብመሰረት’ቲ ውሳኔ’ቲ ድማ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ «ኣሜሪካ» ንመጀመርያ ግዜ ብ28 ለካቲት 1909 ዓ.ም ከቢራ ዋዓለት። ብድሕር’ዚ ኣብ «ኮፐንሃገን ዴንማርክ» ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ «ዓለምለኻዊ መጋባእያ» ደቀንስትዮ «ክላራ ዜትኪን» ዝተባህለት «ጀርመናዊት» ዘቕረበቶ ሓሳብ ደገፍ ድሕሪ ምርካቡ፡ 8 መጋቢት ከም ዓለምለኻዊት ማዓልቲ «ቃልሲ ደቀንስትዮ» ንኽትከውን እቲ ጉባኤ ወሰነ። ብድሕሪ ኣገዳሲ ጉባኤ «ኮፐንሃገን» ከኣ ቃልሲ ደቀንስትዮ ከልካሊ ከምዘይብሉ «ውሕጅ» ኣብ ሙሉእ ዓለም ጃሕ-ጃሕ ኢሉ ውሓዘ።

ዝተቓልሰ ክዕወት ናይ ግድን ስለ ዝኾነ ድማ፡ ደቀንስዮ ብዝገበርኦ ቃልስን ዝኸፈልኦ መስዋእትን፡ ብዙሕ ዓወታት’የን ኣመዝጊበን። እቲ ቃልሲ ግን በዚ ተወዲኡ ማለት ኣይኮነን፡፡ ኣብ ሳልሳይ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ «ኣፍሪቃ» ’ቲ ተሪፉ ዘሎ መንገዲ ኣዝዩ ነዊሕ`ዩ።

ቃልሲ ናይ ደቀንስትዮ ኣብ’ቲ ምዕቡል ሃገራት ብዙሕ ዓወታት ኣመዝገቡ’ዩ። ኣብ ገለ-ገለ ሃገራት’ሞ ኽኣ ደቀንስትዮ ካብ ወዲ ተባዕታይ ንላዕሊ ሓለፋታት ኣለወን፡፡ መሰል ደቂ ተባዕትዮ እጋሃስ ኣሎ፡ ዝብል ክትዓት ይቃላቐል`ዩ።

ሓደ ኣብነት ክጠቕሰልኩም፡ ሓደ ግዜ ኣብ «ኖርወይ» «ካሪታ ቤከመለም» ዝተባህለት «ፌሚኒስት» ዝመለለዪኣ ሓንቲ ፍልጥቲ ብመሰል ደቀንስትዮ ኣዝያ ግድስትን ተቓላሲት ኣላ። «ካሪታ» ሚኒስተር ናይ «ትሕቲ ዕድመን ማዕርነትን» ኮይና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘገልገለት ናይ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኣባል’ያ፡፡  ኣብ’ቲ  እዋን’ቲ «ካሪታ» ደቀንስትዮ ክንብል፡ ደቂ ተባዕትዮ ይርስዑ ኣለዉ። ማዕርነት ክንብል ከለና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ማለትና ክኸውን ኣለዎ በለት። ካብዚ ሓሳብ’ዚ ተበጊሳ ድማ ሓደ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጉዳይ ዝከታተል «ሜን ፓኔል *ማኣዲ ተባዕትዮ*» ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሽማግለ ኣቚማ ነበረት።

ቃልሲ ደቀንስትዮ ብሓፈሻ ክሳብ’ዚ ደረጃ’ዚ ምብጽሑ ዘሐጉስ እኳ እንተኾነ፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን፡ ድሕር’ቲ ኹሉ ዝኸፈልኦ መስዋእትን ስንክልናን ፍረ ናይ’ቲ ተባዕን ልሉይን ቃልሰን ዘይምርካበን ግን ንኹሉ ኣእምሮ ዘለዎ ፍጡር ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘብክንዩ።

ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ኣነ ነዚ ኣብ ላዕሊ በታ ዘላትኒ ንዕሽቶይ ዓቕሚ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ንቓልሲ ደቀንስዮ ዝምልከት ታሪኽ፡ ካብ ሰበይ ንላዕሊ ስለ ዝፈለጥኩ ኣይኮነን። እኳ ድኣ ክንደይ ሊቃውንቲ ደቀንስትዮ ኮነ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራውያን፡ ነዚ ዝተሓላለኸ ታሪኽ ቃልሲ ደቀንስትዮ፡ ብሰፊሑ ተንቲኖም ከረድኡና ዝኽእሉ ብዙሓት ኣለዉ። ኣነ ነዚ ዘጥቅሰኒ ዘሎ ምኽንያት ግን፡ ንጽሑፈይ ድሕረ ባይታ ክኾነንን፡ ነተን ህ.ግ.ዲ.ፍ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ትርጉሙ ሳዕሳዒትን ጸወታን ድኣ’ምበር፡ ካልእ ቁምነገር ከምዘይብሉ ኣምሲሉ ከረድአንን ከታልለንን ዝፍትን ዘሎ፡ ንኡሳት ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ገለ ቁሩብ ሂንታ ክኾኾነን’ሞ፡ ነቲ ዓበይቲ ኣሕዋተን ዝኸፈልኦ መስዋእትን፡ ገና ዘካይድኦ ዘለዋ ዘይሕለል ቃልስን፡ ባዕላተን መርሚረን ኣብ ቅኑዕ ቃልሲ ንኽሳተፋ፡ ክሕግዘን ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ’የ።
ብዝኾነ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት ጉዳይ ክመልሰኩም፡ ቁሩብ ልዕል ኢለ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኣብ ስሉስ ዓለም፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ንኽዕወት ተሪፉዎ ዘሎ መንገዲ ነዊሕ’ዩ ኢለ ኔረ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን ናይ ደቀ’ንስትዮ ኤርትራውያን’ዩ። ኩላትና ከም’ንፈልጦ፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርከትኦ እጃም ኣዝዩ ዓቢ’ዩ። እቲ ብ1991 ዓ.ም ዝመጸ ነጻነት ብዘይ ተሳትፎአን ክዕወት’ዩ ኢልካ’ውን ፈጺሙ ዘይሕሰብ ስነ ሞጎት’ዩ ኔሩ። ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ንነጻነት ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ንማዕርነተን’የን፡ ድርብን ተባዕን ቃልሲ ተቓሊሰን`የን ዝተሰዋን፡ ዝሰንከላን ብዘይውላድ ተሪፈን ዝመኸናን።
ከም’ቲ ዝጠቐስኩዎ፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ንነጻነትን ሓርነትን፡ ከምኡ’ውን ንመሰለን ብትብዓትን ብንቕሓትን ድርብ ቃልሲ’የን ኣካዪደን። እቲ ከም ደቀንስትዮ መጠን ዘለወን ባህርያዊ ጸገማት ከይዓገተን ድማ’የን ብመስዋእቲ፡ ነቲ ቃልሲ ክሳብ ነጻነት ኣብ ሸቶኡ ኣብጺሐንኦ። ስለዚ ድማ እቲ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ዘካየድኦ ቃልስን ዝኸፈልኦ መስዋእትን፡ ካብቲ ’ተን ቃልሰን ምሉእ-ብሙሉእ ታዓዊቱ መሰለን ረኺበን ዘለዋ፡ ኣብ ምዕቡል ሃገራት ዝነብራ ደቀንስትዮ ንላዕሊ’ዩ።

ደቀንስትዮ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረት ዓጢቐን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ዓድን ኣብ ስደትን ኮይነን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝገበርኦ ኣስተዋጽኦ፡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ተራ’ዩ ተጻዊቱ። ኣብ ከተማታት ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ኮይነን፡ ምስጢር ናይ ሰውራ ዓቂበን ዘሐብን ስራሓት ሰሪሐን፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝተሳቐያን ዝተሰውኣን ጀጋኑ ደቀንስትዮ ኣሕዋትና ውሑዳት ኣይኮናን።

ኣብ ገጠራት እንተኾነውን ጸላኢ መጺኡ «ወንበድየዶ» ሪኢኽን ኢሉ ከሳራጥየን ከሎ፡ ብትብዓት ሓንቲ ምስጢር በጨቕ ከየበላ ኣይርኣናን’የን ዝብላ ኔረን፡፡ ኣብ ግዜ ኲናት በቲ ርህሩህ ከብደን ዋይ ’ሕዋተይ ዋይ ደቀይ እንዳበላ፡ ጠያይት ኣብ ዝባነን እንዳዓለበ ንተጋደልቲ ማይን መግብን ከቐብላን፡ ንዝተወግኡን ዝሓመሙን ክኣልያን፡ ዘካየድኦ ቃልሲ ቀሊል ኣይኮነን።

ኣብ ስደት ዝነበራ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን እንተኾነ’ውን ደኺምና ከይበላ፡ ስሚንቶ እንዳማተን ፋሕፊሐንን ተዋሪደንን፡ ዝሓዝኦን ዘረምሰስኦን ክሳብ ስልማተንን ወርቀንን ከይተረፈ፡ ስልማተይ ሃገረይ። ኣሕዋተይን ደቀይን እንዳተሰውኡ፡ ገንዘብን ወርቅን እንታይ ክኾነኒ። ብዘይ ሃገር ክብረት የለን። እንዳበላ ከም ዓንዲ ሕቖ ሰውራ ኮይነን ዘካየድኦ ቀሊል`ውን ቀሊል ኣይነበረን።

ኣብ ትሕቲ’ዚ ንምልእቲ ሃገር ገቢቱ ዘሳቕያ ዘሎ ስርዓት ግን፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ፍረ ጻማ ናይ’ቲ ዘካየድኦ ዘይሕለል ቃልሲ ክረኽባስ ይትረፍ፡ ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ዝኾነ ኩነታት’የን ወዲቐን ዘለዋ። እተን ንሙሉእ ሂወተን ኣብ በረኻ ከርተት ዝብላ ዝነበራ ጀጋኑ ተጋደልቲ ከይተረፈ’ውን፡ ኣብ ፈቐዶ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐያ’የን ዘለዋ።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግን ናይ’ተን ነዚ ኹሉ፡ ደቀንስትዮ ኣሕዋተን ዝኸፈልኦ መስዋእትን፡ ሕጂ ዘሕልፍኦ ዘለዋ ስቓይን እንዳፈለጣ፡ ህልኽ ሒዙወን ኣንጻር ጥቕመን ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ ከዳምቓሉ ዝውዕላ ዘለዋ ደቀንስይዮ ኤርትራውያን’ዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ኣንትን ኣሕዋተይ እንታ’ዩ ወሪዱክን? ሕድሪ ስዉኣት ኣሕዋትክን’ባ ኣይትጥለማ። ህልኽ’ኮ ኣብዘብጽሓክን የብሉን`ሞ፡ ኣብ ጎኒ’ተን ንመሰል ህዝቢ ኤርትራን፡ ንመሰል ደቀንስትዮን ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ኣሕዋትክን ምዃን ይሕሸክን ክብለን ይፈቱ።

ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ትሕቲ ከም ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኣመሰ፡ ልቦና ዝጎደሎ ዓመጺ ስርዓት ወዲቓ ክትሳቐ ኸላ፡ እቲ ሽግር ዝያዳ ንደቀንስትዮ’ዩ ዘረኻኽበለን። ንሱ ስለ ዝኾነ ድማ ሎሚ እተን ዝያዳ ተዋሪደንን ከፊኡወንን ዘለዋ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን’የን። መንእሰያት ደቀንስትዮ ሎሚ፡ ኣብ ክንዲ ዝሕንቅቓን ዝመሃራን፡ ገሊአን ብሰንኪ መስዋእቲ ኣቦታት ደቀን፡ ገሊአን ድማ ብዓመጽ ብዘይድሌተን፡ ንዝወለድኦም ቆልዑ ንበይነን ኮይነን ብዘይ ገለ ሓገዝ ከዕብያ ከርተት ይብላ ኣለዋ። ወለዲ ደቀንስዮ ሎሚ፡ ደቆም ገና ናኣሽቱ ከለዋ እዛ ጓለይ እንተትማሃረለይ እንተትምዕብለለይ ኣብ ክንዲ ዝብሉ፡ ተመርዕያ ሰፈራ እንተትሕዘለይ እንተትኸደለይ፡ ኣብ ምባል በጺሖም ኣለዉ።

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ ጓልኩም ወድኹም፡ ዓቢኹም ንእሽቶኹም፡ እዚ ወሪዱና ዘሎ ኩነታት ውዓል-ሕደር ዝባሃሎ ጉዳይ ኣይኮነን። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክወርደና ኢና ንጽበ ዘለና። ሃገርናን ህዝብናን ከነድሕን ተቓላጢፍና ኢደይ ኢድካ ዘይንብል። እስከ ነዛ ክብርቲ ሸሞንተ መጋቢት «ማዓልቲ ቃልሲ ደቀንስትዮ» ብቕንዕና ንሓድነትና መደልደሊትን፡ ንቓልስና መሕነኒትን፡ ጌርና ተጠቒምና፡ ንሓመድ ድበ ህ.ግ.ዲ.ፍ ነቃላጥፎ። ሓደራ..ሓደራ!! በብዓቕምና አእጃምና ንግበር። ጉዳይ ሃገር ናይ ኩልና ሓላፍነት’ዩ።

ክብሪ ንድርብ ቃልሲ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!!

ክብሪ ነታ ፈቃርን ርህርህትን ወላዲት ጀጋኑ፡ ኤርትራዊት ኣደ!!

ዝኽሪ ነታ ኣብነት ደቀንስትዮ ኤርትራውያን፡ ፈለማ ሂወታ ዝኸፈለት ጅግና ስውእቲ «ኣለም መስፍን»!!

ዝኽሪ ነተን ድሕሪኣ ዝሳዓባ ጀጋኑ ስዉኣት፡ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!!  ዝኽሪ ነተን ሳላ መስዋእቲ ኣሕዋተን ኣብ ክንዲ ዝሕንቅቓን መሰለን ዝረኽባን፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕሽነት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ኣብ ዳግማይ መስዋእቲ ዝተሳጥሓ ንኡሳት ኣሕዋትና ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!!
ጽንዓት ነተን ሓበን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾና፡ ማዓንጥአን ሸጥ ኣቢለን፡ ገና ንፍትሒ ዝቃለሳ ዘለዋ ጀጋኑ ደቀንስትዮ ኤርትራውያን!!             “ወልድኣብ ፍስሓጼን ኦስሎ ኖርወይ”

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mehret March 8, 2013

    A Million thanks Weldeab!!!!!!
    Thanks for remembering so many of my sisters, mothers, and daughters both victims and heroines!!!

  • ተወልደመድህን March 9, 2013

    ደቂ ኣንስትዮ ብምሉእ ሃይለንን ዓቕመንን ኣብ ቃልሲ እጃመን ኣበርኪተን።ኣዚ ዘይሰሃት ሃቂ ኢዩ።እዚ ግን ተካፋልነት ኢዩ ኔሩ።ቃልሲ ስለዝኾነ ንጓል ኣነስተይቲ ዝሃስዩ ነገራት ተጻኒዑ ዘይተኣለየሉ ኢዩ ኔሩ።ኣብ ቃልሲ ጕል ኣነስተይቲ ናይ ቦታ፡ናይ ኩነታት ኩናትን ቁርን ጥሜትን፡ካብ ደቂ ሰባት ዘጋጥም ኩሉ ተሃዋዊሱ ተጻውሮ ሃንሳኣ ብስቓታ ትነብዓሉ ዝነበረት ኢዩ’ምበር ምስ ማዕርነትን 8 መጋቢት ምስዝጠልቦም ጉዳያት ኣይተኣሳሰረን።ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናይ ልምዲ ግዙእ ስለኾነ’ምበር ሽግራት ደቂ ኣንስትዮ ኣጽኒዑ ጸገማት ዘቃልል ኣይኮነን።ማህበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከኣ ሃደ ክፋል ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት መጋበርያ ደቂ ኣንስትዮ ንምቁጽጻር ዝተገበረ’ምበር ጸገማት ኣጽኒዑ መፍትሕ ዘየናዲ ጓህማም ማህበር’ዩ።ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከም በዓል ጥራህ የብዕለኣ።ኣዚ ከኣ ልምዲ’ዩ ።ሎሚ ይኹን ትማሊ ብዝያዳ ውጽዕቲ ጓል ኣነስተይቲ ኢያ።ጉዳይ ማዕርነትን ጉዳይ 8 መጋቢት ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኮንካ ብምትኳስ ወዲ ተባዕታይ ዝዓጠቖ ዕጥቅን ልብሲ ምስ ጋምባለ ምውዳይ ማለት ማዕርነት፡ኣብ ኣኼባ ዲ ምስታፍ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ገይሮም ዝሓስቡ ብዙሃት ደቂ ሃገር ኣለው።እዚ ግን ኣብቶም ጉዳያት ጥልቕ ዝበለ መረዳእታ ስለዘይብልና፡ሃንጎልና በቶም ቃላት ህግደፍ ስለዝተዓብለለ ጥራሕ’ዩ።

  • ተወልደመድህን March 9, 2013

    1.ማዕርነት፡ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ብምንቅስቃስ ዝወሃብ ኣይኮነን።ማዕርነት ኩሉ ዜጋ ተባዕታይ ይኹን ኣንስተይቲ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ፡ማዕረ ዕድልን ዘረጋግጽ ስለዝኾነ ናብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ክዘዚ ዝግበኦ ኣይግበኦን።በዚ ኣረኣኣያዚ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ዕድላት ኣብ ግዜ ቃልሲ ይኹን ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይተሰርሃሉ፡ወዲ ሃብታም ብሰምበል ወዲ ድካ ብገመል ሃገር ዝገድፈሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ።ኣብዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ ከኣ ከም ዜጋ መጠን ዘይኮነ ናትና ድዩ ዘመድ መን’ዩ ተባሂሉ ኣብ እሙንን ኣድላይ ቦታን’ዩ ዝውተፍ።
    2.ኣብ ፖለቲካ ተሳቲፋ፡ገድሊ ህዝቢ ኣኤርትራ ይኩን መንግስቲ ኣኤርትራ ዘይዲሞክራሲያዊ ስለዝኮነ ነጻ ምርጫ ዝብሉዎ ንዜጋታት ከፊቱ ኣይፈልጥን።ስለዚ ጓል ኣነስተይቲ ይኹን ወዲ ተባዕታይ ብነጻ ኣይመረጸ፡ብነጻ ክምረጽ ኣይተንቀሳቀሰን።እቲ ክሳብ ሎሚ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ዝበሃል፡ኣብ ኣኼባ ኦኣዲ ኣደታት ወጼን፡ኣብ ገለ ምምራህ ተሳቲፈን ግን ንገብር ኣሎና’ምበር ውጺኢት ዘይነበሮ ናይ ተምሳል ስራሕ’ዩ።ካልእ ኣብ ተ.ሓ.ኤ. ይኹን ህ.ግ ኣብቶም ዝለኦኣሉ ኣካላት መሪሕነት ጓል ኣነስተይቲ ትበሃል ኣይነበረትን።ስለዚ ኣብ ኣኤርትራ ፖለቲካዊ ነጻነት ስለዘይነበረ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ኣይነበረን።
    3.8 መጋቢት፡ጓል ኣነስተይቲ ማዕረ ወዲ ተባዕታይ ምእንቲ ክትጎይ ዝጠልብ ኣይኮነን።ኣካል ኅብረተሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ጉዳይ ምእንቲ ክሳተፋ፡ጸገማተን ኣጽኒዕካ ንምውጋድ።ንዝተረፋ ከኣ ኩሉም ኣብ ሕይወታ ዘጋጥሙ ሽግራት ፈቲሕካ ቅስንቲ ኣደ፡ጥዕና ዘለዋ ኣደ ንምግባር ዝዓለም ኢዩ።

  • ተወልደመድህን March 9, 2013

    ስለዙይ ሓደ ጉዳይ ውጺኢት ምእንቲ ክህልዎ ቀንዲ ትርጉሙ ምፍላጥ የድሊ።ልክዕ ከምቲ ገድሊ ኣኤርትራ ብዙሕ ሃቢኡ፡ንሽሙ ስለ ማዕርነት ስለ መኦኣልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ንጎዮ እንድሕሪ ጎይና ናብቲ ዚተበገስናሉ ምምላስና ኣይተርፍን’ዩ።ሎሚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቀን ምስ ሃዳረን ማሚቐን ዝሃድራሉ ቅሱን ኩነታት ይደልያ ኣለዋ።ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ጓል ኣነስተይቲ ብቐጥታን በተዘዋዋርን ናይቲ ጉዳይ ቀዳመይቲ ተጠቃዒትን ውጽዕትን’ያ ኔራ።ንሽግራታ ክፈትህ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ኣካል የለርን።ከም መሳርሒ ግን ክሳብ ሎሚ ተጠቂሞምለን።ኣብ ከምዚ ሕማቕ ኣዋን ከኣ ጓል ኣነስተይቲ ኣኤርትራ ኣንጻራን ኣንጻር ኅብረተሰባን ውዒላ’ያ።ርግጽ ዘይምፍላጥ ዘይምንቃሕ ኢዩ።ን ኣብነት ኣብ ኢትዮ/ኤርትራ ግጭት ኣብ ክንዲ

  • ተወልደመድህን March 9, 2013

    ስለዙይ ሓደ ጉዳይ ውጺኢት ምእንቲ ክህልዎ ቀንዲ ትርጉሙ ምፍላጥ የድሊ።ልክዕ ከምቲ ገድሊ ኣኤርትራ ብዙሕ ሃቢኡ፡ንሽሙ ስለ ማዕርነት ስለ መኦኣልቲ ደቂ ኣንስትዮ ተባሂሉ ንጎዮ እንድሕሪ ጎይና ናብቲ ዚተበገስናሉ ምምላስና ኣይተርፍን’ዩ።ሎሚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ደቀን ምስ ሃዳረን ማሚቐን ዝሃድራሉ ቅሱን ኩነታት ይደልያ ኣለዋ።ካብ ግዜ ገድሊ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ጓል ኣነስተይቲ ብቐጥታን በተዘዋዋርን ናይቲ ጉዳይ ቀዳመይቲ ተጠቃዒትን ውጽዕትን’ያ ኔራ።ንሽግራታ ክፈትህ ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ኣካል የለርን።ከም መሳርሒ ግን ክሳብ ሎሚ ተጠቂሞምለን።ኣብ ከምዚ ሕማቕ ኣዋን ከኣ ጓል ኣነስተይቲ ኣኤርትራ ኣንጻራን ኣንጻር ኅብረተሰባን ውዒላ’ያ።ርግጽ ዘይምፍላጥ ዘይምንቃሕ ኢዩ።ን ኣብነት ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ግጭት ኣብ ክንዲ ንሰላም ነቲ ውላዳ ዝበልዕ ዘሎ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝወለዖ ኩናት ኣጣቒዓ ስልማታ ኣረኪባ ውላዳ ሞይቱ ሃገር ናብ ሕማቕ ንኽመርሑ ህግደፍ ንያት ሂባ ኣጣቒዓ።ሎሚ’ውን ኤርትራውያን መናእሰያት ሃገር ገዲፎም እግሮም ናብዝመርሖም ኣናጠፍ ኡ፡ኣብ ምድረበዳ ብጽምኢ እናሞቱ፡ኣብ ሲናይ ኣናተሳቐዩ ኣብ ባሕሪ ኣናጠለቑ 8 መጋቢት ይኹን ካልእ በዓላት ህግደፍ ክተድምቕ ተከዳዲና ተኾሃሒላ ኣብ ጓይላ ሳኦሲኦኣ፡ኣዚ ኩሉ ካብቲ ሰማየ ሰማይ ክንጥምት፡ኣንታይ ንገብር ከምዘሎና ህድእ ከይነስተውዕል ዝገብር ኣመራርሓ ዝተበገሰ ኣንተኾነ ንባዕላ ጓል ኣነስተይቲ ኣብ ዕድላ ምጽዋታ’ዩ ዘር ኢ።
    ስለዚ ኣብ ክንዲ ስለ ልምዲ ምቦኣልን ኣብ በኦኣላት ምስታፍ፡ናቲ በኦኣል ትርጉምን፡ኣንታይ ዝህብ፡ኣየናይ ኦኣይነት መንገዲ ዝከፍት ምኳኑ ኣድቂቅካ ምፍላጥ የድሊ።ዝሓለፉ ተመኩሮታትን ግዕዝያትናን ክንመሃሮሎም ክንርደኦም የድሊ።