Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክወግሕ’ዩ፡ ቅድሚ ምውግሑ ዝነበረ ህሞት ግን ሓደራ…

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕመሳ፡ ሞትን ማእሰርትን ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ምብትታን ስድራቤታት፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ፈተነ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዳይ፡ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ጎደና ጥፍኣትን ጸልማትን ዝወስድ ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ክኽወን እንከሎ

ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕመሳ፡ ሞትን ማእሰርትን ዜጋታት፡ ከምኡ’ውን ምብትታን ስድራቤታት፡ ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ፈተነ’ዩ። እቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጉዳይ፡ ንኤርትራን ህዝባን ናብ ጎደና ጥፍኣትን ጸልማትን ዝወስድ ተግባራትን ስርዓት ህግደፍ ክኽወን እንከሎ እቲ ካልኣ ብድሆ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ክትቅጽል፡ ህዝባ ክርህዎን ብመንነቱ ክኾርዕን ዝጽዕት፡ ሰላምን ብልጽግናን ዝምነን ንርሑቕ ዝጥምትን ባህጊ’ዩ። እዞም ክልተ ተጻረርቲ ኣምራት፡ ሓውን ሓሰርን ስለዝኾነ ንመዋእል ብሓደ ተሳንዮም ክነብሩ ኣይክእሉን’ዮም። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንግዚኡ፡ ትካላት ጸጥታ፡ ስለያን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ብምእታው ንመናውሒ ስልጣኑ ይጥቀመሉ ስለዘሎ፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ኩነት ክፈጥር፡ ሓቅታት ክቀብር ወይ ክጥምዝዝ ተኽእሎ ኣለዎ። እቲ ንህላወን ሓቀኛን ኤርትራ ክትህሉ ዝጽዕት ወገን ድማ፡ ዝተቀብረ ሓቅታት ፍሒሩ ከውጽእን መርዛማት ኣእዳው ህግደፍ ክሓጽራን ይጽዕት ኣሎ። እቶም ብቀጥታን ብተዘዋዋርን፡ እንተ ንጥፍኣት ኣንተ ንልምዓት ኤርትራን ህዝባን ንዋሳእ ዘሎና ዜጋታት ድማ፡ ንሎሚ ጥራይ ዘይኮነ ንጽባሕ ንደቅናን ደቂ ደቅናን እንታይ ዓይነት ታሪኽ ነውርስ ከምዘሎና መምዘኒና’ዩ።

ሓደ ካብ ዝኸፍአ ተግባራት ህግደፍ፡ ሓቂ ምቅባር ንሱ ምዃን እንተኣብይዎ ድማ ንዕኡ ብዘርብሕ መልክዕ ኮሓሒሉ ምቅራብ’ዩ። ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ንእንታይነትን ልክዕነትን ህዝቢ ኤርትራ ከንጸባርቅ ዝኽእል ታሪኽ ክዳሎ ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ሓንጎል ህግደፍ፡ ጃህራ፡ ሰልበጣን እከይ ጉርሕን ጥራሕ’ዩ ቦታ ዘለዎ። ህግደፍ ሕልምታቱ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ ዝጥቀመሉ እከይ ሜላታት፡ ሓቀኛ ታሪኽን ፍጻመን ንዝፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ምስፋርን እቶም ሰባት ብህይወት እንተልዮም ድማ ንሓቂ ብጩቅ ኢሎም ከምዘይዛረቡን ከምዘይጽሕፉን ምሕራም’ዩ። ብዙሓት ዜጋታት ምስ ታሪኾም ክቅበሩ ጸኒሖምን ገና ይቅበሩ ኣለዉን። እቶም ብስም ኣድሓርሓርቲ፡ መንካዕ፡ የሚን፡ ብክድዓት ወይ ብጥልመት፡ ብትሕተ-ሃገራውነት፡ ዝተረሸኑን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝበልዩ ዘለዉን ዜጋታት፡ ብዓይኖም ዝረኣይዎ፡ ብኣካል ዝወዓልዎን ክምስክሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ ገበንን ሓሳባቶም ብናጻ ክገልጹን ዕድል እንተዝወሃቡ፡ ቅጥፈት፡ ድራማታትን ሓሶታትን ህግደፍ ቦታ ኣይምሃለዎን። ዕዮ ገዛ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ግን እቲ ሓቂ ከምዘለዎ ክንስንድን ንመጻኢ ወለዶ ከነወርስን ምራላውን ሃገራውን ሓላፍነት ምስካም’ዩ። ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ፡ ፈጸምቲ ገበንን መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ዝኾንኩም ዜጋታት ማይ ስለዘይሓለፎ፡ ብእከይ ተግባራትኩም ብልቢ ተጣዒስኩምን ካብ መጻወድያ ህግደፍ ወጺኹምን ንህዝብኹም ይቅረ ክትብሉን ክትክሕሱን ነውሪ ኣይኮነን። እቶም ከውሒ ልቦምን ብስስዐ ኣእምሮኦም ዝተደፍነን ኤርትራውያን ግን፡ ይንዋሕ ይሕጸር በቲ ዝፈስስ ዘሎ ደም ንጹያት፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከምዝሕተቱ ክዝንግዑ የብሎምን። እቶም ብባርባራዊ ተግባራት ህግደፍ ድሕሪ ምስቃይ ካብ ዓምጠርቲ ኣጽፋር ህግደፍ ኣምሊጦም ብብዙሕ ውረድ ደይብን መሰናኽልን ሰጊሮም ብህይወት ኣብ ዓዲ ሰላም ዘለዉ ዜጋታት ድማ፡ መታን ሕጂ ዘሎን መጻኢ ወለዶን ክሕበነሉን ክመሃረሉን ኣፎም ከፊቶም ዝወረዶም በደል ከምዘለዎ ከዘንትዉ ይጥለቡ። ህሉውን መጻእን ወለዶ ግን ንፉንፉን ተግባራት ህግደፍን ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ካልእ ተመሳሳሊ ብድሆታትን ጥራይ ኣይኮነን ከዘንቱ ዘለዎ። ኣብ ሕሰምና፡ ጓሂና፡ ወጣሪ ኩነታትን ኣብ ጎድንና ጠጠው ብምባል ህይወት ዝዘርኡልና፡ ሞራላዊ፡ ንዋታውን ገንዘባውን ደገፋት ዝሃቡናን፡ ውልቀሰባት፡ ጉጅለታትን እንተላይ መንግስታት ጻማኦም ክንርስዖ የብልናን። ንምንታይ’ሲ ጽቡቅ ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ስለዝኾነ። ሓሳባተይ ንምጥቅላል፡ ኣብ ሃገርና ዘኹርዕ ቅያን ኣዝዩ ዘሰቅቅ ግፍዕታትን ይፍጸም ኣሎ። ስርዓት ህግደፍ ነቲ ንዕኡ ዘርብሖ ቁንጭል ኣቢሉ ንፖለቲካዊ ሃልኪ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን የቃልሖ ይኸውን። እንተኾነ፡ ህግደፍ ብመጻኢት ኤርትራ ስለዘይሓስብን ህዝብና ሓቂ ክፈልጥ ስለዘይደልን፡ እቲ ንሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ስቃይ ክዕበጥን ክብረዝን’ዩ ብዕቱብ ዝሰርሓሉ። ሓደ መዓልቲ፡ እንተጸኒዕናን ቀዳምነታትና እንተኣነጺርናን፡ ጸልማት መዋእል ስርዓት ህግደፍ ብብርሃንን ብፍስሃን ክትካእ’ዩ። እቲ ጸልማት ንምቅንጣጥን ምልእቲ ብርሃን ንምኹላዕን፡ ዝስገር ዘሎ መስገደል ህሞትን ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰግርን ድማ ኣካል ናይ ቃልስና ክኸውን ኣለዎ። ኩለን ኣብ ወጻኢ ዝመደበረን መርበባት ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሓንን ድማ መደባተን ከወሃህዳ፡ ሞራል ህዝብና ዘበርኽ፡ ኢሰብኣዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዕ ንጥፈታተን ከሐይላ፡ ኣብ መደባተን ዝቃላሕ ዘሎ ዘስደምም ታሪኽ ዜጋታትና ብዕቱብ ክስንዳ ኣለወን።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (12 ነሓሰ 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Yeakel August 12, 2016

    ወደን ከይሐምያስ ሰይቲ ወደን ይሐምያ ዝተባህለ ከምዚ ዘረባ ምስ ተሰምዐ። ወሪድዎ ውልቀመላኺ። ባዕልኻትኩም ስአን ምስምማዕኩም ዝጠፍኤት ዐዲ ንስርሑ ዝሰርሕ ዘሎ ጅግና አይተማርሩ ።ንሱ ካብ ዕላምኡ ፈንተት አይአይበለን። ቀደሙ ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ወጺኡ ጉዳዮ ይገብር አሎ። ሰብ አይትረብሹ ስንፍናኹ ም ሒዝኩም ስቕ በሉ። ገድሉ ከይዛዘመ ውጹዕ ህዝቡ ምስ ቀታሊ ገዲፉ ዝሃድም ተጋዳላይ ካሐዲ እዮ ዝብሃል ።ሕጂ ግን ካልአይ ሺሙ ኤርትራዊ ኮይኑሎ። መስኪነይቲ ንዐኹም ዝወለደት። ካብ ኣደ ጂግና ኮይና ኣደ ክናና ምናና።

POST A COMMENT