Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም እተሰማምዐ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክኢላታት ፋይናንስ ከምዝገለጸሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳያት ኤርትራ ክዛረብ ውክልና ከምዝሃቦን፡ ኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Province ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተሰማምዐን፡ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሕብረት

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳያት ኤርትራ ክዛረብ ውክልና ከምዝሃቦን፡ ኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Province ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተሰማምዐን፡ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክኢላታት ፋይናንስ ከምዝገለጸሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቲ ሓበሬታ ዘምለቖሉ ኣጋጣሚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2019ን ምስ ሰበስልጣን ናብ በልጅም፡ ብራስለስ ተጓዒዙ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳን ምስኣቶም ዝተኣከቡ ፋይናንሳዊ ክኢላታትን፡ ንወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ጽርግያታትን ዝውዕል ገንዘባዊ ምወላ ክገብሩ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ፡ ንወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ጽርግያታትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ንሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ ሓተተ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ በቲ ኣቀራርባኡ ዝተገረመ ሓደ ገንዘባዊ ክኢላ (Financial Expert) ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢሉ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ `ከመይ ኢሉ ደኣ`ዩ ንኤርትራ ዝምልከቱ ፋይናንሳዊ ጠለባት ዘቕርብ ዘሎ` ክብል ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብወገኑ፡ `ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ ንኣቢይ ውክልና (Mandate) ሂቡዎ እዩ` ብምባል፡ ንኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Provicce ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ከምእተሰማመዐ ድማ ብዘየወላውል መንገዲ ኣረጋጊጹሉ።

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንፈለማ ግዜ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኮይኑ ክንቀሳቐስ መዝነት ከምዝሃቦ ኣብ ቅድሚ ቴለቭዥን ብዓውታ ክዛረብ ከሎ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብግዲኡ `ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ኣዋሳ፡ ብዘይቃልዓለም ውክልና ሂበካ ኣለኹ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኢሉዎ እዩ።

እቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንሓደ ኤውሮጳዊ ፋይናንሳዊ ክኢላ ኣግህድ ኣቢሉ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ክትከውን ምዃና ብንጹር ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ነቲ ድሮ ኢሳይያስን ኣቢይን ብዝተፈላለየ ኣቀራርባ ከንፍሱዎ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ውዕል ዘግህድ እዩ።

ኣብ ርእሲ ኩሉ `ቲ ብምድግጋሙ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽመመ ናይ ምድማርን ናይ ሓይሊ ባሕሪን መደረታትን ኣቢይ፡ ሎሚ ቕነ ፕረዚደንት ክልል ኦርሞያ ለማ መገርሳ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ `ኣብ መጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ እንተሃለወና መን ይፈልጥ` ዝበሎ፡ ኣምባሳደር ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ጃፓን፡ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ (ኣምባሳደር ትዊተር) ምቅይያር ልኡላዊ ዶባት ዘይተርፍ ምዃኑ ብትዊተር ዝሃቦ ሓበሬታ `ውን ነቲ ውጥን በብቑሩብ እናውጻእካ ንህዝቢ ኤርትራ ቀስብቐስ ንምልማዱ ዝዓለመ ስልቲ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነቲ ብቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረኽበ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት ኣሊሙ ንምትግባሩ ብዝለዓለ ይንቀሳቐሰሉ ከምዘሎ ዘየማትእ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዘይተገጥመ ሓደ ብድሆ እምብኣር፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ልኡላውነት ኤርትራ ንምዕቃብ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • ሃብተ February 26, 2019

    ኣቱም ሰባት ከምዚ እዳ ሓሶኹምሲ እግዝኣቢሄር ኣትፈርሑን ድኹም

    • Woldemicael February 26, 2019

      How do you know it is a lie?

      • ሃብተ February 26, 2019

        ቀሊል እግዝኣቢሀር ድኣ ቁኑዕ ተኾንካ ኩሉ የስልጠልካ እስኹም ግን 30 ዓመት ሓንቲ ኣይሰለጠኩምን ትሕስው ስለ ዝኾንኩም ድኣ ከይከውን።

  • maasho February 26, 2019

    uncle sye
    fesawi ab zey gudayka aytieto natka giber wanatatu alonayo .

POST A COMMENT