Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና; ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና  ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም    02/09/2014   ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ገዛና ዝበቖለ እሾኽ መርገም፣ በብቑሩብ እናኣስፋሕፍሐ ምድሪቤትና ካብ ዝወርሶ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ገዛእ ውሻጠናን ምድሪ-ቤትናን፣ ማሚቑና ክንድቅስስ ይትረፍ፣ ድርኲኺት

ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ብመንገዲ ኢትዮጵያ

ፖሊሲ’ዶ ብልሽውና

 ወይስ ልሙድ ኤርትራዊ ባህርይ

ታደሰ ኪዳነ    በርሚንግሃም    02/09/2014

 

ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ገዛና ዝበቖለ እሾኽ መርገም፣ በብቑሩብ እናኣስፋሕፍሐ ምድሪቤትና ካብ ዝወርሶ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ሎሚ ኣብ ገዛእ ውሻጠናን ምድሪ-ቤትናን፣ ማሚቑና ክንድቅስስ ይትረፍ፣ ድርኲኺት ሰገርና ንብረትናን መረበትናን ክንርኢ’ውን ዝፍቀድ ኣይኮነን። ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ናብ ስደት ግዒዙ። ዘዝጎበዘ ድማ ተር ከም ዓተር ኮይኑ የርክብ ኣሎ። ልሙዕ መሬትና ቃዲሩ፣ ዝዓበናሉ ገዛውቲ ዓንዩ፣ ወራሲ ስኢኑ። ዘዕበዩና ወለዲ ኣሪግም፣ ቀባሪ ስኢኖም። ኣዋልድና ዝምርዓወን ስኢነን፣ ብዙሓት ተሰዲደን፣ ዝተረፋ ድማ ናብ ደምሒት ከቋምታ ጀሚረን። ንሱ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣብ ዘዝኣተናዮ ዓዲ ኣደዳ ጭውያን፣ ግዳያት ነጋዶ ደቂ-ሰብን ኮይንና።

 

ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ውልቃዊ ናይ ስልጣን ጥሙሕ ዘገድሶ፣ ሰባት እናበልዐ ዝኣተወ ጉጅለ ኢዩ። ፖለቲካዊ ስልጣን ብሒቱ ስለ ዝመጸ፣ ናይ ሰላም ኣየር ከነስተንፍስ ኣይፈቐደልናን። እቲ ንውግእ ከም መህድኢ ውሽጣዊ ቅልውላውን ፖለቲካዊ ጥፍሽንኡን እናተጠቕመ ዝመጸ በታኒ ጉጅለ፣ ኣብ ነንበይኑ እዋናት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ኲናት እናወልዐ ሰላም ነፊጉና። ንዝኾነ ኣማራጺ ሓሳብ ዘቕርበ ይኹን፣ ኣከያይዳና ነጸብቕ ዝበለ ብዘይ-ንሕስያ ጨፍሊቑዎ። ከምኡ ኢሉ ካብ ገበን ናብ ገበን እናተሸመመ፣ ምስ ገዛእ ህዝቡ ኣብ ዘይዕረቐሉ ደረጃ በጺሑ። በቲ ሕሉፍ ገበናቱ ስለ ዝሰግአ ድማ፣ ነቲ ‘ክገብር ይኽእል’ዩ’ ዝበሎ ክሳብ 50 ዓመት ዝበጽሕ ኤርትራዊ ወለዶ፣ ምንባር ስኢኑ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ገይሩዎ።

 

ዋሕዚ መንእሰያት ኤርትራ ቅጥዒ ምስ ሰኣነ ድማ፣ ምስቶም ካብን ናብን ኤርትራ ብኮንትሮባንዶ ሰባት ዘመላልሱ ዝነበሩ ሸፋቱ ረሻይዳ ሽርካ ብምዃን፣ ተረባሒ ንግዲ ዜጋታቱ ኮይኑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ መሸጣ ኣካላቶም’ውን ኢድ ነይሩዎ ኢዩ። እቲ ጽዩፍ ተግባር ኣብ ዓለም መዛረቢ ምስኮነን፣ ብዙሓት ሓይሊ ዘለዎም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣእዳዎም ከወጣውጥሉ ምስ ጀመሩን ግን፣ ክመጻደቕን ናይ ጸይቂ መሓውራቱ ክእክብን ተራእዩ። እዚ ኩሉ እናተገብረ ከሎ፣ ነቲ ብጎሮሮና ዓትዒቱ ሒዙና ዘሎ ስርዓት፣ ፈርገጥገጥ ኢልና ክንረግሖስ ይትረፍ፣ ድምጽና ኣሕቢርና ዓገብ ክንብል’ውን ኣይከኣልናን።

 

ንኽንስደድ ድማ ንመውትን ንኸፍልን ኣሎና

ብርግጽ ጠንቂ ስደትን ጸገምን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ኢዮም። ካብ ኣብራኹ ወጺኦም፣ ኣጽፋሮም ኣብ ጎሮርኡ ሸኺሎሞ ኣለዉ። ክቱር እምነት ኣሕዲሩ ስለዝጸንሐ ድማ ኣጽፋሮም ቆሪጹ ብምድርባይ ካብ ስቓይ ክድሕን ገና ዓቕሚ ኣይወነነን። እቲ ካብ ምጉዕዓዝ ደቁ ዝእከብ ገንዘብ ግን ገና ይቕጽል ኣሎ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ድማ፣ ብዛዕባ’ቲ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ክሳብ ባሕሪ መዲተራንያን ዝበጽሕ፣ ብዘይ ምቁራጽ ክካየድ ዝጸንሐ፣ ጉዕዞ (ቃፍላይ) ኤርትራውያን ኢየ ክዛረብ።

 

ካብ ናይ ገዛእ-ርእሰይ ተመኩሮ ሓንቲ ኣብነት ከቕርብ። ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ ይገብር፣ ሓደ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰብ ስልኪ ደዊሉ፣ ብሰላም ኢትዮጵያ ምእታዉ፣ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣትዩ ክሰርሕ ከምዘይፍቀዶ፣ ናብ ካርቱም (ሱዳን) ክኸይድ ከም ዝደልን ሓቢሩኒ። ኣብ ከተማታት ሱዳን; ኤርትራውያን ብተዛማዲ ደሓን ናይ ስራሕ ናጽነት ስለ ዘለዎም እመስለኒ። ካርቱም መብጽሒ ዝጠለቦ ገንዘብ ድማ ክልተ ሽሕ (2000) ብር ኢትዮጵያ ጥራይ ነይሩ። በተን ክልተ ሽሕ ብር ሰለስተ ግዜ ፈቲኑ ኣይሰለጦን። ብናይ ኢትዮጵያ ሓለዋ ዶብ ተተታሒዙ ይምለስ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግን ብናቱ ጥበብ፣ ብውሑድ ገንዘብ ካብ ሓለዋ ዶብ ኢትዮጵያ ኣምሊጡ ካርቱም ክኣቱ ክኢሉ። ኣብቲ እዋን’ቲ ትካላት ጸጥታን ናይቲ ከባቢ ሰበ-ስልጣንን ኢትዮጵያ፣ ካብ ምጉዕዓዝ ደቂ-ሰባት ገንዘብ ምእካብ ኣይጀመሩን ነይሮም ክኾኑ ኣለዎም።

 

ምስ ፍጻሜ ህልቂት ላምፐዱዛ ተተሓሒዙ፣ ካብ መዓስከራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝሰማዕናዮ ኣውያትን፣ ብመኮነናት ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ ግብረ-መልስን ምስ ሰማዕና ግን፣ ንብዙሓት ካብ ድቃስና ከም ንበራበር ገይሩና ኢዩ። (ነዚ ብዝምልከት “ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ” ዝብል ኣርእስቲ ሂበ፣ ኣብ እዋኑ ብዝርዝር ጽሒፈ ነይረ ኢየ።) እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፣ በብውልቂ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝግበር ዝነበረ ዋሕዚ፣ ሎሚ ብኣዝዩ ዝተወደበን ረቂቕ ብዝኾነ መንገድን ክካየድ ንርእዮ ኣለና። ነዚ ብዝምልከት፣ ገለ ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ብዙሓት መንእሰያት ዝብልዎ ነዚ ይመስል።

 

“ኣብ ውሽጢ’ቲ መዓስከራት፣ በቶም ነጋዶ ደቂ-ሰብ ወይ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ ዝተላእኩ፣ ሰባት ዘዳልዉ ኤርትራውያን ደለልቲ ኣለዉ። ብመንገዶም ኢኻ ትእከብን ትወዓዓልን። ዝኣኽሎም ሰባት ምስ ቀረቡ የበግሱኻ። ብለይቲ ንገለ ፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ብእግሪ ትጎዓዝ’ሞ፣ ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ኮፍ ኢልካ ትጽበ። ካብኡ ሽፉናት መካይን መጺአን፣ መተንፈሲ ክሳብ ትስእን ኣብ ውሽጠን ትስጎድ። ሓንሳብ ኣብተን መካይን ምስ ኣተኻ፣ ከተዕርፍ ይኹን ድምጺ ክትገብር ፍጹም ዝፍቀድ ኣይኮነን። እተን መካይን ቢራ ወይ ልስሉስ መስተ ዝጸዓና ኢየን ዝመስላ። በቲ ኬላታት (መፈተሺ ንቑጣ) ክሓልፋ ከለዋ፣ መራሕተን ጉቦ ዝህቡ ወይ ኣቐዲሞም ዝተረዳድኡ ኢዮም ዝመስሉ። ሳሕቲ እንተዘይኮይኑ ድማ ብዘይ ጸገም ኢየን ዝሓልፋ። እዚኣተን ክሳብ መሬት ሱዳን የብጽሓኻ። ካብኡ ድማ ናይ ሱዳን መካይን ይቕበላኻ‘ሞ ካርቱም የእትዋኻ። ገንዘብ ክሳብ ዝሕወለልካ ድማ ኣብ መጽንሒ ቦታ ሕዩር ኮንካ ትጽበ።”

 

እዞም ካብቲ መዓስከራት ፍርቂ ሰዓት ተጓዒዞም ብመካይን ዝጓረቱ ሰባት፣ ባዕሎም ዝኸፍልዎ ገንዘብ የብሎምን። እቶም ብመካይኖም ዝጓርቱ’ውን ብዘይካ ዝመለስዋ ክዳን፣ ሳንቲም ምስ ዘይሓዙ ሰባት ኢዮም ዝወዓዓሉ። እቲ ውዱብን ዝተወሃሃደ ረቂቕ መስርሕን እምበኣር፣ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር። እቶም ካርቱም ኣትዮም ኣብ መጽንሒ ቦታታት ዝእከቡ ሰባት፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኣሕዋቶም ወይ ናይ ቀረባ ቤተ-ሰቦም ገንዘብ ክሕውሉሎም ይሓቱ። ብናይ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዕዳጋ መሰረት፣ እቲ ንሓደ ሰብ ክሕወለሉ ዝሕተት ገንዘብ $1400 (ሓደ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር ኣመሪካ) ኢዩ። እቲ ገንዘብ ድማ ብብር፣ ብናቕፋ ወይ ብጅንየ ሱዳን ዘይኮነስ፣ ብዶላር ኣመሪካ ኢዩ ክኽፈል ዘለዎ። እቲ ካብ ኣመሪካ፣ ኤውሮጳ ወይ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንሱዳን ዝሕወል ገንዘብ፣ ኣብ ጎደናታት ካርቱም ኣብ ጸሊም ዕዳጋ፣ ዶላር ኣመሪካ ተገዚኡ ንኣሰጋገርቲ ሰባት ይኽፈል። ምንጪ ናይዚ ገንዘብ’ዚ ድማ ዘይሩ ዘይሩ ኣብቶም ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኢዩ ዝጸዓን።

እቲ ዝለኣኽ (ዝሕወል) ገንዘብ፣ ኣብ ኢድ’ቶም ኣጓዓዓዝቲ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ክሳብ ዝበጽሕ ዝሓልፎ መስርሕ ኣለዎ። ንኣብነት ካብ ኤውሮጳ ዝለኣኽ  ገንዘብ፣ ኣብቲ ቀዳማይ እግሪ ጥራይ፣ መጀመርያ ናብ ዶላር መቐየሪኡ፣ እንደገና ናብ ሱዳን መልኣኺኡ፣ ክልተ ግዜ ይኽፈለሉ። ኣብ ሱዳን ብወግዒ ኣብ ዕዳጋታት ዝሽየጥ ዶላር ስለ ዘየለ ድማ፣ ተቐባሊ፣ ብጅንየ ተቐቢሉ እንደገና ካብ ጸሊም ዕዳጋ ዶላር ይገዝእ። ዶላር ኣብ ጎደናታት ሱዳን ክትገዝኦ ክቡር ስለ ዝኾነ ድማ፣ እንደገና ሳልሳይ ግዜ ንመግዝኢኡ ዝያዳ ገንዘብ ይሕተት። እቲ ገንዘብ ብቐጥታ ናብቶም ደላሎ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ዝለኣኽ እንተኾይኑ’ውን ነዚ (ንመቐየሪኡ) ኣብ ግምት ኣትዩ ኢዩ ዝሕተት። ስለዚ እቲ ኣብ ሱዳን ዝኽፈል $1400 (ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ ክለኣኽ ከሎ፣ ኣብ ሱዳን ኣብ ኢድ እቶም ተቐበልቲ ክሳብ ዝበጽሕ፣ ንመንቀሳቐሲኡ ጥራይ፣ ብላዕሊ ከባቢ $300 (ሰለስተ ሚእቲ ዶላር) ኣቢሉ ይኽፈሎ።

በዚ ናይ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ዕዳጋ፣ ሓደ ሰብ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ኤውሮጳ ንኽኣቱ፣ ብደላሎ (ነጋዶ ደቂ-ሰብ) ዝሕተት ጽሩይ ገንዘብ፣ ነዚ ዝስዕብ ይመስል። ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሱዳን $1400 (ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ሱዳን ክሳብ ሊብያ $1600 (ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ሊብያ ክሳብ ዓዲ ጥልያን $1800 (ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዶላር)፣ ካብ ዓዲ-ጥልያን ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ድማ፣ ካብ ሰብ ናብ ሰብን ምስ ቅርበት ናይተን ሃገራትን ዝፈላለ ኮይኑ ብገምጋም ከባቢ €1000 (ሓደ ሽሕ ዩሮ) ኣቢሉ ኢዩ። ኩሉ’ዚ ግን፣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፣ ንመልኣኺኡን፣ እቲ ሰብ ንሕማቕ እዋን ተባሂሉ ኣብ ጅቡኡ ዝሕዞ ገንዘብን ኣብ ግምት ከይኣተወ ኢዩ።

ብዙሓት ካብቶም ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኤርትራውያን፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን መስገሪ ዝኽፈል ገንዘብ፣ ምስቲ ምድረ-በዳ ንምስንጣቕ ይኹን ባሕሪ ንምስጋር ዝወጽእ ገንዘብ ኣወዳዲሮም፣ ፍጹም ምኽኑይ ከም ዘይኮነ ኢዮም ዝገልጹ። ኣብ ንቡር እዋን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብቐሊሉ፣ ብእግሪ ወይ ብኣውቶቡስ ክስገር ስለዝከኣል።

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ትሰግረሉ፣ ሕጋዊ ዝመስል ካልኣይ መንገዲ’ውን ኣሎ። ኣብተን መዓስከራት ዘለዉ መኮነናት ኢትዮጵያ፣ ነቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ “ሱዳን ክትከዱ እንተ ደሊኹም ተመዝገቡ’ሞ ባዕልና ከነብጽሓኩም” ይብሉዎም ኢዮም። ነቶም ብወለንታኦም ዝምዝገቡ ድማ፣ ኩሉ ናይ ስደተኛ መሰሎም ተሓኺኹ፣ ገለ ቁሩብ ገንዘብ ተዋሂቦም፣ ኣብ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም፣ ኣብቲ ተዛማዲ ሰላም ዘለዎ ዶባት በገምድር (ምዕራብ ኢትዮጵያ) ዘይኮነስ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራን ሓምዳይትን ዝርከብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይፍንዉዎም። እዚ ከባቢ’ዚ ዳርጋ ናብ ሕጊ ኣልቦ ዝተቐየረ ቦታ ብምዃኑ ድማ፣ እቶም ሰባት ሰለስተ ዕድል ኣለዎም።

  1. ብመንገዲ ደምሒት (ኣብ ኤርትራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ጉጅለ) ወይ ብስለያዊ መሓዉራት ህግደፍ ተታሒዞም ናብ ኤርትራ ክምለሱ
  2. ብረሻይዳ ተታሒዞም፣ ንመልቀቒኦም ዝኸውን ገንዘብ ክለኣኸሎም ከእውዩ
  3. ብፖሊስ ሱዳን ተታሒዞም፣ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ይለኣኹ

 

ስለዚ እቲ ብመንገዲ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝግበር ሕጋዊ ዝመስል ምፍናው፣ ዘይውሑስ ስለ ዝኾነ፣ ኤርትራውያን መንእሰያት፣ ነቲ ብዝተወደበ መንገዲ፣ ብስዉር ዝግበር ምጉዕዓዝ፣ ዋላ ክቡር ይኹን፣ ንዕኡ ኢዮም ዝመርጹ። እዚ ምጉዕዓዝ’ዚ ድማ “ካብ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ትካላት ዝተኸወለ ኢዩ’ ወይ ድማ ‘ላዕለዎት ሓለፍትን መኮነናትን ክሊ ትግራይ፣ ኢድ የብሎምን” ኢልካ ምዝራብ የዋህነት ኢዩ። ብፍላይ ድማ ምስ ባህሪ ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ሒዙ ዘሎ፣ ኣብቲ ከም ሰረት ናይ ስልጣኑ ዝሓስቦ ክሊ ትግራይ፣ ዋላ ዑፍ ሕብራ እንተቐየረት’ውን ብደቂቕ ዝቆጻጸር ናይ ኢህወደግ ስርዓት። እቲ ዘይውሑስን ሓደገኛን፣ ግን ከኣ ሕጋዊ መስመር ሑመራን ሓምዳይት እምበኣር፣ ምስቲ ብዝተወደበ መንገዲ፣ ብስዉር ብመካይን ዝግበር ናይ ሰባት ንግዲ፣ ምትእስሳር የብሉን ኢልካ ምዝራብ ዝከኣል ኣይኮነን።

 

ስለያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ኣዝዩ ምእኩልን ቅልጡፍን ጥራይ ዘይኮነ፣ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓለፍትን መኮነናትን፣ ምስቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ዝቆጻጸሩ ሰበ-ስልጣን ናይ ቀረባ ርክብ ስለ ዘለዎም ድማ፣ ኩሉ’ቲ ዝግበር ምስግጋር ደቂ-ሰባት፣ ‘ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸወለ ኢዩ’ ኢልካ ምሕሳብ ዘይክዉንነት ኢዩ። ስለዚ ዘይሩ ዘይሩ፣ ገለ ካብቶም ኣብ ከባቢ ትግራይ ዘለዉ ሓለፍቲ ዝዝውርዎ፣ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፣ እንተስ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ኤርትራ ስለ ዝበዝሖ ከም መፋኾሲ መታን ክኾኖ ወይ ንኻልእ ስውር ምኽንያታት፣ ርእዩ ከም ዘይረኣየ፣ ነቲ ስራሕ ስቕ ኢሉ ክቕጽል ዝገደፎ ኢዩ ዝመስል።

ኣብዚ እዋን’ዚ “መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራውያን ሓንሳብ ካብ ሃገሮም ምስ ወጹ ኣርሒቖም ንኽጠፍኡ ዘካይዶ ዘሎ ስውር ፖሊሲ ኢዩ” ኢልካ ንምዝራብ ዘኽእል ጭብጢ የለን። ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ቊጽሪ ኤርትራውያን ዝለዓለ ምዃኑ ግን ክዝንጋዕ የብሉን።ዳርጋ ኩሎም ድማ ብመንገዲ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝሓለፉ ኢዮም።

 

እቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት፣ ካብ ዶባት ኤርትራን መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብን ዝብገስ፣ ምድረ-በዳታት ምብራቅ ሱዳንን ሲናይን ሰንጢቑ፣ ክሳብ ዶብ እስራኤል ዝዝርጋሕ፣ ናይ ኤርትራውያን ንግዲ ደቂ-ሰብ፣ ኢድ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ስለያዊ መሓዉራትን ህግደፍን ነይሩዎ ኢዩ። እዚ ናይ ሎሚ፣ ካብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ተበጊሱ፣ ንሱዳንን ምድረ-በዳ ሰሃራን ሰንጢቑ፣ ገማግም ባሕሪ መዲተራንያን ዝበጽሕ፣ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝንገድሉ መስመር ድማ፣ ‘ኢድ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያን ስለያዊ መሓውራቶምን የብሉን’ ኢልካ ምሕሳብ ዕሽነት ኢዩ።

እቲ ናይ ቅድም ብመንገዲ ናይ ረሻይዳ ሸፋቱ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ሲናይ መስመር ይኹን፣ እዚ ሕጂ ብመንገዲ ኤርትራውያን ደለልትን ካልኦትን ዝካየድ ዘሎ ዝተወሃሃደን ዝተራቐቀን መስመር ኢትዮጵያ → ሱዳን → ሊብያን ባሕሪ መዲተራንያንን፣ ንባዕሎም ውሑስ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ብዘይብሎም ተራ ሸፋቱ ጥራይ ኢዩ ዝካየድ ኢልካ ምሕሳብ፣ ኣብ ዓለም ከም ዘይምህላውካ ኢዩ ዘቑጽረካ። ትማሊ፣ ነቶም ካብ ንግዲ ገዛእ ዜጋታቶም ገንዘብ ዝግሕጡ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህግደፍ ‘ፎእ’ እንተኢልናዮም፣ ሎሚ ድማ ነቶም ‘ተረኽበ’ ኢሎም፣ ነቲ ናይ ኤርትራውያን ንግዲ ተተሓሒዞሞ ዘለዉ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ዓገብ’ ክንብሎም ብቕዓት ኣለና። ዓገብ ካብ ምባል ዝሓልፍ ዓቕሚ ስለ ዘይብልና ግን፣ ኩሉ ሰብ ከስተውዕለሉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣቓልቦ ክገብረሉን ንላቦ።

 

ብርግጽ ጠንቂ ስደትናን መከራናን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወይ ጓኖት ኣይኮኑን። እቶም ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወልዱ ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ኢዮም። ንሳቶም ንገዛእ ህዝቦም ብጎሮሮኡ ዓትዒቶም ስለ ዝሐነቑዎ፣ ዓይኑ ኣፍጢጡ ነቲ ድራማ ክዕዘብ እንተ ዘይኮይኑ፣ ኣፍ ኣውጺኡ ክዛረብ ከም ዘይክእል ገይሮሞ ኣለዉ። ጎሮባብቲ ሃገራት ብፍላይ ኢትይጵያ ድማ ነቲ ዋሕዚ ኣብ ምቁጽጻር ተርኦም ክጻወቱ ዝግባእ እመስለኒ።ካብ ሱዳን ንላዕሊ ዝሓሸ ናይ ምቁጽጻርን ናይ ምግባርን ዓቕሚ ስለዘለዎም።

 

ገለ “ ስለምንታይ ኢኹም ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግርና ዝኾነ ህግደፍ ገዲፍኩም፣ ነቲ ንኣሽሓት ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትነቅፉ?” ዝብሉ ሰባት ኣይሰኣኑን ኢዮም። ነዚኣቶም’ውን እዚ ዝስዕብ ክብሎም እደሊ። ንስርዓት ህግደፍ ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓልናን። ዓቕሚ ድኣ ስኢንና’ምበር፣ ልዕሊ ምቅዋሙ፣ በርቊቕካ ምድርባዩ’ውን ኣይምጸላእናን። ነዚ ስለ ዘይከኣልና ግን፣ ብኻልኦት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትናን ኣሕዋትናን ዝወርድ ጸገም ክንዛረበሉ የብልናን ማለት ኣይኮነን። ብርግጽ ሎሚ፣ ብህግደፍ ብፖለቲካ ዝድለዩ ሰባት፣ ልቦም ኣውዲቖም ዝዕቆቡላ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ጥራይ ኢያ። ናይ ህግደፍ ናይ ስለያ መሓውራት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክነጥፍ ስለ ዘይክእል። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኢትዮጵያውያን ምስጋና ዘይግቦኦም ኣይኮነን። እንተ’ቲ ብዙሓት ስደተኛታት ምቕባሎም ግን፣ (ዋላ’ኳ ዘገድዶም እንተዘይሃለወ) ጉርብትናና ዝፈጠሮ፣ ልክዕ ከምታ ካብ 1960ታት ኣትሒዛ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ዘዕቆበት ሱዳን፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ግቡእ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

 

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
54 COMMENTS
  • tegerime September 2, 2014

    አንታ ታደሰ ሐወይ
    ኤርትራዊያን ብደውና ሜትና ኢና ሕጅ ድማ አይኮናን ሜትና ሕጂ ካላአይ ቀብሪ እዩ ቃለ መጠየቅ ናይ የማነን ወዲ ቶምኖን እሞ ብጽሞና ስምዓዮ አብ ኤርትራ ሐሞት ዘሎዎ መሪሕነት ከምዘየለ ብግልጺ እራአየካ።

  • Kabbire September 2, 2014

    ኣይተ ታደሰ ኣብዚ ድንቂ ዘረባ: “ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ድማ፣ እቲ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ውልቃዊ ናይ ስልጣን ጥሙሕ ዘገድሶ፣ ሰባት እናበልዐ ዝኣተወ ጉጅለ ኢዩ።”

    እንተኾነ ግና: ኣብ ታሕቲ “ብመንገዶም ኢኻ ትእከብን ትወዓዓልን።” … “ነቶም ብወለንታኦም ዝምዝገቡ ድማ፣” … እናበልካ በጽሑፍካ፣ ኤርትራዋያን ስደተኛታት ኣብታ ዓድና ኣይኮነትን ዝብልዋ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ከም ጓና ዝርእይዎ ንህዝቢ ትግራይ፣ ከይተገደዱ ብድልየቶም ካብ ገደፍዎ፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ን ኤርትራውያን ብሓይሊ ኣገዲዱ ኣብ ናይ ስደተኛታት ካምቦ ከኣስሮም ግቡእ የብሉን።
    ኤርትራውያን ንኢትዮጵያ ፎእ ኢሎም ፈንፊኖማ፣ “ኣይንፈልጠክን ኢና” ካብ በሉ፣ ብዘኾነ ይኹን ሃገራዊ ሕጊ፣ እንትርፎ ናይ ስደተኛታት ሕጊ፣ እዚ ድማ ዓቕማ እንተፈቒዱ ጥራይ፣ ኢትዮጵያ ክትሕተት ወይ ክትገደድ ኣየፍቅድን።
    ኤርትርዋያን፣ ካብተን ሃብታማት ኢና ዝብላ፣ ኤርትራ ዓረብ እያ ዝብላ፤ ሃገራት ዓረብ ዘይረኸብዎ መሰልን ክብርን፣ ኢትዮጵያ ክትሕልወሎም ዝገድድ መጎተ ድኹምን ልሙስን እዩ።

    ቀንዲ ሽግር ውርደትካን ሕሰምካን ስርዓት ህግደፍ እንተኾይኑ፣ ምስ ስርዓት ህግደፍ ተፋለመ። ካብኡ ዝሓልፍ ብሩህ እምሮ ሃሊካ፣ ጠንቂ ሽግርካ እንተኣለሊኻ፤ “ስለምንታይ ብሽም ገድልን ሰውራን ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ኹሉ ዓዘቕቲ ወቲፍናዮ ?” ኢልካ ዝሓስብ ልቦና እንተለካ መርሓባ።

    ኣይተ ታደሰ ይብል፤ “ኣብ ውሽጢ’ቲ መዓስከራት፣ በቶም ነጋዶ ደቂ-ሰብ ወይ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ከባቢ ዝተላእኩ፣ ሰባት ዘዳልዉ ኤርትራውያን ደለልቲ ኣለዉ። ብመንገዶም ኢኻ ትእከብን ትወዓዓልን።

    “ነቶም ብወለንታኦም ዝምዝገቡ ድማ፣ ኩሉ ናይ ስደተኛ መሰሎም ተሓኺኹ፣ ገለ ቁሩብ ገንዘብ ተዋሂቦም፣ ኣብ ኣውቶቡሳት ተጻዒኖም፣ ኣብቲ ተዛማዲ ሰላም ዘለዎ ዶባት በገምድር (ምዕራብ ኢትዮጵያ) ዘይኮነስ፣ ኣብ ከባቢ ሑመራን ሓምዳይትን ዝርከብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ይፍንዉዎም።”

    • abrham September 2, 2014

      ato tadese,ab tshufka,”ብርግጽ ጠንቂ ስደትን ጸገምን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ኢዮም። ካብ ኣብራኹ ወጺኦም፣ ኣጽፋሮም ኣብ ጎሮርኡ ሸኺሎሞ ኣለዉ። ክቱር እምነት ኣሕዲሩ ስለዝጸንሐ ድማ ኣጽፋሮም ቆሪጹ ብምድርባይ ካብ ስቓይ ክድሕን ገና ዓቕሚ ኣይወነነን”zbl hasab amtsika.gn tkkl aykonenn.’kuadere’endatebahle,engerakan kchakan enda bele ae ziabeye dekkan,zsewede sewran,temeleisu atsfaru ab gereroka ksheklo kelo,kemey gerka akmi sienu tbl.bes eti tsegem neay ytiamenn,beletsn,frhn tray eu n HGDEF ew abilwo zelo

    • abrham September 2, 2014

      ato tadese,ab tshufka,”ብርግጽ ጠንቂ ስደትን ጸገምን ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ኢዮም። ካብ ኣብራኹ ወጺኦም፣ ኣጽፋሮም ኣብ ጎሮርኡ ሸኺሎሞ ኣለዉ። ክቱር እምነት ኣሕዲሩ ስለዝጸንሐ ድማ ኣጽፋሮም ቆሪጹ ብምድርባይ ካብ ስቓይ ክድሕን ገና ዓቕሚ ኣይወነነን”zbl hasab amtsika.gn tkkl aykonenn.’kuadere’endatebahle,engerakan kchakan enda bele ae ziabeye dekkan,zsewede sewran,temeleisu atsfaru ab gereroka ksheklo kelo,kemey gerka akmi sienu tbl.bes eti tsegem neay ytiamenn,beletsn,frhn tray eu n HGDEF dew abilwo zelo

  • teklit September 2, 2014

    Ala niskum mara ekum tegermu eshok.mergemmda zey niskum ekum ..enber bizaeba hageru zihaseb misty hager weriru zelo zey wugin…dahar ka seb entetsedede bwelentieu enber kab gezieu wesidu nab dob zebxiho meas haliwo..gin seb kisab zifeltekum hakinet zimesil entexahafkum nigle gerhi lbom ketedanaguru tikelu ekum …betian mengsti ethiopia zihbekum kurub kifilt nihagerkum ahlifkum tishetiwa mihlawkum kitfeltu yigabakum
    .dahar kab makkr do tuem.chena alo eu..kab somal libya eraq afganistan .south sudan keman atmahrun zeysinkas hxa kortumelu du zibhal ..n ethiopia enakedkum ab brkom tesalmkum tgebrwo keaklekum si hji ka keyhaferkum bizaeba hager tizarebu..etiom weghe xebhe nihager ketfeu hirdg ziblu zelowu da kem beal rodio erena,rodio asena do gele enabelu maltawi b hagerat mierab temewilom b mengsty ethiopia zitkebalom kem haleity mesilom zilflufu eyom eshok mergem..bwaga hager zitalieu husumat susuat kedekesu zembahakuwu…bizkone deleti hmak xibah nigho b nay hager kihdet thtetu nuskatkum ekum emo edkum.akbu …

  • tesfanichael September 2, 2014

    you explanation or your comment is not bad but Ethiopians are not enemy they made bridge to Eritreans who scape from their homelands,
    do not warrior about corruption not in Ethiopians even President Obama of USA can made corruption. Eritreans at this time specially warsay he is selling his brother to smugglers he killed his friend in Sahara to take his friends money etc. I am advice Eritreans they love their
    life but they do not care about another.Did Ethiopian people forced them to pay money in Eritrean refugee camp who taught corruption Eritreans not in Ethiopia only through out the world please Kidane I was a refugee in Ethiopia Eritrean refugee I knew Eritreans in any country. Eritreans are teachers of corruption and killers of their brothers, sisters, fathers ,mothers no and no long live Eritreans together, because love each other ,no respect each other. As God said if you will not love your brother do not lay you could no love me he said,
    Ethiopian Government is better than the aggressive Eritrean Government because many Eritreans star to breath new air and new life in USA,Australia in CANADA etc. If we could not get asylum no one can not get this chance!

    • ፎል September 3, 2014

      Tesfanchal ኣብ ኤትዮፕ እዚ ኩሉ ገበን ኣብ ልዕሊ ኤሪትራዊኣን ዝግበር መንግስቲ ኤትዮፕያ ይፈልጦ ድዩ ወይስ ይፈልጦን ንጌዘ ንገድፎ ጉዳይ ዩ ፡ ግን ክትፈልጦ ዘለካ ካብ Ethiopia refugee camp ቡዙሓ ኣሕዋትናን ቢተሰብናን ብናይ ድህንነት አትዮፕያ ናብ ሱዳን ይጉሕፍዎም ራሻይዳ ኣብኡ ጸኒሖም ከኣ ይጨዊዎም፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሺረ ሆቲል ኣፎም ዐቢሶም ይቀትልዎም እንታይ ከ ዘይገብርዎም 1000prove ኣለና ድህንነት ወያነ ኤሪትራዊያን ከም ዝሸይጥ `ከምዝቀትል …ትማሊ ትማሊ ዶ መለስ ዚናዊ ካብቲ ዝገበርክዎ ጊጋ ተማሂረ ኣበለን ድዩ፡ ግን ሕጂ ብዘይ ሚግረሺን ኤትዮፕያ ከይ ፈለጠ ብድህንነት ኤትዮፕያ ኤሪትራዊን ናብ ኪንያን ሱዳንን ይድርበዩ ኣለዉ፡ ሓደ መዐልቲ ዋጋ ክትከፍሉሉ ኤኩም፡፡

      • Asghedom Woldeghiorghis September 20, 2014

        Mr.Fool
        You are stuppied and ignorant.Stay in your home if you have.
        since you are ignorant no one will understand you.
        If you can stay in your home, I think you have a free country.
        To complain against ethiopians is not any more fair.
        I don’t understand, the Tigrians helped eritreans to get thier indipendence, but they became more ignorant every morning it is amazing.
        Why you don’t call again the italians to keep you stupied and ignorant.

    • gedem September 3, 2014

      I don’t want to sound rude but I cannot understand your comment .there are a lot of spelling and grammar errors .If It was written in Tigrigna, we could have understand your message better

  • andinet hizbay September 2, 2014

    correction
    threat not treat

  • andinet hizbay September 2, 2014

    Dear Amanuel
    Why are taking our my comment

    • EVENTS September 3, 2014

      It happens almost always to me ,I am Uncle Sye ,You think I keep on oppenning new cyber names for the sake.I have not seen your comment but I can not complain about me amanuel gave me ample chances ,maybe he has contributors pressure ,I am being realistic.

      Stay brilliant Andnet Hizbey
      Be happy how many Eritreans are logical & are tired of Tegadalti’s crap(like Tadesse).Eritrea is finished ,I hope it goes without the youth ,I love Eritrean Young people.

  • stefanos temolso September 2, 2014

    ክቡር ሓው ታደሰ፡ ስለቲ ጽጹይ ሓበሬታኻ ከመስግነካ እፈቱ። ከምቲ ዝበልካዮ ቀንዲ መንቀሊ ሕሰምና ባርባራዊ ጭፍራ ህግደፍ ከም ዝኾነ ገሊጽካዮ ስለ ዘለኻ ደጊመ ምዝራብ ዘድሊ ኣይመስለንን። ብዝኾነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይፈልጦ መንገዲ ክንድዚ ዝኣክል መንእሰይ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኤሮጳ ይኣቱ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ምናልባት ምስ እንስሳ’ውን ከቝጽረካ ይኽእል’ዩ። ኢትዮጵያ ግን ድርብ ጸወታ ይፍጽሙ ከም ዘለዉ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። በቲ ሓደ ንህግደፍ ሰብኣዊ ዓቕሙ ይጽንቅቑዎ ኣለዉ፡ በቲ ካልእ ድማ መንግስቶም ንዝፈንፈኑ ኤርትራውያን ኣዕቍብናዮም፡ ኣምሂርናዮም፡ ጽላል ኴንናዮም ብምባል ይንየቱን ካብ ሕቡራት መንግስታት ሚልዮናት ገንዘብ ይግሕጡን ኣለዉ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ከምቲ ሰብኣይ፡ “እንተ ኣሓ ከይደንየን ጸርፊ ግን ዝገደፍና የብልናን” ዝበሎ፡ ኣብ ክንዲ ንጭፍራ ህግደፍ ክንኣሊ ግብራዊ ስጕምቲ ምውሳድ፡ ኣብ ነንሓድሕድና ክንወናጀልን ወይጦ! ወያኔ! ከሓዲ፡ ቦሎኛ! ኣንጻር ቦሎኛ! ስመር፡ ተሻሞ! ድሕነት፡ ናህዳ! ወዘተ ዝብል ኣስማት እናጠመቕና ከም ቃንጥሳ ዝበቝላ ምንቅስቓሳት እናፈጠርና ንህዝብና ካብቲ ኣብ ስሳታት ዝነበረ ዝገድድ ሓሸውየ ኣእቲናዮ ንርከብ ኣለና። እቲ እንኮ ፍታሕ ሽግርና ነትዚ ስርዓትዚ ትንፋስ ኮይኖሞ ዘለዉ ሰለስተ ኣርባዕተ ሰባት ምቕንጻል ክነሱ ባዕላትና ኣብ ሽግር ንጽመድ ሰባት ኴንና ኣለና። ኣብዚ ኦኣመትዚ ጥራይ ክንደይ ለይለይ ዝብሉ መንእሰያት ጠፊኦም ኣለዉ እንተ በልና ምቝጻሮም ዘሸግር ኮይኑ ኢና ንረኽቦ። ስለዚ፡ ብወገነይውን ብሓቂ ዝሰምዕ እንተኾይኑ፡ እቶም ከስምዑዎ ዝኽእሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ያዕ! ክብሉዎ ዝግባእ ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቂ እንተለልዩዎ፡ እቲ ንኤርትራውያን ዝገብሮ ሓገዝ ምሉእ ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ክሓስብ ምተገብኦ። ካብኡ በለ ጕዳይ ኤርትራ ከምቲ ጕዳይ ፍልስጥኤም ንሃገራት ኣዕራብ መሸቀጢ ኮይኑወን ዝነበረን ዘሎ መሸቀጢ ክገብሮ የብሉን።

    • Yohannes September 7, 2014

      Stefanos
      what the Ethiopian should do they have not to receive Eritreans in their territory.
      no one know how to dell with Eritreans.
      myself I am staying in other country , and I do what they want and I have never complain.
      most Eritreans they don’t accept the Taddes information.
      this shows the Eritrean maturity

  • eritrean military movement September 3, 2014

    The eritrean military movement would like to announce to all eritreans inside and outside eritrea that the military at its current weak stage will not accept the isayases slogan of war.
    the military rather gives consideration first for the ralization of democracy and development in eritrea.
    the current war slogan of the dictator will immediatly sack and burn the dictator and his hand full dogs .
    the military starting from sep/2014 will take any measure it believes appropriate for the realization of democracy and development in eritrea.
    98.7% of the eritrean military is under the control and commandment of the ERITREAN MILITRY MOVEMENT.

  • Teklay September 3, 2014

    why don’ you concentrated on your business instead of talking a lot of rubbish, forget about Ethiopia, just try to liberate your self from your own dictator, hateret will never take you any where.

  • Truly Truly i say to you September 3, 2014

    ክቡር ታደሰ ኪዳኔ፣ ሕዝቢ ኤርትራ ይረደኦ ኣይረድኦ ናይቲ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ቀንዲ ዕላማ ይውሃድ ይብዛህ በዚኣ ትስእብ ኣንቀጽ ከምዚ ኢልካ ገሊጽካያ ኢኻ።
    “ኣዋልድና ዝምርዓወን ስኢነን፣ ብዙሓት ተሰዲደን፣ ዝተረፋ ድማ ናብ ደምሒት ከቋምታ ጀሚረን። ንሱ ጥራይ ከይኣክል፣ ኣብ ዘዝኣተናዮ ዓዲ ኣደዳ ጭውያን፣ ግዳያት ነጋዶ ደቂ፡ሰብን ኮይንና።”

    ኢሳያስ ብውሸጢ ሀገር ኮይኑ፣ ወያኔ ከኣ በቲ ኤርትራ ሀገር ኮይና ንከይትቅጽል ብዝክተልዎ ፖልሲ ናይክልቲኦም ዕላማ መነንት ኤርትራውያን ንምጥፋእ ካብዝጥቀሙሉ እቲ ዝኣበየ ሜላ ንደቀ ባት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ወጺኦም ከምድስደዱ ብምግባር፣ ብሸም ውግእ ምስምስ፣ ንደማሂት ኣንጻር ኢትዮጵያ ከምዝዋጉኡ ብምምስል ብብዙህ ሺህ ዝቑጸሩ ተጋሩት ናብ ኤርትራ ድህሪ ምእታው ምስ ኤሪትራውያን ከምዝዳቀሉ ብምግባር ሃገራዊ መንነት ንምጥፋእ እዩ። ንምዃኑ ነዚ ሜላ´ዚ ብኢሳያስን ብወያኔን ዝተጀመረ ደይኮነ ካብ ጊዜ ኃይለ ሥላሤ ጀሚሩ ዝስረሃሉ ሜላ ነሩ። ደርጊም ፍርቂ ሚልዮን ሰራዊቱ ናብ አርርትራ ዘስሎኮም ንሙሑራትን ለባማትን ደቀባት ንከጥፍኡ ፣ ብኣጠቃላይ ንሕዝቢ ኤርትራ ከንበርኩኩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንኤርትራውያን እናተጋሰሱ ነቲ ሕዝቢ ብምድቃል መንነቱ ንከጥፍኡ ነሩ። እቲ ብሕጂ ንርእዮ ዘለና ኣብሞንጎ ኤርትራውያን ደገፍቲ ይኩኑ ተቃወምቲ ዘይምቅዳው (ሃድነትን ንጹር ዕላማን ) ደይምሕላው ካብቲ ምድቃል ዘምጽኦ መንነታዊ ቅልውላው ዝተበገሰ ሳእቤን ምዃኑ ኩሉ ሰብ ክርድኦ ይግባእ። ብፍላይ ኢሳያስ ነዚ ፖሊሲ ካብ ካልእ ግዜ ንላእሊ ንሕዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ስለዝናኣቀን ኣንበርኪከዮም ኣለኹ ኢሉ ስልዝኣመነን ብድፍረት ሰራዊት ኤርትራ ብሃገሩ ኣብ ከተማታት ፖሊስ ክርእይ ከሎ እናሃደመ፡ ኣብ በረኻ ጥራህ ክነብር ተፈሪዱ፣ ደማሂት ግን ልቦም ነፊሖም ኩሉ ሃለፋታትን ክብርን እናተገበረሎም ኣብ ማዕከል ከተማ ሸንዳህ እንዳበሉ ምስ ንኣሽቱ ኤርትራያን እናተጋሰሱ ከምዘጥንስወን ይገብሩ ከምዘለዉ ንሰምእ ኣለና። በከምዚ ኣይነት ውርደት ኤርትራዊ መንነት ሃሲሱ፣ የሕዋትና ዝተሰውኡሉ ዕላማ መኺኑ ክትእዘብ ከለኻ ማዓንጣኻ ኩምትር እዩ ዝብል ብሓዘን።

    ገለ ሰባት ከምዚ ኢለ ብምጽሓፈይ ኣሌታዊ ገሮም ይቆጽሩኒ ይኾኑ። ግደ ሃቂ ግን ብልባዊ ፍቅርን ንሰናይ ዕላማ ብደይምዃኑ እንበር፣ ኣይኮነን ምስ ኢትዮጵያዊ ትግራዋይ፣ ሓደ ሕብርና ፣ኃይማኖትና ባሕልና፣ ዋላ ምስ ኮንጎ ድዩ ቡርክናፋሶ ሁቱ ድዩ ቱትሲ ሕዝብና እንተተዳቀለ እጅብ ኣምበይምበለኒን። ነዚ ብቀረባ ዝፈልጡኒ ሳባት ዝምስክሩለይ ሓቂ እዩ። ሕዝቢን ሓገርን እናተበደለ ግን ከመይ ኢለ ንሃቂ ክቀብራ?

1 2 3 4

POST A COMMENT