Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስን ታደሰ ጠዓመ ዝብሃል ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተሻሪኾም ብስም ሕክምና መንሽሮ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝኸፈቱዋ ዘይሕጋዊት ሕክምና ህይወት ንጹሃት ኤርትራውያን የጥፍእ ከምዘሎ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቴለቭዥን ኣሰና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስን ታደሰ ጠዓመ ዝብሃል ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተሻሪኾም ብስም ሕክምና መንሽሮ ኣብ ኣስመራ ኣብ 2016 ኣብ ዝኸፈቱዋ ዘይሕጋዊት ሕክምና ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን የጥፍእ ከምዘሎ ኣባላት

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስን ታደሰ ጠዓመ ዝብሃል ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተሻሪኾም ብስም ሕክምና መንሽሮ ኣብ ኣስመራ ኣብ 2016 ኣብ ዝኸፈቱዋ ዘይሕጋዊት ሕክምና ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን የጥፍእ ከምዘሎ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቴለቭዥን ኣሰና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም።

እቲ ሞሎኲላር ፍዚክስ ከምእተማህረ ብምጥቃስ፡ ንነብሱ ከም ናይ መንሽሮ ዶክተር ኣምሲሉ ዝገልጽ ታደሰ ጠዓመ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ዝሃቦ መንበሪ ገዛ ሜሎቲ ነበር ከም ምቃመሚ ትካል እናተጠቕመ፡ ዕረን ካልእ ቆጽለመጽልን ካብ ዱባይ ምስ ዘምጽኦ ቀመማት ኣውሃሂዱ ዘዳለዎ፡ ኣብ እንስሳታት ዘይተፈተነ ባህላዊ መድሃኒት፡ ሕማም መንሽሮ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤቻይቪ ኤይድስ፡ ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ ደምን ዝርከቡዎም ሕማማት ንዘጥቆዖም ዓቕሎም ዘጻበቡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ዘይከኣሉ ኤርትራውያን ብምሃብ ይፍውሰኩም ኣለኹ እናበለ ንገሊኦም ናብ ዝኸፍአ ጥዕናዊ ጸገም ንገሊኦም ድማ ናብ ሞት የብጽሖም ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብታ ብካሜራታት ዝተኸበት፡ ብኢሳይያስን ወዱ ኣብርሃምን ጥራይ እትብጻሕ፡ ምንጪ ሓበሬታና ከም `ምስጢራዊት መቓብር` ዝገለጹዎ ሕክምና፡ ሲቪልን ላዕለዎት ሓለፍትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ይሳቐዩላ ከምዘለዎ ብምምልካት፡ ኣመሓዳሪት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዓረፈት ወ/ሮ ጽገረዳ ወለገርግሽ ሓንቲ ካብ ግዳያት ናይዛ ሕክምና ምዃና ብኣብነት ጠቒሶም።

እታ ዘይሕጋዊት ሕክምና፡ ኣብ ኤርትራ ብብዶላር ምጥቃም ክልኩል ክንሱ፡ ዓቕሎም ንዝጸበቦም ሕሙማት፡ ብቤተሰብ ካብ ወጻኢ ዝተላእከሎም ኣሽሓት ዶላራት ብምኽፋል ከምእትምዝምዞም `ውን እቶም ምንጭታት የረድኡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፈሪ ዝኾነ ይኹን ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ መድሃኒት “AZEL” ዝብል ምልክት (trademark) ኳ እንተለዎ፡ እዚ ብታደሰ ብምትሕብባር ምስ ኢሳይያስ ዝስራሕ ዘሎ መድሃኒት ግን ሕጋዊ ስለዘይኮነ እዚ ምልክት ዚ የብሉን።

ይኹን`ምበር፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተጋደልቲ ይኹኑ ሲቪል ዜጋታት ካንሰር ከምዘለዎም ድሕሪ ምፍላጦም መዲካል ቦርድ ንኽብሃሉ ኮለል ኣብ ዝብሉሉ እዋን ካብ ሃገር ወጺኦም ክሕከሙ ከምዘይክእሉ ብምግባር ኮነ ኢሎም ነዚ መድሃኒት ከምዝጥቀሙሉ ይገብሩ ኣለዉ።

ኣብ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ንዘለዉ ዜጋታት ከይተረፈ ይሽየጥ ስለዘሎ ድማ ተጠቀምቲ ክጥንቀቑ ከምዘለዎም እቶም ናይ ሚኒስትሪ ጥዕና ምንጭታት የዘኻኽሩ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ቴለቭዥን ኣሰና፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ምስናይ ቲ ዝበጽሓና ጭብጢ ምስሊ መድሃኒት ኣብ ቴሌቭዥን ኣሰና ተኸታተሉ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • wedebat March 26, 2019

    wodi medhin berad seb ketfe eyu eritrea atyu tenben hageru ykid

  • wedebat March 26, 2019

    wedi medhn berad higi ab hageru khadm slezdelye kulu hizbi felitwo eyu
    hageru tigray tenben ekid zkbelo hager yelon

Post a Reply to wedebat Cancel Reply