Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዲ ዓሊ ዝቐልዓ ኩዑሶ ናባና ሕምብሊል ትብል ኣላ ዕሰሊ! ዕሰሊ! ዝብላ ስኢና

ወዲ ዓሊ ዝቐልዓ ኩዑሶ ናባና ሕምብሊል ትብል ኣላ ዕሰሊ! ዕሰሊ! ዝብላ ስኢና   ሕምብሊል ትብል ኣላ ልዕል ኢላ ካባና አርክብ ሕዝ ዘበልናያ ይመስለና ንነጥር ትርሕቐና ለዓለት ተሓተት ንብል ንወድቕ ንትስእ ንዘልል ተስፋ ከይቆረጽና ሕድሪ ወዲ ዓሊ ከቢዱና ስግኣት ከኣ ኣለና ድምጻ ዝሰምዑ ብጽላሎታ ዝሰምበዱ ከም ኣራዊት ሰብ

ወዲ ዓሊ ዝቐልዓ ኩዑሶ ናባና

ሕምብሊል ትብል ኣላ ዕሰሊ! ዕሰሊ! ዝብላ ስኢና

 

ሕምብሊል ትብል ኣላ ልዕል ኢላ ካባና

አርክብ ሕዝ ዘበልናያ ይመስለና

ንነጥር ትርሕቐና

ለዓለት ተሓተት ንብል

ንወድቕ ንትስእ ንዘልል

ተስፋ ከይቆረጽና

ሕድሪ ወዲ ዓሊ ከቢዱና

ስግኣት ከኣ ኣለና

ድምጻ ዝሰምዑ ብጽላሎታ ዝሰምበዱ

ከም ኣራዊት ሰብ ዝሃድኑ ዝጨውዩ ዝቐዝፉ

ምሳና ሕውስ ኢሎም ዕድልና ከየጸልሙትዎ

ከይቅድሙና

ዓይንና ተኺልና

ናብኣ እናጠመትና ከለና

ነቲ ‘ይኣክል! መሰል ህዝቢ ምርጋጽ

ብመሰል ህዝቢ ምልጋጽ!

‘እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር!’

ዝብል ጽሑፍ እናምበብና

ብዙሕ’ዩ ክሕዛ ዝዘልል ዝነጥር

ሒዙዋ ናብ ዓወት ክበጽሕ ዝጽዕር

ኩሉ’ዩ ዝፍትን ቀዲሙ ክሕዛ ክቐልዓ

ናብ ዝሰምዕ ከብጽሓ

ዋላ ናብቲ ተስፋ ሃገር ዝዓቢ ቆልዓ

ግን ስለ ዘይተረኽበ ውፉይ ዘዕስላ

ክሳብ ሎሚ ኣብ ኣየር’ያ ዘላ

ካብታ መዓልቲ ብስራት ወዲ ዓሊ ጀሚራ

ፎርቶ ደይቡ ‘ይኣክል!’ ኢሉ

ደወል ሓርነት ደዊሉ

‘እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር!’

ሓርነት ዘይብሉ ጎዶሎ’ዩ ናጽነት ህገር

ህዝብና ከም ዘይወለደ ተደፊሩ ከይነብር

ሕጂ ደቂ ህዝቢ ምዃና ነመስክር

ብደውና ከለና ብገፋዕቲ ከይንቕበር!’

ኢሉ ዝኣወጀላ

ካብ ሽዑ ብነጋሪቱ ዝባህረሩ ገፋዕቲ

ይደልዩ’ለዉ መሕብኢ ብዓቲ

ንሱ ግን ካብ ስቓይ ወርደት ብገፋዕቲ

ሽግ ሓርነት ወሊዑ መሪጹ ናይ ጅግና መስዋእቲ

ገዲፉሎም ውርደት ነቶም ነቒሎም ዝጠለሙ

ጅግና ከም ዘይነብር ብኣብነቱ ኣመስኪሩ

ታሪኹ ከም ዝውረስ ክቡር ኮይኑ ስሙ

ሕጂ ከኣ መን ዕዉት! ዝምልእ ዕማሙ

ልዕሊ መሬት ዘውዕል ስሙ

ነታ ኩዕሶ ቀሊዑ ንህዝቢ ዓወት ዘበስር

ጅግነቱ ዘመስክር

መሰል ህዝቢ ዘኽብር ዝነግር

እሱራት ክፍትሑ ቅዋም ክትግበር

ተቓሊሱ ዘቃልስ’ያ ትጽበ ዘላ ሃገር

መን’ዩ ካብ ዝሓለፈ ዝምሃር

ክንደይ ኔሮም ምስ ወዲ ዓሊ ዝተሰለፉ

ብስራቱ ሰሚዖም ዝስዓቡ

ንህዝቦም ሓርንተ ከልብሱ ዝሓለፉ

ከም ወዲ ዓሊ ብደሞም ታሪኽ ዝጸሓፉ

ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ከኣ ኣለዉ

ሃለዋቶም ዝጠፍአ ዝተሰወሩ

ኣለዉ ከኣ ጥልመት ዝዕጣቖም ዝዓበዱ

ስዓት ምስ ኣኸለ ዝኽሕዱ

ኣለዉ ከኣ ኣብ መትከሎ ጸኒዖም ዘጽንዑ

መሰል ህዝቦም ከኽብሩ ዝወደቑ

መስዋእቲ ተጋዳላይ ኣሮን ታደሰ ከኣ

ሎሚ ተሰሚዑ

ብ21 ጥሪ ምስ ወዲ ዓሊ ኔርካ ተባሂሉ

ሽዑ ዝተጨውየ ዝጠፍአ ሃለዋቱ

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ስቓይ ምስ ሓለፈ ህይወቱ

ተጠቕሊሉ ንቤተሰብ ዝተዋህበ ሬስኡ

‘መቓብር ሓርበኛታት ኣይምልከቶን’ዩ!’ ተባሂሉ

ሓርበኛ ምዃኑ ብጠለምቲ ዝተኻሕደ ጅግነቱ

ስለዚ ወዲ ዓሊ ተመሊሱ እንተዝርእየና

‘ኣንታ ክሳብ ሎሚ ሱቕ ኢልኩም ትጠፍኡ ኣለኹም?!

እታ ንኣይ ዝረኸበት ጥልመት ዶ ረኺባትኩም!’

ዘይምትእምማን ዶ ሕንቕ ኣቢላ ሒዛትኩም!

ውልቀ መላኺ ዶ ብግፋ ተኽሊት ሰሊቡዎ ልብኹም!

ወይ በታ ፋብሪካ ሓሶት 03 ተሳዒርኩም!

ኢድኩም ሂብኩም ኢኹም? ዘይናየቦኹም!’

ምበለና ምበለኩም

ግን ንወዲ ዓሊ ዝበቅዕ መልሲ ስለ ዘይብልና

ትም ሕትም ኢዩ እንኮ ምርጫና

ክሳብ ብዓወት ንድብሶ ህዝብና

ብተግባር ኣረጋጊጽና እንሆ ንብል መልስና

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 15 ጥሪ 2016

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • murad ali January 20, 2016

    Great poem magnificent and to the point. Thanks ምስሉ ተኪኤ

  • k.tewolde January 25, 2016

    He could have settled for a few nacfa,an suv,a villa and some of the regime’s mediocre perks,but he chose to lay it all on the line for the betterment of his people, leading by example, that is what is all about,anybody ready to follow suit?Believe me there is no direction to go but up,because we are at the bottom of the pit.

POST A COMMENT