Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም እተሰማምዐ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክኢላታት ፋይናንስ ከምዝገለጸሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳያት ኤርትራ ክዛረብ ውክልና ከምዝሃቦን፡ ኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Province ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተሰማምዐን፡ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሕብረት

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳያት ኤርትራ ክዛረብ ውክልና ከምዝሃቦን፡ ኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Province ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተሰማምዐን፡ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክኢላታት ፋይናንስ ከምዝገለጸሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።

እቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቲ ሓበሬታ ዘምለቖሉ ኣጋጣሚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ 2019ን ምስ ሰበስልጣን ናብ በልጅም፡ ብራስለስ ተጓዒዙ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳን ምስኣቶም ዝተኣከቡ ፋይናንሳዊ ክኢላታትን፡ ንወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ጽርግያታትን ዝውዕል ገንዘባዊ ምወላ ክገብሩ ኣብ ዝሓተተሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ፡ ንወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ጽርግያታትን ኤርትራ ኣመልኪቱ ንሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ ሓተተ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረ በቲ ኣቀራርባኡ ዝተገረመ ሓደ ገንዘባዊ ክኢላ (Financial Expert) ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢሉ ንዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ `ከመይ ኢሉ ደኣ`ዩ ንኤርትራ ዝምልከቱ ፋይናንሳዊ ጠለባት ዘቕርብ ዘሎ` ክብል ሕቶ ምስ ኣቕረበሉ፡ እቲ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ብወገኑ፡ `ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ ንኣቢይ ውክልና (Mandate) ሂቡዎ እዩ` ብምባል፡ ንኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Provicce ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ከምእተሰማመዐ ድማ ብዘየወላውል መንገዲ ኣረጋጊጹሉ።

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ንፈለማ ግዜ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኮይኑ ክንቀሳቐስ መዝነት ከምዝሃቦ ኣብ ቅድሚ ቴለቭዥን ብዓውታ ክዛረብ ከሎ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብግዲኡ `ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሓሉ ኣብ ኣዋሳ፡ ብዘይቃልዓለም ውክልና ሂበካ ኣለኹ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ኢሉዎ እዩ።

እቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ንሓደ ኤውሮጳዊ ፋይናንሳዊ ክኢላ ኣግህድ ኣቢሉ ኤርትራ ክፍለ ሃገር ኢትዮጵያ ክትከውን ምዃና ብንጹር ዝሃቦ ሓበሬታ ድማ ነቲ ድሮ ኢሳይያስን ኣቢይን ብዝተፈላለየ ኣቀራርባ ከንፍሱዎ ዝጸንሑ ምስጢራዊ ውዕል ዘግህድ እዩ።

ኣብ ርእሲ ኩሉ `ቲ ብምድግጋሙ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽመመ ናይ ምድማርን ናይ ሓይሊ ባሕሪን መደረታትን ኣቢይ፡ ሎሚ ቕነ ፕረዚደንት ክልል ኦርሞያ ለማ መገርሳ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ `ኣብ መጻኢ ኣፍደገ ባሕሪ እንተሃለወና መን ይፈልጥ` ዝበሎ፡ ኣምባሳደር ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ጃፓን፡ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂ (ኣምባሳደር ትዊተር) ምቅይያር ልኡላዊ ዶባት ዘይተርፍ ምዃኑ ብትዊተር ዝሃቦ ሓበሬታ `ውን ነቲ ውጥን በብቑሩብ እናውጻእካ ንህዝቢ ኤርትራ ቀስብቐስ ንምልማዱ ዝዓለመ ስልቲ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነቲ ብቃልስን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ ዝተረኽበ ልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት ኣሊሙ ንምትግባሩ ብዝለዓለ ይንቀሳቐሰሉ ከምዘሎ ዘየማትእ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን ዘይተገጥመ ሓደ ብድሆ እምብኣር፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ልኡላውነት ኤርትራ ንምዕቃብ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • ኢዮብ February 25, 2019

    እዚኣ ደኣ 100 ግዜ ሞት እያ። ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ!
    ብደውና ክንግነዝ ፡ እሞ ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን የሎን ማለት እዩ።
    እቶም ሓለምትን ተሓባበርቶምን ደኣ ኣብታ ዝዃዓትዋ ጉድጓድ ይኣትው እምበር ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ያኢ መንዲል ናይ ኢሰያስ ተረኺባስ ከምድሌቱ ክዕድላን ክሸጣን!!! እሞ ዓሻ እዩ ንሱን ዓሌቱን ክጸንት ዝእውጅ።
    እምበር ኤርትራስ ኣበደን፡

  • Deglel February 25, 2019

    Eritrea would be so lucky. Eritrean refugees from begging in the streets of Addis
    would also return to Eritrea happily to start new lives with new job opportunities and future.

  • Metkel Sahel February 25, 2019

    Deglel…you seem to be an Ethiopian posing as Eritrean on this website. First take care of your 100 million population woth jobs and good life before you try to do somthing else there are 3 miillon ethiopian displaced in your country.

    • Deglel February 26, 2019

      Mesherefet, you must be one of the beggars in Addis Ababa streets, stop posing, OK!
      Ethiopia is taking care of its 100+ population with rule of law, democracy and transparency.
      In Eritrea you have no basic food, electricity, running water, medication and education.
      Moreover, Ethiopia doesn’t have REFUGEES in all it’s neighbors countries like sick Eritrea’s.

  • Berhane February 25, 2019

    Eritrea is going to hell due to the viscous dictator and narcissist Esayas. The Ertrean people have to unite to save the beautiful country.

  • Legless February 25, 2019

    Fuck you man! Eritrea will NEVER EVER be part of Ethiopian Period!

  • Hope February 25, 2019

    Selam Amanuel:
    Please be careful and cautious about such sensitive Sovereignty related issues as IA does not ,cannot ,would NOT have any mandate or capacity to do so.
    Your credibility has been i Jeopardy and if this is a propaganda and a Cheeto PR Gimmick,well,Eritreans and Eritrea owe u a big apology !
    Here is my challenge to you:
    Since you have an access to the EU Official and to Dr Abiy and his Ambassador,show us the courage to interview at least one of them.
    If you are really more serious and have Evidence,well,then it is time to coordinate things with other Eri Media and Opposition Groups and do your best to rally the Silent Eritrean Majority and to prepare us for the worst eventuality before it is too late.

    • Sol February 26, 2019

      ሓው ተስፋ (Hope) ካብ ናብ ናይ ኣሰና ሓበረታ ጥርጣሬከ ተሕድር ትፍትን እቲ ከም ጸሓይ ንግሆ ኩሉ ዝሰመዖ ሓበረታ ብዛዕባ ኣቢ ኣብ ኣስመራ ዝበሎ ኤሰያስ ኣብ ኣዲስ ዝበሎ ናይ ለማ መገርሳ እንታይ ምዃኑ ኣብርሃልና።

  • Merhawi February 25, 2019

    ደግለል ብሓቂ ምዉት ሕልና ኢኻ ኤርትራዊ እንተ ኾንካ። ኢትዮጵያዊ እንተኾንካ ድማ ብሓቂ ዓሻ ኢኻ ደጊም ዳግማይ ኣፍላጋት ደም ኣብ ቀርኒ እፍሪቃ ክፈስስ ደቂ ድካታት ከጥፉኡ ዳግም ሓዊ ክውልዑ ኢሰያስን እብይን ይእግዱዋ ኣሎዉ። እቲ ባሕሪ ብምክብባርን ብሰላምን ኢትዮጵያ ዘሎዋ ሂባ፡ ኤርትራ ዝውሎዋ ሂባ ብምክብባር ብሰላም እኹል ኢዩ ኔሩ።
    ነዚ ዝህንድሱልና ዘሎው ናይ ጥፍእት ሴራ፡ ብሰላም ብምክብባር ክንነብር ኣሎና ኢልና ኢትዮጵያውያን ኩኑ ኤርትራውያን ብሓደ ክንብድሆም ጌጋ ክንብሎም ኢዩ ዝግባእ።

    • Deglel February 26, 2019

      Action speaks louder than empty/cheap words – act now, no more halowlows nonsense.

  • Aman Hakin February 25, 2019

    ሓንቲ ልዑላዉነታ ዘረጋገጸት ሃገር እሞ ኽኣ ባንዴራኣ ኣብ ቀጽሪ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዘንበልበለት ሃገር ብዘይ ፍቓድን ብዘይ ምርጫ ህዝብን፣ ናብ ጎረቤት ሃገር “ክጽንብራ” ዝኽእል ሓይሊ ወይ ሕጊ ኣሎ ድዩ???

  • Abi February 26, 2019

    ከምቲ ንሳቶም ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ንሕና ውን ኣብ ልዕሊኦም ስጉምቲ ምውሳድ እንተዘይጀሚርና እናተስሓግና እታ ገመድ ምድማር ኣብዛ ክሳድና ክትሽንቆቕ እያ

  • UNCLE SYE February 26, 2019

    ኣቱም ደቂ ኣሰና,
    ወዮ ድኣ ነብዪ ኣብ ዓዱ ዘይክበር ኮይኑ እዩ እምበር ,ኣነ ንዓመታት እቲ ኹሉ ዓረፍተ ነገራተይ ክጅምሮ ከለኹ, ጂሃዳዊት ጀብሃን ኢትዮጵያዊት ሻዕብያን እዩ ዝብል….ሻዕብያ ኢትዮጵያዊት ምኽዋና ኩሉ ተግባራታ ካብቲ ወያነ ኣእትያ ሓይሊ ኤርትራዊ/ዓረባዊ ጀብሃ ከተውቅዕ ከላ ጀሚርካ…ኩሉ ኣካይድኣ የመስክር….እወ እቶም ብረት ሒዞም ኮለል ዝበሉ ተዋጋእታ ንኤርትራ ዝተዋግኡ መሲልዎም.ግን ናይ ዝመሰለካ እኮ ኣይኮነን!!! ኣብ ሓንቲ antrax chemical ተፍሪ ኢንዱስትሪ ስራሕ ትጅምር ሽም ናይታ ኢንዱስትሪ ግን “ኢንዱስትሪ ሑሩጭ ጸባ” ይብል ….እቲ ሽምን እቲ ተፍርዮ ምህርትን በበይኑ እዩ. እሞ ኣነ እንዳ ጸባ ሐሩጭ ኢለ እየ ኣትየዮ ስለዚ ኣፍሊሕካ ክስተ ኣለው ኣይትበለና !!! ንስኻ ድማ ስም ብዘየገድስ “እንዳ antrax biological ኢንዱስትሪ ትሰርሕ ኔርካ እምበር ኣብ ኢንዱስትሪ ሕሩጭ ጸባ ኣይሰራሕካን !!! ንስኻ ሓደ ደደብ ዝበሉኻ ከይመርመርካ ኣብ ፕላስቲክ ኣእቲኻ ትዕሽግ ዝነበርካ ዕደ ኢኻ እምበር ቆለውዕ ክዕንገሉ ጸባ ዘፍረኻ ኣይኮንካን !!! ኣብቲ ኢንዱስትሪ እምኒ ተተርኢስካ ደቅስ ቁማል ተበላዕ ንህዝቢ ዝሃሲ ምህርቲ ኣፍሪኻ እምበር ምንም ኣይፈየድካን…ነዚ ዝሃብኩዎ brilliant ምስላ ተጠቒምና ተገንጸልቲ በረኸኛታት ሻዕብያ ንምግንጻልናን ጥፍኣትናን ኢሎም ዝሃቀንዎ እቲ antrax ንዕኦም ኣዕንዩ ንዓና እቲ ጸባ ምድማር ፈጢሩልና
    = የቀንየልና ኢትዮጵያዊት ሻዕብያ ኣኽረቱ ክሒስክና ኢኺ,ኣይከሰርናን !!!

POST A COMMENT