Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ይሓጽባ!

ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ይሓጽባ!  20,02,2018፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ባህር ስነጥበባዊ ዶ/ር በረኸት መንግስተኣብ ጉጅለኡ መሪሑ ኣብታ ናይ ጥንቲ መግዛእታዊት ከተማኡ ንምብጻሕ ከምዝኸደ ሰሚዐ። ብዛዕባ “እኒመን’ዮም መጓዕዝቱ” ዝባሃል ሕቶ ገዲፈ ዑደት ከምሽሙ ’ዑደት’ ጥራይ ይሰ መ’ምበር ዓይነቱ፣ ምኽኒያቱን

ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ይሓጽባ!  20,02,2018፡

ኣብዚ ቅንያት’ዚ ባህር ስነጥበባዊ ዶ/ር በረኸት መንግስተኣብ ጉጅለኡ መሪሑ ኣብታ ናይ ጥንቲ መግዛእታዊት ከተማኡ ንምብጻሕ ከምዝኸደ ሰሚዐ። ብዛዕባ “እኒመን’ዮም መጓዕዝቱ” ዝባሃል ሕቶ ገዲፈ ዑደት ከምሽሙ ’ዑደት’ ጥራይ ይሰ መ’ምበር ዓይነቱ፣ ምኽኒያቱን ደረጃኡን ከምዝፈላለ ግና ንኩልና ቡሩህ ከምዝኾነ ብምግማት፡ ነዛ ናይ ሎሚ ዑደት ስነ ጥበባዊያን እሞድማ ናብታ ናይ ኩሉግዜ ጸላኢትና ኣምሓራ ምቕናዕ ብፍሉይነት ብምጥማት’የ ዝቕልቀል ዘለኹ።

ኣብቲ ንቡር ግዜ ስነጥበባዊያን ብምኽኑይ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ዓላማታት፡ ከምኡድማ ብውልቂ ይኹን ብጥርኑፍ ጉጅለ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ክዘሩ ትዕዘቡ ኢኹም። ንኣብነት ናይ ውሽጥና ተሪፉ’ኳ እንተኾነ፡ ዳርጋ ክልተ ዓመታት ይ ገብር ሓደ ስነጥበባዊ ውላድና ካብ ኣሕዋቱ ተነጺሉን በ’ቶም ኣምሓራ ተኸ ቢቡን “ፍቅር ያሸንፋል” ክብል ሰሚዕና ከምኸዓብናዮ እዝከረኒ። ሽዑ ነቲ መንእሰይ ዝደረኾ ነገር ገዲፍና ዘይሃገራዊ ስራሓት ክስራሕ ስለዝራኣና ጥራ ይ ነበረ ዘይተቐበልናዮ። ምኽኒያቱ ከብርህ ይሕተት እንተሊየ፡ እዚ ናይ ‘ብ ፍቕሪ ምድማር’ ፖለቲካዊ ውጥን ኣብ ኤርትራን ብኤርትራዊያንን ክጅመር ኢዩ ነይሩ’ቲ መደብ። ግናኸስ ከምዘየዋጽኦም ኣርጢቦም ስለዝፈለጥዎ ተፈ ቲኑ ድኣ ተሪፉ’ምበር ኣይቀጸለን።

ሎሚ፡ እቲ ናይ ምድማር ፖለቲካ ኣብ ኢቲዮጲያ ምስተቐልቀለ፡ ምስባህር ን ዊንታን’ቲ ኣምሓራዊ ገዛኢ ፖለቲካ ኣሻቡ ድማ ተናኸሰን ተላብዐን’ሞ ወ ዮም ነብሶም ከም ምሁራት ዝፈለጡዋ ባዶታትን ስሉጣትን ገዛእቲ ከኣ ክሳ ብ ብኤርትራኣ ናብ ኢቲዮጲያ ክትድመር ከምዘቐንዐት ብምሕሳብ ብዓው ታን ትዕቢትን፡ ከምኡ ድማ ብናይ ዘይተሳዓርነት መንፈስን ክትስፈዉ ተሰ ምዑ። “ናይ ምድማር ግዜ መጺኡ” ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ዝተደጎለ እሳተ-ጎመ ራ ብዘይውጥንን ብፍኑውን ምትሕውዋስ ህዝብን ሰራዊትን ስለዝገንፈለ ድ ማ ተተሓናኒቑ ክሰዓዓም ተራእዩ። ክሳብ’ውን ብዘይሕግን ወግዕን ዶብ ስለ ዝተኸፍተ፡ ልክዕ ከም ዝተደርዓመ ሓጽቢ ንኢቲዮጲያ ንዝወሓዘ ህዝብና ን ሃገሩ ዝምለስ ከይመሰሎ ፍጹም ብዓወት ዝሰኸረን ብኩርዓት ዝተበርጠጠ ን ክፋል ህዝቢ ኢቲዮጲያ’ውን ተራእዩ’ዩ።

ከይተደናጎየ ከኣ እንኮላይ ወፍሪ ስነ-ጥበባዊያን ክርአ ጀመረ። ንኣብነቱ ናይ ድምጻዊት ሄለን መለስ ጉዕዞ መቐለ ክጠቅስ እፈቱ። ዑደት ሄለን ብግሩህ ኣጠማምታ ብቁጥዐ ዝመለስሉ ኣሕዋት ኣይተሳእኑን። እታ ቀንዲ ዘኾረየት ነገር “ኣድሃ” ት ብል ዜማኣ ምንባራ’ውን ሰሚዐ’የ። ኣድሃ ማለት እታ “ንበረልና” ትብል ዲያ ካ ልኣይታ’ኳ እንተዘይፈለጥኩዋ፡ ጠንቂ ኩራ ግና ንኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምተደር ሰት ብምቑጻር ከምዝኾነ ዝገለጹለይ ኣለዉ። እንተ ብወገነይ እቲ ላዛን ትሕዝ ቶን ዘለዎ ደርፊ ከምንኢሳይያስ ዝተሓዝአ ዝመስሎ ሰብና ከምዘሎ እፈልጦ ኢ የ። ከምኡ ዝኾነሉ ምኽኒያት በዒንቲ ብልዖት ተራእዩ ዝተደርሰ ወደሰ ጸሓፍት ን ዘየምትን ወይ ድምጻዊያን ዘይኮነ፡ ተብላጽ ጉጅለ ህግደፋዊት ባዶ-ሰለስተ ምዃኑ ኣዳዕዲዐ እፈልጦ ኢየ። እታ ወቃሪት ጉጅለ ከምቲ ካልእ ኩሉ ዝስረቕ፣ ታሪኽን ጀግንነትን ኣውራ ድማ ዝናን ተፈታውነትን ንምብሓት ዓሊማ ኩሉ ከ ምትሰርቕ መን ዘይፈልጣ! ናይ ሄለን ‘ኣድሃ’ ድማ “ንምንታይ ከምታ ይኻኣሎ፣ ከምታ ሓየ’ትዩ ሓርበኛ፡ ናህናን ንዓናን ከምተደርፈት ጌርና ዘይንወስዳ” ካብዝ ብል ሓሳብ ብሰሪ ግርህናና ንዕሱብ ወኪል ገዛእቲ ኣሕሊፍና ክንህባ ኣይመረጽኩዎን። ንነገሩ ወዲትኹል ሕጂ ድማ “ኣ ምባሳደረይ ኣይትምተኒ ንበረለይ፡ ንበርለይ” ይብል ስለዘሎ ንኢሳይያስ ከምዝዘየመሉ ዲዩ ዝመስለና? ‘ኣይትምትኒ’ ዝበ ላኸ ንሰበይቲ ኢሳይያስ ዶኾን ይኸውን? “ኣምባሳዶረይ” ዝብሎስ ንሰመረ ርእሶም ዲዩ? . . . . .

ብካልእ መልክዕ ጓልመለስ ንእሽቶ ወሎዶ ጥራይ ኢያ። ከምቲ ሓደ እዋን ኣብ ሆቴል ኢንተር ኮንቲነንታል ዝተራእየ ነው ሪ ንኢሳይያስ ብሓለፋ ዘጠምት ጸቕጢ እንተጓኒፍዋ ድማ ሎሚ ዝነኣደቶ ኢሳይያስ ጽባሕ ብድምጻ ከምተዳቕቖ ስለዝር ዳኣኒ ኣይሕዘላን ኢየ። እቲ ኣብ መቐለ ዘቕረበቶ መደብ ብሓፈሻኡ ክርእዮ እንከለኹ ድማ ብፖለቲካዊ መልክዑ ብዜማ ስዉእ ኣብራሃም ኣፈወርቂ ሃገራውነትና እናድመቐት ሃለዋት ኣሕዋታ ክትፍትሽ ሓሓሊፋ “ኣለኹምዶ ደቂ ኤረይ” ክትብ ል እናተወከሰቶም፡ በይና ክንዲሽሕ “ብኤርትራዊ ሓበን መሬት ጨዲዳቶ ዝሓደረት ሕርይቲ ድምጻዊት” ኢለ ክምስክረ ላ ኣይማታእን። እኾርዕ ድማ ብድምጻዊት መለስ። ሽዑ ምሸት’ሞ ብሄለን ዘይተዘርዐ መቐለታይ’ውን’ኮ ኣይነበረን።

ሎሚድማ ኮነ’ሞ ዶ/ር በረኸት ኣረጋዊያን ዝዓብለሉዎ ጉጅለ ስነጥበባዊያን መሪሑ ወግዓዊ ዑደት ክገብር ንኣዲሱ ከም

ተበቆጸ ርኢናዮ። ከምሓቂ ኩሎም ስነጥበባዊያንና ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ኩሉ ካብኦም ዝድለ ከምዝገበሩ እኣምን’የ። ናይድ ሕሪ ናጽነት ነገር ግና ኣይከምኡን። ክበልዕ ደለስ ገደል ካብ ኮነ ኣፉ፡ ገለ ፈተውቲ ነብሶም ክህርግፉ ተራእዮም’ዮም። እ ንተ ንሓቁ ብሃገራዊ ወኒ ንዝበልዕዎ ህዝቦም ክኽሕሱ ምተገብአ’ምበር ሎሚ ብዝርአ ‘ፍቕራዊ’ ምድማር ዳግማይ ከም ኣብ ክሳዱ ተቐሪባ ዘላ ሓኽሊ ዘይርኢ ከልቢ ክሳዕ መዓስ’ዩ ክበልዕ ክብል ጭራኡ ከሰልስል? ብከምኡ ክዕቀን ሎሚ ንሳ ቶም ከምሓቢ ተወሓሒጦም ንኢቲዮጲያ ምምርሖም ኣይንጣቛን! ስለኡ ምስገሊኦምስ’ኳ ድሮ’ውን ተናቚትና ኢና። ም ኽኒያተይ ንዝውከሱኒ ንምሕባር ኣነ ክብሮም ክዕቀብ ካብ ዘለኒ ምንዮት’ምበር ዝተደፋፋእናሉ ደረት ስለዘሎ ኣይኮነን።

ስነጥበብ ብቀሊሉ ተነቃፊ’ምበር ተናኣዲ ከምዘይምዃኑ ኣጸቢቑ እርዳኣኒ ኢዩ። ምስ’ቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፖለቲካ ብምዝ ማድ ንሳቶም ከኣ ዝተባህልዎ ክገብሩ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ተመሲሉ ክዝረብ’ውን እሰምዕ’የ።እ ንተኾነስ ምስ ክንዲ መስዋእቲ ዝበጽሕ ካልእ መገዲ ዝመረጹ ሰብዝና ሃገራዊያን ብምንጽጻር እዛ ምኽኒት’ዚኣ እታ ንዓ ይ ዘይትዋሓጠለይ ብህሎ ኢያ። ዕጥቅን ትርግታ ልቢ ህዝብን’ኮ እቲ ልብን ቀልብን ህዝቢ ዝተቐነተ ስነጥበባዊ’ዩ። “እን ታይ ኣማራጺኸ ኣልይዎም?” እናተባህለ ዝቐርብ ምክኒት ግና ቁስልኻ ካብ ምሕባእ ሓሊፉ ቅቡል መገላገሊ ኣይኮነን።

እስከ ንኩሎም ብዶ/ር በረኸት ክንውክሎም ስለዝሓይሽ ብዛዕባኡ ገለ ክብል። ከምቲ ዝበልኩዎ ሎሚ መዛንኡ ኣብ ዝበ ረሱሉ እዋን ንዝተሓተቶ ሕቶ በምሕርኛ ክምልስ እንከሎ፡ መድረኽ ደይቡ እንታይ ክዝምር ይደሊ ከምዝነበረ ክፍትሽ እንከለኹ ንርእሰይ ስለዝሓንከሉ ባዕሉ ዝብሎ ምጽባይ ከምዝሓይሽ መሪጸ ሓለፍኩዋ። ሓንቲ ነገር ግና ርግጸኛ ነይረ። ፈተዉ ጸልኡ ኩሎም በቲ ኣብ ከርሶም ዝተደርገመ ውዲት ኢሳይያስ ሕሙሳት’ኳ እንተኾኑ፡ ካብ ሳዕስዑስ ብሒም ከይ በሉ ድማ ክቆጻጸዩ ከምዝነበሮም’ውን ኣዕሚቘ ተረዲአዮ ኢየ። ካብ ዘይወሰኑ ማለት’ምበር ካልእ ኣማራጺ ኣይተሳእነን!

ዶ/ር በረኸት መንግስተኣብ ከምቶም ካልኦት ሃገራዊያን መዛንኡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ኮይኑ ብዘጎሃሃሮ ሃገራዊ ስምዒት እጃ ሙ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ወርቂ ሚለኑ ከናዲ ብኣካል ናብ በረኻ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝወፈረሉ እዋን ዘይሓሰበሉ ተደራ ቢ ገድሊ ድማ ኣጓነፎ። ዘባኣሰ ነገር ኣይፈለጥኩዎን ጥራይ ስለዘይጠዓሞ ካብ ሻዕቢያ ቀጥታ ናብ ተሓኤ ገጹ ተነቑተ። ኣ ብኡ ኮይኑ’ዩ ድማ፡ “ዋህዮ ንየውበላ ሕሹኽሹኽ ዝኣመላ” ክብል ንብሻዕቢያኣ ዝረፍተታ።

በረኸት በረኻ ተሓኤ’ውን ከምቲ ዝተመነዮ ምዃን ምስኣበዮ፡ “ዓደይዶ ጸሊአ’የ ዘይትሓልፍ ርእየያ ሻላማላ ርእየያ” ብዝ መስል’ዩ ብበረኻኡ ናብ ዳግማይ ስደት ንሱዳኑ ዝነጎደ። ናጽነት ምስተረኽበት’ዩ’ውን መብዛሕትኦም ኣባላት ተሓኤ ኣዝ ጊቦም እንከለዉ ንሱግን ብሞንጎኝነት ናይ ሽዑ መቕርቡ ይኹን ወዲዓዱ ዶ/ር ናብታ ብድምጹ ከምሕሱም ዝጸውዓን ብ ኣካል ወፊሩ ዘናደያን ሃገሩ ክምለስ ዘንቀደ። ብዛዕባ ምስ ናይቲ ሽዑ ከም ‘ዋና’ታ ሃገር’ ዝቑጸር ዝነበረ ግዜያዊ ፕረሲደን ት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝተገብረ ናይ ኣማላድነት ውዕል’ሞ ዝፈለጥኩዎ ነገር የለን።

በረኸት ድሕሪ ናጽነት ኣስመራ ምስኣተወ ነታ ናይ መግዛእቲ ዓዱ /ኣዲስ ኣበባ/ ክበጽሓ ስለዝነበሮ ምስ’ቲ ከም ሕሱም ዝረበጾ ናይ ናጽነት ጸብለልታኡ እናተሃንፈፈ ተደርገማ። ክምለስ እንከሎ እንተዘይተጋግየ ተጋሩ ኣብ ዓዲግራት ክብ ዝበ ለ ኣቀባብላ ከምዝገበሩሉን፡ ንሱ’ውን ኣብቲ ንክብሩ ክድግስ ዝተዳለወ ፈረስ ዘጋልብ ዳስ ክራሩ ተኾልዂሉ፡ “ትግራይ ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ፡ መሰረተይ-ክብረተይ” እናለ ከምዝዘመረን፡ ነብሰይ ድማ ጉንነት ከምተሰማዓን እዝከረኒ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሄቴል ምስፋሩ’ሞ ነገራቱ ስለዘይተበርሆ ንግዜያዊ መንግስቲ ብጎቦልቢ ዝዕዘቦ ዝነበረ ኮይኑድኣ ተስማዓኒ።

ብሂወት ዘሎ ኩሉ ከምዝርኢ ከኣ ኣብቲ መስርሕ በረኸት መንግስተኣብ ተቓዋሚ ክንሱ እናተጸየረ ኣብ ሕቑፊ ‘ዋህዮ’ ክ ምዕቐብ ተዓዚበ ተሓጎስኩሉ። ምሕቛፍ ግዳ ቀቀሊሉ። ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ዋህዮ እንከሎ ዳግማይ ኲናት ተወልዐ’ሞ ንሱ ድማ ንሃገሩ ብሞያኡ እጃሙ ከበርክተላ ብምሕሳብ፡ ኣብ ምርኢት ሜዳ ንግስተ-ሳባ ኣምሰያ ሽራራ፡ ባንዴራ ሃገሩ ተቐኒ ቱ በቲኩሉ ዝብህጎ ድምጹን ምኡዝ ቃላቱን “ሃገር ጥራይ ትሃሉ’ምበር ‘ታይ ዝኸውን ምንባር” ብዝብል ኣሻማዊ ቃላትን ሓርፋፍ ቃናን ምስተሰራሰረ ነገራቱ ጋን ኮነና።

“‘ታይ ዝኸውን ምንባር፡ ሃገር ጥራይ ትሃሉ?’ ኢልካኸ እንታይ ዘረብኡ’’ዩ?” ኢሉ ዝተዓንደ ኣይወሓደን። ካልእ ኣይኮነን ጥራይ ካብ ዘይምርድዳእ ይኸውን ህዝባ እናጸነተ ሃገር ጥራይ ትሃሉ በበይኑ ስምዒት ዝፈጠረት። ምስጢር ናይቲ ሃገር ጥራይ ክትህሉ ዘሕልም ስንክሳር ፖለቲካ ድማ መን ካባና ይፍታሓዮ? ገሊኦም’ሞ “ዒራ ደቁ ኣብውግእ ዘይጥበሱ” ክብ ሉ ሸምጠጥዎ። ኣነ’ውን ንድሕሪት ተመሊሰ ንዘይርዳኣኒ ነገር “ከመይዲዩ’ዚ ፖለቲካ ሃዘጋ-ጸዓዘጋ” እናልኩ ነገር ይኣጉድ ‘ሞ፡ መመሊሱ ድማ ይሕባኣኒ! ምናልባሽ ዶኾን ሳላ ከምኡታት ይኸውን በረኸት’ውን ዶ/ር ብዝብል መዓርግ ዝደመቐ?

ዘመነ ብፍቕሪ ምድማር’ኳ እንተበጻሕና ገደደ ግና ናይ ሎሚ። ዶ/ር በረኸት ዝመርሓ ህዝቢ-ብህዝቢ ዝዓይነታ ጉጅለ ስ ነ-ጥበባዊያን ከኣ ንወያ ንሱ ከምዓዲ ጀጋኑ ዘወደሳን ዝኾርዓላን ትግራይ ጎሲያ’ያ ባሕሪዳራ ዝተደርገመት! ንሱ ንወያ ዋላ ብዘይህዝባን ብዕድላን ክትህሉ ዝምነያ ሃገሩ እናተዘምተተት ናብ ዘመትታ ብምኻድ ሃገር ከምዘላቶ ኣእሚኑ ሕውነት ክ ሓቁፍ ምፍታኑስ ምስ እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ውሕልነት’ኮን ትሓስቡሉ? ከምዚ ኣብ ኣርእስቲ ዘቐመጥኩዎ ዳዊት ም ሕጻብ ኮይነዶ ተራእይኩም? እንተ ህዝቢ ባሕሪዳር ናይ ፎእታ ጉቡእ መልሲ ሂብዎ ኣሎ። ንሱን ጉጅልኡን ድማ ኣብ ጥ ርሑ መድረኽ ባዕሎም ንነብሶም ሸንኮለል-ሸንኮለል እናሉ ክቆጻጸዩላ ተራእዮም።

ኣብ ጥራይ ሂላ ኬንካ ከም ኣብ ቅድሚ ተዓዛቢ ባዕልኻ ንነብስኻ ከተታልላ ከምዝካኣል ንከም’ኒ ተስፋይ ፍሒራ ሓድሽ ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ንሱ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ገፊሕ ኣዳራሽ ኮይኑ፡ “ይኣኽለካ ውቂያኖስ ሃብቲ” እናለ ክቆጻጸ ምስ ተራእየ ከምተሳሕቀ ክሳብሎሚ ‘ውን ኣይተረድኦን ይኸውን። ናይ ናቱ ድማ ምጎሰናዮ። ገደደ በረኸት ሎሚ ንብምልእታ ጉጅለኡ ምምርስሑ! እምበር ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ይሓጽባ!!

“ኣዲኣ ገዲፋስ ሓትናኣ ትናፍቕ” ክብሉ ድማ ተሰሚዖም ገለ ደቂ ትግራይ! ገሊኦም’ውን፡ “ህዝቢ ናብ ትግራይ፡ ደርፊ ና ብ ኣምሕርኛ!” ኢሎም ክዕጀቡ ተራእዮም። ናይ ገሊኦም’ሞ ፍጹም ዓዲ ዘየጋብር ኢዩ። ይብሉ’ለዉ፡ “ናጽነት ዝሃቡኻ ገ ዲፍካስ ናብ ብታንኪ ዝሓምተሉኻ ዞኽ-ዞኽ!” ኢሎም ዝጸሓፍዎ እንተተንቡቡ እንታይ ምተሰማዓኩም?

ሓቆም’ዮም፡ ኣብ ትግራይ በረኸት “ትግራይ ዓደይ” ኢሉ ክንዲ ዝደርፍ፣ ፍሒራ ክንዲ “ትግራወይቲ ኣዴና” ኢሉ ዝቆጻ ጸ፣ ወዲትኹል “ይካኣሎ ኩሉ ዝካኣሎ” እናለ ክንዲ ዝእርእር፡ ኣብ ባሕሪ-ዳር ከይዱ “መን ኣሎ ከማኻ ህዝቢ ኤርትራ” ኢሉ እንተጨደረን እንተጨመሩን መን’ዩ ዝሰምዖም? እኳድኣ ብጎድኒ ነታ ጉጅለ ዝተጻሕፈ ዋሕዚ ርኢቶ ሓፊርናሉ!

ሕፍረትና ንኢሳይያስ ከም ጓጉድ ጸባ ምሕንፋፍ ኢዩ። ምኽኒያቱ እንተትሓቱኒ “ኩሎም ሰብ ዓላማ” ምበልኩ። ከመይሲ ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ዘኽብደሉ’ምበር ዘፋኹሰሉ ሰብ ኮነ መንግስቲ የለን። ግናኸ ግዜ ዝሃባ ኣድጊ’ውን’ኮ ጅርባ ማይ ጽዒንካ ክንዲ “ቻ ነብሲ” እናልካ ብቅብጥሮሽ ትኹብኩባ፡ ከም’ቶም ሰዓት ዘእሰሩዎም ደቂ ህግደፍ ኣድጊ ጅርባ ማይ ጽ ዒና “ቻ ነዳፍ ወዲ ሓፋሽ!” እናለት ክትጅፋዓካ ትኽእል’ያ። ኣድጊ ሓፋሽ ’ከኣ ንኩሉ ብትዕግስቲ ይጸሮ። ክሳብ ግዚኡ!

እቲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ርክብ ምስ ህዝቢ እንታይ ከምዝመስል ብክውንነቱ ክትንተን ይካኣል። ሃገር ክትውረር በዒንቶ ም እናረኣዩ ብስም ማሕላ ሰልፊ ከም እንቁርዖብ ነቲ ዓርዳድ ጻውዒት ከድምቑሉ ምእንቲ ንዘይምልከቶም ደድሕሪኡ ክ ንቅዉኸድኣ ካብቲ ቀላጥ ጥልመት ብምንታዩ ይፍለ? በየናይ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ ምስምስ ኢዮምከ ንህዝቦም ከረድ ኡ ዝካኣሎም? ዘይስንኻ ሑጻ ክቑርጠሞ ቀሊል ስለዝኾነዲዩ ሓኾም፣ ሓሸምሸም ኢሉ ዝሸራረፍ ኣስናን ዘየጉሂዮም?

“ክራኣያ ክብላ ይእረያ” ይባሃል ደቀናጹ ምስደማሙ ክዋሰባ ስለዝተለቕማ። እቲ ኣብ ሃገራዊ መርገጺኡ ዘይወላወል ዝነ በረ ዶ/ር በረኸት፡ ህዝባስ ባዕሉ ይፈልጥ እታ ንሳጥራይ ብክብርታ ክትህልወሉ ዝተመነያ ሃገር ትሕቲ ናጽነታውን ሃገራ ውን ክብሪ እናተደመረት ብስም ህዝባዊ ርክባት ክጸናበር ምፍጣኑ እንታይ’ዩ ሽንኑ? ረሲዕዎዶ እቲ ብዜማኡ ክፈስስ ዘር ኣየና ፈለግ ቀይሕ ደም ህዝቡ በረኸት? ዶስ ኣብ’ቲ መዓልቲ ምምላድ ብዝኣተዎ ተጽዕኖ ተገዲዱ?

“ማሕላ ቀታሊ፡ ጥንሲ በላሊ” ይብሉኹም ከምዚ ክርከብ! እቶም ብህዝቦም ክብርን ሞጎስን ዝማዕረጉ ክብለሉ ብምርኣ ይና፡ “ጸላኢና ክልትሳዕ ይርአ” እንተበልናኸ ብህሎና ብቋንቋ ፖለቲካ ህግደፍ ምውርዛይ ድዩ ወይስ ዓጋመታይ ክቑጸር?

እንተ ንሓቁ ስነጥበባዊያንና ከምቲ ኣብ ምብርዓን ዘመነ መግዛእቲ፡ ኣብ ዘመነ ዳግማይን ዕሱብን ደግስታት ዝህልወኩም ተራ’ውን ወሳኒ ክኸውን እናተጸባና ብዝኾነ ጣቓ ክትድመሩ ክትጓየዩ ምርኣይ ግና የኽዕበኩም ኣሎ’ሞ፡ ክትበልዑ ክትብ ሉ እንተዘይተበላሸኹም ይሓይሽ። ልዕሊኩሉ ከይትበላሸዉ ምእንቲስኒ ተንኮል ኢሳይያስ ከምዘይፈለጥኩሞ ኣጎምዚኹ ሞ ክትሓልፉ ኣይትሕሰቡ። ኣሳፊሕካ ሞት፣ ተኾርሚኻ’ውን ሞት ስለዝኾነ ከምቀደምኩም ምውሳን ይሕሸኩም ማለተ ይ ኢዩ። እንተዘየሎ ኢሳይያስ ባዕሉ ልኢኹ ተገምጢሉ ጨርቂ ከዕጥቐኩም ምኢንቲ’ዩ ኣብ ባሕሪ-ዳር ከምዘይትኾርዑን ከምትናዓቑን ዘሰርሓልኩም። ንሱ ይስሕቀኩም፡ ንስኻትኩም ግና ያኢ ክትእመኑ ክትብሉ ክንድኡ ትርህጹ! ጉድ!!!!

ብዛዕባ’ቲ ኢሳይያስ ከምቀዳምነቱ ዝወስዶ ናይ ከባቢና ፖለቲካ ዝመጸ ድማ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘርኣየቶ ተኣ ምር ዝተደነቐት ዓለም ጋና ሕጂ’ውን ሃገርና ትንግርቲ ከምትሰርሕ ትኣምን ኢያ። እታ ዓወታት ህዝቢ ምብርዓን ዝኣመላ ኣመሪካ’ውን፡ “ኤርትራዊያን’ኮ ብናይ ሰላሳ ዓመታት ቆራጽ ቃልሲ ዘምጻእኩማ ሃገርኩም መን ይትንክፈልኩም! ግናስ ጸ ገምኩም ከባቢኹምን መራሒኹም’ን ኢዮም” ኢላ ከምፈታሒት ሽግርና ኮይና ብስዉር ሓደስቲ ቀተልትና ኣዳሊያ ከተ ኹዘዚ ኢያ። ደምና ንዝሰተየ ጉዳይ ዶብና ዘደስከለ ቀዳምነት ኣመሪካን ኢሳይያስንሲ ርኢናዮ። ቀዳምነት ስነጥበባዊያንና ኸ ኣየናይ ኢዩ? ባሕሪ-ዳር ነጒድኩም ነቲ ዘይጸሪ ባህሪ ገዛእቲ ብባራኪና ጀፋፊዕኩም ከተጽርዩ? . . . . ሕልፈት!

ኣይትትዓቡ፣ እታ ምስልኹም ክትርእዩላ ትቐርቡዋ መስቲያት ናይ ዘይንስኹም ስእሊ ተርእየኩም ከምዘላ እናረኣኹም ብናይ ሓሶት ቃላትን ምስልን ክትደዓዓሱ እንተፈቲንኩም ከምቲ ዮኑስ ዝበሎ ብሓቂ መሓዛ እንስሳ ኢኹም። እንተ ነገር ኢሳይያስ’ሞ ብኡጥራይ የሕልፈልኩም እምበር ኣብ መገሻኹም ግደፍ ማይ ዓሚኹካ ምትራፍሲ ከምቲ ናይ’ኒ ኪሮስን ኢያሱን ምዝልሓጥ’ውን’ኮ ኣሎ! ከምታ ባህሊ ወያነ “ጸዲፎም” ተባሂሉ ምጉሓፍ’ውን’ኮ ኣሎ!

“ኣዒንቲ ኣባይ ይድፈነልኩም”’ እናልኩ የጻሉት ኣለኹ፡ ኩሉ ንዓና ስለዝኾነ መታን ገሌኹም ኣብኡ ከይትዝልሓጡ።

ጸጽቡቑ ኣስማዓና ፈጣሪ ኩሉ ዓለም!!!

ወዲ ጥሮታ፡

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Deglel February 21, 2019

    Weak Eritreans shame to Africa. One mad man orders the whole people inside and outside the shameful country.

  • ዝበረቐ ጽሓየይ February 22, 2019

    እቲ ኩነታት ዘርእዮ ዘሎ እዚ ናይ ምድማር መንፈስ ንመንግስትና ጥራይ ዘይኮነስ ንስነጥበባውያንና ንተኸተልቲ ሃይማኖት ንብዙሓት ደገፍትን ተቓወምትን ህግደፍ ብዓቢኡ ድማ ንሓፋሽ ህዝብና it appears to be a win= win =win situation. USA & the west want it ,our neighbours even the Arabs want it .And majority of Eritreans want it.
    ህዝብና ካብ ንበይንኻ ምጭፍላቕ ሓቢርካ ምድላኽ: ካብ ንበይንኻ ጥሜት ሓቢርካ ዕቤት : ካብ ተገንጺልካ ትጉነ ተደሚርካ ትስመ ዝመረጸ ይመስል ፠

  • Hidat February 24, 2019

    ወዲ ጥሮታ ኢሰያስ ከምዚ ኢሰያስ ከምዚ ክትብል ዓሪቡካ ኢሰያስሲ ኑክሌር ቦምብ ድዩ ዋላ ኑክሌር ቦምብ ተዓጢቁ ኢዪ ዝከይድ ንኤርትራ ይሸጣ ኣሎ ዝብል ዘረባ እንታይ እዩ ክርቦሖ??ዶ/ር በረከት ድሕሪ ነጽነት ናብ ሃገሩ ምምላሱ ዘሕመመካ ኢካ ትመስል እንደገና ኣብ ወራር ወያነ እንታይ ዝከዉን ምንባር ኢሉ ትብል ተመሊስካ ሃገር ተሸይጣ ……..ካብቲ ፓለቲካዊ ትሕዝትኡ ኣብ ንቅያ ዘበለ ትግርኛካ ተማሪከ ዓጀብ………….ድሓር ከኣ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ሀገራዊ ዶብና ይትሓንጸጽ እንዳበለ ፈቀዶ ቤት ጽሕፈታት ሰላማዊ ሰልፊ ክወጽእ ከሎ መናዋሕቲ ስልጣን ዲክታቶር ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም ኮራኩር ኢሰያስ……..ወ.ዘ.ተ ይብሃል ከም ዘይነበረ መንግስቲ ኢትጵያ ተቀቢለዮ ምስ በለ ግምጥል ኢልካ ዶብና ይትሓንጸጽ። ዋእ

Post a Reply to Deglel Cancel Reply