Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ ንምርኻብ ሎሚ 9 ጥሪ ካይሮ ኣትዩ።

ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ ከምኡ `ውን ሱዳን ሰራዊታ ኣዋፊራ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ዓጽያ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ ንምርኻብ ሎሚ ንጉሆ 9

ወተሃደራት ግብጺ ኣብ ኤርትራ ኣትዮም ከምዘለዉ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ ከምኡ `ውን ሱዳን ሰራዊታ ኣዋፊራ ምስ ኤርትራ ዘዋስና ዶባት ዓጽያ ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ኣል ሲሲ ንምርኻብ ሎሚ ንጉሆ 9 ጥሪ ካይሮ ኣትዩ ከምዘሎ Egypt today ዝተባህለ ጋዜጣ ግብጺ ሓቢሩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ `ኢትሓድያ ፓላስ`፡ ንኩነታት ሃገራት መገብቲ ፈለግ ኒልን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከት ዕጹው ዝርርብ ከካይዱ ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ የገንዝብ።

ኤረ ቲቪ `ውን ነቲ ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ብኻልኦት ምንጭታት ዝነፈሰ፡ ሎሚ ድማ ብ ማዕከናት ግብጺ ዝተጋውሐ ምብጻሕ ኢሳይያስ ድሒራ ኣቃሊሓቶ `ላ።

እዚ ናይ ኢሳይያስ መገሻ ናብ ግብጺ፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ፡ ኣማኢት ወተሃደራት ግብጺ ኤርትራ ኣትዮም ናብቲ ምስ ሱዳን ዘዳውብ ሸነኽ ምዕራብ ኤርትራ ተዋፊሮም ምህላዎም ድሕሪ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ሱዳን ሰራዊታ ኣዋፊራ ንኹሉ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ከምኡ `ውን ድሕሪ`ዚ ምዕባሌታት`ዚ፡ ቀንዲ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ልፍቴናንት ጀነራል ኢማድ ኣል-ዲን ምስጦፋ ዓዳዊ፡ ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ 7 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ድሕሪ ምዝርራቡ ዝፍጸም ዘሎ እዩ።

ከምዚ ዝተኸታተልኩሞ፡ እቲ ብ ፕረዚደንት በሽር ዝተላእከ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ `ኣብ ከባቢና ዘሎ ብድሆታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተለዋወጠ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። እቲ ብድሆ፡ ዞባውን ኣህጉራውን እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢና፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዝገጥሙና ብድሆታት ብሓባር ንምፍታሕ እንመኻኸርን እንተሓጋገዝን። ንኢትዮጵያ ዝጎድእ ነገር ንዓና ንሱዳናውያን ይጎድኣና እዩ፡ ንሱዳን ዝጎድእ ነገር ድማ ከምኡ ንኢትዮጵያ ይጎድኣ። ኩሉ ግዜ ርክባትና እነሐይለሉ ምኽንያት ከኣ ንሃገርናትናን ህዝብናትናን ክንብል ኢና` ኢሉ።`

ኢሳይያስ፡ ኣቐዲሙ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ `ውን በጺሑ እዩ።

ኢማራት ዓረብ፡ ድሮ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መደበር ክህልዋ ኸሎ፡ እቲ ዝብሃል ዘሎ ምውፋር ግብጻውያን ወተሃደራት ኣብ ምዕራብ ኤርትራ `ውን ብምውህሃድ ምስ ኢማራት ከምዝተገብረ እዩ ዝሕበር።

ጸብጻባት ምውፋር ወተሃደራዊ ሓይሊ ግብጺ ናብ ኤርትራ፡ ነታ ድሮ ብምኽንያት ህንጻ ሓጽቢ ህዳሰ ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ ዘላ ኢትዮጵያ ኣቖጢዑዋ ከምዘሎ፡ ድሮ `ውን ሰራዊታ ናብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣጸጊዓ ከምዘላ መርበብ ሓበሬታ ኣጀዚራ ይጠቅስ። ኢማራት ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ደኲና ምህላዋ `ውን ንኢትዮጵያ ከየቕሰነ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።

ብዘይ`ዚ ሓድሽ ምዕባሌታት`ዚ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ኢደ-በዛ ግብጺ ኮይና ብመንገዲ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝስራሕ ዘሎ ሓጽቢ ሽርሕታት ንምፍጻምን ኣብ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ናዕቢ ንምልዕዓልን ትሰርሕ ምህላዋ ክትከስስ ጸኒሓ እያ። እዚ ዝብሃል ዘሎ ምእታው ወተሃደራት ግብጺ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ምትፍናን መሊሱ ከምዘዕርጎ ድማ ዘማትእ ኣይኮነን።

በዚ ኮይኑ በቲ፡ ኣብዚ ብደረጃ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባ ወሽመጥ ዓረብን፡ ብሕልፊ ንኤርትራ ዓውዲ ናይ ውክልና ኲናት ከይገብራ ዘስግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ቀንዲ ተጎዳኢ እቲ ድሮ ብውልቀመላኽነትን ብልሽውናን ብዝጠስጠሰ ውዱቕ መሪሕነት ላሕሊሑ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

 

 

 

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Degoli January 10, 2018

    ኣንቱም ክቡራት ፡ እንታይከ ይበሃል እዚ ነገር ?
    መዋእልና ዘይሓልፈልና ነዞም ሳሕሳሓት ዓረብ ክንጉምባሕ ጥራይ? እቶም ጋዕጋዓት መራሕቲ ጀብሃ “ዓረብ ኢና” እናበሉ ፤ ቋንቋታት ትግረ ትግርኛ ፈንፊኖም ብሓዊ እንዳቃጸሉ ፤ እዞም ህግደፍ ድማ ገዲዶም ፡ ትማሊ እሳያስ ኣብ እማራት ተጎምቢሑ ይልምና ኔሩ ፣ ሕጂ ድማ ከይወዓለ ከይሓደረ ነዞም ቶኳናት በድዊን ናይ ግብጺ ይጉምበሓሎም ኣሎ።
    ዋእ ሓቆም እዮም ፣ ባራዩ “ዓቢድ” ናይ ሳሕሳሕ ዓረብ ከለዉ ፣ እዞም መራሕትና “ዓቢድ” ፡ “ዓረብኛ ኢና” ክብሉ። ዘይሓልፈላ ኣንጭዋ ፡ ኣፍንጫ ድሙ ትልሕስ።

  • Nahon January 10, 2018

    A Tigreyan rascal dares to call himself Degoli ?. Sometimes Keren.
    People like him with twisted heart are causing havoc in Ethiopia. And because of elements like the so-called Degoli, the good people of Tigray are suffering in Ethiopia.
    Everyday the Weyane are coming with a new idea to avoid civil war but the Amhara and Oromo are not trusting them.
    What does this hate monger gain by insulting Eritreans, Arabs and Muslims. When you sell hate you get hate in the transaction.
    This stupid guy thinks when he insults some Eritreans posing as an Eritrean, in the process, he and Tigray get some benefit.
    What a moron !

    • AHMED SALEH !!! January 10, 2018

      Nahon send a positive message to a moron that says ” When you sell hate you get hate in transaction or in return ” . Giving deaf ears and blind eye prevent him from learning lessons .
      Too bad the poor guy who refuses to let it go may end up talking to himself wondering in bushes by complaining in quite voice ” Arabs , Abeeds , Arabs , Abeeds …………..blabla . Nothing to say than YIMHARO !

  • Danilo January 10, 2018

    Nahon, you exposed him very well. As we all know, he is wounded snake traumatised for ever.

Post a Reply to Nahon Cancel Reply