Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውህደት ኣህዛብ / ሃገራት

(ብመቀየሲ ሸኽ ከቢረ) ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ምዕራባውያን፡ ብምትሕብባር ጓሓሉ ደቀ-ባት፤ ብባርነት ዘገልግል ዝጓረትዎ ኣፍሪቃዊ ሓይሊ ሰብ    ከይኣክል ፤   ነቲ ኣፍሪቃዊ መሬት ከኣ በብዘርከቡሉን ብሓይሎም ዝሃቦምን ፤ናይ ደቂ ሰብ ስሚዒትን  ማሕበራዊ  ምትእስሳርን  ኣብ ግምት ከየተዉ ጎዛዚዮም  ምስ መቃቀልዎ

(ብመቀየሲ ሸኽ ከቢረ)

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ምዕራባውያን፡ ብምትሕብባር ጓሓሉ ደቀ-ባት፤ ብባርነት ዘገልግል ዝጓረትዎ ኣፍሪቃዊ ሓይሊ ሰብ    ከይኣክል ፤   ነቲ ኣፍሪቃዊ መሬት ከኣ በብዘርከቡሉን ብሓይሎም ዝሃቦምን ፤ናይ ደቂ ሰብ ስሚዒትን  ማሕበራዊ  ምትእስሳርን  ኣብ ግምት ከየተዉ ጎዛዚዮም  ምስ መቃቀልዎ  ፤ እቲ ክፉት ዝምድና ኣህዛብ ተደሪቱ ፤ ብዘይ ባህርያዊ  ኣታዓባብያ  ዶብ ዘለወን ቁሱላት ሃገራት ተፈጥራ።

ንጂኦ ፖለቲካ ምርኩስ ብምግባር “ ሃገር” ኢልካ ምዝራብ እምበኣር  ካብዚ`ዩ ዝጅምር ።ቅድሚ ምዕራባዊ መግዛእቲ ዝጸነሔ ኸኣ ናይ መሳፍንትን ሸፋቱን እትው ውጽእን ዝምታን  ወረራን ጥራሕ`ዩ። ስለዚ ሃጠውቀጠው ታሪኽ ኣሸሓት ዓመታት`ዶ ነገስታትና`ዶ ዝብል ገለጻታት ዝወጸሉ ፋልሶ`ዩ።

እዘን ብኸምዚ ዝቆማ ቁሱላት ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ናጽነተን`ውን መብዛሕተኤን ብኢድ ኣዙር መግዛእቲ /ብ ባምቡላታት ደቂ ሃገር/ ክምራሓ ስለ ዝጀመራ ፤ ካብቲ ዝነበረኦ ጸላም ክወጻ ኣይከኣላን ጥራሕ ዘይኮነ  ዳሓረን ዝገደደ ይበዝሓ።

ዝኾነ  ዝተቀልቀለ ሃናጺ ኣፍሪቃዊ ኣእምሮ ኸኣ  ኣደዳ ማእሰርትን ቅንጸላን ኮይኑ፤ እቲ ዝተረፈ ኸኣ ፤ ንስደት ኣምሪሑ ነነባብርኡ ምስቲ ናይ ምዕራብ ቅርጺ እናቃደወ፤ ናይ ግሉ ናብራ  ምምሕያሽ ጥራሕ ከም ዝሓስብ ተገይሩ`ዩ።

ሕጂ ኸኣ ከም ዶ/ ኣብየ ኣሕመድ ዝኣመሰለ ሙሁር ሰብ ፤ንቅርኒ ኣፍሪቃ  ሓደ ንምግባር ክብገስ እንኮሎ ፤ ከም ሓሳብ ክድገፍን ክሰፍሕን  ክጻዓረሉን ዘለዎ ጉዳይ`ኳ እንተኾነ ፤ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ ዕማም ክማላኣሉ ዝግባእ በዓል ቤታውን ወድዓውን ሮቋሒታት ረሲዕካ ኣይኮነን።

ኣብ ዘይረሰነ ሞጎጎ ዝተኸሰ ብሑቅ ጣይታ ኮይኑ ክወጽእ ኣይክእልን`ዩ። ምልስ ኢልና ናይቲ ጥረ እኽልን ምጥሓኑን፤ ሕልፍ ኢልና ኸኣ ናይ ኣከፋፍልኡን ኣበላልዕኡን ሕቶ`ውን ኣሎ ።

ዝኾነ ኾይኑ ውህደት ኣህዛብ ንምንታይ ይድለን ረብሓታቱን ክንርኢ ኮና፤ ንግለ ሰብ ንርኤ፤ ወዲ ሰብ ከም መሰረት  ከብዱ ክመልእ የገደሶ ኤኮነሚ ማለት`ዩ፤ ምስዚ ዝተተሓሓዘ ኸኣ ጸጥታኡ የገድሶ፡ ሃገራት ከኣ ልክዕ ከምኡ`የን።

ሓንቲ ሃገር ንናይ ሓንቲ ካልእ ሃገር ህዝቢ ካብ ዘለዋ ጸጋ ንኸተካፍላ ትዕድም ሃገር የላን። እንተዝከኣል ብወገነይ ኣይምተጸልኤን እብል። ግና ብሱሩ እቲ ጉዳይ ከምቲ ናይ ዘመን እኒእኒ`ዩ፤ ስርናይ ክህበካ ጨው ሃበኒ፤ መህደኒ እስርሓልካ ሓንቲ ጠል ትህበኒ …………   ወዘተ

ዝኾነ ኾይኑ ንዓይ እታ “ ርስንቲ ሞጎጎ’ ጉዳይ ፍትሒ ምዃና`ያ፤ ከምኡ`ውን ንስዉእ ሽኽ ዓብደልቃድር ከቢረ።

2ይ ውግእ ዓለም ኣብቂዑ፤ ኣብ መግዛእቲ ዝነበራ ይለቀቃ ምስ ተባህለ ፤ሓጹረን ፈሊጠን ባንደራ ከውለብልባ እንኮለዋ ፤ ናይ ኤርትራ ነጻ ምውጻእ ዘይተዋሕጠሎም ምዕራባውያን ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ንኽጽንብሩዋ ክፈትሉን ክኣልሙን ጀመሩ።

ኣብዚ ግዜ`ዚ  ሓደ ካብቶም ናይቲ እዋን`ቲ  ሙሁራት፤ ናይ ዓለምና ኣሰራርሓን ሽርሒታትን ዝርድኡ ፤ ኣብ ናይ ዓለም ድፕሎማሲ  ዝተዋስኡ በዓል ሃብቲ፤ ኢትዮጵያ ብብዙሕ መንገዲ ክትጥብሮም ፈቲና ዘፍሸልዋ ፤ ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ  ነዛ ተጸንበርዋ ዝበሃል ዘሎ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ምስክርነት ርእዮም መዚኖም ንኽውስኑ ካብ ኣስመራ ነቂሎም ንኢትዮጵያ ዘይሮም ተመልሱ።

……….. እዚ ኣብ ከበሳታት ብርስትን ደሳን ብዓድን ብስድራን መሬቱ ወኒኑ፤ ነ 40 ዓመት ዝተጸገዖ ሰብ ዘማእክል፤ ኣብ ቆላታት ከኣ ብናይ ሓባር ውነና ብነጻ ዝጓሲ ህዝቢ፤ ምስ ብመሳፍቲ መሬቱ ተወኒኑ ተጸጊዑ ዝነብር ህዝቢ ኢትዮጵያ ……… ኮታ  “ ህዝቢ  ኢትዮጵያ ኣብ ባርነትን ድኽነትን ሕስረትን ተረጊጹ ዝነብር ዘሎ  ህዝቢ`ዩ። ኢትዮጵያዊ ኣስላማይ ከኣ  ኣብ ርእስ`ቲ ከም ኢትዮጵያዊ ዝወርዶ ግፍዒ ብስንኪ እምነቱ ዝወርዶ ተደራቢ ግፍዒ ኣሎ ። ………..  ምስ ኢትዮጵያ ምጽንባር ጌጋ`ዩ”

እዚ መደምደምታ ከቢረ ፤ ነቲ ዝተተኮሰ ቃልስን ነቲ ንሶም ዝፈለምዎ መስዋእትን ክብርን  ሓረበኛነትን ነጻነትን ልኡላውነትን  መሰረት ዝኾነ ፤ ብዓብዩ ኸኣ 3 ሚልዮን ኣንጻር 50 ሚልዮን ፤ ቅንጹብ ናይ ገለ ሃገራት ኣዕራብ ደገፍ ኣንጻር ኣመሪካዊ  ሶቭየታዊ ኩባዊ እስራኤላዊ ምስራቅ ጀርመን  ደቡብ የመን ገጢሙ ክስዕር ዝገበረ ሓያል መሰረት`ዩ።

ትብዓት፡ ናይ ምምዳር ዓቅሚ፡ ተወፋይነትን ልግስን ኣስራርዓን ከቢረ  ኣብቲ ግዜ`ቲ ኮንካ ብመስዋእቶም ጀሚሩ ብነጻነት ክድምደም ንኽትግምት ዘጸግም ነይሩ ክኸውን ይኽእል`ዩ

ናብ ሸቶኻ ዘብጽሕ ቅኑዕ ኣካይዳ ጥራሕ`ዩ። ናብ ህንዲ ዝበጻሕካ መሲሉካ ንዘይ ህንዳውያን ህንዲ ምባል`ውን ኣሎ።

AAHfiz (134 ) 21/07/2018

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
9 COMMENTS
  • k.tewolde July 22, 2018

    One of the prominent founding fathers of the Eritrean nation and nationalism, Altruistic,prudent and intelligent voice of his time. I wish he was the one toasting the peace with the EPM today, even though we wouldn’t have been in this situation under his leadership to begin with,like Awelkeir said things were not cooking in favor of the Eritrean people from the get go.That is why we are from the outside looking in,and our enemies are speaking on our behalf.As the song by Alanis Morissett goes,’Isn’t that ironic.’ ‘Ten thousand spoon when all I need is a knife..’ Keep reminding us my friend.The sparkle of a diamond never fades.

    • Asmerom July 22, 2018

      Are you still living in your diQala murderous ELF/Jebha jungle????????
      I am sure you had the worst childhood upbringing! We can’t reason with this brain-dead headless foot soldier mercenary. They rightly say: “An arrogant poor man {like yourself} is pathetic. An arrogant rich man is abominable, but tolerable, indeed, indeed.
      Ironic isn’t it how poor Eritrea today has the most backward, corruptive of everything: politics, economy, so called fake historians, “heroes liberators” deQalu ELF sold outs & everything in between.
      In short ELF stooge and lousy propagandist, your outlawed shefatu/bandits are all mercenaries who brought us darkness, backwardness, bloodshed, destruction, refugees for our poor Eritrea. Why the hell do you keep scratching our wounds??? In today’s 21ct century world people and nations are competing in the technological world and opportunists and losers HADEMTI like yourselves are yet talking/prostituting about bloody wars and fake struggles of the past.
      Even the great Vietnamese people who defeated and humiliated a superpower {USA} don’t live in the past bragging about their past war or real struggle or about their incredible heroism.

      • Berhan July 22, 2018

        I feel sorry for poor why of think. You have a negative attitude and racist attitude. I would advise you to see you medical Dr. Poor man.

        Berhan

      • AHMED SALEH !!! July 22, 2018

        Anta humum
        Leave Eritrea alone .
        Tigrai-Tigrigni is dead . Hasawi wahd.

      • k.tewolde July 22, 2018

        ‘Asmerom
        JULY 22, 2018
        Are you still living in your diQala murderous ELF/Jebha jungle????????’…….Nop, I am tapping on my 30+ inch Mac in an eco friendly modest home overlooking the bay in the most advanced nation in the world reminiscing the political heydays of our homeland and the precious gems who carved it. Would that answer your question?

  • Degoli July 22, 2018

    ብዛዕባ ዝበለየ ገና ትግዕር ኣለኻ፧ ብዝበለየ ዜና፧ ጀብሃን ቅያዳ ኣል ዓማን ክንደይ ሰብ ቀጢለን ሓሪደን፧
    ሰብ ኣብ ዝበለየ ፖለቲካ ኣይነብርን እዩ። በጃኻትኹም ሓራ ሰባት ኩኑ ፥ ቅድሚ ንኻለኦት ሓራ ምውጻእ።

  • Degoli July 22, 2018

    Courtesy of BT,
    መብዛሕትኡ እዚ ኣንጻር ኢሳያስ ዝጸሓፍ ዘሎ ነቲ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕል ንምዕንቃፍ እኳ እንተኾነ። ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ እዚ ኣዝዩ ከም እተዓወተ ዝኽሕድ ሕልንኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኵውንነት ኣብ ጽልኢ እተላዕጠጠ ንኤርትራውያን ሰላም ከምጽእ ዘይክእል ድኹም ኣእምሮ ዝወለዶ እዩ።
    ኢሳያስ ብዙሕ ዘኽስሶ ገበናት እንከለዎ ፤ “ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌሩ” ኢልካ ሃለውለው ምባል ፖለቲካዊ ውድቀትካን ስንፍናኻን ክሽፍን ኣይከኣልን ።
    ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ከምዝደሊ ኣብቲ ግንባራት ዘሎ ኩሉ መስኪርዎ እዩ። ሰላም ኣይደለኻን ፣ ነቲ ጎዳጉዲ ወኻሩ ንዓመታት ዝንበረ መንእሰይ ኬድካ ኣብርዮ።
    ብመስኮት ኮምፒተር ተሓቢእካ እተምጽኦ ሰላምን ፍትሕን የለን። ስረ እንተለካ ከምቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስረ ዓጢቑ መሰሉ ዝመለሰ ምሰል።
    “ናይ ወያነ ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ። ባዕልና ብስሬና ንኢሳያስን ህግደፍን ክንኣልዮም ኢና:” ትብሉዶ ኣይነበርኩምን?
    ሕጂ ተሓቢእካ ነቲ ሓራ ከውጸኣካ እየ ኢልካ እትሽቅጠሉ ዝነበርካ ምስኪን ኤርትራዊ ፣ ኣብ ኣሜሪካ ኣውሮጳ ኣውስትራሊያ ተሓቢእካ ትጻረፍ ኣለኻ። ፈሽኳል! ነዚ ፈሊጡ እዩ ድማ ዘይሰዓበካ።

  • Trojan July 23, 2018

    Was this Kebbire promoting the Arabization of Eritrea? Did Kebbire defend Eritrean native languages of Tigre – Tigrinya that are spoken and understood by more than 90% of Eritrea?
    What was Kebbire’s mission by Arabizing Eritrea? Was Kebbire suffering of inferiority complex of his own Wello ancestry.
    A person who was worshiping aliens as a Fascist Italian civil servant, the feaudal Wahabi Arabs, Nazist Arab leaders and a servant of the Arab Egyptians to promote Arabization in Eritrea can not and should not be a symbol of anything to young Eritreans, except to serve as a symbol of servitude, slavery, Arab Abeedism and inferiority complex.
    A person who does not know himself, his identity and a person ashamed of his own languages and heritage can not teach us about our own millennial history by a shallow Arab fiction.
    You have no shame to preach here about “Western colonization” but you have no courage to talk about Arab slavery of Africans that is still rampant for many people like you that they call “Abeed”.

    Ask: why this Kebbire hated his own Tigre – Tigrinya languages?

  • tewelde andom July 24, 2018

    Trojan you are trush…Go to your ansectry tegaru…if this humble mab who paid his life for Eritrea does not deserve resepect.
    What will you deserve you alien who is just typing behind screen who does not have confidence even to show who you r.Coward gossiper…Ms mebeyikha tifae yibul hsum regami. respect your own self.

POST A COMMENT