Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወልዱ ባርያ መን’ዩ?

ወልዱ ገረሱስ (ባርያ) ኣብ 1976 ዝተሰለፈ ሰብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣስመራ ከም ፖምፒስታ ወይ ዓራዪ ፖምፓ ምስ ሓደ ኢጣልያዊ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ተመዲቡ ከም ፖምፒስታ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡

ወልዱ ገረሱስ (ባርያ) ኣብ 1976 ዝተሰለፈ ሰብ ኮይኑ፡ ቅድሚ ምስላፉ ኣብ ኣስመራ ከም ፖምፒስታ ወይ ዓራዪ ፖምፓ ምስ ሓደ ኢጣልያዊ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይፍለጥ። ድሕሪ ታዕሊም ኣብ ጨንፈር መጓዓዝያ ተመዲቡ ከም ፖምፒስታ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ድሕሪ ምዝላቕ ከም ሓላፊ ጋራጅ መራፊት ተመዲቡ ንውሱን እዋን ሰሪሑ። ኣብ መራፊት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ነቲ ኣብ ውሽጢ ጨንፈር መጓዓዝያ ተወሊዑ ዝነበረ ዕግርግር ዝያዳ ነዳዲ ብምሃብ፡ ንቅኑዓት ተቓለስቲ እናጨፍለቐ መደልደሊ ስልጣኑ ስለ ዝገበሮ፡  ኣብ 1982 ንጉሰ ግርማይ ናብ ከቢድ ብረት ከም ዝቕየር ስለ ዝተገብረ ንዑኡ ተኪኡ ከም ሓላፊ ጋራጅ ስዋኪን ተመዲቡ። ቀንዲ ዕላማኡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዝቃወሙዎ ዝነበሩ ሓለፍቲ ምእላይ ስለ ዝነበረ ድማ ንዓታቶም ኣልዩ መሬት ሓራ ምስ ኣጽረየ ጽዩቕ ተግባራት ክጅምር ተራእዩ። ወልዱ ባርያ ሓንሳብ ስልጣኑ ምስ ኣደልደለ ንጋራጅ ስዋኪን ዳርጋ ናብ ካዚኖ’ዩ ቀዪሩዋ። ነፍስሄር ሽከቲ ካብ በዓል ከሰላ የምጽኦ ብዝነበረ ኣረቂታት መንእሰያት ዝነበራ ደቂንስትዮ ተጋደልቲ መርወዪ ወሲባዊ ድሌቱ ከም ዝኾና ከም ዝገበረን እቶም ሽዑ ዝነበሩ ኣባላት ዝምስክሩዎ ሓቂ’ዩ።

ሽዑ ወልዱ ባርያ ልክዕ ከም ሓደ ኣነ ዝበለ ሰውራዊ ጐብለል ተሓሲቡ፡ “ብጻይ ወልዱ ከም ዝበሎ፡ ብጻይ ወልዱ ከም ዝሓበሮ:” እናተባህለ በቶም ኮራኩሩ ክንደይ ኮቦሮ ዘይተደሰቐሉ። ብዝኾነ፡ ኣብ ቤትጽሕፈታት ወልዱ ክንደይ ካርቶናት ኣረቂ ከም ዝተሰትየ፡ ክንደይ ስቴካታት ሽጋራ ከም ዝተኸኸ፡ ክንደይ ጮማ ከም ዝተበልዐ፡ ክንደይ ደቂ ኣንስትዮ ገለ ካብኣተን ኣንስቲ ሓዳር ክብረን ከም ዝተደፍረ ምዝራብ፡ ምዉቕ ሓዳር ምብታን ስለ ዝኾነ ኣግሂድካ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ወልዱ ባርያ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዝተፈጥረ ምቅላስካ ዘጽልእ ኵነታት ክንደይ ተጋደልቲ፡ “ደምካ ክትክዕው መጺእካ ክተብቅዕ መጻወቲ ውልቀሰባት ካብ ምዃን፡ ገድሊ ምጥንጣኑ ይሓይሽ፡ ይግፋሓሎም!” ኢሎም ካብ ቃልሲ ብምንስሓብ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ዓዲንግሊዝ ይኹን ኣብ ኣመሪካ ንቡር ህይወቶም ይመርሑ ኣለዉ። ሽዑ፡ “ክጽመሙ ነይሩዎም፡” ኢልና ዘይከዓብናዮም ኣይኮንናን። ድሕሪ ነጻነት ንመሬት ልዕለና ክረግጹዋ ምስ ተዓዘብናን፡ ህግደፍ ሕድሪ ብምጥላም ናበይ ገጹ የብል ከም ዘሎ ምስ ተዓዘብናዮን ግን፡ “ሓቃቶም ነይሮም፡” ኢልና ጥራይ ዘይኮነስ ደድሕሪኦም ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ክንስዕብ’ውን ተገዲድና። እዚ ኣገናዕ ዘብል ስራሕ’ዩ ማለት ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ክንቃለስ ፈቲንና ኣደዳ ማእሰርትን መግረፍትን ስለ ዝኾንና ጥራይ።

ናብ ወልዱ ባርያ ምስ እንምለስ፡ ኣብ ከባቢ 1986 ናብ ጋራጅ ሂምቦል ድሕሪ ምቕያሩ ካብ ናይ ቅድም ኣመሉ ብዘይፍለ ንሩባ ሂምቦል ከም ቅጽበት ናብ ናይ ዳንኬራን ዝሙትን ማእከል ቀየራ። ኣብ 1987 ናብ ጋራጅ ሰንጥቕ ተቐዪሩ እናሰርሐ ከሎ ድማ ነጻነት ኣርኪቡ። ኣብ ጋራጅ ሰንጥቕ ምስ መጸ ግዕዝይና  ክፍጽም ዕድል ኣይረኸበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣበይ ከም ዘሎ’ውን ይፍለጥ ኣይነበረን። ድሕሪ ነጻነት፡ ጋራጅ ከቢድ ብረት ኣብ ትሕቲ ምክልኻል ምስ ኣተወ፡ ወልዱ ባርያ ብወዲ ሃብተስላሴ፡ “ኣብ ከረን ተመዲብካ ኣለኻ” ዝብል ሓበሬታ ተዋህቦ። ናብ ከረን ክወርድ ስለ ዘይደለየ ግን ከም ባህሊ ህግደፍ ደስኪሉ ክሳብ ወራር ወያኔ ዝጅምር ዋና ዘይብሉ ይዕንድርን ኣብ ዓዲጥልያን ናይ ዝነብር ማሞ ዝብሃል ሓዉ ቢዝነስ የካይድን ነይሩ። ድሕሪ ወራር ወያኔ ክተት ምስ ኮነ፡ ምስ ወዲሞኬ ተጸጊዑ ኣብ ቃኘው ተመዲቡ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንወዲ ሞኬ ከንጥሮ ግዜ ኣይወሰደሉን። ሓደ መዓልቲ ኢሳያስ ብገለ ኣጋጣሚ ናብ ቃኘው  መጺኡ ምስ ተራኸቡ፡ ካልኦት ንዝሰርሑዎ ስራሕ እናጠቐሰ፡ “ከምዚ ክንጣበብ ንኽእል ኢና፡ ከምዚ ጌርና ሞዲፊካረ ክንገብር ንኽእል ኢና፡” ብምባል ብሓሶት ሸሓጦ። ምስቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ጕጅለ 15 ኵነታት፡ ኢሳያስ ከም በዓል ወልዱ ባርያ ዝኣመሰሉ መሳርሒ ወይ መታወኒ የድልዩዎ ነይሮም። ብዙሕ ከይደንጐየ ድማ ነቲ ናይ ቴክኒክ ፍልጠት ዘይብሉ ወዲሞኬ ሰጊሩ ገባርን ሓዳግን ናይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክፍሊ ቴክኒክ ኮነ። ወልዱ ባርያ ክጸግብ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ኢጣልያውያን ሓለፍቲ ፋብሪካ መኪና ፊያት ከይተረፉ ብክእለቱ ዝኣመኑሉ ነፍስሄር ኮለኔል ሚካኤል ፍስሃየ ከይተረፈ ከቋናጽብ ፈቲኑ ነይሩ። ምስቲ ኣብቲ እዋናት ዝተራእየ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዝተራእየ ናይ መንነት ቅልውላው ድማ፡ ኣብ ክንዲ ሚካኤል ፍስሃየ ወይ ካልኦት ክኢላታት ወልዱ ባርያ፡ ሓጐስ ክሻ፡ ወዲብርጅዋ ታንክታት ይኣዪ ክገዝኡ ናብ ዩክራይን ተበጊሶም።

ንኣዳም ገረሞ ዘብል ኵነታትዩ! ብቝዕ ፍልጠትን ሞያዊ ተሞክሮን ናይቲ ስራሕ ስለ ዝጐድሎምን ካብ ብልሽውና ነጻ ክኾኑ ስለ ዘይክእሉን ድማ ቦያ ዝተለኽያ ኣረገውቲ ታንክታት ሓድስቲ መሲሉዎም ዓዲጐመን። ወዳጄ ኣሰራርሓ! ወዳጄ ውሕልነት! ዘብል ስራሕ’ዩ ተፈጺሙ። ንወዓግ ህበይ ምስክራ ኮይኑ እቲ ነገር ምድረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ሕሜታ ተሸሚማ እንከላ፡ ሓታቲ የለ ተሓታቲ የለ ታንክታት ኣብ ጋራጀን ተሸኲዐን። ኣነን ሓጺሩኒ እብል ንሱን ተደቢሩ ይስዕስዕ ኮይኑ ግን ናይ ወልዱ ባርያ ምንቅስቓስ ኣብዚ ኣየብቅዐን። ድሮ ንኢሰያስ ከስምዕ ዝኽእል ጐብለል ኮይኑ፡ ኵሉ ንትራንስፖርትን ምውፋር መካይንን ንማሺነሪን ዝምልከት፡ ኮታ ሎጂስቲክ ዘቦኡ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰብ ክጥርነፍ ከሎ መንግስቲ ወጻኢታት ክንኪ ይኽእል’ዩ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቡ ንኢሳያስ ስለ ዘእመኖ፡ ከም ቅጽበት መካይን መንግስቲ ይዕበያ ይንኣሳ፡ ናይ ጽዕነት መካይን፡ ወተሃደራዊ መካይን፡ ዶዘራትን ክሬናትን ከይተረፋ ኣብ ዓሻ ጐልጎል ይተኣከባ ተባህለ። ብኡንብኡ ድማ ብጐማን ብሰንሰለትን ዝኸዳ መካይን ይኹና ማሺነሪ፡ ትራክተራት ናይ ሕርሻ፡ ህንጻ፡ ህዝባዊ፡ ኣብ ምጕዕዓዝ ህዝብን ንብረትን ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብራ ዝነበራ ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣውቶቡሳትን ናይ ጽዕነት መካይንን ከይተረፋ ናብ ዓሻ ጐልጎል ተጸፍጸፋ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት ወልዱ ባርያ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ክፍሊ ማሺነሪ ዝነበረ ንብረት ክወስድ ናብቲ ቦታ ኣምርሐ። ንሓላፊ ማሺነሪ ንብረት ኣረክበኒ ምስ በሎ፡ በየናይ ኣገባብ በየናይ ሰነድ? ኢሉ ሓተቶ። ከም ቅጽበት ኣብ ኮንተይነር ከም ዝእሰር ተገይሩ እቲ ንብረት ብዘይ ዝኾነ ቍጽጽር ናብ ዓሻ ጐልጎል ኣምርሐ። እቲ ሓላፊ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ቤትማእሰርቲ ምስ መረተ፡ ብምትእትታው ናይ ገለ ሰባት ብዘይፍርዲ ከም ዝወጽእ ተገይሩ። እቲ ኵሉ ንብረት፡ ብፍላይ ልዕሊ 300 ፒክ ኣፕ ቶዮታታትን ላንድክሩዘራትን ኣብ ዓሻ ጐልጎል ብጸሓይን ብዛሕልን ክበላሸዋ ከለዋ፡ ገለ ኣባላት “ይበላሸዋ ኣለዋሞ ገለ መጸለሊ ክንገብረለን” እንተበሉዎ “ስራሕኩም ግበሩ ኣይምልከተኩምን’ዩ፡” ክብል መሊሱሎም። ሽዑ ወልዱ ባርያ ገባርን ሓዳግን ብምዃን ከም ኣርሓ ብዕራይ የጕርር ስለ ዝነበረ፡ ገለ ንዝተዛረበ፡ ወይ ሓንቲ መዓልቲ ንዝደንጐየ ሰብ፡ መሰሉ ንዝሓተተ፡ “ኣብ ኮንተይነር ኣእትዎ!” ጥራይ’ዩ ነይሩ መልሱ። ልክዕ ኣብዚ ግዜዚ ኣብ ቍሸት መሬት ሓቲቱ፡ “ወደባት (ኤርትራዊ) ኣይኮንካን ኣይግብኣካን’ዩ” ተባሂሉ ኣሎ። ነገር ከይወዓውዖ ግዲ ፈሪሑ ግን ደውሻ ኣይገበረን፡ ሰናፍ ኣይኮነን ግን ኣብ ጥቓ ከረን ሆቴል ዝነበረ ገዛ ናይ ታረቀ ሰራሕ ወርቂ ወሲዱ። ብኸምዚ ሓታቲ ዘይብሉ፡ ብዘይ ጨረታ ካብ ዓዲ ጥልያን ናይ ሚልዮናት ዶላር ናይ ጽዕነት መካይን፡ ገለ ካብኣተን ቦያ ተለኽየን ብስም ሓደስቲ ዝተገዝኣ፡ ካብ ምብራቕ ኤውሮጳ ታንክታትን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን፡ ናይ ህንጻ ይኹን ናይ ሕርሻ መሳርሒታት ብምሽማት ገንዘብ ሃገርን ህዝብን ከጠፋፍእ ጀሚሩ። እዚ ዅሉ ክኸውን ከሎ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዘሎ ሓዉ ማሞ ቀንዲ ደላላይ ወይ ኮንትራክተር ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። ወልዱ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝገብሮ ከም ናይ ማይ ኵዕታ፡ ናይ ብሎኮታት መዕገቲ ሓጺንን ምልክትን፡ ንሕርሻ ዝምልከት ስራሓት’ውን ነይሩ’ዩ። እዚ ግን ካብ ኣማእት ኣሽሓት ናቕፋ ዘይሓልፍ ስለ ዝነበረ፡ ንወልዱ ባርያ ካብ ናይ ቢራን ሆቴልን ሽጋራን ኣስቤዛ ጥራይ’ዩ ዝሽፍነሉ። ብወገነይ ኣብ ሓንቲ ናይ ማይ ኮንትራክት 70 ሽሕ ናቕፋ ከም ዘደናገረ፡ ኣብ ናይ ብሎኮ ምልክታት ስራሕ ድማ ባዕሉ ወልዱ ባርያ፡ “40 ሽሕ ናቕፋ ጥራይየ ቢዝነስ ገይረላ” ኢሉ ከይተሰከፈ ከም ዝተዛረበ ዝፈልጡ ሰባት ኣለዉ። ከምቲ ወዲ ገብሩ ዝበሎ፡ “ገለን ማይ ሓሪሙዎ፡ ንገለ ግን ዊስኪ ቀጢኑዎ” እዩ እቲ ነገር። መስኪነይቲ ኤርትራ! ምስኪናይ ኤርትራዊ ንብረትካን ክብርኻን ዘለኣለም መጻወቲ ባዕዳውያንን ተበለጽቲ ደቂ ሃገርን ኮይኑ ተሪፉ።

ወልዱ ባርያ ኣዝዩ ብጽጋብ ምስ ተሰንጠቐ፡ ሓለፍቲ ክፍለሰራዊት ዝሕዙወን ላንድክሩዘራት ከይተረፈ ክእከባ ኣለወን ስለ ዝበለ፡ ዝበዝሑ ከረክቡወንን ዳግኡ ሓቲቶም ክወስዱወንን ከለዉ፡ ምስ ወዲ ሃብተስላሴ ግን ኣብ ምፍጣጥ በጺሖም ነይሮም ይብሃል። እብ ምንታይ ግዜ በጺሓን ዘድንጹ’ዩ። ወልዱ ባርያ እቲ ሓንቲ ኣብ ምሉእ ዕድመኡ ጥይት ክትኵስ፡ ካላሽን ፍትሓያ ኢልካዮ’ውን ንጋዳ ዝኾነ ሰብ፡ ነቶም ሕጂ መሬት ዝዓረቦም ክንደይ ቅያ ግን ዝሰርሑ ጀጋኑ ከፋጥጠሎምን ከፋራርሖምን ተራእዩ። ሓቃቶም ክፈርሑ! ኣብ ብልሽውና ተሰሚሞም፡ ደቆም ከዕብዩ ደልዮም፡ ልዕሊ ኵሉ ከኣ ንሓለቓኦም ኢሳያስ ፈሪሖም። ዘበን ተገልብጦ’ዩ ዘበኑ። ወጠጦ ነንበሳ ዝሕንፍጦ ግዜ በጺሕና ኣቱም ሰባት! መርገም ዶኾን ነይሩና ኮይኑ! ዘብል’ዩ። ሃገር ብቐስታ ኮኣኑ ከሎ ብኸምዚ’ዩ ዝጅምር። ውሱናት ሰባት ብጻብዕ ዝቝጸሩ ንዅሉ ይቈጻጸሩዎ። እቲ ኵሉ ዝተረፈ ህዝቢ በዒንቶም ካብ ጽንጽያ ወይ ህበይ ፈልዮም ኣይርእዩዎን’ዮም። ከድልዮም ከሎ ጥራይ መን ከማኻ ይብሉዎ። ብዘይካ ኢሳያስ ክንደይ ኣለዉ እንተ ኢልና ሰለስተ ዝብል መልሲ ንረክብ። ማንኪ፡ ባርያ፡ ክሻ። ተወዲኡ። ኣምላኽ የቕልሎ’ምበር፡ እዚ ዋዜማ’ዩ፡ ገና ብሕጂ ብዙሕ ጕድ ክንርኢ ኢና፡ ብዙሕ ዘይተጋህደ ምስጢር’ውን ክንሰምዕ ኢና።

እቲ ዘሕዝን፡ እዚ ዅሉ እናኾነ ከሎ እዝኒ ዘለዎም ግን ዘይሰምዑ፡ ዓይኒ ዘለዎም ግን ዘይርእዩ ዜጋታት ኣለዉና ምዃኖም’ዩ። ልክዕ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንሊትሮ ብኮንትሮባንዳ 50 ናቕፋ ዝሽየጥ ዝነበረ ላምባ፡ ተረኺቡ ምስ ተባህለ ህዝቢ ክዕድግ ኣብ ቅድድም ኣትዩ። ውራይ ሓዳረን ክገብራ ዝግብአን ኣደታትን ናብ ትምህርቶም ክኸዱ ዝግብኦም ቈልዑን፡ ንሰሙን መመላእታ ኣብ እንዳ ዑቕቡ ሃይለ ሪጋ ይሓድሩ ኣለዉ። ጋዝ ንፈውሲ ማሕላ’ውን የሎን። ፈሓም 10 ኪሎ ንዘይትመልእ ክንደይ ብሎኮታት ጥሒሳ ዝመጸት ቢሮብ 600 ናቕፋ፡ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ኣውቶቡስ ክትሳፈር ምሉእ ለይቲ ሪጋ! ኣብ ዘሎ ዓዲ እንታይ እዮም ክብሉና ደልዮም? ምዕባለ ዝብሃል ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ቍጠባዊ ሓርነት፡ መሳለጥያ ዶ ኣይኮነን?? “ኤርትራ ምዕባለ ተርኢ ኣላ፡ ኢሳያስ ዲጋ ሰሪሑ፡ ቤትትምህርቲ ደጊሙ፡” ይብሉና ኣለዉ ከይሓፈሩ። ባምቡላታት ከይንብሎም የተንፍሱ ኮይኖም፡ ኣእዱግ ከይንብሎም ጭራ የብሎምን። ስለዚ፡ ፍሉይ ስም ክንደልየሎም ኣለና። ኣምላኽ ምሕረቱ ይውርደሎም’ዩ ዝብሃል።

ዝኽሪ ንስዉኣትና

ፈንቅል ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
22 COMMENTS
  • Ahmed saleh February 28, 2012

    I could not understand what is happenning right here. The writer is trying to expose the
    corrupts inside the government. Isn’t that was the case to identify the bad ones of the
    high rank officials. If he puts controversial statements it needs to be challenged with
    substantial arguments. But repelling his article bluntly will only discourage others not
    to do so. Better learn from our past mistakes for not speaking out, to let atrocity take
    it’s course. There is a saying in Arabic ” Dawn does not come twice to awaken a man.

  • tegadalay February 29, 2012

    like isayed next in the list is SPHAT EFREM PHILIPOS YOHANS WEDI WISHU SAMUELE CHAINA so ihave to help you with their names

Post a Reply to Ahmed saleh Cancel Reply