Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ሱዳን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዘጠቓልል ስምምዓት ከምእተፈራረመ ማዕከና ዜና ናይቲ ስርዓት ሓቢረን።

ኣብ ሱዳን ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጽሕ ፈጺሙ ሎሚ 16 መከረም ኣስመራ ዝተመልሰ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ሱዳን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዘጠቓልል ሓባራዊ ስምምዓት ከምእተፈራረመ ማዕከና ዜና ናይቲ ስርዓት ኣብ ናይ ሎሚ ዜናአን ሓቢረን። ውልቀመላኺ ኢሳይያስን

ኣብ ሱዳን ዝገበሮ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጽሕ ፈጺሙ ሎሚ 16 መከረም ኣስመራ ዝተመልሰ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ሱዳን ወተሃደራውን ጸጥታውን ዘጠቓልል ሓባራዊ ስምምዓት ከምእተፈራረመ ማዕከና ዜና ናይቲ ስርዓት ኣብ ናይ ሎሚ ዜናአን ሓቢረን።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መራሒ ሱዳንን፡ ነቲ ስምምዓት ንምክትታል ላዕለዋይ ኮሚተ ከምዘቖሙ `ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ድሕሪ ዝተራእየ መንግስታዊ ለውጥታት ቅሳነት ስኢኑ ብጭንቀት ተርኡ ዝጽበ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ ስልጣን ምስ ሓዘ ዝገበሮ፡ ንሽሙ ብዲፕሎማስያውን ቁጠባውን ምትሕግጋዝ ሸፋፊኑ ተቐዳዲሙ ኣብ ጸጥታን ምክልኻልን ዘተኮረ ስምምዕ ምፍርራሙ፡ ነቲ ሓዲሩዎ ዘሎ ናይ ጭንቀት ህሉው ኩነተ ኣእምሮ ዘመልክት እዩ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዋላ ብዋጋ ልኡላውነት ሃገር ዕድመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ዕላማ ደኣምበር ናይ ሰላም ኮነ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ፋዕራ የብሉን።

ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽቡ ውሽጣዊ ሓበሬታታት ከምዘመልክቱዎ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ጸጥታ ስምምዕ ድሕሪ ምፍርራሙ ን1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘቕረበሉ ቀዳማይ ሕቶ፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝመደበሮም ተቓውምቲ ኤርትራ ኣረክቡና ዝብል እዩ። 1ይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ግን ፍቓደኛ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

እቲ ብዙሕ ዋዕዋዕ ዝተባህለሉ ርክብ ኢሳይያስን ኣቢይ ኣሕመድን ዝሕልሕል ኢሉ፡ የማነ ማንክን ዑስማን ሳልሕን ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ከዱ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ኣብ ኣስመራ ምስ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣራኺብኩም ናይ ሰላምን ዕርቅን ውዕል ክንገብር ዝሓገዝኩምና፡ ንሕና `ውን ከነራኽበኩም ፍቓደኛታት ዲኹም ክብሉ ሕቶ ምስ ኣቕረቡሎም፡ የማነ ማንክን ዑስማንን ንሕና በዚ ኣጀንዳ `ዚ ክንዛረብ ኣይተዳለናን ኢሎም፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበሎም እንግዶት ከምዝነጸጉዎ `ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ብዘይካ`ዚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብቲ ፈለማ እዋን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መዓስከራት ስደተኛታት ዕጸዉዎ፡ ስደተኛታት `ውን ኣይትቀበሉሉ ኳ እንተበሎም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን፡ ድሌት ዘለዎ ስደተኛ ብፍቓዱ ናብ ኤርትራ ክምለስ ዝደሊ እንተኾይኑ ክሕተት ይኽእል እዩ። ምዕጻው መዓስከር ስደተኛታትን ስደተኛታት ዘይምቕባልን ግን፡ ምስቲ ዝፈረምናሉ  ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝቃዶ ስለዘይኮነ ከነተግብሮ ኣይንኽእልን ኢና ኢሎም ከምዝኣበዩዎ `ውን ይፍለጥ።

ስለዚ እዚ ሕጂ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ መራሒ ሱዳን ዝገበሮ ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ስምምዕ `ውን፡ ነቲ ኢሳይያስ ከማልኦ ዝደሊ ምስ ምቕጻል ግበታ ስልጣኑ ዝተኣሳሰረ እኩይ ውዲት ደኣምበር ናይ ሰላምን ብልጽግናን ዕላማ ዘለዎ ኣውንታዊ ጽምዶ ኣይኮነን።

ኣብዚ ገይረዮ ዝብሎ ዘሎ ስምምዓት ምርኩስ ገይሩ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ መርገጺ-እግሪ  ኣብ ዝረኸበሉ ሰዓት ተቐዳዲሙ ዝፍጽሞ፡ ኣብ ፈለማ ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ፡ ሕጂ `ውን ዝፈታትኖ ዘሎ፡ ኣብ ሱዳን ከኣ ካብ ግዜ ቃልሲ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፍሉጣት ኣባላት ተጋድሎ ሓርነትን ካብ ህዝባዊ ግንባር ዘምለጡ ተጋደልትን ዘዘውትሮ ዝነበረ፡ ጭውያን ቅትለትን ተቐናቐንቱ ንምክያድ ድሕር ስለዘይብል፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ይኹን ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ክልብመሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • Hagherawi September 17, 2019

    ብሱዳን ሶሊኾም ከይመጹኒ ፥ ቀልጢፈ ክዓጽዋ እዩ ዝብል ዘሎ።

    • k.tewolde September 17, 2019

      Yes indeed,it is a buffer zone,nobody knows better from where the next revolutionary hijum will strike,it is a strategic corridor which constructed and destructed the Eritrean revolution and nobody keeps an eye on it better than the ‘ELF veteran.’ Hagherawi,your serotonin inducing tigrigna posts keeps me on my toes,you never fail to amaze me.

      • k.tewolde September 17, 2019

        Not to mention your captivating synonym Wedi Hagher. Dynamic duo!! Keep the home lights burning.

        • Hagherawi September 17, 2019

          ኩቡር ተጋዳላይ ዶክቶር k.tewelde.
          ሃገራዊ ሓሊዮትካን ፥ ናይ ቃልሲ ፍናንካን ፥ ንመንእሰያትና ዓብይ ኣብነት እዩ ።
          ምስጋና ይግባኣካ።

  • Hagherawi September 17, 2019

    ኩቡር ተጋዳላይ ዶክቶር k.tewelde.
    ሃገራዊ ሓሊዮትካን ፥ ናይ ቃልሲ ፍናንካን ፥ ንመንእሰያትና ዓብይ ኣብነት እዩ ።
    ምስጋና ይግባኣካ።

  • Danilo September 17, 2019

    ኩብራት ኣሕዋት k. Tewolde & Hagerawi ከመይ ቀኒኹም? እንተ እቲ ወኽርያ ዓዲ ሃሎ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዓትን ምብጽሓትን ብወገነይ፡ከምቲ “ነዳይ ናይ ልቡ ይሓልም ” ዝብልዎ እዩ።ህዝቢ ሱዳን ህዝቢ ኢትዮጲያ ኣይ ኮነን።ምሳና ኤሪትራውያን ኣበር ዘይብላ ሕውነት ስለ ዘላቶን ዘለናን ናይ ፖለቲካ ሽርሙጥና ካብ ካርቱም ኣዲስ ኣበባን ዘይሓልፍ ናይ ሓደ ሹሉ ፒክ-ኒክ እዩ።

Post a Reply to Hagherawi Cancel Reply