Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ተራኺቡ።

ብ ሚስተር ካይራት ኡማሮቭ ኣምባሳደር ካዛኪስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ ወንበር ኮሚተ ኣገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተመርሐ ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን፡ ብ 9 ግንቦት ኣዲስ

ብ ሚስተር ካይራት ኡማሮቭ ኣምባሳደር ካዛኪስታን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣቦ ወንበር ኮሚተ ኣገዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተመርሐ ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን፡ ብ 9 ግንቦት ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ሄሩት ዘመነ ከምዝተራኸበ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ኮሚተ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ጅቡቲ፡ ኬንያን ሶማልያን ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት እዩ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ንምምኽኻር እዩ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ርከብ፡ ምልዓል እገዳ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ብዕቱብነት ኣብ ግምት ከእቱ ከምዘለዎ ምጥቃስ፡ ብግብሪ ክርአ ኸሎ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ናብ ኣህጉራዊ እገዳ ዘብጽሖ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ መዕነዊ ተግባራቱ ዛጊት ከምዘይገደፎ፡ ዝኾነ ጠባዩ ናይ ምቕያር ምልክት `ውን ከምዘየርኣየ ጸቒጣ ከምዝተዛረበት እቲ ዜና የመልክት።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ልኡኽ ባይይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ሶማልያን ናብ ኤርትራ ምእታው ከምዝኸልከሎ እቲ ሓበሬታ ይእምት።

እቲ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብሕልፊ ኣመሪካ ዘርያትና ንዝብል ምኽንያት ከም ካልኣይ ምስምስ ናይቲ ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ኣይወጸትን፡ መሬትና ተወሪሩ ኣሎ ብምባል፡ ውልቀምልካዊ ግበታ ስልጣኑ ንምቕጻል ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ መግለጺታት ምስናይ ጸርፍን ዘለፋን ዘዘውትሮ ምኽንያት ኳ እንተኾነ፡ ኣካል ናይቲ ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝድግፋኦ ብዓል ስዑዲ ዓረብን ኢማራትን ዝኣመሰላ ሃገራት ዘቖማኦ ምሕዝነት ኮይኑ ናይ ኣመሪካ ድሌት ከማልእ ብተዘዋዋሪ ክራኸብ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

እቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብ 2009 ዝተበየነ እገዳ፡ ብቐንዱ ምስቲ ከም ኣሸባሪ ዝፍለጥ ሶማልያዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝነበሮ ርከብ ዝተመርኮሰ፡ ብድፍኢት ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝተሳለጠ ኮይኑ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ዓመጽን ግህሰት መሰላትን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት፡ ኣመሪካን እተን ካልኦት ረብሓኤን ብተዘዋዋሪ ዝሕልወለንን ዝምእዘዘነን ዘሎ ሃገራት ምዕራብን ነቲ እገዳ ሸለል እንተበላኦ ዘገርም ኣይኮነን።

ብቐደሙ `ውን ህዝቢ ኤርትራ ነቲ እገዳ ከም መፍትሒ ፖለቲካዊ ሽግሩ ዝወስደሉ ምኽንያት ስለዘይነበሮ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሙ ተመርኲሱ ጥራይ`ዩ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሃገርና ሕጊ ኣልቦነት ብምንጋስ ፈጢሩዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ሕንፍሽፍሽን ቀልቢሱ ቅዋማዊ ሕጋውን ስርዓት ብምትካል ንጉዳዩ መሰረታዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል።

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT