Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ‘ሚኒስትሪ ዜና’ – ሰራቕ ሞባእ’ሲ ባዕሉ ይለፋለፍ!?

መራሒ ስርዓት ግህደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰንኪ ‘ቲ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣመሉ ሕዱር ሕማም ኣጥርዩ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ንሕክምና ናብ ቀጠርን ካልኦት ሃገራት ወጻእን ክመላለስ ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ኣብ ዜናታት ተጠቒሱ እዩ። ኣብዚ

መራሒ ስርዓት ግህደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰንኪ ‘ቲ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣመሉ ሕዱር ሕማም ኣጥርዩ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ንሕክምና ናብ ቀጠርን ካልኦት ሃገራት ወጻእን ክመላለስ ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ኣብ ዜናታት ተጠቒሱ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብፍላይ ግን፡ ሕማሙ ኣዝዩ ስለዝኸበዶ ብምስጢር ካብ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ ናብ ወጻኢ ከምዝተመላለሰ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ነዚ ብዝምልከት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ድሕሪ ምዝርጋሕና ድማ፡ እቲ ከምዚ ንዝኣመሰለ ዜናታት ሓሶት ኣምሲሉ ህዝቢ ንምድንጋር ንምስሊ ኢሳይያስ ኣብ ቴለቪዥን ኤርትራ መርኣዪ ዝኸውን ንጥፈታት ምሂዙ ድራማ ዝሰርሕ ዝነበረ ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍ፡ ኣመሉ ገዲፉ፡ ሎሚ ምሸት 22 ሚያዝያ፡ “ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም መንእሰይ ኣብ ብርኩ የስተንፍስ ኣሎ” ክብል፡ ስእሊ ኢሳይያስ ዘይብሉ ወግዓዊ ጋዜጣዊ መግለጺ  ኣብ ቲቪ-ኤረ ዘርጊሑ።

እዚ ዓሊ ዓብዱ ዝመሃዞ ሓድሽ ናይ ቲቪ-ኤረ ኣማተር ጥበብ ግን፡ በንጻር’ቲ ነቲ ዜና ንምግታእን ንምህሳስን ዝነበሮ ዕላማ፡ ህዝቢ “ሰራቕ ሞባእ’ሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ኢሉ፡ ዝያዳ ከምዝህንጠየሉን ከምዝኣምኖን ገይሩዎ ‘ሎ።

ነቲ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ሚኒስትሪ ዜና ከም ኣመል ኣይኡ ንኹሉ ናብ ኣመሪካ ብምጽጋዕ ነቲ ዕቱብ ኩነታት ክሰግሮ ዘካይዶ ናይ ተልሜደን  ፈተነ ከምዘለዎ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ።

ሎሚ ቕነ ስርዓት ህግደፍ ብጥብቂ ምስጢር ክሕዞ ዝፈተነ ጉዳይ ግን ሕማምን ሃለዋትን ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮነን። ማዕረማዕሪኡ ብምስጢር ክካየድ ንዝቐነየ ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ክሓብኦ ምፍታኑ፡ ምስ ክብደት ሕማም ኢሳይያስን ተኽእሎታት ቀጻልነቱን ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዕቱብ ሳዕቤን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ዝእምት እዩ። ነዚ ንኣገዳሲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምስጢር ሰቲርካ ግዜ ብምግዛእ፡ ፖለቲካዊ ግብረመልሲ ህዝቢ ንምዕብዓብ ዝግበር ዘሎ ሃቐነ ግን ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ዕቱብ ኣስተብህሎ ክገብረሉ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
49 COMMENTS
  • helu_emuru@yahoo.com April 23, 2012

    hello Guys it is good news now God leasen our pain and start to treat us mean no more pain PFDJ an his folowers will be go to the dumpe and the real eritrean will brith freash Air. but one thing Isayas will be beared in Qutar or where ever he is like his friend in England all the dectatores tehy are time allready come to say good bye Eritrea Thanx to God . GOD BLESS ERITREA

  • nardos April 23, 2012

    Few Eritreans around the world like you are praying this rumors to be true!!! not ALL ERITREANS!!! you should check what you write, cos i’am sure lots of Eritreans are very sad to hear this, i don’t think we want our country to be witout a leader. we don’t want Eritrea to end up like Somalia.

    He is a dictator but he is our president, we should have some respect, and all this nonsens you people writing isn’t gonna solve anything.

    I pray that he’ll survive from what ever he has and God help him stay a littel longer in this world to lead us in a good way, cos that is what we should be praying not his DEATH.

    • fre April 24, 2012

      You are very dump. do you think there are not very educated Eritrea citizen.

POST A COMMENT