Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘለዎ ሕዱር ሕማም ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዘሎ ስሙ ዘይተጠቅሰ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ይሕብር።

ብኣብ ቀረባ እዋን ቁንቁኝኡ ምስጢር ዘለዎ ዝመስል ሃታ ሃታ ኩነተ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ዝሰዓበ ዑደት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ብቀረባ ኩነታት ጥዕንኡ ክዕዘብ ዕድል ዝረኸበ ስሙ ዝተዓቀበ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፡ ኩነታት ጥዕና `እቲ ፕረስደንት ኣብ

ብኣብ ቀረባ እዋን ቁንቁኝኡ ምስጢር ዘለዎ ዝመስል ሃታ ሃታ ኩነተ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያ ከም መቐጸልታ ዝሰዓበ ዑደት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ንኢትዮጵያ ብቀረባ ኩነታት ጥዕንኡ ክዕዘብ ዕድል ዝረኸበ ስሙ ዝተዓቀበ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት፡ ኩነታት ጥዕና `እቲ ፕረስደንት ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት` ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሓደ ናይ ሃገራት ዓረብ ዲፕሎማት ተመሳሳሊ ትዕዝብቱ ከምዘካፈለ `ውን ምንጭታትና ኣቐድም ኣቢሎም ሓቢሮምና እዮም።

ከም ዝፍለጥ እቲ ፕረስደንት ብምስጢር ዝሓዞ ኩነታት ጥዕንኡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምኻድ ክሕከም ከም ዝፍትን ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ፡ ክሳብ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብዝርከቡ ባህላዉያን ሓካይም ክሕከም፡ ናይ ስራሕ ዑደት ብምምሳል ብተደጋጋሚ ይመላለስ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ካብ ቀረባ እዋን ብኩነታት ጥዕንኡ ተስፋ ዝቖረጸ ኢሳይያስ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ቀጻሊ ጥዕናዊ ክንክን ተጸሚዱ ከም ዘሎ ዝሓብኦ ምስጢር እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብኩነታት ጥዕና እቲ ፕረስደንት ዝተሰከፈ ዲፕሎማት ከም ዝበሎ ኣብ ዞባና ዘሎ ዘይምርግጋእ ምስ ዘይተርፍ ዝበሎ ሞት እቲ ፕረስደንት ኣብ ኤርትራ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ክትክኦ ዝኽእል ዝተወደበ ምንቅስቃስ ሓይሊ ኣገዳስነቱ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ከም ዝተራእዮን፡ ብቀረባ ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ዝተዓዘበሉ ከም ዝበረሃሉ የረድእ።

ሕማም ብሕምቀትና ዝመጽእ ዘይኮነ ባህርዊ ናይ ወድሰብ ጸገም ኮይኑ ነዚ ባህርያዊ ሕማም ካብ ህዝቢ ክክዉሎ ምፍታኑ ኣዝዩ ከም ዘደንጸዎ `ውን ወሲኹ ይገልጽ።

እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰበስልጣን፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ን 27 ዓመታት ንሃገርና ምዕናዉን ህዝብና ምብትታኑን ከይኣክል፡ ሕጂ ንውልቀመላኽነቱ ሕማም ወሲኹሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብዝዓይነቱ ሒንሒንታን ተብተብን ምስ ኢትዮጵያ ከም ዝደለዮ ውዕላት ክፈራርም፡ መሬትን ወድባትን ክዕድልን እናረኣዩ ስቕ ኢሎም ካብ ምርኣይ ሓሊፎም የጣቕዑሉ ምህላዎም ዘገርም ኮይኑ፡ ነዚ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ስቕ ኢሎም ብምዕዛቦምን ተሳተፍቱ ምዃኖምን ተሓተቲ ምዃኖም ንሳቶም ክግንዘቡዎ፡ ህዝቢ ድማ ክግንዘቦ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ዝከበርኩም ተኸታተልትና፡ ኩነታት ጥዕና ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዘሎ ኩሉና ንዕዘቦ ኮይኑ፡ ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ ብቐረባ ተኸታቲሉ ንኩነታት ጥዕንኡ ዘብርሃልና ኢትዮጵያዊ  ዲፕሎማት እናመስገና፡ ካልእ ንዘሎ ምዕባለታቱ ተኸታቲልና ክነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Efrem T. July 19, 2018

    Poor sad assenna you never give up, do you Amanuel Eyasu?
    You have killed Esayas and also announced his sudden death so many times in the past.
    Now again out of a blue you have a new Ethiopian diplomat as your main reliable source!!
    Sad poor Amanuel Eyasu, just like Meles Zenawi, you will be dead before Wedi Afom the great.

  • Gina July 19, 2018

    Efrem T.

    Your boss and his dikala supporters like you will disappear together, while Amanuel and his Assenna will move to Eritrea soon.

  • Hguiy July 20, 2018

    We know isayas is cruel killer but Death b/n him and God. I think ammanuel assens is another athiest who has no clue what death means. Can you stop please. Why don’t you just talk politics.

  • TS July 22, 2018

    What ever it is, we do not have to wait for the good of the people from the death of him. We shall not sit down. The same news have been given before, so this must not take our attention from the situation.

POST A COMMENT