Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኮማንዶ ናይ ስዊዝ!

ኮማንዶ ናይ ስዊዝ! መንሽሮ ናይ ሃገር ሕማም ክፍውሱ ኮማንዶ ናይ ስዊዝ ግንባር እናፍረሱ ውሑዳት *ወይጦታት ሃገር ዘራኽሱ       *ንዑቓት፡ ዕላማኦም ዝኸሓዱ ስእሉ ኣንጠልጢሎም ክብሉ ንሕና ንሱ ኣብ መቓብር ሓዎም ሰቲ እናነስነሱ መጥፍኢ ሃገሮም *መስቴማ ይውድሱ!     *ሰይጣን *ሃሻታት ዓሲቡ ህዝቢ ንምትላል     *ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ ንጓይላን ጨፈራን እናበለ

ኮማንዶ ናይ ስዊዝ!
መንሽሮ ናይ ሃገር ሕማም ክፍውሱ
ኮማንዶ ናይ ስዊዝ ግንባር እናፍረሱ
ውሑዳት *ወይጦታት ሃገር ዘራኽሱ       *ንዑቓት፡ ዕላማኦም ዝኸሓዱ
ስእሉ ኣንጠልጢሎም ክብሉ ንሕና ንሱ
ኣብ መቓብር ሓዎም ሰቲ እናነስነሱ
መጥፍኢ ሃገሮም *መስቴማ ይውድሱ!     *ሰይጣን
*ሃሻታት ዓሲቡ ህዝቢ ንምትላል     *ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ
ንጓይላን ጨፈራን እናበለ ፈስቲቫል
ኣብዚ ዓዲ ፍትሒ ከይፍጽም ኣሽካዕላል
ህግደፍ ከተባህርር ሰዓብቱ ብምድሃል
ከም ኮማንዶ ስዊዝ መንእሰይ ተላዓል!
ኣብ ርሑቕ ቀረባ ህግደፍ ኣብ ዝኸዶ
ብደለይቲ ፍትሒ ሓዊ ምስ ተኣጉዶ
ሽግ ናይ ሓርነትና ለብሊቡ እናንደዶ
*ኣንገብ ከይደፍር ግንባር ናይ ኮማንዶ              *ዕርዲ፡ መዝገብ
ኣላሂሞሞ እንድዮም ብእዝጋምባ ብጅዶ!
ወዲ ኣቦይ ገ/ሄር ኣቶ ገብረመስቀል
ብኮማንዶ ዙሪኽ ኣትዩካ ሸቐልቀል
ካብ ቅልጽም ጀጋኑ በርጊግካ ከም *ሃየል    *ጤለበዱ
ከምዘይተሓባእካ ኣብ ውሻጠ *ሃይከል       *ኣዳራሽ
ምውራድ ኣብዩካ ስዕረት ከይትቕበል
ልብ-ወለድ ደሪስካ ህዝቢ ንኽታለል!
ናብ ጽንብል ሸፋቱ ስለ እተለኣኽካ
ኣምልኾ መላኺ ብዙሕ መሲጡካ
ብኮማንዶ ስዊዝ ከምዘይተሸበርካ
ንጸሊም ብጻዕዳ ሕብሪ እናቀባእካ
ክንደይሻዕ ኪትሕሱ ንውጹዕ ህዝብኻ
ሓቂ ዘይትዛረብ ጋዜጠኛ እንዲኻ!?
ጸሓይ ናይ *ደማሒ እናረኣኻ ክትዓርብ  *መላኺ
እንታይ ገዲሱካ ገብረመስቀል ዕሱብ
ምልኪ ከተቖንጁ ሓሶታት ትጽብጽብ
ምስ ህዝቢ ወጊንካ ርስሓትካ ኪትሓጽብ
ንመርከብ ሓርነት ብጉያ ሕጂ ኣርክብ!
ድምጺ ናይ ውጹዓት ኣሰና ኤረና
ስርሒት ናይ ዙሪኽ ድሕሪ ምብሳርና
እቶም ሰራሕቲ ቅያ ጀጋኑ ኣሕዋትና
ምልኪ ዝመከቱ ከይጸንት ህዝብና
ከመይ ከም ዘለውስ ደሃዮም ሃባና?
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 14-06-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ahmed saleh June 16, 2013

    Those ZOMBIES are lost in between to figure out the consequences of dictatorial system . They refuse
    to learn a lesson from all the martyrdom beginning from their great fathers to the their generation age
    for better life of Erotreans .

    It will not be that far, our on going hope of MOTHER ERITREA will demand her children to look at themselves
    honestly . Then our people once again might search for the complexity of democratic life for all .

POST A COMMENT