Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዋርሳይ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሽግ ሓርነት ወሊዑ ተደናጊሩ ድዩ ወይስ ሰዲዑ

ዋርሳይ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሽግ ሓርነት ወሊዑ                                                   ተደናጊሩ ድዩ ወይስ ሰዲዑ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ፡ በብዝመሰሎ ንመበል 25 ዓመት ናይ ናጽነቱ መዓልቲ፡ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩዋ ውዒሉ። ገለ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝነበረ ሕሱም እዋናት እናዘከረ

ዋርሳይ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሽግ ሓርነት ወሊዑ

                                                  ተደናጊሩ ድዩ ወይስ ሰዲዑ

ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ፡ በብዝመሰሎ ንመበል 25 ዓመት ናይ ናጽነቱ መዓልቲ፡ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩዋ ውዒሉ። ገለ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝነበረ ሕሱም እዋናት እናዘከረ ብናጽነት ሃገሩ ተሓጒሱ፡ ዘሊሉን ጨፊሩን።  ገለ`ውን ነቲ 25 ናይ ናጽነት ዓመታት ገምጊሙ፡ መጻኢ ጉዕዞ ቃልሱ ኣብ ምስትኽኻል ዘትዩ። ንሃገራዊ ናጽነት ምስ ህዝባዊ ሓርነትን መሰል ዜጋታትን ተሳንዩ ዘይምኻዱ ዘጉሃዮን፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝዝቲ ዘሚናራት ዝወደበ`ውን ብዙሕ ኢዩ። ንሎሚ ድማ ብዛዕባ`ዛ ድሕሪ ሰለስተ ሰሙን ኣቢለ፡ ደንጒየ ዝረኣኹዋ መስደመም ፍጻሜ ኢየ ክዛረብ።

ብኣጋጣሚ ናይዚ፡ ናይ ለንቅነ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን (ናብ እንዳ ሓዘን) ክበጽሕ ምስ ከድኩ “በዓል እገሌ ወታደራዊ ዕጥቅን ክዳውንትን፡ እንተላይ ጋምባለ ተኸዲኖም ወታደራዊ ሰልፊ ገይሮም” ኢሎም፡ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ከዕልሉ ሰሚዐ። እቶም ኣስማቶም ዝጥቀስ ዝነበረ ሰባት፡ ብመንግስቲ ዓዲ-እንግሊዝ ዑቕባ ተዋሂቡዎም፡ ናይ እንግሊዝ ዜግነት`ውን ዝወሰዱ፡ ተቐማጦ ናይዛ ዝነብርላ ዘለኹ ከተማ በርሚንግሃም ስለ ዝኾኑ ግን፡ ንዕላሎም ስለ ዘይኣመንኩዎ ግዲ ኣይገበርኩሉን። እቲ ዘረባታት ባጫ ዝበዝሖ ኮይኑ፡ ግን ከኣ ብሓቆም ይዛረቡ ከም ዘለዉ ምስ ገምገምኩ ግን፡ “ንሳቶም ድኣ መኣስ`ዮም ኣስመራ ተመሊሶም ኣብ ሰልፊ ተራእዮም?” ክብል እሓቶም። ብኡ ንብኡ ድማ – “ኖ ! ኖ! ኣብዚ ብስም ህግደፍ ዝገበርዎ ጽንብል ናጽነት ኢዮም ከምኡ ነይሮም፡ ኣብ ፈይስ ቡክ (face-book) እንዶ ረኣዮ! ኣብኡ ኣለካ!!” ዝብል መልሲ ረኺበ። ሽዑ`ውን ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። መዓልታት በሊዑ እቲ ዘረባ ክድገም ምስ ሰማዕክዎ ግን ቁሩብ ተገዳስነት ክሕድር ጀሚረ። ገጻት ፈይስ-ቡክ ገናጺለ ክረኽቦ ድማ ግዜ ኣይወሰደለይን። መላጉም ኮምፑተረይ እናጠወቅኩ ድማ ትሕዝቶ ናይቲ ዳንኬራ ክዕዘብ ጀመርኩ።

እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ኣብ በርሚንግሃም ዝርከብ ኣዳራሽ ኣጸቢቐ ኢየ ዝፈልጦ። ኣላይ መድረኽ – ንሰልፊ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብድምቀት ክቕበሉ፡ ንኣኼበኛታት ይነግር። ብኡ ንብኡ ድማ ወታደራዊ ክዳንን ጋምባለን ዝተኸድኑ፡ ናይ ሓሶት ዕጥቅን ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ካላሽናት፡ ብሬናትን ኣር-ቢ-ጂ-ን ዝዓጠቑ ሰባት፡ ብወታደራዊ ሰልፊ ካብቲ ሓደ ክፍሊ ወጺኦም ናብ ማእከል`ቲ እኩብ ህዝቢ ይጽንበሩ። ኩሉ`ቲ ተዋስኦ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝካየድ ዳንኬራ ኢዩ ዝመሳሰል። መራሒ ናይቲ ናይ ሓሶት ወታደራዊ ሰልፊ፡ ወታደራዊ ሰላምታ ኣሰንዩ ንሓደ “መራሒና!!” ዝበሎ ሰብ ሽግ ናጽነት የቐብሎ። ሽግ ናጽነት ዝዓተረ “ኣቦ-ወንበር” ናይቲ ዳንኬራ፡ ንውሽጣዊ ሓጎሱ ብክምስታ ኣሰንዩ፡ ንዝተዋህቦ ሽግ ሓርነት ከወዛውዝ ይረአ። ኩሉ`ቲ ፍጻሜ ግን ኣብ ኣስመራ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም – ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ፡ ኣብ ሕምብርቲ ኤውሮጳ ኢዩ። ንዝርዝሩ ኣብዚ በብሓደ ጠዊቅካ 8u9 ፣  2015IHB;  2016 ተዓዘብ።

እቶም ሰልፈኛታት ግን መን`ዮም?

ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ ወታደራዊ ሰልፊ ዝረኣዩ ሰባት፡ ብልክዕ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝነበሩ፡ ምሉእ ወታደራዊ ታዕሊምን ወታደራዊ ሰልፍን ዝተማህሩ ጥራይ ዘይኮኑስ፡ ኣብቲ ወታደራዊ እዝታት ተመዲቦም፡ ናይ ሓሶት ዘይኮነስ ናይ ብሓቂ ብረት ተሰኪሞም፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሩ ኢዮም። ገለ`ውን ኣብቲ ናይ ዶብ ኲናት ከም ዝተወግኡ ዝሕብር በሰላታት ዝተሰከሙ ኣለዉዎም።

እቲ ዝገርም ድማ፡ ከም ኩሎም ካልኦት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ዝነበሩ መዛኑኦም፡ ነቲ ናይ ብሓቂ ዓጢቖሞ ዝነበሩ ብረት ህዝቢ ኤርትራ ንድሕሪት ገዲፎም፡ ወይ ንወታደራት ኢትዮጵያ ኣረኪቦም፡ ወይ ድማ ኣብ በረኻታት ሱዳን ኣብ ሑጻ ቀቢሮም፡ ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሱዳን ወይ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰገሩ፡ ካብ መልኣከ-ሞት ምድረ-በዳ ሰሃረን ባሕሪ መዲተራንያንን ንእስክላ ኣምሊጦም፡ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ኢዮም። ገለ ካብኣቶም “ቀሚሽ ሰበይቲ ተኸዲነ ኢየ ካብ ኤርትራ ወጺአ” ዝብሉ፡ ገሊኦም`ውን “ኣብ ቻሰ ናይ ዓባይ መኪና ተቐርቂረ ኢየ ካብ ካሌስ (ፈረንሳ) ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ሰጊረ” ኢሎም ከዕልሉ ዝሰማዕክዎም ኢዮም።

ሓደ ካብቶም፡ ምስ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ዘመሳስሎ ክዳን ዝተኸድነ፡ ናይ ሓሶት ዕጥቂ ዝገበረ መራሒ ናይቲ ወታደራዊ ሰልፊ ዝመስል ሰብ፡ ንገለ ካብቲ ኣብ እዋን ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ብዙሕ ጅግንነት ተፈጺሙሉ ኢዩ ዝበሎ ቦታታት እናጠቀሰ ክምድር ይረአ። ኣብ ልዕሊ ወያኔ ይፍክር፡ ኣብ ገለ`ውን የማርር። ንሱን ብጾቱን ጥውዮ ነጸላ ተኾልዂሎም፡ ብዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ብሬንን፡ ኣር-ቢ-ጂን ካላሽናትን እናኣወዛወዙ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ገዲፎሞ ዝወጹ ወታደራዊ ጊላነት ግዲ ናፊቖም፡ ኣብ መንጎ`ተን ብዕልልታ ዝተቐበለኦም፡ ብሕብራዊ ክዳውንቲ ወቂበን ዝመጻ ኣሕዋቶም ኣትዮም ይስዕስዑን ይወዛወዙን። ናይ ልቦም እንድዒ`ምበር፡ ምስሎምሲ ብዋጋ`ቲ ሕጂ ዝነብርዎ ዘለዉ ህይወት፡ ንመነባብሮ ወታደራዊ ጊላነት ዝናፈቑ ኢዮም ዝመስሉ።

ትዝ እብለኒ፡ ኣብቲ ተጋዳላይ ምስ ወታደራት ኢይዮጵያ (ጦር-ሰራዊት) ዝተሓናነቐሉ ዝነበረ እዋን፡ ዓቕመ-ኣዳም ዘይበጽሑ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ (ቀያሕቲ ዕምባባ) ብዕንጸይቲ ካላሽናት ሰሪሖም ክዓጥቁዎን ንኣያታቶም ክመስሉን ይፍትኑ ነይሮም። ተጋደልቲ ኣባላት ጉጅለ ባህሊ`ውን ናብ ወጻኢ ንምርኢት ኣብ ዝኸድሉ እዋን፡ ስለ ዘይፍቀደሎም ጥራይ፡ ኣብ ምርኢት ናይ ሓሶት ብረት ይጥቀሙ ነይሮም ኢዮም።  ወታደራዊ ዕጥቁ ደርብዩ፡ ብወለንትኡ ካብ ወታደራዊ ህይወት ሃዲሙ ዝተፋነወ (ብፍላይ ድማ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ወታደራዊ ባርነት) ተመሊሱ ዝምነዮን ብዝህጎን ኮይኑ ክረአ ግን ምስሉይነት ኢዩ። ብሓቂ እንተ ደልዮሞ`ከ መን`ዩ ከሊኡዎም? ተመሊሶም ክጽንበሩዎን ክነብሩዎን ይኽእሉ እንድዮም!!! እሞ ተደናጊሮም`ዶ ንበሎም ሰዲዖም?

እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሕቶ ድማ፡ ሽግ ሓርነት ዝቕበል መን`ዩ? ዝብል ኢዩ

ሽግ ሓርነት ዝቕበል መን`ዩ?

ሕጂ`ውን ንድሕሪት ኢየ ክመልሰኩም። ናጽነትን ኤርትራዊ ሃገራውነትን ፍረ-መስዋእትን ህያብ ገድላዊ ህይወትን ስለ ዝኾና። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ሰብዓታት፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ 1977 ዓ.ም ገድሊ ኤርትራ ንምጭፍላቕ ዓቢ ምትእትታው ሕብረት ሶቬት ምንባሩ ኩሉ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኢዩ። ኣብቲ እዋን`ቲ፡ ኩሉ ኤርትራዊ መንግእሰይ ክልተ ምርጫታት ነይረንኦ። ወይ ህይወቱ ከድሕን ዓዱ ገዲፉ ክስደድ፡ ወይ ድማ ንድሕነት ህዝቡን ሃገሩን ንመስዋእቲ ቅሩብ ክኸውን። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኩነታት፡ ተጋዳላይ ኤፍረም ገብረ-ክርስቶስ፡ ናይ ሽዑ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ናይቲ ኣነ ዝዓበኹሉ ከባቢ – ናይ ሎሚ ኣማሓዳሪ ዘባ ደቡብ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ “ሎሚ ንኽሓስብ ዝኽእል ኤርትራዊ፡ ዓለም ከም ዓይኒ መርፍእ ጸቢባቶ ኣላ!!!” ክብል ገሊጹዎ ነይሩ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኤርትራዊ ኣብ ፈቐዶ ስንጭሮ ተቐቲሉ ይድርበ፡ ኣጡባት ኣደታትና ብካራ ዝቑረጸሉ፡ ዕሸል ብሳንጃ ጦር-ሰራዊት ካብ ማህጸን ኣዲኡ ዝወጸሉ፡ ኤርትራዊ ህይወት ከም ተራ እንስሳ ብተመልከተለይ ዝምንጠለሉ ኣዋን`ዩ ዝነበረ። ዝበዝሕ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ፡ ነታ ጸባብ እዋን ከርህዋ፡ ንደም ኣዴታቱን ኣቦታቱን ኣሕዋቱን ክብቀል፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኤርትራዊ ሃገራውነት ክዉን ክገብር ንበረኻ – ናብ ገድሊ ወፊሩ። ኣብ ሞትን ዝፈሰሰ ደምን ናይቲ ዝወፈረ መንእሰይ ድማ ኢያ ሽግ ሓርነት ተወሊዓ።

ውሑዳት ግን ነብሶም ዝፈትዉን ናይ በለጽ መርገጺ ዝወሰዱን ናይቲ እዋን መንግሰያት፡ ኣብ ክንዲ ንበረኻ ንስደት ዘማዕደዉ ነይሮም ኢዮም። ዝበዝሑ ካብዚኣቶም`ውን ኣብተን ዝኸድወን ሃገራት ኮይኖም፡ ማዕረ`ቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ህዝቢ`ኳ እንተዘይኮነ፡ እጃሞም ኣቢርኪቶም። ገለ በለጸኛታት ግን፡ ፓስፖርት ናይቲ ሕሱም ጸላኢና ሒዞም፡ “እንተመጸት ከም ሰብና፡ እንተጠፍአት ድማ ከይከሰርና ንጸንሕ” ዝብል ተበላጺ መርገጺ ወሲዶም፡  ክሳብ ዕለተ ናጽነት ኣስመራን ጅዳን ይመላለሱ ነይሮም። እዞም ትማሊ ኢዶም ዘይሓውሱ ሰባት፡ እዞም ኣደታቶም ክሕረዳ ዘጽቀጡ ሰባት ድማ ኢዮም፡ ሎሚ ኣብ ሕሰምን ሞትን ብኽያትን ህዝቢ ኤርትራ ተሓባበርቲ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም፡ ኣብ መቓብር ኣሕዋቶም ዝስዕስዑ ዘለዉ።

ሽግ ሓርነት እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ፡ ንኹሉ መሰናኽላትን ሕሰም ጸላእን ተጻዊሩ፡ ነቲ ገድሊ ዝሓብሓበ ህዝቢ ኢያ ክትርከብ ዝገበኣ። ሃንቀው ዝበላን ምእንታኣ ኩሉ ንብረቱ፡ ጉልበቱን ደቁን ዝኸፈለ ንሱ ስለ ዝኾነ። ሽግ ሓርነት ነቶም፡ ትማሊ ኣብ ንእስነቶም፡ ሎሚ ኣብ እርጋኖም፡ ክልተ ግዜ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝጠለሙ ሰባት ምሃብ ግን ንክድዓት ፖለቲካዊ በለጽ ሞሳ ምሃብ ኢዩ። እዞም ኣብቲ ዳንኬራ ዝረኣዩ፡ ትማሊ ዋርሳይን ይከኣሎን ዝብል ስም ሒዞም፡ ምእንቲ ኤርትራ ከርተት ዝበሉ፡ ናይ ሎሚ ስደተኛታት ግን ነዚ ዝተረድኡ ኣይመሰለንን። እዚ`ውን ካልእ ፖለቲካዊ ግርምቢጥ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ኣበይ ከይስቆሮም።

ኣብዚ ብንጹር ከብርሆ ዝደሊ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ሃገርና ብሓጎስ ምዝካሮም ኣይኮንኑን ዝቃወም ዘለኹ። እኳ`ድኣ ንኹሎም ኣብቲ ጽንበል ዝነበሩ ሰባት “እንቋዕ ናብ መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብጽሓኩም” እብሎም። እቲ ዘዛርበኒ ዘሎ፡ ምሉእ ወታደራዊ ታዕሊም ተዋሂቡኳ፡ ክብረት ህዝብን ሃገርን ክትከላኸለሉ ዝተዋህበካ ብረት ጒሒፍካ፡ ኣብ ዓዲ ጓና – ዚንጎን ዕንጸይትን ኣላጊብካ ጅግና ክትመስል ምፍታን ኢዩ። ማዕረ-ማዕሪኡ ድማ፡ ንባንደራን ባና ሓርነትን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ተሓቢእካ፡ ንሞትን መቕዘፍትን ጸማም እዝኒ ሂብካ ከተብቅዕ፡ ኣብ ስቓይን ብኽያትን ናይቲ ምእንቲ ሃገርን ባንደራን ዝሞተ ህዝቢ ኮንካ፡ ተቐባል ባንደራን ዓታሪ ሽግ ሓርነትን ክትከውን ምድላይ ዘስደምም ኢዩ። ሕጂ`ውን – ግርምቢጥ ህግደፋዊ ምሕደራ ዝብሉኹም እዚ ኢዩ።

ብድሕሪት ነዚ ዘወሃህዱ`ኸ በዓል መን`ኮን ይኾኑ?

እቲ ፍጻሜ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኮነ፡ እዚ ብፍቓድን ኣፍልጦን ኤምባሲ ኤርትራ ዝግበር ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብቲ “ንክሓስብ ዝኽእል ኤርትራዊ፡ ዓለም ከም ዓይኒ መርፍእ ጸቢባቶ ኣላ” ዝተባህለሉ እዋን፡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም፡ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ኮይኑ፡ መንእሰያት ንሜዳ ክወጹ ዝጉስጉስን ዘሰለፍን ዝነበረ ተጋዳላይ ኢዩ። ውሑዳት፡ ካብ ብሱል ጥረ ዝወጹ ገዲፍካ፡ ዳርጋ ኩሎም`ቶም ብመንገዱ ዝተጋደሉ መንእሰያት ድማ ንናጽነት ተኸፊሎም ኢዮም። ደቆምን ናእሽቱ ኣሕዋቶምን ግን፡ ኣብ ምድረ-በዳ ብጸሓይ ይመኩ፡ ኣብ መዓሙቕ ማይ ባድ ይወሓጡ ኣለዉ። ኣምባሳደር እስቲፋኖስን መሰልቱን ድማ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ናይ ትማሊ ጠላማት ሒዞም ካልኦት ጠላማት ዘፍርዩ፡ ተመሊሶም ንዝሓለፉዎ ህይወትን ዝነበሮም ባህግን ክዝክሩ ዝሓሸ ኢዩ። እንተኾነ ገለ ሰባት ድርብ ሰብነት (dual personality) ሒዞም ክኸዱ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ`ሞ፡ ኣብ ስቓይ ክልተ ሰብነት ክነብሩ ካብ መረጹ፡ ኣኻኣሎ ይሃብኩም እብሎም። ዘይሩ ዘይሩ ግን ካብቲ ግርምቢጥ ህግደፋዊ ምሕደራ ዝወጽእ ኣይኮነን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ንኩሉ ኤርትራዊ፡ ነቲ መንእሰይ ወለዶ ብሓፈሻ፡ ነቲ ኣብ ወጻኢዝነብር ድማ ብፍላይ፡ ካብ ምስሉይነት ወጺኡ  ግብራውነት ከዘውትር፡ ንገበነኛታት ከሐጉስ ዘይኮነስ ስርሑ ምስ ውሽጣዊ ሕልናኡ ከዛምዶ እላቦ። መዓልቲ ናጽነት ከተኽብር መሰል ጥራይ ዘይኮነ፡ ግዴታ`ውን ኢዩ። ንናጽነት ምዝካር ማለት፡ ነቶም ምእንትኡ ዝሓለፉ ክብርን ሞጎስን ምሃብ ማለት ስለ ዝኾነ። ካብ ምዱብ ወታደራዊ ስራሕ ሃዲምካ፡ ውፉይ ጅግና ክትመስል፡ ኣብ ቅድሚ`ቲ ብህድማን ጥልመትን ዝፈልጠካ ህዝቢ፡ በዓል ታሪኽን ተቐባል ሽግ ሓርነትን ክትመስል ግን፡ ህግደፍ ዝፈጠሮ ግዝያዊ ሸፈጥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተመሊሱ ዘሕፍር ስራሕ ኢዩ።

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • sami June 17, 2016

    እዞም ትርእዎም ዘለኹም ኣብ መድረኽ ዝዋስኡ ዘለዉ ብደም ህዝቢን ሃገርን ዝጻወቱ ወልደገባ ህዝቢ ኤርትራ እዮም እቲ ዘገርም እዞም ትርእዎም ኣብ ኩናት ኢትዮ ኤርትራ መሳትኦም ሃገር ንምድሓን ኣብ ግንባራት ክራባረቡ ከለዉ እዞም ሕጂ ኣብ ግንባር በርንጋሃም ኮይናም ንወያነ ደምስናየይ እንዳበሉ ክዛረቡ ክትሰምዕ ከለኻ ማዓንጣ ከብድኻ ትቕረጽ ብዝኾነ እቲ ከም መራሕኦም ኮይኑ ዝዋሳእ ዘሎ ዮናስ ጸሃየ ይባሃል እዚ ሰብ እዚ ኣብ ጊዜ ዉግእ ኢትዮ ኤርትራ ካብ ግንባር ቡጾቱን ኣሕዋቱን ገድፉ ሃድሙ ድሕሪ ምህዳሙ ድማ ተታሕዙ ኣብ ዛራ ተኣስሩ ጉዱጋድ ኣብ ምኹዓት ይዉዕልን ይሓድርን ዝነበረ ሰብ እዩ። እቲ ሚላኖ ናይ ላዕሊን ታሕትን ገይሩ ትርእዎ ዘለኹም ድማ ብርሃነ ወዲ ቐሺ ይባል ተሰካሚ ሳንጣ ዝነበረ እዩ በሉ ኩሉኹም ተጋደልቲ በርሚንጋሃም ኣብ ምቾት ከፈእልካ ንወያነ ሃርምናያ ንወያነ ቀትልናያ ዘይኮነስ እቲ ዝቐተልከካዮ ወያነ ኣብቲ ግንባር ይጽበየካ ኣሎ እንባኣር ዓምኹም ኢሰያስ ሕጂ ሰብ የድልዮ ኣሎ ሕጂ ንዑ ክድዎ ኣድሕኑኒ ይብለኩም ኣሎ ምኻድ በየናይ መዓንጣኹም ኣቱም ወልደገባ ኤርትራ ጽባሕ ታሪኽ ክሓተኩም እዩ

    • Sisay June 17, 2016

      Well said brother Sami. Excellent points, facts and observation and please keep it up and keep exposing them.

    • T belew June 18, 2016

      Thank’s for ur advice, we have enough in side the country for TPLF.

  • ሕልና June 17, 2016

    ዓሻ ጽቡቅ ኣሎ ሓው ዓሻ ኸፊኡዎ ኣሎ።

  • m teckle June 17, 2016

    thanks kibur tadese kidane yemesgen kab libey (kab beal taf beal af quenu gudyna grm meglesi meneyom ezom pound ena akebu seb yedenagru

  • Berhe Tensea June 17, 2016

    How can a people who are forced to live in exile dance with their enemy? They easily forgot their and their people’s agony.
    Thanks to modern technology, this coward zombies are going to be recorded and are going to account later.
    For every stupid action now there is a consequence later.
    Death and agony to zombies. .

  • Negash June 18, 2016

    Dear Mr. Tadesse,

    Great article. You uncovered the hypocrisy of some people who betray their people for temporary interests.
    I have a question though, you mentioned, during the struggle time, some people had Ethiopian passports and they were going from Jeddah to Asmara. Unless the person going from Jeddah to Asmara was working against the struggle, what is the harm? I know lots of people who had Ethiopian passports but they were also contributors in ELF and EPLF offices in Jeddah and Riyadh. They were just using Ethiopian passport to go see their families.
    Regards

  • ኣርዓዶም June 25, 2016

    ጂግና ትሃደሰ፡ ኣቐዲመ እግዚብሄር ጥዕና ይመልኣልካ ድራርካ የዕብዮ። ስለ እዚ ውጹዕ ህዝቢ እትገብሮ ቓልሲ ንሓርነት ክዕወት`ዩ።

    ከም`ዚ ናትካ ተንቲነ ኣይክእሎን ኢየ፡ ይኹን እምበር ብዛዕባ ናይ መንእሰያት ብሪጣንያ ማለት ኤርትራውያን፡ ብዙሕ ነገር ኢዩ፡ ዘሕዝን ኣዝዩ ዘጉህን ኢዩ።
    ኣብዚ ብሪጣንያ ነዊሕ `የ ገይረ፡ ንስርዓት ህግደፍ በቲ ዘይቕቡል ምሕደርኡ ካብ`ቶም ኣቐዲሞም ` ደሞክራሲ፡ ሕጊ፡ ሓርነት ይሃልወና፡ ማእሰርቲ ብዘይፍርዲ ደው ይበል፡ ካብ ዝበሉ ሓደ ኢየ።

    እዚ ኩሉ ዓመታት፡ ሕልናይ ዝወቕስ ክገብር ኣይደለኹን፡ እታ ዝኽእላ እንዳገበርኩ ይኸይድ ኣለኹ፡ ኣብ ርእሲኡ ግን ከም`ዚ ዝገለጽካዮ፡ እዞም ብመከራ ሓሊፎም ክነሶም ተመሊሶም ዝቓለሱና ዘለዉ እንስሳታት መሰል ክረኽቦም ከለኹ፡ ይገልጸሎም ኢየ፡ ገሊኦም ክብኣሱኻ ዘወጣውጡን ዝጻረፉን ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ከም ተቓወምቲ መሲሎም ዝቐርቡን ጸኒሖም ከም ነፋሒቶ ዝቕየሩ ሬሳታት ኢዮም።

    ናይ ብሪጣንያ ዘለዉ እሞ እዚ ኢልካ ኣይውዳእን ኢዩ፡ እቲ ይኹን ኣቲ ግን እቲ ሕመቕ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ናትና ኢዩ፡ ነዞም ከምዚኦም ሰባት ኣብዚ ብሪጣንያ ብዝሒ ሰብ ኣጽሊእዋ ዘሎ እዋን፡ ሃገር ንዕኦም ድሓን ስለዘላ፡ ክምለስሉ ዝኽእሉ ኣገባብ ንኢሚግረይሽን ብጽሑፍን ብደሞንስትሬሽንን ቓልና ዘይምሃብ ኢዩ ኣቲ ቐዳማይ ሕመቕ። ከም እትፈልጦ ኣብ ስዊዝ ክሳብ እቲ ዘመልከትዎ ናይ ዕቑባ ከም ዝተሓከ ኣይንርስዖን ኢና።

    ሕጂ ድማ ብትግሃት ተሪሕና ብልዕ ክንዕወት ምዅና ጥርጥር የብለይን። እዞም መንደልሃቕቲ መደላይ መሰል ጉኑፋት፡ ብሕመቕናን ኣብ ሕመቅናን ይነብሩ ኣለዉ እምበር፡ ጠርኒፍካ ናብ ኢሚግረይሽን ምስ እተቕርቦም ወላእላእ ምበሉ ነይሮም። ኣበይ ሞ ዘይከምቶም ኣብ ካልእ ኣህጉራት ዘለዉ ተቃለስቲ፡ ተቓለስቲ ኣብ ብሪጣንያ እንርከብ ኣዚና ድንጉያትን ሕማቓትን ወይ ሃሱሳት ዘካይዱና ምህላዎም ዘይክሓድ ሓቒ ኢዩ። እዚ ትብሎ ኩሉ፡ ኣበይ ሞ ኣብ ኖርወይ ወይ ስዊድን ወይ ስዊዝ ኣይነብርን፡ ንሶም ኣዝዮም ሰሪሖም ኢዮም። ኣብ ብሪጣናይ እንርከብ ግን ኣዝዩ ዘጉሂ ኢዩ፡ ክሳብ ሕጂ ብደገፍቲ ህግደፍ እንዳተድሃልና ንነብር ምህላውና ከተንብሃልካ ይደሊ።
    ሓድነት ሓይሊ ኢዩ፡ ብሓድነት ንስራሕ
    ዓወት ንኹሉ ደላይ ፍትሒ።

Post a Reply to Negash Cancel Reply