Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ነቒሉ ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ሓለውኡ ኣቐዲሞም ብዱባይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ ከለዉ፡ ንሱ ውን ብተመሳሳሊ ብዱባይ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ዶባት

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሳልስቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ምዃኑ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ሓለውኡ ኣቐዲሞም ብዱባይ ኣቢሎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሑ ከለዉ፡ ንሱ ውን ብተመሳሳሊ ብዱባይ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ ዶባት ከይተሓንጸጸ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘራኽብ የብልናን ኢሉ ን 16 ዓመት ንህዝቢ ኤርትራ ዓብዒቡ ሒዙዎ ዝጸንሐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንሰላምን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ካብቲ ዓቕሉ ኣጻቢቡሉ ዝነበረ ውጥሪ መዋጽኦ ረኺቡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን እንተተኻኢሉ ኸኣ ነቲ ሕዱር ዝገፍሐ ሽውሃት ስልጣኑ ንምርዋይ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጽነሖ ጥሙሕ ንምስልሳል ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ጀሚሩዎ ዘሎ ሕግብግብ ንምቕጻል፡  ነቶም  ዓሰብ ክህበና ኢዩ ኢሎም ስእሉ ምስ 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣልጊቦም  ዝውድሱዎ ኣምሓራ ንምሕጓስ ብዘይ ሓታቲ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዘብዘብ፡ ማዕሪኡ ንመሬትን ሰማያትን ባሕርን ኤርትራ ብተብተብ ብዘይ ሕቶን ምክትታልን ኣሕሊፉ ይህቦ ከምዘሎ ይፍለጥ።

1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ 5 ነጥብታት ስምምዕ ምኽታም ግጭት ኣብ ዝፈረሙሉ ኣጋጣሚ፡ ምሕንጻጽ ዶብ ዝብል ነጥቢ ነቲ ኣብ ምጥርጣር ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ኣብ ድሕሪት ጠቒሶሞ ኳ እንተነበሩ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንኹሉ እቲ ስምምዕ ሓደ ክልተ ኢሉ ኳ እንተጠቐሶ፡ ነቲ ምሕንጻጽ ዶብ ዝብል ነጥቢ ግን ፈጺሙ ኣይዘከሮን። እዚ ድማ፡ ነቲ ምሕንጻጽ ዶብ ቀዳምነትና ኣይኮነን ዝብል ናይ ኢሳይያስ መርገጺ ዘውክእ እዩ።

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኢሳይያስ ንባደመ ን ወያነ ቢደ ወነኑ ሂቡ፡ ደሓር ድማ ንኢትዮጵያ ንምቊጽጻር ዝነበሮ ድሌት መሕለፊ ስኢኑ እናተዳኸመ ምስ ከደ ፊን ኣብ ዝበሎ እዋን፡ ንባድመ መመሳመሲ ገይሩ ንዝህቢ ኤርትራ ብቐሊሉ ዘይውጽእ ዓዘቕቲ ኲናት ሸኺሉ ኣደዳ ህልቂትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ከምዝሸመሞ፡ እዚ ሕጂ `ውን ኣጎላጉል ዝገድፎ ዘሎ ጉዳይ ምሕንጻጽ ዶብ ንመጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ዝተቀብረ ነታጒ ኮይኑ ከይልክሞ፡ ዶባት በቲስ ምምዕ መሰረት ክሕንጸጽ ከምዘለዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽእ ሰላም ቀጻልነት ብዘለዎ ሕጋዊ መንገዲ ክፍጸም፡ ኩሉ ኤርትራዊ ክጽዕረሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Danilo July 12, 2018

    ፍጊዕ ንኽብለና እቲ ሓደ መጺኡ፡እቲ ሓደ’ውን ክኸይድ እዩ።ግርም፡እቲ ዝመጸ ብሰላም ከም ዘፋናና መጠን፡ነቲ ዝመጾም ንሓዋሩ ክሳዱ ኣንቂጾም ኣብ ሓውልቲ በተ-መዘክር ኢትዮጲያ ከቀምጡዎ ይላቦ።ደም ንጹሓት ሰቲኻ ምስ ዶክቶር ኣቢ ኣሕመድ talent show ከተካይድ ናይ 21ክፍለ-ዘመን shame እዩ።

  • meretse July 12, 2018

    እንታይ ተሪፍዎ? ዶ ዋላስ ነገር ከጎሃህር? ከም በዓል ቤትን ተመናይ ሰላምን፡ ከይሓፈረ “ካብ ወያኔ ተጠንቀቁ ዘይኮነስ ፡ ካብ ወያኔ ንጠቀቅ” ዝበሎ ድዩ ብውዑዩ ኣብ ተግባር ከተርጕሞ ደልዩ? ኢሰያስ ኣኣ ብምብጻሕ ከም መሪሕ ሃገር ክከብር ይህቅን እንተ ሃልዩ ፡ ቦኲሩ! ! ካልኣይ ኣዲስ ኣበባ እንተከይዱ ተስፋ ይገብር ኣቢይ ናብ ኣዳራሽ ሓርበኛታት ሒዝዎ ክከይድ። ናይ ሰሜን ጎቦታትስ በረራ ስለ ዝሓትት።

  • Delta July 12, 2018

    I hope the fearless Ethiopian journalists will question him about what he plans to do with implementation of democratic governance in Eritrea.
    That, I think, is the million dollar unanswered question.

POST A COMMENT