Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዉርዙይ ባህልን እሩም ወይ ነውራም ስነ-ምግባርን።

ባህልን ስነ-ምግባርን ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፣ ኣብቶም ኣገደስቲ ጥራይ ኣተኩረ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ጆባእ ይብለኩም። ካልኦት ድማ ከምተስፍሕዎ ተስፋይ ወሰን የብሉን። ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ዘሎ ደረጃ ምዕባሌ ናይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ኣቃውማ  Socio-Economic Structure ንባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ይጸሉ

ባህልን ስነ-ምግባርን ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስቲ ስለዝኾነ፣ ኣብቶም ኣገደስቲ ጥራይ ኣተኩረ ዓቕመይ ዝፈቕዶ ጆባእ ይብለኩም። ካልኦት ድማ ከምተስፍሕዎ ተስፋይ ወሰን የብሉን።

ኣብ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ዘሎ ደረጃ ምዕባሌ ናይ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ኣቃውማ  Socio-Economic Structure ንባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ይጸሉ ይውስን። ስለዚ ዝኾነ ህዝቢ ነናቱ ታሪኻዊ ኣመዓባብላ ናይ ባህሊ ልምድን ወኒኑ፣ ስነ-ምግባራዊ ክብርታቱ ሓልዩ ናብ ወሎዶታት እናተሰጋገረ ክኸይድ ግድነት’ዩ። ሓዲሽ ምዕባሌ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ለውጥን ሓዲሽ ወለዶ ናይ ባህሊ ልምዲ ስነ-ምግባር ምቅይያር ክገብር ግድነት’ዩ። እንተኾነ ኩሉ መሰረት ውርሻ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባሩን ፈጺሙ ይፈርስ ማለት ኣይኮነን። ዝጸንሖ መሰረት ባህሊ መንነቱ ክብሪታቱ፣ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ዝሙርኮስ ሕልናዊ ሞራላዊ ግዴታ ደረጅኡ ሓልዩ ይምዕብል ድኣ’ምበር ብመሰረቱ ዝፈርስ ዝቕየር ማለት ኣይኮነን።

ባህሊ፦ ባህሊ ልምድታት ስነ-ምግባርን ከከም መቦቆላዊ ከባቢታቱ ፍልልያትን ተመሳሳልነትን ክህልዎ ግድነት’ዩ። ባህሊ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ናይ ኣለባብሳ ወግዕታት ይገልጽ። ንሃይማኖታዊ እምነትን ስነ-ምግባሩን ይሓቁፍ። ናይ ኣደ ቓንቓን ክብሪታቱን ይውክል። ኣብ ግዜ ሓጎስ ወይ ኣብ ግዜ ሓዘን ክልተ ናይ ኣከባብራ ወግዕታትን ስነ-ምግባራዊ ባህርያትን ይጠምር። መለልዪ ህዝቢ ድማ ባህላዊ ክብሩን ስነ-ምግባሩን’ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ነንሕድሕዱ ዘሎ ናይ ማሕበራዊ ናብራ ንዝምድናታቱ ባህርያቱን ይገልጽ። ንዝተፈላለየ ባህልን ልምድን ዘለዎ ህዝቢ ዝጠምሮ ልዕሊ ኩሉ ምምሕዳርን ሕግን እዩ። ስለዚ ባህሊ ንማሕበራዊ ዝምድናታትካ ልምድታቱ፣ ንሕግታትካ ንምምሕዳራዊ ኣገባብካ፣ ንመንነትካን ክብሪታቱን ብኣጣቓላሊ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ የጠቓልል።

ስነ-ምግባር፦ ETHICS ኣብ ትሕቲ ባህሊ ዝሕቆፍ ሓደ ኣካል ኮይኑ፣ ኣብ መዓልታዊ ሂወት ንባህርያትን ስነ-ስርዓትን ደቂ ሰባትን ተግባሮምን ይጠምር። ምኽንያቱ ስነ-ምግባር ሕልናውን መንፈሳውን መዳያት ይሓቁፍ። ስለዚ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ንዝህሉ መዓልታዊ ርክብ፣ ምስ ከባቢኻ ተዘውትሮ ባህርያት፣ ኣኽብሮት ትሕትና ከም ጽቡቕ ስነ-ስርዓት መግለጺኻ’ዩ።  ስለዚ እሩም ስነ-ምግባር፣ ወይ ነውራም ስነ-ምግባርካ ብእትስከሞ ሞራላዊ ሓላፍነት ከም መለክዒ ማሕበራዊ ክብሪ ይውሰድ። Social Value ምኽንያቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸበረ ወድ ሰብ’ዩ፣ ብተፈጥሮ ከማኻ ማዕረ መሰል ናይ ትውልዲ ኣለዎ። ንሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ምሕላው ድማ ሕልናዊ ግዴታን ሞራላዊ ሓላፍነትን ኣለካ። ተኽብሮ’ዶ ወይ ትግህሶ?

ስነ-ምግባር ምስ ሞያዊ ብቕዓት ተዛሚዱ ይግለጽ’ዩ። ግቡእ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ወይ ብሞያዊ ሸለልትነት ብሕጊ ዘሕትት ይግለጽ’ዩ። ከም ኣብነት ስነ-ምግባር ሕክምና፣ ስነ-ምግባር ጠበቓ፣ ስነ-ምግባር ጋዜጠኛ፣ ስነ-ምግባር ምምሕዳርን ካልእን ዓውድታትን የጠቓልል። ንሱ ንሰብ ሞያ ክገድፎ ኣብ ባህልን ስነ-ምግባር ሓደ ህዝቢ ዘተኮረ ከሰግር’የ።

ውርዙይ ባህልን፣ እሩም ስነ-ምግባርን ህዝቢ ኤርትራ።

ህዝቢ ኤርትራ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነምግባርን ዝዓብለሎ ረዚን ማሕበራዊ ክብሪ ዝውንን ባህልን ስነ-ምግባርን ዝነብሮ ህዝቢ’ዩ። ብኣንጻሩ ገለ ዉሑዳት ሰባት ድማ ስነ-ስሮዓትን ኣኽብሮትን ዝጎድሎም፣ ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ዘለዎም ክህልዉ ግድነት’ዩ። መን ኣበይ ይስራዕ ዝምስክሩ መስትያትካ ህዝብኻ’ዩ። ምኽንያቱ ከባቢኽ ዘሎ ኣካል ህዝቢ ንቃላትካ ይሰምዕ ንተግባርካ ይዕዘብ ስለዝኾነ፣ ንባህልኻን ስነ-ምግባርካን ይመዝነካ ይፈርደካ። ሚዛንን ፍርድን ደቂ ሰባት ድማ ክልተ መለክዒ ኣለዎ። ቀዳማይ ቅኑዕ ሕልና ዘለዎ ሚዛኑ ብሱል ሓላፍነታዊ ይገብሮ። ጉድለት ሕልና ዘለዎ ወይ ፍሉይ ረብሓ ንምቕዳም ምስ ዝሰርሕ ሚዛን ፍርዱ ስምዒታዊ ይገብሮ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት ይህልዎ።

ህዝቢ ኤርትራ “ ውርዙይ ባህሊ፣ እሩም ስነ-ምግባር”  ከምዝነበሮ ከም መለልዪ ሰለስተ ኣብነት ክጠቅስ፦

  1. ዘይጸዓድ ሓያል ናይ ምብዳህ መንፈስ፦

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ሰለስተ ገዛእቲ ሃገራት፣ ምስ ኩሉ ባህላዊ ወራራትን ካልእ ጸቕጥታት መኪቱ’ዩ ተዓዊቱ።

ምኽንያቱ ህዝብና ብዓብላሊ ቁጽሪ ንመግዛእቲ ኣሜን ኢሉ ኣይተቐበለን። ኤርትራዊ ስነ-ኣእምሮን ክብሪ መንነትን ንምርግጋጽ፣ ንመሰሉ ቅድም ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ፣ ቀጺሉ ድማ ንብረታዊ ቃልሲ ተቐቢሉ ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣረጋጊጹ። ሃይማኖታዊ ፍልልዩ ኣኽቢሩ፣ ብሔራዊ ብዙሕነቱ ኣሳቲፉ፣ ናይ ናጽነት ዕላማ ብሓድነት ኣስሚሩ፣ ዘይጸዓድ በዳሂ መንፈስ ሓያል ናይ ተጻዋርነት ባህሉ ኣመስኪሩ፣ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ተቓሊሱ ክቡር ዋጋ ከፊሉ’ዩ ተዓዊቱ።

ስለዚ ንክብርኻ ምቅላስ ዋጋ ምኽፋል ሓደ ካብ መልለዪ ጭዋን ለባም ኣትሓሳስባን ስለዝኾነ፣ “ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ህዝብና” ከም ምንጪ መሰረት ዓወትና’ዩ።

ኣብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ፣ ብገለ ጉጅለ ደቂ ሰባት ዝተፈጸሙ ጉድለትን ገበናዊ ተግባርን ኣይዘንጋዕኩዎን። ምኽንያቱ ብውልቀሰባት ዝፍጸም ጉድለት ንህዝቢ ኣይውክልን’ዩ። ምስ ህዝባዊ ባህሊ ተነጻጺሩ ክግለጽ ድማ ውርዙይ ኣይገብሮን’ዩ።

ብመግዛእቲ ዝዓነወ ባህልን ስነ-ምግባርን ነይሩ ኢልኩም ከምትሓስቡ ድማ ኣይዘንጋዕኩዎን። እወ ባህልና ደረጅኡ ሓልዩ ከይምዕብል ብመግዛእታዊ ባህሊ ተዓጊቱ’ዩ። እወ ኣቦታትና ዋላ ዳሕረዎት መንእሰያትና ወሲኽካ፣ ዝተሰዉኡ ዝሰንከሉ ዜጋታትና ክብርን ሞጎስን ይሃቦም። ዘጋጠማ ስደት ክንደይ’ሞ ክንብሎ። ዝዓነወ ንብረት ኣዲኡ ትቑጸሮ። ብባህሊ መግዛእቲ ዝተበከለ ኣትሓሳስባ ዉሑድ ኣይኮነን። ንኩሉ ደሚርና ኣብ ሞራልን ስነ-ኣእምሮናን ዓቢ ጉድኣት ከምዝወረደና መን ዘይምስክሮ። ኩሉ ሽግር በጺሑና ጥዒምናዮ ንፈልጦ ኢና። ከም ጸበል ንኩልና ለኽዩና ዘይተተንከፈ ስድራ ትከስስ’ዩ ነገሩ። ምስ ኩሉ ሕልኽላኽ ኩነታት ኤርትራ ግና፣ “ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ህዝብና ኣዓዊቱና’ዩ።

ምእዙዝነት ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን’ዩ፦

ካልእ መለልዪ ውርዙይ ባህልናን እሩም ስነ-ምግባርናን “ ምእዙዝነት ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን’ዩ ። ዝኾነ ህዝቢ ዝተፈላለየ ሃይማኖት፣ ዝተፈላልየ መቦቆልን ዝተፈላልየ ባህልታትን ዘለዎ፣ ብሓባር ክነብር ዝጠምሮ ስርዓተ-ሕግን  ምምሕዳርን’ዩ። ህዝቢ ብሕጊ ምእዙዝ እንተኾይኑ ውርዙይ ባህሊ ይውንን፣ እሩም ስነ-ምግባር ስለዘለዎ ድማ ተኸባቢሩ ክነብር ኣየጽግሞን። በደላት ወይ ገበናት ክፍጸም ኮሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ይህልዎ። ምኽንያቱ ብሕልና ይኹን ብሃይማኖታዊ ስነ-ምግባሩ ሕማቕ ስለዘይቅበል ንዝበደሉ ወይ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ሕልናውን ሞራላውን ግዴትኡ ይስከም።

ህዝቢ ኤርትራ ዋላ’ኻ ባህሉ ስነ-ምግባሩ ደረጅኡ ሓልዩ Classical ክምዕብል ሙሉእ ዕድል እንተዘይነብሮ፣ ዝተፈላልየ መጸውዒ ይወሃቦ ብዘየገድስ፣ / ዓዲ ወረዳ ኣውራጃ ዝሰማማዕሉ ሕግታት ነይርዎ።/ ሕግታት እንዳባ ብህዝባዊ ውክልና’ዩ ጸዲቑ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ወረዳ ኣውራጃ፣ ለባማት ውርዙያት መሪጻ’ያ ወኪላ። ህዝቢ ቆጽሊ ከውድቐልካ ድማ ሓደ ካብ ቀንዲ መለልዪኻ ባህርያትካ ተግባርካ’ዩ። ብባህልኻ ውርዙይ፣ ብስነ-ምግባርካ እሩም ክትከውን ኣለካ። ምኽንያቱ ብህዝቢ ዝውከሉ ለባማትን ወራዙትን፣ ብእምነቶም ቅንዕንኦም ዝምስከረሎም እዮም። ሰላምን ዕርቅን ንምንጋስ ይጽዕሩ። ኣብ ግዜ ሽምግልና ጸግዒ ዘይወስዱ ዓገብ ዝብሉ፣ ብፍትሓዊ ባርያቶም ዝልለዩ እዮም። ንሳቶም ኣብ ዝነብርሉ ህዝቢ ሚዛኖም ረዚን፣ ብሓላፍነታዊ ባህርያቶም ተግባሮም ዝተመስከረሎም ተቐባልነቶም ማሕበራዊ ክብሪ ዘለዎም እዮም።

ብህዝቦም ምስተወከሉ ብጀካቲ ቅኑዕ ሕልንኦም፣ ውርዙይ ባህሎም፣ ብመንፈሳዊ እምነቶም እሩም ስነ-ምግባር ደሚርካ፣ ሕጊ እንዳባ ክነድፉ ኮሎዉ ነዊሕ ግዜ ጾይሞም ንኣምላኾም ጸሎቶም ኣዕሪጎም፣ ብምክብባርን ምርድዳእን እዮም ነዲፎሙዎ ኣጽዲቖሙዎ ሕጊ እንዳባ። ህዝቢ ድማ ንዝወከሎም ለባማትን ወራዙትን ኣቦታቱ ዘጽደቑዎ ሕጊ እንዳባ፣ ከም መቐየዲ ናብራ የናብረና’ዩ ኢሉ እምነት ኣሕዲሩ ተቐቢሉዎ። ስለዚ ህዝቢ ንልዕልና ሕግን ምምሕዳርን ተማእዚኡ ምኻድ ረዚንን ውርዙይ ባህሊ ወኒኑ እሩም ስነ-ምግባርን ሒዙ ተኸባቢሩ ማሕበራዊ ሂወቱ ይመርሕ ምንባሩ ርዱእ’ዩ።

ሕጊ እንዳባ ኣብ ኣፈጻጽምኡ ድማ ኣብ ባይቶ ብቕሉዕ ተዘትይሉ ባይቶ ዓዲ ዝውሰን ስርዓተ ምምሕዳር ተቐይዱ ይጎዓዝ ነይሩ። ንዝርኣዩ ሽግራት ብዕርቅን ሽምግልናን ባይቶ ዓዲ ይፈትሕ። ሓሓሊፉ ዘጋጥም ነብሰ ቕትለት ሕነ ምፍዳይ ከይቅጽል ንምዕጋት፣ ካብ ስድራ-ቤት መዋትን ቀታልን ናይ መውስቦ ዝምድና ይፈጥሩ። “ ጋልን ጋርን” ደንጊጎም ደም ምፍሳስ ብመውስቦ፣ ብይቕሬታን ሕድገትን ይፈትሕዎ ነይሮም። ስለዚ ህዝብና ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን ነይርዎ።

ካብ ባህልታትና ድማ ገለ-ገለ ክመሓየሽ ዝግብኦ ከምዝነበረ ዘካትዕ ኣይኮነን። ከም ኣብነት ሕቶ መሰል ደቂ-ኣንስትዮ። ብሞያዊ ስልጠና፣ ናይ ስራሕ ዕድልን ማዕረ ክፍሊትን፣ ካልእ ንጾታዊ ማዕርነት ዘረጋግጹ ረቓሒታት ካብቲ ዝነብሮ ንላዕሊ ምምሕያሽ፣ ግዜ ጻዕርን ዘድልዮ፣ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ዝመሓደር ትምህርቲ፣ ፕሮጀክትን ፋይናንስን ከምዝሓትት ርግጽ’ዩ።

ካልኦት ውርዙይ ባህልን ስነ- ምግባርን ህዝብና፦

ቃልካ ምኽባር መብጽዓኻ ምፍጻም ባህሊ’ዩ። ዝኣተኻዮ ወይ ዝተዋህበካ ሕድሪ ምኽባር። ጽኑዕ እምነትካ ምርግጋጽ ዘይምጥላም። ቅንዕናን ትሕትናን ምዝውታር። ክብሪ ሰብ ምሕላው ዘይምድፋር፣ ምስ ጎረባብትኻ ህዝብኻ ብፍቕርን ሰላምን ምንባር። እሩም ባህርያት ስነ-ስርዓትን ኣኽብሮትን ምዝውታር። ብጽቡቕ ሕልና ንማንም ጽቡቕ ምግባር፣ ሕማቕ ከይትገብር ምጥንቃቕ። ንሕማቕ ተግባር ዓገብ ምባል ባህርያት ብሕልና ጥራይ ዘይኮነ፣ ብመንፈሳዊ ስነ-ምግባር ድማ ሓጥያት’ዩ ኢልካ ምእማን ካብ ሕማቕ ምቑታብ። ሃይማኖታዊ ፍልልያትን  ስነ- ምግባሩን ብሓድሕዳዊ ምክብባር ይጎዓዙ ነይሮም።

  1. ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ዝበሃሉ

ብታሪኻዊ ኣመዓባብላ ማሕበረ ኢኮኖምያዊ ምዕባሌ ዝጽሎ ባህሊ ወለድና፣ ውርሻ ኣትዓባብያና ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ ሰብኣዊ ሕልና’ዩ። ናይ ኣከባቢ ውርሻን ሃይማኖታዊ ስነ-ምግባሩን የጠቓልል። ስለዚ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት፣ ስነ-ስርዓት ዝጎደሎ ሕማቕ ተግባራት ከም መለክዒ ናይ ማሕበራዊ ክብሪ ስለዝውሰድ ወለድና ድማ ኣትሪሮም ስለዝቃወምዎ፣  ከም “ ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን” ይገልጹዎ።

ሓደ ካብ መምዘኒ ድማ “ ክብረትን ስነ-ስርዓትን” ደቂ-ሰባት’ዩ። ስለዚ ብሕማቕ ቃላት ዝጻረፍ ክብሪ ሰብ ዝደፍር፣ ብጉድለት ስነ-ስርዓቱ ሚዛኑ ፈኩስ ይገብሮ። ናይ ሓሶትን ምትላልን ባህርያት ዘለዎ ሰብ እምነት ብምጉዳል ከም ነውራም ባህርያት ስለዝቑጸር ይገንሕዎ ዓገብ ይብሉዎ። ምኽንያቱ መልሓሱ ዘይእዱብ ደፋር፣ ባህርያቱ ስዲ ስለዝኾነ ኣትዓባብያ ዝበደሎ ነውራም ስነ-ምግባር ዘለዎ ሰብ’ዩ ተባሂሉ ይግለጽ። ብሕማቕ ሕልና ዝፍጸም ጉጉይ ተግባር ከም ሰይጣናዊ ተግባር ይገልጽዎ። ብድሑርን ጸቢብን ኣትሓሳስባ ዝፍጸሙ ፈላላዪ ባህርያት ይነጽጉዎ። ትሕትና ዘይብሉ ብኣጉል ትዕቢት ዝጀሃር፣ ንካልኦት ዘናሹ መን ከማይ ኢሉ ዝፍክር ሰብ ክምስሉ ኮለዉ፣ “ ትዕቢት ኣደ ውድቀት’ያ” ይብሉዋ። ነብስኻ ዘይምፍላጥ ካልእ መሲልካ ምቕራብ ንምስሉይ ባህርያት ሰባት ክገልጹ ኮለዉ፣ ርግእ በል ቅድም ነብስኻ ፍለጥ ይብሉ። ስምን ተግባርን ካልኦት ሰባት ብድሕሪት ዘጸልም ዝሓሚ ሰብ ክገልጽዎ ኮለዉ “ ጸላኢ ጸሎሎ ቀባኢ ” በትሪ ሃቂ ትቐጥን’ምበር ኣይስበርንያ። ንኩሉ ግዜ ኣለዎ …. ወዘተ ዝብሉ ዘይሃስስ ምስ ግዜ ዘይወድቕ ምሳሌታት ወለድና ክትሰምዕ ኮለኻ፣ ክሳብ ክንደይ ብሱላትን ለባማትን ከምዝነበሩ ተደንቖም። ምስ መግዛእቲ ብምትእስሳር ዕድል ናይ ትምህርቲ ዘይምርካቦም ኣገናዚብካ፣ ካብ ምህሮሲ  ኣእምሮ ይብሉ። ብኻልእ ኣገላልጻ ናይ ሂወት ተሞኩሮ ባዕሉ ትምህርቲ’ዩ የስምዕ ኢለ ይግምት።

ኣብ ፖለቲካ ድማ ንዝቃወሙካ ስለዘይትጻወር፣ ፍልልይ ናይ ሓሳብ ብሃናጺ ሓሳብ ናይ ምቕያር ዓቕሚ ምስዝጎድለካ፣ ነብሰ-ተኣማንነት Self Confidence ተጥፍ’ሞ ኣብ ምውንጃል ተምርሕ። ንዝቃወሙኻ ንምጥቃዕ ተቐባልነቶም ንምህሳስ፣ ኮነ ኢልካ Intentional ንስሞም ታሪኾም ንምብልሻው ሰፊሕ ናይ ፕሮፖጋንዳ መጥቃዕቲ ተካይድ።

ስለዚ ብጉድለት ሕልና፣ ብድፍረትን ምግሃስ ሰብኣዊ ክብሪን ፣ ብድሑር ባህሊ ጉድለት ስነ- ምግባር ዝረኣዩ ባህርያትን ዝፍጸም ኣዕናዊ ተግባር ከም ፎኩስ ባህሊ፣ ነውራም ስነምግባር ይውሰዱ። ከምዝተጠቕሱ ባህርያት ዝውንኑ ሰባት ድማ ሕልናውን ሞራላዊ ሓላፍነት ኣይስከሙን። ስለዚ እምነት ስለዝጎድሎም ኣብ መዓልታዊ ሂወትን ዝምድናታት ከባቢኦም ተቐባልነቶም ይሃስስ። ፈኩስ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባር ስለዘለዎም ሚዛኖም ይፈኩስ ማሕበራዊ ክብሪ ይስእኑ።

ባህሊ ህዝብናን ኣብ ግዜ ምልካዊ ስርዓት?

ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ድማ ብመግዛእቲ ዝዓነወ ባህሊ ኣብ ክንዲ ዝትክእ፣ ኤርትራዊ ባህልን መንነትን ዘማዕብል ዘስፍሕ፣ ንክቡር ውርዙይ ባህልና እሩም ስነ-ምግባር ህዝብና ኮነ ኢሉ ብመደብ የዕንዎ የፍርሶ ኣሎ። ብኣንጻሩ ንሓድሕዳዊ እምነት ዝጠምር ጽቡቕ ስነ-ምግባር ኣፍሪሱ፣ ናይ ሓሶትን ምትላልን ባህርያት ኣማዕቢሉ። ሓድሕዳዊ እምነት ባህሊ ብምፍራስ፣ ምጽልላምን ምውንጃልን ባህርያት ዓብዩ። ንምስሊ ኤርትራዊ ክብሪ መንነት ዝድምስስ፣ ምስ ጎረባብታን ዓለምናን ዘባእስ፣ ኣዕናዊ ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ከስፍሕ ይጽዕር ኣሎ። እንተ ምእዙዝነት ልዕልና ሕግን ፍትሓዊ ምምሕዳርን ውርዙይ ባህልና ክዕቅብ’ሞ ዘይሕሰብ’ዩ። ጉቦን ምጥፍፋእን’ዩ ነጊሱ ኣሎ። እቲ ዝኸበደ ዕንወት ህዝብና ድማ ኣፍራዪ ዜጋ መንእሰይን ቀጻሊ ወለዶታት ምብራስ ኩላትና ንዕዘቦ ጉዳይ’ዩ።

ናይ ሓደ ህዝቢ መምዘኒ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባርን’ዩ። ወይ ድማ ገለ-ገለ ዉሑዳት ሰባት፣ ካብ ጉድለት ስነ-ምግባር ተበጊሶም ንክብሪ ሰብ ዝዝልፉ፣  ብትዕቢቶም ዝደፍሩ ዝጻረፉ ውልቀሰባት ድማ፣ ዘይእሩም ባህልን ነውራም ስነ-ምግባርን ኣለዎ ኢልካ ንጉጉይ ባህርያቱን ኣትሓሳሳብኡን ንምግላጽ ይከኣል።

ኣብ መደምደምታ፦ ውርዙይ ባህልን እሩም ስነ-ምግባር ህዝብና ፈሪሱ ብኻልእ ኣዕናዊ ነውራም ባህሊ ይትካእ ኣሎ ካብ በልና፣ ንሕና ከም ደለይቲ ለውጢ ድርብ ሓላፍነት ኣለና። መጀመርያ ነብስና ኣብ ደሞክራስያዊ መንግስታት ስለንቕመጥ ነብስይ ብጸጋ ዝነብረላ ሃገር ምቕያር ከምዘድልየኒ ፈሊጠ ክመሃር ዱሉው ዲየ ኢለ ነብሰይ ክሓትት ይግብኣኒ። እንታይ’ዩ ክብሪ ሰብኣዊ መሰል ከም ባህርያትን ኣትሓሳስባን  እንተዘየማዕቢለዮ፣ ብፖለቲካ ጥራይ ለ…ለ….ለ.. ኢልካ ምዝማር ሃናጺ ኣይኮነን።  ስለዚ ነብስና ንህነጽ ቅድሚ ንኻልኦት ምፍራድና ምዝራብና።

ካልኣይ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ከነውድቕ ንብል። ነንሕድሕድና ድማ ክንወናጀል ንውዕል። ናጻ ናይ ምዝራብ መሰል እወ ደሞክራስያዊ ኣዩ። ካብ ናተይ ዝፍለ ናይ ካልእ ናጻ ሓሳብ መሰልከ ስለምንታይ ዘይከብር? ኣነ ብዝደልዮ ኣነ ብዝኣምነሉ ግድነት ተቐበል ወይ ኣንተዘይተቐበልካ ድማ ትቕንጸል ምባል’ከ ይጠቕመና ዲዩ ክፈላልየና እንተዘይኮይኑ። ኣነ ናይ ካልእ እምነት ክውስን ይኽእል ዲየ? ንፍልልይ ሓሳብ ኣኽቢረ ኣብ ዘተ ኣሚነ ንሃሳብ ብሓሳብ ክቕይር ከእምን’ዶ ኣይኮነን ደሞክራስያዊ ዘቑጽሮ። ስለዚ እቶም ንጋገ ዘለና ነብስና (ሕልናና) ንመርምር። እቶም ዘይእሩም ዘረባ ነውራም ባህርያት ንሰምዕ ንዕዘብ ዘለና ድማ ዓገብ ምብል ሕልናውን ሞራላውን ግዴታ ስለዝዘለና፣ ጸግዒ ምውሳድ ቲፎዞ ምኻን ገዲፍና ኣይፋልካን ዓገብ ንበል። ሓቢርና ንክንቃለስ ክሳብ ዘይበቓዕና ህዝቢ ይመውት ኣሎ መንእሰይ ኩሊቱ ይሕርድ ይሽየጥ ኣሎ ጥራይ ኢልና ካብ ምዝራብ፣ ከመይ ከነድሕኖ ከመይ ነዚ ጠንቂ ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ሓቢርና ንቃለሶ ብሓቅነት ክንምልስ የማዕርገልና።

ኣጆኩም ኣጆና ኢደይ ኢድና ንበል!

ንቃልስን ማዕበልን ህዝቢ ዝዓግት ሓይሊ ኣይተፈጥረን!

ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና!

የቐንየለይ

ይቕጽል

የሴፍ መንግስተኣብ  ስዊዘርላንድ

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT