Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዮ ብበሊሕ መላጸ ዝሰገረ ህዝቢ፡

26.10.2018 ጉድ ረኺብና እብለኩም። ሎሚ’ውን ነቲ ናይ’ታ እናኣድነቕናያ “ይንበረልና” ክትብል ኣድንቖትና ዝሰበረት ድምጻዊት ጓል መለስ ብዘድምቕ፡ ዕድመ ግዜያዊ ፕረሲደንት ክንዲ ማቱሳላ ክምጠጠሉ ፈጣሪኡ ዝምሕጸን ዜማ ሰማዕናልኩም። ድምጻ ዊ ተኽለ ክፍለማሪያም ወዲ ትኹል ነዊሕ ተወሺቡ ድሕሪ ምጽናሕ

26.10.2018

ጉድ ረኺብና እብለኩም። ሎሚ’ውን ነቲ ናይ’ታ እናኣድነቕናያ “ይንበረልና” ክትብል ኣድንቖትና ዝሰበረት ድምጻዊት ጓል መለስ ብዘድምቕ፡ ዕድመ ግዜያዊ ፕረሲደንት ክንዲ ማቱሳላ ክምጠጠሉ ፈጣሪኡ ዝምሕጸን ዜማ ሰማዕናልኩም። ድምጻ ዊ ተኽለ ክፍለማሪያም ወዲ ትኹል ነዊሕ ተወሺቡ ድሕሪ ምጽናሕ ኣፉ ክኸፍት ተገዲዱ ግዲ ማዕበል ሰላም ክብል’ ዩ ንሰማዕቱን ተጸበይቱን ‘ክሳብ ብደሙ’ ከምተደመረ ዝዓለነ። ንድሙን መጻወቲታ ነንጭዋን ጻዕረሞታ!

ገደደ “ኣሰይ-ኣሰይ ሕጂ መቀረ፡ ማይን ጸባን ተጸናበረ” ምባሉ። ከም ኣበሃህላኡስ እቲ ትማሊ ተፈላሊዩ ዝጸንሐ ክልተ ኣ ህዛብ ሳላ ወሓላሉን መድሕን ህዝቦምን ፖለቲከኛታት ሎሚ ከምተጸ ናበረ ኢዩ ከበስር ደሊዩ። እቲ ትማሊ ከም ጻዕዳ ባሪያ ብሕሹኽታ መ ናፍስቲ ማይን ጸባን ዝፈላለየ ደመኛ መራሒስኒ፡ ሎሚ ብምስሊ መላ እኽቲ ክጸናብር ብምንቃዱ ያኢ ከም ፈጣሪዶ ገመል ባሕሪ። . . . . .  “ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልሰለይ ነይኣምኖ” ከምዝብሉዎ!

ካብቶም ኣንታ ደንቆሮ በዓል ክራር ዝብሉኻስ፡ ብዓቕመይን ኣኽብ ሮትን ክንማዓዓድ ምእንቲ፡ ጸባ ብተፈጥሮኡ ብማይን መኣዛታቱን ተ መጢኑ ከምተሰርሐ ከነውጋዓሉ ምደለኹ። ወዲ ሰብ ድማ ተጠቃሚ’ ምበር ፈጣሪ ጸባ ኣይኮነን። ምናልባሽ ብዝሓድሮ ፊንታ እንተወዓሎ’ ውን ማይን መኣዛ ጸባን ኢዩ ዝፈላሊ’ሞ ሽዑ ጸባ ኣይባሃልን። እንተ’ ውን ንውልቃዊ መኽሰብ ብዝዓለመ ምሒር ክፍኣት፡ ሰብ ንገለ ግሩሃ ት ከታልል ነቲ ድሮ መጠኑ ተሓሊዩ ዝተፈጥረ ዓቐን ጸባ ክንድኡ ማ ይ እንተደርጊምሉ ድማ ጀሊሕዎ’ምበር ኣይጸንበሮን። ምጅላሕ ማለት መቸን ከምቲ ኪኖ ቅራሬ ዘሎ ኣሰርዋሃ ምዃኑ ንመ ን ከይጠፍኦ። ንምዃኑ እታ ኣብ እዋን ስሙር ቅልጽም ዱቃ ጸባ ዝተደረረት መትከል ሓፋሽ ከመይቢላ ሎሚ ዝተጀልሐ ጸባ ከተጎርድዕ ከምተበራሃ ሕንቅል-ሕንቅሊተዩ ንህዝብና ከቢድዎ ከምዘሎኸ ትፈልጥ ዲኻ?።  . . . . .

ገልጣም በዓል ክራር ከይትባሃል ምእንቲ ሕሹኽ ክውስኸልካስ ነዚ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይመጠናውን ምድብላቕ ህዝቢ ዲኻ ከም መርኣያ ዕርቂ ከተምስሎ ማዕበል ሰላም” ኢልካ ከተቀናጅዎ ዝተቖጻጸኻ? ከምኡ እንተኾይኑ ተዋሪድካ። ም ኽንያቱ ሰላምን ሕውነትን ብይቕረን ዕርቅን’ምበር ብማዕበል ከምዘይመጽእ ክትርዳእ ምፈተኹ። ማለት ማዕበል ከም ሽ ሙ ከም ህቦቡላ ንፋስ፣ ከም’ቲ’ውን ደምሳሲ ዘራጊቶ ኢዩ ትርጉሙ። ስለኡ ማዕበላዊ ዝናም፣ ማዕበላዊ ጋሻ ውሕጅ፣ ማ ዕበላዊ መጥቃዕቲ፣ ማዕበላዊ ውግእ ወዘተ፡ ኮታ ማዕበላትሲ ዝበዝሐ ግዜ ዘየላቡን ደምሳስን’ዩ። እእ! ብስም ሰላምን ሕ ውነትን ማዕበላዊ ዋሕዚ ጓኖት ምስዘጋጥም ድማ ውጽኢቱ ውሕጠት ደቂቤት’ዩ። እዚ ናይ ኢቲዮጲያዊያን ጭርሖ ሰላ ም እምብኣር ኣብ ከርሱ ዝተወሸበ ዘመናዊ ወራር ከምዘለዎ ክትርድኦ ነይርካ። ካብዘይተረዳኣካ ድማ ማይ ኣይሓለፎን።

ተወሳኺ መብርሂ እንተደሊኻ ቀሊል። ከምቲ ሰልፍኹም ብጥበብ ሃገራዊ ድሕነት እናተመኹለየት ዶብ ንዓሰርተ መዓል ቲ ጥራይ ከምተኸፍተ ኣምሲላ ምስፈነወቶ ህዝብና ፈሊስዎ ዘሎ፡ ከምቲ’ውን ሓንቲ ክሳብ ዓቕማ ዝተቐጸጸት ሓጽቢ፡ ወ ዲ ኣፎም ብዝተሰምየ መንቀኛ ምስ ትንደል፡ ማይ ንውሽጢ ብምዝራቑ መንደቕ ሓጽቢ ኣዕንዩ ዝብቆጽ ተጓናጺ ውሕጅ’የ ዝብለካ ዘለኹ። ይኽደና ሓጽቢ ዓዲሃሎ! ሰላምን ምዕባለን ግና ብዘገምታ፣ ህድኣትን ሕግን እንተመጸ’ዩ ዝውሕስ።

እሞ በቲ ህዝባዊ ነበር ድምጽኻን ብዝነበረት ክራርካን ተሓንጊጥካ “ማዕበል ሰላም” እንተበልካስ ህዝብኻ ብምፍላሱ ዲ ዩ ክንድኡ ዝነዋንወካ ዘሎ? ሰብ-ቤት ወጺኦም ጎደናታት ኣስመራ ብጓኖት ስለዝተመልአ ዲዩ ክንድኡ ዘሰራስረካ ዘሎ? ብ ፖለቲካዊ ዕዮ ምሒር ብምፍንታርካ ዲዩኾን ነዚ ዳግማይ መግዛእቲ ከይንጻብኦ ተለሳልሶ ዘለኻ? ምናልባሽ’ውን ኣብቲ ስ ግር ብማዕበላዊ ቅኒት ገለ ዝናን ዕማኾን ክትሓፍስ ተራእዩካዲዩ ንፍቕርን ሓልዮትን ህዝብኻ ዘሪግልካ ወይስ ብናይ ኣቦ ን ወድን ምግናሕ ብዘመሳመስካሉ ማእሰርቲ ክቱር ተኾምቲርካ ክንስኻ ሕጉስ ንምምሳል’ዩ እቲ ሃቐነ? . . . .

ምኽንያትካ ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ግናኸ ብሽብሪያ ስለዘይቅዶ ሎምስ ግድን በዓል ብልሓት ክትከውን ኣለካ ተኽለ! “ክ በልዕ ደለስ ገደል ኣፉ” ዲዩ ዝባሃል። ክንድዚ ዘኽረጥ-ዘኽረጥከ ኣለኻ ዲኻ። ክንድዚ ናይ ምንባር ስስዐኸ ኣለኻ ዲኻ? ዶ ስ ቅኑዕ ‘ፖሊሲ’ እናመሰለካ ኢኻ ትጸድፍ ዘለኻ? ከምኡ እንተኾይኑ፡ መጻኢኻ ብኣብነት ክምስለልካ ስዓበኒ፦

ሓንቲ ብድኽነት ኣብ ባር ክትሰርሕ ዝተገደደት ሕያወይቲ፡ ኣብቲ መጀመርታኣ ንስራሕ ባሪስታነት ብጎደሎ እምነት’ያ ት ኣትዎ። ሓደ ህርኩት ተመናዪ ‘ባሪስታ’ ከምገለ ክቀናጠብ እንተፈቲኑዋ ድማ ዘርኣ ዘዋረደት ብምቑጻር ብመትከላ ኢያ ክ ትዛበጥ ትርአ። እናለት ነቲ ነገር እናሓደረትሉስ ግናኸ ከምገለ ከምዝሓደረትሉ ንዝጎጥያ ንመታሓድርታ ብ”ሓወይ፣ ወዲ ሓወቦይ” ከተመሳምሰሉ ትርአ። ውጽኢቱ ምስተወሃሃዳ ግና ነቲ “ሻርሙጣ” ኢሉ ዝጸርፋ እናሰሓቐትን ሓደ እግራ ኣልዒ ላ ናብ ረቃቒቶኣ እናመልከተትን “ንዓ እነሀልካ እቶ” ክትብል’ያ ናብ ቦታ መሸርሞጢ ትሕብሮ። መቸን “ንዓ ሸርሙጥ” ትብሎ ከምዘላ ንዓኻ ንተኽለ’ውን ተረዲኡካ ይህሉ። ባሪስታ ሆየ ንግዲ ደሚቕላ ብማዕበል ዓማዊል ምስ ኣዕለቕለቐት  ኣሻባን ብኸመይን ከይሓሰበትሉ ወናኒት ባር ትኾነልካ። ሽዑ እቲ ‘ባሪስታ’ እናለ ዘሸማቕቓ ዝነበረ፡ “እምበይተይ” ክብላ ይጅምር። እቶም ኣረቂ ብጥርሙዙ ቀርቂራትሎም ትጸንሕ ኣባት ነብሳ ድማ ካብ ተጻብኦ እኩይ ከናግፉዋ መስቀሎም ዓ  ቲሮም’ዮም ብሑጓ ዝኣትዉዋ። ከምኡ’ዩ’ውን ተግባርን ውጽኢትን ፖለቲካ ሕቡኣን። ስለኡ ኣይፋልካን ተኽለ!

ስማዕ’ሞ፡ ትማሊ’ዩ’ኮ ዝነበረ “ለሚን-ለሚነይ” ትብል ዜማኻ ክትደርፍ እንከለኻ ኩሉ ተዓዛቢ ዝርንዝሕ ዝነብዕ ዝነበረ! ሽዑ ወያ ዜማ ገሊኦም ንስዉእ ኣብራሃም ተወልደ ከምተደርሰት ከውስኡ እንከለዉ ገሊኦም ኣባላት ሕቡኣን 03 ድማ ከ ም ገጸ-በረከት ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣወፈዩዋ። ኢሳይያስ’ውን ክትጸድቀሉ ብምሕሳብ ንወያ ኣብ ጎድንኻ ደው ኢላ ለሚ ና “ኣብ ዓላ ተሰዊኡ” ከምዝበሉዋ እናኣዘንተወትን ዝርንዝሕ እናነብዐትን ተማዕርገካ ዝነበረት ድምጻዊት ድምጽማጻ ስለ ዘህጠማ እንሀት ለሚን-ለሚነይ ንኢሳይያስ ከምተዘየመት ጸደቐትልኩም። ይኽደን ንስኻ’ውን ከምኡ ተምስላ ከይትህሉ!

ሎሚ ድማ በጻሕና ተኽለ። እሞ ወዮ’ቲ ሽዑ ንርእሱ ንሓዋሩ ከይውስን “ወሰን” ዝበለን፡ ብበሊሕ መላጸ ሰጊሩ ጸላእቱ ኮብዂቡ ንዓዶም ዘሳገረን ህዝብኻ፡ ሕጂ ከም ዝሩዕ ከብቲ ሕርዶት ብጅምላ ዓዱ ገዲፉ በላዕትን ገዛእትን ክመርጽ ከ ምዝማዓሮ ሓንሳብን ንሓዋሩን ብዝመስል ናብ ዓዲ’ቶም “ሓባጥ እግሮም” ትብሎም ዝነበርካ ኩብኩባት ክኹብኮብሲ ኣ የሕመካን ዲዩ ወዲትኹል? ዘሊቓ ዲያ’ታ ሓባጥ እግሮምን ልቦምን? እምበርከ ንወያ ብነፈርቶም ዝተደኩዐት ሬሳ ንግስ ቲ ንህቢ እርቡናለኻ ብምቕባር ክንዲ ምትካኣሲ ብናይ ገዛእቲ ክትድብሳ ብምሕሳብ ኣብ ‘ማዕበል ሰላምካ’፡ እሞ ድማ በቲ ህዝባዊ ድምጽኻ ክትውድሶም ምስማዕ ከይኣኽለናስ፡ ነፋሪቶም ከም ትእምርቲ ምስሊ ሰላም ከተንበልብላ ዝተራኣ ኻኸ ክብደት ጌጋኻ ኣይስቆረካን ዲዩ ተኽለ ክፍለማሪያም? ዶስ ድሮ ትናዘዘሉ ትህሉ?

ባውሬቶ ወዲ ትኹል! እዛ ንዘልኣለም ምስ ኤርትራ ክትስነድ ዝነበራ ክብርኻስ ካን ከምታ ናይ ጸባ ተወሳኺ ማይ ጸንቢር ካ ጀሊሕካያ! እቲ ቅድምሲ ብድምጺ ውጹዕ ህዝቢ ስለዝመከትካ ክብረትን ዕብየትን (ሓቂ ተኾይኑ ኮለኔል ይብሉኻ) ብ ምምዕራግካ ፍታውና ነበረ። ሎሚ ንምንታይ ንቁልቁል ከተንከራሩ ከምዝመረጽካ ኢዩ ምሔን ውሒጥኒ እብለካ።

በዓል ኢንታ መስቆርቆሪ ብምዃኑ ምናልባሽ ከምቲ’ታ ሰበይቲ “እሞ ዋላ እግሪ ኣይረኸቦዲዩ?” ዝበለቶ ክሳብ ትብለኒ ከ ም ሓሰኻ ደበም ዝለምለምካለይ መሲልኒ ከምዝፋሕተርኩኻ ኣይትሕሰቦ። ከምኡ’ሞ ኣይምንዮተይን። እንተ ከም እምነ ት፡ ሃገር ክትውጠር ክትሳዓር፣ ክትመራሳሕ ክትማሳሕ፣ እንከላ ክንዲ ዝምክት፡ ዝተፈላለየ ምስምስ ዘማሳምስ ብእዋኑ’ ውን ከይተፈተነ ዝማዕረገ ኮይኑ’ዩ ዝስማዓኒ። ሰብ ክፍተን ሓርበኛ ቢተው’ውን ምዒድና ነይሩ። እቲ ከምወርቂ ብፈተና ተዝሓለፈ’ዩ ድማ ወርቂነቱ ዝዕቅብ። ወርቂ ኣይሃስስ ኣይፈኩስ፣ ኣይኩምተር ኣይምተር፣ ኣይዓብር ኣይሃጥር። ኩሉ’ዚ ዝ ጠቐስኩዎ ባህሪያት ናይቲ ዘይንሱ ክመስል፣ ናይቲ “ቅዱም ኣይኽፋእካ” ካብ ዝብል ጉርሒ ኣብ ኣእምሮኡ ተሳዓርነት ጠ ኒሱ ድንግል ዝመስል ባህሪያት’ዩ። ጥንሱ እናተጋለጸ ምስከደ ድማ ዘቑጸልጸለ ዘመሳምስ ኣሎ’ሞ ኣይናትካን’ዩ ተኽለ!

ንነገሩ ነታ ግርምቲ ዜማኻ ከተሰኒ ምሳኻ “ለሚን-ለሚነይ” እናለት ትኸረልካ ዝነበረ ስነጥበባዊት ሎሚ ሃለዋታ ሓቲትካ ላዶ ትፈልጥ ወዲ ትኹል? እንተ ንሳ ምስ ሰብ ዝናን በዓል ዝናን ምንባርካ ሰሚዓ ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ምንባርካ ስለ ዝረኣየት፡ ሎሚ በንጻር ለሚንካ፡ ቦኽቱሽ’የ ዝብለካ ያኢ ብማዕበል ሰላም ባንጻራኦም ሒዝካ ምስ ተደመርቲ ከምዝዓረ ድካ እንተትርኢኸ ወያ ሓርበኛ ተጋዳሊትን ኣደን ‘ታይኮን ምበለት? ንምንታይከ ንስኻ ህሉውን በዓል ዝናን፡ እንኮላይ ተደማርን ተመቃልን ክትከውን እናተገላበጥካ ንዓዓ ነዛ ህላወኣ ከምተጻባእኩማ ምጾታቱ’ኮ ምጻር ስኢንናዩ ጉድ ኮይኑ!

ሕሰቦ’ሞ፡ “‘ታመትከልካ ሎሚደሞ ሞይታ፡ ሸዊት ዓደይ ወዲያመን ከይዘምታ፣ ዓይነት ብኽፍታ ብርከይ ብጥዕይታ፡ ከ ይድቅስዶ ከይከውን ወጋሕታ፣ ልበይ ብቅርሕንታ ስነይ ብንኽስታ፣ መሬት ከብጻሓ’የ ናብ ደረታ።” ክትብል እንከለኻ’ኮ ኩልኻን ኩሉኹምን ኢኹም’ኮ ትራኣዩና። ኣብ ዋዕላ ተኽሊ ዝነበረ ጽኑዕ ማሕላን ዝተዋሕጠ ጸጸርንሲ ካን ኤርትራና ና ብ ፈደራሲዮን ክትመልሱዋ’ዩ ነይሩ ክንድኡ ሸንኮለል? ነዚ ክትግዕታዶ ክንድኡ ትርህጻ”’ካ ኾይና ነገር!

አእ፡ ሕብእብእንዶ በዚሑ። “ሰውራ ኢልካስ ስውር” በለ ሰለሙን። ኣማሲያኡ መባጽሖ ተሰዊርኩም ጥራይ ዘይኮነ ንርእ ስኹም’ውን ተሰዊርኩም። ንስኻ’ውን ዋዕላ ተኽሊ እንታይ ከምዝረኸቦ ከይነገርካና ብማዕበል ጣፈ-በርበረ ሰዲዕካ።

ከምኡድኣ የዛርብ ኮይኑ’ምበር ስነጥበባዊያን ኣብ ቃልሲ ንድቀት ሃገር ዝላዓለ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎም ዝፈለጠት ሓንቲ ዓለም፡ ዝናን ባንዴራን ሃገር ከምታ ዝሰቐሉዋ ከውርዱዋ ከምዘለዎም ተኣዚዞም ከምዘለዉስ ፈሊጥናዮ ኣለና። እዚ ማለ ት ዝላዓለ ሕቖ ናይቲ ዕጥቅና ንምውራድ ዝተፈነወ ወፍሪ ምዃኑ ኢዩ። ኣንጻር ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ማዕበል ምምካት ድማ ኣብክንዲ ትበልዖን ትሽየሞንን ከተቋምት ትመራሳሕ፡ ሂወትካ ኣብ መትከላ ክትሓልፍ’ዩ ዘማዕርግ ዝነበረ። ኣብ ከ ምዚ ፈታኒ ህሞት እቶም ዕጥቆም ከምዘየውርዱ ዝተለለዩ ከም’ኒ ኣብራሃምን ኢሳይያስ ከምኡ’ውን ካልኦትን  ዝኣመሰሉ ክካወኑ ከምተኣዘዘ ይውረ። ከምቲ ቃል ገዛእትና ንምባል ድማ ንሳቶም ተኻሪጆም። ኣብ ምክራጅ ብጾቶም ኢድ ዝነበሮ ም ስነ-ጥበበኛታት ከይነብሩ እንተኣሰኪፉ ድማ ኣብ ባሕሪ እንተተሓንቢሱ ዘይተርፍ ክንሱ ንዘይምጥልቃይ ምምናይ፡ እ ንተሃበረ ድማ “ካላእ ትጠልቂዮ” ካብ ዝብል ንዘይምእማን መን ይኸልእ። ካን ክሳብ ክንድኡ ኢና ተጣሊምና!

እቶም ዝተረፉ ብነዊሕ ገመድ እናተቐፈዱ ሃገር ገዲፎም ክወጹ ዝተገደዱ ወጺኦም። ከም’ኒ ተስፋይ ዝኣመሰሉ ተረፍ ድ ማ ከምቲ ንሱ ኣብ ሰብ ዘይብሉ ሂላ ተቐልቂሉ “ይኣኽለካ ውቂያኖስ . .” ዝበሎን ከምዚ’ውን ንስኻ ትብሎ ዘለኻን ጠጥ በብኩም ከተቃልሑ ተሰሚዕኩም። ከምእኒ’ቲ በተን ደቀንስትዮና ዝስራሕ መልእኽቲ ዝሰልጦ ወሓለ ቀባእን ደራስን ሚ ካኤል ኣዶናይ’ውን ልቢ ናይ’ቲ ኣብ መኣዲ ቀያሕ መሶቡ ዝኣከቦ ዕዱም ከምዘንጠልጠለ መጠን፡ ልክዕ ብተምሳል ናይታ ከምህያው ዝቐረባ ሓርበኛና፡ ደቀንስትዮናስ ኣብ መሬታዊ መዓት ጥራይ ዘይኮና ኣብ ባሕሪ ከይተረፈ ከምዝቃለሳን ዝጥ ሕሳን፡ ግዜ ክጠልም ግዳ ኣሽንኳይ ንዝሓቖፈኦም ደቀንሲ ንኣብ ውሽጢ ከርሰን ንዘሎ ዕሸለን ከይተረፈ ከይመተን ብም ሕላን ገለ ረዳኢ እንተተረኽበ ብዝመስል ትንግርቲ ኣብ ባሕሪ ንዝተወልደ ዕሸል’ዩ ስኢሉ ኤርትራዊ-ዳቪንቺ።

እዚ ንዓለም ዝገረሞ ስራሓት ስነ-ጥበበኛና ንዓናን ዓለምናን ደም ከንብዓና እንከሎ ንስርዓት ህግደፍ’ውን ራዕዲ ፈጡሩ ጸሊም ካባ ስለዘጎልበባ፡ ካብታ ዓወታት ተበስር ዝነበረት ኣብ ፎርቶኦም ዝሰቐሉዋ ራዲዮኦም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ከምዝጣሓሉ ከተርድእ’ያ ዝተሰምዐት። እቶም ደቂ ውሻጠ’ቲ ስርዓት’ውን እታ ቅብኣ ንምርኢት ኣብ ዝወጸቱሉ ዕለት ና ይ ስንባደ ዲዩ ወይስ ምልክት ዓወት’ኳ እንተዘይተጋህደ ግናኸ ኣጋንእ ዊስኪታት ከግቡኡ ከምዝሓደሩ’ሞ ተወሪዩ’ዩ። እ ቲ ብዛዕባ ጥበበኛ ሚኪኤል ዝተዘርበ ናይታ 03 ነዝሒ’ውን ብእዋኑ ሰሚዕና ከምዝኻዓብናዮ ሰሚዕኩሞ ትኾኑ።

ቅድሚ ምፍናወይ ሓደራኹም “እዞም ስነ-ጥበባዊያን እንታይ’ዩ ጉዶም” ኢልኩም ኣይትቕበጹዎም። ስነጥበባዊ ልዕሊ’ቲ ካልእ ሰብ ድርብ ፈተና’ዩ ዘለዎ። ፖለቲከኛታት ንስነጥበባዊ ልክዕ ከምቲ ንከልቢ፡ ብሓደ ኢዶም ዝብላዕ ቀሪቦም በቲ ካልኣይ ኢዶም ብበትሪ’ዮም ዝትንዕዎም። እንተኾነስ ኣብ እሳት ንዝደበሉ ስነጥበበኛታት እናክንዝክር ኣብ ሎሚ ብጺሖ ም ክመስሉ ክብሉ ንዝበላሸዉ ኣይወቐሱ ማለተይ ኣይኮነን።

ከምርዱእ ግዜ ዕጥቂ ስነጥበባዊያን ኢዩ። ከመይሲ ኣብ ግዜ ኩሉ ነገር ስለዘሎ። እቲ ብቀንዱ ኣብ ግዜ ዘየቛርጽ ጽርድነ ት ገዛእን ተገዛእን ስለዘሎ፡ ሓፋሽ ድማ ንግዜ ክፈልጣ ኣእዛኑ ናብ ድምጾም፣ ኣዒንቱ ድማ ናብ ቀለሞምን ብራሾምን የ ቕንዕ። እሱ እናኾነ እቲ ገደል ዝኣፉ ክበልዕ በሃላይ ምስቲ በዓል ግዜ ከኹድድ ይኽእል’ኳ እንተኾነ ኩዳ ንርእሳ ገላጺት መንነት ምዃና መን’ዩ ዘይፈልጣ። ንምሕጻሩ ስነ-ጥበብ ንህልዊ ኩናታት ቀዲሙ ብምፍላጥ ህዝቡ ዘነቓቕሕን ዝመርሕን ናይ ቃልሲ ዓውደ-ጥበብ ከምዝኾነ ኣበር ዘይወጾ ሓቂ’ዩ። ስለ’ቲ ንሱ ስነ-ጥበበኛ መዋዕሎኡ ምስ ሓፋሽ ከምዝኾነ መጠ ን መዋድቖኡ’ውን ምስ ሓቂ፣ ምስ ሓፋሹ ክኸውን ከምዝግደድ ዘይምርሳዕ።

እቲ “ውዲት ክትካእ ብውዲት፡ እከይ ክትወልዳ ንእኪት” . . .ዝተባህለሉ ግዚ ከም ትእምርቲ ቃልስን ዓወትን ዝተገተረ ተኽለ ክፍለማሪያም ከድኣ ሎሚ መን ረኸበልና? ኣብዚ ውዲት ብውዲት ዝተኻኸኣሉ እዋን መንፈስ ወዲ ትኹል ተሳዒ ሩ ናብ ስዕረት ከህትፈና እንተኾይኑ’ቲ ዝባሃል ዘሎ፡ ግህዶ ኢድካ ምሃብ ከምዝኾነ ክነብርህ እንተተዛረብና ከይቅበሎ ይ ኽእል። ግናኸ ነገር ኣብ ከም ተኽለ ዝኣመሰሉ ክትበጽሕ “ክበልዕ ደሊዩ” ተባሂላ ከምዘይትሕለፍ ድማ ከምቲ ናይ ስዊዘ ርላንድ ገጥሚ ጥራይ’ኳ እኽልቲ ምህሮ ምዃና ተረድኡ ተዓዘብቲ።

ኣብዛ ናይ ሎሚ ፍጻመ ኣውራ ልበይ ዘድመየት እንተሊያ ተኽለ ምስ ሓደ ህጻን ተሳኢሉ ምቕራቡ ኢያ። ንሱ እንታይ ዓ ይነት መልእኽቲ ከመሓላልፍ ከምዝደለየ ባዕሉ ይፈልጣ። እንተ ንዓይ ንተዓዛቢ’ሞ ጽቡቕ ከሎ ሕማቕ ንዘይምቕዳም ጥ ራይ ዘይኮነ እምነቱ ኮይንዎ ንመጻኢ ወሎዶ ሰላም ከውርስ ይሕልን ይህሉ። ግናኸ ሰላም ብትምኒት ከምዘይትመጽእ ል ዕሊኡ ዝፈልጣ ኣሎ ዲዩ ሎሚ ማይ ዝዓሙኽ? እዚ ህጻን ድማ ብተዛምዶ ዕባይ ሰውራ በታ ገዛእ ባንዴራኡ ክንዲ ዝተ ኣማመን ልቡ ናብ ክልቲአን ባንዴራታት ስለዝኽፈል ፍርዝን ምስበለ ባውውውው! ከምትምእምኦ ብምሕባሩ ተኸሳሲ ኢዩ ዓንዳፍ ድምጻዊ።

ኣለበዴርቺ ተኽለ! በል ንኺድ ጥራይ’ሞ በዲለ እንተኾይነ ድማ ምሳኻ’ሎ ጉራዴ ጉመደኒ፣ ኣብ ኢድካ’ሎ ምንሽር መን ጥለኒ! መቸን ኣነ ከምዘለኒ ምዕራፍ፣ ታሪኽ ከምዘለዎ ጉሓፍ ኣቶ ምኪኤል ጀንደ ምዒድና እንዲዩ፡ ክሳብ ብሂወት ዘለ ኹስ ግዲ ኣይዘራባዕን ይኸውን! እንተድኣ ትጸንሕ ሩሕ ኣሊያን ትምልኦ ኣሊዩዋን ድማ ጽባሕ ንሪኦ። እንተ ንሎሚ ኣብ ዚኣ ትኣኽለኒ’ሞ ቡዙሕ የቐንየለይ ተኽለ ክፍለማሪያም!

ካብ ሓየትን ሓርበኛን፡ ከምኡ ድማ ናይ ህዝቡ ዳኛን ኣቶ፦

ወዲ ጥሮታ፡

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Simon G. October 27, 2018

    Another nice and timely article, ሓየትን ሓርበኛን፡ ከምኡ ድማ ናይ ህዝቡ ዳኛን, ወዲ ጥሮታ!
    About a month ago, a group of friends were talking about this ዝተበርጀኖ guy: ወዲ ትኹል. One of our friend happened to be his close relative. In the middle of our discussion he said, please don’t say these in front of me:
    1. Don’t call him ዘመድካ. ከመይ’ከ ዘመዱ ትጥፋእ። ተሓጺብካ ጭቃ? ክልተ ግዜ’ኳ ኣዛሪቡና። መሕፈር ሰቡ።
    2. Don’t call him an Artist. He doesn’t have the sophistication to be an artist. He is just simply a guy with Kirar and repeats what they told him to do. ኣነ: ኣድጊ’የ ዝብሎ። ዝሃብካዮ ዝበልዕ። ከመይ’ከ ብመንደፍ ይጥፋእ! I hate to say that but I mean it.
    I personally didn’t know he was his relative.
    It is shame to see people like ወዲ ትኹል, FiHira, and Zemach to act like shameless underage kids or ከም በዓልቲ ዘመን ኮማሪት. ኮሸምሸም’ዶ (excuse my french) ኣብዚሖም ሓቀይ?

    • Dawit October 27, 2018

      Wedi Gereaneniya nebsi, who writes your village comedy lines then, your criminal old ELF bosses?
      The wife in the TV commercial says to her husband “You disgust me”. Dressed in a funny way,
      the husband, while chewing food, replies to her (his wife) “prove it”!
      Similarly, simonina nebsi, we’ve heard it for far too long (your pathetic amateur comedy lines) but now ‘prove it’ to us you could also sing better than Wedi TiKhul the great talented ARTIST,
      Otherwise, you’ll just disappoint and ‘disgust’ us with your envious ELF old ajewjows mezmur.
      Btw, Wedi ayte Gereaneniya, three of my all time favorites: Yemane barya, Abraham Afeworki & wedi TiKhul. Indeed, bizuH koshemshem ayitebziH. He is only singing for peace & reconciliation.

      • Simon G. October 27, 2018

        ዳዊት ዶልኪ ሽላን ነብሲ!
        መቸም “ሰራቒ ኩሉ ስበ ሰራቒ ንድዩ ዝመስሎ”: ወዲ ገብረ-ኣነንያ ድማ ከይተቐደምኪ ንካልኦት ገብረ-ኣነንያ ‘ትብልዮም? ድኹም ፈተነ!
        ————————-
        ኢሳያስ ወሎድኡ ክሓብእ መታን ወያነ ክብል የጽመና ኔሩ።
        ክገርመኪ ሽላን ነብሲ ኣቦይ ኣፈወርቂ ኣብ ተምቤን ‘ዮም ተወሊዶም። ስለዚ ካልኣይ ወልዶ ከማን ኣይከደን።
        ምስ ረዘንቲ ምዝራብ ኣይጠቕመክን። ሼንኪ ደቅሲ።

        • Dawit October 27, 2018

          Wedi Gereaneniya nebsi,
          We must be passing the X-certificated assenna’s super “journalists” censorship!!!! You’ve disappointed/disgusted me again as I was waiting to hear from some of your all time favorites but I suppose I could guess with some: Kiros Alemayehu-“anguEy fisis”, Gebretsadik-“Hadir Gerki”, and so on
          Simonina bella, your wishful halewlow “mis rezenti mizirab ayTeQimekan”, lol!!
          An old bullfrog believed he was the largest animal in the world and trying so hard to prove it and to impress a female frog he puffed and puffed himself up so much until BANG! He burst wide open!!!!
          Now, Wedi ayte Gereaneniya nebsi, don’t pretend to be bigger than your normal tiny ELF frog size, otherwise, kittikosiy’eKhiyi ab zeymaAltiKhi!!
          B’zemen Wube Zixememes Wube kibil yinebir, similarly, bizemen Tembien zixememe Tembien/Tembiyenay kibil yinebir. You’ll soon be bending for his son prince Abraham Isaias Afeworki. Just one last curious question though, where did your ayte Gereaneniya come from barefooted and TiraH maAkorom to Akele on tourists visa (on vacation, of course)??? Not from Paris, Roma, Buenos Aires or Riyadh!!!!

          • Dawit October 27, 2018

            addition: simple answer to my stupid last question, of course, TEMBIEN, how stupid of me! Rest my case and over to you Simonina!

Post a Reply to Dawit Cancel Reply