Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዮም ብፍትወት ነብሲ ዓቢዶም፡ ብመስቀል ዝፋግኡ ካህናት ኢና ብሃልቲ፡ ጎስጓሶም ኣይቀንዐ ጸለመኦም ኣየድመዐ።

ኣብ ድሮ እዚ ዝሓለፈ ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብኣጋጣሚ ሃዋርያዊ ዑደት ክቡር ኣቦና ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ ዓባይ ብርጣንያ፡ ብፍላይ ክኣ ናብ ከተማ ሎንዶን ምምጻኦም ዝሰምዑ፡ እቶም ብገንዘበ ንዋይን ፍትወት ነብስን ዓቢዶም፡ ኣብ ቤት

ኣብ ድሮ እዚ ዝሓለፈ ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብኣጋጣሚ ሃዋርያዊ ዑደት ክቡር ኣቦና ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ ዓባይ ብርጣንያ፡ ብፍላይ ክኣ ናብ ከተማ ሎንዶን ምምጻኦም ዝሰምዑ፡ እቶም ብገንዘበ ንዋይን ፍትወት ነብስን ዓቢዶም፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝነግዱ’ሞ ብመስቀል ዝፋግኡ ካህናት ኢና ብሃልቲ፡ ከምቲ ንጉስ ሄሮዶስ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ምውላዱ ሰሚዑ ዝተናወጸ ድሕሪ ምንዋጾም፡ ብታሕቲ ታሕቲ ጸላም ከደኖ መንፈሳዊ ጉልባብ ተጠቒሞም፡ ኣብ ልዕሊ ክቡር ኣቦና ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ኮነ፡ ቤተ ክርስቲያን ማርያም ልደታን መእመናታን ዝቐንዐ እዚ ዘይብሃል ጎስጓስን ጸለመን ኢዮም ከላኽዑ ዝቐነዩ፡ እንተኾነ ግን፡ እትን ኣይቀንዐ እትን ኣየድመዐ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ ወዮ ኣዳራሽ ንኣስተምህሮ ክቡር ኣቦና ክሰምዕ ብዝመጸ ህዝቢ ድኣ ተመልአን ተወልዐን።

ጸለመን ጠቐነን ናይ’ዞም ዝተጠቕሱ ሰባት ሓድሽ እኳ እንተዘይነበረ፡ ካብቲ ዝተጠቐምሉ ጽዩፍ ዉጹእ ጸለመታት ንምጥቃስ፦“ናብኦም ከይትኽዱ፡ ተሃድሶ ኢዮም፡ መናፍቓን ኢዮም፡ ናብኦም እንተ ከይድኩም ክንግዝተኩም ኢና፡”………ወዘተ ዝብል ምስ’ናይ መፈራሪሒኡ ኮይኑ፡ ብፍላይ ክኣ’ቲ ምፍርራሕ ናብ’ተን ለውሃትን ግሩሃትን ኣዴታትና ዝቐንዐ ምንባሩ ሻቡ ባዕለን ዓው ኢለን ዝዛረባሉ ዝነበራ ሓቂ ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ዝመስል ኣነዋሪ ጸለመ ከም ዝቐነየ ኣቦና ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው፦ “ኣበይ’ሞ ኢሎሞ፡ ኣበይ’ሞ ይፈልጥዎ፡ እንተ ዝፈልጡ ንዕኦም ምሓሾም፡ ድሓር ክኣ ነዚኦም ንኽንምልስ ነጥፍኦ ጊዜ ኣይክህልወናን’ዩ፡ ጥራሕ ሕበሩ ደቂ ኤርትራ ኣሕዋተይን ደቀይን፡ እንተሰሚርኩም ጥራሕ ኢዮም ዝስዓሩ“ ክብሉ ብዙሕ ግምት ከይሃብዎም ብሓፈሻዊ ኣመላልሳ ኢዮም ዝመለስዎ።

መንቀሊ ጸለመ ናይ’ዞም ካህናት ኢና ብሃልቲ፡ ከም’ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ብመንፈሳዊ ሽፋን ሓለይቲ ተመሲሎም፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምብራስን ምብታናን ዝተዋፈሩ ኮይናም፡ ቀንዲ ተለኣኣኽትን ኣተግበርትን ሕቡእ ፖሎቲካዊ ዕላማታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ከም ዝኾኑ ኢዮም ብግብሪ ዘርእዩና ዘለዉ። እምበር ኣቦና ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ድኣ ብነገረ መሎኮት ኣብ ሃገርና እቶም እንኮ ናይ ሃይማኖት ሊቅ (ምሁር)፡ ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሶሲዮሎጂ ምሩቕ፡ ትሽዓተ ናይ ዓለምና ቋንቋ ዝመልኩን ከምኡ’ውን እቶም እንኮ ኣባል ሲነዶስ ናይ’ታ ዓባይ ቤተ-ክርስቲያን እስክንድሪያ ዘይግብጻዊ ኣቦ ክንሶም፡ እንተኾነ ግን ብብቕዓቶምን ፍልጠቶምን ተመዚኖም እታ ቤተ ክርስቲያን ዳግም ክትውንኖም ዝበቐዐት ዘኹርዑን ዘሐብኑን ኣቦ እኮ ኢዮም።

እቲ ቀደም ናጽነት ኤርትራ ምኣስ ከም ትመጽእ ዘይፍለጠሉ ዝነበረ ጸልማት እዋን’ውን እንተኾነ፡ በዚ ናይ ሎሚ ህ.ግ.ደ.ፍ ናይ ሽዑ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ናይ 1987 ዓ.ም ጉባኤኡ፡ “ኣቦና ንዑ ጉባኤና መርቑልና ተባሂሎም ካብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝኣክል ዝተዓደሙ ኣቦ ዶ ኸ’ይነበሩን? ምኣስ ንሱ ጥራሕ፡ ኣብ 1991 ናጽነት ኮይኑ ንሃገር ዝኣተውሉ ቀንዲ ምኽኒያት እንተረኣና’ውን፡ ከም’ቲ ወትሩ ካብ ቃሎም ንሰምዖ “ፍቕሪ ሃገረይ ኢዩ ስሒቡኒ ንሜዳ ዝወረድኩ” ዝበልዎ፡ ኣብ ናጽነት ድማ ነቲ ዝፈትውዎ ህዝቦም ንኸገልግሉ ካብ ዘለዎም ክቱር ባህጊ ተበጊሶምን በዞም ምስሉያት ጃንዳ ብትሕትና ኣርዮስ ባህሪኦም “ብኣኽብሮት” ንዝቐረበሎም ጻዊዒትን ዕድመን ተቐቢሎም ኢዮም እኮ ዝኣተዉ። እቲ ምንታይ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምሁር ኣካል የድልያ ስለ ዝነበረ፡ ብወገኖም’ውን ኣብ ምምስራት ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ዓቢ ግደ ከበርክቱ ትጽቢትን ባህግን ስለ ዝነበሮምን ኢዮም። እንተኾነ ግን ዳሕራይ፡ ኣይ ከም ዝሓሰብዎን፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ምስሉይ ባህሪያቱ ቀሊዑ ብርኡይ ንኹሉ ህዝቢ ከይሰርሕ ቀይዱ ስለ ዝሓዞ፡ ኣቦና ድማ ሃዋርያዊ ተልእኾኦም ብዝግባእ ንኸየብርክቱ ጸላእትን ሰለይቲን ዓሲቡ ቀይዱ ክሕዞም’ዩ ዝተራኣየ። ድሒሩ ድማ ኣቦና እዚ እከይ ተግባር ከይዓጀቦም ተጸሚሞም ዕዮኦም ንምብርካት ጻዕሮም የካይዱን የሰላስሉን ከም ዘለው ዝተዓዘበ ስርዓት ህግደፍ፡ ብጣሽ ወረቀት ብምልኣኽ ካብታ ዝፈትውዋን ዘፍቅርዋን ዓዶም ደፊኡ ከም ዝውጹ ገበረ።

ክቡር ኣቦና እዚ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም ክፍጸም ከሎ፡ እቲ ብሂወት ዘሎ ዘፍቅርዎ ህዝቦም ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ሓቂ ከም ዝሰምዖ ጥርጥር ኣይነበሮምን፡ ይኹን’ምበር ኣቦና፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ሓንቲ ንሕልናኦም እተቕስን ነገር ክገብሩ ስለ ዝነበሮም፡ ናብ ጸጸራት ኣብ ዝርከብ መቓብር ሰማእታት ብምኻድ ተምበርኪኾም “ክቡራት ኣሕዋተይን ደቀይን ዝሃብኩምኒ ሕድርን ዝኣተኽዎ መብጽዓን ንኽትግብር ኢለ ኢየ መጺኤ ኔረ፡ እንተኾነ ተደፊኤ እወጽእ ኣለኹ’ምበር ይጠልመኩም የለኹን” ብምባል ምስ ሰማእታቶም ብሕልና ተላዚቦም፡ ነታ ዝፈትዉዋ ሃገሮምን ብፍቓዶም ንኸገልግልዎ ዝወሰኑ ኣማኒ ቤተ ክርስቲያኖም ሕቖኦም ሂቦም ዳግም ንስደት ኢዮም ዘምረሑ። ምስ ወጹ ድማ እዚ ኣረሜን ስርዓት፡ ብድሕሪኦም ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እዚ ዘይብሃል ዕንወት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ንክቡር ኣቦና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ መምበረ ስልጣኖም ኣልዩ እንክሕይሮም፡ ብጻይ ሓቂ ብምዃን እቶም እንኮ ዓገብ ዝበሉ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾኑ፡ ልዕሊ ኹሉ ክኣ ምስ ዘለዎም ጽልዋን ተሰማዕነትን፡ ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ጳጳሳን ዝተፈጸመ ግህሰት፡ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ስለ ዘቃልዑን ከምኡ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ኣጋጣሚን ከም መራሒ ሃይማኖትን ዓቢ ዓድን መጠን፡ ንህዝቢ ብዝህብዎ ቃል ኣምላኽን ኣስተምህሮን ንቕሓት ህዝቢ ክዓብን ማዕረ ማዕረኡ ክኣ እምቢታ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ግስሩጥ ምሕደራኡ ክዓዝዝ ዘስተብሃለ ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ እምብኣር’ዩ ኣብ ልዕሊኦም ኮነ ኣብ ልዕሊ ስዓብቶም፡ በዞም ዕሱባት ካህናት ኢና ብሃልቲ ኣቢሉ ዝተዋደደ ጸለመን ጠቐነን ስርሐይ ኢሉ ተታሓሒዝዎ ንርእዮ ዘለና።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ኣማኒ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካብኡ ናብኡ ድማ መንእሰያት ተካእቲ ወሎዶ፡ እምብኣር እቲ ሓቂ ከም’ዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እዚ ንሃገርና ዝብትን ዘሎ ጃንዳ ኣብ ምፍልላይካ ይነብር ከም ዘሎ ኣስተቢሂልካ፡ እምቢ! ንምፍልላይ ክትብሎ እዋኑ’ዩ። ነዞም ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ክኣ ኣብዘን ተሪፈነኦም ዘለዋ ዕድመ ካብኦም ክትምሃርን ፍልጠት ክትቀስምን ድኣ’ምበር ደድሕሪ ዝዓበዱ እናስዓብካ ብኢሎሞ ኢሎሞም ክትጉዓዝ ኣዚዩ ነውርን ኣንጻር ረብሓኻን ኢዩ’ሞ “ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን” ከም ዝብሃል፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ተረዲእካ ኣካይዳኻ ከተስተኻኽል በዚ ኣጋጣሚ ክምሕጸነካ እፈትው።

ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽ!

ፍኖት-ሰላም ከፋሊ

ሎንዶን 10 መጋቢት 2018።

 
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde March 13, 2018

    I know the nation is in its darkest hour,betrayal,greed,hypocrisy,brutal repression and every social ills imaginable have metastasized throughout its sacred soil,however,the voices of sanity and prudence are slowly echoing in the distance and I have no doubt soon they will drown those of discourse,contrition and malady. God bless those who keep us looking forward by saying, “ክምብል በለ’ምበር ኣይተኻዕወን”.

  • Haile Berhane March 13, 2018

    ኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻር ሃይማኖት ተዋህዶ ደው እንተበለ ዘገርም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ኣምላኽ የሎን እናበለ ዘስተምህር ዝነበረ ውድብ ስለ ዝኾነ። እቲ ዘገርም ናይቶም ንስጋዊ ምቾቶም ኢሎም ኣንጻር ሃዋርያዊ ስርሖም ደው ዝበሉ በለጸኛታት ኣቕሽቲ ኢና በሃልቲ እዩ። ንስርዓት ህግደፍ ዝስዕቡ ኣቕሽቲ ተዋህዶ ይትረፍ ኣቕሽቲ ክብሃሉ ተራ ዓለማውያን ክንብሎምውን ኣይንኽእልን። ምኽንያቱ ብዅሉ መዳይ ኣንጻርቲ ሃይማኖት ደው ዝበሉ፡ ምስጢራውያን ካድረታት ህግደፍ ስለ ዝኾኑ። ነዚ እከይ ተግባራቶምዚ ግን ብኣምላኽ ክፍደይቱዎ እዮም። ነብሶም ድማ ኣብ ሲኦል ክትቃጸል’ያ።

  • Mohamed March 13, 2018

    “እዚ ንሃገርና ዝብትን ዘሎ ጃንዳ ኣብ ምፍልላይካ ይነብር ከም ዘሎ ኣስተቢሂልካ፡ እምቢ! ንምፍልላይ ክትብሎ እዋኑ’ዩ። ”

    This is a timely call from His Holiness Abune Mekarious, who is proud patriot.
    May Allah/God bless our country Eritrea.

POST A COMMENT