Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ኣዝገበሮ መገሻ ጎንደር ኣትዩ።

እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ካብ ዝጅምር ናብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ ዝተመላለሰ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ንምግባር ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ጎንደር ከምዝኣተወ ቴለቭዝን ኢትዮጵያ ብቀጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ። ኣብቲ

እቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ካብ ዝጅምር ናብ ኢትዮጵያ ሰለስተ ግዜ ዝተመላለሰ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ንምግባር ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ጎንደር ከምዝኣተወ ቴለቭዝን ኢትዮጵያ ብቀጥታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ሰበስልጣን ናይቲ ክልልን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጎንደር ተቐቢሎሞ።

እቲ ወትሩ፡ ንኹሉ እቲ ኢሳይያስ ዝገብሮ ናብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ምምልላስ፡ ` ገስጋስ ናይቲ ብ 9 ሓምለ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንምግምጋም` ክብል ክሽፍኖ ዝፍትን ሚኒስተር ዜና ውልቀመላኺ ኢሳይያስ የማነ ቻርሊ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሎሚ `ውን ኣብ ትዊተር ተመሳሳሊ መስመር ኣቐሚጡ። ነዚ ተዋስኦ`ዚ ሓቂ ንምምሳል ድማ ከምቲ ዝሓለፈ ፕረዚደንት ሶማልያ `ውን ተዓዲሙ `ሎ።

ይኹን`ምበር፡ እቲ ኢሳይያስ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝገብሮ ዘሎ ምብጻሕ ከምቲ ከምስሉዎ ዝደልዩ ዘለዉ ቀንዲ ድርኺቱ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ዘይኮነ ክልላዊ ጉዳይ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይእምቱ።

መራሕቲ ክልል ኣምሓራ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣስመራ በጺሖም ምስ ኢስሳይያስ ከምእተራኸቡን ክበጽሕ ናብ ክልል ኣምሓራ ክበጽሕ ዕድመ ከምዘቕረቡሉን ይፍለጥ። ሕጂ ድማ፡ ብኹሉ`ቲ ንኽልል ትግራይን ኣምሓራን ዘዋስን ከም ብዓል ወልቃይት፡ ጸገደ፡ ከምኡ `ውን ራያ ዝኣመሰሉ ከባቢታት ኣብ መንጎ ተጋሩን ኣምሓራን ምትፍናንን ግጭትን ተጓሃሂሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ነዚ ዑደት ዝፍጽሞ ዘሎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኢትዮጵያ ከይዱ ፋሪካ ሽኮር ኣብ ዝመረቐሉ ኣጋጣሚ፡ ቀንዲ ኣጀንድኡ፡ ንላዕለዎት መራሕቲ ኦሮሞን 1ይ ሚኒስተር ኣቢይን ብምርኻብ ነቲ ብገለ ላዕለዎት መራሕቲ ኦሮሞ ንኣቢይ ዘሎ ዘይምእዙዝነት ንምምሕያሽ ምንባሩ ጸኒሑ ከምዝተጋህደ ይዝከር። ሎሚ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ትግራዎት ሕኒን ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ እዋን ንምትብባዖም ናብ ጎንደርን ባህርዳርን ዑደት ይገብር ምህላዉ፡ ሓይሊ ኦሮሞን ኣምሓራን ኣስሚርካ ንኣቢይ ብምድልዳል ትግራዎት ከምዝለዝቡ ወይ ከምዝጭፍለቑ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይእምቱ።

እቶም ቀደም፡ ንህዝቢ ኤርትራን ስርዓት ኢሳይያስን ብማዕረ ከም ጸላእቲ ርእዮም፡ ደሓን ነንሕድሕዶም ይባልዑ ኢሎም ህዝቢ ኤርትራ ክዳኸም ስቕ ኢሎም ዝተዓዘቡ፡ መንግስቲ ሒዞም ከለዉ ብኣግኡ ንህዝቢ ኤርትራ ብልቢ ሓጊዞም ሽግሩ ክፈትሕ ዘየተባብዑዎ ተጋሩ፡ ሕጂ `ውን ኢሳይያስ ከም ዕንቅርቢት ተገምጢሉ እናነኸሶምን ውዲት እናኣለመሎምን ከሎ፡ በቲ ህዝቢ ብህዝቢ ዝብል ናይ ስግረዶብ ንግድን ባህላዊ ምርኢታትን ዘንጊዖም ከምዘለዉ `ውን ትዕዝብቶም ይገልጹ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Danilo November 9, 2018

    ሰይኮታ ወዲ መድሂን በራድ ጎንደር፡ባህርዳር፡ኣቀዲሙ’ውን ኣዲስ ኣበባ ኣዋሳ ከይዱ ነይሩ።እዚ ኹሉ ወዮ’ዲኣ ምርዳእ ኣብዩና’ምበር፡ዘንቀሎስ ምስ ዶክቶር ኣቢዪ ኣሕመድ ንምውድዳር እዩ።እቲ ውድድር ኑጹር እዩ።እቲ ሑቶ መን ዝያዳ ድንቂ መራሒ ይኸውን እዩ።እቲ ጸወታ ቆልዑ ከኣ ኣብዚ እዩ ዝጅምር።ኣነ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ሕሙም ኢለ ኣይግምትን ነይረ ሕጂ ግን 100% ሑሙም ኢለዮ ኣለኹ።

  • Genet-origimal November 9, 2018

    This dictator is sticking his finger in the Eritreans’ eye. Now what? continue to blink or cut off the criminal’s neck with the finger? EDF where are you ?????????????????????????????

  • AHMED SALEH!!! November 9, 2018

    Abiy , Hello Issaias !
    Issu , Who is this ?
    Abit , me , PM. Abiy .
    Issu , Hi , what do you want ?
    Abiy , Come right away .
    Issu , what is knew ?
    Abiy , we have new project to see .
    Next day fly to Ethiopia ?
    After Issu toured the projects , he
    said ” thank you Abiy for teaching
    me about industrial developments.

    Weyane kibl eba dihri terife wey
    ane Issaias keyteredeani ni 27 amet
    shenkortet abileya neza Eritrea .
    Hadehade ghizye ghedeb zeyblu meteEmeman ab eshnet iyu zimerh
    yimesleni .

  • aditekelezan November 10, 2018

    ሓቅኹም ኣሰና ብሕልፊ እታ መወዳእታ ብዛዕባ ወያነ ዝሃብኩማ መርትዖ ሓቂ ብሓቂ !!! ወያነ ርእሰ ተኣማንነት ስለ ዝውሓዶም ኩሉ ነገር ብተንኮል ወይ ንሶም ብዝቋጻጸርዎ መገዲ እንተዘይኮይኑ ከም ማዕረ ዀንካ ምንባር ኣየዕግቦምን እዩ !!! ወይ ጎይታ ኾይኖም ክገዝኡኻ ወይ ባሮት ኮይኖም እናስተማሰሉ ጥራይ እዮም ክነብሩ ዝኽእሉ. ንሕና ኤርትራውያን ንሃገርና ኢልና እምበር ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዝጸልኣና ህዝቢ የለን !!! ወሸለ ንዕኦም ብኣቐንዛዊ ተንኮሎምን ዘይትኣማንነቶምን ዓይንኹም ይብራህ ዝብሎም ዘይረኽቡ !!! ዋላ ጽቡቕ ክገብሩልካ ኣብ ሱራ ዝተፋሕሰት ተንኮል ኣላታ እምበር ብታሪኽሲ ኣቦታትና እኮ እዮም !!! ብተጋላበጢ መርገጾም ግን ክትኣምኖም ሽግርዩ !
    = ምስ ኤረይ ኩሕሎ ንዘልኣለም

POST A COMMENT