Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ መቃብር ስውኣትና ምሻጥ’ዩ ተሪፍዎ ዘሎ

ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ “መሬት ኤርትራ ብወያነ ተጎቢጡ’ሎ” እናበለ ቅዋም ንኸይንደፍ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል ከም መመኽነይታን ንብልሹው ምምሕዳሩ ከም መጎልበብን ንዓመታት ክዋጥዮ ዝጸንሐ መጣልዒ ወረቀት ምስተወድኦ፡ ሎሚ ድማ ምስታ “ብድጎማ ኣመሪካ ትነብር፡ ምስ ሃብታ ዝደኸየት ሃገር”

ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ “መሬት ኤርትራ ብወያነ ተጎቢጡ’ሎ” እናበለ ቅዋም ንኸይንደፍ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቅጽል ከም መመኽነይታን ንብልሹው ምምሕዳሩ ከም መጎልበብን ንዓመታት ክዋጥዮ ዝጸንሐ መጣልዒ ወረቀት ምስተወድኦ፡ ሎሚ ድማ ምስታ “ብድጎማ ኣመሪካ ትነብር፡ ምስ ሃብታ ዝደኸየት ሃገር” ኢሉ ከናሽዋ ዝጸንሐ ግብጺ፡ ከም ዕዳጋኣ ዝዓመረላ በዓልቲ ስዋ ወደኽደኽ ክብል ይርኣ’ሎ። እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ናህሩ እናወሰኸ ኣብ መንጎ መንግስታት ግብጺ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ዝምዕብል ዘሎ ምትፍናን ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ እቶን ክጥብሶ ምዕልባጡ ግን ድቃስ ዝህብ ኣይኮነን። እዘን ሓንሳብ ብጉዳይ ፈለግ ኒል ካልእ እዋን ድማ ብዶብን ምዕጣቅ ተቃወምትን ንሓድሕደን ዝካሰሳ ሃገራት ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዓመታት ዘወሰደ ምትፍናን መዕለቢ ከይገበረ ምስ ሱዳን ካልእ ግንባር ምፍጣሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ኣብ መንጎ ክልተ ከውሒ ተቀርቂራ ትዓቢ ኣኺታ ገይሩዎ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመሬት ሱዳን፡ ንኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንምህዳን፡ መሰጋገሪን መሸጥን ዘይሕጋዊ ንብረት፡ ኣጽዋርን ንግዲ ሰባትን ክጥቀመላ ከምዝጸንሐ ምስጢር ኣይኮነን። ጠንቂ ምዕጻው ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ብርግጽ ዝፍለጥ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ ጸላኢአይ ጸላኢ ፈታውየን ዝዓይነቱ ሕሱር ሜላ ይኽተል ከምዘሎ ግን ዘካትዕ ኣይኮነን። ብፍልስፍና ስርዓት ህግደፍ፡ ዝኾነ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃወም መንግስቲ፡ ውድብን ውልቀ ሰብን፡ ዘኸትሎ መዘዝ ዕሽሽ ኢሉ ሓገዝ ክህብን ዘይቅዱስ ቃልኪዳን ክምስርትን ድሕር ኣይብልን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነተን ኣብ የመን ንውልቃዊ ረብሓታተን ክብላ ሓዊ ውሊዐን ንህዝቢ የመን ዘድምያን ንብረቱ ዘዕንዋን ዘለዋ ሃገራት ስዕድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝብና መሬትን ባሕርን ኤርትራ መዕንደሪ ግዳማዊ ሓይልታት ኮይኑ’ሎ።

ለባማት መራሕትን ዲሞክራስያውያን ስርዓታትን፡ ኣብ ሃገሮምን ህዝቦምን ዕርቅን ሰላምን ክሰፍን፡ ድኽነትን ድሕረትን ክውገድ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሰፍሕን፡ ዘይምዕሩይ ስርዓተ ቁጠባ ክጸብብን’ዮም ወትሩ ዝሓልሙን ዝሰርሑን። ብህዝቢ ዝተመርጹን ኣስሓኮ ዘለዎምን ሰበስልጣን፡ ጥብ ትብል ርሃጽን ትሃልኽ ሳንቲምን ኣብ ረብሓ ህዝቦም ክትውዕል ይጽዕሩ። ኣብ ኤርትራ፡ እቲ ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ፡ ዝጠፍአ ገንዘብን ግዜን ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ቅዱስ ዕላማን ዕድላትን ንምውሓስ’ ዩ ነይሩ። ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍን ሕመቅናን ግን፡ ጽቡቅ ትምኒትና ነበር ኮይኑ። ዓስቢ መስዋእትናን ድኻምናን ዘይምርካብናን ግን፡ ብቀንዱ ዘይምጥርናፍናን ዘይምትባዕናን እምበር ዝተረገምናን ብዓለም ስለዝተዘረናን ኣይኮነን። ካብ ስርዓት ህግደፍ ውርደትን ድኽነትን እምበር ፍትሕን መሰልን ከምዘይርከብ ብተግባር ተረጋጊጹ’ዩ። ንኣብነት እቲ ጽዩፍን ጨካንን ስርዓት ህግደፍ፡ ብ4 ጥሪ 2018፡ በቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝብል ቅጽል ስም ዘለዎ መርበብ ሓበሬታኡ ኣቢሉ፡ “እቶም ምስ ትግራዎትን ወያነን ኮይንኩም ኣንጻር ሃገርኩም ዝሰራሕኩም ዝገዓርኩም ሕጂ ቀልጢፍኩም መእተዊኹም ድለዮ ከመይሲ ወያነ ትጽልምታ እያ ዘላ፡ እንተ እቶም ምስ ሃገርኩም ደው ኢልኩም ዝነበርኩምን ዘለኹምን ግና እዛ ሓላል መሬት ኣገናዕ ኢላ ክትቅበለኩም ምዃና ትፈልጡ ኢኹም፡ ከምቶም ካብ እስራኤል ብወለንታ ዝተመለሱ ደሓር መንግስቲ ንደቡብ ሱዳን ከይዶም ክሽቅጡ ዘፍቀደሎም ንስኹም እውን ከምኡ ዕድል ከምዘለኩም ክትፈልጡ ኣለኩም፡ ብሰላም ክትምለሱ ተስፉ ንገብር!” ክብል ገሊጹ። እቶም ኣብ እስራኤል ክእሰሩ ወይ ብዘይ ፍታዎም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክጥረዙ ፍርዶም ዝጽበዩ ዘለዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ጸበባን ሕሱር መነባብሮን ዘናግፎም ኣለኹልኩም ዝብሎም መንግስቲ’ዮ ዝብህጉ’ምበር፡ “መእተዊኹም ድለዩ” ኢልካ ምፍርራሕን ናብታ ብኩናት ሓድሕድ ትሕመስን ህዝባ ዝስደድን ዘሎ ደቡብ ሱዳን፡ ሸቂጦም ክነብሩ ፍቃድ ከምዝወሃቦም መግለጺ ምሃብ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎን ኣሽካዕላልን’ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ መዋእሉ ኣጋጢምዎ ዘይፈልጥ ሕሰምን ግህሰትን ስለዝረኣየ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወካሊኻየ እናበለ ብምቁራት ቃላት ዘታልል ስርዓት ህግደፍ ዝነበሮ እምነትን ተስፋን ቅሂሙ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ህይወት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ስርዓት ህግደፍ፡ ውርደትን ጸበባን እምበር ክብረትን ራህዋን ቦታ ከምዘይብለን ኣዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ “እምቢ ንዓመጽን ምልክን” ኢሉን መሰሉን ህላወኡን ብመስዋእቱ ከረጋግጽን ንመጻኢ ወለዶ ጥጡሕን ሕፉርን ሕብረተሰብ ከሰጋግር ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። እቲ ሓቂ፡ ባድመ ብኢትዮጵያ ተታሒዛ ስለዘላ ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ ዝስደድ፡ ብዘይ ፍርዲ ንዓመታት ዝእሰርን ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቁረን ዝግደድ ዘሎ። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስለዘይተሓንጸጸ ኣይኮነን ኣብ ኤርትራ ቅዋም ዘይተነድፈ፡ ምርጫ ዘይተኻየደን ህዝቢ ዝውክሎ መንግስቲ ዘይተተኽለን። ማሕበረ ሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ስለዘንበረ ኣይኮነን ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ማይ፡ መብራህቲ ብልሽውናን ዝሳቀ ዘሎ። ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ፍትሕን ክብረትን ስለዝሰኣኑ’ምበር ፈትዮም ኣይኮኑን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉ፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራን ካልእ ቦታታትን ዝሃልቁ ዘለዉ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ስለዝጠሓሰ ኣይኮነን መንበሪ ኣባይቱን ንግዳዊ ትካላትን ዝፈርስን ዝዕጾን ከምኡ’ውን ንብረቱን ገንዘቡን ዝሕረጅን ዝግበትን ዘሎ። መራሕቲ ሃይማኖት ገበን ስለዝፈጸሙ ኣይኮኑን ዝእሰሩን ቅዱስ ቦታታቶ ዝራኸስን ዘሎ። በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰንከሉን ንእሰነቶም ዝሕለፉን ተጋደልቲ ኣብ ኤርትራ ድኽነት ስለዘሎ ኣይኮነን ብሕማምን ሕሰም መነባብሮን ዝሳቀዩ ዘለዉ። ጠንቂ ናይዚ ዝተጠቅሰ ተስፋ ዘቁርጽን ሕልና ዝጎደሎን ኣሰራርሓ፡ ስርዓት ህግደፍ እምበር ዝኾነ ኣካል ብሓላፍነት ክሕተት ኣይክእልን’ዩ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ን30 ዓመታት ዘካየድናዮ መሪር ብረታዊ ቃልሲ፡ ንፍትሕን ናጽነትን እምበር ኣብ ዳግማይ መግዛእቲ ክንኣቱ፡ ናብ ስደት ክንበታተን፡ ኣብ ገዛእ መሬትና ጓኖት ክንከውን፡ ምስ ጸጋታትና ጾምና ክንሓድር፡ ክንዓርቅን “ዓሕ! ንኸንቱ ተሰዊእና” እናበልና ከነስተማስን ኣይነበረን። ኣብ ዝሓለፈ ናይቲ ንስሙ ናጽነት ዝብሃል ብተግባር ግን ናይ ባርነት ዓመታት፡ እንታይነትን ኣካይዳን ስርዓት ህግደፍ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ከምዘይብሉ ብተግባር ተዓዚብናዮ ኢና። ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣብ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን እምነት ኣጥፊኡ ዘሎ። ነዚ ኣብ ኤርትራ ሰራውሩ ሰዲዱ ከም ሓዊ ዓይና ንህዝብና ዘማስን ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብምጭጫሕ ተቃወምቲ ውድባትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምፍካርን ፍታሕ ከምዘየምጽእ’ውን ኣረጋጊጽና ኣሎና። ዘይምጥርናፍን ንጹር ዕላማ ዘይምህላውን ናይ ደለይቲ ፍትሒ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣሰዊድዎን ትንፋስ ከምዝረክብን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝብና ኣብ ደለይቲ ፍትሒ እምነትን ተስፋን ከምዘጥፍእን ምስ ስርዓት ህግደፍ ክመሳሰልን ተቀሲቡ’ሎ።

እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማትን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ከልበትበትን፡ ብዘይካ’ቶም ተሰከምቲ’ቲ ኣደራዕ ካልእ ኣካል ክፈትሖ ዘበት’ዩ። መላኺ ኢሳያስ ንቅዋም ከም ኣስሓይታ ቁሪ’ዩ ዝፈርሓ። ህዝቢ ኤርትራ ክብረት ስውኣቱ እናተደፍረን መጻኢ ወለዶ ኣብ ህጉም እናኣተወን ብስቅታ ዝሓልፎ እንተኾይኑ፡ ነብሱ ክወቅስ እምበር ነቲ ኣቡኡን ኣዲኡን ዘፍለጠ ብስቃይን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ፍስሃን ባህታን ዝስምዖ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ክኸስስ ኣይግብኦን’ዩ። ንምንታይሲ፡ መላኺ ኢሳያስ፡ “ብበላሕ ሴፈይ ክሳድካ ክቆርጸካ ይመጸካ ኣለኹ” እናበሎ እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ይጽበዮን እናስሓቀ ይመውትን ስለዘሎ’ዩ። ምልካዊ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ፡ ዝገትኦን ያዕ ዝብሎን እንተዘይረኺቡ፡ ሃብትና ኣብ ምጉሕጓሕ፡ ልኡላውነትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ምእታውን መጻኢ ወለዶ ኣብ ምጽናትን ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። ህግደፍ፡ ብህይወት ዘሎ ኤርትራዊ ብማእሰርቲ፡ ብስደትን ጥሜትን ኣጽኒቱ፡ መቃብር ስውኣትና ምሻጥ ጥራሕ’ዩ ተሪፍዎ ዘሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸጥታዊ ትካላትን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ኢዱ ስለዘሎ፡ ንዝለዓል ህዝባዊ ተቃውሞ ንምቁጻይን ሕሱር ዘመተ ንምክያድን ብልጫታት’ኳ እንተለዎ፡ ብቀንዱ ስርዓት ህግደፍ ክስውድ፡ ቃሕ ዝበሎ ክፍጽምን ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕን ምኽኣሉ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ መሳርዑ ስለዘየስመረ፡ ስለዝለመሰን ምስ ቅንፍዝ ክነብር ስለዝመረጸን’ዩ።  

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 14 ጥሪ 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Henock .hagos January 15, 2018

    ኣየ ዘረባ ኣብ america ኮንካ ምዝራብ አባ ግርም መጀመርታ አቶም ከምዚ አልኩም txhfu ዘለኩም ብረትኩም ሒዝኩም ኣብ ሜዳ ዉትጹ ካባኡ አዞም ነኣሽቱ ወሎዶ ንሴበኩም ንስኹም ሓንሳብ ብሃይማኖት ሓንሳብ ብብሄር ሓንሳብ በኣውራጃ አንዳ ተባስኹም ከመይ ገርና ነዚ ናይ ቻካ ኣማሓዳሪ ወዲ መድህን በራድ ምስ ሰዓብቱን ክንትሰርጎም በጃኹም መጀመርታ ሓድነት ንመስርት ህዝብና ነድሕን ብዘይ ኣፈላላይ ኣስላም chritian ከይበልና ሕጂ ንወደበ

    • AHMED SALEH !!! January 15, 2018

      Henock
      I am lost to understand your questionable comment of false accusation . Neither
      the above article of XILAL nor the majority JUSTICE SEEKERS mention issues about
      Moslems/Christians except irrelevant argument you brought to deviate our attention .
      President Trump also call for UNITY but himself couldn’t set a positive example . In
      life it is unheard reality to use different sets of judgment and I admire people with
      principled standard .
      Remember African Americans civil right movement and the historic speech of Rev.
      Martin L. King ” I HAVE A DREAM ‘ .
      At this moment every justice seekers shouts ” I have a dream ” . Don’t get excited .

    • k.tewolde January 16, 2018

      ‘ኣየ ዘረባ ኣብ america ኮንካ ምዝራብ አባ ግርም መጀመርታ አቶም ከምዚ አልኩም txhfu ዘለኩም ብረትኩም ሒዝኩም ኣብ ሜዳ ዉትጹ ካባኡ አዞም ነኣሽቱ ወሎዶ ንሴበኩም’……like the good old song goes …’Every generation blames the one before…’ it seems the young buck is daring those approaching a retirement age to sling a gun and lead the way,fact is even in the Serengeti the aging king of the jungle watches with critical gaze while the young pride coordinates a strategy for the kill. Tsilal sometimes I feel like you sawing your golden seed into an artificial turf.Then again it is not their fault,somebody molded them to say so,to be that way.

    • Tesfit January 20, 2018

      Henock

      ኣባሃህላኻ ቅኑዕ እዩ። ኣብ ወጻኢ ተራእዩ ዘይፍለጥ ንሓድነትና ዝፈታትን ፍልላያት ይርአ ኣሎ። ከሰክፈካ ድማ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብዓልየትን ወገንን ተገማሚዑ ኣንጻር ህግደፍ ከድምዕ ኣይከኣለን። እዞም ነዚ ጉዕዞ ቓልስና ዝዕንቑፉ ዘለዉ ዉሑዳት እዮም እሞ እጃምካ ካብ ምብርካት ድሕር ኣይትበል። ህዝቢ ኤርትራ ድማ መተካእታ ሓይሊ ካብ እዚ መዓት ዘናግፎ ሲኢኑ ስደት ከም ምርጫ ክወስዶ ኸሎ የሕዝነካ። ሓደ መዓልቲ ሽግርና ከም ዘብቕዕ ግን እተኣማመን እየ።

  • Henock .hagos @yahoo.com January 16, 2018

    ኩቡራት ኣሕዋት english ayfelxn አየ አንድሕር ተጋግየ ከኣ ይቅረ ግበሩለይ ኣነ ካብ ኤርትረ ካብ zimexe ዓመትን ወርሕን አየ ገይረ ስደት ከቢድ ሙኻኑ ኣይርዳኤንን ነይሩ ብዝኾነ xhfoy ከሕትስሮ ኣብ eritrea ምፍልላይ ናይ ሃይማኖት ኣውራጃ ብሄረ ኣይራኤኩን ወላ ኣብ ሰርዊት ከለኹ ኣብ አኡሮጳ ምስ mexakun ግን ገርሙን ሰብ ኣብ you tube ቡዙሕ ሕማቅ ዘረባ ሰምዐ

    • AHMED SALEH !!! January 17, 2018

      Brother Henok
      Your apology is accepted but next time follow your alike and try to ignore the arrogant
      person who know nothing except to fight against own interest . Very few people preach
      suspicion and division among Eritrean communities because they have nothing positive
      deeds to offer . The funny part the loudmouths always attract attention .

  • Danilo January 16, 2018

    ኩቡር ሓው Henock,ርእይቶኻ ቁቡል ኣዩ።ግን፡ ግትር ዝበለ ጥረ-ሓሳብ ወይ ጸዊዕት ብምቅራብካ “ሞት ሕጹይ “ኮይኑና ‘ድኣ’ምበር፡ ንወቃቀሰሉን እቅረታ ንተሓተተሉን መድረኽ ኣይኮነን።ኩሉ ኤርትራዊ ብሰንኪ ኣምልኾ ሓደ ሰብኣይ ” ኣይጠወርቲ ኣይተጠወርቲ” ጹጉማት ኢና።ዝጨነቆ ውላድ ” መቃብር ኣብኡ ፋሕተረ ” ከምዝበሃል እቲ ዝዓበየ ጾር ጾር መንእሰያት እዩ’ሞ ብርዒ’ውን ስለትዋጋእ ቀጽል ጽሓፍ።

Post a Reply to Tesfit Cancel Reply