Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወልዱ ባርያ መን’ዩ?

ወልዱ ባርያ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ኣብ እንዳ ከቢድ ብረት ዝነበረ ኾይኑ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ብምጥፍፋእ ካብቶም ንመጀመርያ ዝደስከሉ ተጋደልቲ እዩ። ብዘይ ስራሕ ንነዊሕ ቀንፈዘው ድሕሪ ምባል ኣብ ኣስመራ ከባቢ ሆስፒታል ዝርከብ ባር ማራቶን (ክሪስፒ)

ወልዱ ባርያ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ኣብ እንዳ ከቢድ ብረት ዝነበረ ኾይኑ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ብምጥፍፋእ ካብቶም ንመጀመርያ ዝደስከሉ ተጋደልቲ እዩ። ብዘይ ስራሕ ንነዊሕ ቀንፈዘው ድሕሪ ምባል ኣብ ኣስመራ ከባቢ ሆስፒታል ዝርከብ ባር ማራቶን (ክሪስፒ) ብሓገዝ የዕሩኽቱ ተኻርዩ ባዕሉ ዋና፡ ባዕሉ ኣአንጋዲ፡ ባዕሉ ተቐባል ገንዘብ ብሙኻን ሂወቱ ይመርሕ ኔሩ። ወልዱ ባርያ ኣብ ገጀረት ንእሽቶይ ዓብየ በሃላይ ኮይኑ ኣብ ግዜ ሃይለስላሴ ንሓጺር እዋን ምስ ሓደ ጥልያን ከም ፖምፒስታ ኮይኑ ሰሪሑ ኔሩ።ብዘይካ ኣብኣ ዝተመሃረን ቅሩብ ቋንቋ ጥልያን ካሊእ ትምህርቲ የብሉን። ኢሳይያስ ሓደሓደ ግዜ ክሕጭጨሉ ወይ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከባጭወሉ እንከሎ ኳትሮ ኢሉ ይጽውዖ፡ እዚ ድማ ኳትሮ ንብዙሓት ደቂ ኣስመራ መጸዋዕታ ወይ’ውን ሳጓ’ኳ እንተኾነ፡ ንወልዱ ኳትሮ ዝብለሉ ምኽንያት ግና፡ ትምህርቲ ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ስለ ዘቋረጸ እዩ።

ትውልዲ ዓዱ፡ ዓዲ ተከሌዛን ከም ዝኾነ እዩ ዝዛረብ። ድሕሪ ናጽነት ጤሳ መሬት ክቕበል ምስከዶም ግና ናይ መን መሬት ኢልና ክንህበካ፡ መቦቀልካ ካባና ኣይኮንካን ኢሎም መሬት ከሊኦምዎ ኔሮም እዮም። ኣብ 1998፡ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ናብቲ ዝነበሮ፡ ናብ እንዳ ከቢድ ብረት ተመሊሱ ምስ ኢሰያስ ጥቡቕ ዝምድና ምስጀመረ፡ ተመሊሱ ናብ ዓዲ ተከሌዛን ብምኻድ ብትእዛዝ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት መሬት ንኽወሃቦ ተነጊርዎም፡ መሬት ከምዝተወሃቦ ይፍለጥ። መቦቀል ዓዱ ጎጃም፡ ኢትዮጵያ ሙኻኑ እዩ ዝንገር።

ወልዱ ባርያ ኣብ’ዚ እዋን፡ እቲ ካብቶም ዝሃብተሙ ኤርትራውያን መወዳድርቲ በዓል፤

  1. ጀነራል ፊልጶስ ወ/ዮውሃንስ፡  ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለየ ልዕሊ 20 ዝኸውን ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባት ኣዋፊሩ ዘንቀሳቕስ። ኣብ ዱባይ ሆቴል ዝውንን፡ ኣብ ኣንጎላ ብእሙናቱ ኣቢሉ ብዙሕ ወፍርታት ዘካይድ ዘሎ ናይ ዘመነ ህግደፍ ሃብታም እዩ።
  2. ጀነራል ተኽላይ ማንጁስ፡ ኣብ ጭውያ ኤርትራውያን ብምውፋር፡  ኣካላት ኤርትራውያን ብምሻጥ ሃብቲ ዝደለበ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጁባ ብስም ካልኦት ኤርትራውያን ዓቢ ወፍሪ ዝገበረ ካሊእ ናይ ዘበነ ህግደፍ ሃብታም እዩ።

ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ዕድገታት፡ ናይ ማሽነሪ፡ ነዳዲ፡ ዓበይቲ መካይን፡ ትራክተራት፡ መለዋወጢ ኣቕሑት ንኹለን ሚኒስትርታትን መንግስታዊ ትካላትን ወዘተ… ንኢሳይያስ ብምሕባር ብቐጥታ ብዘይ ጨረታ ወይ’ውን ብዘይ ፐርፎርማ (ቅጥዒ ሸቐጥ) ባዕሉ እቶ ዝገዝእ፡ ኩሉ እቲ ዝግዛእ ንብረት ድማ ዘገልግለ ኣቕሑ፡ ኮይኑ መብዛሕትኡ ኣገልግሎት ዝብቀዐ ወይ’ውን ንሃገርና ክኸውን ድዩ ኣይከውንን ከይተጸንዐ ብእኡ ተወሲኑ ይግዛእ። ንኣብነት ንምጥቃስ፡ ንመግፈፊ ዓሳ ዝኾና፡ ንሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ተባሂለን ወልዱ ባዕሉ ዓዲ ጥልያን ብምኻድ ዝገዝአን ኣርባዕተ ዓበይቲ መራኽብ፡ ኣብ ወደብ ባጽዕ ተጸጊዐን ኮፍ ኢለን ምምራት ካብ ዝተሓሓዝኦ እነሆ 2 ዓመት ኣሕሊፈን ኣለዋ። ዘይመስርሒአን ድማ ቴክኒካዊ ጉድለታት ሙኻኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ካብቶም ኣብ ምዕዳግ እዚአን ዘይብቑዓት መራክብ ዝተሓጋገዝዎ ፓርቸዘራት፡ እቲ ሓደ ማሞ ገብረየሱስ ዝተባህለ ሓዉ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝነብር ዓርኩ፡ ሉካ ( Luca)፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኖርወይ  ዝቕመጥ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ተኸስተ ተስፋሚካኤን እዮም።  ወልዱ ብዘይ ዝኾነ ጨረታን ናይ ካልኦት መንግስታዊ ክኢላታትን ሚኒስትራትን ፍላጥ፡ ብቐጥታ ባዕሉ ናይ ምዕዳግ ሓላፍነት ብኢሳይያስ ዝተወሃቦ፡ ዘድልዮ ናይ ወጻኢ ባጤራ ዝወስድ፡ ርክቡ’ውን ቀጥታ ምስ ኢሳይያስ እዩ። 10,000 ዩሮ ዝዋግኡ ንብረት 200,000 ዩሮ ከም ዝወድአ ጌርካ ቅብሊት ብምስናዕ፡ ካብኡ እቲ ዝዓበየ ክፋል መኽሰብ፡ ናብ ናይ ኢሳይያስ ሕሳብ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ናብ’ቲ ማሞ ሓረር ዝቆጻጸሮ ናይ ዓዲ ጥልያን ባንክ ሕሳብ ይኣቱ። ብኸምዚ ዝደለበ ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ፡ ኣብ’ዚ እዋን፡ ሓዉ ማሞ ገብረየሱስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ነብሲ ወከፍ ልዕሊ 15 ደርቢ ዘለዎ ህንጻታት የስርሕ ኣሎ።  ወልዱ ባርያ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ብዙሕ ዝካረ ገዛውቲ ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ወልዱ ባርያ ትካላት ንኽወርስ፡ መካይን ንጀነራላት ክህብን ክኸልእን፡ ነዳዲ ንሰብ መዚ ዓቂኑ ክህብ እንተደለየ’ውን ይኸልእ፡ ናይ ውልቀ ሰባት ዓበይቲ መካይን ክወርስ፡ ዝደለዮ ስጉምቲ ንኽወስድ ብኢሳይያስ ሙሉእ ስልጣን ዝተዋህቦ ሰብ እዩ።

ወልዱ ባርያ ብትምህርቱ ይኹን ብናይ ምምሕዳር ዓቕሙ ኣዝዩ ትሑት፡ ግና ግበር ንዝተበሃሎ ዝኾነ ይኹን ብዘይ ሕቶን ተጉላባነትን ስለዘተግብር ኢሳይያስ ነዚ ፈሊጡ ደረት ዘይብሉ ስልጣን ሂቡዎ። ልዕሊ ኩሎም ሚኒስተራት ኮይኑ ዝኾነ ይኹን ነገር ካብ ነዳዲ ጀሚሩ፡ መቀያየሪ ኣቕሑት፡ ትራክተራት፡ ናይ ህንጻ ማሽነርታት፡ ኩሉ ብወገኑ ስለ ዝመጽእ ሚኒስተራት ብዓበይቶም ኣብ ዓሻ ጎልጎል ተሰሪዖም ክልምንዎ ምርኣይ እምበኣር ልሙድ ተርእዮ እዩ። ነዳዲ ናይ ነፈርቲ፡ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ፡ ብመንገዲ ወልዱ እዩ ዝመጽእ፡ በየናይ መንገዲ ከምዝምልከቶ’ውን ድንጽው እዩ ዝብል።

ናይ ዕድጊ ትካል ዝነበረ 09፡ ስልጣን ካብ ሓጎስ ክሻ ናብ ወልዱ ባርያ ካብ ዝመሓላለፍ ነዊሕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ዓሻ ጎልጎል፡ ከም እተን ብሕታዊ ትካላት ናይ ኢሳይያስ ኮይነን ብቐጥታዊ ትእዛዝ ኢሳይያስ ዝመሓደራ ትካላት ሓንቲ ሙኻና ይፍለጥ። ካልአይቲ፡ ኣብ ሰንበል ጥቓ ፋብሪካ ዚንጎ ትርከብ፡ ሰንበል ትካል ሓጺንን ዕንጸይትን ኮይና፡ ብኮሎኔል ገብረዝግሔር ኣስመላሽ (ገሬ) ትመሓደር። ኮሎ/ ገብረዝግሔር ከም ወልዱ ባርያ ብዙሕ ሃብቲ ዝደለበ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ሰለስተ ዝካረ መንበሪ ገዛውቲን ሓደ ንግዳዊ ህንጻ፡ ኣብ ዓዲ ጥልያን ምስ ዝነብር መሻርኽቱ፡ ግርማይ ዑቕበ ኮይኑ ይውንን። ገሬ’ውን ዝደለዮ ማሽናት ይኹን ጥረ ነገራት ንኽገዝእ ብኢሳይያስ ምሉእ ስልጣን ስለ ዝተወሃቦ ኣብ ዕድጊ ብዙሕ ምድንጋራት ብምግባር ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾና ማሽነርታት ብኽቡር ከም ዝተገዝአ ኣምሲልካ ሃብቲ ዘኻዕበተ እዩ።

ኢሳይያስ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ ግዜ ናብ ዓሻ ጎልግል ብምኻድ ቀጥታዊ ርክብ ይገብር። እንታይ ንመን ይወሃብ ብቓሉ ትእዛዝ የመሓላልፍ፡ እዘን ኣውቶቡሳት ንኸምዚ ቦታ፡ እዘን ትራክተራት ንዞባ ባርካ ወዘተ…እንዳበለ የመቓርሕ፡ ዝምንዛዕ ወይ ዝህገር እንተሎ ድማ እግረ መንገዱ ትእዛዝ ይህብ። ኢሳይያስ ኣብ ዝሃለፈ ቅሩብ ዓመታት፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኮፍ ምባል ዓቕሉ ስለ ዘጽብበሉ ወይ’ውን ስለዘጨንቖ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ባጽዕ ሰፊሩ ኔሩ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ዓሻ ጎልጎል ብምኻድ ምስ ወልዱ ባርያ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈቱ ዘሎ እንዳ ሻሂ ቡን ብምስታይ ነብሱ ከዘናግዕ ይፍትን፡ እንበር ገበነኛ ነብሲ ክንደየናይ ዕረፍቲ ከይህልዋ።

ወልዱ ባርያ ኣብ ዓሻ ጎልጎል፡ ንዝኾብለሉ፡ ንዝተጋገዩ፡ ንዝጸልኦም መእሰሪ ዝኸውን ክንተይነራት ኣለዎ። ኣብ’ዚ እዋን፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ እሱራት ኣለዉዎ፡ እንበኣር ኣብ’ዘን ኮንተይነራት እዩ፡ እቲ ንጹሕ ምንም ገበን ዘይነበሮ መንእሰይ ማትያስ ብዘሰቅቕ መንገዲ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ብምቕጥቃጥ ህይወቱ ዝሓለፈት።

ግዱሳት ተጋደልቲ ካብ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
45 COMMENTS
  • Tewelde belay August 19, 2013

    ኣብ ናይ ወልዱ ባርያ ቍሩብ ክምልኣልኩም ኣሕዋት። ወልዱ ባርያ ኣብ 1976 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ድሕሪ ምስላፉ፡ ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ኢማህሚመ (ማይህመት) ከም ፖምፒስታ ተመዲቡ ክሰርሕ ጀሚሩ። ድሕሪ ምዝላቕ ኣብ መራፊት ከም ሓላፊ ጋራጅ ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብቲ ሽዑ ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ተላዒሉ ዝነበረ ውሽጣዊ ሰብ ሰርሖ ግርጭት ኢዱ ብምእታው ምስ ብርክት ዝበሉ ከምኡ ዓይነት ናይ ሃላፍነት ስስዐ ዘለዎም ሰባት ተሃዊሱ ጕጅለ ብምፍጣር ኣንጻርቲ ካልእ ጕጅለ ተላዒሉ። ዝበዝሑ ካብቶም ንሱ ዝወቕዖም ዝነበረ ንጹሃት ተጋደልቲ ብሰንክቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ምግዳልካ ዘጽልእ ኵነታት ቃልሲ ደም ስለ ዝጠዓሞም ነቲ ሰውራ ክሓድጉዎ ብምግዳዶም ሕጂ ኣብ ወጻኢ ይነብሩ ኣለዉ። ብዝኾነ ወልዱ ነቶም ዝበዝሑ መሳኪን ተጋደልቲ ብሽሕጣንን ብሽርሒን ብምሓዝ ህቡብነቱ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ፡ ወልዱ ባርያ! ወልዱ ባርያ ክብሃል ስለ ዝጀመረ፡ ካብ መራፊት ናብ ስዋኪን ተቐዪሩ ሓላፊ ጨንፈር መጓዓዝያ ኣብ ዞባ ሱዳን ኮይኑ።
    ወልዱ ባርያ ናብ ስዋኪን ምስ መጽአ ነቲ ቀንዲ ትያትር ጀሚሩዎ። ሽዑ ዝትንክፎ ሰብ ከም ዘየሎ ስለ ዝፈለጠን ንዅላቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ብጥቕሚ ስለ ዝሓዞምን ገባርን ሓዳግን ብምዃን ልክዕ ከም ሓደ ዲክታተር ክርአ ጀሚሩ። ኣብቲ እዋንቲ ይዝከረኒ፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተሰውአ ሽከቲ ንወልዱ ባርያ ዝኸውን ኣስቤዛ ይጓርት ነይሩ። ማዕረ ናብ ግርማይካ እናኸደ ኣረቅታት የምጽኣሉ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ኵነታት ነተን ንቃለስ ኣለና ዝብላ ዝነበራ መንእሰያት ደቂኣንስትዮ መስተን ሽጋራን እናስተየ፡ ከም ድላዩ ይጋሰሰን ከም ዝነበረ ምሉእ መዓስከር ዝምስክሮ ሓቂ እዩ። ሽዑ’ሞ መን’ዩ ክዛረብ። ወይ ነቲ ሰውራ ገዲፍካዮ ምኻድዩ ወይ ትም ምባል። ካብኡ በለ ብጭቝ ትብል ዝምቡል ተባሂልካ ናብ ሓለዋ ሰውራኻ ኢኻ። እቲ ዘጕሂ ገለ ካብእተን ዝጋሰሰን ዝነበረ መንእሰያት ኣንስቲ ሰብኡት ምንባረን’ዩ። ወልዱ ባርያ ብቐትሪ ተቓላሳይ ክመስል ሰውራዊ ቃላት ክድርቢ ይውዕል፡ ለይቲ ለይቲ ድማ ኣብ ማእከል መዓስከር ኣብ ዘሎ ካዚኖ ይሓድር ነይሩ። ምስኡ ዘጫፍሩ ዝነበሩ ኣብ ኣስመራ ሰብ ትካል ኮይኖም ኣለዉ። ኣስማቶም ምጥቃስ ኣየድልን እዩ እቲ ዝፈልጦም ይፈልጦም ስለ ዝኾነ። ወልዱ ባርያ፡ ኣብ ከባቢ 1985 ስልጣን ወሲኹ ናብ ሂምቦል ድሕሪ ምቕያሩ ንጸይቅታቱ ወሲኹሉ’ምበር ኣየጕደሎን። እቲ መስተ፡ ዝሙት ዝያዳ ቀጺሉዎ። ድሕሪ ውድባዊ ጕባኤ ምስቲ ዝነበረ ወተሃደራዊ ምዕባለ ናብ ጋራጅ ሰንጥቕ ዒታሮ ተቐዪሩ። ኣብ ከቢድ ብረት ግን ዋዛ ኣይኮነን ተንከስ ክብል ኣይከኣለን። ስለዚ፡ ክሳብ ናጽነት ኢዱን እግሩን ኣኪቡ ክኸይድ ተቐሲቡ። ወዲሃብተስላሴ ናብ ከረን ውረድ ምስ በሎ፡ ምኻድ ስለ ዝኣበየ፡ ደስኪሉ ኰለል ክብልን ሓደ ሓደ ግዜ ሓዉ ዝለኣኾ ንብረት ከጻሪ ናብ ባጽዕ ክወርድን ይርአ ነይሩ።
    ድሕሪ 2000 ኣቢሉ እዩ ወልዱ ባርያ ከም ስሮኣት ክግብል ዝጅምር። ንሱ ምስ ወዲሞክየ ተጸጊዑ እዩ ንኢሳያስ ተላልዩዎ። ወዲሞክየ ናይ ቴክኒክ ፍልጠት ስለ ዘይብሉ ግን ወልዱ ባርያ በቶም ኣብ ከቢድ ብረት ዝነበሩ ቴክኒሻናት ከቢድ ብረት ተሓጊዙ ንኢሳያስ ከምዚ ሞደፊካረ ክንገብር ንኽእል፡ ከምዚ ክንፈጥር ንኽእል ብምባል ሓንጐሉ ምስ ሰረቖ ንወዲሞክየ ኣብዚ ጽናሕ ኢሉዎ። ገባርን ሃዳግን ብምዃን ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብምሉኡ ንስራሓት ቴክኒክ ኮታ ንሓጺነመጺንን ይኹን ነዳዲ ዝምልከት ነገር ኣብ ሓደ ቦታ ክእከብ ንኢሳያስ ኣእሚኑዎ። ኢሳያስ ድማ ከምዚ ረኺቡ መፍቶቱ ስለ ዝኾነ ሕራይ ኢሉ ነቲ ናይ ዕንወት መደብ ኣጽዲቑዎ። መጀመርያ ኣብ እንዳ ሕርሻ ዘሎ ንብረት ይተኣከብ ምስ ተባህለ፡ ሓላፊ ክፍሊ ሕርሻ ንብረት ኣረክብ ምስ ተባህለ መረኻከቢ ሰነድን ትእዛዝን ኣምጽኡ ኢሉ። ከምኡ ስለ ዝበለ ጥራይ ብዘይፍርዲ ልዕሊ 6 ወርሒ ተኣሲሩ ብኡ ኣቢሉ ድማ ስራሕ ገዲፉዎ። ብኸምዚ ወልዱ ባርያ፡ ዋና ተርናፋይ ንብረት ህዝቢ፡ ቀንዲ ተላኣኣኻይ ናይ ኢሳያስ፡ ቀንዲ ዓዳጋይ ኮይኑ ሃገር የጥፍእ ኣሎ። ነቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሃንጐል ዘለዎም ቴክኒሳት ስለ ዘደስከሎም ድማ ንበይኑ ንሃገር ምሉእ ይቈጻጸር ኣሎ። ንዝብኢ ምራኻት ሃሉ ምስ በሉዎ ንበይነይ! ዝበሎ ዓይነት እዩ።

  • Tedros August 19, 2013

    Yes !
    it is very very sad, “our people inside the country are under Marshal law condemned not to open their mouth ” => free and emancipate yourself, folks !

    We have to confront,fight and finaly eliminate the remaining Diaspora puppets!

  • Thomas August 19, 2013

    This is horrible. A lot more stories can be written about this junta regime. But all is about the brutal leader.

  • simon August 19, 2013

    oh people what are you expect from such regime we should not blame any one rather esayyas because he is what modifying such people continuoslly and he used them for afixed target & through them they are just use & through .

  • Ali-lol August 19, 2013

    so assenna is saying Eritrea is still under Ethiopia? kebesa people have blood from northern Ethiopia. gonder tigray gojam etc. if we are going to ask for DNA test, only kebesa ppl will relate to Ethiopian. Remember Obama? he is kenyan by his fathers side. As such, there will be Eritreans-Americans will be senators and even presidents soon. will the American people object? No, because majority of American people are smart,tolerant and educated. poor Eritrea, if anyone from lowlander becomes a legitimate president, he will be blamed of terrorism. just like Egypt. Eritrea, Somalia and Egypt are failed states. we need to lear from thier fate. victory to the masses!

    • sam August 19, 2013

      Ali,

      First of all Assenna is broadcasting the message received from sources as mentioned “GUDUSA TEGADELTI FROM ASMERA” second what is wrong bringing to surface somebuddie roots while your dealing with him, everybuddy should be proud of his roots obviously what we see in Eritrea starting from Issaya they all trying to hide their roots, no buddy said they are not Eritreans but your roots are your roots, one other fact people like WLDU BARAI, Monky, HAGOS KISH etc are servant to the regime at any cost for several reason, 1-to cover their roots, 2-they have no feeling for the people as other Eritreans do, 3- they feel self belonging to the regim as ISSAYA is one of them, so your acusation to Assenna and Kebesa peolple was totaly wrong, lets be responsible to what we provide.

      AWET NIHAFASH

    • Elosateshim August 19, 2013

      Ali

      you are really idiot. do you know Tigre and Tigrigna are direct cousins? can you ask those individuals from biet Asgede and biet asfeda and Tsaura? do you know they have direct cousins in the what you are calling Kebesa? ya lekibat wahid! whom do you want cheat with your dead school of taught? there are Bilen in the lowland and Blin in the Kebesa, there are Saho in the mountain of Debub and there are Saho down in the plains of metahit. there are Afar in the kebesa ( Degra in kebabi segeneyti) and there are Afar in Denakil. Go to Mensa’e and ask them wether religion has been used or not as a means of marginalization b/n the brothers. never ever!! and do you know there are kunama in ethiopia and kunama in Eritrea? do you there are Sudanese Tigre and Eritrean Tigre? do you know Saho are in Ethiopia and Eritrea? the same to Afar. why do you want relate only the kebesa people with Ethiopaia? do not try to put lines b/n brothers. religion is another issue and blood ties is another. but at last we are sons and daughters of one flag. Eritrea. i think u do not belong to the aforementioned Eritrean ethnic groups. ya DIKALA wahid. i can guess who you are!

    • Noch August 20, 2013

      Ali
      What are you talking about? Whay you raised about the DNA of Kebesa? Do you really know the history of Eritrea/Mdrebahri? Do you understand who are the moron groups in Eritrea & what intention do they have? Regarding the sources of Assenna we have lernt that the moron group who are not more than 10 people have a buildings in Ethiopia & it seems they are leaching the eritrean wealthy at the cost of eritrean blood. They are trying to introduce a conflict among the Eritrean ethnic groups but its difficalt to them yet & according your point you are one of them i think if i’m not mistaken that you are struggling to segrigate us ethnically, shame on you!!!! You need to know more about eritrea & eritrean comunities & their teritorry then you will not say that again. This way or that way we are struggling for a better change of our country to make free from the moron group & not to see/hsppen the history of Kurdish in our beloved country / because we love to each other ethnically as well as religiouslly. May God save our people & keep free our country!

  • Tewelde belay August 19, 2013

    Ali lol, Seb qum neger iyu zzareb zelo, nska gn txawet zeloka tmesl. abti qumeneger atekurka ente tzareb mhashe neyru. Nhna Isayas tgrawaydo geledo aykonnan nbil zelona. Weldu barya ItypYawi iyu ilom gele sebat, Ok ybelu entaY IYU EMO. eTI QENDI THZTO’OM WELDU BARYA XEYAQI, MESARHI ISAYAS, XERE HZBI MKWANU IYU. ABZI TEZAREB. KEM BEAL WELDU BARYA SILE ZBEZHU DMA HZBNA YWXA’E ALO IYU ETI NEGER.

  • Dehai August 19, 2013

    @ Sam. I wonder you still using “Awet Nehafash” which hafash are you referring to???? This fake slogan is empty. We have seen you for damn big time i.e. 22 years…..so please stop using it ……any longer

  • Siraj Mohammed August 20, 2013

    I am trying to picture what this Woldu Baria looks like.Does anyone know if he was working for Denaday? Does anyone know what he looks like or has a picture?

  • NEW HOPE ERITREA August 20, 2013

    I think we Eritreans may have to invade Sweden for it´s love for Weyane…I conclude this after reading ¨Swedish retailer H&M Looks to Source Clothing From Ethiopia ¨

    Well ,I hope North Korean family will start a prison factory in Eritrea…,no,..we have enough of that. Well ,we Eritreans are naturally bright ,we do not need water ,electricity or real freedom .

  • Hzbi August 20, 2013

    United in one and destroy the mafia regime, it is the only solution, do not call demonstration, this will never work in Eritrea, specially nowadays the evil regime is looking the democratic Egypt which were forcing to dismantle their demonstrators and as a result, many people has so far killed. Thus in our case, if any people go to the street, they will be enlisted, this regime is more evil than any regime in the earth. The solution is to undertake military and destroy the evil regime, there is no other option left.

POST A COMMENT