Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወየ፡ መልቀስ ንናይዝጊ ክፍሉ

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ኣንታ ናይዝጊ ብዓል ድርብ ስረ ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ ምስ ሰናቶር ዝመኸረ ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ   ኣመሪካ ገዲፉ ንሜዳ ምስከደ ኣብኡ ጸንሕዎ ክርዳደ ምርዳደ   ኣእተዉዎ

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

ኣንታ ናይዝጊ ብዓል ድርብ ስረ

ሓርበኛ ኤርትራ ብትብዓቱ ዝሰኸረ

ኣብ ሳንጀርጆ መንደፈራ ዝጀመረ

ብሓምሳታት ጀሚሩ ዘናገረ

ኣንታ ጠፊእዎምዲዩ ናትካ ወረ

ሩስያ ከይዱ ዝተማህረ

ምስ ሰናቶር ዝመኸረ

ኣመሪካ መጺኡ ዘይሓፈረ

ኤናስኣ ንኽምስረት ዘዕገርገረ

 

ኣመሪካ ገዲፉ ንሜዳ ምስከደ

ኣብኡ ጸንሕዎ ክርዳደ ምርዳደ

 

ኣእተዉዎ ኣብ ሓለዋ ሰውራ

ሓሶት ዝትምህርቱ ብኹምራ

 

መርዛም ጅግና ዝሓራ

ንመንእሰይ ኤርትራ ኣእተወሉ ፈራ

 

ኣይትሕተቱ እናበለ ንኹላትና ዘደንቖረና

ብመንነቱ ዘይሕበን ዜጋ ጌሩዋ ሃገርና

እንሆ ሕጂ በብሓደ ንሪኣዮ ኩልና

ብላሽ ኣገልግሎት ተጋድሎ ሃገርና

መንነት ዘይብልና ኩላትና ጠፋእና

 

ናይዝጊ ወዲ ዓደይ

ሕማም ድሓር ኴንካ ንዓደቦኻ

ቤተሰብ ሓዚኑ ባኻ

ተኸላ መርጉዝ ነይሩ ዝዑናኻ

ስቕ ከይብሉ ካብ ሰብ ስለ ዝተወሊድካ

ስንብታ ኮይኑ ኣኺሉ ሰዓትካ

ምስቲ ጅግነንትካ ሓሚቑ ተግባርካ

 

ወየ ኣነ! ወየ ኣነ!

 

ኣንታ ጉድ ተረኺቡ ሎሚ ቕነ

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ዝኾነ

ናይዝጊ እምበር ሰብ ሰኣነ

ኣምባሳደርዶ ኣብ ራሻዶ ዘይነበረ

ምኒስተር ዜናዶ ዘይነበረ

እሙን ጊላ ዶኸ ይበሃል ዘይነበረ

 

ኣይተ ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉ ምስተባህለ

ዓዱ ከይዱ ንኸይቕበር ተኸልከለ

ኣየ ጉድ ኣብዚነኻ ናይ ኮለል ኮለለ

ናይ ፕረሲደንት ኣማኻሪዶ ዘይተባህለ

ወዲ ገራህቱ ኣይኮነን ዝኸልከለ

ኣንታ ናይእዝጊ ኣያ! ኣያ!ይዶ! ዘየበለ

መንእሰያት ክጥፍኡዶ ዘይ ኣሽካዕለለ

ዕረፍቲ ዘይብሉ ናይ መቕዘፍቲ ወሓለ

ንጀጋኑ ዘልመሰ መንካዕዶ የሚን እናበለ

ኣብ ሬሳታት በላሕቲ ዝደበለ

መን’ሞ ተሪፉኩም ኣነ ኣለኹ ዝበለ

 

ሓሪድኩም ወዲእኩሞም ብዘይሰዳድ ወረ

ኣንታ ክንደይ ኣሎ ጉድኩም ዘይተነግረ

እቲ ኩሉ ምስጢር ምሳኻ ተቐብረ

 

ናይዝጊ ሓወይ ክንደይ ተጋጊኻ

ተላኣኺ ኮንካ ከይትመርሕ ባዕልኻ

ትእዛዝ ከተኽብር ናይ ኣረመንየ ጎታኻ

ኣንታ እንታይ ክብሉዮም ዓዶቦኻ

 

ማእውይቲኸ ተላእከዶ ንዓደቀበነ እንዳቦኻ

ተነጊሮምዶ ንማይ ላሓም እንዳ እኖኻ

ወይስ ዓዲ ኣልቦ ዘይብልካ ብኡ ንቡኡ ጠፊእኻ

ዓዲ ጀጋኑ ነይሩ ኣድከመ ምልጋእ እንዳቦኻ

ዓዲ ሕጊ ዓዲ ለባማት እኮዩ ነይሩ መሰረትካ

 

ምስ ዘርኢ መርገም ኬንካ ኣጥፋእካዮም የሕዋትካ

ንኹሎም ኣብረስካዮም ምስ ጎሓሉ መኺርካ

ሕጂ ዘይርከቡ ዳም ዳም ኢልካ ደሊኻ

 

ጀነራላት ኮኑ ምኒስተራት ሃገርና

ጋዜጠኛታት ኩሎም ሙሁራት ዓድና

ኣሰሮም ጠፊኡ ድሃዮም ጭኒቑና

ኣበይ ከምዘጥፋእኩሞም ከይነገርካና

 

መቕበሪ ሳኢንካ ኣብ ሎንዶን ተዓሺግካ

መስክነይቲ ረኻቢት መከራ ብዓልቲ ኪዳንካ

 

ንቡርዶ ብምሰኣንካ ዓለም ገሪምዎ

ወዲ ሰራየ ዝኾነ ኩሉ ሓርቢትዎ

ዓዲ ኣይትሕተት ኢልኩም ምሂርኩምዎ

ወዲ ኣከልጉዛይ ገሪምዎ

ወዲ ሓማሴን ዓንዚዝዎ

ወዲ ብለን ዝኾነ ኣስደሚምዎ

ወዲ በኒ ዓሚር ነገሩ ሰሚዕዎ

ኩናማ ባርያ ናትካ ፈሊጥዎ

ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ ኣፉ መርጢጥዎ

ወዲ ደንከል ብዙሕ ኣጠራጢርዎ

ናይዚ መንግስቲ እዚ ተግባር ኣስካሕኪሕዎ

በላዕ ሰብ ሙዃኑ ኩሉዩ ርእይዎ

 

ሽፍታ መንግስትኻ ኣማኒ ነይብሉ

ንሕስያ ዘይገብር ድንጋጼ ዘይብሉ

ንዘገልገሎ ይድርብዮ ምስ ተጠቕመሉ

 

ኣንታ ብሂወት ዘልኹም ዓሳክር ኩልኹም

ናይ ናይዝጊ ክፍሉ ትምህርቲ ይኹንኩም

ነጻነትኩም ኣምጽእዋ ብስረኹም

ህዝቢ ሓሪድኩሞ ብኻራኹም

ርኣይዎ ፍለጥዎ ክብረት ከምዘይብልኩም

ርኣዩዎ ተግባር መንግስትኹም

ዓስቢ ዘይርከቦ ከንቱዩ ድኻምኩም

 

 

ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ተበገስ በጃኻ

ኣይተጽቅጥ ተዛረብ ሕጂዩ ግዜኻ

ምእንቲ ወጽዓ ምእንቲ ሓቂ ግለጾ ጸገምካ

 

ናይዝጊ ጅግና እምነት ኣልቦ

ሞትካ መጺኣ ብዘይ ኣላዝቦ

ኣብኡ ዝጸንሓካ ኩሉ ተረከቦ

 

ዓድኻ መዘከሪ ከይገደፍካ ጠሊምካያ

ወያ መንግስትኻ ከይትቅበለካ ኣብያ

ነብሰይ ኣውጽእኒ እዋና ተራእያ

ኣጣላልም ኮይኑ ብዓርኪ ብኣያ

 

ኪድ በል ዕረፍ ተጋላገል ካብዛ ዓለም

ብድሕረኻ ኤርትራ ትኹን ምድሪ ለምለም

ብሕግን ብፍትሕን ብደሞክራሲን ትሰለም

ህጻውንቲ ጨድሩ ኣዋልድ ዘምራሎም

ኣዴታት ኣቦታት ክነብሩ ብሰላም

ኤርትራ ፍቕሪ ግበሪ ምስ ጎሮባብትና ኹሎም

ሽግርና ይኺዱ ከም ተንኮበት ተጠቕሊሎም

 

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ

ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና ኣመሪካ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • hgdef mealta akilu February 20, 2012

    hhhhhhhhhhhhhh hgdefawyan akilikum xebibukum nhayle gebru ketewardu teatikum entay da kitgebru meat weridkum ms ketelti temahazikum gal mendefera dma bete sebki eu ymesleni nayzgi kiflu weys wshimaki neru akiliki axbibki esu eu eti haki gena etom ziterefkum keman kitsebu ekum

  • rasi041@yahoo.com February 24, 2012

    kindi naizgi zey teaklus tiwarezeyu .nisu da emo hamimu eka eu bnay amlak moytu mot da nay wedi seb echa eka eu enkae kedue tebahilu ab eraeiro eye atewe ember . oready he is dead but his hisoty forever .kemakum shim zey bilu enkea eyetefea .nisukatkum ekum ketelti sebat weridwo npetros da zey tibliwo nisu endyou nay enda 72 kendi halafi neru hasewti .gigina deki geganu eu naizgi wedi degiat kiflu .aklabat semay ab sidet kenkum biati hitsebu .naizgi ab zelekoia amlak yikebelka tarika nizelalem nebary eu ab nefesi wekef eritrawi alo .nisidrabtka tsinat yehabom.gigininetka halifu terifu

POST A COMMENT