Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ባዓታይ፣ “ከመኡያ ዝገብርስ ከምኡ ይነግር”

ወዲ ባዓታይ፣ “ከመኡያ ዝገብርስ ከምኡ ይነግር” ኣብ ዕለት 11/02/2014 “መን ኢዩ ወዲ ዓሊ? ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ስማይ ዝወረደ ንቢይ ድዩ?” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቶ ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ (ወዲ ብዓታይ)፡ ዝረ ዝመበገሲኡ ፖለቲካዊ ኣልቦ ትሕዝቶ ጽሑፍ

ወዲ ባዓታይ፣ “ከመኡያ ዝገብርስ ከምኡ ይነግር”

ኣብ ዕለት 11/02/2014 “መን ኢዩ ወዲ ዓሊ? ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ከናግፍ ካብ ስማይ ዝወረደ ንቢይ ድዩ?” ብዝብል ኣርእስቲ ብኣቶ ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ (ወዲ ብዓታይ)፡ ዝረ ዝመበገሲኡ ፖለቲካዊ ኣልቦ ትሕዝቶ ጽሑፍ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ተዘርጊሑ ሪእየ። ትሕዝትኡ ነቲ ኣነ ብዕለት 06/02/2014 “ዳሕራዮም’ምበር ገደደ” ኢለ ዝጸሕፍኩዎ ጽሑፍ ዝቃወም ዝመስል እኳ እንተኾነ፣ ብቐንዱ ግን እቲ ዒላማ ብመገደይን ብመገዲ እቶም ምሳይ ኣልሚሙ ከጸልሞም ዝፈተነ ኣሕዋት ኣቢሉ ንኻልኦት ክቃወሙና ይኽእሉ ኢዮም ንዝብሎም ዜጋታት በቲ ጽዩፍ ቃላቱ ንምፍርራሕን ከይብሉና ብምባል ካብ ምቅዋሞም ዓዲ ንኸውዕሎም ዝምሃዞ ሕሱር ምህዞ ምዃኑ ብዙሕ ምርምር’ውን ዘድልዮ ኣይኮነን። ካልእ ኣብ ጽሑፉ ከም መማቕርቲ “ክትበልዓያ ዝደለኻ ኣባ-ጉንባሕስያ ዛግራ በላ” ዝዓይነቱ ንመድረኻውያን ምንኣድን ምኩሕሓልን ከይኣኽሎ ኣብኡ ተሳቲፎም ንዝነበሩ ሰብ ሞያ ብፍላይ ክኣ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብምምጓስ’ውን ክኸስቦም’ ፈቲኑ ‘ሎ።

ኣቶ ጴጥሮስ ብዛዕባ ጅግና ወዲ ዓሊ’ውን ምስ እቲ “ፍሽኽ ኢሉ፡ ኢሂ ደአ ኣሃዱ ዓዲንግሊዝ ምስ በለኒ፡ መንፈሰይ ሕድስ ኢሉ”) ኢልካ ዝጠቐስካዮ ዓንደብርሃን ምውድዳርካ ኣብ እግሪ እቲ ጽሑፍካ ብቡዙሓት ዜጋታት ሓያሎይ ግብረ መልሲ ስለ ዝተዋህበካ ኣይክዛረበሉን ኢየ። ባዛዕባ ሓው ወልዱ ተኽለን፡ ብጻይ ኢሳያስ ኣስፍሃን እውን’ተኾነ ካባይ ዝበልሑን ሰናፋትን ስለ ዘይኮኑ ኣይክትንክፎን ኢየ፣ ባዕላቶም ኣለዉዎ። ኣነ ክዛረበሉ ዝደለኹ ግን ሓው ጴጥሮስ “ ከመኡያ ዝገብርስ ከምኡ ይነግር” ዝበሃል ቢሂል ናይ  ኣቦዋት ሰሚዕካዮ ክትከውን ተስፋ እገብር፡ ኣብ ጽሑፍካ ሓንቲ ጽብቕቲ ነገር እንተሊያታ እታ ንስኻን መሰላትካን  ንንጹሃት ሰባት ከተቋናጽቡን ክትሓምዩን  ብአውራጃ ክትከፋፍሉን ክትገማሙዑን ከም ‘ስራሕ ዝሰኣነት ፈላሲትስ ቆቢኣ ቀዲዳ ትሰፊ” ዝበሃል  እንትርፎ ሒመታ ካልእ  ስራሕ ስለ ዘይብልኩም፣ እንሆ ሕጂ ክኣ እታ ሓቂ ሰርኒቓትኩም እቲ ኣብ ውሽጥኹም ከተሰላስልዎን፡ከተብኩዑዎን እትውዕሉን እትሓድሩን ክፋእ ብኣኻ ኣቢሉ በጨቕ ኢሉ ነቲዑ ምውጻኡ አምስግንካ፡ እዚ  በጨቕታ እዚ ክኣ ኣቶ ጴጥሮስ ናትካን ናይ መሰልትኻን መግለጺ እንታይነትኩም ኢዩ። እንቋዕ! ክኣ ካብቲ ተሓቢእካሉ ዝነበርካ ጉብጥሽ ኣውራጃውነት ወጺእካ ነብስኻ ኣቃላዕካ ክብለካ እደሊ! ደጊም ይኣክል!  ምሳኻን  ምስ ከምዚኸማኻን ዶ ምትእምማን ከይህሉ ።

ካልእ ኣነ ወላ እኳ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ዝተጋደልኩሉን ዝሰንከልኩሉን ዕላማ እንተተጨውየ እቲ ብንጹህ ሃገራዊ መንፈስ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ዘሕለፍክዎ  ጊዜ ወትሩ ብሓበን ኢየ ዝዝክሮ ። ኣነ ከምዚ ከማኻ እኮ ኣብ ቢለቓት ተዓሊመይ ከይዛዘምኩ ብምስምስ ዓይነይ ዶ ምሕኩልተይ ኢለ ማዛኖይን የዕሩኽተይን ንድሕሪት ገዲፈ ኣግዲዐ ንኤውሮጳ ኣይሃደምኩን። ወዲ በዓታይ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ኢኻ’ኮ ትፈልጠኒ ። ኣነ ዝተጋደልኩሉ ዕላማ ንሓደ ህዝብን ንሓንቲ ሃገርን ምዃኑ፣ እንተኾነ  እቲ ዘሕዝን ግን ቀደም’ውን ኣብ ቃልሲ ብኸምዚ ሕጂ ትብሎ ዘለኻ ጸለመ እቶም መሰልትኻ ንማእለያ ዘይብሎም ንጹሃት ሃገራውያን ዘጥፍእዎም ከይኣክል ሕጂ ክኣ ደግሲ፡ ንስኻ እቲ “ንቑሕን ምሁርን ኢየ” ብሃላይ ኣቶ ጴጥሮስ በዓታይ ከምታ ናይ መሰልትኻ ሜላ ክቃወመኩም ንዝፈተነ ንገለ ኣውራጃዊ ንገለ ጅሃዳዊ ብምባል ኣፉ ክትዓብስዎ ትፍትኑ ዘለኹም መግለጺ’ቲ ድሑርን ትሕተ ሃገራዊ ኣተሓሳስባኹም ስለ ዝኾነ በዚ ዝሰናበድ ሰብ ከም ዘየሎ ከዘኻኽረካ እፈቱ።

ኣብ መደምደምታ ኣቶ ጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ (ወዲ ባዓታይ) ክብለካ ዝደሊዮ ነገር እንተሎ ኣብ ዝጸሓፍካዮ ጽሑፍ ኣመልኪቱ ዝወሃበካ ዘሎ comments ወይ ርእይቶ ኣንቢብካ ነብስኻ ክትመዝን እላበወካ፣፣  ብተወሳኺ “ምግጥጣም ሎንዶንን ዱባርዋን ኣጋጣሚ’ዶ ባህርያዊ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ባልነኪ መበል 11 ክፋል ዝተጻሕፈ’ውን ከተንብብ እዕድመካ። እንተ’ቲ  ኣነ ኣብ ዝጸሓፍኩዎ  ጽሑፍ ገና ትሕዝትኡ ኣውራጃውነት ኣለዎ ትብል እነተኾንካ ግን፡ ኣብ ሓደ ከተማ ሓቢርና ስለ እንነብር ኣብ ዝኾነ ቦታ ክብድህካን ክጫበጠካን ቁሩብ ኢየ። ካበኡ ሓሊፈ ግን ንብድሕሪ ሕጂ ኣብ ከምዚ ናትካ ትሕተ-ሃገራዊ ዝኾነ ጽሑፍ ኣትየ፣ ታሕቲ ወሪደ ንእትጽሕፎ ጽሑፋት ክምልስን ክጨማለቕን ከምዘይኮንኩ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸልካ እፈቱ። ዎ!ድሓንካ።

 

ቴድሮስ ተኽለ

15/02/2014 ለንደን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • ተወልደመድህን February 16, 2014

    ከመይ ልሳን ይጦኣም ወደይ ከምዚ ዝ ኣመሰለ ወርጃ ኣዘራርባ ከኣ ኣሎ’ዩ።

  • I Asafaha February 16, 2014

    ካብ ኣበሃህላ ኣቶ ቴድሮስ ተኽለ ዝተወስደ፣-
    “እዚ በጨቕታ እዚ ክኣ ኣቶ ጴጥሮስ ናትካን ናይ መሰልትኻን መግለጺ እንታይነትኩም ኢዩ። እንቋዕ! ክኣ ካብቲ ተሓቢእካሉ ዝነበርካ ጉብጥሽ ኣውራጃውነት ወጺእካ ነብስኻ ኣቃላዕካ ክብለካ እደሊ! ደጊም ይኣክል! ምሳኻን ምስ ከምዚኸማኻን ዶ ምትእምማን ከይህሉ።”

    • ተወልደመድህን February 16, 2014

      እቲ ተቃውሞ ኣብ ጴጥሮስን ሓውን ኣይኮነን።እቲ ጌጋ እዚኦም መድረኽ ብምድጋፎም ኢዮም።ኣብ መድረኽን ኣባላቱን ኢዩ።1,ዓንደብርሃን ክሳብዚ ቅሩብ ግዜ መሳርሒ ህግደፍ ኮይኑ ዝጸንሀ’ዩ።ነቲ ስርዓት ምስጠንጠኖ ከኣ ን5/6 ኦኣመት ህጣሙ ኣጥፊኡ።ሎሚ ኤርትራውያን ብውሽጥን ግዳምን ተቃሊሶም ኣሽሃት ዜጋታት ግደ ሲናይ ባሕርን ምስኮኑ ደኣ እንታይ ኣበገሶ።እቲ ክገብሮ ዚነበሮ ዘይገበሮ ነቲ ስርዓት ምስጠንጠኖ ኣብቲ ናይ ተቃውሞ ደንበ ክጥርነፍ ወይ ብድሕሪት ኮይኑ ክደፍእ ኔሩዎ ንሱ ግን ህግደፍ ከምዘይፍንቀል ሰሪሑዎን ኣትሪሩዎን ስለዝመጸ ኦሮማይ ኢሉ ውራይ ካልኡ ክገብር ጸኒሑ።ድሕሪ ተባዕ ስጉምቲ ጥሪ 21 ተስፋ ዘለዎን ካልእ ለውጢ ምምጻኡ ከምዘይተርፎ ፈሊጦም።እቲ ዝያዳ ከኣ ክሳብ ሎሚ ንዒይስራ ኦኣመት ንቃልዕ ከይወጽእ ዝሃብ ኦ ጽባሕ’ውን ኣጸቢቖም ዝቃላዓሉ ኩነታት ከይርከብ’ዮም ዝተቀላቐሉ።ናይ ኦኣብደላ ጉዳይውን ካብቲ ናይ ዓንደብርሃን ዘይፍለ፡ንኤርትራዊ ምንቅስቃስ በቲኑ፡ንሃገራዊ ግንባር ድዩ ድሕነት በቲኑ ኣብ መወዳኣታ በይኑ ተሪፉ ሕጂ ቆልቅል……ኩሎም ነቲ ንሳትኩም ኣጽውትዎም ኣን ክዘምቶም ዝበለ ኢሳያስ ንምትካእ’ዮም ጥበቦም።ቅንዕና እንተዝህልዮም፡ 1,ኣቐዲሞም ክፉት ምገበሩዎ ኣኼባኦም።ቀጺሎም ይቕረታ ምሃተቱ ( ከም ወድ ቫካሮ ) 2, ኩነታቶም ፈሊጦም ምእንቲ ነቲ ተቃውሞ ከይገማምዑ ከኣ ብድሕሪት ኮይኖም ምደፍ ኡ።ንሳቶም ግን ናይ ሎሚ ሰራሕቲ ናይ ጽባሕ መራሕቲ ኮይኖም ደልዮም።ኣዚ ግን ዘይከውን’ዩ፡በዚ ኢዩ ከኣ ዜጋታት ዝቃወሙ ዘለው.

  • 1234 gebar February 16, 2014

    ዝኽበርካ ተወልደመድህ እትጽሕፎ ርእይቶታት ሃናጽን ጠቓምን ኮይኑ ነቢበ ክርደኦ ኣዝዩ የሸግረኒ፡ ምኽንያቱ መጠነ ብዙሕ ናይ ቓላት ጌጋታት ስለ ዝበዝሖ። ፊደላት ትግርኛ ክትጽሕፎ ቀሊል ከምዘይኮነ ዘንጊዐዮ ኣይኮንኩን፡ ነገር ግን ካብ ሳዕሳዕካስ ተቛጻጸ ስለ ዝኮነ፡ ካብ ጸሓፍካስ መልእኽትኻ ኣንባቢ ብዘይ ዝኮነ ጸገም ምእንቲ ነቢቡ ክርደኦ ቅድሚ ምልጣፍካ (Post) እንተትእርሞ ከመይ ኮን ምጥዓመ። ዘኽብረካ

  • Tes February 16, 2014

    Well said Teddy. Ignore to those sick people and concentrate on the main issue. This is old trick to silenced anyone question them. The best isn’t reply and not to get to their level.Full stop.

  • ZEGiRM February 16, 2014

    THE OLD AND RUBBISH HGDEFAWIAN ARE TRYING TO INSTOL THE OLDE TRICKS OF ISAYAS IN THE MIND OF THE ERITRIAN PEOPLE. NO WAY!!!!!!!
    PETROS WEDI BATY , MESFUN H. ……………..E.T.C. WE ARE AWEAR OF YOU GUYS.YOUR DATES ARE NUMBERD.

  • amanue February 17, 2014

    Tedros you have right to defence yourself, however you are exposed because of you delay character. forget about politics and the time you spend in the field as a fighter since you know how your comrades define you. Petros if full of logics and evidences

    If you have rehabilitate your self and wish to play a great rule in the current Eritrean politics very good and you can be a good rule model to others who are suffering from similarly illness. One thing that you need to understand is Eritrea is equal to the nine ethnic groups in Eritrea.

    If you have political difference with any political party or individual solved the difference maturely.

  • aus 17 February 17, 2014

    What would you expect from this man, Wedi Ba’atay, the agent of conspirancies, the financial source of division, the founder of virus of the oppositions, we know him well.
    How many times has he been in Ethiopia to meet ex- prime mininster Meles Zenawi and for what purpose? We know you and you know it!! what more do you want?
    You gathered your groupies again to snatch some years from our innocent people under different protext, yes enough is enough. The people of Eritrea know you in and out. Even if you pretend otherwise, your inside is still the same like you were.
    Your philosophy is secret, denial, consirancies, negations, search of conflicts, deals paid ect.
    stop malinging Ali, he’s a very good symbol of justice better than you and those whom you follow. Your time has gone forever. Eritrea is richer, healsier, safer, and peaceful without you and your likes.

  • Almaz February 19, 2014

    ወንጮ እንተገልበጥካዮ ወንጮ፡፡ ነዚ ህዝቢ ሰላም ዘትህብዎ፡ ናታትኩም ዕዳጋ ክትብሉ ንምንታይ ብስምና ትሽቕጡ? ኣብዛ ነቕነቕ ትብል ዘላ ዕድሜኹም ተናሒስኩም ኮፍ ዘትብሉ፡ ወይ ድማ፡ ጸጋ እዩ ነዚ ውጹዕ ምዝቢ መርዚ ሰቲኹም ተሰናበቱ፡፡

  • ባሻይ February 20, 2014

    ” ደግሲ” ኣዲኤንዶ ሓትነኤን ይሕሻ ኩለን ሓደ ኢየን ዝለሓሳ። ይብሉ ኣቦዋት፡ ኣቱም ሰባት ንምንታይ ኢኹም ንእሽቶ ቑልዒ ናይ ተቓውሞ ክንዲ ጎቦ ጌርኩም ኣብ ቀዳማይ ቦታ ኣቀሚጥክም ትማናጭትዋ፡ ከም ስጋ ዝረኸበ ኣሞራ በላሊዕኩም ከተጥፍእዋ ደሊኩም። እዞም ሰባት እኮ ሕጂ ክንቃዎም ኢና እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዋላዃ ዘይተነጸረ ኣበጋግሳ እንተለዎም ኣብ ቅድሚ ኩልና፡ እቲ ዝረኣየና ጌጋ ብእዋኑ ብሃናጺ መንገዲ እንተዘያኣረምናዮ ጸርፍን ዘለፋን፡ ጠቐነን ዘርብሓና ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቀዳማይ ብታ ሰሪዕና ክንቃለሶ ዝግባእና እቲ ሽፍታ ስርዓት ሃገር ዝበታትን ዘሎ ኢዩ’በር ነንሕድ-ሕድና ክንጣማመት እታ ጽባሕ ተቓሊስና እንርከባ ሕድሪ ስውኣት ዝኮነት ኤርትራ፡ ባዲማ ክትጸንሕ ኢያ ምኽንያቱ ነንሕድሕድ ክንማጎት ዓቢ ወርቓዊ ዕድል ይሓልፈና’ሎ ብሓደነት ዘይምምካትና። እዚ ሽፍታ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ልዕሊ ዓቕሙ ይንቀሳቐስን፡ ዳግመ ውደባን ይገብር ኣሎ። ምክንያቱ ውድቀቱ ይቀራረብ ኣሎ፡ ንሱ ከናውሖ ይጽዕር፡ ንሕና ከኣ ድርዒ ንውስኸሉ ነንሕድሕድና ንጠማመት። በጃኩም ልቢ የዕብዩ፡ እዚ ዘይምትእምማን፡ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያ፡ ሃይማኖታውን፡ብሄራዊ ፍልልይን፡ ፈትኩም ጸሊእኩም፡ ኩሉኹም፡ እቶም ኣብዛ ቀረባ ኣዋን ፡ ካብ መድረክ ጀሚርካ ኣቶም ናይ ጠቐነን ጥርጠራን ኣተሓሒዝኩ ዝጸሓፍኩም ኩሉኩም ንፍልልይ ዝፈጥር ደኣምበር ከም ደለይቲ ፍትሒ መጠን ንደንበ ተቓውሞ ብኸመይ መልክዕ ከምትሰርዕዎ ንዓይ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ክንፊ ዘለወን ኣዕዋፍ ብሓደ ይበራ፡ ኣይትግበርዎ። ዘዕውተና ኣይኮነን፡ ሃገራዊ ኣራኣእያና ነዕብዮ። ክብ ጸቢብ ኣመላኽታ ወጺእና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጥርናፈ ክንተክል ንቓለስ፡ እንተዘይኮይኑ ብንጹር ውዳቤኩምን ኣቓልሳኩምን ንጹር ግበርዎ ሰዓቢ እንተረኽብኩም። እንተዘይኮይኑ ኣዋድቓ ፈረስ ክንወድቕ ጎርቢ ኣይትኩኑና፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ውዳቤ መድረኽ ዘላኩም። ምእንቲ እዛ ሕድሪ ስውኣትና ዝኮነት ኤርትራን ህዝባን። ኣርርርርርርርርርርርክብ ብማዕረ ተሰራዕ።

  • ባሻይ February 20, 2014

    ” ደግሲ” ኣዲኤንዶ ሓትነኤን ይሕሻ ኩለን ሓደ ኢየን ዝለሓሳ። ይብሉ ኣቦዋት፡ ኣቱም ሰባት ንምንታይ ኢኹም ንእሽቶ ቑልዒ ናይ ተቓውሞ ክንዲ ጎቦ ጌርኩም ኣብ ቀዳማይ ቦታ ኣቀሚጥክም ትማናጭትዋ፡ ከም ስጋ ዝረኸበ ኣሞራ በላሊዕኩም ከተጥፍእዋ ደሊኩም። እዞም ሰባት እኮ ሕጂ ክንቃዎም ኢና እዮም ዝብሉ ዘለዉ። ዋላዃ ዘይተነጸረ ኣበጋግሳ እንተለዎም ኣብ ቅድሚ ኩልና፡ እቲ ዝረኣየና ጌጋ ብእዋኑ ብሃናጺ መንገዲ እንተዘያኣረምናዮ ጸርፍን ዘለፋን፡ ጠቐነን ዘርብሓና ኣይኮነን። እቲ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዕና ክንቃለሶ ዝግባእና እቲ ሽፍታ ስርዓት ሃገር ዝበታትን ዘሎ ኢዩ’በር ነንሕድ-ሕድና ክንጣማመት እታ ጽባሕ ተቓሊስና እንርከባ ሕድሪ ስውኣት ዝኮነት ኤርትራ፡ ባዲማ ክትጸንሕ ኢያ ምኽንያቱ ነንሕድሕድ ክንማጎት ዓቢ ወርቓዊ ዕድል ይሓልፈና’ሎ ብሓደነት ዘይምምካትና። እዚ ሽፍታ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ልዕሊ ዓቕሙ ይንቀሳቐስን፡ ዳግመ ውደባን ይገብር ኣሎ። ምክንያቱ ውድቀቱ ይቀራረብ ኣሎ፡ ንሱ ከናውሖ ይጽዕር፡ ንሕና ከኣ ድርዒ ንውስኸሉ ነንሕድሕድና ንጠማመት። በጃኩም ልቢ የዕብዩ፡ እዚ ዘይምትእምማን፡ ትሕቲ ሃገራዊ ኣረኣእያ፡ ሃይማኖታውን፡ብሄራዊ ፍልልይን፡ ፈትኩም ጸሊእኩም፡ ኩሉኹም፡ እቶም ኣብዛ ቀረባ ኣዋን ፡ ካብ መድረክ ጀሚርካ ኣቶም ናይ ጠቐነን ጥርጠራን ኣተሓሒዝኩ ዝጸሓፍኩም ኩሉኩም ንፍልልይ ዝፈጥር ደኣምበር ከም ደለይቲ ፍትሒ መጠን ንደንበ ተቓውሞ ብኸመይ መልክዕ ከምትሰርዕዎ ንዓይ ንጹር ኣይኮነን። ሓደ ዓይነት ክንፊ ዘለወን ኣዕዋፍ ብሓደ ይበራ፡ ኣይትግበርዎ። ዘዕውተና ኣይኮነን፡ ሃገራዊ ኣራኣእያና ነዕብዮ። ክብ ጸቢብ ኣመላኽታ ወጺእና፡ ሰፊሕ ሃገራዊ ጥርናፈ ክንተክል ንቓለስ፡ እንተዘይኮይኑ ብንጹር ውዳቤኩምን ኣቓልሳኩምን ንጹር ግበርዎ ሰዓቢ እንተረኽብኩም። እንተዘይኮይኑ ኣዋድቓ ፈረስ ክንወድቕ ጎርቢ ኣይትኩኑና፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ውዳቤ መድረኽ ዘላኩም። ምእንቲ እዛ ሕድሪ ስውኣትና ዝኮነት ኤርትራን ህዝባን። ኣርርርርርርርርርርርክብ ብማዕረ ተሰራዕ።

Post a Reply to 1234 gebar Cancel Reply