Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወናም ኤርትራዊ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዓሪፉ።

ወናም ኤርትራዊ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ትማሊ ቀዳም ዓሪፉ። ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ብ 1942 ኣብ ኣስመራ ኣባሻውል እዩ ተወሊዱ። ኣብ ጃልያ መምህር ኮይኑ እናሰርሐ ኸሎ ድማ፣ ፈለማ ምስ ማትኣ

ወናም ኤርትራዊ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ትማሊ ቀዳም ዓሪፉ።

ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ ስነጥበበኛ መምህር ኣልኣሚን ብ 1942 ኣብ ኣስመራ ኣባሻውል እዩ ተወሊዱ። ኣብ ጃልያ መምህር ኮይኑ እናሰርሐ ኸሎ ድማ፣ ፈለማ ምስ ማትኣ (ማሕበር ትያትር ኣስመራ) ቀጺሉ ድማ፣ ምስ ማምሃል (ማሕበር ምምዕባል ሃገራዊ ልምዲ) ከምኡ ‘ውን ከዋኽብቲ መርሓባ ዝብሃላ ማሕበራት ስነጥበባውያን ብንጥፈት እናተዋስአ፣ ነተን ኣብ መወዳእታ 60ታትን መጀመርያ 70ታትን ብትግረን ትግርኛን ዘፍረየን ንነዊሕ ዓመትት ካብ ዝኽሪ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሃሰሳ ምሩጻት ዜማታት ኣቕሪቡ።

መምህር ኣልኣሚን ከም ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገር ወጺኡ ኣብ 70ታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ቀጺሉ ኣብ ኣመሪካ ብስደት ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ድሕሪ ናጽነት ኣብ 1993 ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ኣብ ኣስመራ ይነበር ምንባሩ ይፍለጥ።

መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ ዓሪፉ ኳ እንተሎ በቲ ዘይመውት ዜማታቱ ግን ተዘኪሩ ክነበር እዩ።

ንውሩይ ስነጠበበኛ መምህር ኣልኣሚን ዓብደለጢፍ መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፣ ንስድራቤቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃብ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • andom August 8, 2017

    Will be burried in martyres cemetery for propoganda.

    • andom August 8, 2017

      Ps. When naizgi kiflu was denied burrial in his country let alone the cemetery he desreved.

  • andom August 8, 2017

    Rip father alamin.

  • zeregabir August 8, 2017

    Let the mighty Lord rest him in peace.

Post a Reply to andom Cancel Reply