Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወገን

ወገን ፍሥሐየ መብራህቱ   ሃገርና ኤርትራ ንዀርዓላ ዓዲ ብስጉሚ ትስገር ንእሽቶ ከም ዓውዲ ብዙሕ ዝኣስማትና ደቂ ሓንቲ ከብዲ ሓቢርና ንስሰ ካብ ሓደ መኣዲ ውቁብ ዝባህልና ንጋሻ ኣንጋዲ ባህረትና መግለጺ ዘጥረናዮ ልምዲ ብሓባር ጸሪግና ናይ ሰላም መንገዲ ብደም ሰማዕታትና ኣጠጥዕና ጕንዲ ናይ ዓመታት ሕልሙ ፍልልይ ኪወዲ ሓዊ ኪጠብሰና

ወገን

ፍሥሐየ መብራህቱ

 

ሃገርና ኤርትራ ንዀርዓላ ዓዲ

ብስጉሚ ትስገር ንእሽቶ ከም ዓውዲ

ብዙሕ ዝኣስማትና ደቂ ሓንቲ ከብዲ

ሓቢርና ንስሰ ካብ ሓደ መኣዲ

ውቁብ ዝባህልና ንጋሻ ኣንጋዲ

ባህረትና መግለጺ ዘጥረናዮ ልምዲ

ብሓባር ጸሪግና ናይ ሰላም መንገዲ

ብደም ሰማዕታትና ኣጠጥዕና ጕንዲ

ናይ ዓመታት ሕልሙ ፍልልይ ኪወዲ

ሓዊ ኪጠብሰና ደፊኑ ብሞግዲ

ነዚ ሽፍታ መሮር ሓራዲ ጎማዲ

ንዑ ነጠፍሾ ብኣና ነጋዲ።

 

ሃገረ-ቃልሲ’ወ ንእሽቶ ኤርትራ

ዴሳ ዝመሬታ ዕዮኣ ወፈራ

ውላዳ ብዙሓት ዓዶም ደጋ ቆላ

ኣእላፋት ጥሪታ ብሰብ ዘይቍጸራ

ዘሕለፈቶ ጸግም ናይ ቀደም ከይኣኽላ

መን’ዩ ዝህቅን ከእትወላ ቃላ

ዕንወታ ዚምነ ብወገን ቀቢላ

ብሽፋን ሃይማኖት ኪቖርሳ ኪመቕላ

መናፍሕ ፍልልይ ኣሎ የንፍሰላ

ብረቂቕ ውዲቱ ጌሩ ኪሕንኵላ

ርትዒ ዘይፈልጥ እንበለ ሽበራ

ይኣክል ንበሎ ሎሚስ ብሓበራ።

 

ሕማም ወገን የልቦን ኣሎ ግን ዚውገን

ደጊም ይኣኽለና ብልቢ ንጨክን

ንእለዮ ነርሕቆ ካባና ይወገን

ፀሓይ ይብረቐልና ድቕድቕ ጸላም ይህደም

ሕማም እምነት የልቦን ኣሎ ግን ዘይእመን

ብጸብኢ ዚቃጸ መርዛም “ቀይሕ ተመን

ብሰንኩ ዝኃልቁ ማእለያ ነይቢሎም

ክሳዕ መኣስ ኢና ዕድልና ንረግም

መድኃኒት ኣሎና ውጽኢቱ ፍቱን

ሰሱሩ ምሒኻ ብጨርቂ ዝጥምጠም

ንኣና ቅሳነት ንደቅና ሳላም

ብስኒት ክንነብር ክርስትያን ምሰ’ስላም።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • manfree January 12, 2015

    you christain Eritrea until you recognize the right of all Eritrean difference and let the Eritrean decide to whom ethinicities are belong rather than you believe the decision of your master ISYAS rather your god ISYAS WEDI MEDHEN BERAD, Until you come to the truth reconciliation Eritrea will not be a peaceful country. Read your black history from king Hale Selas and try to correct it. we muslim do not have any trust on you because of your hide agenda you have with your HGDF

  • FM January 12, 2015

    Dear Manfree, you might have missed the message of this poem. Eritrean Muslims and Christians did not come together during Haile-Selassie. Eritrean Christians cannot be blamed for Haile-Selassie crimes as Eritrean Muslims cannot be bladed for some of the ELF missteps. However, the Isaias has no religious allegiance as he does not have any humanity except maintaining his power at all cost; using religion and ethnic as a divide and conquer scheme. Finally, history should be a lesson to learn from not a mistake to repeat.
    Peace.

POST A COMMENT