Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ብምኽንያት 20 ሰነ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘስምዖ መደረ ገሊጹ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት ሰላም ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣውንታዊ ምዕባለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ህሉው

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐልቀለ ተርእዮታት ሰላም ግቡእ ኣቓልቦ ዝሓትት ኣውንታዊ ምዕባለ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ህሉው ኩነታት ብቐጥታን ብዕምቆትን ንምፍላጥን ቀጻሊ ውጥን ስራሕ ንምንዳፍን ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከም ኣውንታዊ ናይ ምስግጋር መድረኽ ጠቒሱ፡ ዘለፋኡ ናብ ወያነ ብምንጽጻር፡ ኣብ ርእስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸተሉዎ ኣዕናዊ ፖሊሲታት፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመላላኢ ጉልበት ክፈጥሮ ዝኽእል ዝነበረ ኣውንታዊ ክልተኣውን ዞባውን ኩሉ ጎድናዊ ዕብየት ምዂላፉ ዝዓበየ መጒዳእቱ ከምዝነበረ ኣገንዚቡ።

ንሳቶም መናውሒ ዕድሚኦም ኢሎም ዝሓስቡዎ ምስ ኤርትራ ዘሎ ወጥሪ ከምዝቕል ምግባር ከምኡ `ውን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሎ ዘይሕጋዊ እገዳ ንምዕቃብ ምስራሕ ከምዝኾነ ብምምልካት ከኣ፡ ነቲ ብዘይምኽኒት ዘባርዑዎ ግጭት ዶብ ተንጠልጢሉ ከምዝተርፍ ንምግባር `ሕራይ ፡ግን` እናበሉ ዘስምዑዎ ዘለዉ ጣቋ መርኣያኡ ከምዝኾነ ገሊጹ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ኢህወደግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድን ዝዘርግሑዎ ናይ ሰላም ወስታ በዚ ናይ ሎሚ መግለጺኡ ብኣውንታ ርእዩ ብጭቡጥ ንምፍላጡን ክሰርሓሉን ልኡኽ ክሰድድ ምውሳኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝጸንሐ ተጻብኦ ኣወጊዱ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ተኽእሎ ስለዘለዎ ብኣውንታ ዝርአ እዩ።

ይኹን`ምበር፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብቐንዱ፡ ዋና ብዓል ብርኪ ናይቲ ህይወት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ግጭትን ብድሕሪኡ ዝቐጸለ ንኽልቲኡ ህዝብታት ናይ ሓደ ወለዶ ዕብየት ክሳራ ዘስዓበ ሰንፈላልን ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ክትግበር ንዝነበሮ ፖለቲካዊ ለውጢ ብምስምስ ናይዚ ኩነታት`ዚ ጅሆ ሒዙ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ከምዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ ኣጸቢቑ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።

ስለዚ፡ ሕጂ `ውን ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ኣንውታዊ ኣንፈት፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ፖለቲካውን ቁጠባውን ምትዕርራይ ብምግባር ይጅምር ምህላዉ ተገንዚቡ፡ ነቲ ኢሳይያስ ሎሚ ዝኣመቶ ኣውንታዊ ተበግሶ እናተባብዐ፡ ነዚ ስጉምቲ`ዚ ከም መተካእታ ናይቲ ዝበለየ ምስምስ ኣይኲናት ኣይሰላም ተጠቒሙ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከይጥቀመሉ ምእንቲ፡ ምፍታሕ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላዉ ብቐዳምነት ክርአ ከምዘለዎ ክግርሃሉ የብሉን።

እዚ ኩነታት`ዚ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ብ 5 ሰነ ንስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይቅድመ ኩነት ከተግብሮ ቅሩብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ዝተኸስተ እዩ።

ድሕሪ`ቲ ናይ ኢትዮጵያ መግለጺ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካርድታቱ ሒዙ ክጸናቶ ኳ እንተቐነየ፡ እቲ ኣካል ኢህወደግ ዝኾነ ህውሓት፡ ነቲ ኢትዮጵያ ንሓያለ ዓመታት ሒዛቶ ዝጸንሐት ቅድመ ኩነት ናይ ምዕቃብ ኣመት ዘለዎ፡ ነቲ ናይ ኢህወደግን ቀዳማይ ሚኒኒስተር ኢትዮጵያን ውሳነ ዝቃወምን ዘተኣጓጒልን መግለጺ ከምዘውጽአ ይፍለጥ።

ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ከምዝተኸታተልኩሞ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ፓርላማ ዝቐረበሉ፡ ነቲ ናይ ህውሓት መግለጺ ዘንጸባርቕ ሕቶታት፡ ሰላም ብሰላም እዩ ዝመጽእ ብምባል ነጺጉ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ናይ ምምላስ ጻዕሩ ክቕጽል ምዃኑ ምሕባሩ ይፍለጥ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ 1998 – 2000 ዓመተ ምህረት ብዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ካብ ክልቲኡ ወገናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ህይወት ክሃልቕ ከሎ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝቐጸለ 18 ዓመት ክልቲአን ሃገራት ዓቢ ሓባራዊ ናይ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ዕድል ኣጥፊአን እየን።

ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ፡ ብሰንኪ እዚ ዘይሓላፍነታዊ መሪሕነት ዝፈጠሮ ኩነታት ብኹሉ መኣዝን ኣብ ከበባ ኣትዩ፡ ፖለቲካዊ ዕምጸጻኡ ብኢሱ፡ ብቑጠባውን ማሕበራውን ምረት ይሳቐ `ሎ። ተጠቃሚ ናይዚ ሕጂ ብኽልቲኡ ወገን ዝርአ ዘሎ ኣውንታዊ ኣንፈት ሰላም ክኸውን ድማ ናይ ኩሉ ደላዩ ጽቡቕ ደገፍ የድልዮ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕልፊ ድማ እቲ ብቐጥታ በዚ ኩነታት`ዚ ከም ህዝቢ ኤርትራ ተጎዲኡ ዝጸንሐን ብምፍትሑ ብማዕረ ዝጥቀምን ህዝቢ ትግራይ `ውን፡ ምእንቲ ረብሕኡን ሓባራዊ ጠቕሚ ክልቲኡ ህዝብታትን ክብል ንዝኾነ ነዚ ኣንፈት`ዚ ዘዐንቀፍ ስጉምታት ክልብመሉ ይግባእ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
34 COMMENTS
  • Hidat June 21, 2018

    Simon……እንጣጤዕ ንዘርእ ኣለና ኣይትግበሮ…ታሪክ ሰዉአትን ህልዋትንብዓንደ ርእሱ ታሪክ ገድሊ ኤርትራ ዘቃለለን ሕጂተኮነ ዉን ዘየዕረፈ ደራሲ(ምቅንጀዉ ገድሊ)..ዮሴፍ ገብሪሂወት ፈላስፋ ሰሚካዮ..ንኢድካዮ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ሰዉኣት ከይተዘከሩ ዉዒሎም ትብልከመይ እዩዚ??ታሪክ ደምሲስካ ታሪክ ኣየስራሕን እዩ።

    • Danilo June 21, 2018

      ሽኮሪና Hidat,ዘረባኺ ወይ ክትዕኪ ሞጓሰ ዕፉን እኮ ጌይርኪዮ።እስኪ በሊ! ኣቲ ብዓል እንትርፊ መፋልስ መሪኣያ ዘይነበሮ እቶም ነዚ ሕጂ ጻዕሪ ሰላም Dr Abie ,challenge ንምግባር ናይ ዑቡያት ስልቲ እምበር ሓንከ-ስከስ እንዳበልካ መገዲ ሽዋ እኮ ፍቃድ ወያንየ ዘድልዮ ኢዩ።ብዝኾኖ፡እቶም ብተመርካኽነት ተኸሲሶም ኣብ እስርቤይት ዝበሉዩ ዘለውን እሰያስን እባ በጃኺ ኣወዳድርለይ?

      • Simon G. June 22, 2018

        ኤእ Danilo,

        ከተወዳድር ዓቕሚ የብላን ህድኣት። It is not fair to ask this kind of questions to them. ዝተወሃብካዮ ምድጋም ጥራይ’ዩ ዝፍቀድ: እንዳ ባጎኒታት ህግደፍ!
        ንኺድ ጥራይ! ድማ። ናበይ? ኤእ ኣይትሕተት

        • Danilo June 22, 2018

          Simon G,ዓባይ ባጎኒ ኣጽዲፍካ ብናሽቱ ” ባጉም-ባጉም “ኮይኑ።

  • Gura June 21, 2018

    tesfay, your comment makes more than some what some retard slaves are saying:

    “Issaias Afaf has no choice but to bow to the Ethiopians. He already knows that Eritrea is lonely and isolated and under UN sanctions, even the Arabs and Sudan, though he speaks their Arabic with his stinky azz do not give a shiit to his bowing to them hundred times.
    The Weyanes had managed to isolate and punish him hard. Sudan has closed its borders with Eritrea completely, so Issaias Afaf has no choice, and this, PM Abiy knows this very well.
    What will Issaias do? To survive this period, he will bow to Ethiopia and kiss PM Abiy’s azz. He has no choice.
    This way, Issaias Afaf will negotiate every square meter. He will hand the Erob territory, the Shimejana and Tserona lands, plus he will give Ethiopia a far better deal and lease on Assab than what Djibouti or Sudan or Somaliland are getting. In short, in order to survive, Issaias will unwillingly talk to Ethiopia.
    Like it or not, Issais will enter into Zete with Ethiopia. He has no power or army to take back any square centimeter under the Weyanes’ control by force, so the Afaf has to talk to Ethiopia but the sad story of Eritreans, in particular the misery of the Tigrinya christian Eritreans will worsen.”

  • Tes June 21, 2018

    አየ ውዲ ሀገር
    You are the one who shows identity crisis ..Start from your nick name. You could be one of those who settle in 40th. Haha may be you’re. A cousin of Eseyas afaf. We are sick of you to give citizenship and to take it if anyone disagree. with your thought.

  • Hidat June 21, 2018

    Danilo……ንእግረ መገድና ንማሃር ሞጓሰ ዕፉን እንታይ ማለት እዩ ጌጋ ተለኒ መታን ክእረም

    • Danilo June 22, 2018

      ክብርቲ Hidat, “ሞግሰ ዕፉን” ( ንምስሓዉ ) ዝግበር ሙቁሳይ ማለተይ ኢዩ ነይሩ። ‘ሞጓሰ ዕፉን ” ሽንተበልኩ’ውን ኣህባይ ክይሰልቲኦ ዘይኮነ መፋልስ እንዳረኣኻ ድቃስ፡ንቡር ኣይኮነን ንምባል እየ ምስ ይቅሬታ።

  • Hidat June 22, 2018

    Danilo………የቀንየለይ ዓለም ተማላሊእካ እያ

POST A COMMENT