Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክወግሕ’ዩ፡ ግን ብኣና ክወግሕ ኣለዎ

“ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይትኹና ወደን ክሕረድ ንሰን ይቁነና” ዝብል ዛንታ ክስምዕ እንከለኹ፡ መንቅሊ’ቲ ዛንታ፡ ሓቅነቱን ዝርዝራቱን ዘይፈልጥ’ኳ እንተኾንኩ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ ኣደ ንጉሰ ወደን ክሕረድ እንከሎ ይቁነና ነይረን ኢለ፡ ምስቲ ዝወለደት ኣደ ጨኪና ኣይትፈልጥን’ያ ዝብል

“ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይትኹና ወደን ክሕረድ ንሰን ይቁነና” ዝብል ዛንታ ክስምዕ እንከለኹ፡ መንቅሊ’ቲ ዛንታ፡ ሓቅነቱን ዝርዝራቱን ዘይፈልጥ’ኳ እንተኾንኩ፡ ናይ ብሓቂ ድዩ ኣደ ንጉሰ ወደን ክሕረድ እንከሎ ይቁነና ነይረን ኢለ፡ ምስቲ ዝወለደት ኣደ ጨኪና ኣይትፈልጥን’ያ ዝብል እምነት ይገራጨወኒ። እዚ ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብገለ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝርአ ዘሎ ካብ ሓቀኛ ጠባይ ኣደ ዝርሓቀ፡ ምስ ቀታሊ ደቃን ኣሕዋታን ህግደፍ ምምሕዛው ምስተዓዘብኩ ግን፡ ምናልባት ካብ ጽሩይ ስርናይ ክርዳድ ምርካቡ ስለዘይተርፍ፡ ኣደ ንጉሰ’ውን ሓንቲ ካብአን ጨካን ኣደ ነይረን ከይኮና ይጠራጠር። እዚ ብሂል’ዚ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ ግን ንተመራመርቲ ታሪኽ ይገድፎ። ንዘረባ ዘረባ ኣምጽኦ ንሓመድ ድጉሪ የውጽኦ ከምዝብሃል፡ ንስለ ዘረባ’ምበር ኣርእስቲ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣደ ንጉሰ ስለዘይኮነ ከወንዝፎ። ብኣንጻር ናይ ኣደ ንጉሰ ዛንታ ግን፡ ኣደ ኣብ ክንዲ ደቃ ከምትብጆን ንሕማቅ ነገር ኣሕሊፋ ከምዘይትህብን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና ከምዝዕለል፡ በቅሊ ምስተበኮረት ዝወለደቶ ገልገላ ካብ ከስዐ ኣዲኡ ወጺኡ ሰፊሕ ጎልጎል ምስረኸበ ክዕንድርን ንጹህ ኣየር ከተንፍስን እንከሎ ናይ ነገር ንእስነት ዘሊሉ ናብ ቃላይ ተደርገመ። ኣዲኡ ድማ “ዋይ ወደይ” ኢላ ብስምባደ ንኸትድሕኖ ደድሕሪኡ ናብቲ ቃላይ ኣተወት። እታ በቅሊ ግን ንውላዳ ከተድሕኖ ኣይክኣለትን ምስ ዕሸል ውላዳ ካብ ዓለም ብሞት ተፈልየት። ካብኡ ንድሓር፡ በቅሊ ብደቃ ጽልልቲ ስለዝኾነትን ብኽቱር ፍቅሪ ኣብ ልዕሊ ደቃ ዘጋጥም ጸገማት ክትጻወሮ ስለዘይትኽእልን፡ ብፈጣሪ ንኸይትወልድ ከምዝተኸልከለት ይዝንቶ። እዚ ብሂል’ዚ ሓቂ ድዩ ዋላስ ጽውጽዋይ፡ ብስ-ነፍልጠት ምርግጋጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ካብዚ ብሂል’ዚ ዝቅሰም ኣገዳሲ ነጥቢ ግን ኣሎ፡፡ ኣደ ክንዲ ኹሉ’ያ። ኣደ ብደቃ ዝመጻ ኣይትፈቱን’ያ። ኣደ ሓብሓቢት ደቃ፡ ብርሃንን ግርማን ስድራ’ያ። ኣደ እንተሞይታ፡ ህይወት መቀረት የብሉን፡ ጎደሎ’ዩ።

ኤርትራዊት ኣደ፡ ነቲ ካብ ከስዐኣ ዝወጸ ውላዳ፡ ክሳብ ብህይወቱ ዘሎ ንሓንቲ ካልኢት’ውን ካብ ቅድሚ ዓይና ክፍለያ ኣይትብህግን’ያ። ንዘክር’ሞ ሞያን ልውህናን ኣደ ንድሕሪት ተመሊስና፡፡ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣዴታት ድሃይ ደቀን ክደልያ፡ ጸበል ኣብ ቅናተን ቛጺረን፡ ጸልየን፡ ንኣምላኸን ለሚነንን ተመባጺዐንን፡ እግረን ናብ ዝመርሐን ሃጽ ክብላን ንዝረኸብኦ ተጋዳላይ ስም ውላደን ብምርቛሕ ተፈልጦ ወይ ትፈልጣ’ዶ ኢለን ክሓታ፡ ለይትን መዓልትን ምዕጉርቲ ደቀን ክስዕማን ገጾም ክርእያን ክብህጋ፡ ኣብ ድቃሰን ደቀን ብሕልሚ ክርኣይወን፡ መደምደምታ ኩሉ ድኻመን ድማ፡ “ተሰዊኡ-ተሰዊኣ” ዝብል መልሲ ክወሃበን እንከሎ፡ እቲ ብድሆታት ብዙሕ’ዩ። እታ ርህርህቲ ኤርትራዊት ኣደ፡ ነዞም ብስርዓት ህግደፍ ተጨውዮም ይሃልዉ ይሙቱ ሃለዋቶም ዝተሸርበ፡ ብዘይ ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላቶም ተጋሂሱ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበልዩን ዝሳቀዩን ዘለዉ፡ ደቃ፡ በዓል ቤታ፡ ቤተሰባን ክትርኢ ከቶ ኣይፍቀደላን’ዩ። ኣብ ቃልዕ ዓው ኢላ ጓሂኣን ናፍቆታን ክትገልጽ’ውን፡ ኣብ ሓሳዳት ኣዒንቲቲ ህግደፍ’ያ ትኣቱ። ካልእ ይትረፍ፡ ብሓለውቶም ኣቢላ፡ ከመይ ኣለኻ ወይ ኣለኺ ትብል ቁራጽ ደብዳበ ክትሕንጥጥ፡ ቅያር ክዳንን ቁራስ እንጀራን ከተብጽሓሎምን፡ “ዝተናፈቅኪ ክብርቲ ወላዲተይ/በዓልቲ ቤተይ ዝሰደድክለይ ተቀቢለዮ፡ የቀንየለይ” ዝብል ናይ ህላወ ብስራት መልሲ’ውን ንምርካብ ሕርምቲ’ያ። እታ ርህርህቲ ኤርትራዊት ኣደ፡ ዓቅሚ ስኢናን ናበይ ከምዝኽየድ ሓርቢትዋን እምበር፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ኣብ መንደበልዎ ምድረበዳ ሳህራ፡ ማያት ማእከላይ ባሕርን ካልእ ቦታታትን ህይወቶም ዝሰኣኑን ስነስርዓት ቀብሪ ዘይረኸቡን ደቃ፡ ዝወደቅሉ ቦታ ንምፍላጥን ኣብ ልዕሊ መቃብሮም ተደቢራ ዝርንዝሕ ክትነብዕን መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም ኢላ ክትሰናበቶምን ድሕር ኣይምበለትን።

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ “ህዝቢ ኤርትራ ሓድሕዱ ኣብ ምክብባርን ምድግጋፍን፡ ጻዕራምነቱን ቅንዕናኡን ዘኹርዕ ባህሊ ኣለዎ” ዝብል ሓረጋት ከም ቀደሙ ኣብ ቦታኡ ኣሎ ኣይብል’የ። መንቀሊ ናይ ኩሉ ኣበርን ነቲ ዘሐብን ክብርታትናን መንነትናን ዝፍሑቅ ዘሎ ብልሹዉ ኣሰራርሓ ህግደፍ ምዃኑ ብዙሕ መርትዖታት ክቀርብ ይኽእል’ዩ። ኣብ ኤርትራ ብሕጊ ዝምእዘዝ ስርዓት ስለዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍትሒ ክረኽቦ ዘይክኣለን መሰሉ ሓቲቱ ብማእሰርትን ሞትን ይምለሰሉ ስለዘሎን፡ ምስቲ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐን ጨፍላቅን ህግደፍ ተመሳሲሉ ይነብር ኣሎ። ዓቅሚ ዘለዎም ኤርትራውያን ድማ፡ ነቶም ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ስልጣን ተዋሂቦም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ዘለዉ፡ ስሱዓት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ሓለፍቲ ትካላት ስለያን ካድራት ህግደፍን፡ ብዓይነትን ብጥረ ገንዘብን ጉቦ ብምሃብ ጉዳያቶም የሳልጡ ኣለዉ። “ድኻ ተበደለ ሕጊ ጎደለ” ከምዝብሃል፡ እቲ ጉቦ ክህብ ዓቅሚ ዝሰኣነን፡ ኣብ ላዕለዋይ ኣስካላ ዝደየበ ዘመድ ወይ ፈላጢ ዘይብሉን ዓዃይ ግን፡ ምስ ዕድሉ እናተራገመ ብምስትንታን ይነብር ማለት’ዩ። ሓንቲ ሃገር፡ ፍትሒ እንተጎዲሉዋን ዝሓየለን ዝሃብተመን ጥራይ ዝነብረላ እንተኾይናን፡ እቲ ሕብረተሰብ ሰላም ሰፊንዎ ብሓድነት ናይ ምቅጻል ዕድል ኣብ ዋጋ ዕዳጋ’ዩ ዘእትዎ። ሓደራ ኤርትራውያን፡ ነታ ሓመድ ትድበን ፍልሖ ዝበልዓን ህይወትና ክጥዕማ፡ ብስስዐ ሃረምረም ክንብል፡ ክንጨኻኸን፡ ክንጠላለም፡ ኣብ መጻወድያን ረሳሕን ፖለቲካዊ ዕላማታት ህግደፍ ክንኣቱ ኣይግባእን። ነብሰይ ይጥዓመኒ ወጊድና፡ ሓድሕድ ንከባበር፡ ንላዘብ፡ በቲ ኣብ ኣርዑት መግዛእቲ ህግደፍ ተቆሪኑ ዝሳቀ ዘሎ ህዝብና፡ በቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ተሰዲዱ ክብሩን መንነቱን ዝድፈር ዘሎ ወገንና ንሕሰብ፡ ሕልና ኣይነዕርብ ተስፋ ኣይንቑረጽ ክወግሕ’ዩ።

           ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኤርትራ 28 ግንቦት 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde May 29, 2017

    Yes she did,despite her ailment,my Mom braved the elements limping she came all the way from Asmara to persuade me that I am too young to kill and be killed and need to come home.She cried and pleaded to no avail,then she stopped and looked around and saw kids like me 14,15,16 y/o and reached into the bag of supplies she brought with her and distributed it among us,gave her blessing and told me,’I will be waiting for you.’ and started limping back home with a broken but proud heart,We never saw each other again to this day,but I know she still prays for me from up above,that is why I am still beating the odds.This is my tribute to all the Eritrean Moms who lost their precious ones.Yes Tsilal! A new dawn will break soon.

    • k.tewolde May 29, 2017

      And hopefully,people like you and me will be around to greet it and soak up its radiant rays of hope and bliss.Amen.

POST A COMMENT