Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ክትበልዓ ዝደለኻያ ኣባ ጉንባሕሲ፥ ዛግራ ትብላ”

“The ultimate measure of a man is not where he stands in moments of comfort and convenience, but where he stands at time of challenge and controversy.” --- Martin Luther King, Jr. --- ብዕለት 01/31/2016 ኣብ ከተማ

“The ultimate measure of a man is not where he stands in moments of comfort and convenience, but where he stands at time of challenge and controversy.”

— Martin Luther King, Jr. —

ብዕለት 01/31/2016 ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ዲሲ (Washington, DC) ብወካሊ መድረኽ ብዛዕባ ናይ ኣኼባ ናይሮቢ-ኬንያ ዝምልከት ገለጻ ንምግባር ኣኼባ ተገይሩ። ከምቲ ልሙድ ንነዊሕ እዋናት ዘሕለፈ ኣሰራርሓ፥ ከም ተዓዘብናዮን ንፈልጦን፥ ሕጂ’ውን ብውሕዳት ተታሒዙ ስልዘሎ፥ ናይ ሕዝቢ ኣኼባታት ምክያድን ምዕዳምን፥ መብዛሕቲኡ መደባት ብዝተፈላለያ ናይ ውድባት ወከልቲ ዝተውጻጽአ ናይ ውሑዳት ሕዛእቲ ኮይኑ አሎ። ተገደስቲ ናይ ህዝቢ ጠለብ ዘቐድሙ ናይ በርገሳውያን ሲቪክ ማሕበራት ኣባላት ስለ ዘይሳተፍዎ (ንሱ’ውን እንተአልዉ ማለተይ’ዩ) ኣኼባ ዝጽውዓን ዝግበርን ብውድባውን ሰልፋውን ኣጥማምታ’ዩ። እዚ ናይ ሲቪክ ማሕበራትን ውድባትን ምትሕንፋጽ ካብ ሽም መጸውዒ ሓሊፉ ቀንዲ ንክልቲኡ ዝፈልዮ ግብራዊ መምርሒ ስለ ዘይሕንጸጽ፥ ከም ሐደ ናይ ፖለቲካ ውድብ ተጠሚሩ ዘይፈላለ ኮይኑ ይሰርሕ አሎ።

እዚ ከአ ነቲ ዘይድለ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዘይግልጹነትን፥ ዘይተሓታትነትን ንህዝቢ ዘንቅሎ እዋናዊ ስኽፍታን ሕቶን ከም ጉላባብ መሸፈኒ ሓቂ ኮይኑ ክስራሓሉ ኣድላዪይ ኣይነበረን። ካብ ሕሉፍ ጌግ ክንማሃርን ክንእርሞን ዘይምኽኣልና፥ ዘተኣማምን ሃዋሁ ብሓባር ዘቃልስ ባይታ ንህዝቢ ረብሓ ካብ ምፍጣር ይሕንቅፈና ከም ዘሎ ኣይከሓድን። ቀንዲ መሰረት ንሕብረትን ጥርናፈን፥ ምትእምማን ካብ ኮነ፥ ብዘይ ምትእምማን ከአ ሓቢርካ ምስራሕ ማለት ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ሓቂ ኣብ ዘይብሉን ኣደናጋሪ ገጽታ ኣብ ዝዝውተረሉ ጉዳይ ከአ ናይ ህዝቢ እምነት ይጎድል ጥራይ ከይኮነስ፥ ምጥርጣር ክንዲ ዝውገድ ብኣንጻሩ ክስፋፋሕን ክዓብን፥ ዝተኣከበ ብቐሊሉ ክብተን ሓጋዚ ይኾውን። ብዕሙቕ ክሕሰበሉን መፍትሒ ብቕንዕና ክድለየሉ ዘድልዮ ጉዳይ ስለ ዝኾነ፤ ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ፥ ግና ንመጻኢ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመሓየሽ እንተደሊና፥ ሎሚ ኣርሕቕና ክንሓስብ ይግብኣና።

እቲ ኣኼባ በቶም ዝተረኸቡ ውሑዳት ተሳተፍቲ ብሓውና ሰመረ ሃብተማርያም ተኸፊቱ። ከምቲ ሞት “ሕጹይ ኮይኑና፥ ንምብካይን ኣይከአልናን” ከም ዝባሃል ተሳተፊቲ ሓፋሽ ህዝቢ ተቐማጦ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ኣይተሳተፉን እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን። መጀመርያን ናይ መወዳእታን ክኸውን ኢዩ ኢለ’ውን ኣይኣምንን። እዚ ከአ ክሳብ ፖሊቲካዊ ኣካይዳናን፥ ንጽህና ኣተሓሳስባና ዝቕየር፥ ጊዜ ክወስድ ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብሓጺሩ ህዝቢ ኣይተኻፈሎን ጥራይ ከይኮነስ፥ ንህዝቢ ዘሳትፍ መደብ ዝተዳለወ ኣይነበረን። መድረኽ ንባዕሉ ምስ ህዝቢ ክራኸብ ድሉው እንተ ዝኸውን ነይሩ፥ ህጹጽ ህዝባዊ ጎስጋስ ኣካይዱ ኣኼባ ክጽውዕ ምተገብኦ። ምስ ህዝቢ መራኸብን መፋለጥን ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከአ ምኾኖም ምበልኩ።

ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሰላም፥ ኣብ ደመና ዘይብሉ ሰማይ ማይ ምጽባይ ከንቱን ዕሽነትን ጥራይ ከይኮነስ፥ ነቲ ኣውንታውን ኣሉታውን ሳዕቤን ኣብ ግምት ዘይምእታው ናይ ምስሉነት ስራሕ ዘርኢ ናይ ቃላት ምጽብባቕ ውጺኢት ከምጽእ ኣይክእልን። ንኣብነት፣ ህግደፍ ብንጝህኡ ናብ ዘይእረም መገዲ ሒዙ ስለዘቕንዐን፤ ብእዋኑ ዓገብ ዝብሎን ተጣበቕቲ ንመሰል ህዝቢ ዝቋመቱ ድርጅት ወይ ኣካል ስለዘይነበረ፥ ናብዚ ሕጂ ሃገርናን ህዝብናን ጢሕልዎ ዘሎ ሰልሚ ዓዘቕቲ ብቐሊሉ እማይሸመሞን። ሎሚ ንህግደፍ ንምእራም ኢልካ ምቅላስ ወላ ቅኑዕ ሓሳብ ይኹን እምበር፥ ህግደፍ ክእረም ቅርቡነት ኣብ ዘየርኤሉ እዋን ናብ ንቡር ኣሰራርሓ ብሕጊ ዝተቐየደ ክትገብሮ ምፍታን ማለት ካብ ሕሉፍ ጌጋ ክትመሃር ዘይምኽኣል ምኻኑ ኣይንዘንግዕ። ግና ነቲ ሓቂ ንጎኒ ኣጸጊዕኻ ዕሽሽ ክትብሎ ምምራጽ ቅንዕና ዘይብሉ ኣሰራርሓ ጥራይ ከይኮነ፥ እቲ ዘስዕቦ ሃሳዪ ውጺኢት ኣብ ናይ ህዝቢ ድሌት ዘይተመርኮሰ ስለዝኸውን፥ ብሃገር ምዕባለ ምጥላዕ ከይከውን ምጥንቃቅ ከድሊ እዩ።

“We win when we have and ideas contest. We lose when we have a personality contest” – ከምዝበሃል – “So we have to be straight with each other, and more importantly, we have to be straight with the Eritrean people.”

መድረኽ ከም ንስልጣን ኣደራደርቲ/ ኣስማማዕቲ/ኣመቛቐልቲ/ኣታዓረቕቲ ተራ ከማንም ዜጋ ብውልቅ ብጥርኑፉን ንክሰርሑ መሰሎም ምኻኑ ወላ ፍሉጥ ይኹን እምበር፤ ከም ናይ ህዝቢ ወከልቲ ኮይኖም ብዋኒኖም ክቐርቡ እንተኾይኑ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክህልዮም ኣይክእልን።  ካብ ብሽም ምትእኽኻብ ምሕዝነት፥ ኪዳን፥ ከም’ውን ሃገራዊ ባይቶ ዝተራእየ ናይ ህዝቢ ተሳታፊነት ጉድለት/ቡኹረት ንባዕሉ ዓይቢ ትምህርት ክኸውን ምተገብኦ። ዝኾነ ምትእኽኻብ፥ ናይ ህዝቢ መሰል ኣኽቢሩ፥ ተሓታትነትን ግልጽነት ኣሰራርሓ ብሓላፊነት ክስከም እንተኾይኑ፥ መጀመሪያ ናብ ህዝቢ ክቐርብን መደባቱ ከብርህን ግዴታ ይህልዎ።

ኣይ በኣቃራጺ መገዲ ምኻድ ይሕሸና ዝብሉ ከአ፥ ከም ውልቃዊ ድርጅት ናይ “Lobbyist” ስራሕ ጥራይ ንምስራሕ ዝመርጹ ሰብ ሙያ ከአ ናይ ስልጣን ደለልቲ/ኣስማማዕቲ “Power Brokers or King makers” ብምኻን ክሰርሑ መሰሎም ዝተሓለወ ይኸውን። ግን ንናይ ህዝቢ ድሌት ንጣበቕ አለና ክብሉ ዝኽእሉ ኣይመስለንን።

መድረኽ ኣባላቱን ዘውርቱን ንዓል መን ከምዝኾኑ ብዘየገድስ፥ ከም ጥርኑፍን ከም መሪሕ ተራ ኣብ ሽግር ናይ ሃገርን ህዝብን ምፍታሕ ዓይቢ ተራ ክጻወት እንተኾይኑ፥ ህዝቢ ነቒሑ ክስዕቦን ክድግፎን ምእንትን፥ ክገብሮ ዝግብኦ ሓላፊነታዊ ግዲታኡ ኣሚኑ ብቐጥታ ነተን ኣገደስቲ ጉዳያት ከነጽረን ከምዘለዎ ክዝንጋዕ የብሉን። ነዚ ንምትግባር ከአ ዘዕግብ መልሲ ከቕርብን ናይ ህዝቢ ሕቶ ብቕኑዕ መንፈስ ክምለስን ይግብኦ። እዚ ናይ ህዝቢ ሕቶ ንብሎ ከአ፥ ዝኾነ ግዱስ ኤርትራዊ ዜጋ፥ ብሃገሩን ህዝቡን መጻኢ ምዕባለን ቅሳነት ዝዋሳእ ክሕተት አለዎ። ኩሉ ሃገራዊ ከአ ኣብ ሃገሩ ሰላም ኣብ ምስፋን ዝምልከት ክሓትትን ክከታተልን ግቡኡ ጥራይ ከይኮነስ ግደታዊ ሓላፊነት አለዎ። ከምቶም ንደሞክራሳዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል ስርዓት ንምቓም ኣብ ሃገርና ዝቃለሱ ባእታታት ይኹኑ ሰልፍታት ብዕሙትን ጭፍንን እምነት ጥራይ ተኸተሉና፥ ተዓገሱና ምባል ጥራይ ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ጉዕዞ መፍትሒ ኣይኮነን። ለውጢ ካብ ነብስኻ ስለ ዝጅመር ንኻልኦት ብመብጽዓን ዘረባን ክትቅይር ምፍታን ግብራዊነት ዝጎደሎ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ካብ 2ይ ጉባኤ ዝተገብረሉ 1987 ዓ.ም ጀሚሩ ዘይተቓረጸ መብጽዓ እንተቐጸለ ፋይዳ የብሉን።

ክሳብ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብብዝሒ ንህግደፍ ኣሚኑን ሲዒቡን ዝተጋዕዞ ሕብረተሰብ ኢዩ። ሎሚ መሪርን ክትኣምኖ ዘሸግርን ህይወት የሕልፍ አሎ። ዝተፈደዮ ጻማ ብሉጻት ስውኣትን ስንኩላትን ደቁ እንተሎ ናይ ኣሽከዓላልን ጥልመትን፥ ካብ ባእዳዊ መግዛእቲ ዝገደደ ላግጺ ዝተውሰኾ ኣረሜናዊ ምሕደራን፥ መወዳደርቲ ዘይርከበሉ ዘይሰብእዊ ጭቆና ኣብ ዝባኑ ሓዚሉ ይሳቐ አሎ። ነዚ ሓቂ ኣብ ግምት ብምእታው ከአ ዝመጽእ ሰልፊ ወይ ፖሊቲካዊ ውድብ ናይ ህዝቢ ጉዳይ ብቐዳምነት ሰሪዑን ተገዲሱን ክሰርሕ እንተኾይኑ ምስ ህዝቢ ክላዘብን ብቅንዕና ክቀርብን አለዎ። ርኽክቡ ምስ ውሑዳት ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን ናይ ስልጣን ተቖራቖስቲ ውድባትን ጥራይ እንተኾይኑ ግን፥ እቲ ሽግር ይገድድ እምበር ኣይመሓየሽን። ብውጺኢቱ ከአ ህግደፋውያን ምስ ሰዓብቶም ነታ ሃገር ካብ ምጽናት ዝዓግቶም ሓይሊ ስለ ዘይህሊ ህዝብና ስቓዩ ክናዋሕ እምበር ኣይክሓጽርን’ዩ።

መጀመርያ፤ መድረኽ ከም በርገሳዊ ምጥርናፍ ንህዝቢ መሰልን ድሌትን ዝጣበቕ እንተኾይኑ፥ ነፃ ካብ ፖለቲካዊ ተጽዕኖ ኮይኑ ዝንቀሳቀስ ናይ ህዝቢ ተጣባቒ ምኻኑ ንህዝቢ ከረጋግጽ ብግብሪ ግዴታ አለዎ። ክሳብ ሕጂ ግና ነዚ ኣገዳሲ ሕቶ ግልጽነት ዘይምህላው ይኹን ወይ ሕቡእ ኣጀንዳ ሒዝካ ደይምደይ ኢልካ ዝግበር ኣብ አመሰራርታን መቐየዲ ኣሰራርሓ በርገሳዊ ጥርናፈ ዕግበት ዘይምህላውን፥ ብስሩ ይሰርሕ ኢልካ ዘይምእማን’ውን ይኸውን። ብሓጺር መግለጺ፥ ብቐጥታ ነቲ ንጹርነት ዕላማኦም ንህዝቢ ከቕርቡን ከፋልጡን ድልዋት ዘይምኻኖም ምኽንያቱ ባዕላቶም ምስ ጊዜ ክምልስዎ ንጽበ። ሕጂ ግና ከምቲ ምስላ፥ ኣብ ክልተ ባላ ተንጠልጠል፥ ሐደ እንተተሰብረ ኣብቲ ሐደ ትስቀል/ትሓኩር፥ ዝዓይነቱ ምርጫ ወሲዶም ይርከቡ።

ካልኣይ፤ መድረኽ ርኽክቡን ኣሰራርሕኡን ምስ ውድብ “ሰልፊ ደሞክራሳዊ ህዝቢ ኤርትራ” (EPDP) ኮይኑ፥ ዝወሰዶ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ከአ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ካብ ኮነ፥ ስለምንታይ ናይ ሰልፊ ደሞክራሳዊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲፕሎማሳዊ መሓውሩ ቅርንጫፍ ኮይንና ኢና ንሰርሕ ንምባሉ ዝኸብዶም ዘሎ። ብግብሪ ርኽክቦም ምስ ካልኦት ውድባትን ምስ ወከልቲ መንግስታትን ካብ ኮነ እንታ’ዩ እቲ ምስጢር ክልተ ሽም (Double Standard) ሒዝካ ንምጉዓዝ ዝተመርጸሉ? እቲ ዝረኽቡዎ ሓገዛት ምንጩ ወላ ኣይፈለጥ፥ ግና ካብ ህዝቢ ክሳብ ዘይኮነ፥ ነቲ ካብ ደለይቲ ግብረ ሰናይ ማሕበራትን መንግስታትን ስለዝኸውን፥ ምናልባት ካብቲ ብሽም ሰልፊ/ ውድብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ክዛይድ ይኽእል። ብውጺኢቱ ዘርብሖም ዘለዉ ሰልፍን ውድባትን ካብ ኮነ፥ ናይ ጥቕሚ ምግጫው (Conflict of Interest) ዊዒሉ ሕዲሩ ስለዘይተርፍ ሕጂ እቲ ግልጽነት (Transparency and Credibility) ኣብ ዓይቢ ናይ ሕቶ ምልክት ኣትዩ ይርከብ።

መድረኽ ከም ፖሊቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ኣይኮናን ግና ፖለቲካዊ ስራሕ ንስራሕ እምበር፥ ንመጻኢ ናይ ፖሊቲካ ሕጹያትን ንስልጣን ተውዳደርቲ ኣይንኾውንን ኢሎም ይመባጽዑ። ናይ ምምራጽ ኮነ ክንምረጽን መሰልና ተጠቒምና ኣብታ ናይ መጻኢት ብደሞክራሳዊ ክትመሓደር ትጽቢት ንገብረልናን ንጽዕረላን ዘላ ሃገር ኣይንሳተፍን ማለት ብሓቂ ክተአምኖ ከሸግር’ዩ። እቲ ብቐንዱ ክእመን ዘይካኣል ዘረባ ጽውጽዋይ ካብ ምኻን ከአ ኣይተርፎን ኢዩ። እቲ ሓመረት ትርጉም (Logic) ምቅላስ እኮ፥ እቲ ትእምነሉን ዝጸዓርካሉን ውጺኢት ፍረ ቃልስኻ ብግብሪ ከተስተማቕሮን ተኻፋሊ ክትኸውን እምበር ኣማዕዲኻ ክትርእዮ ኣይኮነን። እዚ መሰረታዊ ሓቂ እንዳፈለጥካን፥ ግብራዊነቱ እንዳኣመንካሉ፤ ስለምንታይ ይኸውን እዚ ኩሉ ምክንያታት ምፍጣር ዘድልዮ። ካብ መደናገሪ ዘረባ ተቖጢብኩም ስለንምታይ ንጹር ዝኾነ ዕላማን መትከልን ሒዝኩም ናብ ህዝቢ ዘይትቐርቡ?። ህዝቢ ከአ ሓቅን ምስሉነትን ናይ ምፍልላዩ ዘጸግሞ ኣይመስለንን።

ሕጂ’ውን መድረኽ ብመነጽር ድሌት ህዝቢ ክትምዘኑን ክትራእዩን እንተኾይኑ ናይ ህዝቢ ስክፍታ ኮነ ርእይቶ ብዕቱብ ተረዲእኩም ኣዕጋቢ ዝኾነ ንጹር መልሲ ካብ ባኹም ህዝቢ ከምዝጽበ ኣይትዘንግዑ። ናይ ህዝቢ ጉዳይ ዘሳልጥ ኣካል ብዝወሓደ ናይ ህዝቢ ደገፍ ክህልዎ ከምዘለዎ ንዓኻትኩም ከዘኻኽር የብለይን። እንተን ብህዝቢ ውክልና ዘይተዋህበን ውድባት ብሽም ህዝቢ ብዙሕ ምጥርናፍ ከምዝገበራን ዝፈሸላን ዘከራኽር ኣይኮነን። ቀንዲ መፍሸሊኤን ከአ ብዛዕባ ውድባተንን ኣባላተንን ብቐዳምነት ሰሪዐን ክሰርሓ ከለዋ፤ ግና ብዘውጽእኦ መግለጺታት ኮነ ጽሑፋት ከም ናይ ህዝቢ ወከልቲ ንነፍሰን ብምቕራብ ኢዩ። ከምኡ እንተዘይኮውን ነይሩ እቲ ናይ ህዝቢ ድሌት ናይ ኩለን ድሌት ስለዝኾውን ናብ ፈቐዶ ምፍንጫልን ምብትታንን ጊዚኤን እማይጠፍእኦን። ንጹር ዝኾነ መርገጺ ዘይብሉ ጉዕዞ ቃልሲ ክፈሽል ናይ ግድን’ዩ።

ብሓጺሩ እቲ ብሰንበት ዝተገብረ ኣኼባ ክግምገም እንተኾይኑ፤ ካብቶም ብተሳተፍቲ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታትን ርእይቶን ኣብ ክልተ ክስራዕ ይከኣል።

ሀ፥ ወላ ትንፈር ጤል ኢያ ዝብሉ ዓይነት ቲፎዞ ብደጋፊነት ውድቦም ዘንጸባርቑ ከለው፥ ብተወሳኺ ከአ ሓውና ሰመረ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላታት እንዳቕረበ ነቲ ደገፎም ከርጉዶ ፈተነ ክገብር ተዓዚበ። እቲ ናይ ቤተክርስትያንን መስጊድን ሰበኻ ንነፍሲ ምድሓን ዝስበኸሉ ምሳላታት ንናይ ስጋን ኣካላውን ህይወት ኣብ ምድሪ ከለና ንፖሊቲካዊ ብልጫታት ክንጥቀመሉ እማይተገበአን…

ለ፥ እቲ ካልእ ወገን ከአ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ ከምዝበሃል፥ ካብ ቀለዓለም ዘረባ ከይኮነስ ካብ ድሌት ንጹር መልሲ ዘይምርካብ ብተደጋጋሚ ተመሳሳሊ ሕቶ ንመድረኽ ብኣቃምን መትከሉ ዘይግልጻውነት ከምዘለዎ ኣሚትሉ። መድረኽ ምስ ህዝቢ ከምዘየሎን ምስ ውድባትን ሰልፍታትን ላዕሎዎት ኣካል ክሰርሕ ምምራጹ ናይ ህዝቢ ውክልና ከምቶም ዝሓለፉ ብሽም ህዝቢ ዝጠራነፉ ዝነበሩን ዘለውን ከምዘይብሉ…

ብሓጺሩ፤ ንኹሉ ኣብ መጻኢ፥ ብስርሖምን ኣቋሞምን ብመትከሎም ዝኣምኑሉ ግብሪ ዘበርክትዎ ናይ ሃብታማት ሰብ ገንዘብ ምትእኽኻብ ዘፍርዮ ፍረ ውጺኢት ጠቓሚነቱን ጉድእቱን ክንርኢ ንጽበ።….. I mean, if the Nairobi – Kenya conference was funded by well to do financially able Eritrean compatriots, then let it be and let’s hope others to follow on their example for the sake of our national quest for integrity and unity.

From Robert Frost’s mocking observation that “a liberal is a man too broad-minded to take his own side in a quarrel.” ከምዝበሎ…

On the other hand in the “War of Ideas” እቲ ዘገድስ… “What count is not just what you’re against” said Governor Adlai Stevenson, “but what you are for.” . . . Hence, What we stand for.

We need to answer a basic question. What kind of Eritrea do we want?…The answer will be define upon our unity. When we all come together in the spirit of change, for good…in the spirit of peace, equality and in fairness of justice to all Eritreans, then the rest is going to be easy with the trust of our people’s good judgment.

ኣተሓሳስብናን ኣረኣያናን ንጽቡቕ ድሌትን ተግባርን ክውዕል ንነፍስና ብቕንዕና እንተ ኣዋፍርና፥ እቲ ግብረ መልሲ ከአ፥ ዝዘራእናዮ ክንዓጽድ ዘሸግረና ኣይመስለንን።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝብና፣

ምዕባለን ብልጽግና ንሃገርና፣

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ስውኣትና።

 

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና 02/03/2016”

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Musa Ali February 9, 2016

    Mr solomon,
    Medreck have the right to fight the way they want to fight. U have the right to choose yours. Please stop your half baked analysis and attack the enemy of the people if u are for the people. Grassroot movement is one way, medreck’s way is another way but for same end.

  • Ahferom Melekino February 10, 2016

    Musa Ali we do not need top down imposed and dictatorial way of going. The people of Eritrea should know and has the right to know what is the position of Medrek. If they are not party and what do they want for? They have hidden agenda which is not clear to all of us. This is similar to Isayas way of handling things for his own benefit only. These people should make their way very clear from day one. What is their vision and how do they want to work with other democratic movements is a basic question they have to answer. If they are true in the opposition camp well and good. They must be transparent and accountable to the people. Otherwise they were with the regime and now also they might mysteriously serve the Isayas regime if they did not divulge their manifesto and what they intend to do for ending the crisis of the Eritrean populace.

    • Musa Ali February 10, 2016

      They tried at a time when the majority of us was not ready. We did not support them when they demanded implementation of the constitution. Listen to durue’s speech. He was challenging us directly to stand up for our rights. We remained either silent or sang iseyas’s song. So, we failed them, they did not fail us.

  • Solomon B.Sengal February 11, 2016

    Dear Musa Ali,

    Mind that and recognize that, the people who run “MedreK” are very capable to answer the question I and other Eritreans pose with out fictitious excuse. Your mix up with facts is not going to work since we are talking about “Medrek’s political position. They stood with the DIA and his stooges during the time you want to compare about the G-13 and G-15 movements. Now if you have any sense of humiliation address the point what my Eritrean brother challenge you to clarify your comment. And of course, speak for yourself how you failed the Eritrean people and still trying to be a mouth piece of crooks.

    Solomon B. Sengal

  • AHMED SALEH !!! February 11, 2016

    Solomon
    Obviously as you concluded UNITY defines our anticipated goal toward
    Eritrean sociopolitical for change . If we observe facts of current issues with splinter civic and political organizations concentrated on their ideological beliefs competitions has been the result of failures
    that prevented them gain broad support from justice seekers .
    Wedi Vocaro (RIP) showed important example how efficiently can they bring people together for national dialogue . I think it is all about honesty ,
    dedication and determination .
    Medrek offered to facilitate the barriers , close the bridge of division
    and to built trust for reconciliation . In return we blessed the noble
    initiatives to give our people in need inside and surround our country
    a little hope .
    WE WISH THEM NOT TO HURT US AGAIN DELIBERATELY FOR SELF CENTERED MISSION.

POST A COMMENT