Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወጊሑ

ፍሥሐየ መብራህቱ (2002)   ምውጋሕስ ወጊሑ ፀሓይውን በሪቓ ገና ቲስማይና ወሪስዎ ጣቓ፡   ምውጋሕስ ወጊሑ ወቕቱ ተኸቲሉ ጌና ኣይተሰምዐን ዜማ ናይ ጨራሩ፡   ምውጋIስ ወጊሑ ከምዘይወግሕ የለን ንምንታይ ‘ተንከብቲ ገና ተሓጺረን?   ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ?   ምውጋሕስ ወጊሑ ኣብ ኣጋ ዘራእቲ ጎበዝ ተሳኢኑ ዝጸምድ

ፍሥሐየ መብራህቱ (2002)

 

ምውጋሕስ ወጊሑ ፀሓይውን በሪቓ

ገና ቲስማይና ወሪስዎ ጣቓ፡

 

ምውጋሕስ ወጊሑ ወቕቱ ተኸቲሉ

ጌና ኣይተሰምዐን ዜማ ናይ ጨራሩ፡

 

ምውጋIስ ወጊሑ ከምዘይወግሕ የለን

ንምንታይ ‘ተንከብቲ ገና ተሓጺረን?

 

ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ

ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ?

 

ምውጋሕስ ወጊሑ ኣብ ኣጋ ዘራእቲ

ጎበዝ ተሳኢኑ ዝጸምድ ናውቲ፡

 

ምውጋሕስ ወጊሑ ድሕሪ ዘራጊቶ

ኣብ ዝዓኖ ገዛ ከመይኢልካ ይእቶ?

 

ምውጋሕስ ወጊሑ መሲሉኩም እምበር

ቀልቀልኩም ኣብ በዅራ ንወትሩ ዚስተር።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Trojan July 23, 2018

    ዘለናዮ ግዜ ብግቡእ እትገልጽ እዋናዊት ግጥሚ።
    ንምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብዚ ህጉም ዝኣተወ፧
    መንነቱ ቋንቋታቱ ታሪኹ ውርሻኡ ዝጠለመ ወለዶ ፈቐድኡ እንተተሰደን ኣብ ገዛን ግዳምን ናብ ባርነት እንተተሸጠን የገርም ድዩ?

    “ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ

    ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ?

    ምውጋሕስ ወጊሑ ኣብ ኣጋ ዘራእቲ

    ጎበዝ ተሳኢኑ ዝጸምድ ናውቲ፡”

  • meretse July 23, 2018

    ዘለናዮ ግዜ ብግቡእ እትገልጽ እዋናዊት ግጥሚ።
    ኣነ’ውን ብጊደይ ይበል ኢለያ ኣሎኩ።
    ዝከበርካ/ኪ ትሮጃን፡ መልሲ ንሕቶካ/ኪ———-
    ንምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ከመይ ገይሩ እዩ ኣብዚ ህጉም ዝኣተወ? እዛ ሕቶ’ዚኣ ህዝቢ ኤረትራ ካብ ንክምልሰን ዘሕፍረኦ ሕቶ ኢዩ። ብልሳኑ የማናይን ጸጋማይን ዓይነይ እናበለ፡ ብልቡ ግን ንሓደ ረጊሙ ንሓደ ስለ ዝመረቀ። ዃዕ ዝበለት፡ ኣብ ጸልማት እትበርህ ሓቂ እዚኣ ኢያ። ይተካእ ይለቀም ከኣ፡ ነታ ዝበርሄት ሓዊ ሽጉ ፡ ኮንታተረ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ኣሕሊፉ ሂብዋ። ኩሉ ናትካ ይኩን ኢልዎ። እቲ ዘገርም ዋላ እቲ ብህርያዊ መሰሉ ከይተረፈ ፡ ምሳካ ይጽነሓላና፡ ኣብ ደስ ዝበለካ ትህበና ኢልዎ። ያኢ መሰል ካብ ጅባ ወዲሰብ መሊቑ ዝጠፍእ ኮይኑ። ካብ ኢሰያስ እምበኣር ግደፍ ወለድስ ፡ ብቀንዳ እዃ ኣይትርከብን። ሎሚ ብኩቱር ማይ ጽምኢ ወርወር ይናፍቅ’ሎ። ሎሚ ካብ ዲቅ ዝበለ ጸልማት (ደልሃማት) ንከወጽእ ንብርሃን ሓዊ ለይቶ፡ ኣብሪሃ ደሓን ትእቶ ክሳብ ምባል በጺሑ ኣሎ። ኣባካ ገማዕ፡ ኣባካ ረማዕ፡ ኢሉ ንሓደ ሰብ ዝኣምን ህዝቢ ኣብ መጨረሻ ውጺኢቱ ፡ኡይይይይይይ…ኢዩ። ሓዊ ሽግ ደርብዩ፡ ብርሃን “ሓዊ – ለይቶ” ዘምስግነሉ እዋን ተኣትዩ። ሎሚ’ውን ካብ ቀዳማይ ጌጋኡ እንተዘይ ተማሂሩ፡ ኣብ ዕዳጋ ክንደይ ከይተባህለ እንዳ ተሸጠ’ዩ።

    • k.tewolde July 23, 2018

      “ANE QENA’E AMLAK IYEMO,KALI’E AMLAK AYTEMLKU” >>>> one of the ten commandments, we recited this in azzille, the older we got ……..Haw meretse,the depth of your answer,you never fail to amaze me. WEREJA.

  • meretse July 25, 2018

    Thanks brother K. Tewolde.
    Bilakter yblu Aarab, bilakter yakuy fahim.

  • amanuel sahle July 28, 2018

    I like your poetry, Fesehaye Mebrahtu, it really touched my heart.. “ምውጋሕስ ወጊሑ ሰማይና በሪሁ

    ኣብታይ ካብ መትከሎም ከመይ ዘይተፈትሑ?

  • Fessahaye Mebrahtu August 1, 2018

    Dear Amanuel,

    I wrote the poem when ICC ruled on the border in 2002, which I initially posted on Asmarino.com. I reposted it on Assenna reflecting on the current events.

POST A COMMENT