Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውረድ ንዕዳጋ

ውረድ ንዕዳጋ        እዝኒ እንተ ጸመመ ልቢዩ ሰማዒ      ካብ ዓይኒ እንተገለለ መንፈስ ዩ ዝርኢ      ንምንታይ ግን ትሕሱ ተጣቅዕ እንድዒ            ልምዓት እንዳ በለ ሃገር ኮይና ዑና        

ውረድ ንዕዳጋ
       እዝኒ እንተ ጸመመ ልቢዩ ሰማዒ
     ካብ ዓይኒ እንተገለለ መንፈስ ዩ ዝርኢ
     ንምንታይ ግን ትሕሱ ተጣቅዕ እንድዒ
           ልምዓት እንዳ በለ ሃገር ኮይና ዑና
          ዩንቨርስቲ ዓጽዩ ኣብዚሑ ዱጓና
           ጻማ ናይ ራሃጽካስ ካን ዶ ንሳ ኾይና
        ሞሳ ዓጽመ ደምካስ ካን ዶ ውርደት ኾይና
       ሕድሪ ስዋኣትካስ ካን ዶ ስደት ኮይና
እንተ ቲ ኣነ ግን፡;-)
ሕማማ ሕማመይ ናይ ሕልና ዕዳይ
ዋልታ ክኾነላ ካብ ስሱዓት ገዳይ
         ደመይ፡ ሰብነተይ ሕብራ’ ንድዩ ዝሕብሩ
         መልክዕ ብርሃን ገጻ ወጅሃ  ተቀይሩ
         ኩሉ እንዳ ራኣኹ ኣካላ ዓቢሩ
         ደቃ ኣብ ጉድጓድ ጓኖት ክዕንድሩ
         ድቃስ ከሊኡኒ ሲኢነ ምጻሩ
ኣንቲ ንስኺ ኸ;-)
   ከመይ ኪኢልክዮ ትጾሪ ንኹሉ
   ከርስኺ ስ ዓሸወ ዶ ምሒር ተታሊሉ
    ወንስ ደቀሰ ዶ ቆሞና ተሰይሩ
     ኣባ ጓይላ ጽሉል ሳዕሳዕቲ ሰኸሩ
    ንሱ ዝብኢ ኾነ ንሳቶም  ወኻሩ
    ኣካሎም ክበልዑ ብወርሒ ዝመኽሩ
    ብተንኮልን ዕብዳንን መዋእል ኣቅጸሩ
    ደወል ደውልሎም እንተ ተበራበሩ
         ኣይ ዓዲ በረኻ ኣጉል ኮይኑ ናብራ
         ሃዳናይ በዚሑ ጸኒቱ ሰብ ከም ዛግራ
ለምዒ ስልማትኪ ከም ቆጽሊ ረጊፉ
ሰውሒ ሻኻ ለምለም ጣዕምኺ ሃፊፉ
ሓቂቅ ዛራ ማይኪ ዒላኺ ነጺፉ
     ዘይ ብሱል ኣእምሮ ስይጣናዊ ጨካን
      ኮርስ ዝወሰደ ብምዝራግ ምብታን
    ዘርእና ከጽንት ብሜላ ብሽሕጣን
          ይኣኽለና እንዶ ታ ይኣክል ንበሎ
          እንጀራ ዓዲ ጓና መቀረት ጎደሎ
         ደገና ክብለጭልጭ ውሽጥና ጸለሎ
          መኔና ረቢሑ ኣነ ይበል እንተ ሎ
          ሕሉፍ ኣይነሳሲ ሕጂ ግን ንዳሎ
                  ዕድል ኣይንሃቦ ብገደል ነጽድፎ
                 ንውጹዕ ዘይ ንሕፍ መን ከ  ከይንሕፎ
                 ግናይ ከይ ገድፈልና ኣርሕቅና ንጉሓፎ
 እንትርፎ ሓሳዊ ኣይደልን ደጋፊ
ባዕሉ ንዝመርጾ መንገዲ ናይ ጸድፊ
ኮምፓስ ኣየድልዮን ንዕውር መራሒ
         ‘ቲ ኣረጊት ከልቢ ቲ ነቃዕ መንጋጋ
          ንሱ ዝደርበየን  ክትመናጭት ስጋ
         ኣስናኑ ረጊፉ እንኮሎ  ኣትዩ ኣብ ሓደጋ
        ኩሉ እንዳ ረኣኻ ሃገር ተሳሒጋ
       ፍልልይካ ኣጽቢብካ ውረድ ንዕዳጋ
       ብፍትሒ ተመዘን ተሰራዕ ብሪጋ
      ህዝቢ ክገዝኣካ ብዝሓሸ ዋጋ።
                     set by tuumzghi tesfalem
                     26/11/2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Simon G. November 26, 2018

    That is really deep, tuumzghi!
    Very powerful Poem!!!
    —————————————-

    I was thinking, how about calling Eritrea as a male rather a female, just for a change (no offense my sisters)?
    Please allow me to do that for a brief moment.
    ————————

    ——-ኤርትራ ተባዕታይ’ዩ——-
    ቆልዓ ከይሞተካ ትጽውዖ ጎደፋ
    ትዕበ-ተኽኣ ትብለን ብገና ከይሓልፋ
    ተረኽብካ ተስፋ
    ተተመሰለልካ
    ———————
    ሕጂ ድማ ዛሃገረይ ከይስእና
    ካብ ጓል ኣንስተይቲ ናብ ተባዕታይ ክቕይራ
    ተቐየረላ ሃገረይ ኤርትራ
    ———–
    ኣይትሓዙለይ
    ኣይትቀየሙለይ
    እንታይ ክገብር እንተቐየረለይ
    ጾታኣ ቀይረዮ ባዕለይ
    ሪአ ከይጸግብክዋ
    ከየስተማቐርኩዋ
    ናብታ ናይ ቀደማ ከየጸግዕዋ
    እንታይ ግዲ ‘ለዎ
    ካብ ሎም ተባዕታይ ዩ እንተበልኵዎ
    ————–
    ክዓበይለይ
    ጎርፋዕፋዕ ኢሉ ለመለም ክኾነለይ
    ቲ ጾታ ቀይረዮ ባዕለይ
    ————-
    ካብ ጻዕረ ሞት ክትስእ
    ሓመዱ ነጊፉ ብድ ድ ክብል
    ንቕድሚት ክምርሽ ብፍጥነት ክምዕብል
    ቂሙ ረሲዑ ቁስሉ ክሓብእ
    ————–
    ህዝቡ ተስፋ ንኽረክብ
    ብጾቱ ከርክብ
    ኣብ ክንዲ ጠበንጃ: ብርዒ ስልጣነ ምዕባለ
    ኮዮ ገጥ ኣቢሉ: ኣብ ክንዲ ሽዳ-ጋምባለ
    ኣብ ክንዲ ቁምብላ-ፈንጂ
    ማሕ! ከብሎ: ጩራ ተክኖሎጂ
    ተራእየኒ ሕጂ
    ክምስምስ በልኩ
    ብፍስሃ ሰኸርኩ
    —————–
    ለካስ ሰኣን ተባዕታ’ዩ ምባል
    ዩ ጸገም ናይ ምድስካል
    ናይ ኣእምሮ ኾነ: ናይ ኣካል
    ይኣክል ምብካል
    ኣይንድመርን በሎም ነዞም ኣብቃል (upgraded from ኣድጊ)
    ዘምረሎም ይበቃል-ይበቃል
    ብቋንቋኦም
    መታን ክርደኦም

    • k.tewolde November 27, 2018

      tuum/Simon,a harmonious duet,a delicious political acapella,you take my mothers vocal cords to another level,the language that I uttered my first words before I started walking,you are a natural symphony,this is a creative expression in its highest form which is taboo in HGDEF’s world,brothers don;t take it for granted.Thanks.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply